“ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድልዱል ህዝባዊ...

12
መበል 23 ዓመት ቁ.87 26 ሕዳር 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 መርበብ ሓበሬታ ትዊተር ገጽ 3 ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጠንቁ ወጥሪ ኮሎምቢያን ኒካራጓን ገጽ 4 ሜላታት ኣልያ ወለዲ ገጽ 8 ዝበዝሐ ህዝቢ ዝቕመጠን ከተማታት ዓለም ገጽ 5 ሓጺር ታሪኽ ኮምስዮን ምስናዕ 2013 ሰሉስ ከቢድ ሳዕቤናት ዘለዎ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንኽውገድ፡ ተራ መላእ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ፡ ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ማእከል ንኣመሓደርትን ኣነባበርቲ ዓድን ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣብ ዓዲ-ጓዕዳድ ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ኣዘኻኺሩ። ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ሓላፍነት ንሕብረተሰብ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፡ ኣንጻር መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝጉስጉሳ መንእሰያት ምምልማል ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ሃማደኤ ኣብ ጥዕናዊ ጎስጓሳት ዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮ ብቁጽርን ዓይነትን ክብ ኣብ ምባል ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኣ። ወይዘሮ ተኽኣ ኣስዒባ፡ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ምውጋድ ተራ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ ሃማደኤ ኣዘኻኺሩ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊአን ንዝውሰድ ስጉምቲ ክከላኸላ ኣፍልጦን ዓቕሚን ስለዘይብለን ግዳይ ይኾና ከምዘለዋ ጠቒሳ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምውጋድ፡ሃማደኤ-ኣፍልጦሕብረተ- ሰብ ንምዕባይ ጎስጓሳትን ስልጠናታትን የካይድ ከምዘሎ ሓቢራ። ሓላፊ ፕሮጀክት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣስመሮም ጎይትኦም ብወገኑ፡ ንጥዕናውን ማሕበረ-ቊጠባውን ሃስያታት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ምውጋዱ ናይዚ ልምዲ’ዚ ይጽናሓለይ ዘይብሃሎ ዕማም ብምዃኑ፡ እቲ ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዞባ ማእከል ኣቶ ከሰተ ግርማይ ብግደኡ፡ ሕጊ ኩሉ ግዜ ብሃውሪ ዝመጽእ ዘይኮነ ካብ ባህልን ልምድን ሕብረተ- ሰብ ዝምንጩ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሕጊታት ኤርትራ ብቐንዱ ጥሙርን ውሁድን፡ ከምኡ’ውን ጥዑይን ምዕቡልን ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ። ካብ ተሳተፍቲ - ወይዘሮ ለተንስአ ገብረመድህንን ኣቶ እድሪስ ኢብራሂምን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እዚ ብሃማደኤ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ንቕሓት ብምብራኽ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕንቅጹ ልምድታት ንምእላይ ዝካየድ ጻዕሪ ንኽዕወት፡ እቲ ጎስጓስ ቀጻሊ ኪኸውን ተላብዮም። ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድልዱል ህዝባዊ ሰረት ዝተነድቀ ከምዝኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስታድዩም ከተማ ፖርትሱዳን ኣብ ዝተኻየደ፡ ብዝተፈላለየ ምርኢትን ባህላዊ ጸወታን ኣብ ዝማዕረገ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስመዖ መደረ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዝተገብረሉ ህዝባውን ወግዓውን ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ንዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ብዝያዳ ንምምዕባሉ ሓባራዊ ስራሕ ከምዘድሊ ብምምልካት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ዝተራእየ ምዕባለ ብምድናቕ፡ ንህዝብን መሪሕነትን ሱዳን “እንቋዓ ሓጐሰኩም” ኢሉ። ፕረዚደንት ኣልበሺር ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሻውዓይ ፈስቲቫል ቱሪዝም ብምስታፉ ምስጋናኡ ድሕሪ “ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድልዱል ህዝባዊ ሰረት ዝተነድቀ’ዩ” ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምቕራብ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ “ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ዘዐወተ ሓያል መራሒ” ክብል ገሊጹዎ። “ኤርትራን ሱዳንን ኣብ’ዚ ዞባ ንሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ክሰርሓ ቃል ኪዳን ዝኣተዋ’የን” ዝበለ ፕረዚደንት ኣልበሺር፡ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዶብ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንጻዕሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ መጒሱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሻውዓይ ፈስቲቫል ቱሪዝም ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ንምስታፍ ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ዕድመ መሰረት፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎ-ሜተር ብመኪና ተጓዒዙ’ዩ ብ23 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ከተማ ፖርት-ሱዳን ኣትዩ። ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ዶክተር መሓመድ ጣህር ኤላ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ፖርት- ሱዳንን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ከተማ ፖርት-ሱዳንን ድማ፡ ብሃገራዊ መዝሙር ክልተአን ሃገራት ዝተሰነየ ድሙቕ ወግዓውን ህዝባውን ኣቀባብላ ገይሮምሉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ፡ ብፕረዚደንት ሱዳንን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ሱዳንን ተሰንዩ፡ ኣብ ከተማ ፖርት-ሱዳን ተነጺፉ ንዘሎ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያን ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት ማሽነሪን ተዓዚቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ዶብ ኤርትራ ክሳብ ወደባዊት ከተማ ፖርት-ሱዳን ዝኣቱ ኣብ ዝሓለፎ መንገዲ፡ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ቶኮርን ሰዋኪንን ኣብ ጽርግያታት ብምውጻእ ብዕልልታን ያታዊ ሳዕስዒትን ተቐቢሎሞ። ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሻውዓይ ፈስቲቫል ቱሪዝም ዞባ ቀይሕ- ባሕሪ ሱዳን፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ኣስካሉ መንቆርዮስን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካሬን ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምእተሳተፉ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።

Upload: others

Post on 08-Feb-2021

15 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 23 ዓመት ቁ.87 26 ሕዳር 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ²Ãö 3

    ገጽ 10

    መርበብ ሓበሬታ ትዊተር

    ገጽ 3

    ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጠንቁ ወጥሪ ኮሎምቢያን ኒካራጓን

    ²Ãö 3

    ገጽ 4

    ሜላታት ኣልያ ወለዲ

    ገጽ 8ዝበዝሐ ህዝቢ ዝቕመጠን

    ከተማታት ዓለም

    ²Ãö 3

    ገጽ 5

    ሓጺር ታሪኽ ኮምስዮን ምስናዕ

    2013

    ሰሉስ

    ከቢድ ሳዕቤናት ዘለዎ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንኽውገድ፡ ተራ መላእ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ፡ ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ማእከል ንኣመሓደርትን ኣነባበርቲ ዓድን ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣብ ዓዲ-ጓዕዳድ ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ኣዘኻኺሩ።ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ሓላፍነት ንሕብረተሰብ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፡ ኣንጻር መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝጉስጉሳ መንእሰያት ምምልማል ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ሃማደኤ ኣብ ጥዕናዊ ጎስጓሳት ዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮ ብቁጽርን ዓይነትን ክብ ኣብ ምባል ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኣ።ወይዘሮ ተኽኣ ኣስዒባ፡ ትሕቲ ዕድመ

    መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ምውጋድ ተራ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ ሃማደኤ ኣዘኻኺሩ

    ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊአን ንዝውሰድ ስጉምቲ ክከላኸላ ኣፍልጦን ዓቕሚን ስለዘይብለን ግዳይ ይኾና ከምዘለዋ ጠቒሳ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንምውጋድ፡ ሃማደኤ - ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ንምዕባይ ጎስጓሳትን ስልጠናታትን የካይድ ከምዘሎ ሓቢራ።ሓላፊ ፕሮጀክት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣስመሮም ጎይትኦም ብወገኑ፡ ንጥዕናውን ማሕበረ-ቊጠባውን ሃስያታት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ምውጋዱ ናይዚ ልምዲ’ዚ ይጽናሓለይ ዘይብሃሎ ዕማም ብምዃኑ፡ እቲ ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ዞባ ማእከል ኣቶ ከሰተ ግርማይ ብግደኡ፡

    ሕጊ ኩሉ ግዜ ብሃውሪ ዝመጽእ ዘይኮነ ካብ ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰብ ዝምንጩ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሕጊታት ኤርትራ ብቐንዱ ጥሙርን ውሁድን፡ ከምኡ’ውን ጥዑይን ምዕቡልን ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።ካብ ተሳተፍቲ - ወይዘሮ ለተንስአ ገብረመድህንን ኣቶ እድሪስ ኢብራሂምን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እዚ ብሃማደኤ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ንቕሓት ብምብራኽ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕንቅጹ ልምድታት ንምእላይ ዝካየድ ጻዕሪ ንኽዕወት፡ እቲ ጎስጓስ ቀጻሊ ኪኸውን ተላብዮም።

    ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድልዱል ህዝባዊ ሰረት ዝተነድቀ ከምዝኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስታድዩም ከተማ ፖርትሱዳን ኣብ ዝተኻየደ፡ ብዝተፈላለየ ምርኢትን ባህላዊ ጸወታን ኣብ ዝማዕረገ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስመዖ መደረ ገሊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዝተገብረሉ ህዝባውን ወግዓውን ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ንዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ብዝያዳ ንምምዕባሉ ሓባራዊ ስራሕ ከምዘድሊ ብምምልካት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ዝተራእየ ምዕባለ ብምድናቕ፡ ንህዝብን መሪሕነትን ሱዳን “እንቋዓ ሓጐሰኩም” ኢሉ።ፕረዚደንት ኣልበሺር ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሻውዓይ ፈስቲቫል ቱሪዝም ብምስታፉ ምስጋናኡ ድሕሪ

    “ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድልዱል ህዝባዊ ሰረት ዝተነድቀ’ዩ” ፕረዚደንት ኢሳይያስ

    ምቕራብ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ “ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ዘዐወተ ሓያል መራሒ” ክብል ገሊጹዎ። “ኤርትራን ሱዳንን ኣብ’ዚ ዞባ ንሓባራዊ ረብሓ ብሓባር ክሰርሓ ቃል ኪዳን ዝኣተዋ’የን” ዝበለ ፕረዚደንት ኣልበሺር፡ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዶብ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንጻዕሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ መጒሱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሻውዓይ ፈስቲቫል ቱሪዝም ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ንምስታፍ ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ዕድመ መሰረት፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎ-ሜተር ብመኪና ተጓዒዙ’ዩ ብ23 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ከተማ ፖርት-ሱዳን ኣትዩ። ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር ከምኡ’ውን

    ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን ዶክተር መሓመድ ጣህር ኤላ፡

    ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ማሕበረኮም

    ኤርትራውያን ነበርቲ ፖርት-ሱዳንን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ከተማ ፖርት-ሱዳንን ድማ፡ ብሃገራዊ መዝሙር ክልተአን ሃገራት ዝተሰነየ ድሙቕ ወግዓውን ህዝባውን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ፡ ብፕረዚደንት ሱዳንን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ሱዳንን ተሰንዩ፡ ኣብ ከተማ ፖርት-ሱዳን ተነጺፉ ንዘሎ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያን ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት ማሽነሪን ተዓዚቡ።ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ዶብ ኤርትራ ክሳብ ወደባዊት ከተማ ፖርት-ሱዳን ዝኣቱ ኣብ ዝሓለፎ መንገዲ፡ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ቶኮርን ሰዋኪንን ኣብ ጽርግያታት ብምውጻእ ብዕልልታን ያታዊ ሳዕስዒትን ተቐቢሎሞ።ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሻውዓይ ፈስቲቫል ቱሪዝም ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ሱዳን፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ኣስካሉ መንቆርዮስን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካሬን ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምእተሳተፉ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 2

    12፡00 ሪምና

    12፡30 ዜና ብትግርኛ

    12፡50 ጉዳይ ኣብ ዘተ

    13፡30 ዜና ብዓረብ

    13፡45 ኢድኣት

    14፡20 ዋልታ

    15፡10 news highlights

    15፡45 x-files

    16፡55 ERISPORA

    17፡20 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ

    17፡25 hot tracks

    19፡00 ዜና ብትግረ

    19፡20 ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት

    20፡00 ዜና ብዓረብ

    20፡20 ስፖርት

    21፡00 ዜና ብትግርኛ

    21፡30 ኣተኩሮ

    22፡15 ዜና ብእንግሊዝ

    22፡30 media offline

    23፡00 ህርመት

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    [email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

    ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    ሓምሻይ ዓመታዊ ባህላዊ ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም

    ባህላዊ ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር ተኻዪዱ

    ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠር፡ ብሓሙስ 21 ሕዳር ኣብ ከተማ

    ኣ’ደውሓ ተኸፊቱ።ኣብቲ ዕለት’ቲ ኣብ ዝቐረበ

    ንባህልን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስራሓት ኢደ-ጥበብን

    ስእልታት ፎቶግራፍን ዘጠቓለለ ምርኢት፡ ወኪል ሚኒስትሪ ባህልን ያታን ከምኡ’ውን ወኪል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን ሃገረ ቐጠር፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።እቲ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ዘድመቕዎ ኣጋጣሚ፡ ልዑል ኣቓልቦን ሸፈነን ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ከምዝረኸበ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሓምሻይ ዓመታዊ ባህላዊ ፈስቲቫል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ ቐጠር ንሳልስቲ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ካብ ኤርትራ ብዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ብ22 ሕዳር ሙዚቃዊ መደብ ከምዝቐረበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

    ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ምዕሩይን ብቑዕን ኣገልግሎት ጥዕና ንምስፋሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ተራ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ንኡስ ዞባ ንጥፈታቱ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ትካላት ጥዕና ጸብጻብ ንጥፈታተን ምስ ኣቕረባ፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን

    ሓጋዝ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምስፋሕ ብቑዕ ኣገልግሎት ጥዕና ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ

    ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዘካርያስ ዑቕባስላሴ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ኣብ ምቊጽጻርን ድሕነት ኣደን ህጻናትን ኣብ ምውሓስን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተደኰና ትካላት ጥዕና ዝምስገን ዕማም የካይዳ ከምዘለዋ ጠቒሱ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ሰብ-ሞያ ጥዕና ብዝለዓለ ክነጥፉ፡ ምትሕብባር ሕብረተ-ሰብ ድማ

    ከይፍለዮም ኣዘኻኺሩ። ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጅ ብወገና፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ምዕሩይን ብቕዓቱ ዝተረጋገጸን ኣገልግሎት ጥዕና ንምብጻሕ ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንጥፈታት ምውጋድ ጎዳእቲ ልምድታት ግና ከምቲ ዝድለ ስለዘይሰጐመ፡ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ህዝብን ተወሃሂዶም ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኣተሓሳሲባ።ወይዘሮ ኣምና ኣስዒባ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ኩሎም ኣካላት መንግስትን መሻርኽትን ብምትሕብባር ኣብ መዳይ ጥዕና ክብጻሕ ዝተወጠነ ሸቶ ኣብ ምዕዋት ልዑል ጠመተ ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ብምልባው፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ካብኡ ዝሕተት ከማልእ ቅሩብ ምህላዉ ኣነጺራ።ተሳተፍቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሓሽሻይ ፋሕ ኢለን ዝርከባ ዓድታት ንዝወሃብ ክታበት ፖልዮ ቅሩባት ክኾና፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኣወንጀሊን ፋናን ኣገልግሎት ቀዳማይ ረድኤት ክዋደድ፡ ቀጽሪ ዘይብሉ መደበራት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ዘይብለን ትካላት ጥዕና ክስራሓለን፡ ሕሙማትን ነብሰ-ጾራትን ዘመላልሳ ኣንቡላንሳት ክውሰኻ፡ ከምኡ’ውን ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት ብዝሰፍሐ ክቕጽል ተላብዮም።ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣብ ከባቢታት ከርመድ፡ ሓሽሻይ፡ ግላስ፡ ኣሸራን ዓድ-ፋካይን 5 ትካላት ጥዕና፡ ኣብ ከተማ ሓጋዝ ድማ ኮማዊ ሆስፒታል ከምዘሎ ሰነዳት’ቲ ንኡስ ዞባ የመልክት።

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 3

    ተስፍኣለም የማነ

    ኣብ መንጎ ላቲን ኣመሪካውያን ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾና ኮሎምቢያን ኒካራጓን፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጠንቁ ፖለቲካዉን ወታሃደራዉን ወጥሪ ይርከብ። እቲ ዓመታት ዝበልዐ ወጥሪ ወላ’ኳ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብተዛማዲ ሃዲኡ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ እዋን ግን ዝያዳ መሊሱ ክኸርር ጀሚሩ ኣሎ። በዚ ከኣ መጠረሽታኡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ወታሃደራዊ ረጽሚ ከየምርሓ’ሞ እቲ ኣብ ተዛማዲ ርግኣት ዝርከብ ጸጥታውን ፖለቲካዉን ኩነታት ላቲን ኣመሪካ ከይዝረግን ሕንፍሽፍሽ ከየኸትልን ኣብ ሓያለ ወገናት ናይ’ቲ ዞባ ሻቕሎት ሓዲሩ ኣሎ። ሰነዳት ታሪኽ ከምዘመልክትዎ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ባሕሪ ካሪቢያን ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ ማያዊ ግዝኣት ቅድሚ ሓደ ዘመን ባዕዳዉያን ገዛእቲ ሓይሊታት ዝፈጠርዎ ጸኒሓ ድማ ኣመሪካ

    ዝሓላለኸቶ ሽግር’ዩ። ኮሎምቢያ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ እስጳኛ ተላቒቓ ኣብ 1819 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ነተን ካብ ገማግም ባሕራ ኣስታት 775 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ኒካራጓ ድማ 230 ኪሎ-ሜተር ጥራይ ተፈንቲተን ዝርከባ ሰለስተ ስትራተጃዉያን ደሴታት - ሳን-ኣንድረስ፡ ፕሮቪደንሻ ከምኡ ድማ ሳንታካታሊና ከም ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ ጠሚታ ብኡ ንብኡ’ያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጻራ ኣእትያተን። ኒካራጓ ድማ ነቲ ስጉምቲ ብምቅዋም ነተን ደሴታት ክትመልሰን ዘኽእላ ስጉምቲታት ጸኒሓ ክትወስድ ጀሚራ። እንተኾነ ኣብ 1928 (ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋዊ ጎበጣ ኣመሪካ እንከላ ማለት’ዩ) ምስ ኮሎምቢያ ውዕል ከቲማ። እተን ደሴታት ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ኮሎምቢያ ኮይነን

    ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጠንቁ ወጥሪ ኮሎምቢያን ኒካራጓን

    ንኽቕጽላ ድማ’ያ ኣብቲ ውዕል ክታማ ኣንቢራ። እንተኾነ ድሒሩ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ናብ ኮረሻ ስልጣን ዝደየበ ብስርዓት ሳንደኒስታ ዝፍለጥ ሰውራዊ መንግስቲ’ታ ሃገር፡ “ኒካራጓ ነቲ ውዕል ብድሌታ ዘይኮነት ኣመሪካ’ያ ብሓይሊ ጓዕጺጻ ኣኸቲማታ። ብሓይሊ ዝእቶ ውዕል ከኣ ሕጋዉነት ስለ ዘይብሉ፡ ንሕና ኣብዚ እዋን ፈጺምና ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና።” ብምባል ኣብ 1980 ነቲ ውዕል ብወግዒ ኣፍሪስዎ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ እታ ሃገር ብዋንነት’ተን ደሴታትን ካልእ ማያዊ ግዝኣትን ምስ ኮሎምቢያ ክትከራኸር ጀሚራ።ካብ ጽልዋ ኣመሪካ ርሒቓ ምስ ሩስያን ቻይናን ጥቡቕ ሽርክነት መስሪታ ምህላዋ ዝንገረላ ኒካራጓ፡ ኣብ ባሕሪ ካሪቢያን ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ ዝኾነ ሰፊሕ ማያዊ ክሊ ብኮሎምቢያ ተጎቢጡ ምህላዉ ዘመልክት ጥርዓን

    ኣብ 2001 ናብቲ ኣብ ዘሄግ - ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ኣቕሪባ። ኣብ 1948፡ ነቲ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣብ መንጎአን ከጋጥም ንዝኽእል ዶባዊ ምስሕሓብ ብዳንነት ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ክፈትሕኦ ዘስገድድ ውዕል ከቲማትሉ ዝነበረት ኮሎምቢያ’ውን ብግደኣ፡ ልኡላዊ ግዝኣት ኒካራጓ ከምዘይጎበጠት ዘረድእ መርትዖ ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣረኪባ። እቲ ቤት-ፍርዲ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ጉዳይ ዝህቦ ብይን ይግባይ ዘይብሉ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ምዃኑ ኣቐዲሙ ንክልቲአን ሃገራት ኣፍሊጥወን። ኣብቲ እዋን መራሒ ኮሎምቢያ ዝነበረ ኣልቫሮ ኡሪበ ብወገኑ፡ ሃገሩ ምስ ኒካራጓ ዝጸንሓ ምትህልላኽ ንድሕሪት ገዲፋ ጽቡቕ ምርድዳእን ሕዉነትን ዝነገሶ ሰናይ ጉርብትና ንኽትምስርት ካብ ዘለዋ ጥሙሕ

    ተበጊሳ ነቲ ዝዋሃብ ብይን ክትቅበሎ ምዃና ገሊጹ። ብድሕሪ’ዚ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ፍትሒ ነቲ ብክልቲኤን ሃገራት ዝቐረበሉ መርትዖታት ን11 ዓመታት ዝኣክል ብጥንቃቐ ድሕሪ ምምርማር ኣብ ዝሓለፈ 2012 ደምዳሚ ብይን ሂብሉ።ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ፍትሒ ኣብቲ ብ19 ሕዳር 2012 ዘሕለፎ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ብይን፡ እቲ ኣብ 1928 ብክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ’ሞ ጸኒሓ ኒካራጓ ዘፍረሰቶ ውዕል ሕጋዊን ዘይቅየርን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሰለስቲአን ኣከራኸርቲ ደሴታት ኣካል ልኡላዊ ግዝኣት ኮሎምቢያ ምዃነን ደምዲሙ። ብኣንጻር’ዚ ድማ ካብቲ ኮሎምቢያ ልኡላዊ ባሕረይ ክትብሎ ዝጸንሐትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ዝነበረን ሰፊሕ ማያዊ ግዝኣት 75 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ማያዊ ክሊ መቒሉ ንኒኳራጓ ሂብዋ። ብድሕሪ’ዚ ኒካራጓ በቲ ዝተዋህበ ብይን ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓገበት ብመገዲ መራሒኣ ኣቢላ ክትገልጽ እንከላ፡ ብኣንጻሩ ድማ ኮሎምቢያ “ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ፍትሒ ዝሃቦ ብይን ፍትሓዊ ኣይኮነን!” ብምባል ነቲ ብይን ፈጺማ ከምዘይትቕበሎ ብመገዲ መራሒኣ ፕረዚደንት ጁዋን ማኑዌል ሳንቶስ ኣቢላ ኣፍሊጣ።

    ንኣሃዱታት ሓይሊ ባሕራ ካብቲ ከባቢ ከተውጽኦም ከምዘይኮነት ድማ ወሲኻ ኣጠንቂቓ። ክኢላታት ናይ’ቲ ከባቢ ከምዝሕብሩዎ፡ ካብ ኮሎምቢያ ተሓዲጉ ንኒካራጓ ክወሃብ ብኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ፍትሒ ተፈሪዱ ዘሎ 75 ሽሕ ዝስፍሓቱ ማያዊ ግዝኣት፡ ብምድራዊ ጸጋታት ኣዝዩ ሃብታም ምዃኑ’ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። ዛጊት 1.4 ትሪልዮን ትርብዒት ሜትሮ ዝበጽሕ ባህርያዊ ጋዝ ኣብ ከርሲ መሬት ናይ’ቲ ማያዊ ግዝኣት ተኸዚኑ ምህላዉ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ ኣሎ። ዛጊት መጠኑ ብልክዕ ዘይተገልጸ ነዳዲ ዘይቲ ከምዘለዎ’ውን ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ከባቢ ብከም ሎብስተርን ሽሪምፕን ዝኣመሰሉ ክቡራት ዓሳታት’ውን ኣዝዩ ሃብታም ምዃኑ ይንገረሉ። በዚ ምኽንያት ኒካራጓ ነዚ ዘይተኣደነ ጸጋታት’ዚ

    ንምምዝማዝን ብኡ ኣቢላ ቁጠባኣ ንምዕባይን ናይ ደገ ኩባንያታት ክትዕድም ጀሚራ ኣላ። እዚ ይኹን’ምበር፡ ኮሎምቢያ ኣንጻር’ቲ ብኒካራጓ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ዕደና ስጉምቲ ተጠንቅቕ ብምህላዋ እቲ ንጥፈት ደው ክብል ተገዲዱ ኣሎ። ኮሎምቢያ ሓንቲ ካብተን ኣመሪካ

    ብደረጃ ዓለም እሙናት መሓዙተይ እትብለን ሒደት ሃገራት ምዃና’ዩ ዝንገረላ። በቲ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ቈይሙ ዝርከብ ኩባን ቬንዝዌላን ዝርከብኦ ንዓብላልነት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝቃወም ኣህጉራዊ ውድብ ድማ ከም መጋበርያ ምዕራባውያን’ያ ትጥመት። ኮሎምቢያ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ ጎድኒ ኣመሪካ ደው ክትብል እንከላ፡ ድሕሪ 11 መስከረም ኣብ ዝጀመረ ወፍሪ ጸረ ግብረ-ሽበራ ድማ ምስታ ሃገር ተሰሊፋ። መራሒ ኣልቃዒዳ ኦሶማ ቢን ላደን ተቐቲሉ ዝብል ዜና ምስተዘርግሐ’ውን እታ ቀዲማ ንኣመሪካ “እንቋዕ ሓጎሰና” ዝበለት ሃገር’ያ። ኮሎምቢያ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ንዝተኻየደ ወራራት’ውን ደጊፋቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጎድኒ ኣመሪካ ተሰሊፋ ወታሃደራዊ ሓገዛ ኣበርኪታትሉ’ያ። እዛ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ኣብ ምቅላስ ምስ ኣመሪካ ነዊሕ ናይ ምትሕግጋዝ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር፡ ዓመታዊ ካብ ዋሺንግተን ገዚፍ ወታሃደራዊን ፊናንሲያዊን ሓገዛት ከምዝምጠወላ’ዩ ዝግለጽ። ኣምሳያ ናይ’ቲ ዝዋሃባ ሓገዛት ድማ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ከተትግብሮ ንእትደሊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዉን ወታሃደራዉን ኣጀንዳታት ብስዉርን ቅሉዕን ኣብ ምስሳይ ከምእትርከብ ሓያለ ወገናት የረድኡ። በዚ ምኽንያት ምስ’ተን ብዝበለዩ ናይ ግበታን ምዝመዛን ፖሊስታት ኣመሪካ እምብዛ ዝሰክሓ ከም ቬነዝዌላ፡ ኤኳዶር፡ ኲባን ቦሊቪያን ዝኣመሰላ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ምሒር ተጸሊኣን ተነጺላን ምህላዋ እቶም ወገናት ወሲኾም የመልክቱ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ኮሎምቢያ ነቲ ብኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ፍትሒ ዝተዋህበ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ክትቅበሎ ኣይከኣለትን ዘላ። “ልዕሊ 85% ካብ ዜጋታተይ በቲ ውሳኔ እምብዛ ተቖጢዖም እዮም” ዝብል መግለጺ’ውን ከተስምዕ ጸኒሓ።

    ወላ’ኳ ኒካራጓ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ጸቕጢ ብምፍጣር እቲ ብይን ክትግበረላ ትጽበ እንተሃለወት፡ ዛጊት ግን ንኮሎምቢያ ዓገብ ዝብል ወገን ኣይተረኽበን ዘሎ። እታ ኣብ ዝመጽእ 2014 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካይድ ትሸባሸብ ዘላ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስቲ ን10ታት

    ዓመታት ዝኣክል ኣንጻር ተኸታተልቲ መንግስታታ ክቃለስ ዝጸንሐ ብ‘ፋርክ’ ዝፍለጥ ዕጡቕ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣብ ዝርርብ ሰላም ተጸሚዳ ኣላ። በዚ ድማ እቲ ፕረዚደንት ጁዋን ማኑዌል ሳንቶስ ዝመርሖ መንግስቲ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ከቐጽሎ ዝኽእል ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ኢሉ ነቲ ብይን ክነጽጎ ከምዝተገደደ ገለ ክኢላታት ትንተናኦም ይህብሉ። ይኹን’ምበር፡ ኮሎምቢያ ነቲ በቲ ቤት-ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ክትሕሰሞ ዝኻኣለት በታ መሓዝኣ ዝኾነት ኣመሪካ ድሕሪ ዝቐረበላ ምኽሪ ወይ ትእዛዝ ክኸዉን ከምዝኽእል ሓያለ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይ’ቲ ከባቢ ጥርጣረታቶም ይገልጹ። ዕላማኡ ድማ ዋሺንግተን ባዕላ ከተመሓድሮ እትደሊ ቅልውላው ኣብቲ ዞባ ንምፍጣርን ብኡ ኣቢላ ድማ ነተን ካብ ጽልዋኣ ሃዲመን ናብ ጽልዋ ቻይናን ሩስያን ኣትየን ዘለዋ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ንምንብርካኽ ክኸዉን ከምዝኽእል ወሲኾም የረድኡ።በዚ ኮይኑ በቲ ግን፡ ኮሎምቢያ ነቲ ብይን ድሕሪ ምንጻጋ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዝጸንሐ ወጥሪ እንደጋና ክኸርር ይርአ ኣሎ። በብወገነን ድማ ወታሃደራዊ ሓይለን ንምድልዳል ኣበርቲዐን ይሰርሓ ኣለዋ። ብወገን ኒካራጓ ጥራይ እንተተመልከትና’ኳ፡ ካብ ሩስያ ኣርባዕተ ዘመናዉያን መራኽብ ውግእን ካልእ ዘመናዊ ወታሃደራዊ ኣጽዋርን ንምሽማት ውዕል ከቲማ ኣላ። ኮሎምቢያ ብወገና፡ ምስ መሻርኽተይ ዝበለተን ዓበይቲ ሓይሊታት ኣብቲ ምስ ኒካራጓ ዘሰሓሕባ ዘሎ ማያዊ ግዝኣት ወታሃደራዊ ልምምዳት ከተካይድን ዓበይቲ ናይ ውግእ መራኽበን ናብኡ ክኣትዋ ዕድመ ከምእተቕርበለንን እያ ተጠንቅቕ ዘላ። በዚ ምኽንያት ድማ’ቶም ነቲ ዞባ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት እቲ ኩነታት ናብ ወታሃደራዊ ረጽሚ ከየምርሕ ስግኣቶም ዝገልጹ ዘለዉ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 4

    ሜላታት ኣልያ ወለዲ

    መላኺ ኣልያ ማለት ተሪር ሕግን ስነ-ስርዓትን ዝተላበሰ ዓይነት ኣተኣላልያ’ዩ። ከምቲ ዝድለ ውልቃዊ ናጽነት ዘየፍቅድ ብጸቢብ ዘሕልፍ ዓይነት-ኣተሓሕዛ ውላድ

    ድማ’ዩ። እዚ

    ክንብል ከ ለ ና

    ኣ ካ ይ ዳ ን ምንቅስቓሳትን

    ውላድ ብሓያል ምቁጽጻር ወላዲ ዝተሓዝአ’ዩ፣ ማለት ሕቶ ኮነ ርኢቶ ናይ ምቕባል መሰል ዘይህብ’ዩ። ወለዲ፡ “ንሕና ብዝበልናካ/ኪ ትኸይድ/ትኸዲ” ዝዓይነቱ ኣተሓሕዛ ኣለዎም። ውላድ ጌጋታት ምስ ዝፍጸም ክሳብ ኣካላዊ መቕጻዕቲ የጠቓልል። ብሕጽር ዝበለ፡ መላኺ ኣልያ ማለት ርእሰ-ምሕደራን ርእሰ-ምቁጽጻርን ውላድ ዘየፍቅድ፡ ብኣንጻሩ ተማእዛዝነት ጥራይ ዝጠልብ ስርዓተ ኣልያ’ዩ። ስለዚ፡ ዝምድና ውሉድን ወላድን ሕጊ ይኸውን ማለት’ዩ። ሓደ ካብቶም ሕግታት ምስ ዘይፍጸሙ ከኣ፡ ንዕኦም ንምኽባር ንውላድካ ትቐጽዕ። ምክትታል ውላድካ ተሪፋ ከኣ ምክትታል ሕጊ ይኸውን። መብዛሕትኦም ካብ ከምዚ ዓይነት ገዛ ዝወጹ ቈልዑ ድሁላትን ፈራሕትን’ዮም ዝዀኑ። ርእስ ተኣማንነትን ትብዓትን

    ይስእኑ’ሞ ርእሶም ክኢሎም ክሰርሑ ኣይክእሉን። ካብ ካልኦት ተጸበይቲ ይዀኑ። ልክዕ ከምዚ ንሓደ ከልቢ ኣብ ገዛ ዓጺኻ ምስ ቀጥቀጥካዮ መውጽኢ ስኢኑ ዝጥምጠመካ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣልያ ዝዓበዩ ቈልዑ ድማ ተመሳሳሊ ባህሪያት ሒዞም ይዓብዩ።

    መለኽቲ ኣልያ ዝጥቀሙ ወለዲ:• እ ዞ ም

    ወለዲ’ዚኦም

    ፍቕሪ

    ከሊኣኦም ብ ዙ ሕ ስነ-ስርዓት

    ዝህቡ’ዮም። • ደቆም ድማ ሓያል ጠባይ (ተቓዋሚ) ስምዒት ዝሓደሮም ይዀኑ። • ወለዲ ንስነ-ስርዓት ከም ቀዳምነት’ዮም ዝሰርዑን ምስ ደቆም ኣብ ዝገብርዎ ባእሲ ድማ ወትሩ ክዕወቱ ዝብህጉን። • ኣብ’ዞም ወለዲ ዝዓብዩ ቈልዑ ዝበዝሕ ግዜ ምስ ወለዶም ናይ ምምጓትን ምብኣስን ዝንባለ የማዕብሉ።

    1. መላኺ ኣልያ (Authoritarian Parenting)

    2. ሓላፍነታዊ ኣልያ (Authoritative Parenting) እዚ ዓይነት ኣልያ፡ ስሙ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝኾነ ውሉድ ክምከቱ ዘለዎም ጉዳያት ክፉት ምይይጥ ዘፍቅድ ኣልያ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ውሉድ ናጽነት፡ ተማእዛዝነትን ሓላፍነትን ዝጠልብ ኣልያ

    ድማ’ዩ። ነቲ ውሉድ ከኣ ቅጥዒ ብዘለዎ መገዲ ቁጽጽር ይግበረሉ። እዚ ዓይነት ኣልያ ኣብ ርትዓውነት ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ንውላድ እቲ ዝግብኦ ናጽነት ሂቡ ብኡ መንጽር ከኣ ተማእዛዝነት ዘኽብር ኣገባብ ኣተኣላልያ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክንዲ መተንፊሲ ዘይብሉ ጠረው ዝበለ ሕጊ ዝኸውን፡ ምስ ግዜን ኩነታትን

    ዝመሓየሽን ዝተዓጻጸፍን ሕጊ ብምቛም ውሉድ ነቶም ሕግታት ከም መርሓ ሂወቱ ወሲዱ ብእኦም ክምራሕ ምቹእ ናይ ገዛ ኩነታት ዝፈጥር ሜላ ኣተኣላልያ’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ

    ስድራቤት ምብህሃልን ርክብን ልዑል ኮይኑ ወለድን ደቆምን ጉዳያት ኣልዒሎም ዝመያየጥሉ መኣዲ’ዩ። ክፉት ርክብን ዝርርብን ድማ ንደቅኻ ብዘይካ’ቲ ኣብ ውሽጡ ዝሰምዖ ክፉት ልቢ ክመያየጡ ዕድል ምሃብ፡ ጥበብ ሓድሕድ ርክብ ንኸማዕብሉ’ውን ይሕግዞም። ማዕዳን ምሕጽንታን ነቶም ውሉድ ርእይቶኦም

    ክህቡ መገዲ ይኸፍተሎም። ብመንጽር መላኺ ኣልያ እንተሪኢና እዚ ኣልያ’ዚ ዝያዳ ናጽነት ዝህብን ሓላፍነት ዘሰክምን ኣገባብ ኮይኑ ንረኽቦ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ምቕሉል ዝኾነ መላኺ ኣልያ እንጥቀመሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ውሉዳት ብባህሪኦም ሓደ ኣይኮኑን። ነዞም ዝተፈላለየ ኣካይዳ ዘለዎም ድማ ሓደ ዓይነት ኣልያ ይግበረሎም ማለት ኣይኮነን። በዚ ከኣ’ዩ ኣብ ኣተኣላልያኦም ሜላዊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ወሳኒ ዝገብሮ።ሓላፍነታዊ ኣልያ ዝጥቀሙ ወለዲ፡ • ንፍቕሪን መቕጻዕቲን እናገናዘቡ የካይድዎ።• ስልጣን ዘርእዩ’ኳ እንተዀኑ፡ ግን ከኣ ርትዓውያን’ዮም። • ንደቆም የኽብርዎም ግን ከኣ ንጹር ዶብ ይገብሩሎም። • ኣዘዝቲ ዓይነት ወለዲ’ዮም። ደቆም ድማ ነቲ ናይ ወለዶም ኣዛዚ መንፈስ የኽብርዎ’ዮም።• ብሓላፍነታውያን ወለዲ ተኣልዮም ዝዓበዩ ቈልዑ ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎምን ሓያል ናይ ምምሳል ክእለት ዘለዎምን’ዮም።

    3. ዘይጽኑዕ ኣልያ (permissive parenting)

    እዚ ዓይነት ኣልያ ካብ ተማእዛዝነት ንሕጊ ኣብ ርእሰ - ምሕደራ ዝኣምን ኣገባብ’ዩ። ንውሉድካ፡ “ከምዚ ግበር

    ከምቲ ኣይትግበር” ዝብል ጠለብን ትጽቢትን ኣይህሉን። ኣብ መቕጻዕቲ ዘይኣምን (non-punitive) ኣልያ ድማ’ዩ። ውሉድ ነቲ ዝወስድዎ ስጉምትታትን ውሳነታትን ምሉእ ሓላፍነት ይስከሙ።

    ወለዲ’ውን ኣብ ተግባራትን ውሳኔን ውሉድ ጣልቃ ክኣትዉ ዘየፍቅድ ኣልያ’ዩ። ውሉድ ሓላፍነት ተሰኪሞም

    ዝሓስብዎን ዝተመነዩዎን ብዘይ ተጽዕኖ ይግበሩ ዝብል እምነት ዘለዎ ኣልያ’ውን እዩ። ኣብ ገለ ገለ እንተደኣርኢና ብሰንኪ እምብዛ ናጽነትን ፎኪስ ሕግን እቶም ቈልዑ ዘይእርኑብ ጠባይ ከማዕብሉ

    ይኽእሉ። “ቈልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ” ዝብል ኣበሃህላ ኣቦታት ነዚ ንብሎ ዘለና ገደብ - ኣልቦ ኣተሓሕዛ ቈልዓ ከምዘይጠቅም ንምግላጽ’ዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ገለ ወላዲ ንውሉዶም ብኸምዚ መገዲ የዕብይዎም’ሞ ዝዘራእካዮ ስለእትሓፍስ ከኣ ነቲ ካብ ቁጽጽሮም ዝወጸ ውላድ ክመልስዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ይበጽሑ። ዘይጽኑዕ ኣልያ ዝኽተሉ ወለዲ • ንደቆም ብዙሕ ፍቕሪ የርእይዎም፡ ንፍቕሪን ስነስርዓትን ግን ሚዛን ከትሕዝዎም ኣይክእሉን። • መአረምታ ስለዘይህቡ ወይ ዶብ ስለዘይገብሩ፡ እቶም ደቆም ዝበዝሕ ግዜ ንባዕሎም ዘይብቑዓት ኰይኖም ይስምዖም። • ብዘይጽኑዕ ኣልያ ዝዓብዩ ቈልዑ ተፈቀርቲ ምዃኖም ይፈልጡ’ዮም፡ እቲ ናይ ዶብ መስመር ኣበይ ከምዝጅምር ግን ኣይፈልጡን’ዮም። • እዞም ወለዲ’ዚኦም ኣብ ስነስርዓት ኣይጸቕጡን’ዮም፡ ምኽንያቱ ንደቆም ከይብድልዎም ስለዝዝፈርሑ።

    4. ሸለልትነታዊ ኣልያ (Neglectful Parenting)እዞም ወለዲ’ዚኦም ብዛዕባ ደቆም ምንም ዘይዓጦም’ዮም። ደቆም

    ኣበይ ውዒሎም ኣበይ ሓዲሮም ዘይፈልጡ፡ ትምህርቲ ከይዶምዶ

    ኣይከዱን ዘይከታተሉ፡ ደቆም እንታይ ይበልዑን ይሰትዩን ፍጹም ዘይዓጦም፡ ንዘርእይዎ ካብ ስነ-ምግባር ወጻኢ ባህሪያት ንኽእርሙ ዘይብገሱ፡ ኮታ ብዕላማ ዝምራሕ ሂወት ስለዘይብሎም፡ ብዛዕባ መጻኢ ደቆም ዘይዓጦምን ሓላፍነት ዘይስከሙን’ዮም። ንደቆም ፍቕሪ ይኹን ስነ-ስርዓት ኣየቕስሙን’ዮም። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ መንጎ ወለድን ደቆምን ሓያል ዝምድና ኣይህሉን። እቶም ቈልዑ’ውን ብፍቕሪን ስነ-ምግባርን ተኾስኲሶም ስለዘይዓበዩ፡ ዝተረስዑ

    ይመስሎም፡ ስምዒታዊ ጸገማት ድማ የማዕብሉ። ሸለልትነታዊ ኣልያ ዝኽተሉ ወለዲ ኩሉ ግዜ ብዓላማ ኣይኰኑን ንደቆም ሸለል ዝብልዎም፡ እንታይ ድኣ ብጸገሞም ማለት እቶም ወለዲ ብኣልኮሆልን ካልእ ወልፊን ዝተታሕዙ ስለዝዀኑ’ዩ። ሸለልትነት ዘለዎ ኣልያ ሒዙ ዝዓቢ ቈልዓ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ሂወቱ ቁም ነገር ክህልዎ ትጽቢት ኣይግበርን። ከምታ ካብ ወለዱ ሒዙዋ ዝዓበየ ናይ ሸለልትነት ባህሪ ከምኣ ሒዙ’ዩ ንሂወቱ ዝመርሓ። ኣብ ትህምርቱ፡ ስነ-ስርዓቱ፡ ምስ ሰባት ዘለዎ ማሕበራዊ ዝምድናታቱን ካልእን ሸለትነት ዝዓብለሎ ይኸውን። ኣብ ዝብጻሕ ከይበጽሐ ድማ፡ ክቑጸን ግዳይ ዘይተደልየ ሳዕቤናትን

    ክኸውን ግድይ’ዩ። ሸለልትነታዊ ኣልያ ዝኽተሉ ወለዲ፡ • ንደቆም እኹል ፍቕሪን ስነ-ስርዓትን ኣይህቡን፡ • ምስ ደቆም ሓያል ዝምድና ኣይህልዎምን፡• ደቆም ርሱዓትን ናይ ስምዒት ጸገም ዘለዎምን ይዀኑ፡• ብወልፊታት ዝተገዝኡ ስለዝዀኑ፡ ንደቆም ክነጽግዎም ወይ ሸለል ክብልዎም ከለዉ፡ ብርድኢት ወይ ብዕላማ ኣይኰነን።

    ሊድያ ኢሳቕ

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 5

    ሓጺር ታሪኽ ኮምስዮን ምስናዕ

    ኣብርሃም በርሀ (ኢንጂነር)

    ሀ. መድረኽ 1974 – 1977፡-ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ. (ሽዑ ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ በቲ ሓደ ወገን፡ ብተሓኤ ኸኣ በቲ ካልእ እናተሃድነ ኣብ ብልሒ ክልተ መላጸ እናተንቀሳቐሰ ህላወኡ ንምርግጋጽ ዝቃለሰሉ ዝነበረ መድረኽ’ዩ። ምስ’ዚ ጎድኒ ጎድኒ ኣብ 1972 ዜና፡ ምንቕቓሕ፡ ዕቃበ ብረትን ሕክምናን ዝበሃላ ኣካላት ኣቘመ። ጸኒሑ ድማ ነቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት

    ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝነበሩ ኣጽዋር፡ ወተሃደራዊ ሬድዮን ሰዓትን ንምጽጋን፡ ሽዑ ምምሕዳራ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዝዀነት ራሕባ እትብሃል ናይ ጽገና ኣካል ኣብ ገረግር ኣስመራ ቆመት። ኣባላት ናይታ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1974 ዝቘመት ኣሃዱ ድማ ሽዱሽተ ነበሩ። ክልተ ብረት፡ ክልተ ድማ ሬድዮን ሰዓትን ዝጽግኑ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፋ ክልተ ኸኣ ተሓጋገዝቲ ነበሩ። ዝካየዱ ዝነበሩ ስርሓት፡ ዝዘለቐ ሰደፍ ብረት ምእሳር፡ ማይ ዝኣተወን ሰዓታት ምሕጻብ፡ ዝተበትከ ናይ ሬድዮ ገመድ ምቕያር … ወ.ዘ.ተ. ነበሩ። ብግዜ ዝትኰስ ቦምባ፡ ናይ ኢድ ላምፓዲና ምዕራይ፡ ናይ ቤት ጽሕፈት ጀነሬተር (1.5kW)፡ ካብ ሱዳን ዝተገዝአት መልሓሚት ነበረ። ኣብ ምልሓም ሬድዮ ግን፡ እቲ ግቡእ መልሓሚ (Soldering iron) ስለ ዘይነበረ፡ ናይ ነሓስ ስልኪ ኣጎቢጥካ፡ ኣብ ፈሓም ኣርሲንካ ይሰላሰል ነይሩ።ድሕሪ’ዚ እታ ራሕባ ዝተባህለት ኣሃዱ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1974 ናብ ብሌቓት ገዓዘት። ገለ መሳርሒታት’ውን ተገዝኣላ። ኣባላታ ኸኣ ናብ 11 ደየቡ። ኣብ መጀመርታ 1975 ካብ ከተማታት ብብዝሒ መንእሰያት ስለ ዝተሰለፉ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ራሕባ ተወዝዑ። ብዝሕን ዓይነትን ክኢላታት ድማ ክብ በለ። ይኹን’ምበር፡ መሳርሒታት ዘይተማልኡ ብምንባሮም፡ ገለ ብጾት ናብ ወጻኢ ተላእኩ። በቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ልኡኽ ምትዕንቓፋት እንተጋጠሞም’ኳ ገለ ጠቐምቲ መሳርሒታት ከምጽኡስ

    ክኢሎም’ዮም። ኣብ ወርሒ ሓምለ 1975 ሓደስቲ ክፍልታት ምስ ቆማ፡ ራሕባ ብሽዱሽተ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ቁጠባ ቆመት። ንሳተን ኣካል ጽገና ብረት፡ ጽገና ሬድዮን ሰዓትን፡ ስፌት ክዳን፡ ጽርበት ሓጺን፡ ኣካል ስፍየት ቆርበትን ጽርበት ዕንጸይትን ይበሃላ። ራሕባ ዝብል ስም ተሪፋ ድማ ኢደ-ስርሓት ተባህለት። ኣካል ጽርበት ሓጺን ናይ ኤለክትሪክ ስርሓት ተጠቓልሎ ነበረት። መጐዓዝያ’ውን ክሳብ ወርሒ መስከረም 1975 ኣብ ትሕቲ ኢደ ስርሓት ጸንሐ።

    ጀነሬተር ናይ ባራቶሎ ኣብ ማርሳ ጉልቡብ ስለ ዝተማረኸት’ውን ብዝነበራ 25 KW ጉልበት ናብ ማይጨዉ መጺኣ ከተገልግል ጀሚራ። እቲ ስራሕ መዓልታዊ ጥራይ ዝነበረ ለይቲ’ውን ክቕጽል ከኣለ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኢደ-ስርሓት ካብ ብሊቓት ናብ እምባ ትሕዳ ካብኡ’ውን ናብ ማይ ጨዉ ገዓዘ። እተን ዝተፈላለያ ኣካላት ባዕላተን ጥረ-ነገራት ሃሰውሰው ክብላ ጀመራ። ኣካል ሓጺን ንኣብነት ነቶም ብነፈርቲ ጸላኢ ዝተደርበዩ’ሞ ዘይተፈንጀሩ ቦምባታት ከም ምንጪ ሓጺን ትጥቀመሎም ነበረት። ኣካል ዕንጸይቲ’ውን ከም ጥረ-ነገር ንመስርሒ ሰደፍ፡ ሳናዱቕ ባትሪታትን ክትጥቀመሎም ጀመረት። ኣካል ቈርበት ብወገና ካብ ቈርበት ጠለ-በጊዕ ዕጥቂ ንምስፋይ ትበላሓት ነበረት። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መጥሓን ተተኺሉ፡ ቴሌፎን ኣብ ፋሕ ተዘርጊሑ፡ ጽፍሪ መርፍእ (መቀያየሪ ብረት) እውን ከይተረፈ ክስራሕ ጀሚሩ። ከም ቱቦታት ተንዲኖታት … ወዘተ ድማ ብውድብ ይግዝኡ ነይሮም። ሓራ ቦታታትና እናሰፍሐን ንጥፈታት ውድብ ኣብ ሰሜን እናጸዓቐን ምስ ከደ ግን ኢደ-ስርሓት ንኡሳን ጨናፍር ብምቛም ኣብ መንተብለ ሓንቲ ኣሃዱ መስረተት። ቀንዲ ዕማም ናይዛ ሓዳስ ኣሃዱ ካብ ከተማታትን መዓደኒታትን ዘድልዩ መሳርሒታትን ጥረ-ነገርን ናብ ደጀን ምልኣኽን ማዕረ ማዕረኡ ድማ ንግንባር ዘድሊ ኣቑሑ ምምላእን ነበረ።

    ለ. መድረኽ 1977 – ‘78

    እዚ መድረኽ’ዚ ንኢደ-ስርሓት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋገረ መድረኽ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ካብ ቀሊልን ውሑድን ናይ ኢድ መሳርሒ ናብ በብዓይነቱ ከቢድን ብኤለክትሪክ ዝንቀሳቐስን መሳርሒ ዝተሰጋገረሉ እዋን ብምንባሩ። ሕርሻ ዒላበርዕድ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ተሓኤን ነበረ። ኣብኡ ዝተሰልበ ንብረት ጸላኢ ከኣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ውድባት ተመቒሉ። ኣብኡ ዝጸንሐት ቪ.ኦም (VM) ዝዓይነታ ናይ 80 ኪ.ዋ. ጀነሬተር ብዕጫ ናባና በጺሓ። እዚ ጉልበት’ዚ፡ ኣብ ኢደ-ስርሓት ዓቢ ለዉጢ’ዩ ኣምጺኡ። ካብ 25 ኪ.ዋ. ናብ 80 ኪ.ዋ. ስለ ዝደየበ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1977 ኣካል ኤለክትሪክ ነብሳ ክኢላ ተመስረተት። ኣገልግሎት ቴሌፎንን ትምህርትን መጽናዕትን ድማ ሓደስቲ ኣካላት ኰይነን። ሳሕል ቀንዲ መደበር ኰይና፣ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ማለት ሳሕል፡ ሰንሒት፡ ደቡብ፡ ምብራቕን ካልኦት ንኡሳን ጨናፍርን ከኣ ተኸፋፈለ። ኣብ ሓራ ቦታታትና ብዂናት ዝዓነወ ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ንምጽጋን ኢደ-ስርሓት ህጹጽ ስጉምቲ ወሰደት። መዓጹ፡ መሳዂቲ .... ወዘተ ንዝኣመሰሉ ትሑት ዋጋ እናኽፈለት ጸጊናን መቀያየሪ ኣቑሑ ዓዲላን። ናይ ኤለክትሪክ መብራህቲ ብሕሱር ዋጋ ንህዝቢ ክትሸይጥ ጀመረት። ንህዝቢ ስሉጥ ኣገልግሎት ዝህብ ቴሌፎን፡ ጠሓኒትን ናይ ጀራዲን ፖምፓታትን ብሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዝንቀሳቐሱ ገበረት። ኣብ ደቀምሓረ ዝነበሩ ኣብያተ ዕዮ ቀይሕባሕሪ፡ ናይ መጥሓኒ ማሕበር (እንዳባሓበሽ)፡ ፋብሪካ ጫማ፡ ፋብሪካ ነቢት፡ ፋብሪካ ኣሕምልትን ባልደንጓን፡ ቤት ዕዮ ጥላም ሳእኒ (ሃራምበ) ብሓፈሻ ኩሎም እቶም ተበታቲኖም ዝነበሩ መሳርሒታት ተጠርኒፎም ከም ዝተሓዙ ገበረት። ብዘይካ ፋብሪካ ኣሕምልቲ፡ ኩለን ብመደብ ስርሐን የካይዳ ነበራ። ከም’ዚላ ኢደ-ስርሓት ንህዝብን ውድብን ጠለባት እናኣማልአት ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጫፍ ናይ መድረኽ ከይበጽሐት ምዝላቕ ኰነ። ሐ. መድረኽ ድሕሪ ምዝላቕ (ድሕሪ 1978)

    ኣብ ግዜ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ፡ ኢደ-

    ስርሓት ካብ ኰሎም’ቶም ዝነበረትሎም ከባቢታት ንብረታ ጠርኒፋ ብውሕልነት ኣዝለቐት። መስማር’ውን ትኹን

    ኣይገደፈትን፡ ድሕሪ ምዝላቕ ኢደ-ስርሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያውያንን ቀወምቲን ቦታታት ንብረታ ትጥርንፍን ተገዓዓዝን ነበረት። ስርሓ ከምቲ ዝድለ’ኳ ክተካይድ እንተዘይከኣለት፡ መሰረታዊ ጠለብ ዘለዎም ድስቲ ኩስኩስቲ፡ ምስፋይ ክዳዉንትን ምጽጋን ብረትን ትሰርሕ ነይራ። ምስ ግዜ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ኣጣጢሓ ኣብ ትስርሓሉ ኩነታት በጽሐት። ኣሰራርሓኣ ኢንዱስትሪያዊ ደረጃ ክሕዝ’ውን ጀመረ። ድሕሪ ምዝላቕ ኣብ ከተማ ከረን፡ ነፍሲ

    ወከፈን 80 ኪ.ዋ. ጉልበት ዘለወን 2 ቪ.ኤም. (VM) ዝዓይነተን ጀነሬተራት ተሰሊበን። ካብ ጊንዳዕ እውን ናይ 80

    ኪ.ዋ. ጉልበት ዘለዋ ካተርፒላር ዝዓይነታ ጀነሬተር፡ ካብ ደቀምሓረ ናይ ናይ 50 ኪ.ዋ. ተንቀሳቓሲት ጀነራል ሞቶርስ ዝዓይነታ ደዩዝ ተሰሊበን። እዚኣተን ብቐጥታ ኣብ ስራሕ ውዒለን። ኣብዚ እዋን ኢደ-ስርሓት ትጥቀመሉ ዝነበረት ጉልበት ብድምር ካብ 105 ናብ 370 ኪ.ዋ. ክብ ኢሉ። ኣብ 1980 ሽዳ፡ ኣብ1984 ድማ ሞደስ ዝሰርሓ ማሽናት ተተኺለን ስርሐን ጀመራ። ኣብ 1985 መግቢ ህጻናት እተፍሪ ፋብሪካ ተተኽለት። ብተወሳኺ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመት ፎርኖታት ተተኺለን ሽግር ዕንጸይትን ጉልበትን ከቃልላ ተራእየን። ኢደ-ስርሓት ካብ ከተማ ዘውጽኣተን፡ ኣብ ኣገልግሎት ግን ዘይወዓላ ናይ መግቢ መዐሸጊ፡ ናይ ባልደንጓ መብሰልን ናይ ቆርበት መልሓጽን ማሽናት እውን ነይረንኣ’የን። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ 1984 ክፍሊ ቝጠባ፡ ዳግመ ምውዳብ ተገይሩላ ብኮምስዮን ደረጃ ቆመት። ኢደ ስርሓት ከኣ “ኮምስዮን ምስናዕ” ተባሂላ ክኢላታት ዝመርሕዎ ስርሓት ድማ ተጀመረ። ኮምስዮን ምስናዕ ብሸሞንተ ንኡሳን ኮምስዮናት ዝቖመት’ያ ነይራ። ንሳተን ድማ ን/ኮ/ሓጺን፡ ን/ኮ/ዕንጸይቲ፡ ን/ኮ/ኤለክትሪክ፡ ን/ኮ/ፕላስቲክ፡ ን/ኮ/ስፌት ክዳን፡ /ን/ኮ/ጽሬት/፡ ን/ኮ/ቆርበትን ን/ኮ/መግብን ይበሃል።

    ይቕጽል

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተል

    ሄም ታደሰ

    ኣቶ ሲራክ ገብረመስቀል ርእሶም ምባል ተሪፉ ክብረት ገብረመስቀል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለ ዝበለ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ን 17/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ/ዞ/ማእከል 7ይ መጋባእያ ይቕረብ።

    መብራህቱ በርሀ ሃብቱ ኣሞይ ኣብራሃጼን ንጉሰ ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ትቕመጥ ኔራ ኣብ 1990 ካብ ገዛኣ ምስ ጠፍአት ዳሃይ ስለ ዘይብላ ናይ ጥፍእቲ ውሳኔ ይወሃበኒ ክብል ስለ ዘመልከተ ዝቃወም ሰብ እንተሎ ን 6/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ/ዞ/ማእከል 1ይ መጋባእያ ይቕረብ

    ከሳሲ ኣቶ ተመስገን መንግስተኣብ በርሀ፡ ተኸሰስቲ ኣቶ ሚኪኤል ነጋ ፍጹምን፡ ኣቶ ሳምሶም ግርማይ ዘሎ ናይ ንብረት ጉዳይ ተኸሳሲ ኣቶ ሚኪኤል ነጋ ፍጹም ን 18/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ/ዞ/ማእከል 3ይ መጋባእያ ይቕረብ። እንተ ዘይቀሪቦም ቤት ፍርዲ ኣብ ዘየለውሉ ጉዳዩ ክርአ ምዃኑ የፍልጥ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውልን 4 ኣስመራን

    ወ/ሮ ኣብረሀት ጎይቶኦም ሃይለ፡ በዓል ቤተይ ገብረመድህን ጎይቶኦም ዑቕባሚካኤል ስለ ዝተሰውአ፡ ናዓይ ናይ መጻምድቲ መሰለይ ይተሓለወለይ 5ተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸልና ስለ ዝበለት፡ ዝቃወም እንተሎ 19/12/13 ኣብ ቤት ፍርዲ ይቕረብ።

    ኣቶ ተስፋይ ገብረሚካኤል ዝተባሃልኩ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ገዛይ ተኻራዪ ዝነበረ ብርሃነ ገብረስላሴ፡ ገዛይ ዓጽዩ ገዛ ክራይ ከይከፈለን ንብረቱ ኣብኡ ዓጽዩ ስለ ዝጠፍአ፡ ናይ ጥፉእ ውሳኔ ይወሃበኒ ስለ ዝበለ፡ ዝቃወም እንተሎ ን 15/12/13፡ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ ኣብ ቤት ፍርዲ ይቕረብ።

    1ይ ቤት/ ፍርዲ ዞባ ማእከል

    ኮማዊ ቤ/ፍ/ጎዳይፍን ሰንበልን

    ከሳሲ ኣቶ ሙሉጌታ ኣተወብርሃን ገብረሚካኤል፡ ተኸሳሲት ወ/ሮ ኣስመረት ሃብተ ገብረሚካኤል ናይ ሕጊ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ፡ ተኸሳሲት ኣድራሻኣ ስለ ዘይተፈልጠ፡ ተኸሳሲት ባዕላ ወይ ብወኪላ ን 23-12-13 ትቕረብ። እንተዘይቀረበት ጉዳዩ ናብ ዘመድ ሽማግለ ተመሪሑ ውሳኔ

    ክወሃብ ምዃኑ የፍልጥ።

    ኮማዊ ቤ/ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስኣቶ ዳዊት ቀለታ ተኽለማርያም፡ ወለድና ኣቶ ቀለታ ተኽለማርያም ተስፋዝጊን ወላዲትና ወ/ሮ ኣበባ ተስፋይ ዘርኣይ ስለ ዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 3ተ ኣሕዋተይ ጥራይ ወረስቲ ኢና ስለ ዝበለ፡ ዝቃወም እንተ ኣሎ ን 23/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ሸሪዓ ዞባ ማእከል

    ከሳሲት ኣሚና ሳልሕ፡ ንተከሳሲ ዓብደልዋሃብ ክሲ ኣቅሪባትልካ ስለ ዘላ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ዞ/ማ ባዕልኻ ወይ ብሕጋዊ ንዓኻ ዝውክል ሰብ ን 30/12/13 ይቕረብ። እንተዘይ ቀሪብካ ቤ/ፍ ጉዳይካ ኣብዘየለኻሉ ክረአ ምዃኑ የፍልጥ።

    ቤት ፍርዲ ጻዕዳ ክርስትያን

    ይርጋኣለም ወልደገርግሽ ሃብተ ምባል ተሪፉ ይርጋኣለም ገብረገርግሽ ሃብተ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለ ዝበለት፡ ዝቃወም እንተሎ ን 24/12/13 ኣብ መጋባእያ ይቕረብ።

    ራህዋ ቀለታ ኣስገዶም ዘመልከተቶ ጉዳይ፡ ኣዴና ብርኽቲ ገብረማርያም ግደ ስለ ዝሞተት ኣነ ምስ ወዲ ሓፍተይ ቢንያም መስፍን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለ ዝበለት፡ ዝቃወም እንተሎ ን 20/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ምጽላል ተኽለሰንበት፡ በዓል

    ምልክታ ጨረታቤ/ጽ ምም/ዞ/መንደፈራ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎ ጎማ መኪና፡ ትርቦ ናይ ፐርኪንስ ጀነረተር ክዕድግ ስለዝደለየ፡ እዚ ዝስዕብ ረቛሒ ዘማልኡ ተጫረትቲ ይዕድም።1, ናይ 2012 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ብፎቶ ኮፒ የቕርብ።2, መጫረቲ ሰነድ ካብ ቤ/ጽሕፈትና (ክፍሊ ዕድጊ)ክውሰድ ይከኣል3, ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ን10 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ክፉት ይኸውን። ንጽባሒቱ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቐ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።4, ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝድለ ብ.ቁ.ስ 611792/611050 ምውካስ ይከኣል።5, ምምሕዳርና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተ ረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምልኡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ቤ/ጽ ምም/ን/ዞባ መንደፈራ

    Notice

    Notice is hereby given that Marat Graphic Art Private Limited Co. has conducted its extra ordinary meeting on 10/10/2013 and resolved as follows:- Mr. Negash Tewelde Gebremedhin has withdrawn from the company taking all his 6 shares at par value of 1000.00 Nakfa. - The capital of the company has decreased from 112,000.00 (One hundred twelve thousand Nakfa) to 106,000.00 (One hundred six thousand). - Hence the current shareholders are as follows:Name Shares Value in Nakfa 1. Fessehaye Semere Weldeamlak 6 6,000.002. Biniam Zerabruk Tesfamariam 100 100,000.00 Total 106,000.00

    Marat Graphic Art Private Limited Co.

    ምልክታ

    ኣመልካቲት ወ/ሮ ደሃብ ዮሃንስ ዑ/ጋብር ኣብ ከባቢ ኣባሻውል ብመወከሲ ቁጽሪ 100803 ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 105018 ፕሎት 40 ፓርሳል ኤፍ ንመንበሪ መዓላ ዝተዓደልክዎ ምስክር ወረቐት ስለ ዝጠፍኣኒ ዝረኸበ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ ብቁጽሪ ስልኪ 07114418 ክሕብረኒ። እንተዘይኮይኑ ግን መተካእታ ንዝምልከቶ ኣካል ክሓትት ምዃነይ እሕብር።

    ወ/ሮ ደሃብ ወልደሃንስ

    ምልክታመበል ዓሰርተ ክልተ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰብ ብርኪ ኤርትራኮ ን07 ታሕሳስ 2013 ሰዓት 8.00 ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኤርትራ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።ኣብ’ዚ ጉባኤ ኣገደስቲ ጉዳያት ንዘተን ንውሳኔን ክቐርቡ ስለ ዝኾኑ፡ ኩሉ ኣባል ወይ ወኪል (መረጋገጺ ሒዙ ብምቕራብ) ክሳተፉ ንዕድም። ኣብ’ዚ ዕለት ምልኣተ ጉባኤ እንተዘይተረኺቡ ኣኼባ ን21 ታሕሳስ 2013 ብዝተረኽቡ ብዝሒ ክካየድ ምዃኑ ንሕብር።

    ኤርትራኮ ብርኪ ማሕበር

    ምልክታ ጨረታኒስትሪ ቱሪዝም- ምምሕዳር ሆቴላት መንግስቲ፡ ንንያላ ሆቴል ዘገልግል ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ንብረት ክዕድግ ስለ ዝደለየ፡ ግዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም።

    - -ተጫረቲ ናይ 2012 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ፎቶ ኮፒ የቕርቡ፡- መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 10,000.00 ብቸክ/ C.P.O የትሕዙ፡- ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ድሕሪ 10 መዓልቲ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቐ ተወዳደርቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሚ/ሪ ቱሪዝም ይኽፈት፡- ምምሕዳር ሆቴላት መንግስቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ እዚ ኣይግደድን።

    ሚኒስትሪ ቱሪዝም- ምምሕዳር ሆቴላት መንግስቲ

    ቤተይ ኣቶ ኣስመላሽ ጸጋይ ስለ ዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምድቲ መስለይ ይተሓለወለይ ክልተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸልና ስለ ዝበለት ዝቃወም እንተሎ ን 20/12/13 ኣብ ቤት ፍርዲ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጸዓዘጋ

    ወ/ሮ ኣብረሀት መንግስተኣብ ተስፋገርግሽ፡ በዓል ቤተይ ብርሃነ በርሀ ወልደትንሳኤ ስለ ዝሞተ፡ ኣነን ካብ ክልቴና ኣብራኽ ዝተወልዱ 7ተ ደቅናን፡ ሓንቲ ከኣ ካብ ካልእ ዝተወልደት ጓሉን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለ ዝበለት ዝቃወም እንተሎ ን 10/12/13 ኣብ ኮማዊ ቤ/ፍ/ጸዓዘጋ ይቕረብ።

    ወ/ሮ መሓሪተ ተኪኤ በየነ ናይ ነፍሲሄር ወደይ ዮሃንስ ኣይነኣለም ሃብቱ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለ ስለ ዝበለት፡ ዝቃወም እንተሎ ን 23/12/13 ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ ኣብ መጋባእያ ጸዓዘጋ ን/ዞባ በሪኽ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲቀረናኹዶ

    ወ/ሮ ለተኺዳን ዛህላይ ሓጎስ፡ ወደይእከኣሎ መብራህቱ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 5 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብመንደፈራ ኣፍራህ ሚካኤል ምባል ተሪፉ ሊድያ ሚካኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ ዝቃወም እንተሎ ንዕለት 23/12/2013 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ልዋም ጸሃየ ተኪኤ ኣቦኣ ኣቶ ጸሃየ ተኪኤ ስዝሞተ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ ዝቃወም እንተሎ ን 20/12/2013 ይቕረብ።

    ዮናስ ኣስመላሽ መድህን ምባል ተሪፉ ዮናስ ተስፋይ በየነ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ ዝቃወም እንተሎ ን 23/12/2013 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛጎቦ

    ወ/ሮ ምሕረት ብርሃነ ገብርሂወት ኣደይ ወ/ሮ ንግስቲ ብርሃነ በኺት ስለዝሞተት ወረስቲ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት ዝቃወም እንተሎ ን 6/12/2013 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደቀምሓረ

    ኣቶ ዮሴፍ ገረመድህን በኽሩ ወ/ሮ ቅዱሳን ኣብርሃም ገብሩ ስለዝሞተት ወራሲ ምኳነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ ዝቃወም እንተሎ ን 5/12/2013 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ መርሓኖ

    ሰርጹ ወልደሃይማኖት ኣቦና ኣቶ ወልደሃይማኖት ወ/ሚካኤል ስለዝሞተ ወረስቲ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ ዝቃወም እብተሎ ን15/12/2013 ኣብ ቤ/ፍ መርሓኖ ይቕረብ ።

    . Quantity 1

    Submersible water pump - 220-240 volt - 109 meter =25 liter per minute - 34 meter=100 liter per minute - Brand star or Rotos - Orginal Italy

    1

    2

    Cake display Fridge - 220-240 volt - 120cm-130cm width - Two-stage or abase - Japan, korea prefable

    2

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 7

    ብሞት ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ መምህር ቢዘን መስፍን ኣብ ሕማማ ዝበጻሕኩምናን ዘቃበርኩምናን ዘጸናናዕኩምናን ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ንገልጽ።

    በዓል ቤታ መምህር ሓድሽ ብርሃነምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብመስዋእቲ ክቡር በዓል ቤተይ ገዲም ተጋዳላይ ታደሰ ፍረ እየስ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝተመላለስኩም ንሬስኡ ካብ ሱዳን ኣብ ምምጻእ ዝተሓባበርኩምን ምስ ዓረፈ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ብተሌፎን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ገነት ገብረሂወት ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ክብርቲ ኣደና ወ/ሮ መንጠግበሽ ኣዓሎም ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ሓዝሓዝ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስ፡ ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን የሕዋትን ቤተሰብን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ወደን ጂኖ ክርስቶፎር ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ኣዚና እንፈትዋን ነፍቅራን ሓፍትና ይርጋኣለም ግ/ማች ብርሃነ ካብዛ ዓለም ብሞት ብምፍላያ መሪር ሓዘን እናተሰመዓና፡ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ምሉኣት ስድራቤት

    ብምኽንያት ዕረፍቲ ፍቱው ኣቦና ኣቶ ሃይለሚካኤል ምስግና ዘርእዝጊ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሞም ንሆስፒታል ተመላሊስኩም ዝበጻሕኩም፡ ምስ ዓረፉ ኸኣ፡ ሰገነይቲ ብምኻድ ዝቀበርኩምን ንገዛና እናተመላለስኩም ይኹን ብቴሌፎን ካብ ውሽጥን ወጻእን ንስድራቤት ዘጸናናዕኩምን ዝደበስኩምን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልዑል ምስጋናና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ንግስቲ ተስፋማርያምደቆም መኣዛ፡ ገነት፡ ጽገን ዳኒኤልን

    ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅሮ ኣቦና ኣቶ ሓድሽ ኣባይ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንኹሉኹም ዘቃበርኩምናን ብኣካል ናብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ሓዳስ ገ/ብሄር ምስ ደቀን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብድንገታዊ ሞት ኣዚና እነፍቅራ ውላድና ወ/ሮ ምሕረት ዓንደብርሃን ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንተቐማጦ ስዊዝላንድ ሬሳ ኣብ ምፍናው ደቃ ኣብ ምሕብሓብን ዝተሓባበርኩምና ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ-ቀ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስ ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና መቕርብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንሕብር።

    ስድራቤት ዓንደብርሃን በይንከምኡ’ውን ሓትንኣ ውዳሰ ሓጎስ

    ብሞት በዓል ቤተይ ጠዓመ ወልደስላሴ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ኣብ ግዜ ሕማሙን ሬሳ ካብ ወጻኢ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ክሳብ ድግሳ ዘቃበርኩምና ካብ ዉሽጢን ወጻእን ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘና ከምዘዓዘና ንገልጽ

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሰናይት ተ/ማርያም ምስ ደቀይን ሙሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ክብርቲ ወላዲትና ወ/ሮ ፋና ወልደገርጊስ በዓልቲ ቤቶም ንነፍስሄር በረም-ክብረኣብ ህያቡ ዝተሰመዓና መርሪ ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ወኪ (ን/ዞባ ሰረጀቃ)ብምኻድ ዘቃበርኩምና ብኣካል ናብ ገዛ ብምምላስን ብተሌፎንን ኢመይልን ካብ ዉሽጥን ወጻእን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘና ከምዘዓጸና ንገልጽ።

    ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብምኽንያት ሞት ፍቕርቲ ኣዴና ወ/ሮ ምሕረት ገብሩ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ሬሳ ካብ ሱዳን ኣብ ምልኣኽ ዝተሓባበርኩምና ኣብ ገዛና እናተማላለስኩምን ቴለፎን ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘና ከምዘዓጸና ንገልጽ።

    ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራቤት።

    ብዕረፍቲ ኣዚና ነኽብሮን ነፍቅሮን በዓል ቤትይ ኣቶ ዳኒኤል ዮዉሃንስ ወልደምሕረት ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ ካብ ግዜ ሕማሙ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ኣብ ገዛ ብምምልላስን ሬሳ ብምፍናዉን ዝተሓጋገዝኩምና ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጅባዳ ስዑዲን ማሕበረኮም ኤርትራ ጅዳን ብፍላይ ከኣ ቤተሰብን የዕሩኽትን ፈተውትን ከምኡ’ውን ኣብዚ ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዘቃበርኩምናን ኩሉኹም ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓልቲ ቤቱ ወይኒ እስቲፋኖስ ደቁን ምሉኣት ስድራቤቱን

    ብዕረፍቲ እነፍቅሮ ኣቦና ኣቶ ባህሩ ባላምብራስ ኢያሱ ሓደራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ካብ ጊዜ ሕማሙ ኣትሒዝኩም ከይሰልከኹም ዝተመላለስኩም ክሳብ ዓድና መርሓኖ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስን ብቴለፎንን ፋክስን ኢመይልን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተዉትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ብልቢ ነመስግን።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ትበርህ ሃብተ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ጓልና ወ/ሮ ኣስጎዱ መንደር ተኽለየስ በዓልቲ ቤቶም ንስዉእ ተጋዳላይ ተኽለ በየነ ዓንዱ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ክሳብ መካነ መቓብር ጸጸራት ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ወጻኢ ስልኪ ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየለና እናበልና ሓዘንና ከም ዝዓጸና ንገልጽ።

    ስድራ ቤት መንደር ተኽልየስመስ ወዳ ናሆም ተኽለ በየነ ምስ ምሉኣት ስድራ ቤት

    ኣዚና እነኽብራን እንፈትዋን ክብርቲ ወላዲትናን ሓፍትናን ወ/ሮ ፍቓድ ተወልደብርሃን በዓልቲ ቤቶም ንነፍስሄር ኣቶ ተስፋይ ገብረሚካኤል (ጆርናሊስታ) ብሞት ምስ ተፈለየትና ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና ኣብ ግዜ ሕማማ ኣብ ሆስቢታል ዝበጻሕኩምን ክሳብ ምለዛናይ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ወጻኢ ሃገር ቴለፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተዉትን ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 8

    ሃብቶም ጸጋይ

    ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዘለዉ ሃብታማት ውልቀሰባት እንተተላዒሉ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ብቐዳምነት ዝዝከር ኣመሪካዊ ቢል ገይትስ’ዩ። ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ሓሙሽተ ዝሃብተሙ ውልቀሰባት ዝኾነ ቢል ገይስትስ መሰረት ሃብቱን ምንጪ’ቲ ዝለዓለ እቶቱን ዝኾነቶ ትካል ድማ እታ ባዕሉ ዝመስረታ ኩባንያ ማይክሮሶፍት እያ። ኩባንያ ማይክሮሶፍት ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣብ ዓውዲ ኮምፒዩተር ብፍላይ ድማ ኣብ ንድፊ ሶፍትዌር ካብ ዝነጥፋ ኩባንያታት ዝዓበየት እያ። ታሪኽ ኣመሰራርታ ኩባንያ ማይክሮሶፍት ኣብ 1970’ታት እዩ ዝጅምር። ኣብ 1975 ብኩባንያ ኣትላስ ዝተማህዘት ምዕብልቲ ኮምፒዩተር ኣብ መጽሄታትን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ኣመሪካ ዓብላሊ ዜና ኮይና ነበረት። ኣብቲ እዋን ተማሃሮ ክነሶም ኣብ ኮምፒዩተራዊ ንጥፈታት ልዑል ምልከትን ተገዳስነትን ዝነበሮም ኣዕሩኽ ቢል ገይትስን ፖል ኣለንን በዚ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ኮምፒዩተር ሱር በተኽ ዝኾነ ለውጢ ብምትብባዕ፣ ኣብዚ ዓውዲ ገለ ሓድሽ ምህዞ ክሰርሑ ሓለኑ። ድሕሪ ነዊሕ ምርምርን መጽናዕትታን ድማ “Basic computer programming” ዝሰመይዋ መሰረታዊ ናይ ኮምፒዩተር ሶፍትዌር ክሰርሑ ከኣሉ። እዚ ምህዞ‘ዚ ንምዕባለ ኮምፒዩተራዊ ቋንቋታትን መሰረታዊ ኣጠቓቕማን ዓቢ ስጉምቲ ኾነ። ምህዞ ቢል ገይትስን ዓርኩን ድማ ብብዙሓት ኣፍረይቲ ኮምፒይተር ዝኾና ኩባንያታት ተደላዪን ቀንዲ ኣገዳስን ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን። ብፍላይ መፍረ ኮምፒዩትራት ዝኾነ ኩባንያ ኣፕል ኩሉ ኣብ ትካል ማይክሮሶፍት ዝፈሪ ሶፍትዌራት ክትጥቀመሉን ዝለዓለ ናይ መሸጣ ትርፊ ክትረከብን ከኣለት። እዚ ድማ ንዝናን ደረጃን ኩባንያ ማይክሮሶፍት ናብ ዝለዓለ ኩነት ኣዕረጎ።ኩባንያ ማይክሮሶፍት ካብ ዘፍርዮም ቀንድን ኣገደስትን ሶፍትዌራት እቲ ንኮምፒዩተር ብቐሊልን ልሙድን ኣገባብ ንክትሰርሕ ዘኽእል ብ’ኦፐሬይቲን ሲስተም’ ዝፍለጥ ሶፍት-ዌር እዩ። ሶፍትዌር ኦፐረይቲን ሲስተም ንሓንቲ ኮምፒዩተር ግቡእ ስራሕ ንኽትዓምምን ከተገልግልን ባይታ ዝኾንዋ ብዝተፈላለዩ ቅማራትን ኣምራትን ናይ ኮምፒዩተር ቋንቋ ዝረዓመ ክፍሊ’ዩ። መብዛሕትኡ ተጠቃሚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝዝርግሑ እዋናውያን ምህርቲ ናይዚ ሶፍትዌር ይፈልጥዎ’ዮም። ዊንዶውስ ኤክስ-ፒ፣ ቪስታ፣ ዊንዶውስ ሰቨን፣ ዊንዶውስ ኤይትን ካልእን ስም ናይዚ ብኦፐሬይቲን ሲስተም’ ዝፍለጥ ሶፍት-ዌር እዩ።ብተወሳኺ ኣብ ብዙሕ ኣገልግሎት እንጥቀመሎም ኣብ ኮምፒዩተር ዝጸዓኑ ምህርቲ ናይዚ ዓርሞሸሽ ኩባንያ ዝኾኑ ሶፍትዌራት ኣለዎ። ብፍላይ ድማ ብ‘ማይክሮሶፍት ኦፊስ’ ዝፍለጥ ንጽሑፋዊ ሰነዳትን ንንግዳዊ ቀመራት (ሕሳብ) ዝስንዱ፣ ኣብ ኣኼባታትን መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ብጽፉፍ ኣገባብ መግለጺ ንምቕራብ ዘገልግል ሜላን ካልእን ዘጠቓለለ እኩብ ሶፍትዌር ሓደ ካብቶም ኣብ ተጠቀምቲ ኮምፒዩተር ዝውቱር ዝኾነ ሶፍትዌራት እዩ። ማይክሮስፎት ኦፊስ፣ ኤክሰል፣ ፓወር ፖይንት፣ ኣክሰስን ካልእን ድማ ይርከብዎ።ብሃብታም ኣመሪካዊ ቢል ገይትስ ዝውነን ኩባንያ ማይክሮሶፍት እዚን ካልእን ዓበይቲ ስርሓት ብምዕያይ ዓቢ እቶትን ዝናን እኳ እንተኣኻዕበተ፣ ብዝተፈላለየ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ግን ተኸሲሱ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ግዜያት ከቕንዕ ተራእዩ እዩ። ኩባንያ ማክሮሶፍት ብተዳጋጋሚ ግዜያት ካብ ዝተኸሰሰሎም ጉዳያት ሓደ፣ እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ እቲ ብብዙሓት ከም ባሕታዊ ዘቚጸሮ ዝርጋሐኡ እዩ። ብተወሳኺ ኩባንያ ማክሮሶፍት፣ ናይ ካልእ ፍቓድ ዋኒን (ሊንቸንሳ) ዘይብሎም መሃዝቲ ሶፍትዌራት ዝኾኑ ኣምራትን ሓሳብን ምስራቕ፣ ዋሕዚ ሓደስቲ ምህዞታትን ብዝብል ምኽንያታት ዝተፈላለየ ክስታት ይምስረተሉ’ዩ።

    ዓንዶም ጸጋይ

    ማይክሮሶፍት - ዓርሞሸሽ ኩባንያ ዓለም

    ዝበዝሐ ህዝቢ ዝቕመጠን ከተማታት ዓለምህዝቢ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ 6 ቢልዮን ኣቢሉ በጺሑ ይርከብ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ብዝለዓለ

    መልክዑ ንክቕጽል ተራን እጃምን ሃገራት ኤስያ ዓቢ ከምዝኾነ ሰነዳት የረድእ። ምኽንያቱ ሓደ

    ሲሶ ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ኣብ ሃገራት ኤስያ ዝኾና ቻይናን ህንድን ይርከብ። ካብ መዛግብቲ

    ሰነዳት ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም ምርኩስ ብምግባር ዝለዓለ ተቐማጦ ዘለወን ከተማታት ኣብ ኤስያን ገለ ሃገራት

    ኣመሪካን ይርከባ። ዛጊት ዝለዓለ ተቐማጦ ዘለወን 10 ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን።1.ቶክዮ - ጃፓን፣ 36 ሚልዮን ሕዝቢ2.ሜክሲኮ ሲቲ - ሜክሲኮ፣ 19 ሚልዮን3.ኒውዮርክ - ኣመሪካ፣ 18.5 ሚልዮን4.ሳኦፓውሎ - ብራዚል፣ 18 ሚልዮን5. ሙምባይ - ህንዲ፣ 17.8 ሚልዮን6.ደልሂ - ህንዲ፣ 14.5 ሚልዮን7.ካልካታ - ህንዲ፣ 13.4 ሚልዮን

    8.ቦነስ ኣይረስ - ኣርጀንቲና፣ 13 ሚልዮን9.ሻንጋይ - ቻይና፣ 12.8 ሚልዮን10. ጃካርታ - ኢንዶኔዥያ፣ 12.4 ሚልዮን

    ዘመናዊ ጊላነትጊላነት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝተንጸባረቐን ዝንጸባረቕ ዘሎን ተርእዮ ኢዩ። ሰባት ብዘይ ድሌቶም ኣገዲድካ ኣብ ከቢድ ስራሕ ብምጽማድ፡ ኣምሳያኡ ድማ ዋጋ ስርሖም ዝኾነ

    ዓስቢ ከይሃብካ ምጭኳን ሓደ ካብ ባህርያት እዚ ብጊላነት ዝጽዋዕ ተርእዮ ኢዩ። ጊላነት መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ሕብረተሰብ ብሃብታማት ወገናት ዝፍጸም ተርእዮ ድማ ኢዩ። ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ይኹን ዜጋታት ካልኦት ክፍላተ ዓለም ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ኣብ ከቢድ ናይ ጊላነት ማሕዩር ኣትዮም ተሳቕዮም እዮም። ካብዚ ከቢድ ጭኮና ንምውጻእ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓያል ተቓውሞ ኣካይዶምን ተዓዊቶምሉን ኢዮም። ይኹን እምበር ጊላነት ኣብዚ ዘለናዮ ምዕቡል ዘመን ዘይከም ናይቲ ቀደም ዝነበረ ኣገባብ መልክዑ ቀይሩ ክዝውተር ዝረአ ኢዩ። እዞም ናይዚ እዋን እዚ ብዘመናዊ ጊላነት ዝግለጹ ጨኮንቲ ተግባራት መብዛሕትኦም ንድኻታት ሕብረተሰብን

    ብዕድመ ዘይበሰሉ ህጻናትን ግዳይ ዝገብር ኢዩ። ገለ ካብ ልሙዳት ዘመናዊ ጊላነት ምስ እንርኢ፣

    ግዴታዊ ኣገልጋልነት እዚ ዓይነት ጊላነት፣ ሰራሕተኛታት ብዘይ ሰናይ ድሌቶም ጉልበቶም ናይ ምምዝማዝ ተግባር ኢዩ። ንኣብነት ኣብ

    ግዜ ሽቕለተ-ኣልቦነት ዘይሓላፍነታውያን ኣስራሕቲ ኩባንያታት ንዝፍጠር ዘይንቡር ኩነታት ተጠቒሞም ጉልበት ሰራሕተኛታት ክምዝምዙ ይርኣዩ። ብተወሳኺ እውን ንድኽነት፡ ዓሌታውን

    ሃይማኖታውን ፍልልያት ምኽንያት ብምግባር ንሰባት ብጸቕጢ ጉልበቶም ክምዝመዙ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ። ስደተኛታት መብዛሕትኡ እዋን እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ዓይነት ዘመናዊ ጊላነት ኢዮም።

    ጾታዊ ንግድ ሰባት ኣገዲድካ ኣብ ናይ ኣመንዝራነት ስራሕ ምእታውን ኣምሳያኡ ድማ ካብቲ ስራሕ ዝርከብ ኣታዊ ኣብ መዓላ እቶም ኣገልገልቲ ዘይኮነስ ኣብ መዓላኻ ምውዓልን እቲ ካልእ ዓይነት ጊላነት ናይዚ ዘመናዊ መዋእል ኢዩ። እዚ መብዛሕትኡ እዋናት ንደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ዝገብር ጊላነት፡ ደቀንስትዮ ብምጭዋይን ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ዕድላትን (ዝሓሸ ናይ ስራሕ ዕድል፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል) ከምዘሎ ኣምሲልካ

    ብምትላልን ኣብ ጾታዊ ንግድ ክነጥፋ ምስግዳድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተለምደ ተርእዮ ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቀንስትዮ ግዳይ ናይዞም መዝመዝቲ ክኾና

    ይርኣ ኢየን።

    ኣስግዳድ ዘቤታዊ ዕዮሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ኣሸገርቲ ተርእዮታት ዝኾኑ ጉዳይ እዚ ብኣስገዳድ ኣብ ልዕሊ ዘቤታውያን ሰራሕተኛታት ዝፍጸም ጊላነት ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን እቲ

    ዝፍጸም ተግባራት ብዝኾነ ካልእ ኣካል (ብዘይካ ኣስራሕን ሰራሕተኛን) ክርአ ስለዘይክእል ድማ እቲ ዛጊት ኣሸጋሪ ኮይኑ ዘሎ ዘመናዊ ጊላነት ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ዘቤታውያን ሰራሕተኛታት ዝፍጸም ተጽዕኖ፡ ካብቲ ልዕሊ መጠን ዝጥለብ ሃልኪ ሰራሕተኛታት ሓሊፉ ከም ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ጉድኣትን ካልእን ዘስዕብ ተግባራት ድማ ብቐጻሊ ዝረኣዩ ኢዮም።

    ሕቶ ንሃብሮም1. ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ሓደጋ ሱናሚ ዝተኸሰተላ ሃገር

    ሀ. ታይዋን ለ. ማሌዥያ ሐ. ኢንዶኔዥያ መ. ቱርኪ

    2. ንኻልኣይ ሕጊ ኒውተን ዘይውክሉ ኣምራት ኣውጽእ

    ሀ. ክብደት ለ. ሓይሊ ሐ. ንፋስ መ. ፍጥነት

    3. ርእሰ ከተማ ኣውስትራልያ መን ትበሃል

    ሀ. ካንቤራ ለ. ሜልቦርን ሐ. ሲድኒ መ. ዳርዊን

    4. ኣህጉራዊ መዓልቲ መሬት መዓስ ይኽበር?

    5. ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ተማሃሮ ናይ ሓንቲ ቤትምህርቲ ብ15% ብምዕባይ ናብ 5,060 ደይቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ተማሃሮ ክንድይ ነይሩ?

    መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን

    1.ሐ 2. ሀ 3.ለ 4. ቫቲካን

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 9

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 10

    ዓንዶም ጸጋይ

    ኣብ ዘለናዮ ዘመን ተክኖሎጂ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝህቦ ጥቕሚ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ኣገልግሎት ቁጠባ ከምኡ’ውን እዋናዊ ሓበሬታ ዕዙዝ ተራ ይጻወት። ብተወሳኺ ኣብ ኢንተርነት ኣብ መንጎ ተጠቀምቲ ናይ መልእኽቲ ምልውዋጥ ኣገልግሎት ዝህባ መርበብ ሓበሬታ ብዙሓት ይርከባ። መርበብ ሓበሬታ ትዊተር ሓደ ካብዞም ኣገደስቲ ኣብ ኢንተርነት እንረኽቦም ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝኾኑ መርበብ ሓበሬታ’ዩ።ትዊተር ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ደቂሰብ፣ ኣተኩሮ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ’ዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ኣብ ንሓድሕዶም መልእኽቲ ክሰዱን ክቕበሉን ዘኽእል ድሕረ ገጽ (ዌብ ሳይት) እዩ። ኣጠቓቅማ መርበብ ሓበሬታ ትዊተር ከም ካልእ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ኮይኑ፣ ንድሕረ ገጽ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ድሕሪ ምኽፋትካ፣ ትሕተቶ ሓጺር ውልቃዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምምላእ ናይ ተጠቃምነት ኣባላነትካ ተረጋግጽ። ድሕሪ’ዚ ድማ ከም ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ዝተፈላለየ መልእኽትታት ከተሕልፍን ክትቅበልን ትኽእል።መልእኽቲ ካብን ናብን ተጠቀምቲ ንምትሕልላፍ ዘኽእል መርበብ ሓበሬታ ትዊተር፣ ዘይከም መርበብ ሓበሬታ ፈይስ-ቡክ፣ ደረቕ ስእሊ ይኹን ካልእ

    መርበብ ሓበሬታ ትዊተር

    ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዘለዎ መልእኽትታት ከተመሓላልፍ ዘኽእል ኣይኮነን። እንተኾነ ንእትዝርግሖ ህጹጽ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣብ ሓደ እዋን ብብዙሓት ተጠቀምቲ ክንበብ ይከኣል። ብተወሳኺ ኣብ ትዊተር ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 140 ፊደላት ዝሓዘ መልእኽቲ ከተመሓላፍ ተኽእሎ ኣሎ።ተጠቀምቲ ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብብዝሒ ይኹን ብዓይነት እናወሰኸ ኣብ ዝመጻሉ እዋን ፣ ብፍላይ

    ኣብ መኣዲ ንግዲ (ቢዝነስ) ዓቢ ጽልዋ እናፈጠረ ይመጽእ ኣሎ። ዝተፈላለያ ኩባንያታት ንዘለወን ምህርቲን ቀረብ ኣገልግሎትን ብትዊተር እናኣቃልሓ ሓበሬታ ይህባ ኣለዋ። እዚ ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ መርበብ ሓበሬታ ትዊተር፣ ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ዝነጥፉ ስምን ዝናን ዘለዎም ጸለውቲ ሰባት ዓለምና ሓዊሲካ ብኣሽሓት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ከምዘለውዎ ሰንዳት ትዊተር የረድእ።

    ንኣፍልጦእቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ክቡራት ብረታት ተባሂሎም ዝጽዉዑ ብዙሓት’ኳ

    እንተኾኑ ብመጠን ኣገዳስነቶምን ዋግኦምን እዞም ዝስዕቡ እቶም 5 ዝኸበሩ ዓይነት ብረታት (ሜታልስ) ተባሂሎም ዝግለጹ’ዮም።1. ሮዲዩም 2. ፕላቲኒዩም

    3. ወርቂ 4. ሩዘኒዩም

    5. ኢሪዲዩም

    ኣነቓቓሕቲ ጥቕስታት፠ ንሓደ ኣፊቂርካ ምስ ዘይትፍቀር የቐንዙ’ዩ፣ እቲ ኣመና ዘቐንዙ ግና ኣፍቂርካ ነቲ ዘፍቀርካዮ ስሚዒታትካ ክትገልጽ ዓቕሚ ምስ ትስእን’ዩ።፠ እቲ ዝበለጸ ዓይነት ዓርኪ፣ ምሳኻ ኮፍ ኢሉ ወላ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ፣ ኣዝዩ ሕጉስ ዝርርብ ከምዘካየደ ኣሚኑ ዝኸይድ ሰብ’ዩ።፠ ዘለናዮ ክሳብ ንስእኖ ኣይንርድኦን ኢና፣ ብተመሳሳሊ ድማ ዝሰኣናዮ ክሳብ ዝመጸና ኣይንፈልጦን ኢና።፠ ንሓደ ሰብ ክትፈትዎ ሰዓታት፣ ከተፍቅሮ መዓልታት፣ ክትርስዖ ግና ናይ ሂወት ዘመንካ ይሓትት።፠ ክትሓልሞ ትደሊ ሕለም፣ ክተበጽሖ እትደልዮ ቦታ ብጻሕ፣ ክትኮኖ እትደልዮ ኩን፣ ምኽንያቱ ዘላትካ ሂወት ሓንቲ ስለዝኾነት።፠ እቶም ሕጉሳት ሰባት ኩሉ ነገር ዘለዎም ኣይኮኑን፣ እንታይ ድኣ ንዘለዎም ክንዲ ኩሉ ነገር ዝርእይዎ ብምዃኖም’ዮም።፠ ፍቕሪ ብፍሽኽታ ይጅምር ብምስዕዓም ይዓቢ ብንብዓት ድማ ይዛዘም።፠ ክትውለድ ከለኻ ንስኻ ትበኪ ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ድማ ይስሕቁ፣ ክትመውት ከለኻ ድማ ንስኻ እቲ ዝስሕቕ ክትከውን ከለኻ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዝርከቡ ሰባት ድማ እቶም ዝበኽዩ ይኾኑ።፠ ኩሉ ግዜ ሂወት ክብርቲ ምዃና ዘክር፡ ስለዚ ኣይተሕስራ።

    ፠ እንተተጋጊኻ ጌጋኻ ናብ ካልእ ኣይተሳብብ፣ ካብቲ ጌጋ ደኣ ተማሃር።

    ምስጢራት ዕዉት ፍቕርን ሂወትንምስጢር ሓይሊሓሳብ- እንኾኖ እቲ እንሓስቦ’ዩ። ቅኑዕ ሓሳባት ቅኑዕ መንገዲ ይፈጥሩ፣ ሓቀኛ ሓሳባትሓቀኛ ምሕዝነት ይወልዱ።

    ምስጢር ሓይሊ ክብረትንሓደ ሰብ ከየኽበርካዮ ክትፈትዎ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ናይ መጀምርያ ሰብ ከተኽብሮ ዝግበኣካ ገዛእ-ርእስኻ’ዩ። ንሰባት ይኹን ንገዛእ ርእስኻ ከተኽብር ከለኻ እንታይ ተኽብር ከምዘለኻ ንነብስኻ ሕተታ።ምስጢር ሓይሊ ልግሲፍቕሪ ክትረክብ ምስ ትደሊ እቲ ክተገብሮ ዝግበኣካ ቀንዲ ነገር ፍቕሪ ምልጋስ’ዩ። ክንዲ’ቲ ዝሃብካዮ ስለ እትቕበል ድማ ንልግሲ ድሕር ኣይትበል። ከተፍቅር ማለት ገዛእ ነብስኻ ብነጻን ቅንዕናን ምልጋስ ማለት’ዩ። ምስጢር ሕጉስን ዕዉትን ምሕዝነት ኣብ እንታይ ትልግስ ምግዳስ ደኣ’ምበር ኣብ እንታይ ትወስድ ኣይኮነን።ምስጢር ሓይሊ ዕርክነትሓቀኛ ኣፍቃሪ ንምርካብ ሓቀኛ ዓርኪ ምርካብ የድሊ። ቅድሚ ፍቕሪ ዕርክነት ምቕዳም’ዩ እቲ ምስጢር። ሰባት ከም ዘለዉዎ ፍተዎም፡ ዕርክነት፣ ሓመድ ናይቲ ዘርኢ ፍቕሪ ዝዓብየሉ መሬት ምኹዃኑ ፍለጥ።

    ሕቶ ብልሒ

    • ኣብ ሓደ ናይ ሙዚቃ ባንድ ዘለዎ ኣባላት ዕድመኦም 22,25,28 እዮም። ሓደ ሲሶ ካብዞም ኣባላት ድማ 22 ዓመት ዝዕድመኦም እዮም። ብተወሳኺ ካብ መላእ ኣባላት እታ ጉጅለ ፍርቆም ዕድመኦም 22ን 25 እዩ። በብዕድመኦም ብምስራዕ ቁጽሪ

    ኣባላት ናይዛ ጉጅለ ክንደይ ይኸውን ?• ሎሚ ዕለት ቀዳም እንተኾይኑ፣ ድሕሪ 500 መዓልታት

    እትውዕል ዕለትከ?

  • ሓዳስ ኤርትራ 26 ሕዳር 2013 - ገጽ 11

    ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

    ሸውዓተ መድረኻት ዝሓቖፈ ዙር ሩዋንዳ 2013፡ ሰንበት ኣብ ኪጋሊ - ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ብዝተኻየደ “ውድድር ከተማ” ተዛዚሙ። ኣብቲ 94.2 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ሓያልን ናይ መዛዘምን ውድድር፡ ኣልጀርያዊ ተቐዳዳማይ ዓዘዲን ላቓብ ብ2ሰዓትን 23ደቒቕን 54 ካልኢትን ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ ሂቸም ቻባኒ፡ ኣሮን ደብረጽዮን ካብ ኣስቤኮ፡ ኣድሪያን ኒያንሹቱ ካብ ኤምቲኤን ኲቤካ፡ ዳይላን ጊርድለስቶነን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን መትከል እዮብ ካብ ኣስቤኮን ድማ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሻዱሻይ ንዘሎ ደረጃታት ሒዞም።ብሓፈሻ ኣብቲ 2.2 ደረጃ ዘለዎን ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዚኡ ዝተኻየደን ዙር ሩዋንዳ፡ ወዲ 24 ዓመት ዳይላን ጊርድለስቶነን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ን804 ኪሎ ሜተር ብ20 ሰዓትን፡ 35 ደቒቕን 55 ካልኢትን ብምፍጻሙ፡ ነታ ዕዉት ናይ ግዜ ውድድር ዝወድ�