ኣገልግሎት መጓዓዝያን ልምዓታዊ መደባትን ኣብ...

12
መበል 24 ዓመት ቁ. 194 13 መጋቢት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ዓርቢ ገጽ 3 ሓምየያ ገጽ 5 ቶማስ ኣኳይናስ ገጽ 9 “እተጥርዮ ሞያ ክትዓብየሉ ኣለካ” ዛይድ ተስፋሚካኤል፡ መራሒት ኣውቶቡስ ከተማ ገጽ 11 “ንማዕከናት ዜና ኣይዛረብን እየ” ክርስትያኖ ሮናልዶ ገጽ 12 ኢራን ደቂ-ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ከይጥቀማ ዝእግድ ሕጋጋት ነዲፋ ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝጸንሐ ሕጽረት ኣብ ምቅላልን ስሉጥነትን ብቕዓትን ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ኣብ ምድራዕን ኣበርክቶ ዝገብራ ዘመናውያን ኣውቶቡሳትን ከበድቲ ማሽነሪን ናብ ሃገር ኣትየን። እተን ብወደብ ባጽዕ ዝኣተዋ ብርክት ዝበላ ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ኣገልግሎት ከተማን ገጠርን ዝውዕላ፡ እተንማሽነሪድማናብ’ተንኣቐዲመን ዝኣተዋ ተጸንቢረን ኣብ ምስራሕ ጽርግያታት፡ ምህናጽ መኸዘኒ ማይ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ልምዓታዊ መደባትን ኣብ ምድራዕ ኣበርክቶ ዝገብራ ዘመናውያን ኣውቶቡሳትን ማሽነሪን ናብ ሃገር ኣትየን ብቕዓትን ደረጃን ተመሃሮ ንምሕያል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ወለዲን ኣመሓደርቲ ከባቢን ድማ ብፍላይ ክዓዝዝ ከምዝግባእ፡ ብ5 መጋቢት ኣብ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ኣብ’ቲ ርእሰ-መምህራን፡ ወለዲ፡ ኮሚተ ተመሃሮን ኣመሓደርቲ ከባቢን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ መምህር ሳልሕ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንዝያዳ ውጽኢትን ተወዳዳርነትን ተመሃሮ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ መምህራን ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ተራ ኣመሓደርቲ ምምሕዳራት ከባቢን ወለዲን ክሕይል ከምዝግባእ፡ እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ድማ ድኹም ጎኒ ተመሃሮ ተለልዩ ንምፍዋሱ ብግቡእ ክስራሓሉ ተላብዩ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ ብወገኑ፡ ብቕዓት ተመሃሮ ኣብ መምህራን ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ስለዘይኮነ፡ ምክትታል ወለድን ኣመሓደርትን ከምዘድሊ ብምሕባር፡ ተመሃሮ ብድስፕሊን ዝተሃንጹ ኣፍረይቲ ዜጋታት ንክኾኑ፡ ወለዲ ኩነታት ጊንዳዕ፡ ብቕዓትን ደረጃን ተመሃሮ ንምብራኽ ዝካየድ ሓባራዊ ጻዕሪ ክሕይል መዘኻኸሪ ቀሪቡ ደቆም ብቐጻሊን ብግቡእን ክከታተሉን ድኽመታት ደቆም ብኣግኡ ክገትኡን፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኮሚተ ወለድን ድማ ምስ መምህራን ሓቢሮም ክዓዩ ኣተሓሳሲቡ። ተሳተፍቲ ድማ፡ ዘሎ ሕጽረት ናውቲ ብቐንዱ ድማ ናይ ሰደቓታት ቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ፡ ኣገዳስነት ቅድመ- ትምህርቲ ንምስራጽ ጎስጓሳት ክሕይል፡ ንጥፈታት ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ኣብ ኣብያተ- ትምህርቲ ክድፍኣሉ ዝብሉን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ትሕተ-ቅርጺ፡ ምስራሕ ድንድላትን መእለዪ ወሓይዝን ከምኡ’ውን መደባት ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ካልእን ስትራተጅያዊ መደባት ተዋፊረን፡ ዝጸንሐ ዓቕሚ ኣብ ምድራዕ ልዑል ኣስተዋጽኦ ክገብራ ምዃነን ተፈሊጡ። እዘን በብእዋኑ ዝኣትዋ ዘለዋ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳትን ዘመናውያን ማሽነሪታትን፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ቊጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽን ኣብ መላእ ሃገር ዝሰላሰል ዘሎን ኣብ መጻኢ ዝትግበርን ሰፋሕቲ መደባት ልምዓት መቐይሮ ከምዘምጽኣ ኣየጠራጥርን። ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ጀሚሩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ምንቅስቓስ ደረቕን ፈሳስን ጽዕነት፡ መጥፋእቲ ሓዊ ከምኡ’ውን ናይ ሕርሻ ትሕተ- ቅርጽን ህንጻዊ ስራሓትን ዝውዕላ ብርክት ዝበላ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለወን ኣውቶቡሳት፡ ቦጣትን ዘመናውያን ማሽነሪን ብብዝሒ ናብ ሃገር ክኣተዋ ምጽንሐን ይፍለጥ። ***

Upload: others

Post on 08-Feb-2021

2 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 24 ዓመት ቁ. 194 13 መጋቢት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

    ዓርቢ

    ²Ãö 3

    ²Ãö 3

    ገጽ 3

    ሓምየያ

    ገጽ 5

    ቶማስ ኣኳይናስገጽ 9

    “እተጥርዮ ሞያ ክትዓብየሉ ኣለካ”

    ዛይድ ተስፋሚካኤል፡ መራሒት ኣውቶቡስ ከተማ

    ገጽ 11

    “ንማዕከናት ዜና ኣይዛረብን እየ” ክርስትያኖ ሮናልዶ

    ገጽ 12

    ኢራን ደቂ-ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ከይጥቀማ ዝእግድ ሕጋጋት ነዲፋ

    ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝጸንሐ ሕጽረት ኣብ ምቅላልን ስሉጥነትን ብቕዓትን ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ኣብ ምድራዕን ኣበርክቶ ዝገብራ ዘመናውያን ኣውቶቡሳትን ከበድቲ ማሽነሪን ናብ ሃገር ኣትየን።እተን ብወደብ ባጽዕ ዝኣተዋ

    ብርክት ዝበላ ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ኣገልግሎት ከተማን ገጠርን ዝውዕላ፡ እተን ማሽነሪ ድማ ናብ’ተን ኣቐዲመን ዝኣተዋ ተጸንቢረን ኣብ ምስራሕ ጽርግያታት፡ ምህናጽ መኸዘኒ ማይ

    ኣገልግሎት መጓዓዝያን ልምዓታዊ መደባትን ኣብ ምድራዕ ኣበርክቶ ዝገብራ ዘመናውያን ኣውቶቡሳትን ማሽነሪን ናብ ሃገር ኣትየን

    ብቕዓትን ደረጃን ተመሃሮ ንምሕያል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ወለዲን ኣመሓደርቲ ከባቢን ድማ ብፍላይ ክዓዝዝ ከምዝግባእ፡ ብ5 መጋቢት ኣብ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።ኣብ’ቲ ርእሰ-መምህራን፡ ወለዲ፡

    ኮሚተ ተመሃሮን ኣመሓደርቲ ከባቢን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ መምህር ሳልሕ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንዝያዳ ውጽኢትን ተወዳዳርነትን

    ተመሃሮ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ መምህራን ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ተራ ኣመሓደርቲ ምምሕዳራት ከባቢን ወለዲን ክሕይል ከምዝግባእ፡ እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ድማ ድኹም ጎኒ ተመሃሮ ተለልዩ ንምፍዋሱ ብግቡእ ክስራሓሉ ተላብዩ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ

    ኣቶ ዑመር ያሕያ ሓጅ ብወገኑ፡ ብቕዓት ተመሃሮ ኣብ መምህራን ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ስለዘይኮነ፡ ምክትታል ወለድን ኣመሓደርትን ከምዘድሊ ብምሕባር፡ ተመሃሮ ብድስፕሊን ዝተሃንጹ ኣፍረይቲ ዜጋታት ንክኾኑ፡ ወለዲ ኩነታት

    ጊንዳዕ፡ ብቕዓትን ደረጃን ተመሃሮ ንምብራኽ ዝካየድ ሓባራዊ ጻዕሪ ክሕይል መዘኻኸሪ ቀሪቡ

    ደቆም ብቐጻሊን ብግቡእን ክከታተሉን ድኽመታት ደቆም ብኣግኡ ክገትኡን፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኮሚተ ወለድን ድማ ምስ መምህራን ሓቢሮም ክዓዩ ኣተሓሳሲቡ። ተሳተፍቲ ድማ፡ ዘሎ

    ሕጽረት ናውቲ ብቐንዱ ድማ ናይ ሰደቓታት ቅልጡፍ ፍታሕ ክግበረሉ፡ ኣገዳስነት ቅድመ-ትምህርቲ ንምስራጽ ጎስጓሳት ክሕይል፡ ንጥፈታት ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክድፍኣሉ ዝብሉን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

    ትሕተ-ቅርጺ፡ ምስራሕ ድንድላትን መእለዪ ወሓይዝን ከምኡ’ውን መደባት ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ካልእን ስትራተጅያዊ መደባት ተዋፊረን፡ ዝጸንሐ ዓቕሚ ኣብ ምድራዕ ልዑል ኣስተዋጽኦ ክገብራ ምዃነን ተፈሊጡ።እዘን በብእዋኑ ዝኣትዋ ዘለዋ ናይ

    ህዝቢ ኣውቶቡሳትን ዘመናውያን ማሽነሪታትን፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ቊጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽን ኣብ መላእ

    ሃገር ዝሰላሰል ዘሎን ኣብ መጻኢ ዝትግበርን ሰፋሕቲ መደባት ልምዓት መቐይሮ ከምዘምጽኣ ኣየጠራጥርን።ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2011

    ጀሚሩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ምንቅስቓስ ደረቕን ፈሳስን ጽዕነት፡ መጥፋእቲ ሓዊ ከምኡ’ውን ናይ ሕርሻ ትሕተ-ቅርጽን ህንጻዊ ስራሓትን ዝውዕላ

    ብርክት ዝበላ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለወን ኣውቶቡሳት፡ ቦጣትን ዘመናውያን ማሽነሪን ብብዝሒ ናብ ሃገር ክኣተዋ ምጽንሐን ይፍለጥ።

    ***

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 2

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

    ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ናይሮቢ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካዪዱ።ኣብ’ቲ ሰሚናር፡ ኣምባሳደር

    በየነ፡ ኤርትራ ደሴት ሰላም ኮይና ዘላ ፍረ መስዋእትን ጽንዓትን ህዝባን ጽኑዕ ፖለቲካዊ መስመራን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣንጻሩ ንዝቐንዑ ሕብረ-ብዙሓዊ ተጻብኦታት ብንቕሓት ስለዝገጠሙን ስለዝመከቱን፡ ኣብ ዝደልደለ ባይታ ረጊጾም ምህላዎም ብዝርዝር ኣብሪሁ።“ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰን

    ኣምባሳደር በየነ ርእሶም፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ናይሮቢ ሰሚናር ኣካዪዱ

    ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈለን፡ ንሓፋሽ ዘርብሕ ህዝባዊ ስርዓት ንምትካል’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር በየነ፡ መንግስቲ ኤርትራ - ዓቕሚታቱን ጸጋታቱን ኣወሃሂዱ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ምህላው ብምንጻር፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ገስጋስ መርኣያ ናቱ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ። ኣምባሳደር በየነ ርእሶም

    ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ዓቕሞምን ክእለቶምን ብምዕባይ ኣብ ህንጸት ሃገር ኣበርክቶኦም ከደንፍዑ፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓ ዘንቀደ ተጻብኦታት ብንቕሓት ንምግጣም ድልውነቶም ደጊሞም ከረጋግጹ

    ኣዘኻኺሩ።ኣደ-መንበር ጨንፈር ሃማደኤ

    ኣብ ኬንያ ወይዘሮ ምዕራፍ ባህታ ቃል ማሕበር ከተስምዕ እንከላ፡ ወከልቲ ሃገራውያን ውዳበታት ድማ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ከምዘቕረቡ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣባላት

    ጨንፈር ሃማደኤ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን - ሆላንድ፡ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ብድምቀት ከምዝጸንበላ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ

    ኣመልኪቱ።ቈንስል ኤምባሲ ኤርትራ

    ኣብ ሆላንድ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቊጠባዊ ዕቤት ደቂኣንስትዮ ማዕርነት ኣብ ምርግጋጽ ይኹን ምድንፋዕ ሃገራዊ ልምዓት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ደቂኣንስትዮ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ኣብ መኸተን ልምዓትን ዘካይድኦ ቃልሲ፡ ቊጠባዊ ዓቕመን ንምዕባይ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።ኣደ-መንበር ሃማደኤ ጨንፈር

    ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ወይዘሮ

    ኣዜብ ተኸስተ ብግደኣ፡ ሃማደኤ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ቃልሲ ኣበርክቶኡ ኣድማዒን ቀጻልን ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ እዚ ኣበርክቶ’ዚ ዝያዳ ንኽድንፍዕ፡ ውዳበኡ ብምሕያልን መደባቱ ብምውርጻጽን ከምዝነጥፍ ኣረጋጊጻ።እቲ ጽንብል፡ ንክብርን

    ተወፋይነትን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ብዘንጸባርቕ መሰናድኦታትን ህዝባዊ ጓይላን ደሚቑ ምንባሩ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

    ***

    ኣብ ቀንዲ መስመር ኣስመራ - መንደፈራ ዝርከብ ሸውዓተ ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ ዓቐበት መንጉዳ፡ ብኩባንያ ህንጻ ብድሆ ይጽገን ከምዘሎ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።እዚ ብትሪ ዓቐበቱን ብብዝሒ

    ብዘጋጥም ሓደጋታትን ዝልለ ዝነበረ ጽርግያ፡ መንግስቲ ኣቓልቦ ሂቡ ስለዘስፍሖ ሓደጋታት ኣዝዩ ከምዝነከየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡

    ጽርግያ መንጉዳ ይጽገን ኣሎኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብውሕጅን ጽዑቕ ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ስለዝተበላሸወ፡ መንግስቲ ባጀት ሰሊዑሉ ናይ ጽገና ስራሓት ይካየደሉ ኣሎ።ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ ኣባል

    ኩባንያ ህንጻ ብድሆ ጆሜትራ ዳንኤል ኪዳነ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዝጀመረ ጽገና፡ መናድቕ ደንደስ ጽርግያ ቀዳምነት

    ተዋሂብዎ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ስራሕ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ኣብሪሁ።ዘይምቹእ ቅርጺ መሬትን ጻዕቂ

    ዝንቀሳቐስ ተሽከርከርትን ካብ ብድሆ ናይ’ቲ ስራሕ ምዃኑ ዝሓበረ ጆሜትራ ዳንኤል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብእርጋን፡ ሓደጋታትን ውሕጅን ተበላሽዮም ዘለዉ ቢንቶታት’ውን ቆላሕታ ክግበረሎም ኣዘኻኺሩ።

    ኣባላት ቦርድ ሃማደኤ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ብዘቤታዊ ጉጅለ ንዝእለዩ ዘኽታማት ናይ ክዳውንቲ ሓገዝ፡ ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገባ ነበርቲ ናይቲ ንኡስ ዞባ ዝኾና ተመሃሮ ድማ መተባብዒ ሂበን።ኣብቲ ብምኽንያት 8 መጋቢት

    ዝተወደበ መደብ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ኣለም በላይ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ኣብ’ቲ ዞባ ብሓፈሻ

    ልዑል ነጥቢ ንዘምጸኣ ልዕሊ 450 ተመሃሮ መተባብዒ ከምእተገብረለን ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ጎዳእቲ ባህልታትን ልምድታትን ንምውጋድ ኣበርክቶአን ከሐይላ ጸዊዓ።ንተኣለይቲ ምሕጋዝ ክብርታት ህዝቢ

    ኤርትራ ምዃኑ ዝጠቐሰት ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ሰማይነሽ ሃብተ፡ ንብሉጻት ተመሃሮ ዝተዋህበ መተባብዒ ኣብ ተወዳዳርነተን

    ኣባላት ቦርድ ሃማደኤ - ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ንዘኽታማት ሓገዝ፣ ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገባ ተመሃሮ ድማ መተባብዒ ሂበን

    ንቕድሚት ዝደፍእ ጸዓት ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ንዝለዓለ ዓወት ክጽዕራ ኣዘኻኺራ።ዝተሸለማ ተመሃሮ ንኤሪና ኣብ ዝሃብኦ

    ሓበሬታ፡ ብልዑል ነጥቢ ምሽላመን ኣዝየን ሕጒሳት ምዃነን ብምምልካት፡ እቲ መተባብዒ ዝያዳ ንኽጽዕራ ሓላፍነት ዘሰክመን ብምዃኑ፡ ኣበርቲዐን ከምዝነጥፋን ንዝደኸማ ተመሃሮ ክሕግዛ ዝከኣለን ከምዝጽዕራን ኣረጋጊጸን።

    ኣገደስቲ ተሌፎናትፖሊስ

    127799

    ኮርፖሬሽን ኤለክትሪሲቲ

    122222/122226

    ሚኒስትሪ ዜና

    201820

    ሆስፒታል ኦሮታ

    201917

    ሆስፒታል ሓሊበት

    185400

    ፋርማሲ ቁ.1

    127565

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 3

    ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሻሂ ክሰቲ ኢለ እናወጻእኩ እንከለኹ፡ ሓንቲ ዓው ኢላ እትጻረፍ ጎርዞ ንኣቓልቦይ ሰሓበቶ። ቅድም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዋ ከይትኸውን እየ ጠርጢረ። እዚ ጥርጣረ እዚ ገና ኣብ ኣእምሮይ እንከሎ ድማ፡ “ንዓይ ድያ?” ኢለ ቁሊሕ ኢለያ። ኣይፈልጣን እየ። ንዓይ ኣይኮነትን - ደምዲመ። ንመን እያ ትጻረፍ ዘላ? ኢለ ንነብሰይ

    ሓተትኩዋ። ኣብ ማእከል ከተማ፡ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ከይብሉኒ ዝብሃል ነገር ስለ ዘሎ ናይ ውሽጥኻ ኣብ ውሽጥኻ ጌርካ ኢኻ እትኸይድ። ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብዙሕ ግዜ ንፋስ ኣይተህርሞን ኢኻ። እዛ ጓል ክሳብ ክንድዚ ነዲራ ክትጻረፍ ዝገበራ እንታይ እዩ? ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ዒላማ ነድራ ዝኾነ ሰብ ኣብ ጥቓይ

    እንተሎ ክርኢ ኢለ - ኣብ ዙርያይ ቁሊሕ ኢለ።“ተረፍ ሕርቕርቖታ እዩ” በለትኒ ኣብ

    ጥቓይ ዝነበረት መዘናኣ እትኸውን ካልእ ጎርዞ። “ንዓኺ ድያ?”

    ሓምየያ

    “ኣይፋላን። ነዚ ሓወይ እያ።” ኣብ ጥቓና ሓደ ብሽክለታ ዝሓዘ መንእሰይ ነይሩ። “ምናልባሽ እዚ ወዲ ሰብኣያ ዝነበረ

    እዩ ዝኸውን። ብናይ ሓዳር ጉዳይ ድማ ተሳሓሒቦም ኣለዉ። ፍሉጥ እዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ተረቲዓ ኣላ። እዚ እዩ ዘነድራ ዘሎ!” “ተረቲዓ ድያ?” “ኣይኮነትን።” እታ ጎርዞ

    መሊሳትለይ። “ነዚ ሓወይ ሃሪሙኒ

    ኢላ እያ ከሲሳቶ”“ኣሃ! እምበኣር ብናይ

    ሓዳር ጉዳይ ኣይኮኑን ተኻሲሶም። ኣነ ድማ ሰብኣይን ሰ በ ይ ት ን መሲሎምኒ ጸኒሖም።”“ቤት ፍርዲ

    ድማ ከም ዝተ ሃ ረመኪ መርትዖ ኣምጽኢ ኢሎማ” እታ ጎርዞ

    ቀጺላትለይ። “ንሳ ድማ ሓሚማ ዝተሓከመትሉ ወረቐት ሒዛትሎም መጺኣ።”“እዋእ! ዝሓመመትሉ ወረቐት ደኣ ቤት

    ፍርዲ እንታይ ክኾኖ? ናይ ማህረምቲዶ ኣይኮኑን ኢሎምዋ?” “እሞ ሕጂ ዘነድራ ዘሎ እንታይ እዩ?”

    ነታ ጎርዞ ሓቲተያ። “ንሳ ተሃሪመ ትብሎ ዘላ መዓልቲ -

    ዕለት 1 እዩ” እታ ጎርዞ መብርሂ ክትህብ ጀመረት። “እቲ ንሳ ንቤት ፍርዲ ናይ ዝሓመመትሉ እተቕርቦ ዘላ ድማ ናይ ዕለት 23 እዩ።”“እሞ ከምዚ እንተ ኾይኑ ደኣ ከመይ

    ኢላ ክትረትዕ? ከምዚ እንተ ኾይኑ ክትረትዕ ኣይትኽእልን

    እያ።”እታ ነዲራ ዝነበረት ጎርዞ

    ንምዕራብ ገጻ፡ ንሕና

    ድማ ንምብራቕ ገጽና ሰጎምና። ኣብ ኩርናዕ እቲ ቤት ፍርዲ ምስ በጻሕና እቲ

    መንእሰይን እታ ጎርዞን ጽርግያ ሰገሩ። ኣነ ድማ ሻሂ ክሰቲ ናብ ወገን ደቡብ ሒዘ መንገደይ ቀጸልኩ። ኣብቲ እንዳ ሻሂ ክሳብ ዝኣዘዝኩዎ ሻሂ

    ዝመጽኣለይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንገደይ ዘጓነፈኒ ነገራት ሓሰብኩ። ኩሉ ብዛዕባ እታ እትጻረፍ ዝነበረት

    ጎርዞ ዝበልኩዎ፡ ክትረትዕ ከም ዘይትኽእል ዝወሰነኩዎ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ከም ዝነበረ ኣስተብሃልኩ።ነዛ ጎርዞ ቅድሚ ሕጂ ርእየያ ኣይፈልጥን

    እየ። ብሓቂ እቲ መነደሪኣ ምኽንያት እታ ሓንቲ ጎርዞ ከም እትብሎ ዘላ ድዩ? ዝፈልጦ ጉዳይ ኣይነበረንን። ብሓቂኸ እቲ ባእሲ ተፈጺሙ ድዩ? ምንም ኣይፈልጥን እየ። ምናልባት እቲ ወዲ ነዛ እትጻረፍ ዘላ ሰብኣያ፡ እቲ ዘራኽቦም ዘሎ ጉዳይ እውን ጉዳይ ሓዳር ክኸውን ይኽእል እዩ።

    እቲ ዘባእስ ዘሎ ጉዳይ ድማ “ሃሪሙኒ”፡ “ኣይሃረምኩዋን”

    ዘይኮነስ “ቀለብ ቈልዓ ከሊኡኒ” “ኣይከላእኩዋን” ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ ካልኣይቲ ጎርዞ ድማ ሓብቱ ነቲ

    መንእሰይ ክትከውን ትኽእል እያ። እታ ጎርዞ “ሓዋ ፈጺምዎ ክኸውን ንዝኽእል ነውሪ” ንንፋስ ከይትህቦ ኢላ ምህዝ ኣቢላ ዘየሎ ታሪኽ ነጊራትኒ ክትከውን ትኽእል። ብሕጽር ዝበለ ኣብ መርትዖ ዘይብሉ ጉዳይ ፍርዲ ከም ዝሃብኩ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ዳሕራይ ምስ ተመለስኩ ንሓደ መሳርሕተይ ኣዕሊለዮ። “እንታይ ድዩ ኣጓኒፉኒ መስለካ?”“ህ. . . ?”ኩሉ ኣዘንትለየሉ።“እንታይ እብሃል ወደይ ኣነስ?”ተናዚዘሉ

    ነቲ መሳርሕተይ። “ዝፈለጥኩ ዘይብለይስ ነዛ ጓል ክትረትዕ ከም ዘይትኽእል፡ እቲ ምጉታ ድማ ተስፋ ከም ዘይብሉ እኮ እየ ፈሪደያ።” ነቲ መሳርሕተይ ጠሚተዮ። “ካብ ኣፋ እኳ ምንም ኣይሰማዕኩን”

    ዕላለይ ቀጺለሉ። “እዚ ዝብሃል ዘሎ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን ዝፈልጦ የብለይን። እንታይ ይብሃል እዚ? ብሓቂ ካብ ኣፍ ክልቲኦም ተማጎትቲ ከይሰማዕካኸ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ይዝረብ ድዩ?” ንነብሰይ ኣጸቢቐ ሓምየያ።

    ቅድሚ ገለ ሳምንቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርትና ኣብ መንጎ መማህራን ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣካይድና። ኣብ ክልቲአን ጋንታታት እንትርፎ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ - ሓደ ኣብታ ሓንቲ ጋንታ፡ እቲ ካልኣይ ኣብታ ካልኣይቲ - ኩለን ተጻወትቲ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣነ ሓደ ካብቶም ደቂ

    ተባዕትዮ እየ። ጸወታ ንመዘናግዒ እምበር ካልእ

    ዕላማ ኣይነበሮን። መማህራንን ተማሃሮን ክዘናግዑሉ ድማ እዩ ተወዲቡ። ግጥም ኩዕሶ እግሪ ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጎ ተማሃሮ እምበር ኣብ መንጎ መማህራን ኣይውደብን እዩ። እንተ ተወደበ ድማ ሳሕቲ እዩ። ስለዚ ግጥም ኣብ መንጎ መማህራን ኣዝዩ ብርቂ ተርእዮ እዩ ኣብ ቤት ትምህርትና። በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ጸወታ ክርኢ ተማሃራዩ ይኹን መማህራኑ ተኣከበ። ኣብ ዙርያ እቲ ሜዳ ድማ ደው ኢሉ ክዕዘብ ጀመረ። ኣብ ጸወታ ምስ ኣተና ሓሳባተይ

    ክቀያየር ኣስተውዓልኩ። እቲ ጸወታ መዘናግዒ ምዃኑ ተሪፉ ናይ ብሓቂ ውድድር ኮይኑ - ንዓይ። ኩዕሶ ምርኣይ ኣይፈቱን እኳ ይኹንምበር ምጽዋት ኣዝዩ እዩ ባህ ዝብለኒ። ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኽብኩሉ ድማ ካብ ምጽዋት ድሕር ኣይብልን እየ። ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ዝብገስ

    ውድድርኣብ ምጥቃዕ እየ ኣድሂበ ዝጻወት። ብፍላይ ቈልዓ ከለኹ ብክንፊ ምጉያይን

    ኩዕሶ ሒዝካ ምኹብኳብን ይጽግመኒ ስለ ዘይነበረ ሓይለይ ኣብ ምጥቃዕ እዩ። ኣብዚ ጸወታ እዚ ግን

    ከምኡ ኣይነበርኩን። ኣብ ክንዲ ከጥቅዕ ዝፍትን ጎል ከመዝግብ ድማ ዝፍትንን ኣብ ምክልኻል ጥ ራ ይ

    ኣድሃብኩ። ኣፍልጦ ኩዕሶ እግሪ ዘይብሎም ሰባት

    ፍሉጣት እዮም። ደድሕሪ ኹዕሶ ድማ እዮም ዝጎዩ። ቦታኻ ምሕላው፡ ዝተዋህበካ ምዕማም ዝብሃል የለን። ሰስራሕካ ድማ ኣብ ተልመዴን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ

    ኣይፍለጥን እዩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣብ ጸወታ ከለኹ

    ኣብ ርእሰይ ዝመላለስ ዝነበረ ሓሳባት ድማ ጎል ከየመዝግቡልና እሞ ከይንስዓር ነበረ። በዚ ምኽንያት እየ ድማ ናብ ልዳት ጋንታና ክመላለስ ዝወዓልኩ። ካብዚ ጸወታ ብዙሕ ነገራት ተማሂረ።

    እቲ ቀንዲ ሓይለይ ኣብ ምጥቃዕ ክነሱስ ኣብኡ ክነጥፍ ኣይከኣልኩን። ብዝያዳ እኳ ደኣ ኣብቲ ኣጸቢቐ ዘይመልኮ ነገር - ኣብ ምክልኻል ኣተኲረ ክሰርሕ ከም ዝወዓልኩ ተረዲኡኒ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምክልኻል ኣብ ምጥቃዕ ጥራይ ኣድሂበ እንተ ዝኸውን ነይረስ እቲ ባዶ ብባዶ ዝተዛዘመ ጸወታ ክቕየርዶ ምተኻእለ ነይሩ ይኸውን? ናተይ ጥራይ ዘይኮነስ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ጋንታ ዝነበረት ተጻዋቲት ኣብቲ ዝያዳ እተድምዓሉ ክእለት - ምጥቃዕ፡

    ምክልኻል፡ ምክልኻልን ምጥቃዕን ወዘተ - እንተ ትጻወትከ? ቀዳማይ ትምህርቲ - ኣብ ግዜ ውድድር

    ሰብ ኣብ ህልኽ እዩ ዝኣቱ። በዚ ምኽንያት ድማ ኩሉ ናቱ ጸዓት ድማ ኣብ ምፍጣር ጥራይ እዩ ዘጥፍኦ ክብሃል ኣይከኣልን። ብዙሕ ግዜ እቲ መቐናቕንትኻ ሰብ ወይስ ጉጅለ ኣብ ዝገበሮ

    ዘሎ ነገራት እናረኣየ ከይሰምረሉ (ንኣብነት ሸቶ ከየመዝግበልካ) ጸዓትካ ከተባኽን ትኽእል ኢኻ። ካልኣይ ትምህርቲ - ኣብ ግዜ ውድድር

    መራሒ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ኣብዚ ዝነበረ ጸወታ ብናትና ይኹን ብናይታ ካልኣይቲ ጋንታ ኩሉ ሰብ ናብ ኩዕሶ እዩ ዝጎዪ። ዕላማ እቲ ጸወታ ምዝንጋዕ ይብሃል እምበር፡

    እቲ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ክውዳእ ምስ ተወሰነን፡ ሰዓሪት ጋንታ ምስ ተፈልጠትን ዝነበረ ዝላ ምዝንጋዕ ጥራይ ከም ዘይነበረ ይረኣየካ እዩ። ‘ዓወት’ ሓደ ካብ ዕላማ ክልቲአን ጋንታታት ከም ዝነበረ ክትርድኦ ዝከኣል እዩ። ዓወት ጋንታ ነፍሲ ወከፍ

    ኣባል ኣኣብቲ ዘድምዓሉ ክፋል ስራሕ ወይስ ጸወታ ከድህብ እንከሎ እዩ ዝርከብ። ኩሉ ሰብ ኣብ ሓንቲ ስራሕ ጥራይ ዝዓጉግ እንተ ኾይኑ እቲ ካልእ መን ይሰርሖ? እቲ ሃጓፍከ መን ይምልኦ? እቲ ዘይተዓ የ የ ዕ ዮ ን ዘይተወተፈ ቀዳድን ንውድቀት እታ ጋንታ ኣይከውንንዶ? ነዚ ኩሉ ዝጥምት - ተሞክሮ ስራሕ

    ዘለዎ፡ ኣባል እታ ጋንታ ዝኾነ ሰብ የድሊ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ዘየድምዓሉ ቦታ ክርከብ እንከሎ ድማ ቦታኡ የትሕዞ። ምትብባዕ ክደሊ እንከሎ የተባብዖ። ክደክም እንከሎ ድማ ከም ሓኪም ዕረፍቲ ይእዝዘሉ። ኣበርክቶ መራሒ (ወይስ ኣሰልጣኒ ብቛንቋ ኩዕሶ እግሪ) ካብ ኣበርክቶ ካልእ ኣባል ጋንታ እንተ ዘይዓብዩ ክንእስ ኣይኽእልን እዩ። ኣለክሳንደር ዓቢ፡ “ኣነ ካብ ብኣንበሳ ዝምራሕ ሰራዊት ኣባጊዕ እምበር፡ ካብ ብበጊዕ ዝምራሕ ሰራዊት ኣናብስ ኣይፈርሕን እየ” ዝበሎ ንኣበርክቶ

    መራሒ ዘርኢ ዘርኢ እዩ። ኣለክሳንደር ዓቢ ድማ ከም ዓቢ ጀነራል ካብ ተሞክሮኡ ከም ዝተዛረበ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ሳልሳይ ትምህርቲ - ውድድር ኣድላዪ

    እዩ። ምብልሓት ይፈጥር፣ ሰባት ድማ ክፈጥሩ ይድርኾም እዩ - ክብሃል ሰሚዐ ኣለኹ። ውድድር ኣብ ዓለም ‘ገነት’ ከውርድ ከም ዝኽእል ብዘስምዕ ቃና ድማ ክዝረበሉ ሰሚዐ ኣለኹ። ሓቂ እዩ ውድድር ብዙሕ ብልጫታት

    ኣለዎ። ኒሕ ዝብሃል ነገር ኣብ ውሽጢ ህይወትና ኣበራቢሩ ዓቕምና ክመጥጥ ዝኽእል መንገዲ እዩ። ሃካይ ተማሃራይ ኣብ ውድድር

    ኣትዩ ክነፍዕ ይኽእል። ትካላት ኣብ ውድድር ኣትየን ብሉጽ ፍርያት ከቕርባ ይኽእላ። ሰ ራ ሕ ተ ኛ ታ ት ኣብ ውድድር ተጸሚዶም ልዕሊ ትጽቢት ፍርያት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ግንከ እቶም

    ኣብ ንሓድሕዶም ዝወዳደሩ ተማሃሮ ምስ ሓድሕድ እንተ ዝሰርሑ ካብቲ ብበበይኖም ዝሰርሑዎዶ ኣይመበርከቱን? እተን ኣብ ንሓድሕደን ዝወዳደራን ኣንጻር ሓድሕደን ዝሰርሓን ትካላት ብሓደ እንተ ዝሰርሓስ ዝገርም ነገርዶ ኣይምፈጠራን? ኩላትና ኣብ ክልተ ጋንታ ኴንና ኣንጻር

    ሓድሕድና ዝተጻወትና መማህራን ኣብ ሓደ ዕላማ ኴንና ዓዪና ኢና። ፍረ እቲ ዕዮ ድማ ጽቡቕ ነበረ። ብዘይ ጥርጥር’ውን ዕላማና ዝተፈላለየ፡ ምስ ሓድሕዱ ድማ ዘይሰማማዕ እንተ ዝኸውን ነይሩ ፍረኡ ዝነኣድ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ። ምትሕግጋዝ ካብ ውድድር ከም ዝበልጽ መን ክስሕቶ ይኽእል?

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 4

    ኣቦይ ብርክት ዝበለ ንብረት ከጥሪ ክኢሉ እዩ። እንተዀነ፡ ዝበዝሓ ካብ ንብረቱ ንዝነበሮ ናይ ጥዕና ጸገም ንምፍዋስ’ዩ ጠፊኡ። መስርሕ ምጽራይ ንብረት ውርሲ ድሕሪ ምክያዱ ከኣ፡ ሓንቲ 900,000.00 ናቕፋ እትግመት መኪና ጥራይ ከም ኣካል ንብረት ውርሲ ኰይና። ኣደይ፡ ጥንስቲ ምዃና ሕክምናዊ ሰነድ ኣቕሪባ። ሓደ ሓው ድማ ኣሎኒ። ኣቦይ፡ ካብ ንብረቱ 60% ንዓይ ንጓሉ፡ 40% ንሓወይ ክኸውን ለበዋ ገዲፉ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ገንዘብ ስለዝደለኹ፡ ህጹጽ ምቅሊት ንብረት ክፍጸመለይ ደልየ ኣለኹ። ስለዚ፡ ህጹጽ ምቅሊት ንብረት ክፍጸም ክእዘዘለይ ክሓትት ይኽእል ዶ?

    ሓፍትኹምዝኸበርኪ ሓታቲት፡ ኣልዒልክዮ

    ዘለኺ ነጥቢ ኣብ ሕጊ ውርሻ ኤርትራ ተጠቒሱ ምስ ዘሎ ኣምር - ‘ምቅሊት ንብረት ውርሲ’ ዝተኣሳሰር እዩ። ‘ምቅሊት ንብረት ውርሲ ክፍጸመለይ ክሓትት

    ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ እዋናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ሳዕቤን ከውርድ ዝኽእል ገበን ንምፍጻም ኩሉ ምድላዋተይ ኣጻፊፈ፡ ነቲ ተግባር ፈጺመዮ። ኰይኑ ግን፡ ክንድ’ቲ ብተግባራተይ ክወርድ ዝሓለንክዎ ጉድኣት ከይወረደ እንከሎ፡ ብተግባራተይ ተጣዒሰ ክስዕብ ንዝኽእል ዝነበረ ጉድኣት ንምውጋድ ኩሉ ዝክኣለኒ ዘበለ ፈጺመ። ሕጂ ክሓቶ ደልየ ዘለኹ፡ ገበን ክፍጽም ሓሲበ ኰነ ኢለ ዝፈጸምክዎ ምዃኑ ዘጠራጥር’ኳ እንተዘይኰነ፡ ሳዕቤናት ተግባራተይ ንምውጋድ ዘርኣኽዎ ልባዊ ጣዕሳ ኸ ካብ ተሓታትነት ነጻ ከብለኒ ይኽእል ዶ? ስመይ ዓቅቡለይ - ከባቢ ዓዲ

    ቀይሕ

    ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ፡ ኣብ መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ተገሊጹ ምስ ዘሎ ኣምር ገበናዊ ሕጊ፡ ‘ምቊራጽን ምጥዓስን’ ዝተኣሳሰር እዩ። ምስ ገበን ብምትእስሳር፡ ‘ምቊራጽ’

    ሕጊ ምቅሊት ንብረት ክፍጸመለይ ይፈቕደለይ ዶ?እኽእል ድየ?’ ንዝብል ሕቶኺ ቅድሚ ምምላስ ግን፡ ብዛዕባ ኣብ ሕቶኺ ዘልዓልክዮ ነጥብታት ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ።ኣብ ጉዳይኪ፡ ኣቦኺ ኣብ

    ዝሞቱሉ ግዜ፡ ኣደኺ ጥንስቲ’የን ነይረን። ኣብ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ከኣ፡ ዝተጠንሰ ዕሸል እንተደኣ ኣሎ፡ ምቅሊት ንብረት ውርሲ ተወንዚፉ ክጸንሕ ከም ዝግባእ’ዩ ተደንጊጉ ዘሎ። ምኽንያቱ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 834፡ ኣብ ማህጸን ኣደ ዝርከብ ዕሸል ናይ ምውራስ መሰል ኣለዎ። እቲ ህጻን እንተደኣ ተወሊዱ፡ ኣቦኺ ዝገደፍዎ ለበዋ ሕጋዊ ተቐባልነት ክስእን ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ኢኺ ህጹጽ ምቅሊት ክፍጸመልኪ ትደልዪ ዘሎኺ። ከምዚ ዝተጠቕሰ፡ ዝተጠንሰ ዕሸል ምስ ዝህሉ፡ ሕጊ ምቅሊት ንብረት ውርሲ ተንጠልጢሉ ክጸንሕ’ዩ ዝእዝዝ። እዚ ምንጥልጣል ምቅሊት ንብረት ውርሲ’ዚ ከኣ፡ ስረት (viability) ናይቲ ቈልዓ ክሳብ ዝረጋገጽ

    እዩ ዝጸንሕ። ከምዚ ዀይኑ እቲ መምርሒ፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ፡ ቤት ፍርዲ፡ ህጹጽ ምቅሊት ንኽፍጸመልኪ እተቕርብዮ ምኽንያት ቅቡል ኰይኑ እንተደኣ ረኺብዎ ግን፡ ቅድሚ ምውላድ እቲ ዕሸል ምቅሊት ንብረት ውርሲ ክፍጸም ክፈቕደልኪ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ገና ህጻን ከይተወልደ ምቅሊት ንብረት ክፍጸም እንተደኣ ተፈቒዱኪ፡ ኣቦኺ ዝገደፍዎ ለበዋ ከም ውዱቕ ተቘጺሩ፡ ብጽሒትኪ ካብ ጠቕላላ ድሕሪ ምጽራይ ካብ ዝተረፈ ንብረት ኣቦኺ፡ ካብ 1/3 (ሓደ ስልሲት) ዘይዛዪድ’ዩ ክኸውን’ዩ ትጽቢት ዝግበር።ስለዚ ሓታቲ፡ ቅድሚ ምውላድ

    እቲ ዝተጠንሰ ዕሸል ምቅሊት ክፍጸመልኪ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ግን፡ እዚ ክፍጸመልኪ ምእንቲ ቤት ፍርዲ ክፈቕደልኪ ስለዘለዎ፡ እተቕርብዮ ምኽንያት ቤት ፍርዲ፡ ‘ምቅሊት ይፈጸም’ ኢሉ ክእዝዝ ዘኽእሎ ክኸውን ኣለዎ።

    ጣዕሳ ካብ ገበናዊ መቕጻዕቲ ‘ናጻ’ ከብለኒ ይኽእል ዶ?ክብሃል እንከሎ፡ ዝዀነ ሰብ ገበን ንምፍጻም ሓሊኑን መዲቡን ኩሉ ምድላዋት ኣጻፊፉ ከብቅዕ፡ ነቲ ክፍጽሞ ዝሓሰበ ገበን ብናይ ገዛእ ርእሱ ድሌት ከይፈጸሞ ምስ ዝተርፍ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ነዚ ሰብ’ዚ ሕጊ ብኸመይ ይርእዮ? ዝብል ሕቶ

    ክልዓል ከኣ ንቡር እዩ። ነዚ ብዝምልክት መሰጋገሪ

    ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ እንተድኣ ተመልኪትና፡ ገበን ንምፍጻም ዝኣክል ምድላዋት ዝፈጸመ ሰብ፡ ነቲ ክፍጽሞ ዝሓሰበ ገበን ብናይ ገዛእ ርእሱ ድሌት ምስ ዘቋርጾ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝዋሃብ

    መቕጻዕቲ ብመሰረት መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 184 ወይ ዓንቀጽ 185 መቕጻዕቲ ከፋኽሶ ይኽእል እዩ። እቲ ምቊራጽ ካብ ቅንዕና ወይ ካብ ልዑል ናይ ሕልና ስምዒት ዝተገብረ ምዃኑ እንተደኣ ተረጋጊጹ ድማ፡ ካብ መቕጻዕቲ ነጻ ክገብሮ ይኽእል። በዚ መሰረት፡ ቅድሚ ገበን ምፍጻሙ፡ ኣቐዲሙ ብወለንታኡ ክፍጽሞ ንዝሓሰበ ገበን ዘቋረጸ ሰብ፡ ብፈተነ-ገበን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርብ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ከከም ኩነታቱ እቲ ጉዳይ መቕጻዕቲ ክፈኹሰሉ ወይ ነጻ ክብሃል ግን ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ክኸውን ግን፡ እቲ ሰብ ብዘይ ዝዀነ ግዳማዊ ጸቕጢ ወይ ፍርሂ ባዕሉ ንነጻ ድሌቱ ነቲ ክፍጽሞን ጉድኣት ከብጽሓሉ ቀሪቡ ዝነበረ ጉዳይ ከም ዝኹለፍ ምስ ዝገብሮ እዩ። ኣብቲ ሕቶ ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ገበን

    ድሕሪ ምፍጻሙ ጣዕሳ ንዘርአየ ሰብ ከ ሕጊ እንታይ ይብሎ? ብዛዕባ’ዚ ነጥቢ’ዚ ድማ፡ ኣብ

    መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ እንተደኣ ተመልኪትና፡ ዝዀነ ሰብ፡ ብሕልናን ተግባርን ሙሉእ ብምሉእ ገበን ፈጺሙ ከብቅዕ፡ ነቲ ውጺኢት ንኸይመጽእ ባዕሉ ምስ ዝከላኸሎ ወይ ከጉድሎ ምስ ዝጽዕር፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝዋሃብ መቕጻዕቲ ብዓንቀጽ 185 ክቃለለሉ ይከኣል። ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ገበናዊ ውጺኢት ንኸይፍጸም ተባሂሉ ከም ምልክት ጣዕሳ ዝውሰድ ስጉምቲ ግን ቅልጡፍን ቅጽበታውን ክኸውን ኣለዎ።ስለዚ ሓታቲ፡ ዘርኣኻዮ

    ጣዕሳንን ሳዕቤናት ናይ ዝፈጸምካዮ ገበን ንኸይፍጸም ዝወሰድካዮ ስጉምቲን፡ ድሕሪ ገበን ምፍጻምካ ዝተገብረ ብምዃኑ፡ እሞ ድማ ነዚ ንምግባር ዝወሰድካዮ ስጉምቲ ቅልጡፍን ቅጽበታውን ምንባሩ’ውን እንተደኣ ተረጋጊጹ። ካብ መቕጻዕቲ ነጻ ክትብሃል’ኳ እንተ ዘይክኣልካ፡ ንዝወሃበካ መቕጻዕቲ ከቃልለልካ ግን ይኽእል እዩ።

    ***

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 5

    ? ሩ ረ

    ቶማስ ኣኳይናስ፡ ኣብ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን መበል 13 ዘመን ሓያል ጽልዋ ዘሕደረ፡ ኢጣልያዊ-ካቶሊካዊ ካህን’ዩ። ስድራቤቱ ክሳብ 1137 ተቐማጦ ናይቲ ኣኳይኖ ዝተባህለ ክፋል ኢጣልያ ስለዝነበሩ ድማ’ዩ ኣኳይኖስ ተባሂሉ ዝተጸወዐ። ዝተወልደሉ ዞባ ድማ ሮቸሰካ’ዩ።ንሱ፡ ናይ’ቲ ባህርያዊ-ቲዮሎጂ ዝበሃል

    ዓይነት ሃይማኖት ውሩይ’ዩ። ኣቦ ናይ’ቲ ‘ቶሚዝም’ ተባሂሉ ብስሙ ዝማዕበለ ፍልስፍና ድማ’ዩ። ቶማስ ኣኳይናስ፡ በቲ ግዜ እቲ፡ ንናይ ፈላስፋ ኣሪስቶትል ፍልስፍናታት ተንቲንዎን ኣድኒቕዎን። ናይ ኣሪስቶትል ፍልስፍናታት ነቲ ናይ ፕላቶ ሃይማኖታዊ ሓሳባት ዘይድግፍ ብምንባሩ ኸኣ መብዝሕትኦም ክርስትያናዊ ሓሳባት ዝነበሮም ሓሰብቲ ካብ ኣሪስቶትል ንፕላቶ ይመርጹ ነበሩ። ንቶማስ ኣኳይናስ ካብቶም ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ እምበኣር ካህን ክንሱ ንናይ ኣሪስቶትል ፍልስፍናታት ምጽንዑን ምትንታኑን’ዩ። ብዛዕባ ባህርያዊ ጠንቂን ምኽንያትን

    ብዙሕ ዝፈላሰፍ ክንሱ፡ ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን፡ ‘ቅዱስ’ ዝብል ዓቢ ጸጋ ሂብዎ። ኣብ ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን፡ መዓርግ ዶክተር ቤተ-ክርስትያን ዝተዋህበ ኣኳይናስ፡ እቲ ዝዓበየ ተማራማራይ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና እውን’ዩ።እቲ ቶማስ ኣኳይናስ ኣብ 1225

    ዝተወልደሉ ዞባ፡ በዚ እዋን ላዝዮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ዞባ ኢጣልያ’ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ገለ ጸሓፍቲ፡ ቶማስ ኣብ ቦታ ማሕረስ ስድራኡ’ዩ ዝተወልደ። ወላዲኡ ላንዱልፍ፡ ካብ ስኡናት ስድራ ነበረ። ወላዲቱ ቴዶራ ግን ካብቶም ብእንዳ ሮሲ ዝፍለጡ ውሩያት ስድራ ነበረት። ንላንዱልፍ፡ ሲኒባልድ ዝተባህለ ሓው ነበሮ። ካብቲ ስድራ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያዊ ደብሪ ዝተማህረን ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰረን ድማ ንሱ ጥራይ ኰነ። እቶም ካልኦት ኣሕዋት ቶማስ፡ ከም ዓሳኽር ናብ ውትህድርና እዮም ተኸቲቦም። ቶማስ ግን ንሓወቦኡ ሲኒባልድ ብምስዓብ ናብ ደብሪ ደዪቡ።ቶማስ ሓሙሽተ ዓመት ምስ መልአ፡

    መባእታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ቤተ-ትምህርቲ ሞንተ-ካሲኖ ጀሚሩ። እንተዀነ ብዙሕ ኣዋርሕ ከይተማህረ፡ እቲ ኣብ መንጎ ንጉስ ፍረደሪክን ጳጳስ ግረጎሪ ራብዓይን ዝተወልዐ ኩናት ናብቲ ደብሪ ሰለዀ። በዚ ኸኣ ኣደኡን ሓወቦኡን ካብቲ ደብሪ ኣውጽእዎ’ሞ ‘ስታድዩም ጀነራለ’ ኣብ ዝበሃል ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዝምህር ቤተ-ትምህርቲ ኣእተውዎ። ንጽሑፋትን ኣሪስቶትል ኣቨሮስን ማይሞኒድስን ግርም ገይሩ ክላለዮምን ከጽንዖምን ዝኸኣለሉ ቦታ ኸኣ ነበረ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ። እዚኣቶም፡ ጸኒሑ ንዝሰርሓሉ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ብዙሕ ጽልዋ ዝገበርሉ’ዮም። ብርቱዕ ሰባኺ ናይ ዝነበረ ጆን ጽልዋ

    እውን በቲ ግዜ’ቲ ለኽይዎ። ብዛዕባ ዓውዲታት ኣሪትመቲክ፡ ጆኦሜትሪ፡ ኣስትሮኖሚን ሙዚቃን ብዙሕ ዘቕሰሞ ድማ እቲ ጰጥሮስ ዝተባህለ መምህር ነበረ። ዓሰርተ-ትሽዓተ ዓመት ምስደፈነ ቶማስ

    ዝፈጸሞ ሓደ ውሳነ ስዒቡ። በቲ ግዜ፡ እቲ ብቕዱስ ዶሞኒክ ዝተበገሰ ሰባኺ ትእዛዝ-ዶሞኒካ ውዑይ ነይሩ። ቶማስ ድማ ኣባል ናይቲ ንስብከት ዝተወፈየ ማሕበር ኰነ። ስድራኡ ብሕልፊ ወላዲቱ ግን ብውሳነ ቶማስ ምሒር ተቘጥዑ። ቴዶራ ኣብ ውሳነ ቶማስ ንዝነበራ ተሪር መርገጺ ከፍሽሉ እምበኣር ዶሞኒካውያን ንቶማስ ናብ ከተማ ሮማ ክወስድዎ ተበገሱ። እንተኰነ ብቴዶራ ዝተላእኩ ኣሕዋታ ኣብ መገዲ ኸቲሮም ንገዛ መለስዎ። ድሕሪ እዚ ንሓደ ዓመት ዝኣክል፡ ከም

    ናይ ገዛ ሕዩር ኰነ። እቲ ማሕዩር እቲ ድማ፡ ዶሞኒካን ናይ ምዃን ሕልሙ ክገድፍን ካልእ ድላይ ከምጽእን ንማለት’ዩ ዝነበረ። ግና ቶማስሲ ብዘይካ ምስ ዶሞኒካን ኰይንካ ምስባኽ ካልእ ኣይተራእዮን። ኣብ ውሳነኡ ደልዲሉ ሒዙ ምንባሩ ዘረጋገጹ ኣሕዋቱ እውን ዝተፈላለየ ሜላታት ፈተኑ። ነዚ ሓሊፎም፡ ሓደ ዕለት ኣብታ ዝዕጸወላ ክፍሊ ኣመንዝራታት ብምእታው ከምዝፈተንዎ ይጥቀስ። እንተዀነ ብርቱዕ እምነት ዝነበሮ ቶማስ፡ ነተን ክልተ ኣመንዝራታት ብሓጺን ገይሩ ከምዝወቕዐን ከኣ ብተወሳኺ ይግለጽ። እዚ ምስኰነ ክልተ ኣማልኽቲ ንቶማስ ከምዝተራእይዎን ኣብ ቃሉ ምጽናዑ ከዕውቶ ምዃኑ ከምዝሓበርዎን ዝገልጽ ጽዋ እውን ኣሎ። ድሕሪዚ’ዩ እምበኣር ድላዩ ክፍጽም ዝጀመረን ፈለማ ናብ ኔፕልስ ደሓር ናብ ሮማ ዝኸደ። ኣብቲ ፋልማይ መገሻኡ ጆሃን ንዝስሙ ካህን’ዩ ረኺቡ። ናብ ሮማ ብዝኸደ ግን ንሓለቓ ትእዛዝ ዶሞኒካ ክላለዮ ዕድል ረኺቡ።ኣብ 1245 ቶማስ፡ ናብ ፓሪስ ኣምሪሑ፡

    ኣብ ፓሪስ ዩኒቨርሲቲ ኸኣ ስነ-ጥበብ ከጽንዕ ጀሚሩ። ኣብኡ ንኣልበርት ማግናስ ረኸቦ። ኣልበርት ማግናስ በቲ ግዜ’ቲ ውሩይ ዶሞኒካዊ ምሁር ዝነበረን ጸኒሑ ድማ ሓለቓ ቲዮሎጂ ኣብ ኰለጅ

    ቅዱስ ያቆብ - ፓሪስ ዝዀነን። ኣልበርት ብሓለቓኡ ተላኢኹ ኣብ ኰለጅ ስታድዩም ጀነራለ ክምህር ክኸይድ ከሎ ድማ ቶማስ ስዒብዎ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ጳጳስ ኢኖሰንት ራብዓይ፡ ንቶማስ ኣብ ገዳም ሞንተ ካሲኖ ክምህርን ናይቲ ገዳም ሊቀካህነት ክኸውንን መዚዝዎ ነበረ። እንተዀነ፡ ንኣልበርት ማግናስ ብዙሕ ዝፈተዎ ቶማስ፡ ነቲ ልኡኽ ዕሽሽ በሎ። ቶማስ ኣኳይናስ ሰቕታም ከምዝነበረ’ዩ

    ዝንገር። ካብ ብዙሕ ስቕታ ዝልዓል እውን እቶም ካልኦት መማህርቱን መካይድቱን ዓባስን ብዙሕ ዘይርድኦን እናበሉ’ዮም ዝገልጽዎ ዝነበሩ። ከም ዓቢ ሓው ኰይኑ ብዙሕ ጉዳያት ዝምሃሮ ኣልበርት ግን፡ ፍልይ ዝበለ ነጥቢ ነበሮ። ‘እዙይ ሎሚ ዓባስ ትብልዎ ዘለኹም ወዲ፡ ጽባሕ ንግሆ ንዓለም ዘስምዕ ድምጺ ክትሰምዑሉ

    ቶማስ ኣኳይናስ

    ምሉእ-ስም፡ ቶማስ ኣኳይናስ

    ዝተወልደሉ ዓመት፡ 1225

    ዓዲ፡ ኢጣልያ

    ሞያ፡ ፈላስፋ

    ኢኹም። እብለኩም ኣለኹ ቶማስ ኣኳይናስ ንዓለም ከዛርብ’ዩ።” ክብል ገለጾ።ድሕሪ መገሻታቱ ተሓጋጋዚ መምህር

    ኰለጅ ኰይኑ ሰርሐ። ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሕልፊ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ንብዙሕ ምዕራፋት ብምትንታን ድማዩ ዝምህር ዝነበረ። ኣብ 1252 ናብ ከተማ ፓሪስ ተመሊሱ፡ ብዓውዲ ቲዮሊጂ ናይ ማስተርስ ዲግሪ መዓርግ ገይሩ። ንምምህርናኡ ኣዕብዩ እውን ብዛዕባ እቲ ንምርዳኡ ምርምር ዘድልዮ ፍልስፍና ‘ህላወን መንፈስን’ (on being And essence) ብርቱዕ መጽናዕቲ ኣካይዱ።ኣብ 1256 ቶማስ ኣኳይናስ ከም

    ተጠባባቒ ፈላጥ ቲዮሎጂ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ተመዚዙ። ንኣምልኾ ፈጣሪ ብብርቱዕ ዝሰብኽ ወረቐት እውን ‘ኣንጻር ዘይኣመንቲ ፈጣሪ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣዳልዩ። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ ብዙሕ መጽናዕቲታት ጽሒፉ። ሱማ ኮንትራ ጀንታይልስ፡ ንሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ጽሑፋቱ በቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ። ኣብ 1256 ዝተዋህቦ መዝነት

    ንኣርባዕተ ዓመት ቀጸለ። በቲ ግዜ ኸኣ ንሱማ ኮንትራ ጀንታይልስ ዛዚምዋ። ፍልጠቱን ጽሑፋቱን እናዛየደ ምስከደ ሽዑ ብዝተመርጸ ጳጳስ ክለመንት ራብዓይ ሓለቓ ቲዮሎጂ ዀይኑ ንኸተማ ሮማ ኸገልግላ ተመዘ። እቲ ናይ ዶሞኒካውያን ሓለቓ ድማ ንህላወ ቶማስ ክጥቀመሉ ስለዝወጠነ፡ ኣብ ኰለጅ ቅድስቲ ሳባ ክሰብኽ ሓረዮ። እቲ ግዜ እቲ ቶማስ ኣኳይናስ ንኣእምሮኡ ኣበርቲዑ ዘስርሓሉ እዋን ኰነ። ንኻልኣይቲን ብዙሕ ጽልዋ ንዝገደፈትን መጽናዕታዊት ጽሕፍቱ ኸኣ ሽዑ ኣበገሳ - ሱና ቲዮሎጂካ። ብዘይካ እዘን ሱማ ኮንትራን ሱማ ቲዮሎጂካን ዝተባህላ ክልተ ህቡባት ጽሑፋቱ፡ ልዕሊ ሓምሳ ዝቑጸር ምርምራዊን ፍልስፍናዊን ጽሑፋት ገዲፉ’ዩ። ኣብ ፍስፍናታት ማእከላይ ዘመን ብሕልፊ ድማ ኣብ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ማዕረኡ ጽልዋ ዝገደፈን ማዕረኡ ዝፈለጠን ከምዘየለ ድማ ይንገር። ቶማስ ኣኳይናስ፡ ኣብ 1274 ካብ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተ

    ልሄም ታደ

    tongue twisters

    Anagrams

    2

    ሓዳስ መጽሓፍ!!

    “ ዛንታታትኩም” ዘርእስታ ብተስፋ ያረድ (ወዲ ያሬድ) ዝተተርጎመት መጽሓፍ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ። • መጽሓፍ ዛንታታትኩም ህጻናት ኣንቢብኩም ትዘናግዑላን ትመሃሩላን ብሉጻት ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ’ያ።• መጽሓፍ ዛንታታትኩም ወለዲ ምስ ደቅኹም ብሓባር ብምንባብ ንደቅና ኣብ ምምሃር እትሕግዝን ጽቡቕ መኣዲ ኢሂን ምሂን ትፈጥርን መጽሓፍ እያ። • መጽሓፍ ዛንታታትኩም ኣብ ሂወትኩም ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ተዘከርትን መሃርትን ዛንታታት ዝሓቖፈት መጽሓፍ እያ። • መጽሓፍ ዛንታታትኩም ንብረትካ እያ፣ ንብረትኪ እያ፣ ንብረትና እያ። ነዛ ብኣቀራርባኣ ፍልይቲ ዝኾነት እናዘናግዐት እትምህር ብልጽቲ መጽሓፍ ገዚእና ነንብባ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁ.ተሌ 07505955 ደውሉ።

    ብስራት ንኹሉኹም ኣንበብቲ

    VACANCY ANNOUNCEMENT The Eritrean National Chamber of Commerce is looking for qualified persons to fill up the following posts;

    Position: Head, Finance and Administration Department1.

    Qualification: B.A in Accounting with minor in ManagementExperience: 4 years of work experience in managerial position Advanced training in Accounting and Personnel management will be an advantage. Computer skill is essential

    Position: Executive Secretary2.

    Qualification: Diploma in Secretarial Science from recognized University or InstitutionExperience: 6 years in similar field

    Position: Pool Secretary 3.

    Qualification: Diploma in Secretarial Science from recognized University or InstitutionExperience: 4 years in similar field

    Place of Work: Asmara for all posts Salary: As per the Chamber’s scale

    Dead line of application: 10 days from the issuance of this notice in the Newspaper.

    Please submit your C.V. and relevant credentials through P.O.Box 856, Asmara

    N.B. : Candidates should provide evidence of National Service exemption or Completion.

    ዞባ ማእከል ኣስመራ

    ወ/ሮ ኣምለሰት ተስፋሚካኤል ዘርኡ፡ ጓለይ ለተብርሃን ገብረመስቀል ሃይለስላሴ ኣብ ወርሒ 12/92 ንኣዲስ ኣበባ ኢላ ምስ ከደት ከምኡ’ውን ወደይ ዮውሃንስ ገብረመስቀል ሃይለስላሴ ኣብ ወርሒ 8/1999 ናብ ሱዳን ኢሉ ምስ ከደ ደሃዮም ስለዘይብለይ፡ ጥፉኣት ተባሂሎም ክውሰነለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/3/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ይቕረብ።

    1.ኣቶ ኣለም ብርሃነ 2.ወ/ሮ ኣስቴር መርሃይ ናይ ትሕቲ ዕድመ ጓልና ስም ቻለንጀር ኣለም ብርሃነ ምባል ተሪፉ፡ ዳናይት ኣለም ብርሃነ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/3/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ ጸጸራት

    ወ/ሮ ኣኽበረት ቦኽረጽዮን ዑቕባገርግሽ በዓል ቤተይ ኣቶ ነበየ ኪዳነ ሃይለ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዳዕሮ ጳውሎስ

    ኣቶ እስቲፋኖስ ገብረሂወት ክፍለ፡ ኣደና ኣብርሀት ዓንደማርያም ካሕሱ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይን 5 ተተካእቲ ደቂ መዋቲት ሓፍተይን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/3/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ

    ለምለም ስዩም ክፍለ ምባል ተሪፉ፡ ለምለም ገብረኣብ ክፍለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/3/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 7

    ብሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ሞት ኣብ ቁሸት፡ ኣዚና እነፍቅራን እንፈትዋን ኣደና ጀመር ባሻይ እምባየ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ኣብ መካነ መቓብር ጸዓዘጋ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና እናተመላለስኩም ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓል ቤታ ኣቶ ገብራይ ክፍለማርያምምስ ደቁን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣደና ወ/ሮ ኣበባ ገብረሂወት ኣስገዶም (ምልእተ-ጸጋ) ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ደቂ ሽሓይ ዓንሰባ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ፈተውትን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ኣባላት ቤተ-ክህነትን ኣደታት ዓ/ጥልያን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ።

    ደቃን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ኪዳነ ስዩም ሃይሉ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ክሳድ እምባ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ሓመድ ኣዳም ዘልበስኩምን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ኩሉኹም ኣሕዋትን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ለተጊዮርጊስ ገብረስላሴምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ኣደና ወ/ሮ ምሕረት ቀሺ ዑቕባስላሰ ዑቕባጋብር ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ዓዲ ቑንጺ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስ ከምኡ’ውን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ሃብተስላሴ ሃብተማርያም ግርሙ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ማዕረባ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ገዛ እናተመላለስኩም ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ኣበባ ኣርኣያምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብዕረፍቲ ክብርትን ፍቕርትን ኣደና ወ/ሮ ኣበባ ግራ/ቀላቲ ወልደሚካኤል በዓልቲ ቤቶም ንኣቦና ነ/ሄር ቢዘን ገዘሀይ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ዝበጻሕኩምን ክሳብ ጸሮና ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ከምኡ’ውን ገዛና ብምምልላስ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎንን ፋክስን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሃንደበታዊ ሞት ኣዚና እነፍቅሮ ኣቦና ኣቶ ጸጋይ ሞጎስ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ሆስፒታል ዓዲ ቐይሕ ዝተሓባበርኩምናን ሬስኡ ናብ ዑና ዓንዶም ብምውሳድ ካብ ርሑቕን ቀረባን ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝተሳተፍኩም ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ምሉኣት ደቁንሓዉ ኣቶ ዘውደ ሞጎስን

    ብሞት ዘፍቅሮ በዓል ቤተይ ኣቶ ስዩም ኣብርሃ ገብረሚካኤል ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝበጻሕኩምን ዝተመላለስኩምን ክሳብ ኣማድር ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ማህሌት ኣርኣያምስ ደቃን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ብርሃነ ገብረክርስቶስ ወልደገርግሽ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ዝበጻሕኩሞን ኣብ ምእላዩ ዝጸዓርኩም ዶክተራትን ኣለይትን ድሕሪ ዕረፍቱ፡ ክሳብ ዓዲ ሕምብርቲ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብኣካልን ብተሌፎንን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓልቲ ቤቱን ደቁን ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ኣደና ወ/ሮ ኪዳን ሃብተገርግሽ ተላ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ግዜ ሕማማ ክሳብ ዕለተ ቀብራ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተፈጸመሉ ብምብጻሕን ኣብ ቀብራ ብምውዓልን ዝተሓባበርኩምናን ዘጸናናዕኩምናን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ደቃን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሞት ክብርቲ ወላዲትና ወ/ሮ ለተሚካኤል ሃብተሚካኤል ወ/ማሪያም (በዓልቲ ቤቶም ንነፍስሄር ክፍለጺዮን ሙስኤል) ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ዕረፍታ ክሳብ ዓደብዛገ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ብኣካል ይኹን ብቴሌፎን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዘጸናናዕኩምናን ኣሕዋትን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና እናቕረብና ሓዘንና ከምዝዓጸና ነፍልጥ።

    ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ መብራህቱ ሙስኤል ተክሉ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝበጻሕኩምን ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ክሳብ ዓደብዛገ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብኣካል ይኹን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ነገሰት ፍራይምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዝየ ዘፍቅሮ ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ሙሉጌታ ምስግና ዘርኦም ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ደቕሰብ ዘቃበርኩምናን ብኣካልን ብተሌፎንን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሰላማዊት ደበሳይኣቡኡ ኣቶ ምስግና ዘርኦምምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ክቡር ኣቦና ፊተውራሪ መስፍን ገብረሂወት ምሕጽንቱ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብቲ መካነ መቓብር ጸጸራት ዝተገብረሎም ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ዝተመላለስኩምን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ኩሉኹም ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ደቆም ምስ ምሉኣት ስድራቤት

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 8

    VACANCY ANNOUNCEMENT

    Bisha Mining Share Company is inviting applicants for the following position for Bisha site project;

    Drill and Blast Supervisor Number required – (02)Type of contract – Definite period (2 years)

    Major Duties and responsibilities.

    Develop• , review and implement best practice for all drilling and blasting activities.Implement• a program of ongoing training and development so as to affect skills and technology transfer for successful succession planning.Management• of drilling and blasting consumables including stock control of the magazine.Design• drill and blast patterns in a timely manner to ensure blasted stocks are 60% ahead of the mining production.Monitor• and report on daily performance and monthly progress.Leadership• , training and mentoring of drill and blast engineer, national supervisor, drilling team and blasting team.Assist• in training and upgrading the national workforce through successful skills transfer.

    Profile: Qualifications and Experience

    Formal Education, Certifications or Equivalents

    Degree/diploma in mining engineering or •explosive technologies.

    Working Experience – Nature & Length

    12 years previous open pit.•10 years in open pit mining in drill and •blast capacity.

    Leadership Experience – Nature & length of time

    Management position for 6-8 years in the •mining open pit operations. Also prior experience in explosive magazine control and management.

    Other skills and abilities

    Demonstrated knowledge of blast •design and initiation software. (Surpac, BlastInfo).Able to use software such as GEMCOM •(Surpac) to design patterns , AUTOCAD and Microsoft office.Effective English oral and written •communication skills.A valid drill and blast certificate.•A valid driver’s license.•

    General Information and other requirements:Place of Work : Bisha.Salary: As per Company salary scale.Additional requirement for Nationals: Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. Present clearance paper from current/last employer.Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview. Application documents will not be returned to sender. All applications should be sent through the post office.Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.Address: Please mail your applications to;

    Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

    Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to Aliens Employment permit Affairs, P. O. Box 7940 Asmara, Eritrea.

    VACANCY ANNOUNCEMENTBisha Mining Share Company is inviting applicants for the following positions for its Bisha Site Project.

    Project Procurement Manager (01)1.

    Duties / FunctionsCarry out necessary survey to determine which materials/equipment may be available locally and those to be purchased directly from international suppliers.Participate in the development of the procurement plan and assist in the scheduling of the purchase and construction package. Prepare and update Tenders list for construction contracts and purchase orders and issue for approval.Ensure that the legal obligations of BMSC are passed on to suppliers and contractors.Carry out procurement activities in a professional and ethical manner.Ensure that the project objectives of quality, cost and schedule are being met.Monitor and review the preparation and issue of request for tender, the receipt of tender and preparation of commercials analysis.After the receipt of technical evaluations, preparation of joint technical/ commercial recommendations.Ensure registration and settling of variations.Perform the administration of construction contracts and site purchasing including contractor’s claims and closeout of contracts.Report on status of procurement activities at weekly project co-ordination meeting and prepare a monthly procurement report in accordance with the project procedures manual.Co-ordinate work requirements with other disciplines to ensure that procurement personnel are kept informed of all changes andStand in for the project Manager when required

    Profile: Qualifications and ExperienceFormal Education, Certifications or Equivalents

    Commercial Degree or Diploma Honor. (Accounting ) Advance purchasing Management qualification will be advantageous.

    Working Experience – Nature & Length

    10 years’ experience in project procurement management in a mining or mineral processing environment, contract administration, package administration, cost control, procurement of capital equipment, tendering process, commercial adjudication, IDIC contracts, and commercial Project closure.

    Leadership Experience – Nature & length of time

    Minimum 10 years’ experience in managing project procurement teams of project larger than $10 million,Management of contracts administrators, buyers, vendors, and expeditors.

    Other skills and abilities Good interpersonal skill, communications skill, fluent in English.

    Administrative Assistant (01)2. Duties / Functions

    Responsible for maintaining appropriate safety and environmental policies and •procedures.Project filing and administration;•Liaises with other departments ensuring smooth document and information flow; •(orders, etc.)Records incoming project invoices into a tracking spread, prepares invoice routing •sheet; Maintains vendor file of invoices, purchase order/contract amendments and any backup •associated with the invoice;Circulates invoice routing sheet for signature and approvals;•Follows up with main office accounts on accounts payable queries;•Assistance with month end cost accounting reports;•Ensure compliance with the BMSC SHE management plan.•

    •Profile: Qualifications and Experience

    Formal Education, Certifications or Equivalents

    High school certificate, competent in Microsoft Excel and Word essential for this position. Diploma will be advantageous.

    Working Experience – Nature & Length

    Two years in a clerical role especially office administration and accounts. Project experience will be advantageous.

    Leadership Experience – Nature & length of time N/A

    Other skills and abilities Good interpersonal skill. Must have good verbal and written English skills. Numeracy skills must be good.

    General Information and other requirements:Place of Work : Bisha.Type of contract: Definite period Salary: As per Company salary scale.Additional requirement for Nationals: Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. Present clearance paper from current/last employer.Testimonial documents to be attached (CV, work experience credentials, a copy of your National Identity Card etc.).Only shortlisted applicants would be considered as potential candidates for an interview. Application documents will not be returned to sender. All applications should be sent through the post office.Deadline for application: 10 days from the day of publication in the Newspaper.Address: Please mail your applications to;Bisha Mining Share Company, P. O. Box 4276 Asmara, Eritrea

    Note to Eritrean applicants: Please send a copy of your application to Aliens Employment Permit Affairs P. O. Box 7940 Asmara, Eritrea

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 9

    ነጃት ኣደም

    ከይተማሃርካ ኣይትዓብን ኢኻ። ንኽትመሃር ከኣ ክትሙኮር ኣለካ። ተሞኩሮ ድማ ብምንቅስቓስን ፋሕተርተርን እዩ ዝመጽእ። ኣካልካን ኣእምሮኻን ኩሉ ኣብ ዕዮ ይጽመድ። ኣብ ህይወት ንዝፈለጥካዮን ዝበጻሕካዮን ደረጃታት ክንድኡ እናወሰኽካ ትቕጽል። እዚ ተሞኩሮ’ዚ ድማ ብኣካልን ኣእምሮን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናለወጠካ ይኸይድ። ሽዑ ድማ ኢኻ ትዓቢ። ብኣካል ጥራይ ዘይኮነስ ብኣእምሮን ኣተሓሳስባን ትበስል። ስለዚ ድማ’ያ ነቲ ካብ ተራ ተሓዚት ገንዘብ ናብ መራሒት ኣውቶቡስ ዝቐየራ ኣተሓሳስባ እንክትገልጽ፡ “ንእተጥርዮ ሞያ ክትዓብየሉ ኣለካ” እትብል - ዛይድ ገብረሚካኤል። ዛይድ ካብታ (ክልተ ደቀንስትዮን

    ሸሞንተ ደቂተባዕትዮን) 10 ኣፍርያ ክልተ ሒዛ ዝተረፈት (ሰለስተ ስዉኣት ሓሙሽተ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብሞት ዝተፈልዩ) ስድራ ሕንሳስ ልደ ኮይና፡ ኣብ 1974 ኣብ ዓዲ ሓወሻ ተወሊዳ። ካብ 1ይ-6ይ ድማ ኣብ ዓዲ ሓወሻ ናይ መባእታ ትምህርታ ተኸታቲላ ኣብ 7ይ ናብ ኣስመራ ቀዪራ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ባና፡ ቀጺላ ብሰንኪ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ደብዳብ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታትን ሓርበኛታትን ትምህርታ ተኸታቲላ። ዛይድ ኣብ ትምህርታ ኣዝያ’ያ ንፍዕቲ ነይራ። ብዘይካ ምስ ያቆብ ዝተባህለ ምንኣስ ሓዋ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ ዝኾኑሉ እንተዘይኮይና ናይ ካልኣይ ደረጃ ተርታ ትወጽእ ቀዳማይቲ እናወጸት እያ ትቕጽል ነይራ። እንተኾነ ግን ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ምስ ሓለፈት ንሜዳ ወጺኣ።ዛይድ፡ እቲ ወትሩ መጻንዕታን

    መወዳድርታን ዝነበረ ሓዋ ሓዲጉዋ ምስ ከደ፡ ትምህርቲ መቐረት ምስ ሰኣነትሉ ኣብ 1990 ኣፈፌት ናጽነት ደድሕሪኡ ዝሰዓበት። ብዓዲ-ዃላ ጌርካ ናብ ጾሮና፡ ካብ ጾሮና ድማ ብዓዲ-ቀይሕ ኣቢልካ ናብ ናይቲ ሽዑ መደበር ታዕሊም ቀጣን። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ታዕሊም፡ ናብ ኮር 21 ክፍለሰራዊት 61 እንዳ ዶሽካ ተመደበት። ኣብ ዓዲ ዃላ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ጸኒሓ፡ ኣብ 1991-92 ናብ ናቕፋ ብምውራድ ንሓደ ዓመት ከም መምህር ተጋደልቲ ኮይና ኣገልጊላ።ብድሕር’ዚ ናብ ጻብራ

    ብምኻድ፡ ንሓደ ዓመት ንድሕሪት ብምምላስ ሻምናይ ክፍሊ ኣትያ ነቲ ሓዲጋቶ ዝወጸት ትምህርቲ ንኽትቅጽሎ ትምህርታ ተኸታተለት። ብድሕሪኡ’ውን ብፋውንደሽን ዝፍለጥ ኣገባብ ትምህርቲ ናይ ኣብ 9ይ-11 ክፍሊ ብሓባር ዝወሃብ ትምህርቲ ወሰደት። ኣብ መወዳእታ 1993 ተጣዪሳ ድማ ምስ በዓልቤታ ገብረመስቀል ነጋሲ(ወዲ ሓደራ) ቃል ኪዳን ኣሲራ ሓዳራ ክትመርሕ ጀመረት።ኣብ 1998 ግን ወያነ ኲናት ከፊቱ

    ክተት ምስ ኮነ ክትሰርሕ ስለዝወሰነት፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል ከም

    “ሞያኻ ክትዓብየሉ ኣለካ”ዛይድ ተስፋሚካኤል - መራሒት ኣውቶቡስ ከተማ

    ተሓዚት ገንዘብ ኮይና ንሰለስተ ዓመታት ሰርሐት። ኣብ 2001-02 በቲ ትካል ንዕስራ ደቀንስትዮ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ንዝተዋህበ ስልጠና ምምራሕ መኪና፡ ምሉእ ድሌት ስለዝነበራ፡ ነብሰ-ጾር እንከላ’ያ ተኸታቲላቶ። ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ መምርሒ ፍቓድ ድማ ሓዘት። መመረቕታን ጥምቀትን ድማ ብሓደ ወዓለ። እታ ሽዑ ኣብቲ ግዜያት መመረቕታ ዝተወልደት ህጻን ድማ ሕጂ ድሮ ሻውዓይ ክፍሊ በጺሓስ ከም ኣደኣ ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ሕጂ ቀዳማይ ተርታ እናወጸት ትምህርታ ትከታተል ኣላ።ድሕሪ ትምህርቲ፡ ሻድሻይ ወራር

    ዝበሃላ ዝነበራ 15 ሰባት ዝሕዛ ሚኒ ባስ’ያ ክትመርሕ ጀሚራ። ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ስራሕ ግና እተን መካይን ስለእተሸጣ፡ ካብ መጓዓዝያ ማእከል ወጺኣ ምስ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ስራሕ ጀመረት። ንሽድሽታ ዓመት ከም መራሒት መኪና ኮይና ምስ ሰረሐት ዝቐጸላ ክልተ ዓመት ኣብ ምምሕዳራት ቲራቮሎን ገጀረትን ከም ፋይናንስ ኮይና ትሰርሕ ነበረት። እንተኾነ እቲ ሞያ ምምራሕ መኪና ክትገድፎ ስለዘይደለየት ካብ ስራሕ ተፈዲሳ ናይ ለይቲ ምስ ሚኒስትሪ ዜና ከም መራሒት መኪና ኮይና ትሰርሕ ነበረት።ኣብ 2012 እንደገና ናብ ህዝባዊ

    መጓዓዝያ ዞባ ማእከል ብምኻድ ከም መራሒት ሚኒባስ ኮይና ስራሓ

    ጀመረት። ንመጀመርያ ግዜ ሚኒባስ ዝሓዘት ድማ ንሳ’ያ ነይራ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ትካል ካብተን ምስኣ ዝተማህራ 20 ደቀንስትዮ ብዘይካኣ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ እትሰርሕ ጓለንስተይቲ የላን። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ስራሕ ድማ ሕጂ ናብ ምምራሕ ኣውቶቡስ በጺሓ ትርከብ።ዛይድ፡ ሚኒባስ ክትዝውር ዝረኣያ

    ህዝቢ ከመይ ተቐቢሉዋ? ነዚ ሕቶ’ዚ ክትምልስ እንከላ ህዝቢ ሓጎሱ መግለጺ ከምዘይነበሮን ወትሩ ከምዘተባብዓን ድሕሪ ምግላጽ፡ ቦታታት ኣብ እትቀያየረሉ እዋን፡ “ስለምንታይ ገዲፍክና ቀኒኺ፡ ኩሉ ግዜ ኣብዚ ዘይትኾኒ” ኢሎም ክዛረብዋ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊኤን ዘለዎም ኣኽብሮትን ፍትወትን ዝምስክር ብምዃኑ ምጥቃስ ጥራይ ኣኻሊ ምዃኑ’ያ ገሊጻ።መጀመርያ ሚኒባስ ምስ ሓዘት፡

    ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ትካል፡ እቲ ስራሕ ከይከብዳ’ኮ ተጠራጢሩ እንተነበረ፡ ንሳ ግን ብምሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ስለዝነቐለት፡ ነቲ ስራሕ ድሮ መሊኻቶስ ብዙሓት ደቀንስትዮ’ውን ክትስሕብ ጀመረት። ኣቐዲማ ከም ተሓዚት ገንዘብ ኮይና

    ነቲ ስራሕ ተላልያቶ ስለዝጸንሐት ምስ ባህሪ’ቲ ስራሕ ብዙሕ ኣይተጋየሸትን። እዚ ይኹን’ምበር ሓደ ንህዝቢ እናመርሐ ዘገዓዕዝ ሰብ ኣብ ባህሪያቱ ዓቃልን ትዕግስትን፡ ንባህሪ’ቲ ሞያ

    ዘኽብርን ሓላፍነት ህዝቢ ዝሕሉን ክኸውን ከምዘለዎ’ያ እትገልጽ። ጓለንስተይቲ ብኣካል ልምልምቲ

    ስለዝኾነት ናይ ወዲ ተባዕታይ ስረሓት ክትሰርሕ ይኸብዳ እዩ ንዝበሃል ኣበሃህላታት ድማ፡ እቲ ስራሕ(ምምራሕ መኪና)፡ “ዝያዳ ደቂተባዕትዮ ንዓና ይፎኩስ” ክትብል እያ እትብድህ። ምኽንያቱ ትብል ንሳ፡ “ምኽንያቱ ንሕና ዝያዳ ጥንቃቐን ህድኣትን ኣለና” ትብል’ሞ ብዘይካ’ዚ ካብ ወልፊ’ውን ነጻ ብምዃነን ሓላፍነታውያን ምዃነን ኣስፊሓ ትዝርዝር። ኣብ ሞንጎ ሚኒባስን ኣውቶቡስን ዘሎ

    ፍልልይ ክትገልጽ እንከላ ዛይድ፡ ምሉእ ድሌትን ሃንቀውታን ስለ ዝነበራ፡ ብኣዝዩ ልዑል ተገዳስነት ከም እትሰርሕን፡ ወላሓንቲ ፍልልይ ከምዘየምጻኣላን ትጠቅስ። ከም ጓለንስተይቲ መጠን ንዝፍጠር ናይ ደገን ገዛን ስረሓት ብኸመይ ተወሃህዶ ነይራ ክትገልጽ እንከላ ድማ፡ “ጾር ዘይኮነ ካብቲ ድኻም ዘገላግለንን ሓንጎለይ ዘሐድሰንን ስራሕ ገይረ እየ ዝቖጽሮ” እያ እትብል። ስራሕ ብምዃኑ ልክዕ ከም ኩሉ ሰብ ንኹሉ ኣብ ህይወታ ክመጻ ንዝኽእል እንተታት ተዳልያ ከምእትጸንሕን ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሳታ ብጽፉፍ ምሕደራ እናመርሐት ከምእትንቀሳቐስን ትገልጽ። ደገ ወጺኣ ስራሕ ስለዝሓዘት እቲ ናይ ገዛ ተወንዚፉ ማለት ከምዘይኮነን፡ ንኹሉ እናኣማለአት ከምእትኸይድን ብምሕባር፡ ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን ድማ ምስ ዓወት ከምዘይጽብጸብ ኣስሚራ።ኣብ ክብደት መጺኻ ስራሕ ገዛ

    ዝያዳ ከም ዝኸብዳን፡ ሞያ ምምራሕ መኪና ድማ ነቲ ክብደት ከምዘፋኹሶን ንኣእምሮኣ ከምዝሕድሰን ትሕብር። “ኣጋጣሚ ኮይኑ ሕርስን ጥንስን ኣብ ዝወዳእክሉ ግዜ ነዚ ስራሕ ብምጅማረይ ድማ ዝኾነ ዘሰክፍ ነገር ኣየጋጠመንን። ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ካብ ስረሐይ ኣመኻንየ ስራሕ ዘበላሸኹሉን ስራሕ ከቋርጽ ዝተጠራጠርኩሉን ግዜያት ወላሓንቲ መዓልቲ የላን” ብምባል ድማ እያ እትውስኽ።ዛይድ፡ ሚኒባስ ካብ እትሕዝ ጀሚራ

    ምስ ብጾታ ናይ ራብዓይ ደረጃ መምርሒ ፍቓድ ከውጽኡን ክምህርዎምን ወትሩ ብቓልን ብጽሑፍን ትሓትት ምንባራ ተዕልል። ሓሳብ ልባ ሰሚሩላ ድማ ተማሂራ ኣብዚ ደረጃ በጽሐት። “ብፍላይ ኣጽበሀት(ተዋሳኢት) ወትሩ ኣብ እትረኽበኒ ግዜ፡ ‘ስለምንታይ ኣውቶቡስ ኣትሑዙና ዘይትብሊዮም፡ ናብ ኣውቶቡስ ክትሰግራ ኣለክን’ እያ ትብለኒ ነይራ። ኣነ ድማ ‘ግዜኡ ምስ ኣኸለ ክንሕዘን ኢና’ እብላ ነይረ። እነሆ ድማ ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ድሮ’ኳ ሒዝናየን” ትብል።ኣውቶቡስ ምስ ሓዛ’ኸ ህዝቢ ከመይ

    ተቐቢልወን? ንሳ ክትገልጽ እንከላ ወላ

    ፖሊስ ትራፊክ ከይተረፉ እዮም “ዓሽ በርትዓ” ዝብሉና ትብል። “ሕብረተሰብና፡ ሰብ ብሞያ ከምዝምዘን ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጥ” ትብል’ሞ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣድናቖትን ንባዕላ ከም እትድነቐሉ ትሕብር። ብፍላይ ግን ትብል ንሳ፡ “ብፍላይ ንሕና መራሕቲ መካይን ንባሕሪ ስራሕና ጽቡቕ ጌርና ከነንብቦን፡ ምስ ሕብራውያን ህዝቢ ትሰርሕ እንተደኣሃሊኻ፡ ብዙሕ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ሰብ ከምዝመጸካ ኣስተውዒልካ፡ ስንቂ ትዕግስትን ዓቕልን ሰኒቕካ ክትወፍር ኣለካ” ክትብል መራሕቲ መካይን ክኾኑዎ ዘለዎም ባህሪ ትዝርዝር።ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል’ከ ኣብ

    ልዕሊ’ዘን ደቀንስትዮ ዝኾነ ስክፍታታት ነይሩዎዶ? ዛይድ ነዚ ክትምልስ እንከላ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል፡ “ወትሩ፡ ደቀንስትዮ መራሕቲ መካይን ዝያዳ የድማዓለይ እየን’ ከምዝብል እያ እትሕብር። “ኣብ ልዕሊ’ቲ ልዕል ኢለ ዝገለጽኩዎ ፍሉይ ባህሪያትና፡ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን። እኳ ደኣ ውሒድናዮ” ክትብል ድማ ኣስፊሓ ገሊጻ።እዘን ካብ ወርሒ ሓደ 2015

    ኣውቶቡሳት ዝመርሓ ዘለዋ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ፡ በተን ሰማያዊ ኣውቶቡሳት እየን ጀሚረን ዘለዋ። ምኽንያት ናይዚ ክትገልጽ እንከላ ዛይድ፡ እተን ቀያሕቲ ከይከብደና ኢሎም ካብ ምሕሳብ እዩ ዝኸውን’ምበር፡ እቲ ትምህርቲ በተን ቀያሕቲ ኣውቶቡስ ከምዝነበረ ጠቒሳ።ዛይድ ኣብ መጠረሽታ ኣብ

    መጻኢ ክትትግብሮም እትደሊ መደባ ክትሕብር እንከላ፡ ሕልማ ደረት ኣልቦ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዕድል እንተተረኺቡ ተማሂራ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብምብጻሕ ፓይለት ክትከውን ከም እትምነ ብምግላጽ፡ ናይ ሓምሻይ ደረጃ መምርሒ ፍቓድ ኣውጺእካ ደረጃ ምውሳኽ ድማ እቲ ናይ ቀረባ መደባ ምዃኑ ተዕልል።ዛይድ ኣብ ምጠረሽታ፡ ንኹሎም

    ስድራቤታ ፈተውታን መሳርሕታን፡ ብፍላይ ድማ በዓል ቤታ ንስለ’ቲ ዝገበረላ ገዚፍ ደገፍ፡ ከምኡ’ውን ንቦኽሪ ጓላ ሰገን፡ ንስለ’ቲ ደገ ወጺኣ ንኽትሰርሕ ምሉእ ናይ ገዛ ስረሓት ውሑስ ብምግባራ ኣዝያ ተመስግን። ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዞባ ማእከል ድማ ንስለ’ቲ ንሕቶታተን ሰሚዖም ጠለባተን ዘማለኡለን ብልቢ ተመስግን። መማህራን፡ መሳርሕቲ ብፍላይ ድማ መራሕቲ መካይን፡ ብዓቢኡ ድማ ህዝቢ ኣጆኽን ትብዓን ንፍዓን ኢሎም ናይ ዘተባበዑዎም ደረት ኣልቦ ምስጋናኣ ተብጽሕ። ንኹለን ደቀንስትዮ ድማ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ክብርትዓን ኣብ ሞያ ክዓብያን እናመኸረት፡ ዮሃና ትብል።ዛይድ ኣብ ትምህርቶም ብሉጻት

    ዝኾኑ ሰለስተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ዉሉዳት ኣለዉዋ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 10

  • ሓዳስ ኤርትራ 13 መጋቢት 2015 - ገጽ 11

    ስፖርትተስፋኣለም ገብረዮሃንስ (ኲባ)

    ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ውድድር ዞባዊ ሊግ ክለባት ዞባ ዓንሰባ ትማሊ ረቡዕ ብዝተኻየዱ ክልተ ግጥማት ከም ዝቐጸለ ጨ/ኮሚሽን ስፖርት ናይቲ ዞባ ሓቢሩ።

    ካብ ሰዓት ክልተ ጀሚረን ፈላሚ ናይዚ ዓመት ናይ ሊግ ውድድረን ዘካየዳ ኣልነስር ኣንጻር ቀይሕ ባሕሪ ናይ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ እየን።

    ግጥም ቀዳማይ እብረ ብዓብላልነት ቀይሕ ባሕሪ እዩ ተሰላሲሉ። ይኹን እምበር እቲ ግጥም ተጻዋታይ ኣልነስር ጎይትኦም ቢሻው ኣብ መበል 44 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ፡ ብመሪሕነት ኣልነስር 1ብ0 ናብ

    መደብ ጸወታ ሊግ ዓንሰባሎሚ ዓርቢ

    ስቴላ ኣንጻር ሓመልማሎ ሰዓት 2፡00 ድ.ቐኣልነስር ኣንጻር ላሳለ ሰዓት 4፡00 ድ.ቐ

    ሰንበት 15 መጋቢት ዓንሰባ ኣንጻር ቀይሕ ባሕሪ ሰዓት 2፡00 ድ.ቐ

    ኣልሂላል ኣንጻር ኣልሳሕል ሰዓት 4፡00 ድ.ቐ

    ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ካልኣይ እግሪ ሻምፕዮንስ ሊግ ሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ብጀርመናዊት ክለብ ሻልከ 4ብ3 ተሳዒራ ተዋሪዳ ምውጻኣ ይፍለጥ። ኣብታ ግጥም ንጋንታኡ ካብ ስዕረት ዘየናገፋ ግን ከኣ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክትሰግር ዓቢ እጃም ዝነበረን ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበ ኣጥቀዓይ ማድሪድ ሮናልዶ እዩ። ንሱ እቲ ግጥም ምስ ተዛዘመ ካብ ሜዳ ኣብ ዝወጻሉ ዝነበረ ህሞት ብደገፍቲ ክለቡ ተሸዲዱ እዩ። ናይ ሕርቃን ግብረመልሲ ክህብ ኣብ ዝፈተነሉ ሓለቓ ጋንታ ኢከር ካስያስ ዓጊትዎ ክወጽእ ተራእየ። ሮናልዶ ነቲ ኣብታ ግጥም ሓንቲ ሸቶ ዘመዝገበ ካሪም በንዚማ ጸወታ ድሕሪ ምዝዛሙ “እዚ ዘሕንኽ እዩ” እናበሎ ከሎ ኣብ ዓይኒ ካሜራ ኣትዩ እዩ። ሮናልዶ ናብ መቐየሪ ክፍሊ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ ህሞት ነታ

    ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ብናይ ካልኣይ እግሪ ግጥማት ዙር 16 ቀጺሉ ኣምስዩ። ባየር ሙኒኽ ንሻክታር ከምኡ ድማ ፒኤስጂ ንቸልሲ ኣውዲቐን ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ሓሊፈን። ባየር ሙኒኽ ንሻክታር ኣብ ዘሐፈረትሉ ጸወታ ሽዱሽተ ተጻወታ ሸቶ ኣመዝጊቦም። ሙለር ክልተ ተኸላኸልቲ ቦኣቲንግን ባድስቱበርን፡ ለቫንዶውስኪ፡ ጎትዘን ሪበርን ንሸውዓተ ሸቶታት ሙኒኽ ዘመዝገቡ እዮም። እቲ ግጥም ተጻዋታይ ሻክታር ኦሌክሳንደር ክሩሸር ኣብ ሳልሳይ ደቒቕ ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ብዝተባረረሉ ፍጻመ እዩ ጀሚሩ። በዚ ድማ ዝቐልጠፈ ካብ ሜዳ ዝተባረረ ተጻዋታይ ኣብ ታሪኽ እዚ ውድድር ኮይኑ። ባየር በዚ ዓወት ኣቢላ ንራብዓይ ተኸታታሊ ግዜኣ ናብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ሓሊፋ። “ተጻወትተይ ጸቕጢ ናይ ምጽዋር ዓቕሞም

    ትሕት ኔሩ። ነቲ ግጥም ክንዐወተሉ ፈቲንና ኢና። መጋጥምትና ተጻዋታይ ምስ ጎደሎም፡ ንሕና ኣብ ጸቕጢ ኣቲና። ኣቃውማና ልክዕ ኣይነበረን መጋጥምትና ሓያላት ኔሮም። ጸቕጢ ናይ ምጽዋር ዓቕሞም ዝድነቕ እዩ።” ኣሰልጣኒ ቸልሲ ሞሪኖ ድሕሪ ግጥም ዝበሎ እዩ። ምኩር ሆላንዳዊ ማእከላይ ዳኛ ብዮርን

    ካይፕረስ ዝኣለዮ ግጥም ቸልሲ ኣንጻር ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ኣክታዒ ክስተታት እዩ

    ዕረፍቲ ኣምሪሑ።ኣብ ግጥም ካልኣይ እብረ ብዝሒ ሸቶታት

    ኣልነስር ክውሕዝ ተራእየ። ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ብግቡእ ዝተወሃሃደት ኣልነስር ኣብ 57’ ደቒቕ ብመንገዲ ጎይትኦም ቢሻው፡ ድሕሪ ሰለስተ ደቓይቕ ድማ ካብ ኣሕመድ ሳልሕ ኣከታቲላ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ነቲ ውጽኢት ናብ 3ብ0 ኣስፈሓቶ። ኣሮን ፍሰሃየ ንቀይሕ ባሕሪ መምለሲት ገዛ ሓንቲ ሸቶ ኣብ መበል 69 ደቒቕ ኣመዝገበ። ኣብታ ግጥም ልዕሊ ዝኾነ ተጻዋታይ ደሚቑ ዝወዓለ ጎይትኦም ቢሻው ንጋንታኡ ራብዓይቲ ንነብሱ ድማ ሃትሪክ

    ሊግ ዓንሰባ ኣልነስር ብገፊሕ ኣብ ዝተዓወተትሉ ጎይትኦም ቢሻው ሃትሪክ ሰሪሑ

    ዘስረሐቶ ሽቶ ኣብ መበል 72 ደቒቕ ኣመዝገበ። ኣልነስራውያን በዚ ኣይዓገቡን ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ ካብ ኣሕመድእድሪስ ጀሬ ሓምሸይቲ ሸቶ ወሰኹ። እቲ ግጥም ድማ ብዓወት ኣልነስር ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ 5ብ1 ተዛዘመ። ኣልነስር ንዞባ ዓንሰባ ወኪላ ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሊግ ብዘይምቁራጽ ዝተሳተፈት ጋንታ እያ። ብዘይካ’ዚ እታ ጋንታ ሓደ እዋን ሻምፕዮን ክለባት ኤርትራ ኮይና ምንባራ ሰነዳታ ይሕብሩ።

    ድሒረን ዝገጠማ ኣልሂላ ኣንጻር ዓንሰባ እየን። ሓደ ግዜ ሻምፕዮን ክለባት ኤርትራ ብምዃን ኣህጉራዊ ጸወታት ኣካይዳ ዝነበረት ዓንሰባ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓደስቲ ተስፋ ዘለዎም መንእሰያት ሒዛ ቀሪባ ከም ዘላ ትግለጽ። እታ ጋንታ ንግጥም ቀዳማይ እብረ ብዓብላልነት እያ ቀሊሳቶ። ዓንሰባ ብዙሕ ናይ ሸቶ ዕድላት ክትፈጥር ኪኢላ ኔራ። ይኹን እምበር ንብርክት ዝበለ ካብኡ እኳ እንተዘይተጠቕመትሉ፡ ኣብ ታሽዓይ ደቒቕ ካብ ጌትነት ኣንዳርገ ብዝረኸበታ ሸቶ ንዕረፍቲ 1ብ0 መሪሓ ወጺኣ።

    ኣብ ካልኣይ እብረ ኣልሂላል ተወዲባን ሓይላን ቀረበት። ነዚ ንምትግባር ናይ ተጻወትቲ ለውጢ ገበረት። ከም ውጽኢቱ ኣብ መበል 51’ ብመንገዲ ተቕይሩ ዝኣተወ ሃብታሙ ዘውደ እተመዓራርያ ጎል ኣቑጸረት። ጸወታ ብርሱን መንፈስ እናቐጸለ ኣብ መበል 77’ ደ