2013 ዋጋ ግዜ50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_19112013.pdfሓዳስ ኤርትራ 19...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 80 19 ሕዳር 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ጸላም ከብዲ ገጽ 3 ማራቶን ጠፈር ኣብ ኤስያ ናበይ ገጹ? ገጽ 4 ተራ ዓይኒ ምድሪ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደን ዕሸልን ገጽ 8 ዝነውሑ ዜጋታት እትውንን ሃገር ገጽ 5 ዋጋ ግዜ 2013 ሰሉስ ነበርቲ ዓድታት ቅናፍና፡ ዓዲ- ሰጓጊን ዓዲ-ሳምሪን - ንኡስ ዞባ ማይ- ዓይኒ፡ ዝተዋደደሎም ፕሮጀክት ማይ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ርግኣት ከምዝፈጠረ ገሊጾም። ነተን ዓድታት ከገልግል ዝተሃንጸ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት ማይ፡ ሽድሽተ መዐደሊ ማይ ንቑጣታት ስለዘለዎ፡ ህዝቢ ብዘይጸገም ማይ ክረክብ ኣኽኢሉዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ወይዘሮ ጽገ ተስፋሃንስ ንኤሪና ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ምውዳድ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ብዙሕ ሃልኪ ከምዘናገፎም፡ ጽሬቱ ዝተሓለወ ብምዃኑ’ውን ካብ ማይ ወለድ ሕማማት ከምዘድሓኖም ኣብሪሃ። ተመሃሪት ሰላም ዑቕበ ብወገና፡ ኣቐዲመን ተሪር ዓቐብ ሰጊሮም ንጽህናኡ ዘይተሓለወ ማይ ይጓርቱ ከምዝነበሩ፡ እዚ ድማ ብፍላይ ንደቂኣንስትዮ ኣብ ትምህርተን ጸገም ክፈጥረለን ከምዝጸንሐ ጠቒሳ፡ ድሕሪ ምውዳድ ናይቲ ፕሮጀክት ግን ብሰንኪ ራሕቂ ምንጪ ማይ ዘጋጥመን ዝነበረ ማይ-ዓይኒ፡ ፕሮጀክት ማይ ርግኣት መነባብሮ ይፈጥር ጸገም ከምእተፈትሐ ሓቢራ። ካብ ኮሚተ ማይ’ተን ዓድታት ኣቶ ዑቕባይ ንጉሰ ብግደኡ፡ እቲ መዐደሊ ንቑጣታት ኣብ ማእከል ጥዕና፡ ቤት- ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከብዲ ዓዲ ከምእተደኰነ ብምሕባር፡ ካብ ተጠቀምቲ ዓድታት ኮሚተ ማይ ብምቛም ንምሕደራኡን ጽገናኡን ዝምልከት ስልጠናን መሳርሒታትን ከምእተዋህበ ኣረዲኡ። ኣህጉራዊ መዓልቲ ሽኮርያ፡ “ሕማም ሽኮር ብኣፍልጦና ንመክት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብደረጃ ሃገር ብ14 ሕዳር ኣብ ከተማ መንደፈራ ተዘኪራ። ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን ተመሃሮን ዝተረኽቡሉ መደብ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሽኮርያ ኤርትራ ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ ኣብ ዘስመዕ ቃል፡ ዕላማ ናይዛ ዓመት መጸ እትዝከር መዓልቲ ሽኮርያ፡ ንኣገባብ ምክልኻልን ምቊጽጻርን ሕማም ሽኮርን ክግበር ዘለዎ ክንክንን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንምስራጽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ንሕሙማት ሽኮር ብነጻ ዝህቦ መድሃኒት ኣብ ዜጋታቱ ንዘለዎ ሓልዮት ዘነጽር ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ኣህጉራዊ መዓልቲ ሽኮርያ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ መንደፈራ ተዘኪራ ዳይረክተር ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ብወገኑ፡ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ህጻናትን ኣዴታትን፡ ምቊጽጻር ሕማም ዓሶን ኤች. ኣይ. ቪ./ኤይድስን ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፡ ውጽኢት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ብምስፋሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ዜጋታት ካብ ሕማም ሽኮርን ሳዕቤናቱን ንምክልኻል፡ ኣብ ኣመጋግባኦም ጥንቃቐታት ክገብሩን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ከዘውትሩን ተላብዩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ ድማ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ጠንቅን ሳዕቤንን ሕማም ሽኮር ንምዕባይ ጀሚርዎ ዘሎ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ኣገዳስነቱ ርዱእ ስለዝኾነ፡ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ኣተሓሳሲቡ። ደረጃን ብቕዓትን ኣሕዳሪት ቤት- ትምህርቲ ኣስማጥ ክብ ንምባል ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ርእሰ- መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገደ ገሊጹ። ምስ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኮሚተ ወለዲን ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥ፡ ከርከበት፡ ሓልሓልን ሰልዓን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ዓመታት ኩሉመዳያዊ ምምሕያሽ እናርኣየት ክትመጽእ ደረጃን ብቕዓትን ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ ክብ ንምባል ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ ምጽናሓ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስቲዮ ድማ ብፍላይ ዝምስገን ምዕባለ ከምእተመዝገበ ሓቢሩ። ብሃገራውነት ዝተዀስኰሰን ፍልጠት ዘዓጠቐን ዜጋ ምፍራይ፡ ኣብ ዝሳላሰሉ ልምዓታዊ መደባት ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምእማን ድማ፡ ንብቕዓት ናይታ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ንምብራኽ መደብ ወጺኡ ይትግበር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ ቤት-ፈተነ (ላባራቶሪ) ንኽዛዘም፡ ከምኡ’ውን ቤት-ንባብን ኣድላዪ ናውቲትምህርቲንንኽዋደደላ፡ህዝቢ ኣበርክቶኦ ከሐይል ኣዘኻኺሩ። ርእሰ-መምህር ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገደ ኣብ መወዳእታ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ካብ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥ፡ ከርከበትን ሰልዓን ንዝመጹ ተመሃሮ ተቐቢላ ከምእተምህር ጠቒሱ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ከርከበትን ሰልዓን ንዝርአ ዘሎ ምቁራጽ ተመሃሮ ንምእራም፡ ተራ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ከባቢታትን ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ጸዊዑ። ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ዝርአ ምቁራጽ ተመሃሮ ኣተኲሮ ክግበረሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝተኸፈታ ኣብያተ-ትምህርቲ ኮይና፡ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ኣገልግሎት ትህብ።

Upload: others

Post on 30-Jan-2021

8 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 23 ዓመት ቁ. 80 19 ሕዳር 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

    ገጽ 10ጸላም ከብዲ

    ገጽ 3ማራቶን ጠፈር ኣብ ኤስያ

    ናበይ ገጹ?ገጽ 4

    ተራ ዓይኒ ምድሪ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደን ዕሸልን

    ገጽ 8ዝነውሑ ዜጋታት እትውንን

    ሃገር

    ገጽ 5ዋጋ ግዜ

    2013

    ሰሉስ

    ነበርቲ ዓድታት ቅናፍና፡ ዓዲ-ሰጓጊን ዓዲ-ሳምሪን - ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ዝተዋደደሎም ፕሮጀክት ማይ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ርግኣት ከምዝፈጠረ ገሊጾም።ነተን ዓድታት ከገልግል

    ዝተሃንጸ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት ማይ፡ ሽድሽተ መዐደሊ ማይ ንቑጣታት ስለዘለዎ፡ ህዝቢ ብዘይጸገም ማይ ክረክብ ኣኽኢሉዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።ወይዘሮ ጽገ ተስፋሃንስ ንኤሪና

    ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ምውዳድ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ብዙሕ ሃልኪ ከምዘናገፎም፡ ጽሬቱ ዝተሓለወ ብምዃኑ’ውን ካብ ማይ ወለድ ሕማማት ከምዘድሓኖም ኣብሪሃ።ተመሃሪት ሰላም ዑቕበ ብወገና፡

    ኣቐዲመን ተሪር ዓቐብ ሰጊሮም ንጽህናኡ ዘይተሓለወ ማይ ይጓርቱ ከምዝነበሩ፡ እዚ ድማ ብፍላይ ንደቂኣንስትዮ ኣብ ትምህርተን ጸገም ክፈጥረለን ከምዝጸንሐ ጠቒሳ፡ ድሕሪ ምውዳድ ናይቲ ፕሮጀክት ግን ብሰንኪ ራሕቂ ምንጪ ማይ ዘጋጥመን ዝነበረ

    ማይ-ዓይኒ፡ ፕሮጀክት ማይ ርግኣት መነባብሮ ይፈጥር

    ጸገም ከምእተፈትሐ ሓቢራ።ካብ ኮሚተ ማይ’ተን ዓድታት ኣቶ

    ዑቕባይ ንጉሰ ብግደኡ፡ እቲ መዐደሊ ንቑጣታት ኣብ ማእከል ጥዕና፡ ቤት-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከብዲ

    ዓዲ ከምእተደኰነ ብምሕባር፡ ካብ ተጠቀምቲ ዓድታት ኮሚተ ማይ ብምቛም ንምሕደራኡን ጽገናኡን ዝምልከት ስልጠናን መሳርሒታትን ከምእተዋህበ ኣረዲኡ።

    ኣህጉራዊ መዓልቲ ሽኮርያ፡ “ሕማም ሽኮር ብኣፍልጦና ንመክት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብደረጃ ሃገር ብ14 ሕዳር ኣብ ከተማ መንደፈራ ተዘኪራ።

    ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን ተመሃሮን ዝተረኽቡሉ መደብ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሽኮርያ ኤርትራ ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ ኣብ ዘስመዕ ቃል፡ ዕላማ ናይዛ ዓመት መጸ እትዝከር መዓልቲ ሽኮርያ፡ ንኣገባብ ምክልኻልን ምቊጽጻርን ሕማም ሽኮርን ክግበር ዘለዎ ክንክንን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንምስራጽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ንሕሙማት ሽኮር ብነጻ ዝህቦ መድሃኒት ኣብ ዜጋታቱ ንዘለዎ ሓልዮት ዘነጽር ከምዝኾነ ገሊጹ።

    ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና

    ኣህጉራዊ መዓልቲ ሽኮርያ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ መንደፈራ ተዘኪራ

    ዳይረክተር ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ብወገኑ፡ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ህጻናትን ኣዴታትን፡ ምቊጽጻር ሕማም ዓሶን ኤች. ኣይ. ቪ./ኤይድስን ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፡ ውጽኢት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ብምስፋሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ዜጋታት ካብ ሕማም ሽኮርን ሳዕቤናቱን ንምክልኻል፡ ኣብ ኣመጋግባኦም ጥንቃቐታት ክገብሩን ኣካላዊ ምንቅስቃስ ከዘውትሩን ተላብዩ።

    ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ ድማ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ጠንቅን ሳዕቤንን ሕማም ሽኮር ንምዕባይ ጀሚርዎ ዘሎ ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ኣገዳስነቱ ርዱእ ስለዝኾነ፡ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ኣተሓሳሲቡ።

    ደረጃን ብቕዓትን ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ ክብ ንምባል ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገደ ገሊጹ።ምስ ኣመሓደርቲ ንኡሳን

    ዞባታት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኮሚተ ወለዲን ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥ፡ ከርከበት፡ ሓልሓልን ሰልዓን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ዓመታት ኩሉመዳያዊ ምምሕያሽ እናርኣየት ክትመጽእ

    ደረጃን ብቕዓትን ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ ክብ ንምባል ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

    ምጽናሓ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ተሳታፍነት ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስቲዮ ድማ ብፍላይ ዝምስገን ምዕባለ ከምእተመዝገበ ሓቢሩ።ብሃገራውነት ዝተዀስኰሰን

    ፍልጠት ዘዓጠቐን ዜጋ ምፍራይ፡ ኣብ ዝሳላሰሉ ልምዓታዊ መደባት ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምእማን ድማ፡ ንብቕዓት ናይታ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ንምብራኽ መደብ ወጺኡ ይትግበር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ

    ቤት-ፈተነ (ላባራቶሪ) ንኽዛዘም፡ ከምኡ’ውን ቤት-ንባብን ኣድላዪ ናውቲ ትምህርቲን ንኽዋደደላ፡ ህዝቢ ኣበርክቶኦ ከሐይል ኣዘኻኺሩ። ርእሰ-መምህር ኣሕዳሪት

    ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገደ ኣብ መወዳእታ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ካብ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥ፡ ከርከበትን ሰልዓን ንዝመጹ ተመሃሮ ተቐቢላ ከምእተምህር ጠቒሱ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ከርከበትን ሰልዓን ንዝርአ ዘሎ ምቁራጽ ተመሃሮ ንምእራም፡

    ተራ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ከባቢታትን ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ጸዊዑ።ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ካብኦም

    ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ዝርአ ምቁራጽ ተመሃሮ ኣተኲሮ ክግበረሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥ፡

    ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝተኸፈታ ኣብያተ-ትምህርቲ ኮይና፡ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ኣገልግሎት ትህብ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 - ገጽ 2

    12፡00 መደብ ሪምና

    12፡30 ዜና ብትግርኛ

    12፡50 ጉዳይ ኣብ ዘተ

    13፡30 ዜና ብዓረብ

    13፡50 ሕዋራት

    14፡20 ኖሪት

    15፡10 news higlights

    15፡45 ተኸታታሊት ፊልም x-files

    16፡55 erispora

    17፡20 ዶክቶራት ኣብ ስቱድዮ

    18:25 ማየጥለቡ ኣልሙሻህዲን

    19፡00 ዜና ብትግረ

    19፡20 ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት

    20፡00 ዜና ብዓረብ

    20፡20 መደብ ስፖርት

    21፡00 ዜና ብትግርኛ

    21፡30 ዋልታ

    22፡15 ዜና ብእንግሊዝ

    22፡30 Media Offline

    23፡00 ህርመት

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    [email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

    ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስኤደን ዘርእጋብር

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    ማራቶን ጠፈር ኣብ ኤስያ . . .ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ

    850 ኪሎ-ሜተር ልዒላ ትዘዉር ዝነበረት ኣገልግሎታ ዝወድአት ኣረጊት ሳተላይታ ብሚሳይል ሃሪማ ክትሕምሽሻ ክኢላ ኔራ። ክሳብ’ቲ እዋን’ቲ፡ እንትርፎ ኣመሪካ፡ ንሳተላይት ጨሚቱ ክወቅዕ ዝኽእል ዝተራቐቐ ሚሳይል ከተማዕብል ዝኻኣለት ካልእ ሃገር ኣይነበረትን። እንተኾነ ቻይና ነዚ ህያው ጌራቶ። ኣብ ጠፈር ሳተላይታት ዘለወን ኩለን ሃገራት ተቓዉሞአን ኣስሚዐን። ሕልፊ ኩለን ግን እተን ጎረባብታ ዝኾና ህንዲን ጃፓንን ነዲረን። እታ ምርምር ጠፈር ጽቡቕ ሰጒማ እትርከብ ኤስያዊት ሃገር ዝኾነት ጃፓን ብወገና ልዕሊ 100 ሳተላይታት ናብ ጠፈር ልኢኻ ልኢኻ። ነቲ ጸረ-ሳተላይት ዘፍሽል ስርዓተ-ሚሳይል ሓቢረን ከማዕብላ ድማ ተሰማሚዐን። ኣመሪካን ሕብረት ሶቬትን፡ ንዝወንጨፈአን ሳተላይታተን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝኾነ ወታሃደራዊ ንጥፈታት ኣብ ህዋ ከይካየድ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ተሰማሚዐን ኔረን። ኣብዚ እዋን ግን ኣብ መንጎ ሓይሊታት ኤስያ ይኹን ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ዝኾነ ስምምዕ የለን። እዚ ድማ ውድድር ጠፈር ናብ ወታሃደራዊ ረጽሚ ከምርሕ ገና ርሒብ ኣፍ-ደገ ተኸፊቱ ኣሎ ማለት’ዩ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ

    ጽሑፍ ዝተጠቕሰ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ደቡብን ምብራቕን ኤስያ ነቲ ኣብ መንጎ ቻይና፡ ህንዲን ጃፓንን ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ውድድር ጠፈር ተጸንቢረንኦ ኣለዋ። እታ ኣብቲ ዞባ ዝደኸየት ምዃና ዝንገረላ ላኦስ ከይተረፈት ናይ ገዛእ-ርእሳ ሳተላይት ንኽትውንጭፍ 10ተታት ሚልዮናት ዶላር ሰሊዓ ኣላ። ዘይከምቲ 18 ሃገራት ኤውሮጳ ብሓደ ሓቢረን ኣብቲ ዓዉዲ ዘካይድኦ ዘለዋ ገስጋስ፡ ሃገራት ደቡብን ምብራቕን ኤስያ ኣብ መንጎአን ዝኾነ ምትሕግጋዝ ኣየርእያን’የን ዘለዋ። በብዉልቀን እየን ዝጎያ ዘለዋ። እዚ ከኣ መወዳእታኡ ነቲ ኣመሪካ ብመልክዕ ቅልውላው

    ከተማሓድሮ ትፍትን ዘላ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝጠንቁ ፖለቲካዊ ወጥሪ መሊሱ

    ከኽርሮ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይ’ቲ ከባቢ ከሎ ጌና የጠንቅቑ ኣለዉ።

    መልእኽቲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናሕማም ፖልዮ ነባሪ መልመስቲ ታሕተዋይ መሓውር

    ዘስዕብ ብክታበት ጥራይ እንከላኸሎ ተመሓላላፊ ሕማም እዩ። ክታበት ፖልዮ ድማ ዝኾነ ጎድናዊ ሳዕቤን ዘይብሉ ውሑስ መከላኸሊ ሕማም ፖልዮ እዩ።ስለዝኾነ ሚኒስትሪ ጥዕና ካብ 20 ክሳብ 24 ሕዳር 2013

    ኣብ መላእ ሃገር ክታበት ፖልዮ ክህብ ስለዝኾነ ኩሉ ኹም ወለዲ ወይ መቕርብ ካብ 5 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ ጥቓኹም ዝርከብ ማእከል ጥዕና ወይ ግዝያዊ መኽተቢ ነቑጣ ቀሪብኩም ከተኽትቡ ንሕብር።“ሕማም ፖልዮ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፍኡ ሓላፍነት

    ኩልና እዩ።”

    ሚኒስትሪ ጥዕና

    ንብጻሕ - ናብ ሰፈር ጀጋኑ ልምዓት

    ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናጽነት፡ ብሓባር ጽዒሩ ሃገሩ ብምህናጽ፡ መነባብሮኡ ዘመሓይሸሉ፡ ርሑቕን ቀረባን ዘይብሉ፡ ኩሉ ዜጋ ምዕሩይ ተኻፋሊ ጸጋታት ሃገር ዝኾነሉ፡ መጻእቲ ወለዶታት፡ ኣብ ዝጠጥሐ ባይታ፡ ዝበለጸን ዝማዕበለን ህይወት ዘስተማቕርሉ ኩነት ንምፍጣር እዩ። ናብዚ ራእይ’ዚ ንምብጻሕ፡ ካብ ዑና ሓርነታዊ ኲናት ማለት ካብ ትሕቲ ባዶ እዩ ነቒሉ። ብርቱዕ ባህጊ ለውጢን ምዕባለን ግን ነይሩዎ። ስሌኡ ክቡር ዋጋ ስለዝኸፈለ። እዚ ባህጊ’ዚ፡ ዝደረኾ ተወፋይነት ዜጋታት፡ ኣውራ ድማ ተወፋይነት ናይዚ መድረኽ’ዚ መንእሰይ ወለዶ ከኣ፡ ምስናይ ኩሉ ከቢድ ብድሆታትን ተጻብኦታትን፡ ዘሐብን ዕዮታት ከሳልጥ ክኢሉ ኣሎ።

    ዕያር ፍትሓውነት ልምዓት፡ ምዕሩይነት ዝርግሐኡ እዩ። ዝርግሐኡ ዝያዳ ክምዕረ፡ ንፍትሓውነቱ’ዩ ዝምስክር። ክንዲ ዝኾነ፡ ነቲ ካብ ምዕባለ ተገሊሉ ዝጸንሐ ከባቢታት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ገጠራዊ ልምዓት ብምብርባር፡ መሰረት ፍትሓዊት ሃገር ናይ ምንጻፍ፡ ሰፊሕ ስርሓት ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን። መርኣያ ናይዚ ቅኑዕ ስትራተጂ’ዚ፡ ኣብ ውሱን ቦታ ዝውጠም ርሻናት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ እቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር፡ ኣውራ ድማ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝስረት ዘሎ ትሕተ-ቅርጺን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ንሱ ኣብ ዓይነት ህይወት ዘምጽኦ ዘሎ ለውጢን እዩ።

    ኤርትራ እተመዘግቦ ዘላ ገስጋስ ብልክዕ ከረጋግጽ ዝደሊ ቅኑዕ ገምጋሚ፡ ወይ ድማ እቲ ብነብሰ ፍትወት ካብ ጻዕሪ ህንጸት ሃገር ኣግሊሉ ማዕዶ ዝሰፈረ፡ ኣብኡ’ውን ቅንጣብ ኣበርክቶ ዘይብሉ ተዓዛቢ እምበኣር፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ወረቐት ወይ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝውቀጥ ኣሃዛት ዕብየት ምጽባይ ኣየድልዮን። ምሉእ ስእሊ ስለዘይህብ። ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ባይታ ብዓይኑ ክዕዘብ፡ ኣብ ከተማታት ዘይኮነ፡ ውጽእ ኢሉ ንፋስ ገጠራት እናስተማቐረ፡ ኣብ ቦታ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ክበጽሕ የድልዮ። ኣብኡ፡ ብኩሎም ህዋሳት ዝርአ፡ ዝድህሰስ፡ ዝስማዕ፡ ዝሽተት፡ ዝስተማቐር ሰፊሕ ማእቶታዊ ስራሕን ጉሉሕ ለውጥን ኣሎ። ዘመናውያን ማሺነሪ ዝወናጨፋሉ፡ ስትራተጂያውያን ሓጽቢታት ናይ ምህናጽ፡ በብዓይነቱ ትሕተ-ቅርጺታት ናይ ምውዳድ፡ ኣደናቒ ስራሕ ኣብኡ ኣሎ። ኣበየ ዓድታቱ ዝተዘርግሑ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን፡ ነቚጣታት መዐደሊ ማይ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣብ ህይወት ህዝቢ ዘምጽእዎ መሰረታዊ ለውጢ ርኢኻ እትዓግበሉ ኩነት ኣብኡ ኣሎ። ዓበይቲ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ፈጢሮሞ ዘለው ናይ ስራሕ ዕድላት ብቐረባ ምዕዛብ ዝከኣል እውን ኣብኡ እዩ፡። ርእሲ ኹሉ ድማ፡ እቶም ብልዑል ንቕሓት ቅድሚ ውልቃዊ ረብሓ፡ ረብሓ ሃገር ብምቕዳም፡ ነዚ ለውጢ’ዚ ክውን ዝገብሩ ዘለው ሓበን ህዝቢን ሃገርን ጀጋኑ ልምዓት ኣብኡ ኣለው።

    ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ዝኽሰት ብሩህ መጻኢ ኤርትራ፡ ከሎ ገና ንምዕዛብ እምበኣር፡ ንኺድ ናብ ቦታ ማእቶት! ንብጻሕ ናብ ሰፈር ጀጋኑ ልምዓት!.ሽዑ ኣማን ብኣማን ኢልና ብዕላማና ክንሕበን፡ ብፍረ ጻዕሪ ጀጋኑና ክንዓግብ፡ ብሞያ ውፉያትና ክንድነቕ ኢና!!

  • ሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 - ገጽ 3

    ተስፍኣለም የማነ

    ቻይና ነቲ ህንዲ ፕላኔት ማርስ ንምድህሳስ ኣካዪዳቶ ዘላ ዕዉት ፈተነ ምውንጫፍ መንኮርኮር ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ግብረ-መልሲ ኣይሃበትሉን ዘላ። እንተኾነ ሓለፍቲ ሃገራዊ ምምሕዳር ጠፈር ናይ ቻይና፡ ኣብ መንጎ ሃገሮም፡ ህንዲን ጃፓንን ሻቕሎት ዝፈጥር ሓያል ናይ ውድድር ህልኽ ተኸሲቱ ምህላዉ ተኣሚኖም ኣለዉ። ህንዲ፡ ብምርምር ጠፈር ኣብቲ ቻይና ደዪባቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ ገና ብሕጂ ሓሙሽተ ዓመታት ተሪፍዋ ከምዘሎ ብምምልካት ከኣ፡ እቲ ቻይናዊ በዓል ስልጣን ሃገሮም ነቲ ኒውደልሂ ናብ ማርስ እተካይዶ ዘላ ጉዕዞ ከምዘይትደግሞ ገሊጾም። ቻይና፡ ህንዲ ዛጊት ክትበጽሖ ንዘይካኣለት ካልእ ክፋል ኣድማስ ብምድህሳስ ጸብለልታኣ ከተረጋግጽ ተዳልያ ምህላዋ’ውን ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዝግደሱ ሓያለ

    ክኢላታት ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ ምርምራዊ ዳህሳስ ንሓያለ ዓመታት ዓብሊላ ዝጸንሐት ኣመሪካ ብሰንኪ ፊናንሲያዊ ቅልውላው ዘልሓጥ ክትብል ተገዲዳ ብምህላዋ፡ ቻይና ኣብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት ንኣመሪካ በሊጻ ኣብቲ ዓዉዲ መሪሕነታ ከተረጋግጽ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዋ። ህንዲ ዓመታዊ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ባጀት እናሰልዐት ኣብ ምርምር ጠፈር ንእተመዝግቦ ዘላ ገስጋስ ብመንጽር’ቲ ቻይና በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ክትልክዖ እንከላ፡ ቻይና ንደረጃታት ሩስያን ኣመሪካን እናቋመተት’ያ ኣብቲ ዓዉዲ ትምርሽ ዘላ። ቻይና ወላ’ኳ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንመደብ ምርምር ጠፈር ኢላ ዓመታዊ 2.2 ቢልዮን ዶላር ባጀት ትስልዕ እንተነበረት፡ ኣብዚ እዋን ግን እቲ መጠን ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ካብ 3 ክሳብ 5 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ክኢላታት ይእምቱ። እዚ ከኣ ትሕቲ’ቲ ኣመሪካን ሩስያን ኣብቲ ዓውዲ ዘባኽንኦ ዘለዋ መጠን ባጀት ምዃኑ ይሕበር። ኣመሪካ፡ 18.7 ቢልዮን ዶላር ኣብ 2011 ሰሊዓ ከምዘይነበረት ኣብዚ እዋን ነቲ መጠን ናብ 7 ቢልዮን ዶላር’ያ ኣውሪዳቶ ዘላ። ሩስያ ድማ ብኣንጻሩ ዓመታዊ ባጀታ ናብ 7.9 ቢልዮን ዶላር ክብ ኣቢላቶ ትርከብ። ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡

    ሃገራዊ ምምሕዳር ጠፈር ቻይና (CNSA) ኣብ ጠፈራዊ ምርምር ዝነጥፉ ዝበዝሑ ተመራመርትን

    ማራቶን ጠፈር ኣብ ኤስያ ናበይ ገጹ?

    2ይን መወዳእታን ክፋል መሃንድሳትን ዝኾኑ ኣስታት 80 ሽሕ ሰራሕተኛታት ክህልዉዎ እንከለዉ፡ ትካል ምርምር ጠፈር ህንዲ (ISRO) ድማ 16 ሽሕ ሊቃዉንቲን መሃንድሳትን ዝርከብዎም 32 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ትካል ምርምር ጠፈር ጃፓን (JAEA) 8 ሽሕ፡ ትካል ምርምር

    ጠፈር ኣመሪካ (NASA) ድማ 19 ሽሕ ሰራሕተኛታት ይሓቁፍ። ኣብ ባይቶ ጸጥታ ቀዋሚ መንበር ንኽትሕዝ ሓያል ጻዕሪ እተካይድ ዘላ ህንዲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 37 ዓመታት ብጠቕላላ ልዕሊ 100 ተልእኾታት በረራ ናብ ጠፈር ከተካይድ እንከላ፡ ቻይና ከኣ ካብ 2006 ንደሓር ጥራይ ልዕሊ 80 መንኮርኮራትን ሳተላይታትን ናብ ጠፈር ወንጪፋ። ቻይና ንፈለማ ግዜ ኣብ 2003 ጠፈርተኛታት ዝጸዓነት መንኮርኮር ብዓወት ናብ ህዋ ልኢኻ። በዚ ከኣ ንኣመሪካን ሩስያን ተኸቲላ ሰብ ናብ ህዋ ዝላኣኸት ሳልሰይቲ ሃገር ክትከዉን በቒዓ። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ መሬት ኣማኢት ኪሎ-ሜተራት ርሒቑ ኣብ ህዋ ዘንሳፍፍ ‘ቲያንጎንባ-1’ ዝሰመየቶ ንኡስ ቤተ-ፈተነ (ላባራቶሪ) እዉን ከተማዕብል ክኢላ። ሕጂ ድማ “ቻንግ’ኢ-3” ዘጠመቐታ ሓዳስ መንኮርኮር ብሮቦት ኣሰንያ ናብ ፕላኔት ወርሒ ክትልእኽ ተቐሪባ ኣላ። ኣብ ዝመጽእ 2020 ከኣ፡ ተመራመርታ ናብ መሬት ከይተመልሱ ኣብ ኣድማስ ንሓያለ ኣዋርሕ ምርምራዊ ንጥፈታቶም ከካይዱ ዘኽእሎም 600 ኩንታል ዝምዘን ዓቢ ቤተ-ፈተነ ኣብ ህዋ ክትድኩን ወጢና ኣላ። ከምዝፍለጥ፡ ኣብዚ እዋን ብሓያለ ሃገራት ምዕራብ

    ዝውነን 4,400 ኩንታል ክብደት ዘለዎ ‘ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ደርማስ ቤተ-ፈተነ ኣብ ህዋ ተደኲኑ ኣሎ። እንተኾነ ቻይና፡ ኣብዚ ካብ መሬት ኣስታት 380 ኪሎ-ሜተር ልዒሉ ዘንሳፍፍ ዘሎ መደበር ጠፈር ተመርኲሳ ጠፈራዊ ምርምራታ ክትቅጽሎ ኣይደለየትን። ባዕላ እትዉንኖ ናይ ገዛእ-ርእሳ መደበር ክህልዋ’ያ ኣንቂዳ ዘላ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት

    ዓለም መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ሰባውን ንዋታውን ዕንወት ገዲፉ ኣብ 1945

    ዘኽተመ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ መንጎ ምዕራባዉን ምብራቕዉን ደምበታት ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝቐጸለ ወታሃደራዉን ፖለቲካዉን ምፍጣጥ ተኸሲቱ ምንባሩ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ናይቲ እዋን ርእሰ-ሓያላን ዝነበራ ሕብረት-ሶቬትን ኣመሪካን ካብ ፈለማ 1960ታት ኣትሒዘን ናብ ጠፈር ዘካይድኦ ዝነበራ ውድድር መን ቀደመ ከኣ ነቲ ምፍጣጥ ነዳዲ ወሲኹ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ የዕርጎ ኔሩ። ሕብረት-ሶቬት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ንሳ እትቕልሶ ምዕራባዊ ደምበን ሓይሊ ጸብለልታኣ ንምርኣይ ቀዲማ ኣብ 1957 ‘ስፑትኒክ’ ዝሰመየታ ሳተላይት ናብ ጠፈር ወንጪፋ። ኣመሪካ ድማ ከይደንጎየት ድሕሪ ሓደ ዓመት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ግብረ-መልሲ ሂባትሉ። ጸኒሓ ሕብረት-ሶቬት ነታ ተጻራሪታ ኣመሪካን ሰዓብታን ንምድሃል ኣብ 1961 ጠፈርተኛ ዝሓዘት ናይ ፈለማ መንኮርኮር ናብ ጠፈር ወንጪፋ። ዓለም ተገሪማ - ኣመሪካ ድማ እምብዛ ተሻቒላ። እንተኾነ ኣመሪካ፡ ኣሎ ንዝባሃል ኣእምሮኣውን ፊናንሲያዉን ዓቕሚታታ ኣዋሃሂዳ ሓያል ጻዕሪ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ 1969 ጠፈርተኛታት ዝሓዘት መንኮሮር

    ናብ ፕላኔት ወርሒ ወንጪፋ። ጠፈርተኛታታ ኣብታ ፕላኔት እግሮም እናንበሩን ባንዴራኦም እናተኸሉን እንከለዉ ዘርኢ ኣሳእል ድማ ናብ መላእ ዓለም ዘርጊሓ። ደጊም ሕብረት ሶቬት ተሳዒራ’ያ ዘስምዕ ፖለቲካዊ ቃና ከኣ ክትድርጉሕ ጀሚራ። ኣመሪካ፡ ንሕብረት-ሶቬት

    ንምድሃልን ብእኡ ኣቢላ ንምስዓርን ኣብ ከርሲ ፕላኔት ወርሒ ሃይድሮጅን ቦምብ ክትፍንጅር መዲባ ምንባራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዊኪሊክስ ዝለሓዄ ምስጢራዊ ሰነዳት ኣረጋጊጽዎ እዩ።

    ክልቲአን ተቐናቐንቲ ሓይልታት ዘይተኣደነ ጸጋታት እናባኸና ናብ ጠፈር ዘካይዳኦ ዝነበራ ውድድር እምበኣር ዕላማኡ ስነ-ፍልጠታውን ቴክኖሎጂያዉን ሓይለን ንምርኣይ ዘይኮነስ ወታሃደራዊ ጸብለልታአን ንምርግጋጽ እዩ ኔሩ። ሎሚ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ሓይሊታት ኤስያ ዝርአ ዘሎ ውድድር ጠፈር ከኣ፡ በዚ መንጽር’ዚ ክጥመት እንከሎ ዝተፈልየ ዕላማ ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ። እዘን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ መንጎአን ስኒትን ምርድዳእን ዘይብለን ሃገራት፡ ናብ ጠፈር ዘቕንዕኦ ዘለዋ ገዚፍ ጸጋታት ንገስጋሰንን ድሕነተንን ካብ ምውሓስ ሓሊፉ ካልእ ዕላማ ከምዘይብሉ’የን በብወገነን ክገልጻ ጸኒሐን። ልክዕ’ዩ ኣህጉር ኤስያ ብሓፈሻ ዞባ ደቡብ ኤስያን ምብራቕ ኤስያን ድማ ብፍላይ ከቢድ ናይ ባህርያዊ ሓደጋታት ብድሆ ኣለዎ። ነዚ ተፈጥሮኣዊ ብድሆታት’ዚ ንምምካት ከኣ ጠፈራዊ ምርምርን ዳህሳስን ወሳኒን ኣገዳሲን እዩ። እንተኾነ፡ እቲ በዘን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዳህሳስ ዕላማኡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘንጸባርቕ ኣይመስልን። ብልክዕ ኣሰር ናይ’ቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝካየድ ዝነበረ ዘይቅዱስ ውድድር’ዩ ዝኽተል ዘሎ - ብመሰረት ትንተና

    ክኢላታት ፖለቲካ። ኣብ ባይታ እንተተመልከትና’ውን፡ እዘን ሃገራት ኣብ መንጎአን ብዘለወን ዝተሓላለኸ ዶባዊ ምስሕሓብ ወታሃደራዊ ዓቕመን ኣብ ምድልዳል’የን ተጸሚደን ዝርከባ።ምዉንጫፍ ሳተላይታት ናብ

    ጠፈር ሓደ ካብቲ ሃብታማትን ሓያላትን ሃገራት ሚልዮናት ዶላር ወጻኢታት ዘባኽናሉን ብኡ ኣቢለን ደረጃ ምዕባለአን ዘንጸባርቓሉን ክፋላት ዓውዲ ምርምር ጠፈር’ዩ። ሕብረት-ሶቬት እታ ቀዲማ (1957) ናብ ጠፈር ሳተላይት ዝወንጨፈት ሃገር’ያ። ኣመሪካ ድማ ኣብ ዓመታ ስዒባታ። ብድሕሪ’ዚ ካልኦት 10 ሃገራት ነቲ ዕማም ደጊመንኦ። ፈረንሳ ኣብ 1965፡ ጃፓንን ቻይናን ኣብ 1970፡ ብሪጣንያ ኣብ 1971፡ ህንዲ ኣብ 1980፡ እስራኤል ኣብ 1988፡ ዩክሬን ኣብ 1995፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ 2012 ኢራን ኣብ 2013፡ ናብ ጠፈር ብዓወት ሳተላይታት ወንጪፈን። ሰሜን ኮርያ’ውን መወዳእታኡ ህጣማ ዝጠፍአት ሳተላይት ኣብ 2012 ንደቡብ ኮርያ ተኸቲላ ናብ ጠፈር ወንጪፋ ኔራ። ብመሰረት ጸብጻባት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰዓት ክሳብ 36 ሽሕ ኪሎ-ሜተር እናተሓንበባ ኣብ ዙርያ መሬት ዘሽኮንድራ ኣስታት 3,600 ሳተላይታት ኣለዋ። ካብዚኣተን ከኣ እተን ኣስታት ሓደ ሽሕ ጥራይ’የን ኣብ ንጡፍ ስራሕ ይርከባ። ኣስታት 25% ካብኣተን ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ዝተዋፈራ ወታሃደራዉያን ሳተላይታት እየን። ፍርቂ ካብዘን ኣሽሓት ሳተላይታት ዋንነት ኣመሪካ ምዃነን ይግለጽ። ኣሃዱታት ሰራዊት ኣመሪካ፡ ዕለታዊ ካብ ዝሰንቆ ስለያዊ ሓበሬታታት እቲ 90% ካብ ሳተላይታት ከምዝቕበሎ’ውን ይንገር። እዘን ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ዝተዋፈራ ሳተላይታት፡ ኣብ መሬት ክሳብ 10 ሰንቲ-ሜተር ሰንጣቒት ንዘለዎ ንእሽቶ ነገር (ክንዲ መሽረፈት ምዃኑ’ዩ) ብንጹር ክርእያ ዘኽእለን ዝተራቐቐ ናይ ካሜራ ቴክኖሎጂ ዝዓጠቓ ምዃነን ክኢላታት የረድኡ። በዚ ከኣ ሓንቲ ሃገር ከምዚአን ዓይነት ሳተላይት ምስ እትዉንን፡ ንኣቃዉማን ምንቅስቓስን ሰራዊት ናይ’ታ እትቀናቐና ሃገር ብደቂቕ ክትከታተሎ ፍጹም ኣይትጽገምን። ቻይና፡ ካብተን ካብ 1990 ንደሓር

    ዝወንጨፈተን 36 ሳተላይታት ኣብ ንጡፍ ስራሕ ይርከባ። እታ ሃገር፡ ካብ ዝመጽእ 2020 ንደሓር ዓመታዊ 30 ሳተላይታት ናብ ጠፈር ክትዉንጭፍ መደብ ከምዘለዋ’ውን ይግለጽ። እዛ ወታሃደራዊ ዓቕማ ኣብ ምጉልባት ዓበይቲ ዓወታት ተመዝግብ ምህላዋ ዝንገረላ ቻይና፡ ኣብ ዝሓለፈ 2007 ንሓንቲ ካብ መሬት ኣስታት

    ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

  • ሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 - ገጽ 4

    ተራ ዓይኒ ምድሪ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደን ዕሸልን

    ሎሚ 19 ሕዳር ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥቃም ዓይኒ ምድሪ’ዩ። እዚ ዕለት ብዓለም ደረጃ ብ2001 ክዝከር ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰንዓፈ ይብዓል ኣሎ። ዕላማ ናይ’ዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ብዛዕባ ኣብ ምጥቃም ዓይኒ ምድሪ ንዝርአ ነውሪ መረዳእታ ኣወጊድካ፡ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት መታን ክድሕኑ ዓይኒ-ምድሪ ከምዝጥቀሙ ንምዝኽኻር’ዩ። ብኡ ኣቢልካ ድማ ብዓለም ደረጃ ጽሬት ኣብ ምዝውታር ዘጋጥሙ ዘለዉ ሸለልትነትን ብድሆታትን ኣድህቦ ተዋሂብዎም ብግቡእ ከም ዝትግበሩ ንምግባር’ዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና

    ዓለም፡ ኣብ ዓለም ቀረብ ዓይኒ ምድሪ

    1. ጽሬት ኣገዳሲ ረቛሒ’ዩ => ጉድለት ጽሬትን ዓይኒ ምድሪ ዘይምጥቃምን ዓመታዊ 1.5 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት ብውጽኣትን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን ግዳይ ይዀኑ። => ብሕማም ውጽኣት ዝተዳኸሙ ህጻናት ከኣ ንዓጸቦን ካልእ ተበለጽቲ ሕማማትን ይቃልዑ።

    2. ጽሬት ምንጪ ቁጠባዊ ምዕባለ’ዩ።

    => ኣብ ነብሲ ወከፍ 10% ምውሳኽ ምሁራት ደቀንስትዮ 0.3% ቁጠባዊ ረብሓ ወይ ዕብየት ናይ ሃገር የምጽእ።=> ዝተማህረት ኣደ ጥዑይን ምሁርን ውላድ ተዕቢ።=> ምጉዳል ሞት ህጻናት ምስ ወለዲ ብዝገብርዎ ጻዕሪ ኣብ ትምህርቲን ጥዕናን ኣብ ኣታዊታት ናይ ሓንቲ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለን ዝተኣሳሰረ’ዩ።

    3. ጽሬት መርሓ ማሕበረ ቁጠባ’ዩ

    ዘይብሎም 2.5 ቢልዮን ሰባት ኣለዉ። እዚ ማለት ካብ ሰለስተ ሰባት ሓደ ዓይኒ ምድሪ ኣይጥቀምን ማለት’ዩ። በዚ መሰረት፡ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ዓለም ብሰንኪ ዓይኒ ምድሪ ዘይምጥቃም ንዝመጽኡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተቓልዐ’ዩ። ቀልቀል ጠንቂ ብዙሓት ቀተልቲ ሕማማት ዓለምና (ብፍላይ ኣደን ዕሸልን) ከም ምዃኑ መጠን፡ እዚ ኣሃዝ ብቐሊል ዝርአ ኣይገብሮን። ስለዚ፡ ነዚ ኣሃዝ ንምትሓት፡ ኣብ

    ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ዘተኰረ ሓያል ጐስጓስን ሓበሬታን ምሃብ ኣገዳሲ’ዩ። ሰባት ኣገዳስነት ምጥቃም ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ጥዕናኦም እንታይ ተራ ኣለዎ ተረዲኦምን ናይ ባህሪ ለውጢ ኣምጺኦምን ብዓቕሞም ኣብ

    ጎድኒ ገዛኦም ወይ ቀጽሪ ቤቶም ኲዒቶም ቀልቀል ዝወጹሉ ዓይኒ-ምድሪ ንኽሰርሑ ክተባብዑ ኣለዎም። እዚ እንተድኣ ተገይሩ፡ ኣብ ደገ ቀልቀል ብሰንኪ ምውጻእ ዝስዕቡ - ብፍላይ ነደን ዕሸልን ዘጥቕዑ - ሕማማት ንምግታእ ዘጸግም ኣይክኸውንን’ዩ። ቀልቀል ኣብ ደገ ምውጻእ ጠንቂ ብዙሓት ሕማማት ደቂ-ሰብ ብፍላይ ጠንቂ ኣብ ኣደን ዕሸልን ዝርኣዩ ሕማማት ምዃኑ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ። ኣብ ስቱር ቦታ ቀልቀል ምውጻእ ወይ ዓይኒ-ምድሪ ምጥቃም’ምበኣር ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸናኺንካ ጥዕና ዝብል ኣምር ምኽታል’ዩ።ቀልቀል ኣብ ደገ ወይ ክፉት

    ቦታ ምውጻእ፡ ብዘይካ ኣብ ጥዕና’ቲ ዘዘውትሮ ዘሎ ሰብ፡ ንጥዕና ኣከባቢ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ። ዓይኒ-ምድሪ ምጥቃም፡ ጥዕናኻን ጥዕና ስድራቤትካን ኣውሒስካ ጥዕና ኣከባቢኻን ሃገርካን ከተውሕስ ዘኽእል ዝቐለለ መገዲ’ዩ። ሰባት ኩሉ ግዜ ዓይኒ ምድሪ ክጥቀሙ ኣለዎም ክበሃል ከሎ’ውን ካብዚ ሓቂ’ዚ ዝብገስ’ዩ። ምስ

    => እኹል ቀረብ ማይን ዝተማልአ ጽሬትን ዘለዎ ቤት ትምህርቲ መስሕብ ተማሃሮኣ’ያ - ብፍላይ ንደቀንስትዮ። => ጥዕናኡ ዝተማልአ ቈልዓ ትምህርቱ ብግቡእ ይከታተልን ብዙሕ ይረብሕን።=> ሕማም ናይ መዓናጡ ሓሳኹ ዘለዎ ቈልዓ ትምህርቱ ብግቡእ ኣይከታተልን። 4. ጽሬት ኣብ ምውሓስ ኣከባቢ

    ወሳኒ’ዩ

    => ልዕሊ 200 ሚልዮን ቶን ወዲ ሰብ ዘመንጨዎ ጎሓፍ ብዘይ ቁጽጽር ኣብ ዓለም ይጉሓፍ።=> ዝተማሓየሸ ጽሬት ኣብ ቀጻልነትን ድሕነትን ምርግጋጽ ኣከባቢ የውሕስ ።5. ጽሬት ግዜ ትግባረ ሕጂ’ዩ

    => ናይ ፖለቲካ መራሕቲን፡ ፍሉጣትን ዕዉታትን ውልቀ ሰባት ካልኦት ተሰማዕቲ ወገናት ሕብረተሰብን ንትግባረ ጽሬት ንምዕዋት፡ ኣርኣያ ብምዃን ክዋስኡ።=> ነቲ ኣብ 2015 ብፍርቂ ንምንካይ ዝብል ዕላማ ሸቶ ሚልዮኒዩም

    ምእንቲ ክርከብ፡ ኣበርቲዕካ ምስራሕ። (ሸቶ ሚልዮኒዩም ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ 2015 ምቁራጽ ቀልቀል ኣብ ክፉት ቦታ ምውጻእ ናብ 54% ከደይብኦ ይጽውዕ) ብመሰረት ሸቶ ሚልየኒዩም እንተድኣ ተሰሪሑ ድማ፡ እቲ ኣብ 2015 ብደረጃ ዓለም ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ደረጃ ጽሬት ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ስጉምትታት ክረጋግጽ ይኽእል።

    ጥዕናን ጽሬትን

    ምጥቃም ዓይኒ ምድሪ ቀጺሉ ዝመጽእ ጽሬት’ዩ። ጽሬት ድማ ምንጪ ኩሉ መዳያዊ ጥዕና’ኳ እንተዀነ፡ ብዝበዝሐ

    ሰብ ብቐሊሉ ክርእዮን ብሸለልትነት ክሓልፎን’ዩ ዝርአ። ጽሬት ክበሃል ከሎ ግን እንታይ

    ማለት’ዩ? እንተድኣ ኣእዳውካ ብሳምና ምሕጻብን ጽሬት ኣካላትካ ምክትታልን ኢልና ንርድኦ እንተሃሊና፡ ንሓቀኛ ትርጉም ጽሬት ምሉእ ስእሊ ክህበና ኣይከእልን’ዩ። ሰለዚ፡ እቲ ቅኑዕ ትርጉም ጽሬት፡ ሓደ ኮም (ዓዲ) ናይ ዘመንጨዎ ደረቕን ፈሳሲን ርስሓት፡ ንጥዕና፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ናብራን ነብሰ-ክብረትን ውልቀ ሰብ ወይ ንብምልኡ ኮም (ዓዲ) ኣብ ሓደጋ ከየእተወ ብግቡእ መስርሕ ምእካብን ምእላይን ማለት’ዩ። ብተወሳኺ፡ ውሑስ ኣተኣላልያ ቀልቀልን ሽንቲን፡ ምርግጋጽ እኹልን ጽሩይን ዝስተ ማይ - ካብ ምንጪ ምጉራት ክሳብ ዘቤታዊ ኣጠቓቕማ፡ ቀረብ ውሑስ መግብን ኣመጋግባን፡ ዘቤታውን ኣከባቢያውን ጽሬት ምክያድ፡ ከምኡ’ውን ውልቃዊ ጽሬት (ኣእዳው ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ)፡ እዋናውያን መስርሕ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን’ዮም።ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካብዚ ብምብጋስ፡

    ምስ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ብምዃን ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብ መዳይ ጥዕና ብዓለማዊ ደረጃ ይኹን ብሃገር ደረጃ ዝርኣዩ ዘለዉ ዓወታት ዝምስክርዎ ሓቂ’ዩ። ጠንቁ ዝበዝሑ ሕማማት ጉድለት ጽሬት ምዃኑ ብምእማን ከኣ፡ ዜጋታት ካብ ውልቆም ጀሚሮም ክሳብ ብደረጃ ስድራቤቶም፡ ኣከባቢኦምን

    ሃገርን ጽሬት ንኸዘውትሩ ብቐጻሊ ይጉስጎስን ኣስተምህሮ ይወሃብን’ዩ። እዚ ኣቐዲምካ ናብ ምክልኻል

    ዝቐንዐ ስትራተጂ’ምበኣር ሕጂ’ውን እቲ ዝበለጸ ሜላ ምቁጽጻር ዝበዝሑ ኣብ ሃገር ዝርኣዩ ሕማማት ብምዃኑ ብዝሓየለ ክድፍኣሉ ኣለዎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝካየድ ዘሎ

    ጎስጓስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ቀልቀል ኣብ ደገ ካብ ምውጻእ ዝተሓየባ ሓያለ ዓድታት ኣለዋ። እዘን ዓድታት፡ ኣብ ቀጽሪ መንበሪ ገዛአን ጉድጓድ ብምዃት’ ዓይኒ-ምድሪ ሰሪሐን፡ ጥዕና ስድራቤትንን ጥዕና ከባቢአንን ኣብ ምውሓስ ዝርከባ ዘለዋ። ካልኦት ብርክት ዝበላ ዓድታት’ውን ቀልቀል ኣብ ደገ ምውጻእ ዘስዕቦ ጥዕናዊ ጸገም ብግቡእ ብምርዳእ ቀልቀል ኣብ ደገ ካብ ምውጻእ ጽቡቕ ስጉምቲ ኣራየን ኣለዋ። በብግዜኡ ብዝካየድ ጎስጓስ እናተሓገዛ ጠቕሚ ዓይኒ-ምድሪ ብምርዳእ ነቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝጀማምራ ዘለዋ’ውን ኣለዋ። በዚ ከኣ፡ ኣብዚ እዋን 25% ካብ ህዝብና ዓይኒ-ምድሪ ክጥቀም በቒዑ ከምዘሎ ጸባባት ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጹ። እዚ ኣሃዝ ብመሰረት፡ ሸቶ ሚልዮኒዩም ኣብ 2015 ናብ 54% ክድይብ ትጽቢት ይግበር - ሓያልን ውሁድ ጻዕሪ እንተተኻይዱ ማለት’ዩ። ሸቶ ሚልየኒዩም ንምዕባለ፡ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ 2015 ቀልቀል ኣብ ክፉት ቦታ ምውጻእ ናብ 54% ከደይብኦ ይጽውዕ። ዓወት ንኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥቃም ዓይኒ-ድምሪ!!

    ማሕበረ ኮም ኣብ ምሕጋዝ ምስራሕ ዓይኒ ምድሪ ንጽጉማትን ኣረጋውያንን

    ማሕበረ ኮማት ብዝሰርሕዎ ዓይኒ ምድሪ ሕቡናት እዮም

  • ሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 - ገጽ 5

    ዋጋ ግዜምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል

    “ትማሊ ዝኽሪ ሎሚ’ዩ፣ ሎሚ ሕልሚ ጽባሕ’ዩ” - ኻሊል ጅብራን ኩሎም’ቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ

    ክፋል ዝተጠቕሱ ሰለስተ ረቛሒታት - ካልኦት ሰባት፡ ግቡኣትን ሓደጋታት ግዜን ኣብ ግዜኻ ብኸመይ ትጥቀመሉ ናቶም ዝኾነ ተራ ከምዘለዎምን ዘርእዩ’ዮም። የግዳስ፡ እቲ ቀዳማይ ደፋኢ ሓይሊ ብኸመይ ግዜኻ ትውድቦን ህይወትካ ትመርሕን ንጹር ዝኾነ ውልቃዊ ቀዳምነታት ክትሕንጽጽ ይግባእ።ናይ ህይወት ሸቶኻ ብግቡእ

    እንተ ዘየነጺርካዮ፡ ንግዜኻ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። መጻኢኻ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ንምንጻር፡ ውልቃዊ ራእይ ክህልወካ ኣለዎ። ምእንቲ’ዚ፡ ኣጠቓቕማ ግዜኻ ካብ ሓንጎልካን መንፈሰካን ክጅምር ይግባእ። ኣብታ “CITY SLIKERS” ዘርእስታ ህብብቲ ፊልም ክልተ ገጸ ባህርያት ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ዝርርብ የካይዱ፥

    ቢሊ ክሪስታል፡ “ትርጉም ህይወት እንታይ‘ዩ?” ጃክ ፓላንስ፡ “በቃ ሓንቲ ነገር

    ጥራይ እያ።” ቢሊ ክሪስታል፡ “እንታይ እያ

    ንሳ” ጃክ ፓላንስ፡ “እታ ንስኻ ክትፈትሓ

    ዘለካ እያ።”

    ኣብ ዝተረፈ ክፋል ናይታ ፊልም፡ ቢሊ ክሪስታል ዝተፈላለዩ ኣካላውን ስምዒታውን ብድሆታት ይገጥምዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “እታ ሓንቲ ነገር” ዝተባህለቶ፡ ስድራ-ቤቱ ምዃና ፈሊጡ። ክሪስታል ካብ ስራሑ ንላዕሊ ንስድራኡ ቀዳምነታት ዝህብ’ዩ። ካልኦት ሰባት ካልእ ቀዳምነታት ከም ንህዝቢ ምግልጋልን ንፈጣሪኦም ምውፋይን ክህልዎም ይኽእል። ኣብ ዝኾነ ፍጻመ፡ ምርጫ ኣብ ገለ ቀዳምነታት፡ መትከላት ወይ እምንቶ ምስ ዝህልወካ፡ ትርጉም ህይወት ነጺሩ ክረኣየካ ይኽእል።ግዜ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ፡

    ንኽትገልጾ ከቢድ ኣምር’ዩ። ዝተፈላለዩ ትርጉማትን መዐቀኒታትን ኣለዎ። ንተግባራትካ፡ መብጽዓታትካን፡ ሓላፍነታትካን ብመሰረት ቀዳምነታትካ እንተ ወዲንካዮ - ንዋሕዚ፡ ፍጥነትን ምስትምቓርን ግዜኻ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።ንውልቃዊ ቀዳምነታትካ እንተ

    ኣለሊኻዮን ስዒብካዮን ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ከም እትረኽበሎም ቀልጢፉ ክስቆረካ’ዩ። እዞም እወታውያን ባህርያት (features) ምልክታት ኣብ ፍርያምነትካ ምምሕያሽ እዮም። ንቐዳምነትካ ብግቡእ እንተ ተጠቒምካሎም ነዞም ዝስዕቡ ለውጥታት ከተመዝግብ ትኽእል፥

    1. ንጸቕጥኻ ዝያዳ ትቆጻጸሮ

    መብዛሕትኦም ኣብ ህይወትና ዝለዓሉ ጸቕጥታት፡ ብሰሪ እቶም እንዓይዮም ነገራት ካብ እምንቶና ወጻኢ ብምዃኖም እዮም። ብኻልእ

    ኣገላልጻ፡ ኣብ መንጐ ተግባራትና ከምኡ’ውን መሰረታውያን ክብርታት፡ ቀዳምነታት ወይ ኣብ ዓለም ዘለና ቅኑዕ ኣረኣእያ ቅድወት (congruence) ዘይምህላው’ዩ። እናሓንሳኣ እዚ ኩነተ-ዘይቅድወት ብዕላማ ዘጋጥም ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ ሓደ ዓይነት ተግባር ምስ እምንቶኻ ከም ዘይወሃሃድ እናፈለጥካ፡ ስቕ ኢልካ ትቕጽሎ። ካልእ ግዜ፡ ሕጽረት ቅድወት ብሃንደበት ዘጋጥም ክኸውን ይኽእል።ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜኻ ቅድወት

    እንተፈጢርካ፡ ነቶም ክትዓይዮም ዝግበኣካ ዝኣመንካሎም እሞ፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ብዝኾኑ ምኽንያታት ክትዓይዮም ብዘይ ምኸኣልካ ዝተሓተ ቅሬታ (guilt) ይስመዓካ። ኣብ መወዳእታ ደረጃ ሓይሊ ጸዓትካ ብርኡይ ይዓቢ። ጸቕጢ ዝዓበየ ጸላኢ ኣካላውን ስምዒታውን ጥዕና ምዃኑ ርዱእ እዩ።

    2. ዝያዳ ፍርያም ትኸውን

    ቀዳምነታትካን ተግባራትካን ክቃደዉ እንከለዉ ዝተሓተ ጸቕጥን ጭንቀትን ጥራይ ኣይኮነን ዝህልወካ። ኣብ ኣጠቃቅማ ግዜኻ ዝያዳ ፍርያምን ጽፉፍን ድማ ትኸውን። ኣብ መንጎ ዕዮታትን ሓላፍነታትን ሓላፍ-ዘላፍ ኣይተርእን። ንዕዮኻ ቀጻልነት ብዘለዎ ዘይትዓምሞ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጽፈትካ ከም እትንኪ ፍሉጥ እዩ።

    3. ሓይሊ ኣድህቦኻ ይመሓየሽ

    ብዙሕ ግዜ ምስቶም ዝያዳ ቀዳምነታት ዝውሃቦም ከም ስድራ-ቤትካ፡ ሃገርካን ፈጣሪኻን ኢኻ ኣድህቦ እትገብር። ኣብ ካልኦት ቀለልቲ ዝመስሉ ጉዳያት ከም ምክትታል ቴለቪዥንን ምንባብ ጋዜጣን ኣድህቦ ምግባር’ውን የድልየካ እዩ። ገለ ሰባት ግን፡ ቴለቪዥን እናረኣዩ ምስ ካልእ ሰብ የዕልሉ፡ ጋዜጣ እናንበቡ ብዛዕባ ካልእ ጉዳይ ይሓስቡ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ኩሉ ከየድምዑ ይተርፉ። ብርግጽ ኣብ ገለ እዋናት ኣብ ሓደ ግዜ ዝተፈላለዩ ዕዮታት ምስራሕ ጸገም ዘይህልወሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ንኣብነት እቶም እትዓይዮም ዘለኻ ኣብ ምዝናይ ጥራይ ዘተኮሩ እንተ ኾይኖም፡ ብሓንሳብ ክትከታተሎም እንተ ፈቲንካ ዘኽፍእ ኣይኮነን።ኣብ ዕቱብ ዕዮ ኣድህቦኻ ምዕባይ

    ሓያሎ ጥቕምታት እዩ ዘለዎ። ነቲ ዕዮ ብዝቐልጠፈን ብዝጸፈፈን ክትዛዝሞ የኽእለካ። ብእኡ መጠን ድማ፡ ርእሰ ተኣማንነትካ ይብርኽ።

    4. ግዜኻ ፍጹም ጥቕሚ ይህልዎ

    ኣብ ቀዳምነታትካ ምትኳር፡ ኣብ ህይወትካ ንግዜኻ ናይ ምቁጽጻር ብቕዓት ናይ ፈለማ ምልክት እዩ። ሓንሳእ ነቶም ዓበይትን ንኣሽቱን ቀዳምነታትካ ምስ ሰራዕካዮም እሞ፡ ንህይወትካ ብዝግባእ ምስ ወደንካዮ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብኹሉ መለክዒታት ኢኻ እትረብሕ። ዓሚቝን ኣዕጋብን ስምዒት ኣብ ህይወትካ ተፈጢሩ ንጹር ኣንፈትን ፍጹም ትርጉምን ትረክብ።

    ንግዜኻ ከም ዘጥፋእካዮ ዘይኮነስ፡ ከም ዘዋህለልካዮ ኮይኑ ይስመዓካ። ኣብ ከባቢ ዓንኬል ዕንክሊል ከም እትብል ዘለኻ ዘይኮነ፡ ንህላዌኻ ወሳኒ ናብ ዝኾነ ዝነውሐ መዕረፊ ከም እትጓዓዝ ዘለኻ ይርደኣካ።እቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ

    ብምውሳድ፡ እንታይ ክትኣምን ወይ እንታይ ቀዳምነታት ክህልወካ ከም ዝግባእ ኣይንነግረካን ኢና። ነዚ ክትውስን ዘለካ፡ ንስኻ ባዕልኻ ጥራይ ኢኻ። የግዳስ፡ ንግዜኻ ክሳብ መጠረሽታ ክትጥቀመሉ እንተ ደሊኻ ንኽብረታትካ ብምብርባር ክትጅምር ጽቡቕ እዩ። ካብኡ ነቲ ኣብ ህይወትካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፡ ብምሉእ እምንቶ ኣብ ማዕልቦኡ ከተብጽሖ ይግባእ።ኣብ ህይወትካ ነቶም ቀንዲ

    ቀዳምነታት ንኽትውስን እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ሓገዝቲ እዮም። እቲ ቀዳማይ፡ ናይ ገዛእ ርእስካ መርድእ (obituary) ባዕልኻ ምጽሓፍ። እቲ ካልኣይ፡ ነቶም መሰረታውያን ክብርታት ኢልካ ዝኣመንካሎም ምዝርዛርን ደረጃታት ምትሓዝን። እቲ ሳልሳይ፡ ነቶም ብግዳማዊ ዓለም ዝድብድቡኻ ዝተጋራጨዉ ክብርታት ፈላሊኻ ምሓዝ እዩ።

    • ናይ ገዛእ ርእስኻ መርድእ ባዕልኻ ጽሓፎ

    ነዚ ንኡስ ኣርእስቲ ክትርእዮ

    እንከለኻ ጋን ይኾነካ እዩ። ኣብ ሞትን ኣማውታን ዓሚቝ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሊቃውንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ መገምገሚታት ትርጉም ህይወትካ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ቀንዲ ቀዳምነታትካ ንኽትረግእ፡ ንገዛእ ርእስኻ ብድሕሪ ሞትካ ከመይ ከም እትመሰል ብስእለ ኣእምሮኻ ክትስእላ ምፍታን ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ መርድእ ምጽሓፍ እዩ።

    እዚ ዓይነት ኣጸሓሕፋ መርድእ ካብቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝወጽእ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ፍልይ ዝበለ እዩ። እዚ እንብሎ ዘሎና ኣገባብ ኣጸሓሕፋ መርድእ፡ ክንዮ ኣብ ሞያኻ ዝተጎናጸፍካዮ ዓወት ክኸይድ ይግባእ። ንስኻ ብውሽጥኻ እንታይ ትመስል? ውሽጣዊ ሓይልኻን ፍሉይ መለለይኻን እንታይ እዩ? ንስኻ ዝፈጠርካዮም ዝምድናታት ከመይ ይመስሉ? ንውልቀ ሰባትን ሕብረተሰብን እንታይ ኣበርክቶ ገይርካ?እቲ እትጽሕፎ ነዚ ዘለኻዮ ወይ ነቲ

    ድሮ ዝተዓወትካሉ ጥራይ ዘንጸባርቕ ጥራይ ክኸውን የብሉን። እቲ ሓሳብ ክንዮኡ ክምጠጥ ይግባእ። ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ትደሊ? ምስ ሞትካ ሰባት ብኸመይ ክዝክሩኻ ትደሊ? ኣዕሚቖም ኣብ ውሽጥኻ ጥሒሎም ዝነብሩ ክብርታት ጸብለል ኢሎም ክርኣዩኻ ይኽእሉ ይኾኑ። ገለ ካብቶም ክብርታት ንዓመታት ዝኣክል ከየቕለብካሎም ዝጸናሕካ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብዛ ነጥቢ፡ ብዛዕባ ዝርዝር እዞም ዓይነታትካን ዓወታትካን መስርዕ ከተትሕዞም ኣይትጨነቕ። ከከም ዝመጽኡልካ ጥራይ ኣብ ደብተርካ ኣስፍሮም።ነቲ ናይ ፈለማ ንድፍኻ ምስ ወዳእካ፡

    ናብቲ ካልኣይ ደረጃ ትሰግር። ነቲ መርድእካ ዳግማይ ጸሓፎ። ንዝርዝር ብልጫታትካ፡ ዓወታትካን ውልቃዊ ባህርያትካን ከከም ኣገዳስነቶምን ቀዳምነቶምን ወድኖም። ነዚ ምስ

    ስድራቤት ዝለዓለ ኣተኲሮ እትጠልብ ኣሃዱ’ያ

    ዛዘምካዮ ስእሊ ቀዳምነታት ህይወትካ ብንጹር ጎሊሖም ክረኣዩኻ እዮም።

    • ንውልቃዊ ክብርታትካ ዘርዝሮምን ደረጃታት

    ኣትሕዞምን

    ነቲ ፍሉይ መርድእካ ምስ ጸሓፍካዮ፡ ገለ ኣገዳሲ ነገር ከይተርፈካ ደጋጊምካ ኣረጋግጽ። እዚ ፍሉይ ዝርዝርን ደረጃታት ምሓዝን ናብ ትግባረ ንኸተምርሕ ድርኺት ይፈጥረልካ። እንደገና፡ ካልእ ፍልይቲ ወረቐት ኣዳሉ።ቀዳማይ ደረጃ፦ ዓሰርተ ዝያዳ

    ኣገደስቲ ክብርታት፡ መርሓ መትከላት

    ህይወት ወይ ዝለዓሉ ቀዳምነታት ህይወት ዘርዝሮም። ኣብ ሓንጎልካ ብዝመጽኣልካ መስርዕ ኣትሕዞም። እቲ ዝርዝር ንስድራ፡ ክብረት (prestige)፡ ቅንዕና፡ ሃብቲ፡ ንኣምላኽካ ምፍላጥ፡ ንድኻታት ምሕጋዝ፡ ወይ ዝኾነ ካልእ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝስምዓካ ከጠቓልል ይኽእል። ነቶም ኣብ መርድእካ ዝጠቐስካዮም ደጋጊምካ ኣንብቦም እሞ፡ ኣብዚ ዝርዝር ጸንብሮም። ካልኣይ ደረጃ፦ ነዞም ኣብ ላዕሊ

    ዝጸሓፍካዮም ቀዳምነታት ደጊምካ ጸሓፎም። ካብቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ጀሚርካ ክሳብ እቲ ብተዛማዲ ዝተሓተ ኣገዳስነት ዘለዎ መስርዕ ጸሓፎም።ሳልሳይ ደረጃ፦ ኣብ መወዳእታ፡

    ንቐዳምነታትካ ንትግባረ ከም ዘምችእ ገይርካ ጸሓፎም። ንኣብነት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ‘ንስድራቤት’ ከም ሓደ ካብ ክብርታትካ እንተ ሰሪዕካዮ፡ ኣብዚ ሳልሳይ ደረጃ ካብኡ ዝተመሓየሸ ክትጽሕፍ ይግባእ። “ንኣባላት ስድራቤት ግዜን ጸዓትን ብምሃብ ተገዳስነተይ ከረጋግጸሎም እየ።” ኢልካ ክትጽሕፍ ኣለካ። ቀዳምነታትካ ንክብረት እንተ ሂብካዮ፡ “ሽልማታት ብምዕታር ውልቃዊ ክብረተይ ክሃንጽ እየ።” ኢልካ ክትጽሕፍ ትኽእል። ቀዳምነታትካ ንቕንዕና እንተ ሂብካዮ፡ “ኣብ ስርሐይን ውልቃዊ ህይወተይን ቅኑዕ ክኸውን እየ።” ኢልካ ተነጽሮ።

    ይቕጽል

  • ሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተ

    ልሄም ታደ

    ዞባ ማእከል ኣስመራ

    1.ወ/ሮ ኣበባ ገብረእግዚኣብሄር ገብረመስቀል፡ 2.ኣቶ ቴድሮስ ተስፋይ ግርማጽዮን፡ ነፍ/ተስፋይ ግርማጽዮን ተኽለ ብሂወት ከሎ ብቁ/መዝ/86/2010 ብዕለት 7/5/2010 ዝገበረልና ውህብቶ ገዛ ኣብ ምም/ከባቢ ቀሓውታ ዝርከብ ብስሙ ዝተመዝገበ ጸዲቑ ብስምና ክመሓላለፈልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ህጻን ሶልያና ሚኪኤል፡ ብወላዲታ ወ/ሮ ሳባ ስዩም ፍስሓጼን፡ ፍሎሪዳ ሚኪኤል ጸጋይ ምባል ተሪፉ፡ ሶልያና ሚኪኤል ጸጋይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ቁ.38 ይቕረብ።

    መብራህቱ በርሀ ሃብቱ፡ ኣሕዋተይ 1.ዮሴፍ በርሀ ሃብቱ ካብ ደምበ ሰምበል ብዕለት 2/3/2009 ካብ ገዝኡ ምስ ወጸ ኣይተመልሰን 2.መብራት በርሀ ሃብቱ ካብ ገዝኣ ምህራም ጭራ ብዕለት 7/10/2010 ምስ ወጸት ኣይተመልሰትን፡ 3.ቴድሮስ በርሀ ሃብቱ ብዕለት 10/9/2011 ካብ ምህራም ጭራ ምስ ወጸ ኣይተመልሰን ክሳብ ሕጂ ህልውንኦም ኣይተረኽበን ስለዚ ናይ ጥፉእ ውሳነ ይዋሃበኒ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ወ/ሮ በላይነሽ ገሰሰው ገብረ፡ ወደይ መምህር ያሬድ ተስፋልደት ተስፋሁነይ ኣብ ወርሒ 11/2003 ዓ.ም ካብ ኣስመራ ንዓዲ-ዃላ ዞባ ደቡብ ንመገሻ ኢሉ ምስ ከደ ስለዘይተመልሰን ናይ ጥፉእ መረጋገጺ ሰነድ ይወሃበኒ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ዓወት ኣብርሃ ተስፋሚካኤል ምባል ተሪፉ፡ ዓወት ኣብርሃም ተስፋሚካኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ውዳሰ የማነ ክፍለማርያም፡ ስም ወላዲተይ ዝማም ክፍለማርያም ምባል ተሪፉ፡ ዝማም ዑቕባሚካኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ይቕረብ።

    ሳንድሮስ ጸጋይ በርሀ ብወለዱ 1.ጸጋይ በርሀ ተስፋስላሴ 2.ወ/ሮ ትርሓስ ዘርእሰናይ ኣርኣያ ጌሩ፡ ሳንድሮስ ጸጋይ በርሀ ምባል ተሪፉ፡ ሳሙኤል ጸጋይ በርሀ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ምጽላል ሃብተስላሴ ሃብተሚካኤል፡ ብወኪላ በረኸት ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቢላ፡ ምጽላል ሃብተስላሴ ሃብተሚካኤል ምባል ተሪፉ፡ ለተሚካኤል ኪዳነ ሃብተሚካኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣቶ መሓመድ ዓሊ ስዒድ ጃምዕ ምባል ተሪፉ፡ መሓመድ ዓሊ ሳዓድ ጃምዕ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን5/12/13 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ሃይለሚካኤል ክፍለየሱስ ተድላ ምባል ተሪፉ፡ ሃይለ ክፍለየሱስ ተድላ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/13 ኣብ 2ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣተወብርሃን ፍትዊ ብወለዱ 1.ፍትዊ ኣርኣያ 2.ወ/ሮ ኣልማዝ ባህታ ኣቢሉ፡ ኣተወብርሃን ፍትዊ ምባል ተሪፉ፡ ሴም ፍትዊ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/12/13 ኣብ 2ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

    ወ/ሮ ኣልጋነሽ ተኽለ ሃብቱ፡ በዓል ቤተይ ተ/ጋ ሓይልኣብ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማእከል ከተማ

    ወ/ሮ ኣለማሽ ገብረመድህን፡ በዓል ቤተይ ሞጎስ ዘርኣብሩኽ ተስፋሚካኤል ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

    ከሳሲ ኣቶ ክብሮም ኣብርሃ፡ ተኸሰስቲ ወረስቲ ነፍ/ተኸስተ ወልደስላሴ ዝነበረ ናይ መሸጣ መኪና ቁ.ሰሌዳ ER-3-00579 ቁ.ቻሲ 01851 R.T.A ዝኾነት፡ ስም ከየመሓላልፉለይ ስለዝኸዱ፡ ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ/ ተኸስተ ወልደስላሴ ን11/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቦም ኣብ ዘየለውሉ ክውሰን ምዃኑ ንሕብር።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዕዳጋ ሓሙስ

    ኣቶ ክብርኣብ ተስፋእዝጊ ብርሃን፡ ኣደና ንግስቲ ሃብተዝጊ ዘርኦም ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ከሳሲት ወ/ሮ ባህጉ ተስፋጼን ገብሩ፡ ንተኸሳሲ ኣቶ ሓየሎም ተስፋስላሴ ካሕሳይ፡ ብኣድራሽኡ ክርከብ ስለዘይከኣለ፡ ን16/12/13 ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤ/ፍ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ የፍልጥ።

    ወ/ሮ ዝፋን እምባየ ነጋሲ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ብርሃነ ሃይለ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውል 4 ኣስመራ

    ወ/ሮ ጽገ ተኸስተ መሓሪ፡ ብወኪላ መጀር ገብርኣብ ተኸስተ ኣቢላ፡ ወላዲተይ ስምረት ተወልደ ደበሱ ብዕለት 13/10/2000 ዓ.ም ኣብ ምምሕዳር ኣባሻውል ዝርከብ መንበሪ ገዛ ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 113698 መወከሲ ቁ.122436 ብስም ወላዲተይ

    ዝተመዝገበ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ዕለት 13/10/2006 ለበዋ ገዲፋትለይ፡ ስለዚ እቲ ናይ ለበዋ ውዕል ይጽደቐለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ሄኖክ ሓድጉ መኮነን፡ ወላድየይ መም/ሓድጉ መኮነን ሃይሉ ስለዝሞተ፡ ኣነ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ

    ጸጸራት

    በረኸት ተኸስተ ብርሃነ፡ ወለድና ኣቦና ኣቶ ተኸስተ ብርሃነ ኪዳነማርያም፡ ወላዲትና ወ/ሮ ኣብርሀት ተስፋዝጊ መሓሪ ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ጥራይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

    ትሕቲ ዕድመ መርሃዊት ጸጋይ በራኺ፡ ኣቦና ጸጋይ በራኺ ገብረእየሱስ ስለዝተሰውአ፡ ከምኡ’ውን ኣደና ለምለም ያረድ ወልደማርያም ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ሂወት ገብርኣብ ወልደገብርኤል፡ በዓል ቤተይ ካፒተን ሃብቶም ተስፋሚካኤል ገብረስላሴ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኣቶ ኣድሓኖም ገብረመስቀል ንጉሰ፡ በዓልቲ ቤተይ ደሃብ ተወልደ ገብረድንግል ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 10 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኣቶ ቢንያም ዮሴፍ ኣብርሃ፡ ኣደይ ጸጋ ክፍላይ ወልዱ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ሸሪዓ ዞባ ማእከል

    ዘይነብ ዓሊ ስዒድ፡ ናይ ኣቶ ሳልሕ ዓሊ ስዒድ ንኣስታት 22 ዓመታት ደሃይ የብልናን ስለዝበለት፣ ኣቶ ሳልሕ ዓሊ ስዒድ ን2/12/13 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ

    ቤ/ፍ ኣብ ዘየለኻሉ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ይሕብር።

    ከሳሲት ሰሚራ ኢማኑ ጃብር፡ ተኸሳሲ ሙሳ ሳልሕ መሓመድ፡ በዓልቲ ቤትካ ክሲ ኣቕሪባትልካ ስለዝበላ፡ ን17/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ባዕልኻ ወይ ሕጋዊ ወኪልካ ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ቤ/ፍ ኣብ ዘየለኻሉ ክርእዮን ውሳነ ክህበሉን ምዃኑ ነፍልጥ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳ ክርስትያን

    መብራት ጎይትኦም፡ ኣቦና ጎይትኦም ደባስ ከምኡ’ውን ኣደና ለተንጉስ በራኺ ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ሃብተ ግደ፡ ኣቦና ግደ መድሃኔ ዘዳይ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ

    ከረን 03

    ዳዊት ገብረዝጊኣብሄር ኣቶሽም፡ ወ/ሮ ለተየሱስ ሓምደራኪ ስለዝሞተት፡ ንሕና ደቃ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ፍዮሪ ሃይለ ጸጋይ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ የውሃንስ ኣብረሀ ሳልሕ ቅድሚ 8 ዓመት ኣቢሉ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ወጺኡ ኣብዚ እዋን ኣድራሽኡን ቦትኡን ኣበይ ከምዘሎ ስለዘይፈልጥ፡ በዚ መሰረት ኣብ ቤ/ፍ ብናይ ሓዳር ጉዳይ ክሲ ተመስሪቱልካ ስለዘሎ፡ ን25/11/13 ብኣካል ወይ’ውን ብሕጋዊ ወኪልካ ቀሪብካ ጉዳይካ ክትከታተል፡ ምስዘይትቐርብ ብቤት ሽማግለ ሕጋዊ ናይ ፍትሕ ውሳነ ክፍጸመለይ።

    ዞባ ዓንሰባ ከረንከሳሲ ኣቶ ሙሉጌታ ግርማይ ገ/መድህን፡ ካብ ነፍ/ገዛችን ኣሰፋው ዝዓደግክዋ መኪና፡ ናይ ስም መተሓላለፊ ሸያጢት ክኸፍልዎ ዝግባእ 120.199 ናቕፋ ባዕለይ ስለዝኸፈልክዎ የሕውዩኒ ዝብል ክሲ ስለዘቕረበ፡ ኣድራሽኦም ዘይተፈልጠ 1.ኣልጋነሽ መስፍን 2.ኢተነሽ መስፍን 3.ብርሃነ መስፍን 4.ኣራም መስፍን ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪለን ን26/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረቡ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ጓዕዳድ

    ወ/ሮ ሂወት ተስፋይ ሃብተጋብር፡ በዓል ቤተይ ተለንተ ምስግና ሓድጉ ገብረስላሴ

    ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 5 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከባቢ ዓርበረቡዕ

    ምሕረት ተወልደብርሃን በርሄ፡ ወላዲትና ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ደቡብ መንደፈራ

    ወ/ት ሰላም በረኸት ተኽለሃይማኖት ምባል ተሪፉ፡ እየሩሳሌም በረኸት ተኽለሃይማኖት ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/11/13 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ቀረናኹዶ

    ወ/ሮ ለተኺዳን ዛህላይ ሓጎስ፡ ወደይ ኣብኣሎ መብራህቱ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 5 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዳዕሮ ኩንዓት

    ኣቶ ተስፋይ ተኽለ፡ ምስ በዓልቲ ቤተይ ንግስቲ ኪዳነ፡ ወድና ኣስመሮም ተስፋይ ስለዝተሰውአ፡ ንሕና ወለዱ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ሸሪዓ ዓሰብኣቶ ዮሱፍ መሓመድ ኣሕመድ፡ ኣደይ ዛህራ ኣላሳዮው ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ጋሽ ባርካ ባረንቱ

    ዳቦ ዓሊ ዑስማን ምባል ተሪፉ፡ ዳቦ ኮካኒ ጀእሊ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/11/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ተኾምብያ

    ኣቶ በረኸትኣብ ርስቶም እቁቢት፡ ኣቦና ርስቶም እቁቢት ገብረሚካኤል ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 4 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/12/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    እታ ብተማሃሮን መምሃራንን ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበት

    Problem Solver of High School Physics ዘርእስታ

    መጽሓፍ፡ ብልዕሊ 20 ሙኩራት ናይ ፊዝክስ መምሃራን ተኣሪማ፡

    ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኩለን ኣብያተ መጽሓፍቲ ተቐሪባትልኩም

    ኣላ።

    ትሕዝቶ መጽሓፍ ካብ 9-12 ክፍሊ ዘጠቓለለት ኮይና፦

    • Over 700 Solved Problems

    • Over 550 Multiple choices

    • Over 800 Supplementary Problems

    • Over 400 illustrative Figures & Diagrams

    ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁጽሪ ሞባይል 07258560/07151337

    ብስራት ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ

  • ሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 - ገጽ 7

    ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ጆ/ራ ዘሚካኤል ባዓረዝ ተስፋዮውሃንስ ደጃ/መዓሾ፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ተቐማጦ ካናዳ ካልጋሪን ከባቢኡን ዝገበርኩሙልና ፍሉይ ሓገዝ ኣብ’ዚ እናተመላለስኩም ዝበጻሕኩሙናን ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ዘቃበርኩሙና ኣብ ገዛ ብምምልላስ ብተሌፎን ዘጸናናዕኩሙናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ትብለጽ ፍስሓጽዮን (ጓል ሞላ)ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅሮ ኣቦና ክፍሎም ግርማጼን ተኽለ፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ሆስፒታልን ገዛን ብምምልላስ ዝበጻሕኩሙና ኣብ ዓዲ ዴዳ ብምኻድ ዘቃበርኩሙናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብተሌፎን ዘጸናናዕኩሙናን ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከም ዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ጸጋይ ደቁን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሞት ኣዚና ነፍቅሮን ነኽብሮን ወላዲና መልኣከ ሰላም ቀሺ ሃብተጽዮን ርእሶም፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ቀብሪ ይኹን ኣብ ሓዘንና ዝተመላለስኩም ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ኣዚና ንፈትዎን ነፍቅሮን ኣቦና ምምህር ዓንደሚካኤል ክፍሉ ኪዳነ፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ሆስፒታል ዝተመላለስኩምን ምስ ዓረፈ ክሳብ ዓዲ ባና ኬድኩም ዘቃበርኩምናን ናብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩሙናን ፈተውትን ቤተሰብን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ሙሉ ኣስፋሃ ሃብተጋብር (ወልድያ)ምስ ደቀይን ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት በዓል ቤተይ የሴፍ ተ/ብርሃን ተድላ፡ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ክሳብ ዓዲ ርዓዳ ዘቃበርኩሙናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩሙና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ዘውዲ ተኸስተሓፍቱ ሻሹ ተ/ብርሃንምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብምኽንያት ሞት ክብርቲ ሓፍትናን ኣደናን ወ/ሮ ለተብርሃን ሩፋኤል ወልደንኪኤል፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማ እናተመላለኩም ዝበጻሕኩማ ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብራ ክሳብ ሓላይ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ብልቢ እናመስገንና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንሕብር።

    በዓል ቤታ መም.ተስፋገብሪኤል ምሕረትኣብምስ ደቃን ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብሃንደበታዊ ሞት ክቡር ኣቦና ኣቶ ፍስሓ ክፍለየሱስ፡ ኣብ ጎዳይፍ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋልን ተኻፈልቲ ሓዘንና ዝኾንኩምን ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ስላስ ገብሩምስ ደቃን ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ጓልና ወ/ሮ ፍረሂወት ኣጽገባ፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ብቴሌፎን ብኣካልን ዝገበርኩሙልና ምጽንናዕን ምትሕብባርን እናመስገንና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ንገልጽ።

    በዓል ቤታ ኣቶ በረቐ ሃይለ ኣማንምስ ኩሎም ስድራቤት

    ኣቶ ኣጽገባ ሃይለ

    ብሞት ዘፍቅሮ በዓል ቤተይ ኣቶ ገብረሃዋርያት ረዳእ ኣብርሃም፡ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ክሳብ ዓዲ ከፋልት ብምኻድ ዘቃበርኩሙናን ኣብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩሙና ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ርግበ ሰለሙን ገቢልምስ ደቃን ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብመስዋእቲ ሓውና መርሃዊ የውሃንስ ኣብርሃ፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኩሉኹም ፈተውትን ኣሕዋትን ቤተሰብን ብፍላይ ኢ.ቴ.ኤ ማይ-ነፍሒ ካብ ውሽጥን ወጻእን ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩሙና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ኣሕዋቱን ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብዕረፍቲ ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ኣስመረት ገብረጻድቕ፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማ እናተመላለስኩም ዝረኣኹማ ከምኡ’ውን ክሳብ ኣማድር ብምኻድ ዘቃበርኩሙና ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩሙና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓል ቤታ ሻምበል ካሕሳይ ገብረሂወት ምስ ደቆምን ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤትን

    ብሃንደበታዊ ሞት ኣዚና ነፍቅራ ኣደና ወ/ሮ ለተብርሃን ተወልደ ደባስ፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ሽማንጉስ ላዕላይ (ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ) ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ወጻኢ ስልኪ ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ የቐንየልና እናበልና ካብ ሎሚ ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    ደቃ ሩት ተድላ፡ ኣስቴር ተድላ፡ ሄለን ተድላምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

    ብሞት ኣዝየ ዘፍቅሮ በዓል ቤተይ ኣቶ ሃብተማርያም ፍስሃጼን ተላ፡ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ጐቛት ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ብኣካል ናብ ገዛና ብምምልላስን ብቴሌፎን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ምዕራፍ ቀሺ ወልዱምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

  • ሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 - ገጽ 8

    ሃብቶም ጸጋይ

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ ዝርከባ ሃገራት ብማዕበል ሱናሚ ከምዝተጠቕዓን ከም ውጽኢቱ ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ይፍለጥ። ሱናሚ ግን እንታይ’ዩ?ሱናሚ ካብ ቋንቋ ጃፓን ዝተወስደ ኮይኑ ትርጉሙ “ብርቱዕ ማዕበል” ማለት’ዩ። እዚ ብሱናሚ ዝፍለጥ ብርቱዕ ማዕበል ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓደጋታት ብተደጋጋሚ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ብትርኢታት እሳተ ጎመራን ብብርቱዕ ሓይሊ ዝፍጠር ናይ ንፋስ ምዝንባላትን ኢዩ ዝፍጠር። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሱናሚ ብተርእዮ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ዩ ዝኽሰት። ብርቱዕ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሓደጋ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን፡ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ብዝተፈጥረ ናይ ምንቅጥቃጥ ክስተት ማዕበላዊ ሓይሊ ይፈጥሩ። በዚ መንጸር’ዚ ድማ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ንፋስን ዋሕዚ ማይን ድማ ናብ መሬት ይጭንጓዕ። ብኸምዚ ኣገባብ ዝተፈጥረ ማዕበል ድማ ኣብ ሰብን ንዋትን ዕንወት የውርድ።ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ውቅያኖሳት ዝኽሰቱ ማዕበላት ክሳብ 200 ሜትሮ ዝበጽሕ ጎድኒ ዘለዎም እዮም። ብሰንኪ’ቲ ዘመንጭውዎ ብርቱዕ ንፋስ ድማ ኣብ ሰዓት ክሳብ 800 ኪ.ሜ ክጓዓዝ ይኽእል። እዚ ብሱናሚ ዝፍለጥ ማዕበል ሓንቲ ወይ ድማ ውሱን ማዕበል ኣይኮነን ዘለዎ። ብተደጋጋሚ ንነዊሕ እዋን ዝደጋገምን ሰንሰለታዊ ዝርግሐ ዘለዎን ማዕበላት’ዩ ዝፈጥር። እዚ ድማ’ዩ ንሓደጋታት ሱናሚ ከቢድን ኣዕናውን ዝገብሮ። ብተወሳኺ ሱናሚ ዝፈጥሮ ሓይሊ’ውን

    ስርዓተ ኔትዎርክ ኮምፒዩተር ንኽልተ ወይ’ውን ካብ ክልተ ንላዕሊ ኮምፒይተራት ነንሕድሕዱ መስመር ብምሕባር ንዝግበር ስርሓት ዝውክል ዓውዲ ኮምፒዩተር እዩ። ኣብ መስርሕ ኮምፒዩተር ኔትዎርክ፣ ኣብ ሓደ ኮምፒተር ዝህሉ ሓበሬታ ኮነ ትሕዝቶ ብመላእ ኣካል ናይቲ ስርዓት ዝኾና ኮምፒዩተራት ክርአ ወይ’ውን ክጥቀም ይከኣል።ኣገባብ መስርሕ ኮምፒዩተር ኔትዎርክ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ድማ ናቱ ዝኾነ ደረጃ ኣሰራርሓ ይውንን።

    • Local Area network

    ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ስፍሓት ዘለዎ ቦታ ክሽፍን ዝኽእል ስርዓተ ኮምፒዩተር ኔትዎርክ ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ንዝህሉ ኮምፒዩተራት ዝጠምር ኣገባብ እዩ። “Local” ዝብል ቃል ንከባብያዊ ዝውክል ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ውሱን ከባቢ ዝዝርጋሕን ንኣከባብያዊ መጠነ ርሕቀት ኣብ ዘሎ ቦታታት ዝሽፍንን ክፋል ስርዓተ ኔትዎርክ እዩ።ኣብያተ ጽሕፈት፣ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝኾና ትካላትን ዓበይቲ

    ኤውሮጳዊት ሃገር ሆላንድ እታ ዝነውሑ ኣህዛብ እትውንን ሃገር እያ። ልዕሊ 24 ሚልዮን ተቐማጦ ዘለዋ ሆላንድ ካብዞም ዝተጠቕሱ ብዝሒ ህዝባ እቲ ዝበዝሐ ልዕሊ 1.7 ሜትሮ ቁመት ከምዝውንን ይፍለጥ። ኣብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ እትርከብን ንሃገራት በልጁምን ላክሰንበርግን እትዳወብን ንእሽቶ ሃገር ሆላንድ ሓጺር ሰብ ምርኣይ ልሙድ ከምዘይኮነ ‘ዩ ዝንገር። ከም መገልጺ

    ሕቶ ንሃብሮም1. ኣብ ኣድማስ ኣሎ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ልዑል ጻዕቂ ዘለዎ ጠፈራዊ ኣካልሀ.ግርደት ለ. ጅራታም ሐ ጋላክሲ መ. ብላክ ሆል2. 65 ሚእታዊት ናይ ሰብነትና ዘቕውምሀ. ዓጽሚ ለ. ጭዋዳ ሐ. ማይ መ. ደም3. ካብ ከተማታት ጋና ዘይኮነት ከተማ ኣውጽእ ሀ. ታማለ ለ. ካርሆጎ ሐ. ኩማሲ መ. ኣጎጎ4. ዝወሓደ ተቐማጦ ዘለዎ ሃገር መን እያ፣

    መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን1. ለ 2. ሐ 3. ሀ 4 ኣስትሮኖሚ

    ሱናሚ

    ኣዝዩ ልዑል’ዩ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓደ እዋን ዝፍጠር ሱናሚ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ቶን ዝኽብደቱ ሓይሊ’ዩ ዘለዎ።ብዙሓት ናይ ስነ መሬት ክኢላታት ንኣፈጣጥራን ክስተትን ሱናሚ ዝሕብር መጽናዕታት ብምክያድ መሰረት ኣበጋግሳ ሱናሚ ክሕብሩ’ኳ እንተኽኣሉ፡ ሱናሚ መዓስን ኣብ ከመይን ከም ዝጅምር ዘረድእ ሓበሬታ ክህቡ ግን ኣይከኣሉን። ከም ኣገላልጻ ምሁራን ናይዚ ዓውዲ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ብርቱዕ ናይ ምንቅጥቃጥ ተርእዮ ዝረኣየሎም ቦታታት ሱናሚ ክኽሰት ከም ዝኽእል’ዮም ዘረድኡ። ነዚ ሓሳባቶም ንምርጓድ ድማ ነተን ተደጋጋሚ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተርእዮታት ዝኽሰተለን ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ ከም ኣብነት የቕርቡ። ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ብእኩባት ናይ ስነ-መሬት ተመራመርቲ ንሓደጋታት ሱናሚ ብናይ ሳተላይት ሓበሬታ ዝምርምርን ዝዕቅንን መሳርሒ ከምዘማዕበሉ ይሕበር። እዚ

    ‘ሱናሜተር’ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ መዐቀኒ ኣብ ማእከል ምርምር ፓስቪክ ኤንቫይሮመንት ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ውቕያኖሳት ንዝፍጠር ማዕበል ብምዕቓን ናይሓደጋ ጻውዒት ዝህብ መሳርሒ’ዩ። እዚ ምዕቡል መሳርሒ ሽሕ’ኳ ዝበለጸ ፍታሕ ሓደጋታት ሱናሚ እንተዘይኾነ፡ ንጻዕቂ ሓደጋታት ሱናሚ ግን ከህድእን ከቕንስንን ክኢሉ’ዩ።ኣብ መብዛሕትአን ምንቅጥቃጥ ምድርን እሳተጎመራን ዝኽሰተለን ሃገራት ዝፍጠር ሱናሚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ናይዘን ሃገራት ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ፈጢሩ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ኤስያ ዝርከባ ከም ኢንዶነዥያን ጃፓንን ዝኣመሰላ ሃገራት ብሱናሚ ከቢድ ዕንወት ዝወረደን እየን። ኣብ 2004 ኣብ ኢንዶኔዥያ ዘጋጠመ ሓደጋ ሱናሚ ዛጊት መወዳድርቲ ዳርጋ ዘይተረኽቦ ዝኸበደ ዕንወት ዘኸተለ እዩ። ኣብቲ ብሰንኪ 9.0 ዝዓቐኑ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ዝተኸሰተ ከቢድ ማዕበል ልዕሊ 250,000 ህዝቢ ከምዝሃለቐ ይንገር።

    ዝ ነውሑ ዜጋታት እትውንን ሃገር

    ታሪኽ ጥንታውያን ተቐማጦ ሆላንድ ኣዝዮም ነውሓቲ ከምዝነበሩን ፡ ኣብዚ እዋንዚ ንዘሎ ናይ ቁመት ትዕድልቲ ድማ መሰረት ከምዝኾኑን የረድእ።ብፍላይ ሆላንዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ቁመት ከምዘለወን ይሕበር። ብመሰረት’ቲ ኣብ መላእ ሆላንድ ኣብ ልዕሊ ነዋሕቲ ሰባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ልዕሊ 68 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን።

    ስርዓተ ኔትዎርክ ኮምፒዩተር ንግዳውያን ትካላትን ገለ ካብቶም በዚ ዝተጠቕሰ ክፋል ስርዓተ ኔትዎርክ ኣገልግሎት ዝህቡ እዮም።

    • Wide area network

    “Wide” ሰፊሕ ማለት ክኸውን ከሎ፣ እዚ ዓይነት ስርዓተ ኔትዎርክ ንኣዝዮም ሰፋሕቲ ቦታታት ክሽፍን ዘኽእል እዩ። ኣብ መላእ ሃገር ንዝህሉ መስርሕ ኔትዎርክ በዚ ዝተገልጸ ክፋል ኮምፒዩተር ኔትዎርክ ዝፍጸም ኮይኑ፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ሜትሮሎጂን ካልእ ሰፊሕ ርሕቀት ዝሽፍንን ስርዓተ ሓበሬታ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ገለ ካብ ተጠቀስቲ ኣብነታት’ዚ ስርዓተ ኮምፒዩተር ኔትዎርክ እዮም።ስርዓተ ኮምፒዩተር ኔትዎርክ ዝተፈላለዩ ኮምፒዩተራት ኣብ ነንሕድሕዱ ብምርኻብ ንዝድለ ምትሕልላፍ መልእኽቲ ኮነ ስርሓት ዘሰላስል ስርዓት እዩ። ኣብ መንጎ ኮምፒዩተራት ዝግበር ምትእስሳር (connection) ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክፍጸም ይከኣል’ዩ። ካብቶም ኣዝዮም ልሙዳት ኣገባባት ምስ እንርኢ፣

    • ቀለቤታዊ ኣገባብ (ring)

    ከምቲ ኣብ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና፣

    ነፍሲወከፍ ኮምፒዩተር ኣብ ነንሕድሕዱ ብቀለቤታዊ ቅርጺ ተኣሳሲሩ ይርከብ። ኣብዚ ኣገባብ፣ ሓደ ኮምፒዩተር ከም ቐንዲ ኣላዪ (master) ብምዃን ዝተረፉ ኮምፒዩተራት ድማ ኣብ ዙርያኡ ብቕርጺ ቀለቤት ይለጋገቡ።

    • ጋድማዊ ኣገባብ (bus)

    ልሙድን ዝውቱርን ኣገባብ ኮይኑ፣ ንብዝሒ ዘለዎ ኮምፒዩተራት ኣብ ነንሕድሕዶም ብምልጋብ (ብምትእስሳር) ዝፍጸም መስርሕ ስርዓት ኔትዎርክ እዩ።

  • ሸባብሓዳስ ኤርትራ 19 ሕዳር 2013 -ገጽ 9

    ልዝብ

    ሸባባት

    ብኣብርሃም

    ዮሃንስ (ወ

    ዲ ዕቋር)

    መንእሰያት ኣብ ምዕቃብ ክብርታት ተወቀስቲ ዲና?

    ክብርኣብ ፍጹም

    (ተመሃራይ ስነ-ሕሳብ)

    “መግለጺ ብዙሓት ብተግባር ብዙሓት’ዩ ዝግለጽ”

    ንነገራት ብኸመይ ትጥምቶ ወሳኒ’ዩ። ንደቀቕቲ ነገራት ክተግዝፎም ወይ ክተጋንኖም እንተደሊኻ ቕልል ዝበለ’ዩ። ስ