ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ -...

12
መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 3 ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ ገጽ 4 ሴፍ ኣብ ከብዲ ናደው ገጽ 6 መዕርፎ ነፈርቲ ጉስታፍ ገጽ 7 ሚካኤልን ውጽኢት ጻዕሩን ኤርትራ፡ ብ14 ጥሪ ኣብ ከተማ ባማኮ - ማሊ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 27 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃን ፈረንሳን ተኻፊላ። ኣብ’ቲ ብቐንዱ ኣብ ምሕደራ ልምዓታዊ ገስጋስ ኣፍሪቃ፡ ብድሆታትን ስግኣታትን ሰላም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምርግጋጽ ‘ዘላቒ ሸቶታት ምዕባለ’ ዝዘተየ ዋዕላ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን ንኤርትራ ብምውካል ተሳቲፋ። ከም መዳለዊ ነዚ ዋዕላ መራሕቲ፡ ብ13 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ብዓለም ደረጃ ኣስጋእነቱ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ብዕቱብ ክስራሕ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸጥታ ኣህጉረን ንምውሓስ ከካይድኦ ዝጸንሓ ጻዕሪ ከሐይላ፡ ከምኡ’ውን ንኹለን ሃገራት ዝጠምር ቊጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ኣድማዒ ስራሕ ክሰላሰል ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምይይጥ ተኻዪዱ። ዋዕላመራሕቲሃገራትንመንግስታትን ኣፍሪቃን ፈረንሳን ኣብ መወዳእታ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ብምውጻእ ተዛዚሙ። *** ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ተሳቲፋ ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ፡ ብ14 ጥሪ ን7ይ ግዜኡ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት፡ ንሸሞንተ ዓመታት ብዓውዲ ሓፈሻዊ ሕክምና ከምህሮም ዝጸንሐ 36 ተመሃሮ፡ ብደረጃ ዶክትረይት ኣመሪቑ። ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ 36 ተመሃሮ ብዶክትረይት ኣመሪቑ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝባጻሕን ናጻን ኣቕርቦት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብኣትኲሮ ሳላ ዝተሰርሓሉ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ክኢላታት ሞያውያን ይፈርዩ ከምዘለዉ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት ዝነጥፍ ብቑዕ ዓቕሚ-ሰብ ምምዕባል ድማ ሓደ ካብ’ቶም ልዑል ኣቓልቦን ወፍሪን ዝግበረሎም ዘሎ መደባት ህንጸትን ልምዓትን ከምዝኾነ ገሊጻ። ተመረቕቲ ዝጽበዮም ዕማም ብትግሃትን ተወፋይነትን ክብድሁ ትጽቢት ህዝብን መንግስትን ምዃኑ ድማ ኣገንዚባ። ዲን ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ኣብ ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት - ንዝወሃብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣማዕቢልዎ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ካብ ብዝሒ ንላዕሊ ዓይነታዊ ዓቕሚ-ሰብ ከተፍሪ ዝድርኽ ምዃኑ፡ በዚ ምኽንያት - ምሩቓት ኣህጉራዊ መለክዒ ንዘማልአ መርመራታት ብብቕዓት ዝሓለፉ ምዃኖም ኣረዲኡ። ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ገዚፍ ጸጋ ህዝብን መንግስትን ከምዝሓተተ ኣጸቢቖም ከም ዝግንዘቡን፡ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ንምውሓስ ሓለፋ ክሰርሑ ድሉዋት ምህላዎምን ገሊጹ። ተመረቕቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ’ዚ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ትምህርቲ እዋን፡ ኣበርክቶ ወለድን መማህራንን ዕዙዝ ከምዝነበረ፡ እዚ ደገፋት’ዚ ድማ ጥዕናዊ ጽላት ሃገሮም ንምምዕባልን ጥዕና ሕብረተሰቦም ንምውሓስን ብኣተኲሮ ክሰርሑ ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ 2004 ዝተመስረተ ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ፡ ዛጊት 243 ብሓፈሻዊ ሕክምና፡ 22 ብሕክምና ስኒ፡ ብጠቕላላ 265 ዶክተራት ከም ዘፍረየ ሰነዳቱ ይሕብሩ። ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ፡ ነታ ወደባዊት ከተማ ካብ ብከላ ናጻ ንምግባራ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ንምዕዋት እትሕግዝ፡ ንወፍሪ ኣንጻር ኣከባቢያዊ ብከላ እትድህስስ ኣስተምህሮኣዊት ሰነዳዊት ፊልም፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ጽገሬዳ ወልደገርጊስ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተመሪቓ። ኣብ ሲነማ ስጋለት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሰ፡ ጽሬት ከተማ ባጽዕ ንምሕላውን ኣከባቢያዊ ብከላ ንምግታእን ዝጒስጒስ ሰሌዳታት ከምእተተኽለ፡ መአከቢ ጓሓፍ ከምእተዘርግሐ፡ ወፈራታት ጽሬት በብእዋኑ ከም ዝካየድ፡ ከምኡ’ውን ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከም ዝግበር ብምሕባር፡ እታ ፊልም ነዚ ኣብ ምድንፋዕ ሓጋዚት ክትከውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ሓላፊ ኣሃዱ ጽሬት ከተማ ባጽዕ ኣቶ የዕብዮ ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ እቲ ዕላማ ብቐንዱ ውጽኢት ፕላስቲክን መሰልቱን ንምውጋድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዛጊት ተኻዪዱ ብዘሎ ኩሉመዳያዊ ንጥፈታት፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሳዕቤናት ውጽኢት ፕላስቲክ ይዓቢ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ንዝያዳ ውጽኢታውነት፡ እታ ፊልም ንህዝቢ ብሓፈሻ ንተመሃሮ ድማ ብፍላይ ክትቀርብ፡ ኣብ ከባቢና ብዝርከብ ጸጋታት ድማ መተካእታ ፈስታል ክዳሎ ኣዘኻኺሮም። ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ ሰነዳዊት ፊልም ኣመሪቑ ስ/ ሄኖክ ሞኮንን ገጽ 9 ተስፎም ተሰጋጊሩ

Upload: others

Post on 27-Jul-2020

12 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 3ጥዑይ ኣመጋግባ

ንቘልዑ

ገጽ 4ሴፍ ኣብ ከብዲ ናደው

ገጽ 6መዕርፎ ነፈርቲ ጉስታፍ

ገጽ 7ሚካኤልን ውጽኢት

ጻዕሩን

ኤርትራ፡ ብ14 ጥሪ ኣብ ከተማ ባማኮ - ማሊ ኣብ ዝተቓንዐ መበል 27 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃን ፈረንሳን ተኻፊላ።ኣብ’ቲ ብቐንዱ ኣብ ምሕደራ

ልምዓታዊ ገስጋስ ኣፍሪቃ፡ ብድሆታትን ስግኣታትን ሰላም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምርግጋጽ ‘ዘላቒ ሸቶታት ምዕባለ’ ዝዘተየ ዋዕላ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን ንኤርትራ ብምውካል ተሳቲፋ።ከም መዳለዊ ነዚ ዋዕላ መራሕቲ፡

ብ13 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ብዓለም ደረጃ ኣስጋእነቱ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ብዕቱብ ክስራሕ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸጥታ ኣህጉረን ንምውሓስ ከካይድኦ ዝጸንሓ ጻዕሪ ከሐይላ፡ ከምኡ’ውን ንኹለን ሃገራት ዝጠምር ቊጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ኣድማዒ ስራሕ ክሰላሰል ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምይይጥ ተኻዪዱ።ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

ኣፍሪቃን ፈረንሳን ኣብ መወዳእታ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ብምውጻእ ተዛዚሙ።

***

ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ተሳቲፋ

ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ፡ ብ14 ጥሪ ን7ይ ግዜኡ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት፡ ንሸሞንተ ዓመታት ብዓውዲ ሓፈሻዊ ሕክምና ከምህሮም ዝጸንሐ 36 ተመሃሮ፡ ብደረጃ ዶክትረይት ኣመሪቑ።

ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ 36 ተመሃሮ ብዶክትረይት ኣመሪቑሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡

ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝባጻሕን ናጻን ኣቕርቦት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብኣትኲሮ ሳላ ዝተሰርሓሉ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ክኢላታት ሞያውያን ይፈርዩ ከምዘለዉ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት

ዝነጥፍ ብቑዕ ዓቕሚ-ሰብ ምምዕባል ድማ ሓደ ካብ’ቶም ልዑል ኣቓልቦን ወፍሪን ዝግበረሎም ዘሎ መደባት ህንጸትን ልምዓትን ከምዝኾነ ገሊጻ። ተመረቕቲ ዝጽበዮም ዕማም ብትግሃትን ተወፋይነትን ክብድሁ ትጽቢት ህዝብን መንግስትን

ምዃኑ ድማ ኣገንዚባ። ዲን ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን

ሕክምና ስኒን ኦሮታ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ኣብ ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት - ንዝወሃብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣማዕቢልዎ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ

ካብ ብዝሒ ንላዕሊ ዓይነታዊ ዓቕሚ-ሰብ ከተፍሪ ዝድርኽ ምዃኑ፡ በዚ ምኽንያት - ምሩቓት ኣህጉራዊ መለክዒ ንዘማልአ መርመራታት ብብቕዓት ዝሓለፉ ምዃኖም ኣረዲኡ።ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ ዝቐሰምዎ

ትምህርቲ ገዚፍ ጸጋ ህዝብን መንግስትን ከምዝሓተተ ኣጸቢቖም ከም ዝግንዘቡን፡ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ንምውሓስ ሓለፋ ክሰርሑ ድሉዋት ምህላዎምን ገሊጹ።ተመረቕቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ

ርእይቶ፡ ኣብ’ዚ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ትምህርቲ እዋን፡ ኣበርክቶ ወለድን መማህራንን ዕዙዝ ከምዝነበረ፡ እዚ ደገፋት’ዚ ድማ ጥዕናዊ ጽላት ሃገሮም ንምምዕባልን ጥዕና ሕብረተሰቦም ንምውሓስን ብኣተኲሮ ክሰርሑ ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ ሓቢሮም።ኣብ 2004 ዝተመስረተ ቤት-ትምህርቲ

ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ፡ ዛጊት 243 ብሓፈሻዊ ሕክምና፡ 22 ብሕክምና ስኒ፡ ብጠቕላላ 265 ዶክተራት ከም ዘፍረየ ሰነዳቱ ይሕብሩ።

ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ፡ ነታ ወደባዊት ከተማ ካብ ብከላ ናጻ ንምግባራ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ንምዕዋት እትሕግዝ፡ ንወፍሪ ኣንጻር ኣከባቢያዊ ብከላ እትድህስስ ኣስተምህሮኣዊት ሰነዳዊት ፊልም፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ጽገሬዳ ወልደገርጊስ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ዕዱማትን

ኣብ ዝተረኽቡሉ ተመሪቓ።ኣብ ሲነማ ስጋለት ኣብ ዝተኻየደ

ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሰ፡ ጽሬት ከተማ ባጽዕ ንምሕላውን ኣከባቢያዊ ብከላ ንምግታእን ዝጒስጒስ ሰሌዳታት ከምእተተኽለ፡ መአከቢ ጓሓፍ ከምእተዘርግሐ፡ ወፈራታት ጽሬት በብእዋኑ ከም ዝካየድ፡ ከምኡ’ውን

ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከም ዝግበር ብምሕባር፡ እታ ፊልም ነዚ ኣብ ምድንፋዕ ሓጋዚት ክትከውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።ሓላፊ ኣሃዱ ጽሬት ከተማ ባጽዕ ኣቶ

የዕብዮ ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ እቲ ዕላማ ብቐንዱ ውጽኢት ፕላስቲክን መሰልቱን ንምውጋድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዛጊት ተኻዪዱ ብዘሎ ኩሉመዳያዊ ንጥፈታት፡

ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ሳዕቤናት ውጽኢት ፕላስቲክ ይዓቢ ከምዘሎ ኣብሪሁ።ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡

ንዝያዳ ውጽኢታውነት፡ እታ ፊልም ንህዝቢ ብሓፈሻ ንተመሃሮ ድማ ብፍላይ ክትቀርብ፡ ኣብ ከባቢና ብዝርከብ ጸጋታት ድማ መተካእታ ፈስታል ክዳሎ ኣዘኻኺሮም።

ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ ሰነዳዊት ፊልም ኣመሪቑ

ስ/ ሄኖክ ሞኮንን

ገጽ 9ተስፎም ተሰጋጊሩ

Page 2: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 2 መበል 26 ዓመት ቁ.119

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454-07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ12፡00 ካርቱን12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ካብ ዞባታት13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ዶክተራት14፡55 ሕዋራት15፡20 Sport Highlights16፡05 National Geographic16፡55 ሸካት17፡30 ኖሪት18፡00 ናትራን20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ሂራር21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 መደብ ስፖርት22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 Tech Insight22፡30 ዜና እንግሊዝ22፡40 Film

ኣገደስቲ ቴሌፎናት

ሆስፒታል ሓሊበት18 54 00

ሆስፒታል ኦሮታ20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክሲቲ

12 22 22ፋርማችያ ቁ. 1

127565መጥፋእቲ ሓዊ

202099ማሕበር ቀይሕ መስቀል

154633

ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ኣብ ጠንቅን ሳዕቤናትን ፊስቱላ ዘሎ ኣፍልጦ ንምዕባይ፡ ንተመሃሮ ማእከላይ ደረጃ፡ መማህራንን ኮሚተ ምውጋድ ጐዳእቲ

ኣብ መንደፈራ ብዛዕባ ፊስቱላ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ልምድታትን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።እቲ ብሃማደኤ ዞባ ደቡብ ተወዲቡ

- ብ13 ጥሪ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣብ

ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ሳዕቤናት ፊስቱላ ዘተኰረ ኮይኑ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብሰንኪ ጉድለት ኣፍልጦ ንፊስቱላ ንዘይምቅላዕ ክጥንቀቓ

ዝዓለመ’ዩ። ኣብ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ክኢላታት

ጥዕና፡ ብሰንኪ ዕጉት ሕርሲ ግዳያት ፊስቱላ ኮይነን ኣብ መወከሲ

ሆስፒታል መንደፈራ ካብ ዝተሓከማ ደቂ-ኣንስትዮ - እተን 90 ሚእታዊት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝሓወያ ሓቢሮም።መርዓ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻብን

ካብ ጠንቂታት ፊስቱላ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ክኢላታት፡ ሕብረተሰብ ኣብ ምውጋድ ድሑር ልምድታት ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸዊዖም።ኣብ’ቲ ኣስተምህሮ ዝተሳተፋ ግዳያት

ፊስቱላ፡ ኣጋጢምወን ዘሎ ጥዕናዊ ጸገም፡ ብሰንኪ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ኣብ ትካል ጥዕና ዘይምሕራሰንን ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ማእከል ፊስቱላ መንደፈራ ብዝተገብረለን ፍወሳን ክንክንን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝርከባ ምስክርነተን ሂበን።

ኣባላት ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን፡ “ብዝትካእ ደም ዘይትትካእ ህይወት ምድሓን” ብዝብል ሕልናዊ ተበግሶ፡ ብወለንታኦም ደም ለጊሶም።እቲ ዕላማ፡ ኣብ ግዜ ሕማምን ሓደጋን

ንዘድሊ ህጹጽ ጠለብ ደም ትሕጃ ንምሓዝ ምዃኑ፡ ካብ ሃገራዊ ባንክ ደም ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ

ኣባላት ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ደም ለጊሶም

የረድእ።ልግሲ ደም ብተደጋጋሚ ከም ዘካየዱ

ዝጠቐሱ ኣባላት፡ እቲ ጉዳይ ሕልናዊ ዕግበት ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም።ንቕሓት ዜጋታት ኣብ ምልጋስ

ደም ንምዕባይ ዝካየዱ ጐስጓሳት ክሕይሉ ድማ፡ እቶም ኣባላት ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን በቲ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሮም።

ምጥርናፍ ዓድታት፡ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክዋደደሉን ብቐረባ ኣገልግሎት ክረክብን ስለዝሕግዝ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ክቕጽል ምዃኑ፡ ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ

ዒላ-በርዕድ - ምጥርናፍ ዓድታት ክድፋኣሉ እዩ ዞባ ዒላ-በርዕድ ኣቶ ተዓገስ ተስፋይ ገሊጹ። ኣቶ ተዓገስ፡ ኣብ ጽላታት ጥዕና፡

ትምህርቲ፡ ሕርሻን ማሕበራዊ ድሕነትን ንዝተሰላሰለ ንጥፈታት ድሕሪ ምግላጽ፡

ንዝለዓለ ውጽኢት ሓባራዊ ስራሕን ውህደትን ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ 4582 ሄክታር

ብዝናብ፡ ኣስታት 173 ሄክታር ድማ ብመስኖ ከም ዝለምዐ፡ ዝምስገን ምህርቲ ኣእካልን ጥረታትን ድማ ከምእተረኽበ፡

ኣቶ ተዓገስ ወሲኹ ሓቢሩ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዒላበርዒድ

ኣቶ ኣተሽም ነጋሲ ብወገኑ፡ ብጉልበት ይኹን ብማሽነሪ ኣብ ዝተዓመ ወፈራዊ ስርሓት ውጽኢታዊ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ቀጻልነቱ ክወሓስ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንከባቢታትን ዓድታትን ዘራኽብ መገድታት ምጽጋን፡ ግብሪ ጥሪትን መሬትን ብግቡእ ምእካብ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣገደስቲ ዕማማት፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ዝለዓለ ኣተኲሮ ከም ዝወሃቦም ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ሃሳዪ ልምድታት ብሓፈሻ፡ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከምእተወገደ ተሓቢሩ።ኣብ ከተማ ድባርዋ ብ10 ጥሪ ኣብ

ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣመሓደርቲ 28 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓዲ ጽጹይ መጽናዕቲ’ኳ እንተ ዘይተገብረ፡ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ዝገብርዎ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ከም ዝነበረ ገሊጾም።

ኣብ ድባርዋ ጐዳኢ ልምድታት ተወጊዱኣብ ምውጋድ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ

ገና ብድሆታት የጋጥም ከም ዘሎ ዝሓበሩ’ቶም ኣመሓደርቲ፡ ምትሕብባር መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ከይፍለዮም ተማሕጺኖም።ሓላፊት ጨንፈር ሃማደኤ ዞባ ደቡብ

ወይዘሮ ኣበራሽ ህብታይ፡ መርዓ ትሕቲ-ዕድመ ኣብ ጥዕናን ዕብየትን ጓል-ኣንስተይቲ ዘኸትሎ ሳዕቤን ከቢድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ማሕበር፡ በቲ ዛጊት ዝተመዝገበ ዓወት ከይተዛነየ፡

መደብ ሰሪዑ ብዝለዓለ ክነጥፈሉ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ

ኣብራሃም ተካ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተገብረ ሓያል ጎስጓሳት፡ ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሕጊን መሰላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቊጠባዊን ማሕበራዊን መዳያት እናበረኸ ይመጽእ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ንምሉእ ኣግእዞ ግን እቲ ጻዕሪ ብውህደት ክቕጽል ከም ዘለዎ ኣብሪሁ።

ስ/ ሚዛን ተ/ሚካኤል

Page 3: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 3 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ዮሴፍ ሃይለማርያም

ዝመረጽዎ መግቢ ኣልዒልካ ናይ ምብላዕ ባህሪ ዘለዎም ቈልዑ፡ ኣብ ቤትና ወይ ኣብ ካልኦት ስድራቤታት ኣጋጢሞምና ከምዝኾኑ ርጉጽ ነገር’ዩ። ዝመረጽዎ መግቢ ኣልዒሎም ዝበልዑ ቈልዑ (picky eater)፡ ኣብ እዋን መግቢ - መኣዲ ምስ ተቐረብካ - ብዙሕ ታዕታዕ ክፈጥሩ ዝርኣዩ’ዮም። ነታ ስድራ ድማ ኣብ ክንዲ ተዛንያ ትምገብ፡ ግዳይ ቈይቊን ‘ኣደብ ገይርካ ብላዕ’ ን ኣብ ዝብል ሃዋሁው ይሸሙዋ። ብፍላይ እቲ ዓይነት መግቢ ኣሕምልቲ ምስ ዝኸውን’ሞ፡ እቲ ታዕታዕ ዝሓየለ’ዩ ዝኸውን። እቶም ቈልዑ ‘ኣሕምልቲ ስለዘይንፈትዎ ኣይንበልዕን ኢና’’ ክብሉ፡ ወለዲ ብግደኦም ብማህረምቲን መግናሕቲን እናፈራርሑ፡ “ኣሕምልቲ ንጥዕና ኣገደስቲ ስለዝዀኑ ክትበልዕዎ ኣለኩም’’ ክብሉ ዝፍጠር ታዕታዕ ንመንፈስ መኣዲ እታ ስድራቤት ብዘይመጠን’ዩ ዝዘርጎ። ነዞም ዝመረጽዎ ዓይነት መግቢ እንተዘይኰይኑ ካልእ ምምጋብ ዝኣብዩ ቈልዑ ግን ብማህረምቲን መግናሕቲን ኣይኰንካን መስመሮም እተትሕዞም ወይ ጥዑይ ኣመጋግባ መግቢ እተልምዶም። እንታይ ደኣ፡ ጥዑይ ኣመጋግባ -

ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ

ብፍላይ ኣብ ቈልዑ፡ ዝልመድን ዝምዕብልን ብጥበብን ፍቕሪን ቀስ ብቐስ ምዃኑ ምርዳእ ከድሊ’ዩ። በዚ ድማ፡ ካብ ዝመረጽዎ ዓይነት መግቢ ጥራይ ናይ ምብላዕ ባህሪያት ኣውጺእካ፡ ናብ ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ መግቢ ከተሰጋግሮም ትኽእል። እዞም ዝስዕቡ ኣብ እትገብሮ መኣረምታ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ነጥብታት’ዮም፡ ተኸተሎም።

ብኣብነት ምራሕ• ወላዲ እቲ ዝለዓለ ኣብነት (ሮል

ሞዴል) ውላዱ’ዩ። ብፍላይ ድማ ንውላዱ ጥዑይ ኣመጋግባ ከማዕብል ኣብ ዝምህረሉ እዋን። ስለዚ፡ ከም ወላዲ መጠን፡ መጀመርያ ባዕልኻ ኣብ ኣመጋግባኻ ጥዑይ ምርጫ ዘርኢን ሓደስቲ ዓነታት መግቢ ብዘይ ምፍንፋን ወይ ብዘይ ጽልኣት ዝበልዕን ሰብ ኩን። ብድሕሪ’ዚ፡ ውላድካ ኣሰርካ ክስዕብ’ዩ። እምበኣርከስ፡ ጥዕና ዘለዎን ጥዑይ ኣመጋግባ ዘዘውትርን ውላድ ከተዕቢ እንተደሊኻ፡ ንባዕልኻ ኣብነት ኰይንካ ምራሓዮ - ክኽተለካ’ዩ።

ጥዕና ዘለዎ መግቢ መሪጽካ ምቕራብ፡

• ዓቕሚ ክሓጽረካ ዝኽእል’ኳ

እንተዀነ፡ ብዝክኣለካ ግን ኣብ ቤትካ እኹል ፍሩታታት፡ ኣሕምልቲን ጥረታትን ከምኡ ድማ ትሑት ቅብኣት ዘለዎ ውጽኢት ጸባን መግቢ ቀርብ። • ነቲ ዝቐረብካዮ ድማ ደቅኻ ኣብ

ዝርእይዎ ቦታ ቀርበሎም። እዚ ከኣ ሸውሃወቶም ክኸፍተሎም’ዩ። ኣብ ክንዲ ዝመረጽዎ ዓይነት መግቢ ናይ ምምጋብ ባህሪ ዝሕዙ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ምህናጽ ጥዑይ ኣካላት ተራ ዘለዎ ዓይነት መግቢ ተለማሚዶም ንኽዓብዩ ይገብሮም። ዝዀነ ዓይነት መግቢ ዘይምቕራብ፡ • ገለ ወለዲ ኣብ ቤቶም ዝዀነ

ዓይነት መግቢ ናይ ምቕራብ ልምዲ ኣለዎም። እዚ ግን ክውገድ ዘለዎ’ዩ። ብፍላይ ከም ልዑል ቅብኣት ዘለዎምን ሽኮር ዝተሓወሶምን መግብታት ናብ ቤትካ ካብ ምምጻእ ተቖጠብ። • ከምዚ እንተገይርካ ድማ ደቅኻ

ጥዕናዊ ረብሓ ዘይብሉ ዓይነት መግቢ ክለምዱ ስለዘይክእሉ፡ እቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ዓይነት መግቢ ተመጊቦም ክዓብዩ ከኽእሎም’ዩ። ዘይምግዳድ፡ • ንደቅኻ ባህ ዘይበሎም መግቢ

ክበልዑ ኣይተገድዶም። ምግዳድ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ውላድካን ጸቕጢ ጥራይ’ዩ ዝፈጥር። • ነቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዝጸልእዎ

ዓይነት መግቢ መታን ክለምድዎ፡ ምስቲ ዝፈትውዎ ዓይነት መግቢ ሓዊስካ ሃቦም። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ምሳሕ መወሰኽታ ዝኸውን ውሑድ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ከምዝህሉ ግበር። እዚ ምስ ገበርካ ድማ ደቅኻ ዝደለይዎ ዓይነት መግቢ መሪጾም ንኽበልዑ ዕድል ፍጠረሎም። • ንደቅኻ ኩሉ’ቲ ዝቐረብካሎም

ዓይነት መግቢ ንኽበልዑ ኣተባብዓዮም። • ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዝቕረብ ዓይነት

መግቢ ድማ ቆቁሩብ ወሲዶም

ክበልዑ ከምዘለዎም ዘተባብዕ መምርሒ ምኽታል’ውን ደቕኻ ጽቡቕ ኣመጋግባ ሒዞም ክዓብዩ ይሕግዞም።

ሓድሽ ዓይነት መግቢ ምፍታን• ደቅኻ ዝደለይዎ ዓይነት

መግቢ ንኽረኽቡ መታን ክሕግዞም፡ ዝተፈላለየ ትሕዝቶን ጣዕሚን ዘለዎ ሓድሽ ዓይነት መግቢ ፈትኖም። ነቲ ብቐጻሊ ዝምገብዎ ዓይነት መግቢ’ውን ገለ ግዜ ብኣከሻሽናኡ ፍሉይነት ዘለዎ ገይርካ ኣዳሊኻ ምሃብ’ውን ጽቡቕ’ዩ።

ምሃዚ ምዃን • ዝበዝሑ ወለዲ ደቆም ፍሩታታት

ወይ ኣሕምልቲ ምብላዕ ኣብዮሞም ክሽገሩ ይስምዑ’ዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ክንዲ ብኸመይ ደቆም ነቲ መግቢ ከምዝለምድዎ ዝጣበቡ፡ ነቲ ደቆም ዝጸልእዎ ዓይነት መግቢ ምቕራብ ከቋርጽዎ ይርኣዩ። እዚ ግን ጌጋ’ዩ። ጥዕና ዘለዎ ዓይነት መግቢ ክሳብ ዝዀነ ደቅኻ ኩሉ ዓይነት መግቢ ክበልዑ ከተልምዶም ኣለካ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ “ጸሊኦሞ፡ ምብላዕ ኣብዮሞ፡ ኣይፈትውዎን’ዮም. . . ወዘተ” ትብል፡ ነቲ ዝጸልእዎ ዓይነት መግቢ (ንኣብነት ኣሕምልቲ) ስሓቢ ብዝዀነ ኣከሻሽና ኣዳሊኻ ምስቲ ዝፈትውዎ መግቢ ሓዊስካ ቀርበሎም።

ቀስ ብቐስ ድማ ክለምድዎ’ዮም። ነቲ መግቢ ንኽትበልዖ ዘወናውን

ምግባር፡ • ነቶም ጥዕና ዝህቡ ዘዳለኻዮም

መግቢታት፡ ንምብላዖም ዘወናውኑ ገይርካ ምቕራቦም ንሸውሃት ደቅኻ ኣብ ምኽፋት ልዑል ተራ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ዝተፈላለየ ዓይነት እምበቲቶ ኣብ እተዳልወሉ እዋን፡ ነቲ እምበቲቶ ንኽብላዕ ኣወናዋኒ ብዝኾነ ቅርጺ ቆራሪጽካ ቀርበሎም - ክበልዕዎ’ዮም።

ኣብ ምስራሕ መግቢ ምውሳእ፡• ቈልዑ ዝያዳ ነቲ ንሳቶም ምስ

ወለዶም ኰይኖም ዝሰርሕዎ መግቢ ናይ ምብላዕ ድሌት ኣለዎም። ስለዚ፡ ደቅኻ ኣብ ቁርሲ ይኹን ኣብ ምሳሕ፡ መግቢ ኣብ ምስራሕ ክሕግዙኻን ንመስርሒ መግቢ ዘድሊ ነገራት ከቀባብሉኻን ባይታ ፍጠረሎም። ዋላ’ውን እንተወሓደ ምሳኻ ኣብ ክሽና ደው ኢሎም ክዕዘቡኻ ዕድል ሃቦም። • ንደቅኻ ኣብ እዋን ኣስቤዛ ምዕዳግ

ናብ ዕዳጋ ምሳኻ ከይዶም (በብተራ ማለት’ዩ) ከምዝዋስኡ ግበሮም። እዚ ክትዕድጎ ከለኻ ብዓይኖም ዝርእይዎ መግቢ ንኽበልዕዎ ባህታ’ዩ ዝፈጥረሎም። ከምኡ’ውን ኣብ መግቢ እወታዊ ኣተሓሳስባ ከሕድሩን ጥዑይ ኣመጋግባ ክለምዱን ክሕግዞም’ዩ።

ስም ቈልዓ ምውጻእ ንብዙሓት ወለዲ ብድሆ ፈጢሩ ዘሎ’ዩ። እዚ ኸኣ፡ ወለዲ፡ ኣብ ኣወጻጽኣ ኣስማት ደቆም ብልቦና ክጽዕትሉ ዘለዎም ምዃኑ ኣየካትዕን። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝዓብዩ ቈልዑ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ስም ንሓደ ቈልዓ ምስ ዓበየ ዓሚቚ ጽልዋ ከምዝፈጥረሉ ኣረዲኡ። “ስም ኣብ ኣተሓሳስባን መንነትን

ናይቶም ቈልዑ ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን። ኣቓልቦ ሕብረተሰብ’ውን ዝስሕብ’ዩ። ነቶም ቈልዑ’ውን ሰባት ብዛዕባኦም እንታይ ከምዝሓስቡ ጽልዋ ስለዘሕድረሎም፡ ወለዲ ነዚ ተረዲኦም ኣብ ኣወጻጽኣ ኣስማት ደቆም ልቦና ዝተሓወሶ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ’’ ይብል ካብ ዩኒቨርሲቲ ኢሊኖይስ ዶ/ር ደቪድ ፊግሊዮ። ንሓደ ቘልዓ ስም ጓል ዝጥዕም

ስም ምስ እተውጽኣሉ ምስ ዓበየ ኣብ ሂወቱ ናይ ባህሪ ጸገም ከምዘስዕበሉ

ጽቡቕን ሕማቕን ኣስማት ኣብ ቈልዑ . . .ከኣ ዶ/ር ፊግሊዮ ከም ኣብነት ኣቕሪቡ። ፍሉይ ስም ምውጻእ ድማ ነቲ ቘልዓ ምስ ዓበየ ንበይኑ ዝገጥሞ ብድሆ ከምዝፈጥረሉ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።ኣቐዲሞም’ውን ብዙሓት

መጽናዕትታት፡ ስም ምምራጽ ነቲ ቈልዓ ብፍላይ ኣብ ግዜ ጉብዝናኡ/ግርዝውናኣ ከምዝጸልዎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ 3 ሽሕ ወለዲ

ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ካብ ሓሙሽተ ወለዲ እቲ ሓደ ብኣወጻጽኣ ስም ደቁ ከምዝጥዓስ ገሊጹ። ብዙሓት ካብዞም ኣብ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ወለዲ ድማ፡ በቲ ዘይንቡርን ቀልዲ መሰልን ንኽትጽሕፎ ድማ ስግንጢርን ዘውጽእዎ ኣስማት ደቆም ጸቕጢን ወቐሳን ከምዝስምዖም ገሊጾም። እቶም ብዘውጽእዎ ሰም ደቆም

ጣዕሳ ከምዘይስምዖም ዝገለጹ’ውን እንተኾኑ፡ ሽዕኡ ግዜ ክመርጽዎም ዝነበሮም ኣስማት ከምዝነበሩ ግን ተኣሚኖም’ዮም። ኣብ ሃገርና ንኣወጻጽኣ

ኣስማት ዝምልከት መጽናዕቲ’ኳ እንተዘይተኻየደ ፡መስመሩ ስሒቱ ይኸይድ ከምዘሎ ግን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ቈልዑ ዝወጹ ዘለዉ ኣስማት፡ ኣንፈቶም ዝሰሓቱ’ዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ መበቈሎም ዘይተፈልጠ፡ ክትጽሕፎምን ከተድምጾምን ዘይምቹኣትን ኣጸገምንቲን (ብፍላይ ንዓበይቲ ሰባት) ብዓቢኡ ድማ ምስ ታሪኽናን መንነትናትን ዘይተኣሳሰሩ ብምዃኖም ስክፍታኦም ቀሊል ኣይኮነን። ብኣጋኡ ዝስተኻኸለሉ ባይታ እንተዘይተፈጢሩ ድማ ሳዕቤኖም በዳሂ ከምዝኸውን

ኣየጠራጥርን። ኣቦታትና ክምስሉ “ስም ይመርሕ

ጥዋፍ የብርህ” ኢሎም ’ ዮም ። ምኽንያቱ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ጥዋፍ ኣብ ግዜ ጸልማት መ ብ ራ ህ ቲ ዝኾነካ፡ ስም ድማ መስትያት ናይ ሕብረተሰብ ኮይኑ ታሪኽን ባህሊን ዝነግር’ዩ። ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ ከምዝበሃል፡ ኣወጻጽኣ ኣስማት ደቅና ብዕቱብ ርኢና ናብ መስመሩ ነእትዎ -

ብፍላይ እቶም ካብ መስመርና ወጺና ኣስማት እንመርጽ ዘለና ወለዲ።

Page 4: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 4 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ደብዳበታት ኣንበብቲ

ፍናን መሓሪ

ሓሸላ ኣብ መእተዊ ከተማ ከረን እትርከብ ቢንቶ እያ። ካብ እትህነጽ ሓያለ ዓመታት ምስ ምቑጻራ ዓበይትን ንኣሽቱን ተሽከርከርቲ ብዘይዕረፍቲ ስለ ዝንቀሳቐሳላ ዕንወት ከጋጥማ ባህርያዊ’ዩ። ውሑስን ዘተኣማምንን ትራፊካዊ ኣገልግሎት ክትህብ ድሕሪ ምጽንሓ፡ ኣብ ዓመተ 2016 ክራማት ብዝወቕዐ ዝናብ 25% ናይታ ቢንቶ ዓንዩ። ብኡ ዝመሓላለፉ መራሕቲ መኻይን ድማ ኣዝዮም ይሹቕረሩ ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እዞም ዝሓለፉ ሽድሽተ

ኣዋርሕ ዝኾነ ጽገናዊ ስጉምቲ ስለ

ዘይተኻየደላ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዕንወታ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ምሉእ ብምሉእ ዓንያ ንተሽከርከርቲ ጸገም ከይትፈጥርን ሓደጋ ከይተስዕብን ድማ ተስግእ። ስለዚ፡ ቤት ጽሕፈት ዞባ ዓንሰባ ምስ ምምሕዳር ከተማ ከረንን ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር፡ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ ቈላሕታ ገይሩ ግቡእ ጽገና ከካይደላ እዋኑ ዝጠልቦ ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ።

ኤልያስ የማነ ደብረሲና

ቢንቶ ሓሸላ ቈላሕታ ይገበረላ

ኣብ ከተማ ባጽዕ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብእንዳ ኮርያ ዝፍለጥን ከባቢ እንዳ ሚካኤልን ብርክት ዝበሉ ኣኽላባት ተዘሪኦም ይርከቡ ኣለዉ። ብጉጅለን ብውልቅን ኣብ ፈቐድኡ እናዛወኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከውርዱ’ውን ይረኣዩ። ብዕለት 22/12/2016 ንሓንቲ ኣደ ሽሞንተ ኣኽላባት ከቢቦም ክልተ ካብኦም ክሰሃሉወን ፈቲኖም። ነቶም ኣኽላባት ኣባሪርና ናብ ሕክምና ምስ ወሰድናየን ክልተ ብተመሳሳሊ ከልቢ ዝተነኽሱ ሰባት ኣብቲ ቦታ ጸኒሖምና። ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ከልቢ ሰለስተ ሰባት ተነኺሶም ማለት እዩ። እቲ ንሰለስቲኦም ዝነኸሰ ፋሉል ከልቢ ብነበርቲ እንዳ ሚኪኤል ተቐቲሉ እኳ እንተኾነ ጉጅለኡ ግና ሕጂ እውን ሰባት

ፋሉላት ኣኽላባት ኣብ ከተማ ባጽዕ…

ኣብ ምጽባእን ምኽታርን ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ጥራይ ሽዱሽተ ሰባት ተነኺሶም ኣለዉ። እዞም ኣብ ከተማ ባጽዕ ካብ ናብ ክዛውኑን ሰባት ከሸግሩን መሬት ዝዓርቦምን ዝወግሖምን ዘሎ ፋሉላት ኣኽላባት ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ተጠቒዖም ከይኮኑ ሻቕሎት ነበርቲ ከተማ ባጽዕ እዩ። ብኣውራኡ ከኣ ነበርቲ እንዳ ኮርያን እንዳ ሚካኤልን ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቕና ኣሎና። ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ እምበኣር ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ጠሚቱ እዞም ፋሉል ኣኽላባት ዝኸበደ ጉድኣት ከየውረዱ እንከለዉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክለቕሞም እላቦ።

ፋብሪ ወዲ ኣፍዓበት ባጽዕ

ኣብ ከባቢ መወዳእታ ፌርማታ ሓዝሓዝ (ኣስመራ) ብላዕልን ታሕትን ዘለዉ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ መንጎኦም ዝርከቡ ጎደናታት፡ ነበርቲ ኣብ ቅድሚ ገዝኦም መካበብያታት ሰሪሖምሎም ኣለዉ። ብሰንኪ ተሰሪሑ ዘሎ መካበብያ መገዲ ካብ ዝዕጾ ሓያለ ግዜ ኣቑጺሩ ኣሎ። ከምኡ ኮይኑ ስለ ዘሎ መካይን ሒዝካ ክትኣቱን ክትወጽእን ኣይትኽእልን። ሕክምና ይኹን ካልእ ህጹጽ ጉዳይ ምስ ዘጋጥም ድማ’ዩ እቲ

ጸገም ጐሊሑ ዝርአ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንግደት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ ኣብ ዝነበረሉ፡ እቲ ሽግር መሊሱ ገዲዱ። እዚ ተሰሪሑ ዘሎ መካበብያታት ኣብ ምንቅስቓስ ብቐጻሊ ጸገም ይፈጥር ብምህላዉ ምምሕዳር ዕዳጋ ሓሙስ እቲ ጎደናታት ናጻ ዝኾነሉ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከዘኻኽሮ እፈቱ።

ጆን ኣስመራ

ጐደናታት ዝዓጽዉ ዘለዉ መካበብያታት

ኣብ መስመር ሰንዓፈ- ሰርሓ ህዝቢ ዘመላልሱ ወነንቲ ናይ ውልቂ ኣውቶቡሳት ዝፍጽምዎ ጌጋታት ዝምልከቶም ኣካላት ዘንጊዖሞ ስለ ዘለዉ’የ ክጽሕፍ ተገዲደ። መጐዓዝያ ኩባንያ ሓራት ንሓደ ተጐዓዚ 7 ናቕፋ እናኽፈለ ወነንቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ግን 20 ናቕፋ እዮም ዝሓቱ። እቲ ዝሓትዎ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ክፍሊት ብመጐዓዝያ ምድሪ’ቲ ዞባ ብዝሃቦም መምርሒ ዘይቅየዱ ምዃኖም ዘነጽር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንስሱዕ ተግባራቶም እውን ኣጉሊሑ ዘርኢ’ዩ። ኩሎም እኳ እንተዘይበልኩ ዝበዝሑ ኣብዚ መስመር ተዋፊሮም ዝርከቡ ወነንቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት፡ ሕግታት ትራፊክ ንምጥሓስ ድሕር ዘይብሉ’ዮም። ልዕሊ

ክሳብ መዓስ መፍቶኦም ክንከውን?

ሓደ ካብ ጠንቂ ምብልሻው ጽባቐ ከተማ ኣብ ጎደና ምሻን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይእሩም ተግባራት ካብ ዝዝውተር ከኣ ሓያለ እዋን ኣቑጺሩ ይርከብ። ልክዕ እዩ ገለ ሰባት ብሰንኪ ዝህልዎም ናይ ጥዕና ጸገም ኣብ ቀረባኦም ዓይነ ምድሪ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ከምኡ ክገብሩ ይግደዱ እዮም። እዚ ነቐፌታ እዚ ከኣ ንዕኦም ዝምልከት ከምዘይኮነ ክትርድኡለይ እደሊ። ዘዛርበኒ ዘሎስ ናይቶም ብጨው ቀትሪ ሰብ እናረኣዮም ከም እንስሳ ኣብ ጎደናታት ብፍኑው ዝሸኑ እዩ። ገለ ሰባት፡ “ኣብዚ ምሻን ብሕጊ የሕትት’ዩ!” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናረኣዩ ቅንጣብ ስክፍታ ከይሓደሮም ድርቅና ሓዊሶም ክሽኑ እንክትርእዮም ብሓቂ ሕርቃንካ ጥርዚ ይበጽሕ። “ዶምበርከ ጥዑይ ኣእምሮ ዝተዓደሉን ዝውንንኑን እዮም፡” ከኣ ትብል። ኣብ ከባቢ ፒያሳ ሚካኤል ዝርከቡ መናድቕ እንተድኣ ኣስተብሂልናሎም ብፍላይ ኣብ ጥቓ ባር ሽሻይ (ስእሊ ርአ)

ካብኡ ሓሊፍካ ኣብ ጎደና 176– 12 ዝርከቡ ጸበብቲ ጎደናታት ብሽንቲ ጨንዮም ጥራይ ዘይኮኑ እቶም መናድቖም’ውን ጠስጢሶም እዮም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፡ ሽንቲ ቤቶም ዝርግጡ እዮም ከይንብል ከምኡ ዝገብሩ ኣይኮኑን። ክሸይን ንዝደለየ’ውን ኣይክልክሉን’ዮም። እቶም ኣብ ጎደናታት ክሸኑ ዝደልዩን ዝመርጹን ዘለዉ ደኣ እንታይ ጉዶም?! ግር ይብለካን የተሓሳስበካን። ነዞም ብፍኑው

ጎደናታት ዘባላሽዉ፡ መናድቕ ዘጠስጥሱ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ብትሪ ክንቃወሞም፡ ዓገብ ክንብሎም ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ኣብ ቦታ ሕጊ ከነብጽሖም ናይ ነፍስ ወከፍና ሓላፍነት ከምዝኾነ ክሕብር እፈቱ። ከምኡ ምስ እንገብር ድማ’ዩ ጽሬትን ጽባቐን ጎደናታትና ክዕቀብ ዝኽእል።

ኣስመሮም ኪዳነ ኣስመራ

ኣብ ጐደናታት ምሻን ዓገብ!

መኻይኖም ዝሕዝኦ ኩርሲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምስ ንብረቶም ኣብ መንገዲ እናጸዓኑ ንተጐዓዝቲ ከም ሓሰር ክስጉዱ ሰገጥ ኣይብሉን። እዞም ብዛዕባ ጅባኦም ምህጣር’ምበር ንድሕነት ህዝቢ ዘይሓስቡ ዘይሓላፍነታውያን ወነንቲ ኣውቶቡስ፡ ፈቓቕ ፈጢሮሙሎም ዘለዉ እቶም ኣብኡ ዝተመደቡ ኣባላት ቀጠና እዮም። ወነንቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት

ሕግታት ፖሊስ ትራፊክን መጉዓዝያ ምድርን ብቕሉዕ ጥሒሶም ካብ ናብ ይመላለሱ ከም ዘለዉ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝርከቡ ተቘጻጸርትን ኣባላት ቀጠናን ኣዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ ጉዳይ እዩ። ንሶም ሓላፍነቶም ስለ ዝዘንግዑ ድማ፡ ተሳፈርቲ ምስ መራሕቲ መካይን

ኣብ ቀጻሊ ጭቕጭቕ ክጽመዱ ይርኣዩ ኣለዉ። መጉዓዝያ ምድሪ ዞባ ደቡብን ንኡስ ዞባ ሰንዓፈን ነቶም ብሕጊ ትራፊክን መጉዓዝያ ምድርን ዘሽካዕልሉ ዘለዉ መውረርያ ክገብረሎምን ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስደሎምን ኣለዎ በሃላይ እየ። እቲ ምንታይ ስሱዕ ሸውሃቶም ከርውዩ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘስካሕክሕ ሓደጋ ከውርዱ ስለ ዝኽእሉ። ተሳፈርቲኸ ክሳብ መዓስ ኢና መፍቶ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ክንከውን?! ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ጠሚቱ መፍትሒ ክረኽበሉ ምሕጽንታይ አቕርብ።

ኣፈንዲ ዓ/ወሃብ (ወዲ ወድን)ሰንዓፈ

ህዝባዊ መጐዓዝያ ማእከል ስሉጥን ርትዓውን ኣገልግሎት ንምሃብ ዘይሕለል ጻዕሪ የካይድ ኣሎ። ኣብቲ ነባርን ሓድሽ ዝተኸፍተ መስመርን ኣውቶቡሳት ብምውፋር ትርግታ ልቢ ተጉዓዝቲ ኣብ ምስማዕን ድሌታቶም ኣብ ምምላእን ይርከብ ኣሎ። እንተኾነ ኣብ ኣሰራርሓኡ ለውጥታት ኣብ ዝገብረሉ፡ ፌርማታታት ክስርዝ ንዕዘብ ኣሎና። ከባቢ ባር በረኸት፡ ሲነማ ሮማ ወዘተ∙ ዝነበሩ ኣገደስቲ ፌርማታታት ካብቶም ዝተሰረዙ ገለ እዮም። ንሶም ብምስራዞም ነዊሕ መንገዲ ብምጉዓዝ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ክኣትዉን ናብ ገዝኦም

ኣብ ብርክት ዝበላ ትካላት መንግስቲ፡ ሰብ ትካላት፡ ወነንቲ ኣባይትን ካልእን ፋይል ዝዕቀበሉ ብመዝገብ ቤት ዝጽዋዕ ክፍሊ ኣሎ። ብዘይካ ኣባላት ዝኾነ ሰብ ኣብ ክፍሎም ክኣቱ ከምዘይፍቀደሉ ዝሕብር ምልክታ ኣብ ማዕጾኦም ለጢፎም ድማ’ዮም ሰብ ጉዳይ ክሰምዑ ዝረኣዩ። እንተኾነ ውሑዳት እንተዘይኮይኖም እቶም ዝበዝሑስ ነዚ ሓበሬታ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣይረኣዩን። ከምኡ ስለዝኾኑ ኣባላቶም ዘይኮኑ ንኽፍሎም ዓሰርተ ሳዕ ከንጠቕጥቕዎ፡ ፋይላት ካብ ከብሒ መመዚዞም ክገናጽሉን ኣብ ጣውላ ዛሕዚሖምዎ ክኸዱን ትዕዘብ።

ኣብ ገለ ምምሕዳራት “ፋይልኩም ጠፊኣ ስለዝበሉና እንሀለና ዕንክሊል ንብል ኣሎና። ነቲ ቤት ጽሕፈት ብምምልላስ መንገዲ ማይ ኣውጺእናሉ! ፋይልና ክጠፍእ ዝኸኣለ ኣብ ቤት መዝገብ ዝምልከቶን ዘይምልከቶን ስለ ዝኣትው’ዩ!” ብምባል ነቲ ሓላፍነት ኣሰኪሙ ዘስርሖም ምምሕዳርን ንኣባላትን እናነደሩ ዝነቕፉ ሓሓሊፎም የጋጥሙኻ እዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ማይ ጭሆት ዝርከብ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ግብሪ ክኸፍል ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ሓደ ሰብ፡ “ፋይለይ ጠፊኣ ኢሎም ሓያለ ግዜ ኣመላሊሶምኒ፡ ኣይ ኣነ ዕዳይ ከፊለ

ኣይ መንግስቲ ግብሩ ኣኪቡ፡” እናበለ ኣማሪሩ ክዛረብ ሰሚዐዮ። ቤት መዝገብ እንዳ እቶ በሎ ብምዃኑ ድማ’ዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤናት ዝስዕብ ዘሎ’ሞ፡ እቲ “ኣብ መዝገብ ቤት ብዘይካ ኣባል ዝኾነ ሰብ ክኣቱ ኣይፍቀድን፡” ዝብል ሓበሬታ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ እብል። ነዚ ብቐዳምነት ከተግብርዎ ዝግብኦም ድማ ኣባላት እቲ ክፍሊ እዮም። ንሶም ምስ ዘየተግብርዎ ከኣ እቲ ዝመደቦም ኣካል ክቈጻጸሮም ሓላፍነቱ ምዃኑ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።

ተኪኤ ኣስመራ

ኣብ መዝገብ ቤት ዝምልከቶን ዘይምልከቶን . . .

ክምለሱን ዝረኣዩ ሰራሕተኛታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ናብ ትካላት መንግስቲ ዝመላለሱ ሰብ ጉዳይ’ውን ተማሳሳሊ ጸገም ከጋጥሞም ምጽንሑን ምህላዉን ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ብርክት ዝበሉ ሰባት ነብሰይ ወሲኽካ እዞም ተሰሪዞም ዘለዉ ናብ ዝነበርዎ ተመሊሶም እንተዘርእየና ንብል ኣሎና።ጉዳይ መጸበዪ’ውን ሓደ ርእሱ

ዝኸኣለ ካብቲ ብቐጻሊ ዘዛርብ ኣርእስቲ እዩ። ብምኽንያት ምቅይያርን ምስራዝን ፌርማታታት፡ ከም ኣብ ከባቢ ኣልሓሽሚ ዝርከብ መጸበዪ ኣውቶቡሳት ቀልጢፎም ዘይምልዓሎም ካብቲ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ዘሎ’ዩ። ኣውቶቡሳት ደው ዘይብላሉ እንተኾይነን ንምንታይ ኣብኡ ተዓኒዱ ይተርፍ! ተላዒሉ ኣብ ካልእ ኣውቶቡስ ደው ትብለሉ ፌርማታ ከም ዝትከል ዘይግበር?! ኣብ ጎደና በይሩት ምስ መንደቕ ሚኒስትሪ ህንጻ ተጐዝጒዙ ዝርከብ መጸበዪ

ከም ኣብነት እንተወሲድና ጽላል ዝበሃል ስለ ዘይብሉ ተጸበይቲ ኣብ ጸሓይ ቀራዕ ክብሉ ኢኻ ትርእዮም። ካብዚ ኣርእስቲ ከይወጻእኩ ኣብ ከባቢ ሃኮሰኤ ዝርከብ ጋራጅ ናይ ኣውቶቡሳት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ርእሲ ርእሲ ተጸፍጺፉ ዝተቐመጠ መጸበዪ(ኮፍ መበሊ) ኣሎ። ኣብኡ እንታይ ይባቑጥ? ንምንታይ ካብኡ ተላዒሉ ኣብቲ ኮፍ መበሊ ዘይብሉ ፌርማታ ዘይትከል? መልሲ ዘድልዮ ሕቶ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነዝን ካልእን ዝምልከት ርእይቶ ተጻሒፉ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣብዚ ረጊጽናዮ ዘሎና ዓመተ 2017 ህዝባዊ መጉዓዝያ ማእከል ምስቲ ኩሉ ጻዕርታቱን ልዑል ተገዳስነቱን ነዞም ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩዎም ጉዳያት ክሓስበሎም አዘኻኽሮ።

መም/ሰጊድ ዘካርያስሰምበል

ህዝባዊ መጐዓዝያ ማእከል ይሕሰበሎም

ግዳይ ሽንቲ ዝኾነ መንደቕ

Page 5: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 5 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ሴፍ ኣብ ከብዲ ናደው

መበል 18 ክፋል

፨ ወዲ ሃይለ - ተጋዳላይ ብብዙሓት ዘሕዝኑን ዘሐጉሱን ተኣምራታት ዝሓለፈ እዩ’ሞ፡ ኣብ ሰብኣዊ መዳይ ገድሊ፡ ካብ ዝኽርኻ ዘይእለዩ ፍጻመታት ከተዕልለና። ረዘነ ሓወይ፡ ወዲ ሸውዕተ ዓመት

ምስ ኰንኩ እዩ ተወሊዱ። ኣነ ኣብ ጥሪ 1974 ዓ.ም. ናብ ሜዳ ክወጽእ

ከለኹ ከኣ፡ ወዲ 8 ዓመት ገዲፈዮ። በዚ ምኽንያት፡ ምሳይ ናይ ህጻንነቱ ምስሊ እዩ ኣብ ኣእምሮይ ነይሩ። ኣብ 1982 ዓ.ም. ሜዳ ከም ዝወጽአ ሰሚዐ። ሓንቲ መዓልቲ ክርእዮ ሃንቀውታ ነይሩኒ። ኣብ 1982 ኣብ ግንባር ሓልሓል ርእሰይ ተሃሪመ እናተሓከምኩ ከለኹ፡ መራሒ ብርጌድና ዝነበረ ስዉእ ተጋዳላይ ገረዝጊሄር (ውጩ)፡ ንኽዘናጋዕ ኢሉ ‘ንዓናይ ናብ እንዳ 17’ (እንዳ ሓራሳት) ምስ በለኒ፡ ተተሓሒዝና ዜሮ ከይድና። ብኡ ኣቢልና ዓምበርበብን ካልኦት ቦታታት በጺሕና። ሽዑ ደሃይ ረዘነ ሓወይ ረኺበ። ግን ኣናድየ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ኣብ 1985 ኣብ እንዳ 101፡ ድሕሪ

መስመር ከለኹ ብኸቢድ ተወጊአ ሕክምና ማይላም ክኣቱ ከለኹ፡ ረዘነ ሓወይ ኣብ ባረንቱ እግሩ ተሃሪሙ ኣብ ማይላም ነይሩ። ንሕና ሸሞንተ መኪና ንኸውን ኣዚና ህሱያት ናብ’ቲ ሕክምና ምስ መጻእና፡ ኣብኡ ዝጸንሓኒ ወዲ ሓወቦይ ዝብጸሓኒ ተጋዳላይ መርሃዊ ወልደንኬል፡ ‘ረዘነ ረኺብካዮዶ?’ ክብል ሓቲቱኒ። “ኣይረኸብኩዎን” ኢለዮ ሃለዋቱ ምስ ነገረኒ እናተሓጎስኩ። “እዋእ እዞም ህሱያት ምስ መጻእኩም

ሕጂ ናብ ሳዋ ከይዶም እምበር፡ ኣብ’ዚ እንድዩ ጸኒሑ’ ዘይምርኻብና እናገረሞ ኣቕቢጹኒ። ንሳቶም መውጋእቶም ብተዛማዲ ፍኹስ ዝበለ ስለ ዝነበረ እዮም ቦታ ንኸይጸብብ ናብ ሳዋ

ግዒዞም። ክልተና ኣብ ሓደ ቦታ ከለና ከይተራኸብና ምፍልላይና ኣሕሲቡኒ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ሳዋ ክረኽቦ ተስፋ ስለ ዝነበረኒ ‘ደሓን ሳዋ ምስ ከድና ክረኽቦ’የ’ ኢለ ተደዓዒሰ። ሳዋ ምስ ኣተና፡ በቲ ከቢድ መውጋእቲ

የዕለብጥ ስለ ዝነበርኩ፡ ካብ ውጉኣት ተፈልየ ኣብ ደገ ደቂሰ እየ ዝሕከም ነይረ። ካብ መደቀሲ ክንቀሳቐስ ስለ

ዘይክእል፡ ንየው ነጀው ኢለ ክረኽቦ ዝኽእል ኣይነበርኩን። መርሃዊ እውን ናብ ሳዋ ስለ ዝመጽአ፡ እንደገና “ኣያ ሕጂኸ ረኺብካዮዶ?’ ኢሉ ሓቲቱኒ። ከም ዘይረኸብኩዎ ምስ ነገርኩዎ “ኣንታ ኣብ’ዚ እንድዩ ደኣ ነይሩ፡ ኣብ’ዚ ምሽ ጸኒሑ. . .” ናብ’ቲ ኣብ ስግረይ ዝነበረ ቦታ እናመልከተ ሓበሬታ ምስ ሃበኒ፡ “ኣየናይ’ታ እቲ ቀይሕ ጎበዝ ወዲ” በልኩዎ ከረጋግጽ። “እወ ንሱ” መሊሱለይ። ረዘነን

እቶም ምስኡ ዝነበሩ ተጋደልቲን ኣብ ስግረይ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኰይኖም እናተጻወቱ እርእዮም ነይረ። ‘መዓስ’የ ካብ መውጋእቲ ሓውየ ከም’ዚኣቶም ዝኸውን!’ እናበልኩ ደኣ እቐንእ ነበርኩ እምበር፡ ፍጹም ብዛዕባ ካልእ ኣይሓሰብኩን። “ኣበይ ደኣ እረኽቦ?”

“ሕጂ ደኣ እዞም ህሱያት ምስ መጻእኩም ናብ ዓራርብ ከይዶም”።ምሉእ ነብሲን ቁመትን ዝውንን

ጎበዝ እዩ ኰይኑ። ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረ ናይ ቁልዕነቱ ምስሊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጥቓይ ከሎን እናጠመትኩዎን፡ ሓወይ ክኸውን ፍጹም ኣይገመትኩን። ብዓይነይ እናረኣኹዎ፡ ሓወይ ምዃኑ ከይፈለጥኩ ምስ ከደ ግን “እሮማይ ሓወይ ኣይረኽቦን እየ” ኢለዮ ንመርሃዊ። ውግእ ገጻት ተጀሚሩስ፡ እቶም

ካብ ሕክምና ዝመጻእና ውጉኣት ናብ ኣሃዱና ኣቲና። ሓሊበት ምስ በጻሕና መዛምድተይ ነበር ኣዜብ መጺኣ ተራኺብና። ኣብ እንዳ 17 ከለና፡ ምስ መራሒ

ብርጌድና ዝነበረ ስዉእ ተጋዳላይ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)፡ ሰሚናር ክንሳተፍ ብሓንሳብ ከይድና። ኮፍ ኢልና ሰሚናር እናተኸታተልና፡ ኣብ ትሕተና፡ ወዲን ጓልን ነቲ ሰሚናር ግዲ ከይገበሩ የሕሸኹሽኹ ነይሮም። ሰብ እናተኸታተለ ከሎ ኣብ ዕላል ምጥሓሎም ኣስተብሂለሎም። ሰሚናር ተፈጺሙ፡ ንጽባሒቱ ጓል

ኣሞይ ንዓና ክትርኢ ካብ እንዳ 17 ምስ መጽአት፡ ድሕሪ ሰላምታ፡ ምስ ረዘነ ኣብ ሰሚናር ተራኺቦም ከዕልሉ ከም ዝሓደሩ ምስ ነገረትኒ “በየን ወገን ደኣ ነይርኩም?” ኢለ ሓቲተያ። ዝነበሩሉ ቦታ ሓቢራትኒ። እቶም ኣብ ትሕተና ኰይኖም ዘሕሸኹሽኹ ዝነበሩ ሓወይን ጓል ኣሞይን ምዃኖም ሽዑ ፈሊጠ። እቲ ኣጋጣሚታት ጋን ኰይኑኒ። እንደገና ‘እሮማይ ኣይንራኸብን ኢና” ኢለ ብውሽጠይ። ኣብ እዋን ተኽሊጥ ኣነ፡ (ካሕሳይ) ወዲ

ሳበ፡ ዘካርያስን ካልኦትን ቦታና ክንፈልጥ ናብ ገረግር ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ ኣብ እንዳ 16 ከም ዝበጽሓኒ ፈሊጠ - በዓል ወዲ ሳበ እውን ቦታኦም ምስ ፈለጡ፡ ናብ መዕረፊና ብግስ ክንብል፡ ምስ’ተን ተኽሊጥ ክገብራ ኣብሪዀን ዝነበራ ቦጦሎኒታት፡ ኣባላት ናይ’ታ ረዘነ ዝነበራ ቦጦሎኒ ሰለስተ፡ ክፍለ ሰራዊት 70፡ ብርጌድ 10፡ ብሓደ ወገን ኣብሪኾም ነይሮም። ስለ ዝፈለጥኩ ዘይኰነስ ናይ ኣጋጣሚ እያ ጎፍ ኢላትና። ኣብ’ታ ክፍለ ሰራዊት ምንባሩ ፈሊጠ

ስለ ዝነበርኩ እንተ ረኸብኩዎ ኢለ፡ “ኣታ ወዲ ሳበ - ደሃይ እዚ ሓወይ’ባ ግበሩ” ኢለዮም ከተሓትቱኒ ኢለ። ክልቲኦም ናብ ክልተ ቦጦሎኒ ተፈንጪሎም

ክሓትቱ ተበግሱ። ወዲ ሳበ፡ ንሓንቲ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ዝነበረት በጽሒ ተጋዳሊት ተዳህዩ፡ “ረዘነ ሃይለ. . .” ኢሉ ክሓታ ከሎ ሰሚዐዮ። እታ ጓል ሓንሳብ ቀው ኢላ ምስ ጠመተቶ፡ ናብ ቅድሚት ናይ’ቲ መስርዕ - ናብ መራሒ ሓይሊ ከይዳ። እንታይ ከም ዝተበሃሃሉ ኣይፈለጥኩን፣ ኰይኑ ግን ብናይ ኢድ ምልክት ናይ የለን ዝመስል መልሲ ክህባ ተዓዚበ። ሓወይ ከም ዘየለ ሽዑ ተረዲኡኒ። ወዲ ሳበ ጸኒሑ ምስ ተመልሰ፡ እንታይ ከም ዘዐንዘዞ ወይ ኣእምሮኡ ኣበይ ከም ዝነበረ እንድዒ፡ ሓወይ ምዃኑ እውን ዘንጊዑ “ኣታ ወዲ ሃይለ ዓርከይ - እዛ ወዲ ደኣ ተኻሪጃ እንድያ” በለኒ። ሰንቢደ - ውሽጠይ ብጓሂ ነዲዱ። “ደሓን ብጅግንነት እንቋዕ ተሰወአ ጥራይ” ኢለዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ። ንሓወይ ንመወዳእታ ቀቢጸዮ ናብ መበገሲና መንገዲ ቀጺልና። ከም ባህርየይ ምጭራቕ፡ ምጉያይ፡

ምድጉዳጒ፡ ምጽዋት እየ ዝፈቱ። ናብ’ቲ ቦታ ክንመጽእ ከለና እውን ከም ልማደይ ምስ በዓል ወዲ ሳበ እናተጻወትኩ እየ መጺአ። ክንምለስ ከለና ግን ዘረባ የለ ጸወታ ጥርቅም ኢለ - ኣብ ዓሚቝ ሓዘን ተዋሒጠ ነይረ። እተን ሓወይ ኣብ ጥቓይ እናሃለወ ክረኽቦ ዘይከኣልኩለን ሰንሰለታት ጉዕዞ እየን ዝረኣያኒ ነይረን። መንገዲ ፍርቂ ሰዓት ኣቢልና ምስ

ከድና፡ ስቕታይን ትርኢት ገጸይን ዝተዓዘበ ወዲ ሳበ “ወይለየኸ - ኣታ ወዲ ሃይለ - ገበን እንድየ ደኣ ገይረ. . .” ሞት ሓወይ ብሻላ ከም ዘርደኣኒ ሽዑ እዩ ተረዲኡዎ።“ረዘነ ሃይለ ሓውኻ እንድዩ ግዲ?”

ከም ሓድሽ ሓቲቱኒ። “እንታይ’ሞ፡ እንቋዕ ከም ብጾቱ ኣብ

ዕላማኡ ተሰወአ ጥራሕ. . .” መልሰይ ናይ ቃልዓለም እዩ ነይሩ። እምበር፡ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ሓዘን ብዝዀነ ይኹን ቃላት ዝግለጽ ኣይነበረን።“ስቕ እንዲኻ ኢልካ፡ ዝለመድናዮ

ጠባይካ ስኢንናዮ. . .” ወዲ ሳበ ብተግባራቱ ተጣዒሱ ይቕረታ ዝዓይነቱ ዘረባ ይስንድወለይ። ዝብሎ ነገር ኣይነበረንን። ቦታና ምስ

ተመለስኩ ጽቡቕ ኣይሓደርኩን። መዛምድተይ ነበር ኣዜብ ገረዝግሄር እውን፡ ኩነታተይ ንዓኣቶም ሓቲታ ዘጋጠመኒ ምስ ፈለጠት ኣታሓዚናትኒ። ብሓቂ ልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ዝርንዛሕ ነቢዐ። ዝዀነ ብጻየይ ክስዋእ ከሎ ብውሽጠይ እሓዝን - ሕርር እብል እየ። ናይ ረዘነ ሓወይ ግን፡ ኣደይ ዝወለደትለይ ሓው ኰይኑኒ። ካልእ ፍጻመኸ? ኣብ ገድሊ፡ ምውላድ ማለት ካብ

ቃልሲ ከም ምህዳም ኢና ንቖጽሮ ዝነበርና። ነገር ሰብ ኰይኑ ግን የጋጥም ነይሩ እዩ። ኣብ’ቲ እዋን፡ ፈጺመ ዘይርስዖን ዘጣዕሰንን ገበን ከም ዝፈጸምኩ፡ ቀስ ኢሉ እዩ ተረዲኡኒ። ሎሚ ክሓስቦ ከለኹ ‘ሰብ ድየ ነይረ ወይስ ኣራዊት’ ኢለ ንነበሰይ እሓትት። በቲ ሓደ ወገን

ግን፡ ካብ ምሒር ብዘይኣበር ናይ ምግዳል ድልየት ዝብገስ ከም ዝነበረ እናሓሰብኩ እደዓዓስ። ምስ ኣዜብ ክንራኸብ ከለና፡ በኹሪ

ወድና ቮልካን፡ ወዲ ዓመትን ሰለስተ ወርሒን ኣቢሉ እዩ ነይሩ። ኣነን ኣዜብን ኣብ ኣፍደገ ኣንደር ኮፍ ኢልና እናተዘራረብና፡ ቮልካን ኣብ መውረዲ መሳልል ናይ’ቲ ኣንደር ይጻወት ነይሩ። ሽዑ ሃንደበት ትዝ ምስ በለኒ፡ ንኣዜብ “ስምዒስኪ - እቲ ነብሰ-ጾር ኴንኪ ክትከዲ ከለኺ፡ ውልድ ምስ በለ ቅተልዮ ምሽ ኢለኪ ነይረ፡ እንታይ ኴንኪ መብጽዓኺ ትጠልሚ - ሕራይ ኢልኪ ምሽ ምሒልክለይ - ጠላም. . .” ኢለ ብሕርቃን ተዛሪበያ። ክትከይድ ከላ ምሒላትለይ እያ ከይዳ። ኣዜብ፡ ውልድ ምስ በለ ቀልጢፎም ከም ዝወሰዱዎን ዝበልኩዋ ንኽትፍጽም ዕድል ከም ዘይረኸበትን ነጊራትኒ። ንከተመኽንየለይ ደልያ እምበር፡ ይትረፍዶ ክትገብሮስ ትሕስቦ እውን ኣይኰነትን። ምስ ኣዜብ ተዘራሪብና ምስ

ወዳእና፡ ኣብ ውሽጠይ ገለ ሕማቕ ነገር ተሰሚዑኒ። ከብደይ ተገላቢጡ። ንቮልካን ጠሚተዮ። ንሕና ናብ ዓለም ዘምጻእናዮ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ ህጻን ምዃኑ ተራእዩኒ። ሽዑ ንሽዑ ስለ ዝተጣዓስኩ “ንዓስከ ቮልካን ወደይ” ምስ በልኩዎ፡ ብጽልኢ እናጠመተ “እምቢ” ኢሉኒ።“እሂ እንታይ ኴንካ?” በቲ ጸያፍ ልሳኑ፡ “ኣቦይ ኣይኰንካን

ንስኻ፡ ምሽ ቅተልዮ ክትብላ ጸኒሕካ፡ ኣቦይ ቀላቲ ሃይለ እዩ ዝበሃል፡ ኣብ ድፋዕ እዩ ዘሎ። ንስኻ ኣቦይ ኣይኰንካን. . .” መንፈሰይ ዝርኹምሽ ዘረባ ኣስሚዑኒ። እናዓበየ ምስ ከደ እውን “ንስኻ’ኮ ጨካን ኢኻ፡ ክዓቢ ኣይትደልየንን ነይርካ. . .” እናበለ ከዘክረኒ ከሎ ወትሩ እየ ዝሽቑረርን ዝጠዓስን። ዋላ ሓንቲ ከመኽንየሉ ኣይክእልን እየ። ዝዀነ ምኽንያት ይሃልወኒ፡ ክንዲ ዋጋ ሂወት ውሉድ ከም ዘይከውን ደሓር እየ ተረዲአዮ። ቮልካን ሎሚ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ በጺሑ፡ ሓደ ካብ ዘኹርዑኒ ደቀይ ኰይኑ ኣሎ። እታ ዘረባ ግን ኣብ ውሽጠይ ዘይጠፍእ በሰላ ገዲፋትለይ።

ይቕጽል. . . ምንጪ ሓበሬታ ኣባላት ቦጦሎኒ 2

ቀላቲ ሃይለን ተኽለሃይማኖት ገብረንጉስን

ቀላቲ ሃይለ (ወዲ ሃይለ)

ስዉእ ዘርኢት (ወደባጐበን) ተሰነይ 1989

ወዲ ሃይለ ምስ ክፍልታት ቦጦሎኒ

Page 6: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 6 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ጆሜ/ ደጀን ተኽለ

ማክዳ፡ ህይወት ኣራኺባ ኣብ ሓደ ጉዕዞ ምስ ጠመረትና፡ ብዛዕባኺ ብዙሕ ወረ’ዩ ንእዝነይ ኳሕኲሕዎ። እንተዀነ፡ ወረ ክልተ ምኽንያት ሒዙ ስለ ዝጓዓዝ ግና፡ ነቲ ዝመስረትናዮ ፍቕሪ ንኸማሙቕ፡ ሰሚዐ ከም ዘይሰማዕኩ’የ ዝሓልፍ ነይረ።ማክዳ፡ ዝኣመነ ልበይ ምስ ካልእ ጐበዝ ስንእንእ ትብል’ያ ዝብል ጥርጣረ ፈጺሙ

ስለዘይነበሮ፡ ምእንቲ ፍቕርና ከይኩለፍ ምሕዝነትን ፍቕርን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽተይ በቲኸ ‘ብጽእቲ’ያ ተረፍ ቅንእኹም’ዩ እዚ ዘረባ’ ብምባል ምሒለልኪ’የ። እምነተይ ኣብ ልዕሌኺ ምሉእ ስለዝነበረ።ማክዳ፡ እታ ዘይትምሕር ሓቂ ምስክር ዘየድልዮ ንኽፉእ ተግባራትኪ ምስ

ኣዒንተይ ፊት ንፊት ኣጋጢማትኪ ክንሳ፡ ኣሉ ክትብልኒ ምፍታኒኪ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። ኣነ’የ ምሳይ ዝነበርኪ መሲሉኒ’ምበር ንስኽስ ልብኽን ኣጠማምታኽን ‘ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ’ ከም ዝተባህለ’ዩ ነይሩ። ንእምነተይ መዝሚዝኪ ዝተጻወትክዮ ሓሸውየ ንምእማኑ ኣጸጊሙኒ።ማክዳ፡ ምናልባት ንዓይ ዝሃሰኽኒ መሲሉ ክስምዓኪ ይኽእል ይኸውን’ዩ ጠላሚት

ልቢ። እንተ እቲ ሓቂ ግን ንነብስኺ ኢኺ ሃሲኺ። ኣምላኽ ከኣ ንግርህቲ ልበይ ካብ መጻወድያ ክፍኣትኪ፡ ክልተ ዝልባ ብጒልባብ ፍቕሪ ተንኰል ትሽቅጥ መታለሊት ሓራ ኣውጺኡዋ ኣሎ።ማክዳ፡ ኣብ ልበይ ከማኺ ገይረ ዘቐመጥክዋ ሄዋን ስለዘይነበረት፡ ጥልመተኪ

ቃንዛን ጓህን ፈጢሩለይ’ዩ። እንተዀነ፡ እምነተይ ከም ዕሽነት ቆጺርኪ እናታለልክኒ፡ ምሳኺ ክነብር ሕልናይ’ውን ዝቕበሎ ኣይኰነን። ንክርሕቐኪ ዘቕረብክዎ ምርጫ፡ ብጭብጢ ዘረጋገጽክዎ ሓቂ ስለዝዀነ፡ ከምቀደመይ ብሓሶትኪ ክኣምን ኣይትጸበይኒ።

ደብዳበ ፍቕሪብሓሶትኪ ክኣምን ኣይትጸበይኒ

ጸጒርና ክንዝርግፍ ወይ ርእስና ክንሓክኽ እንከሎና፡ ናብ ሞንኮብናን ክሳድናን ዝረግፍ ንኽትርእዮ ደስ ዘየብል፡ ዘሳሒ ግና ድማ ዘይጓዳእ ጻዕዳ ርፍራፋት እንርእዮ ፎሮፎር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፎሮፎር ናይ ርእሲ ዘይኰነ፡ ናይ ቈርበት ርእሲ ሽግር እዩ። ዋህዮታት ናይ ሱር ጸጒሪ ርእሲ ቀልጢፎም ክዓብዩን ክሞቱን እንከለዉ ዝፍጠር ጸገም’ዩ። ጠንቁ ፍሉጥ ዘይኰነ ፎሮፎር፡ ልሙድ ዓይነት ፋንጋስ ዝዀነ ማላሰዚያ ግን ከስዕቦ ይኽእል ተባሂሉ ይእመን። እዚ ዓይነት ፋንጋስ ኣብ ጥዑይ ርእሲ ኣብ ንቡር እዋን ዝርከብ ኰይኑ፡ ክሳብ ኣካላት ባዕሉ ናይ ነብሰ ምክልኻል

ፎሮፎርጸገማት ኣማዕቢሉ ናብ ተጓዳኢ ዝቕይሮ ንቡር ኩይኑ ይጸንሕ። ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ ድማ ተጓዳኢ ይኸውንን ኣብ ርእሲ ጻዕዳ ርፍራፋት ክፈጥር ይጅምርን።ፎሮፎር፡ ምስ ጸቕጢ

ኣእምሮ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኰይኑ፡ ዝያዳ ኣብ እንጭነቐሉ እዋን ይውስኽን ይገድድን። ብዘይካ’ዚ ቁሪ፡ ደረቕ ኩነታት ኣየርን ምድራቕ ቈርበት ርእስን ከጋድድዎ ይኽእሉ። ሴቦርያ ደርማታይትስ እቲ ቀንድን ልሙድን ዓይነት ፎሮፎር ኰይኑ፡ ብዘይካ ኣብ ርእሲ፡ ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላትና ከም እዝንን ገጽን እውን ክረአ ይኽእል እዩ። ፎሮፎር ዘይተጓዳኢ ብምዃኑ ኣብ

ቤት ባዕልኻ ክፍወስ ዝኽእልን’ውን እዩ። ቅብኣት ርእሲ ናብ ቈርበት ከም ዝበጽሕ ጌርካ ምልካዩን ብግቡእ ንቘርበት ምስ መገቦ ድማ ምሕጻቡን ሓጋዚ እዩ።

መዕርፎ ነፈርቲ ጉስታፍ፡ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን በርተለሜዎስ እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ። ኣብ ሰይት ጂን ዝተባህለት ዓዲ ናይ ደሴት ሰይንት በርተለሜዎስ ካሪቢያን ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ጉስታፍ፡ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝተሰርሐ እዩ። እቲ መዕርፎ ነፈርትን እታ ደሴትን ጉስታፍያ እናተባህለ ዝጽዋዓሉ ምኽንያት፡ ሽወደን ብንጉስ ጉስታፍ 111 ትምርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን 1785 ናብ ግዝኣታ ስለዝጸንበረታ ንኽብሪ’ቲ ንጉስ ተባሂሉ እታ ደሴት ብሽሙ ጉስታፍ’ያ ተባሂላ። ይኹን’ምበር እዛ ደሴት ብ1878 ናብ ፈረንሳ ከም ዝተሸጠት እዩ ዝፍለጥ።እዚ መዕርፎ ነፈርቲ እዚ ንናኣሽቱ ናይ

ንግድ ነፈርትን ቻርተራትን ጥራይ’ዩ

ኦጅዌላ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ዱራንጎ ናይ ሜክሲኮ ተደኲና እትርከብ፡ ኣብ እዋን ናይ ዕደና ሰፈር ዝነበረት ዓዲ’ያ። እዚ ስፍራ’ዚ

ቢንቶ ኦጅዌላኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ካብኡ ዝገሓጥ ዝነበረ ማዕድን ስለዝተጸንቀቐ ብምሉኦም ተቐማጦኣ ሓዲጎማ ክግዕዙ’ዮም ተገዲዶም። ስለዚ እያ ድማ፡ ‘ናይ መናፍስቲ ዓዲ’ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ። ኣብዚ ከባቢ እቲ

እንኮ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ትሕቲ ቅርጺ (puente de ojuela) እናተባህለ ዝፍለጥ ቢንቶ ጥራይ’ዩ።

መዕርፎ ነፈርቲ ጉስታፍዘገልግል። እቲ ዝበዝሐ በዚ መዕርፎ ነፈርቲ እዚ ዝግልገላ ነፈርቲ ካብ 20 ንታሕቲ ጥራይ እየን ክሕዛ ዝኽእላ። እዚ ኣዝዩ ሓጺር መጉየዪ ዘለዎ መዕርፎ ነፈርቲ’ዚ፡ ኣብ እግሪ እናተሓተ ከይዱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝውዳእ ጎቦ ዝተሃንጸ እዩ። ናብ’ዚ መዕርፎ ነፈርቲ’ዚ ዝዓልባ ነፈርቲ ብልዕሊ ጫፍ ናይቲ ጎቦ ኣዝየን ተነቚተን (ንታሕቲ ተተኺለን) ክወርዳ እየን ዝግደዳ። እተን ዝበራ ነፈርቲ ድማ፡ ብርእሲ’ቶም ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ሑጻ ጸሓይ ዝጽለዉ ሰባት ኣዝየን ትሒተን’የን ዝበራ። ባሕሪ ሓንቢሶም ጸሓይ ንዝጽለዉ ሰባት ኣብ ከባቢ መወዳእታ ናይቲ መጉየዪ መስመር ከይስጥሑ ዘጠንቅቑ ታቤላታት’ኳ እንተሃለዉ ዝግደሰሎም በጻሒ ግን የለን።

ህይወት እንታይ’ያ? ህይወት ብዝተፈላለዩ ህዋሳት ዝተሃንጸት ፍጥረት’ያ። ነዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ዓለም ብኸመይ መንገዲ ክትመርሓ ከም ዘለካ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ተመልከት። ምስ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ህይወት

ክትነብር ፈትን። ዓይነት ህይወታት ኣይትፍለ፡ ምስ ኩሉ ማዕረ ክትከውን ፈተን። ምኽንያቱ፡ እቲ እትፍለዮ ዘለኻ’ውን ኣብ ህይወትካ ዘየቕስን ነገር ክፈጥረልካ ስለ ዝኽእል።ኣነ ፈላጥ’የ ኣይትበል ሰማዒ ክትከውን

ፈትን። ምኽንያቱ፡ ካብ ካልኦት ብዙሕ ነገር ክትፈልጥ ስለ እትኽእል ብኡ መጠን ህይወትካ ሓድሽ ነገር ኣፍሊጥካያ

1. ንጡፍ ኩን - ዕላማታት ዘተግብር፡ ናይ ስራሕ ሰብ ኩን።2. ኩሉ ነገር ክሳብ ዝጣጥሓልካ ኣይትጸበ - ነገራት ፈጺሞም ምሉእ ብምሉእ ኣይጣጥሑን እዮም። ቅድመ-ኩነት ኣይተብዝሕ።

ዕንቅፋታትን ጸገማትን ከምዘለዉ ፍለጥ። ግና ከከም ኣማጻጽእኦም ገጢምካ ስገሮም።3. ሓሳብ ንበይኑ ዋጋ የበሉን - ሓሳብካ ዋጋ ዝህልዎ ናብ ተግባር ምስ እትልውጦ ጥራይ እዩ።4. ሓይልኻ ኣብ ምፍዋስ ፍርህን ምዕባይ ርእሰ-ተኣማንነትን ኣውዕሎ - ነቲ ዘፍርሃካ ግጠሞ’ሞ ክበንን’ዩ። ፈትኖ’ሞ ውጽኢት

ክትረኽበሉ ኢኻ።5. ሞተር ኣእምሮኻ ኣንቀሳቕስ - ውሽጥኻ ባዕሉ ክለዓዓል ኣይትጸበ። ንውሽጥኻ ባዕልኻ ኣለዓዕሎ።6. ብናይ ሕጂ ሕሰብ - “ጽባሕ ናታ ኣለዋ . . . “ሕጂ ክገብሮ’የ” በል ነቲ እትኽእሎ። ዘይከኣል ከምዘየለ ኸኣ እመን።7. ቅድመ-ምድላዋት ኣይተብዝሕ - ቅድሚ ናብ ተግባር ምብጋስካ ብቅድመ ምድላዋት ኣይተዕጠጢ። ጠኒንካ ናብ ተግባርካ

ተጸመድ።8. ርእሰ-ብጉስ ኩን - ናይ ተበግሶ ስጉምቲ ውሰድ። ወለንተኛ ኩን። ናይ ምግባር ዓቕምን ጥሙሕን ከም ዘለካ ኣርኢ።

ስዋስው ወረደቤት/ት ዋርሳይ ይከኣሎ

ህይወትና ክንመርሕ ዘኽእሉ መንገድታት

ብኻ ተሪፍክና

ስምዒትን ባህጊ ውላድን ንስድራና ኣሕሚቑ

ኩለንትናኺ ንሕማቕ ሕመቐይ ኣሕሚቑ

ስድራይን ስድራኽን ብኻ ዘይወለዱኺ

መታን ሰበይቲ’ቲ ሓደ ወዶም ክገብሩኺ

ክንዲ ሽሕ ወሊዶም ነይሮም ንዓኺ

ታይ’ሞ ክዓብሰልና ትዕግስተይካልኦት ንዝበልዑኺ።

ፍትሓዊ ወልደሚካኤል

ንጋድም1. ወሰን ዘይኮነ3. ካብ ኣእካል4. ንዕዉታት እትሽልም ሎቶ5. ፋዱስ እምገቦ7. ረሳሕ ፈሳሲ ካብ ኣካልና ዝወጽእ8. ቀታሊ መርዚ10. መልሓስና ካብ እተስተማቕሮም11. ተዛዘመ፡ ተወደአ

ንትኹል2. ኣብ ርእሲ ዝግበር ቅብኣ3. ኣቦ ምስ ኣደ ምስ ደቆም5. ምትዕርራይ፡ ምጽጋን6. ኣብ ኣካልና ጥንቡቕ ዝበለት 9. ዝልዓለ ተጸዋዒ ናይ ዝኾነ ትካል11. ቀልጥፍ፡ ጒየ12. መደገፊ ርእሲ

መም ያቆብ መርሃዊ (ጃክ)

ሕቶ ዝተመሳቐለ ቃላት

ናይ ስራሕ ተበግሶ ዘማዕብሉ ተግባራት

ኣለኻ ማለት’ዩ።ኣብ ዝተዋህበካ ስራሕካ ዕዉት

ንኽትከውን ጸዓር። ንዝሰራሕካዮ ስራሕ መፈጸምትኡ ከይረኣኻ ኣይተቋርጾ። ተስፋ ምቚራጽ ካብ ሕልምኻ ኣርሕቆ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ስራሕካ ትዕግስተኛን ሰማዒ ምኽሪ መሳርሕትኻን ኩን። ምኽንያቱ፡ ካብ ሓደ ርእሲ ክልተ ርእሲ ዘመዝግቦ ዓወታት ስለ ዝበዝሕ። እቲ ኩሉ ግዜ እትቕመጦ ቦታ ወይ

ዝተመደብካዮ ስራሕ ኣብ ልዕሊኡ ጽልኢ ኣይሕደርካ፡ ፍቕሪ ዘለኻዮ ቦታ ይሃልኻ። መን ይፈልጥ እዚ ቦታ ኣብ ህይወትካ ዘሐጉስ ነገር እትረኽበሉ ቦታ ክኸውን ስለ ዝኽእል።

ምስ ልዕሌኻ ዘለዉ ሓለፍቲ ምብኣስ ንህይወትካ ኣይተልምዳ። ኩሉ ግዜ ቅኑዕ፡ ምእዙዝ ክትከውን ፈትን። ምኽንያቱ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንስኻ’ውን ሓላፊ ክትከውን ስለ ዝዀንካ።ንህይወትካ ካብ ተገዛኢት ገንዘብ

ምዃን ኣርሕቃ። እንታይ ደኣ ንስኻ ንገንዘብ ግዝኣዮ።ንእትምስርቶ ፍቕሪ ወይ ዕርክነት

ኣብ ሓቂ ዝተሰረተ ምዃኑ ንህይወትካ ኣእምና።ኩሉ ግዜ ክትበጽሖ ዘለካ ዕላማ

ሓንጽጾ። ምኽንያቱ፡ ክገብር እንተኢልካ ህይወትካ ዓጋቲ የብላን። ከም’ቲ እትደልዮ ክትገብረልካ ድማ ድልውቲ’ያ።

Page 7: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 7 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ወዲ-ሰብ ካብ ካልኦት ፍጡራት ጸብለል ኢሉ ክወጽእ፡ ‘ዝሓየለ ይነብር’ (survival of the strongest) ንዝብል ሕጊ ድማ ክዕወተሉ ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣርሒቑ ናይ ምሕሳብ ክእለት ስለ ዝተዓደሎ እዩ። ብልሑ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ነገራት ተጠቒሙ ካብ ጸላእቱ ዝከላኸለሉ ሜላ ክፈጥርን መነባብሮኡ ከመሓይሽን ኣኽእሊዎ’ዩ። በዚ እውን ኣይተሓጽረን፡ ንዝረኸቦም ነገራት ናብ ጥቕሙ ከውዕሎም፡ ኣብ ከባቢኡ ክረኽቦም ዘይከኣለ ነገራት ድማ እናተጣበበ ክነብርን ንነብሱ ዝያዳ ከማዕብልን ክቃለስ ጀመረ። በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን ኩላትና ደቂ ሰብ ንዘጓንፈና ማሕለኻታት ብጥበብ ክንፈትሖ ንፍትንን ኣብ ዓወት ክሳብ ንበጽሕ ዘይንሕለልን። በዚ ምኽንያት ዓለምና ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ ክትበጽሕ ከኣለት።ኢንጅነር ሚካኤል ስብሃቱ

(ተኽሊት) ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥ ኤርትራዊ እዩ። ንሱ ንዕዮ ኤለክትሪክ እተቃልል ኳድሳው (QUADSAW) እትበሃል መሳርሒት ዝመሃዘ’ዩ።ኢንጅ. ሚካኤል፡ ኣብ መፋርቕ

ሱሳታት ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ- ዓዲ ጎልጎል ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ። ኣብ ከባቢኡ ቤትምህርቲ ብዘይ ምንባሩ ኣብ ስሩዕ ዕድመኡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረክብ ኣይከኣለን። ምስ ስድራኡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት እናተሳተፈ ድማ ክሳብ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ጸንሐ። እንተኾነ ንዝረኣዮ ነገራት ክሓትትን ቀንጠብጠብ ካብ ምባል ዘይተዕርፍን ኢድ ነይራቶ። ብፍላይ ነተን ኣብ ዓዲ ጎልጎል ዝነበራ ጀነሬተራት ክጽግንን ዝመጽእ ንዝነበረ መካኒክ ተደኒቑ ክርእዮን ክሓቶን ይውዕል ነበረ። ኣቦኡ ንሚካኤል ኣቶ ስብሃቱ፡

ሚካኤልን ውጽኢት ጻዕሩን

ወዶም ኣብ ማሕረስ የማናይ ኢዶም ኮይኑ ክሕግዞም’ዩ ሃረርታኦም ነይሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ሚካኤል ምስ ኣቦኡ እንከሎ ነፋሪት እናበረረት ብልዕሊኦም ሓለፈት። “ኣቦይ እዛ ነፋሪት ብኸመይ ትነፍር ኣላ?” ክብል ሓተቶም።ኣቶ ስብሃቱ ካብ ከበድቲ ሕቶታት

ወዱ ዕረፍቲ ንኽረክብ ክብል ዘውጽኣ፡ “ትምህርቲ ምስ ጀመርካ ተርክበሉ፡” እትብል ሓረግ፡ ንሚካኤል ዝያዳ ናይ ምምሃር ድሌት ከሕድር ደፋፍኣቶ። ወግሐ ጸብሐ ድማ ክመሃር ናብ ኣስመራ ስደዱኒ እትብል ዘረባ መውጽኢት ኣፉ ኰነት። ኣቶ ስብሃቱ፡ ሕቶ ወዶም ንኸስምሩ ኣስመራ ናብ ዝርከብ እንዳ ሓዎም ከዱ። ድሮ ትምህርቲ ከዝተጀመረን ንዓመታ ክፍትኑ ከም ዘለዎም ሓዎም ነጊርዎም ድማ ብዘይ ፍረ ናብ ዓዶም ተመልሱ። “ደሓን ንዓመታ ትጅምር፡” ብምባል ድማ ንሚካኤል ኣህድእዎ።ናይ ምምሃር ሃረርታ ዘሕደረ

ሚካኤል ንወላዲኡ ገና ኣብ ክራማት እንከሎ’ዩ ንኽመሃር ክሓቶም ጀሚሩ። ኣቦኡ ግን፡ ወዶም ኣብ ዓጺድ ክሕግዞም ስለ ዝደለዩ ናብ ኣስመራ ክሰድዎ ኣይደለዩን። ኣደኡ ድሌት ወዳ ብዝረኣየት፡ “ሓረስታይ ክኸውን ድሌቱ ካብ ዘይኮነ፡ ክመሃር ናብ ኣስመራ ዘይንሰዶ፡ እንተዘይነፊዑ ድማ ንገዛኡ ይምለስ፡” ብምባል ንብዓል ቤታ ኣጥቢቓ ተማሕጸነቶ። ኣቶ ስብሃቱ እውን ምስ ሓሳባት ብዓልቲ ቤቶም ብምስምማዕ ንወዶም ናብ እንዳ ሓዎም ኣብ ኣስመራ ክመሃር ሰደድዎ።ኣብቲ እዋን’ቲ ወዲ 11 ዓመት

ዝነበረ ሚካኤል ንትምህርቲ ዓለም ‘ሀ’ ኢሉ ፈለሞ። ንሱ ክቱር ድሌትን ክኽእሎ ኣሎኒ ዝብል ሓያል ኒሕን ሒዙ’ዩ ተበጊሱ። ኣብ ፍርቂ ዓመት (semester) ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ቀዳማይ ብምውጽኡ ኣብ ዝቐጸለት መንፈቕ ምስ ካልኣይ ክፍሊ ብምዃን ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ክፍሊ ብምዝዛም ናብ ሳልሳይ ክፍሊ ሓለፈ። ንሳልሳይን ራብዓይን ክፍልታት እውን ቀዳማይ ደረጃ ብምውጻእ ኣብ ሓደ ዓመት ኣጣሚሩ ክሓልፈንን፡ ሓምሻይ ክፍሊ ድማ ምስ ብዕድመ መዛኖኡ ዝኾኑ ተመሃሮ ክመሃርን ኣይተጸገመን። ሚካኤል ናይ ሻዱሻይ ክፍሊ

ትምህርቱ ምስ ዓቢ ሓዉ ኮይኑ ንኽቕጽል ናብ ኢትዮጵያ’ዩ ኣምሪሑ። ኣብቲ እዋን’ቲ ሓዉ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትካል ጽርበት ሓጺን ከፊቱ’ዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ሚካኤል ትምህርቱ ምሸታዊ እናተማህረ ኣብ እዋን ቀትሪ ድማ ምስ ሓዉ ክሰርሕ ጀመረ። ነተን ኣብቲ ትካል ዝነበራ ማሺናት (ቶርኒዮ) ክመልከንን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድማ ካብ ተሓጋጋዚ ቶርኒቶረ ናብ ምሉእ ቶርኒቶረ ክሰጋገር ግዜ ኣይወሰደሉን። ኣብ ትምህርቱ እውን ኣይሓመቐን። ኣብ ናይ ሻዱሻይ ክፍሊ መልቀቒ ፈተና (General) 96 ነጥቢ ብምምጻእ ካብቶም ዝለዓለ ነጥቢ ዘምጽኡ ተመሃሮ ብምዃን’ዩ ሓሊፉ። ሚካኤል ኣብ 1988 ናይ 12

ክፍሊ ትምህርቱ ይከታተል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ስርዓት ደርጊ ‘ብሄራዊ ኣገልግሎት’ እናበለ መንእሰያት እናገፈፈ የዐስክር ነበረ። ሚካኤል ኣንጻር ሃገሩን ኣሕዋቱን ብረት ምልዓል ስለዘይተቐበሎ ናብ ኬንያ ክሃድም ወሰነ። ኬንያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ መነባብሮ እቲ ዓዲ ክላለይን ስራሕ ክጅምርን ግዜ ኣይወሰደሉን። ድሌት ትምህርቲ ኣብ ውሽጡ ኮይኑ ይህውጾ ብምንባሩን ኣብ ኬንያ ድማ ዕድል ትምህርቲ ክረክብ ዝነበሮ ዕድል ጸቢብ ስለ ዝነበረን ናብ ካልኦት ሃገራት ክፍትን ናብ ቀይሕ መስቀል ከይዱ ሓተተ። እዚ እውን ክሰልጦ ብዘይምኽኣሉ ኣብኡ ምስ ዝተላለዮም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ገንዘብ ከፊሉ ብዝተሰንዐ ፓስፖርት ናብ ሽወደን ኣምርሐ።ሚካኤል ምስ መካይድቲ ብጾቱ

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ብፖሊስ ተታሕዙ። ምስታ ዝመጽኡላ ነፋሪት ናብ ኬንያ ክምለሱ ድማ ተወሰነሎም። እታ ዝመጽኡላ ነፋሪት ገዲፋቶም ስለ ዝኸደት ግና ምስ ካልእ ነፋሪት ክሳብ ዝምለሱ ኣብ ቤት ማሕቡስ ተቐይዶም ከም ዝጸንሑ ተገብረ። ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም፡ ደቂ ሃገሮም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐይዶም ምህላዎም ምስ ፈለጡ ጠበቓ ብምቑጻር ጉዳይ ኣሕዋቶም ናብ ቤትፍርዲ ከምዝሰጋገር ገበሩ። እዚ እውን ክሰልጥ ኣይከኣለን፣ ቤት-ፍርዲ ናብ ዝመጽእዎ ንኽምለሱ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ነዚ ውሳነ ዘይተቐበልዎ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮም ሽወደን ንሚካኤልን ብጾቱን ብዋሕስ ኣውጺኦም ብመኪና ናብ ኖርወይ ከም ዝሃድሙ ገበሩ። ኣብኡ ምስ ኣተዉ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኖርወይ ዑቕባ ሓተቱ - ሰሊጥዎም ድማ። መንግስቲ ኖርወይ ካብ ርእሰ

ከተማ ኦስሎ ሽዱሽተ ሰዓት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዓዲ ክቕመጡ ፈቒዱ መንበሪ ገዛ ሃቦም።ሚካኤል፡ ነቲ ካብ ወዲ 10 ዓመት

ኣትሒዙ ዝነበሮ ‘ተማሂርካ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕ’ ዝብል ድሌት ኣብ መዓልቦኡ ንኸብጽሕ፡ ኣብ ኖርወይ ትምህርቱ ክቕጽል ንኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ፈተነ ኣካየደ። እንተዀነ ክሰልጦ ኣይከኣለን። ኣብ ኖርወይ ክመሃር ከምዘይክእል ድማ እናበርሃሉ መጸ። ‘ናብ ካልእ ሃገር ኬድካ ዕድልካ ምፍታን’ ዝብል ሓድሽ ሓሳብ ድማ ኣብ ሓንጎሉ ክቀላቐሎ ጀመረ። ድሕሪ እዚ ሓሳብ’ዚ ዓዲ እንግሊዝ ከይዱ ዑቕባ ሓተተ። 15 መስከረም 1990 ከም ስደተኛ ኮይኑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዉ፡ 1 ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት ላዕለዋይ ትምህርቱ ንምቕጻል ኣብ ኮለጅ ኣተወ።ሚካኤል ኣብ 1996 ካብ ዩኒቨርሲቲ

ብመካኒካል ኢንጅነሪንግ መዓርግ ቀዳማይ ዲግሪ ተመረቐ። ኣብቲ እዋን ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ብምንባረን፡ ሚካኤል ይኹን ኣብቲ ዓመት ካብ ዩኒቨርሲቲታት ዝተመረቑ መንእሰያት

ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት ሚካኤል ድራር ዕለቱ ክረኽበሉ ኣብ ዘኽእሎ ዕዮታት ክዋፈር ተገደደ። ብዙሕ ኮለል ድሕሪ ምባል ድማ ታክሲ ሓዘ። ታክሲስታ ኰይኑ ክሰርሕ ዘይተዋሕጠሉ ሚካኤል ዝሓሸ ስራሕ ከናዲ ጀመረ።ሚካኤል ጽምኢ ናይ ትምህርቱ

ገና ስለ ዘየርወየ፡ ኣብ ቀዳማይ ዲግሪ ጥራይ ተሓጺሩ ደው ክብል ኣይደለየን። ንሰለስተ ዓመት ካብን ናብን ስራሕ ክገላበጥ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ 1999 ኣብ ለንደን ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ (London South Bank University) ንማስተርስ ዲግሪ ክቕጽል ተመዝገበ። ኣብ 2000 ብፕሮዳክት ዲዛይን (Product design) ብማስተርስ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብ ሓደ ናይ ህንጻ ትካል ኣብ ክሽነ ንድፊ ምውጻእን (kitchen modelling) ምስራሕን ተዋፊሩ ክነጥፍ ጀመረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሚካኤል

ኣብ ስራሕ እንከሎ ምስኡ ዝነበረ ክኢላ ኤለክትሪክ ንሶኬት ዝኸውን ቦታ ከዳሉ ብጣውላ ንዝተሰርሐ መንደቕ ብመጋዝ ክፍሕሮ እንከሎ ረኣዮ እሞ፡ “ርቡዕ ኩርናዕ ክትቀድድ እትኽእል መጋዝ የብልካን ድዩ?”

ክብል ሓተቶ።“ከምኡ ዓይነት መሳርሒ ርእየን

ሰሚዐን ኣይፈልጥን’የ። እንተ ረኺብካ ግን ዕጽፊ መሃያይ ምኸፈልኩኻ፡” ክብል መለሰሉ።ሚካኤል፡ እቲ ዝበሎ ዓይነት መሳርሒ

ክረክብ ኣብ ብዙሓት ዱኳናት እኳ እንተሓተተ፡ “ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ዓይነት መሳርሒ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን፡” ዝብል መልሲ’ዩ ረኺቡ። ጎድኒ ጎድኒ ስርሑ ድማ፡ ነታ ኣብ ዕዳጋ ዝሰኣና መሳርሒ ባዕሉ ንኽምህዛ ከም ዓቢ ዕማም ወሲዱ ኣብ ወረቐት ክሓናጥጥ ጀመረ። ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ፈተነ ድማ፡ ኣብ ሃይ ስትሪት ከንዚንግቶን እትርከብ ‘ኮስታ ኮፊ ሾፕ’ ዝተባህለት እንዳ ሻሂ እታ ናይ መወዳእታ ንድፊ ኣብ መሃረብ (Napkin) ሰኣላ። ብድሕሪ’ዛ ንድፉ ክትሰርሕ እትኽእል ቀዳመይቲ ሞደል ናብ ምድላው’ዩ ተጸሚዱ።ነታ እትሰርሕ ሞደል ዛዚሙ

ኳድሳው (Quadsaw) ዝብል ስም ብምሃብ ንመሳርሕቱ ኣርኣዮ እሞ፡ ንሱ ድማ ጂንየስ-ኣይፒ (Genius IP) ዝብል ስም ብምጥማቕ ምስቲ ሓድሽ ትካል ክምስርት ኣብ ምድላው ዝነበረ ኢያን ብራውን (Ean Brown) ኣላለዮ። ኢያን፡ ነታ መሳርሒ ምስ ረኣያ፡

ብቐጥታ ንምምዕባላን ናብ ዕዳጋ ትወርደሉ መንገድታት ንምንዳይን ምስ ሚካኤል ክዘራረብ ጀመረ። ክልቲኦም ብምትሕብባር ድማ ኣብ ትሕቲ ‘ጂንየስ-ኣይፒ’ ብስም እታ ኳድሳው (QUADSAW) ዝተሰምየት መሳርሒት ሓድሽ ብርካዊ ትካል ክምስርቱ ተሰማምዑ። ሚካኤልን ኢያንን፡ ኳድሳው ኣብ

መወዳእታ ደረጃኣ ከብጽሑ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት’ዩ ወሲድሎም። ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት (2016) ድማ ምሉእ ብምሉእ ክትሰርሕ እትኽእል ናይ መወዳእታ ሞደል ኣዳልዮም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንምርኢት ኣቕረብዋ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ኣብ ካናዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል፡ ሕ.መ.ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝርከቡ ዓማዊል ነዛ መሳርሒት ክውንንዋ ጠለባቶም ኣቕረቡ።ኳድሳው፡ ኣብ መፋርቕ እዚ

ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ምሉእ ብምሉእ ተዛዚማ ናብ ዕዳጋ ክትወርድ’ያ። ክኢላታት ኤለክትሪክ ብመጋዝ እናፈሓሩ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣድካምን ዘይጽፉፍን ስራሕ ተኪኣ ኣገልግሎት ክትህብ ክትጅምር’ያ።

ሃይለ ዳንኤል

Page 8: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 8 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ኣማኑኤል በርሀ

ዓሊ ፋርካ ቱረ ብ1939 ዓ.ም እዩ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ማሊ፡ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒጀር እትርከብ ካናዉ ዝተባህለት ቁሸት (ኣብ ከባቢ እታ ውርይቲ ቲምቡክቱ) ተወሊዱ። መበል ዓስራይ ውላድ ንኣዲኡ ዝዀነ ዓሊ፡ ካብ ኩሎም ኣሕዋቱ እቲ እንኮ ኣብ ዕሸልነቱ ሞት ከይመንጠለቶ ብህይወት ዝጸንሐ ዕድለኛ’ዩ ነይሩ።ወለዱ ዘጠመቕዎ ስም ዓሊ

ኢብራሂም ኢዩ። እንተዀነ ግን ከም ልምዲ ኣፍሪቃውያን ብዙሓት ኣሕዋቱ ንዝሞቱዎ ውላድ፡ ሞት ምእንቲ ክትንሕፎ፡ ፍሉይ ሳጓ ወይ ቅጽል ስም ኣውጽኡሉ። እቲ ወለዱ ንኽነብረሎም ዘውጽኡሉ ሳጓ ድማ “ፋርካ” ዝብል ነበረ። በቲ ናይ ብሄሮም ዝዀነ ቋንቋ ሶርሃይ ትርጉሙ “ኣድጊ” ማለት’ዩ። “ሓደ ነገር ግን ንጹር ክኸውን ኣሎዎ፡” ይብል’ሞ ዓሊ ፋርካ ቱረ፡ “ኣነ ዝዀነ ሰብ ዘይውጥሖ ኣድጊ እየ።”ወጻኢ ካብ ሃገሩ ማሊ፡ ዓሊ ፋርካ

ቱረ ነቲ መበቈላዊ ናይ ዓዱ ሙዚቃ ምስቲ ብ“ብሉዝ” ዝፍለጥ መሰረታዊ ናይ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ሙዚቃ ብምውህሃድ፡ ከምኡ’ውን ምስ ዓበይቲ ኣመሪካውያን ናይ ብሉዝ ሙዚቀኛታት ከም ብዓል ራይ ኩደርን (Ry cooder) ጆን ሊ ሁከርን (John Lee Hooker) ብምትሕብባር ፍሉይ ሙዚቃዊ ቅዲ ዘውጽአ ተባሂሉ ይፍለጥ ነይሩ። ዋላ’ኳ እዚ ኣመሪካዊ ጽልዋታት ናይ ብሉዝ ኣብ ሙዚቃ ዓሊ ፋርካ ዘይክሓድ እንተ ነበረ፡ ዓሊ ፋርካ ግን ንሙዚቃኡ ከም መሰረታዊን መበቆላዊን ኣፍሪቃዊ ሙዚቃ ኢዩ ዝወስዶ ነይሩ። በንጻሩ ነቲ ናይ ጸለምቲ ኣመሪካውያን “ብሉዝ” ካብ ኣፍሪቃ ዝወጸ ምዃኑ፡ “ናተይ ሙዚቃ እቲ ቀንዲ ሰራውርን

ሌላ

ሌላዓሊ ፋርካ ቱረ፡ ንሽልማት ግራሚ

ዝነጸገ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ

ጒንዲን ኢዩ፥ ናታቶም ድማ ጨናፍርን ኣቚጽልትን።” ይብል ነበረ።ዓሊ ፋርካ ቱረ፡ ብንእስነቱ ከሎ ኣብ

ናይ ፈረንሳ ሰራዊት ዓስከር ዝነበረ ኣቦኡ ስለዝሞተ፣ ምስ ስድራቤቱ ናብ’ታ ከም ዓዱ ዝቘጸራ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒጀር እትርከብ ኒያፋንከ እትበሃል ንእስ ዝበለት ሓውሲ ከተማ ገዓዙ። ወግዓዊ ትምህርቲ ዘይነበሮ ዓሊ፡ ብንእስነቱ ኣብ ሕርሻ ተዋፊሩ እኳ እንተነበረ፡ ሙዚቃ ግን ኣዝዩ ይምስጦ ከም ዝነበረ ይዝከር። ኮፍ ኢልካ ነቶም ያታውያን ሙዚቀኛታት’ቲ ከባቢ ምስማዕ ካብ’ቲ ዝብርሆ ንጥፈታት’ዩ ነይሩ። ጁርከል (በዓል ሓንቲ ገመድ ጊታር)፡ እንጃርካ (ጭራ ዋጣ)፡ ከምኡ’ውን እንጎኒ (ኣርባዕተ ኣውታር ዘሎዋ ክራር-መሰል) ምስ ዝተባህላ ያታውያን መሳርሒታት ሙዚቃ ናይ ሰሜናዊ ማሊ ክላለ ከኣለ። ግዜ ከይወሰደ ድማ ነታ ጁርከል እትበሃል በዓልቲ ሓንቲ ገመድ “ጊታር” ጽቡቕ ጌሩ መለኻ። ስድራቤቱን ኣዝማዱን ግን ኣይፈተውሉን። ኣብ 1950ታት ኣብ ዝተፈላለየ

ዓውደ ስርሓት ዝተዋፈረ ዓሊ ፋርካ፡

ረፋዕ ኣራጋፊ ጃላቡ፡ ዘዋር ታክሲ፡ መካኒክ . . .ወዘተ ኰይኑ ኣብ ብዙሓት ከተማታትን ቁሸታትን ማሊ ክዛወር ምስ ሙዚቃን ያታዊ ትልሂትን ቋንቋታትን ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት ማሊ ክላለ በቕዐ። ኣብ ፈለማ 20ታት ናይ ዕድሚኡ ድማ ሸውዓተ ናይ ማሊ ቋንቋታት ጽቡቕ ገይሩ ክመልኽ ከኣለ። ምስ ውሩያት ያታውያን ሙዚቀኛታትን ማሰኛታትን ናይ ማሊ ብምልላይ ድማ ዓሚቚ ፍልጠት ብዛዕባ ታሪኽን ባህሊን ናይ ማሊ ኣጥረየ። ኣብ 1968፡ ዓሊ ፋርካ ሓደ ካብቶም

ንማሊ ወኪሎም ኣብ’ቲ ኣብ ሶፍያ፡ ዋና ከተማ ምብራቓዊት ኤውሮጳዊት ሃገር ቡልጋርያ፡ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ፌስቲቫል ሰነ-ጥበብ፡ ባህላዊ ምርኢት ንኸቕርብ ዝተሓረየ ኰነ። መሳጢ ኣፍሪቃዊ ባህላዊ ምርኢት ድሕሪ ምቕራብ ድማ፡ ብ21 ሚያዝያ 1968 እታ ቦኽሪ ዋንነቱ ዝዀነት ጊታር ኣብ ሶፋያ ዓደጋ። በዚ ድማ ከይተሰከፈ ከም ዕቱብ ከም ጊታሪስታ ቀጻሊ ልምምድን ነብሰ-ስልጠናን ክገብር ዝኽእሎ ኩነት ፈጠረ። ድሕሪ ክልተ ዓመታት ብስራሕ

ምኽንያት ካብ ንያፋንከ ናብ ዋና ከተማ ማሊ ዝዀነት ባማኮ ገዓዘ።

ኣብኡ ድማ ከም ናይ ድምጺ መሃንድስ ኰይኑ ኣብ ሃገራዊ ሬድዮ ማሊ ክሰርሕ ተቖጸረ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ከም ያታዊ ሙዚቀኛ ናይ ሻምብቆን እንጎኒን (ጭራ ዋጣ) ኣብ ናይ ሬድዮ ማሊ ኦርከስትራ ክጻወት ጀመረ። ብ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ኣብ’ታ ረድዮ ሰርሐ።። ሻቡ ድማ ፍሉይ ኣጻውታ ጊታር ዝጥቀም

ዓሊ ፋርካን ደርፍታቱን ብመገዲ ፈነወ ሬድዮ ማሊ ሃገራዊ ተፈላጥነት ክረክብ ከኣለ። ተወሳኺ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ዓርኩ ብዝሃቦ ምኽሪ መሰረት፡ ነቲ ኣብ ሬድዮ ማሊ ዝፍኖ ዝነበረ ደርፍታቱ ኣኪቡ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ትካል ሶናፍሪክ (SonAfric) እትበሃል ሪኮርደር ስቱድዮ ብምልኣኽ ናይ መጀመርያ ኣልቡም ከሕትም በቐዐ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ኣብ ባማኮ ዘዝቐደሖ ደርፍታት በብግዜኡ ናብ ፓሪስ እናለኣኸ ሽውዓተ ኣልቡማት ኣሕተመ። ሎሚ እተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣልቡማት ዘይርከባን ኣዝየን ተደለይቲን ኰይነን ኣለዋ።ዓሊ ፋርካ ቱረ ምስ ጻዕዳ ኣመሪካዊ

ሙዚቀኛ ብሉዝ ዝዀነ ራይ ኩደር ብምትሕብባር፡ ነታ “Talking Timbuktu” ዘርእስታ ሲዲ ኣብ 1994 ናብ ሕትመት ኣቕረበ። እዛ ኣልቡም ኣብ መላእ ዓለም ቅጽበታዊ ተፈታውነትን ሰፊሕ መሸጣን ረኸበት። ኣብታ ዓመት’ቲኣ ድማ ከም ብልጽቲ ስራሕ ንሽልማት ግራሚ (Grammy Awards) ተዓዋቲት ኰነት። ዓሊ ፋርካ ሽልማቱ ንክቕበል ኣብ ናይ ግራሚ ጽምብል ንምርካብ ናብ ኣመሪካ ክገይሽ ምስ ተሓተተ ግና፡ ድሉው ኣይነበረን።

“ግራሚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይፈልጥን’የ። ግናኸ ዝዀነ ሰብ ወይ ትካል ንዓይ ዝወሃብ ነገር እንተልዩዎም፡ ናብዚ ካብ ቀደም ኣትሒዘ ገና ሰብ ከይፈለጠኒ እንከሎ ዝደርፈሉ ዝነበርኩ ዓደይ፡ ናብ ኒያፉንከ መጺኦም ክህቡኒ ይኽእሉ’ዮም” ብምባል ብሓበን መለሰ።ብዛዕባ’ቲ ክሳብ ቀረባ ግዜ ብዙሕ

ሓተታታት ዝተጻሕፈሉን ዝተጋነነሉን ሓባራዊ ስራሑ ምስ ራይ ኩደር እንተዀነ’ውን ዝብሃል ነይሩዎ። “ምትሕብባርና ፍሉይ ዝዀነ ነገር ኣብ ዓለም’ዩ ነይሩ። ከም ምትሕውዋስ መዓር ምስ ሽኮር ዝዓይነቱ’ዩ ነይሩ፡” ይብል ፋርካ። እንተዀነ ግን ሕርሻዊ ስርሑ ገዲፉ ንኣመሪካ ክጓዓዝ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ፡ ኣፍረይቲ ትካል ዎርልድ ሰርክዩትት ተንቀሳቓሲ ስቱድዮን መሳርሒታቶምን ሒዞም ናብ ቁሸቱ መጽዎ’ሞ፡ ነታ ዝና ዘትረፈት “ቶኪን ቲምቡክቱ” ኣብ ትርፊ ግዚኡ ንዓሊ… ማለት ሕርሻዊ ስርሓቱ ምስ ወድአ …. ብተኸታታሊ ዕለታት ምሸት ምሸት ብሓገዝ ናይ ጀነረይተር እቲ ናይ ምቕዳሕ ስራሕ ክፍጸም ከኣለ። ብዛዕባ “ተሳታፍነት” ራይ ኩደር

ኣብቲ ሓባራዊ ሙዚቃዊ ስርሖም ዝምልከት፡ ዓሊ ፋርካ ንጹር መርገጺ’ዩ ነይርዎ። ኣብ ሙዚቃዊ ጒዕዞኡ ዝለዓለ ጫፍ ከም ዘይነበረን፡ ንሙዚቃኡ ድማ ጽልዋ ከም ዘይነበሮን፡ “ካብዚ ሓበራዊ ስራሕ ዝኸሰበ እንተድኣ ነይሩ ራይ ኩደር እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦ ነገር ስለ ዝረኸበ። ኣነ ድማ ኩሉ ግዜ መን ምዃነይ ዝፈልጦ ነገር ስለ ዝነበርኩ። እዚ ምትሕብባር ንዓይ ዝለዓለ ደረጃይ ኣይነበረን። እቲ ምንታይ ቅድሚ’ቲ ሙዚቃ ኣነ ዓሊ እየ።” ብኻልእ ሸነኽ ግን ዓሊ ፋርካ ብዛዕባ ሓበራዊ ስርሖምን ውጽኢቱን ሕቡን ነበረ። “ዓሰርተታት መላዪን ሰባት ንራይ ኩደር ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ ክፈልጥዎ ክኢሎም። ዓሰርተታት መላዪን ሰባት ንዓሊ ፋርካ ቱረ ሰሚዖም ዘይፈልጡ ድማ ሕጂ ንዓሊ ክፈልጡዎ ክኢሎም። ኣብ መላእ ዓለም ክልቴና ዓበይቲ ከዋኽብቲ ኴንና።” ይብል።ኣብ 2014 ድማ ናይታ ክንዲ

ሃገረ ፈረንሳ ዝስፍሓታ ኣውራጃ ኒያፉንከ ኣማሓዳሪ ኰይኑ ተመርጸ። ኣብ ግዜ ምርጫ ቀንዲ መብጽዓታቱ ንሕማም ዓሶ ምብዳህ ጽርየት

ናይቲ ከባቢ ምሕላውን ምድረ በዳነት ንምዕጋት ሰፊሕ ፕሮጀክት ምግራብ ምትእትታውን ነበረ። ነታ 53 ዓድታት ዝሓቘፈት ኣውራጃ ኒያፉንክ ምምሕዳር ቀሊል ዕማም እኳ እንተ ዘይነበረ ኣብተን ዝተረፋ ክልተ ዓመታት ህይወቱ ነዚ ከቢድ ዕማም ብሓላፍነት ብዘይ ተጒላባነትን ከም ዝሰርሓሉ ነበርቲ ዜጋታት ናይቲ ኣውራጃ ብኣኽብሮት ይምስክሩ። ንዓበይቲ ናይ ጥዕናን ትምህርቲን ማይን ፕሮጀክትታት ከምኡ ድማ ስልጠና ንመንእሰያት ሙዚቀኛታት ንምሕጋዝ ሓደ ብ”ዓሊ ፋካር ቱረ ፋውንደይሽን” ዝጽዋዕ ዘይመኽሰባዊ ትካል ብገንዘቡ ዝምወል ኣቘመ።እታ ናይ መወዳእታ ስራሑ ንዓሊ

ፋካር ቱረ፡ እታ ኣብ ሓምለ 2004 ምስቲ ማላዊ ውሩይ ወቓዕ ኮራ ዝዀነ ቱማኒ ጅያባቲ ብምትሕብባር ብኣፍራይነት ዎርልድ ሰርክዩት ዝተሓትመት “in the heart of the moon” ዘርእስታ ኣልቡም እያ ነይራ። ኮራ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ማሊ፡ ሰኔጋል፡ ጊኒ፡ ብሕልፊ ድማ ኣብ ጋምብያ እትጽወት ውርይትን ታሪኻዊትን 21 ኣውታር ዘሎዋ በገና መሰል ሙዚቃዊት መሳርሒት እያ። ቱማኒ ጅያባቲ ድማ ካብቶም ኣዝዮም ክኢላታት ሃረምቲ ኮራ ኰይኑ፡ ካብ ደቡብ ማሊ ካብ ብሄረ ማንዲንጎ (ማንደ) እዩ። እዚ ናይ ክልቲኣቶም ጎብለላት ያታውያን ሙዚቀኛታት ማሊ ምትሕብባር እምበኣር ነቲ ሃብታም ባህሊ ናይ ሰሜንን ደቡብን ማሊ ዘወሃሃደ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ንዓሊ ፋካር ቱረ ድማ ባህላዊ ብዙሕነትን ሰፊሕ ሃገራዊ ኣመላኻኽታ ኣብ ሙዚቃን ባህሊን ማሊ ከም ዘሎዎ ዘመስከረሉ ነበረ። ከም ሰራሕ ድማ ብዙሓት ሃየስቲ ከም ዝሰማምዑሉን ባዕሉ ዓሊ ፋርካ ቱረ ድማ ቅድሚ ዕለት ሞቱ ከም ዝገለጾን፡ እዚኣ እታ ዝበለጸትን ዝሓየለትን ሙዚቃዊ ስርሑ ምዃና ዘየጠራጥር እዩ። ክንዲ ዝዀነ ድማ ኣብ 2005 ሽልማት ግራሚ ክትዕወት ዝበቕዐት ዕውትቲ ኣልቡም፡ ንዓሊ ፋርካ ቱረ ድማ እተሕብን መዛዘሚ ሙዚቃዊ ጒዕዞ ናይ መላእ ህይወቱ፡ ፍረ ጻማ ጻዕሩን ነባሪት ውርሻን ኰነትሉ።ዓሊ ፋርካ ቱረ፡ ብ7 መጋቢት 2006

ዓ.ም እዩ፡ ብሕማም ካንሰር ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩ።

Page 9: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 9 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

መደብ ጸወታሎሚ

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃጋና - ኡጋንዳ 7፡00ማሊ - ምስሪ 10፡00

ኮፓ ኢጣልያኢንተር - ቦሎኛ 11፡00

ኤፍ ኤ ካፕዊምበልደን - ሱቶን ዩናይትድ 10፡45

በርንለይ - ሳንደርላንድ 10፡45ክሪስታል ፓላስ - ቦልተን 11፡00

ሪያል ማድሪድ ንኣሌክሳንደር ንምዕዳግ

95 ሚልዮን . . .

ን40 ጸወታታት ስዕረት ዝበሃል ከይረኣየት ዝወርሐት ዓባይ እስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት ምሕዝነት ሃገራውያን ጋንታታት ቅያ ብምስርሑ ኣቓልቦ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ስሒቡ ዝርከብ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንምዕዳግ ገንዘብ ምስልዓ መራኸቢ ብዙሃን ስፖርት ኣፍሊጠን፣ ብመሰረት ሓበሬታ ጋዜጣ ማርካን

ኣፍቶንብላደትን፡ እታ ዓርሞሸሽ እስጳኛዊት ክለብ፡ ንኣሌክሳንደር 95 ሚልዮን ክሮነር - ሽወደን ከተውጽኣሉ መዲባ ኣላ፣ ገና ኣብ መበል 17 ዓመቱ

ብከም ክለባት ቸልሲ፡ ባየር ሙኒክ፡ ጁቬንቱስ፡ ፓሪስ ሴንት ጀርማይን፡ ሊቨርፑል፡ ሌስተር ሲቲ፡ ኤቨርተን፡ ማንቸስተር ሲቲን ካልኦትን ዝተጠመተ

ኣሌክሳንደር፡ እዚ ሪያል ማድሪድ ንዕድጊ ሰሊዓትሉ ዘላ 10 ሚልዮን ዩሮ እንተደኣ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ክብረወሰን ምስግጋር ተጻወትቲ ሽወደን ክሕዝ እዩ፣ ኣያክስ ንዝላታን ኢብራሂሞቪች ካብ ማልሞ ንምዕዳግ ዘውጽኣቶ መጠን ገንዘብ 7.8 ሚልዮን ዩሮ ምንባሩ ድማ እቲ ምንጪ ይጠቅስ፣ኣብ ክለቡ ኤኣይከይ ስቶክሆልም

ብዘርእዮ ዘሎ ብቕዓትን ዘመዝግቦ ዘሎ ውጺኢትን ተጠማቲ ኮይኑ ዝርከብ ኣሌክሳንደር፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዕል ክፍርም እዩ ካብ ሪያል ማድሪድ ቀሪቡሉ ዘሎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ወድዩ ኣንጻር ስሎቫክያ ኣብ ዝገጠመሉ ጸወታ ሸቶ ምምዝጋቡ፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደን ሓድሽ ምዕራፍ ክግንጽል ዝኸኣለ ኣሌክሳንደር፡ ወኪሉ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ማድሪድ ከቕንዕን ምስ ሪያልማድሪድ ድማ ክዘዛረብ ምዃኑን ማርካ ትውስኽ፣ ብሓያለ ተንተንቲ ኵዕሶ እግሪ ሽወደን፡

ተካኢ ዝላታን ኢብራሂሞቪች እናተባህለ ዝንገረሉ ዘሎ ኣሌክሳንደር፡ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ናብታ ዓባይ ክለብ ኤይኣይከይ ተሰጋጊሩ፣ ዛጊት ኣብ ዘካየደን 24 ናይ ሊግ ጸወታታት 10 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ይርከብ፣ዝሓለፈ ሰሙን ማልያ ሃገራዊት ጋንታ

ሽወደን ወድዩ ኣንጻር ኣይቮሪኮስት ፈላሚ

ጸወታኡ ዘካየደ ኣሌክሳንደር፡ ኣስዒቡ ኣንጻር ስሎቨንያ ኣብ ዝገጠሙሉ ጸወታ ነታ ቀዳመይቲ ሸቶ ኣብ መበል 19 ደቒቕ ብምምዝጋቡ እዩ ን105 ዓመታት ዝተታሕዘ ክብረወሰን ሽወደን (ብዕድመ ዝነኣሰ ሸቶ ዘመዝገብ) ክሰብር ዝኸኣለ፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መስርሕ

ምስግጋር ኣሌክስንደር ናብ ሪያል ማድሪድ ሓያለ ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ፣ እዚ ተጻዋታይ’ዚ፡ ዋላ’ኳ ፊፋ ኣብ ልዕሊ ሪያል ማድሪድ ወሲድዎ ዝርከብ እገዳ ምስግጋር ተጻወትቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ማልያ ሪያል ማድሪድ ናይ ምውዳይ ተኽእሎ ዘይብሉ እንተኾነ፡ ናብ ካልእ ክለብ ብመልክዕ ልቓሕ ተሰጋጊሩ ተሞክሮ ዝቐሰመሉ ባይታ ክጣጣሕ ከምዝኽእል ይእመት፣ ብተወሳኺ፡ ምስግጋር ኣሌክሳንደር ናብ

ሪያል ማድሪድ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጻዋታይ ዝፈጥሮ ስነልቦናዊ ትሪ ኣብ ቦታኡ ይሃሉ፡ ብኣንጻሩ ኣሰር መንእሰይ ተጻዋታይ ኖርወጅያዊ ማርቲን ከይረግጽ እውን ይስጋእ፣ ኣብ 2015፡ ወዲ 16 ዓመት ንዝነበረ ማርቲን ዘሰጋገረት ሪያል ማድሪድ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ተጻዋታይ ናብ ዓባይ ክለብ ከተሰጋግሮ ኣይከኣለትን፣ ኣሌክሳንደር እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከይገጥሞ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ፣

** ** **

ተስፎም ተሰጋጊሩ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ምስ ጃፓናዊት ክለብ ኢንተር ፕሮ ሳክይክሊንግ ኣካዳሚ ናብ ዝተባህለት ጋንታ ምጽንባሩ ተሓቢሩ፣ ንኽልተ ዓመታት ኣብ መጋቢት ጋንታ

ኤምቲኤን፡ ብድሕሪኡ ድማ ንሓደ ዓመት ምስ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ - ሻርጃ ዝተወዳደረ፡ ተስፎም ምስ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ምቕናዩ ይንገር፣ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ

ዓመተ 2016 ዝኾነ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ብዘይ ጋንታ ድሕሪ

ምጽናሕ እዩ ምስዛ ጃፓናዊት ናይ ምዕባለ ኮንቲነንታል ጋንታ ተጠርኒፉ ዝርከብ፣ ኢንተር ፕሮሳይክሊንግ ኣካዳሚ፡

ፈረንሳውያንን ጃፓንን ተቐዳደምቲ ሓቚፋ ዝጸንሐት ጋንታ ኮይና፡ ንተስፎም ከም ዓስራይ ተቐዳዳማይ ከም ዝጠርነፈቶ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታኣ ገሊጻ ኣላ፣እታ መርበብ ሓበሬታ ኣብ መግለጺኣ፡

ንሻምፕዮን ኣፍሪቃን ዝበለጸ ናይ ኣፍሪቃ ዙራት ደረጃ ንዝሓዘን ተቐዳዳማይ ብዘይ ጋንታ ምጽንሑ ከም ዘገረማ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነዚ ተቐዳዳማይ ክትጥርንፍ ምኽኣላ ዓቢ ዕግበት ከም ዝስመዓን ነቲ ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 122 ዘሎ ተርታኡ ንምምሕያል ክትተሓጋገዞ ምዃናን ሓቢራ፣

ኢንተር ፕሮ ሳይክሊንግ ኣካዳሚ፡ ከም ኮንቲነንታል ጋንታ መጠን ዝበዝሐ ውድድራት ኣብ ሃገራት ኤስያን ኤውሮጳን እያ ተካይድ፣

** ** **

ትማሊ ሰንበት ኣብ ህዩስተን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኤርትራዊ ኣትለት ህዝቅኤል ተወልደ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ፣ ኣብዚ ውድድር እዚ ኣትለታት ንቐዳሞት

ትሸዓተ ኪሎሜተር ዳርጋ ብሓባር’ዮም ብዘገምታ ተጓዒዞሞ ክበሃል ይከኣል፣

ድሕሪ እቲ ርሕቀት ግና ብዙሓት ጉጅለታት ተፈጢረን፣ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ህዝቅኤል ተወልደ ድማ ምስታ ኣብ ቅድሚት ተገዲማ ዝነበረት ጉጅለ ብምዃን ክስጉም ተራእዩ፣ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ዘካየዶ ቅልስ፡ ብኣመሪካዊ ኮሪር ሊዮናርዶን፡ ኢትዮጵያዊ ለሊሳ ፈይሳ ተበሊጹ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ፈጺሙ፣ ህዝቂኤል ነዚ ውድድር እዚ ብሓደ

ሰዓት፡ ሓደ ደቒቕን 17 ካልኢትን እዩ ክዛዝሞ እንከሎ፡ ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ሳምሶም ገብረየዉሃንስ ድማ ካብ ዕዉት 59 ካልኢት ደንጉዩ ሻዱሻይ ተርታ ሒዙ ንናይ መዛዘሚ ሕንጻጽ ረጊጹ፣ብዘይካዚ፡ ኣብ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ውድድር

ኬንያዊት ቬሮኒካ ዋንጂሩ ብሰዓትን፡ ሸውዓተ ደቒቕን፡ 58 ካልኢትን ቀዳመይቲ

ኮይና ክትዕወት እንከላ፡ ኤርትራዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ድማ ካብ ዕውትቲ ኬንያዊት ሽዱሽተ ደቒቕን 58 ካልኢትን ደንጉያ መበል 15 ደረጃ ሒዛ፣እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ እስጳኛ ኣብ

ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር፡ XXXV Cross Internacional De Itálica SEVILLA 2017፡ ኤርትራዊ ኣትለት ተኽለማርያም መድሕን፡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዙ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ኮይኑ፣ ተኽለማርያም ንውድድሩ ብ31 ደቒቕን 42 ካልኢትን እዩ ዛዚምዎ፣ ነቲ ውድድር ኣወቀ ኣያሌው ብ31 ደቒቕን 36 ካልኢትን ክዕወተሉ እንከሎ ታፈሰ ሰቦቃ ድማ ብ31፡44 ደቒቕ ድሕሪ ተኽለማርያም ውድድሩ ፈጺሙ፣

** ** **

ብቐዳም ዝጀመረ መበል 31 ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ምሸት እውን ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዝርከባ ጋንታታት ጋና ምስ ኡጋንዳ ከምኡ ድማ ምስሪ ምስ ማሊ ብዘካይዳኦ ግጥም ክቕጽል እዩ፣ብፊናንሳዊ ቅልውላው ትሕመስ ዘላ

ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ፡ ምስ ጋና በዳሂ ግጥም ኣብ ቅድሚኣ ይርከብ፣ ኣብ መሳልል ካፍ ጋና ታሽዓይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ፡ ብፊፋ ድማ ኣብ መበል 54 ደረጃ መሳልል ሃገራውያን ጋንታታት ትርከብ፣ ኣርባዕተ ሳዕ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘልዓለት ጋና፡ ብሓለቓ ጋንታ ኣሳሞዋህ ጊያን እያ ክትምራሕ፣ ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ 97 ግዜ ምጽዋቱ ኣብ ሃገራዊት ጋንታኡ ልዑል ክብረት ዘለዎ ጊያን፡ ነዛ 20 ግዜ ኣብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ጋንታኡ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክትሓልፍ ምዃና እዩ ብርእሰ ተኣማንነት ዝዛረብ ዘሎ፣ እዛ ኣብ 1963፡ 1965፡ 1978ን 1982ን ዋንጫ ዘልዓለት ጋንታ ፈላሚ ጸወታኣ ምስ ኡጋንዳ ብምዃኑ ፍኹስ ክብላ ግምት ብዙሓት እዩ፣ይኹን እምበር እታ ንሃገራት ዞባ

ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝወከለት ኡጋንዳ እውን ቀላል ኮይና ኣይክትርከብን እያ፣ ንጁኮን ኣውቾን ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ብመቕጻዕቲ ክትኸስሮም ተገዲዳ ዘላን ድሕሪ 1978 ንፈለማ ግዚኣ ናብዚ ውድድር ዝተመልሰትን ኡጋንዳ፡ ኣብ መሳልል ደረጃ ሃገራውያን ጋንታታት ፊፋ መበል 72 ተቐሚጣ ኣላ፣ ኣብቲ

ናይ መወዳእታ እዋን ሱታፌ ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ኣብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ግጥም ፍጻመ ብጋና ተሳዒራ ምንባራ፡ ሎሚ ምሸት ዘካይዳኦ ግጥም ንዝተረስዐ ቁስለን ዘዘኻኽር ክኸውን ግምት ኣሎ፣ ዝበዝሑ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምስ ዝርከባ ክለባት ይጻወቱ፣ ገለ ከም ሚያ ፋሩክ ዝኣመሰሉ ክልተ ሰለስተ ተጻወትቲ ድማ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ወጻኢ ዝጻወቱ እዮም፣ኣብ ካልእ ግጥም ናይ ሎሚ ምሸት

ኣብ 1957፡ 1959፡ 1986፡ 1998፡ 2006፡ 2008ን 2010ን ዝተዓወተት ምስሪ፡ ምስ ማሊ ፈታኒ ግጥም ከተካይድ እያ፣ ጽባሕ ሰንበት መበል 44 ዓመተ ልደቱ ዘብዕል ምስራዊ ሓላዊ ልዳት ኢሳም ኤል ሓዳሪ፡ ሎሚ ምሸት እንተደኣ ኣብ ሜዳ ተሰሊፉ፡ ዝገደመ ተጻዋታይ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኸውን እዩ፣ ንናይ ሮማ ተጻዋታይ መሓመድ ሳላሕ፡ ናይ ኣርሰናል ተጻዋታይ መሓመድ ኤልነኒን ካልኦትን ዝሓቖፈት ምስሪ፡ ኣብዚ ምድብ’ዚ ምስ ጋና ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክትሰግር ዝሓሸ ግምት ተዋሂብዋ ዘላ ጋንታ እያ፣ ኣብ 1972 ኣብ ዝተኣንገደ ተመሳሳሊ

ውድድር ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ማሊ፡ ሓንቲ ካብተን ፈተንቲ ጋንታታት ናይዚ ውድድር’ዚ ኮይነን ክቐርባ ግምት ምስ ዝተወሃበን ትስራዕ፣ ኣብ እንግሊዛዊት ክለብ ክሪስታል ፓላስ ዝጻወት ባካሪ ሳኮ ድማ እቲ ተጠማቲ ተጻዋታይ ናይዛ ጋንታ እዩ፣ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት

ካብ ናይ ምድብ ጸወታ ክትዘልል ዘይከኣለትን ሎሚ ምሸት ንናይ ሞናኮ ኣከፋፋሊ ኣዳም ትራኦረ ብማህሰይቲ ዘይተሰልፍን ማሊ፡ ኣብ 2012ን 2013ን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ሳልሳይ ደረጃ ምሓዛ ይዝከር፣

** *** **

ቅንጥብጣብ+ ንኣስታት 40 ጸወታታት

ከይተሳዕረት ብምጽንሓ ብባርሴሎና ንዝተታሕዘ ክብረወሰን ዝሰበረት ሪያል ማድሪድ፡ ብቕድሚ ትማሊ ብሰቪያ 2ብ1 ስዕረት ብምምዝጋባ ናይ ዘይተሰዓርነት ጉዕዞኣ ተገቲኡ፣ ሪያል ማድሪድ፡ ኣብ መበል 67 ደቒቕ ሮናልዶ ብዘቑጸራ ሸቶ ክትመርሕ እኳ እንተኸኣለት፡ ጸወታ ንኽዛዘም ሽዱሽተ ደቓይቕ ምስ ተረፎ ራሞስ ናብ ገዛእ ልዳቱ ሸቶ ብምምዝጋቡ እቲ ግጥም ማዕረ ኮነ፣ ኣብ ተወሳኺ ግዜ፡ ናይ ቅድም ተጻዋታይ ማን ሲቲ ጆቮቲክ ንልዳት ሪያል ማድሪድ ብምድፋሩ፡ ሰቪያ 2ብ1 ክትዕወት ከኣለት፣+ ልዑል ግምት ዝተወሃቦ ናይ

ብቕድሚ ትማሊ ግጥም ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ብማዕረ ውጽኢት ተፈጺሙ፣ ቅድሚ ዕረፍቲ ዝኸበረ

ተጻዋታይ ዓለም ፖል ፖግባ ካብ መኣዝን ተቐሊዓ ንዝመጸት ኵዑሶ ብኢዱ ብምትንካፉ ሊቨርፑል ፍጹም ቅላዕ ክትረክብ ኣኽኣላ፣ ጀምስ ሚልነር ድማ ኣይተጋገየን - ኣመዝጊብዋ፣ ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ሽወደናዊ ተጻዋታይ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ኣብ መበል 84 ደቒቕ ዘመዝገባ ድማ ንማን ዩናይትድ ነጥቢ ክትማቐል ኣኽኣላ፣ እቲ ውጽኢት ንማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 16 ጸወታታት ናይ ዘይተሰዓርነት ጉዕዞኣ ክትቕጽል ኣብቂዕዋ ኣሎ፣+ ተጻዋታይ ኣርሰናል መሱት ኦዚል፡

ብሉጽ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ዓመተ 2016 ጀርመን ኮይኑ፣ ንሓሙሻይ ግዚኡ ነዚ ክብሪ’ዚ ዝጨበጠ ወዲ 28 ዓመት ኦዚል፡ ንቶኒ ክሮስ በሊጹ እዩ ነቲ ሽልማት ክወስድ ዝኸኣለ፣ + ጫማኡ ድሕሪ ምስቃል ዳግማይ

ናብ ጸወታ ዝተመልሰ ኣርጀንቲናዊ

ያን ሰባስትያን ቬሮን፡ ፈላሚ ጸወታኡ ብሰንበት ምስ ክለቡ ኢቱድያንተስ ኣካይዱ፣+ ቻይና ኣብ ዕድጊ ወጻእተኛታት

ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ኮታ ገይራ፣ ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ቻይና፡ ሓንቲ ክለብ ልዕሊ ሰለስተ ወጻእተኛታት ተጻወትቲ ምስ ቀዳሞት 11 ከይተሰልፍ ዝብል መምርሒ ሂባ ኣላ፣+ ኣሰልጣኒ ማን ሲቲ - ፐፐ

ጓርድዮላ፡ ጋንታኡ ብኤቨርተን ድሕሪ ዝወረዳ ናይ 4ብ0 ስዕረት፡ ካብ ቅልስ ጽዋእ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ወጻኢ ምዃና ተዛሪቡ፣ ሲቲ፡ ድሕሪ እቲ ዘምዝገበቶ ስዕረት ካብ መራሒት ናይቲ ውድድር ቸልሲ ብዓሰርተ ነጥቢ ድሒራ ኣላ፣ ጓርድዮላ ኣብ ታሪኹ ከምዚ ዝበለ ገፊሕ ስዕረት ከመዝግብ ሕጂ ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ፣

** ** **

Page 10: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 10 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ደሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ንኻልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ኮለጅ ቢዝነስን ስነ-ቑጠባን ሓልሓለ ንመግቢ ተመሃሮ ዝኸውን ካብ 01/01/2017 ክሳብ 31/12/2017 ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ውዕል ስጋ ንምዕዳግ ግዱሳት ተወዳደርቲ ንጨረታ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም ረቛሒታት።1. ናይ 2016 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግድን ናይ መንነት ወረቐት ፎቶ ኮፒን2. ናይ 2016 ካብ ዕዳ ነጻ ምስክር ወረቐት ፎቶ ኮፒ።3. ምልክታ ጨረታ ክሳብ 26/01/2017 ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ዕለት 27/01/2017

ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ልክዕ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቀ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ (መወከሲ ኦፊስ) ይኽፈት።4. መኽበሪ ጨረታ ንስጋ 100,000 ብሲፒኦ የትሕዙ።5. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ተሌ 163582 ተወከሱ።6. ትካልና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨርታ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ናይ

ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኮለጅ ቢዝነስን ስነ-ቁጠባን ሓልሓለ

ንካልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ኢንስቲትዮት ቴክኖሎጂ ኤርትራ (ማይነፍሒ) ካብ ካፊተርያታቱ በብግዜኡ ዝእከብ ተረፍ መግቢ ማለት

1. ተረፍ መግቢ (ኩሉ ዓይነት ጸብሒ)2. ዘይበሰለ ኣሕምልቲ ቅራፍ ድንሽ3. ተረፍ መረፍ ሕብስቲ

ኣጫሪቱ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ፡ ናይ ምስባሕን ምርባሕን ጥሪት ፍቓድ ዘለዎም ጉድሳት ተጫረትቲ ይዕድም። ተጫራቲ ኣብ ሰታሪ ዝተዓሸገ ዋጋ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዓሰርተ መዓልቲ (10) ክፋት ኮይኑ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት 10፡00 ቅ.ቀ ተጫረትቲ ወይ’ውን ሕጋውያን ወከልቶም ኣብ ዝተረኽቡሉ ሳንዱቕ ጨረታ ይኽፈት ተዓዋቲ ይፍለጥ። ንዝርዝር ሓበሬታ ኣብ መዓልቲ ስራሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ቤ/ጽ ኣሃዱ ዕድጊ ብኣካል ወይ ብቁ.ቴለፎን 08202671 ምውካስ ይከኣል። ተጫረትቲ ንመኽበሪ ጨረታ ዝኸውን 100.000(ሚእቲ ሽሕ) ናቕፋ ብሲ.ፒ.ኦ (CPO) የትሕዙ። ተጫረትቲ ዘይምለስ 100 ናቕፋ ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ይወስዱ። ኢንስቲትዮት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኢንስትቱት ቴክኖሎጂ ኤርትራ

ንካልኣይ ግዜ ዝወጸ ምልክታ ጨረታ

ትካልና ኩባንያ ፍርያት ባሕሪ ኤርትራ ንመግቢ እንስሳ ዝውዕል ተረፍ መረፍ ዓሳ (Offal) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ፡ ግዱሳት ተጫረትቲ ይዕድም።ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎ፦

1. ናይ 2016 ዝተሓደሰ ፍቓድ መመስርሒ ዘለዎም።2. ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ትካል መጺኦም ይወስዱ።3. መኽበሪ ጨረታ 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ናቕፋ ብC.P.O የትሕዙ።4. ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተሓቲሙ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 7

መዓልታት ቅጥዒ (ሓበሬታ) ካብ ትካል ክትወስዱ ንሕብር።ኣድራሻና፡ኣስመራ ከባቢ ማይ-ጭሆት ጥቓ ቤ/ጽ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር እዩ።

ኩባንያ ፍርያት ባሕሪ ኤርትራ ኣስመራ ቴለ 120444

ምልክታ

ወረስቲ ነፍ.ወ/ሮ ኣበባ መንግስትኣብ ጋርዛ ካብ ዓባይና ነፍ.ወ/ሮ ኣበባ መንግስትኣብ ጋርዛ ብውርሲ ዝረኸብናዮ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ገዛ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 6 ምም 02 (ምም/ን/ዞባ ዕዳጋ ሓሙስ) ጎደና ምንጃር ሎታ 20 ቁጽሪ ገዛ 70 ዝርከብ ኣብ ኮምሽን ኣባይቲ ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 120316 መወከሲ ቁጽሪ 129135 ብስም ዓባይና ነፍ.ወ/ሮ ኣበባ መንግስትኣብ ተመዝጊቡ ዋንነቱ ዝተረጋገጸ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ገዛ ናብ ስምና ናብ ስም ወረስቲ ከነመሓላልፍ ስለ ዝደለና፡ ዝቃወም እንተሎ፡ እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጻሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪን ቤ/ጽ ካዳስተርን የቕርብ።

ደሃብ ጳውሎስ ገብረ+3ወኪል ኣምሃ ኣብርሃ

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ ሓ.ዝ.ብ.ት.ዓቢ ምጉዳል ዋጋ

ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ካብ 09 ጥሪ 2017 ክሳብ 21 ጥሪ 2017 ዝጸንሕ ኣብ ኩሎም ፍርያትና ክሳብ 35% ዝበጽሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ከምዝገበርና ነበስር!

ናይ ዓበይቲ ካናቴራ ፣ ማልያ ፣ ኮምፕላስዮነ ፣ ጋውን ፣ ስረ

ናይ ናእሽቱ ካናቴራ ፣ ማልያ ፣ ፒጃማ ፣ ኮስቱሞ ፣ ጃኬት ፣ ካምቻ ፣ ስረ

ናይ ህጻናት መጠመቒ ክዳውንቲ ፣ ካናቴራ ፣ ማልያ

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ቀምሽ ውሽጢ ፣ ፓርዮ

ንዘበታዊ ኣገልግሎት ኣንሶላን ኮፕረሌቶን ………….ቀሪብናልኩም ኣሎና!

ፍርያትና እንሸጠሉ ቦታ፡ኣብ ኣስመራ፦ ኣብ ድኳን ትካልና ጎደና ተጋደልቲ ፊት እንዳ ኖራኣብ መንደፈራ፦ ሩት ቡቲክ ጥቓ ጁራ ፍዮሪኣብ ደቀምሓረ፦ ፎዝያ ቡቲክ ጥቃ ዕዳጋ

ሃየ ዝዕድል ተጠቐምሉ! ብዓይነት ፍርያትና፥ ብምቑሉል ኣገልግሎትናን ፣ ርትዓዊ ዋጋን ክትዓግቡ ኢኹም!

ብተወሳኺ ንሆቴላት ፣ ቤት መግቢ ፣ ካፊተራታት ፣ መዋእለ ህጻናትን ካልኦትን ዘገልግሉ ዩኒፎርም ፣ ክዳውንቲ ብዝደለኽሞ ዓይነትን ብዝመረጽክሞ ኣገባብን ርትዓዊ ዋጋን ክነዳልወልኩም ከምእንኽእል ነበስር!

ርሑስ በዓል!ቁ.ተሌፎን- 182967/186405 ኣስመራ

Page 11: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 11 መበል 26 ዓመት ቁ.119

ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣኽባር ሕጊ ዞባ ማእከል

መምህር ተስፋገብሪኤል ኣስገዶም፡ ዝተሰማዓኒ

መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ጊዜ ሕማሙን ሬሳ

ኣብ ምልኣኽን ዝተሓባበርኩምና ማሕበረኮም

ቀጠር ከምኡ ድማ ክሳብ ሕጓ-ዑና ን/ዞ/ሰንዓፈ

ብምኻድ ዘቓበርኩምናን ዘጸናናዕኩምናን ሕሰም

ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሂወት ኪዳነ

ምስ ሙሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ሞት ክቡር ወደይ ኣቶ ሳሚኤል ኮ/ኔ ናሽሕ ግርማጼን፡ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝተማላለስኩምን ኣብ ግዜ ዕረፍቱን ሬሳ ካብ ጀርመን ዘፋነኹምን ኣብ ምፍናው ዝተሓባበርኩምናን ከምኡ’ውን ክሳብ ኳንደባ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛ ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴለፎን ይኹን ብኣካል ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንሕብር።

ወላዲቱ ወ/ሮ ተበርህ ሙሴምስ ምሉእ ስድራቤቶም

ብሞት ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ሰናይት ኣስፋው፡ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ሆስፒታል ብምምልላስ ምስ ዓረፈት ሬሳ ኣብ ምልኣኽ ዝተሓበበርኩምና ኩሉኹም ተቐማጦ ካልጋሪ (ካናዳ) ክሳብ ዓዲ ንፋስ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻኣን ብስልኪ ዘጸናናዕኩምናን ኩሉኹም ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

በዓል ቤታ ኣቶ ቴድሮስ ተኽለሚካኤል ምስ ኣደኣ ወ/ሮ ኣዜብ ዮሴፍን ምሉኣት

ስድራ-ቤትን

ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ኣብርሃም ቀሺ ብርሃነ፡ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገልጽና ኣብ ጊዜ ሕማሙ ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ሬሳ ካብ ጀርመን ዘፋነኩም ብፍላይ ማሕበር ሕንብርቲ ፍራንክፈርት ምፍናው ዝተሓባበርኩምኒ ከምኡ’ውን ክሳብ ሕንብርቲ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴለፎን ይኹን ብኣካል ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንሕብር።

ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣረጋሽ ዑ/ገብርኤል ምስ ደቁን ምሉኣት ስድራቤት

ብሃንደበት ሞት ብልቢ ዘፍቅራ ክብርቲ ወላዲተይ መም/ኣብሀት ተስፋዝጊ ዘርኣብሩኽ፡ ዝተሰማዓኒ መሪር ሓዘን እንዳገለጽኩ፡ ክሳብ ዞባ ደቡብ እምበይቶ መረታ ሰበነ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎንን ኢ-መይልን ከም’ውን ብምምልላስ ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

ጓላ ወ/ሮ ኣስቴር ኣስመላሽምስ ሙሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክብርቲ ወላዲትና ወ/ሮ ጽገ ቀሺ ዮሴፍ ሑመድ፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜን ናብ ሃገራ ምስ ተመልሰትን ኣትሒዝኩም ኣብ እዋን ሕማማ ዝተመላለስኩም፡ ምስ ዓረፈት ዘቃበርኩምናን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን “ሕሰም ኣይትርከቡ” እናበልና፡ ሓዘንና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ንገልጽ።

ምሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክብርቲ ኣደና ወ/ሮ ግደይ ገብርህየት ናይዝጊ፡ በዓልቲ ቤቶም ነንፍስሄር ኣብረሀ ተኽለ መንደር ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ዓዲ ነኣምን ሎጎ ዓንሰባ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ካብ ውሽጥን ካብ ወጻኢ ሃገር ዘጸናናዕኩምናን ክብረት ይሃበልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና፡ ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

ደቀን ምስ ምሉኣት ስድራቤት

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር ኣቦና ሃይለ ዑ/ሚካኤል ገ/መድህን፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ብምምልላስን ምስ ዓረፈ ድማ ክሳብ ኣኽሩር ምሳና ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ብኣካልን ብቴሌፎንን ዘጸናናዕኩምናን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

ምሉኣት ስድራቤት

ብሞት ኣዚና እነፍቕሮ ስነ-ጥበባዊ ወድና ሓበን ተወልደ ኢትባርክ፡ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና፡ ካብ ኡጋንዳ ሬሳ ወድና ዘፋነኹምልና ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ብቴሌፎን ካብ ወጻኢ ሃገር ብምድዋል ዘጸናናዕኩምናን ብምልእኩም ደቂ ሓዝሕዝን ናብ ላምዛ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ናብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናዕኩምናን ብስም ምሉኣት ስድራቤት የመስግን።

ኣቡኡ ተወልደ ኢትባርክምስ ደቁን ምሉኣት ስድራቤቱን

ብሃንደበታዊ ሞት ኣዝየ ዘፍቅሮ ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ዳኒኤል ሃይለ ካሕሱ፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ቀብሩ ክሳብ በለዛ ኬድኩም ዘቃበርኩምናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ይኹን ብኣካል ዘጸናናዕኩምና፡ የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንሕብር።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሳምራዊት ቦኽረጼንምስ ደቁን ምሉኣት ስድራቤትን

Page 12: ጥዑይ ኣመጋግባ ንቘልዑ - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17012017.pdf · መበል 26 ዓመት ቁ.119 ሰሉስ 17 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ

ሓዳስ ኤርትራ 17 ጥሪ 2017 - ገጽ 12 መበል 26 ዓመት ቁ.119

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ዝመጽእ ዓርቢ ስልጣን መሪሕነት ኣመሪካ ብወግዒ ንኽርከብ ዝሸባሸብ ዘሎ ዕዉት ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝፈጸመቶ ወራር ዓቢ ጌጋ ምንባሩ ገሊጹ።ንሱ፡ ኣብ ንፖሊሲታት ወጻኢ ሃገሩ

ብዝምልከት ምስ ጋዜጣታት ብሪጣንያን ጀርመንን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ምስ ሃገራት ኤውሮጳን ኤስያን ብሓባር ክሰርሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊጹ።ንወራር ዒራቕ ብዝምልከት፡ “ኣመሪካ

ኣብ ታሪኻ ካብ ዝፈጸመቶም ጌጋታት እቲ ዝዓበየ እዩ” ብምባል ነቲ ሃገሩ ዝፈጸመቶ ወራር ኮኒንዎ። ኣመሪካ ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ ዒራቕ

ወራር ንምፍጻም ዘቕረበቶ ምስምስ፡ “እታ ሃገር ባዮሎጂካውን ከሚካላውን ኣጽዋር ትውንን እያ” ዝብል’ኳ እንተነበረ፡ ብግብሪ ግን እቲ ዝተባህለ ኣጽዋር ከም ዘይተረኽበ ይግለጽ። በዚ ድማ ኣመሪካ ዝኾነ ጭብጢ ከይሓዘት ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወራር ብምፍጻም ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ኲናት ከም ዝሸመመታ ምንጭታት ይሕብሩ።

“ወራር ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝዓበየ ጌጋ’ዩ ነይሩ” ዶናልድ ትራምፕ

ዕዉት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ምውሳና “ብሉጽ ውሳነ’ዩ” ብምባል፡ ነቲ ውሳነ ከም ዝድግፎ ኣፍሊጡ። ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል ሓደ ሚልዮን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ምፍቃዳ ብወገኑ ከም ዓቢ ጉድለት ከምዝርእዮ ኣረዲኡ።ንሱ ምስ ሩስያን ቻይናን ብቐረባ

ክሰርሕ ከምዝደሊ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ ዘሎ። ይኹን’ምበር እቲ ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተተግበረ ቁጠባዊ እገዳ

ክለዓል እንተኾይኑ፡ ከም መተካእታኡ እታ ሃገር ካብ ዘለዋ ክዙን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትንኪ ከም ዝግባእ ኣነጺሩ። ምስ ቻይና’ውን እንተኾነ ናጻ ንግዳዊ

ልውውጥ ክገብር ከምዘይደልን፡ ንሃገሩ ዘርብሕ ምስ ዝኸውን ጥራይ ንግዳዊ ስምምዓት ከምዝኽትምን ኣፍሊጡ።ብዘይካ’ዚ ትራምፕ፡ ንዜጋታት

ኣመሪካ ናጻ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዕድል ዝህብ ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንዝወጸ “ኦባማ ኬር” ተባሂሉ ዝፍለጥ ፖሊሲ ንምስራዝ፡ ምስ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ይዘራረብ ምህላዉ ገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ምብርባር መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣተኲሩ ኣብ ፓሪስ ንዝተኻየደ ዋዕላ ከም እተቓወመቶ ተሓቢሩ።ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን

ናታንያሁ ብዛዕባ’ቲ ወከልቲ 70 ሃገራት ዝተረኽብሉ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዋዕላ ንሰላም ዝሕግዝ ሃዋህው ክፈጥር ከምዘይክእል ብምምልካት፡ ሃገሩ ኣትሪራ ከምእትቃወሞ ኣነጺሩ።እስራኤል ምስ ፍልስጤማውያን

ቀጥታዊ ዝርርብ ሰላም ንምክያድ ውጥን ከምዘለዋ ዝገልጽ ናታንያሁ፡ ዋዕላ ፓሪስ ምስ ውጥንን ዕላማን ሃገሩ ስለዘይቃዶ

እስራኤል ንዋዕላ ፓሪስ ትቃወም

ባሕሬን ብቕትለት ኣባላት ፖሊስ ንዝተኸሱ ሰለስተ ሰባት ብሞት ከም ዝቐጽዐት ኣፍሊጣ።እቶም ብሞት ዝተቐጽዑ ሰባት

ወዲ 42 ዓመት ሳሚ ሙሻይማ፡ ወዲ 27 ዓመት ዓባስ ኣል-ሳሚያን ወዲ 21 ዓመት ዓሊ ኣልሲንጋሰን ዝተባህሉ ኮይኖም፡ ኣብ 2014 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲልኩም ተባሂሎም እዮም ተኸሲሶም።እቶም መንእሰያት፡ ዝሓለፈ ሰሙን

ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሞት ከም እተፈርዱ ምንጭታት’ታ ሃገር ሓቢሮም። ፍርዶም ድማ ዝሓለፈ ሰንበት ከም እተፈጸመ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።

ባሕሬን ሰለስተ ሰባት ብሞት ቀጺዓ

ኣኽበርቲ ሕጊ ደቡብ ኮርያ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ሳምሱንግ ሊ ጃ ዮንግ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ከም ዝጸውዑ ተፈሊጡ። ኩባንያ ሳምሱንግ፡ ምስቲ ንምልእቲ

ደቡብ ኮርያ ኣናዊጹ ዝርከብ ክስታት ፕረዚደንት’ታ ሃገር ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ምንጭታት ሓቢሮም።ሓላፊ ሳምሱንግ፡ ብ’ቾይ ሱን ሲል’

ዝተባህለት ጸላዊት ውልቀ-ሰብ ንዝውነን ብስም ‘ግብረ-ሰናይ’ ዝነጥፍ ትካል

ደቡብ ኮርያ - ሓላፊ ሳምሱንግ ክእሰር ጻውዒት

ቀሪቡ

ሚልዮናት ዶላር ከምዝኸፈለ’ዩ ዝግለጽ።እታ ኣብ ቀይዲ እትርከብ ጸላዊት

ውልቀ-ሰብ፡ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ፓርክ ጉን ሃይ ንዘለዋ ጥቡቕ ምሕዝነት ጉልባብ ገይራ፡ ካብ ሓያሎ ኩባንያታት ገንዘብ ክትቅበል ከም ዝኸኣለት’ያ ትኽሰስ።ብሰንኪ’ዚ ኣብ ደቡብ ኮርያ ተዘርጊሑ

ዘሎ ክስታት፡ ፕረዚደንት ፓርክ ጉን ሃይ ንግዚኡ ካብ ስልጣና ክትወርድ ተገዲዳ ከምዘላ እዮም ጸብጻባት ዘረድኡ።

ዛንታ ‘ካሚያህ ሞብሊ’ ኣብ ኣመሪካ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ቀንዩ። ነታ ጓል 18 ዓመት ኣመሪካዊት ብፍቕርን ሓልዮትን ሓብሒባ ዘዕበየት ኣደ፡ ግሎርያ ዊልያምስ ትበሃል። ጐረባብታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ “ናይ ብሓቂ ርህርህቲ ወላዲት እያ። ንጓላ ብፍቕሪ ኰስኲሳ ዘዕበየት እትድነቕ ኣደ እያ” ይብሉ። ሓቀኛ ምስሊ ናይ’ታ ሰበይቲ ግን፡ እነሆ ድሕሪ 18 ዓመት ተኸሺሑ። ሓምለ 1998 ሓንቲ ዕሸል

ካብ መወልዳን ሆስፒታል ፍሎሪዳ ተሰሪቓ። “ሓንቲ ነርስ ንጓለይ ካብ ኢደይ ክትወስዳ እንከላ፡ ኣኽቲባ ሽዑ ንሽዑ ከም እትመልሰለይ እያ ነጊራትኒ” ትብል እታ ጓላ ዝሰኣነት ኣደ። ካልኢታት ብደቓይቕ፤ ደቓይቕ ብሰዓታት እናተተክኡ ብዝኸዱ፡ ትርግታ ልባ ወሰኸ። “ሽዑ ሻቕሎተይ እናዛየደ ብምምጽኡ፡ ነንዝረኸብክዎ ሓኪም ውላደይ ከምጽኡለይ ክርብሾም ጀሚረ” ትብል እታ ሓራስ። “ጓለይ ከም እተሰርቀት ክስወጠኒ ብዝጀመረ፡ ናብ ጽልልቲ እየ ተቐይረ” ትውስኽ ንሳ። ነታ ርእያ ዘይጸገበታ ዕሸል ጓላ ክትቀብጻ ኣይከኣለትን። ፈቖዶ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሊስን ማዕከናት ዜናን ሓበሬታ ተዘርገሐ። ድሕሪ 18 ዓመት ካሚያህ ሞቢሊ ዘካየደቶ ናይ ዲ.ኤን.ኤ መርመራ፡ ምስ

ናይ’ታ ካብ ሆስፒታል ፍሎሪዳ ዝጠፍአት ህጻን ልክዕ ኮይኑ ተረኺቡ። ፖሊስ ብዘካየዶ ምጽራያት ንሞቢሊ ከም ውላዳ ከተዕብያ ዝጸንሐት ግሎርያ ዊልያምስ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ። ዕሸል ውላዳ ካብ ኢዳ ዝተመንጠለት ወላዲት ድማ ዳግማይ ምስ ጓላ ክትራኸብ ዕድል ረኺባ።

ኣንጻር ንጉሳዊ ስድራ’ታ ሃገር ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ባሕሬን ዝተወለዐ ሓያል ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይከውን ኣስጊኡ ምንባሩ ይንገር።

ኣብቲ ናዕቢ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ብምግባር ንድሕነት ንጉሳዊ ስድራ ባሕሬን ከውሕሳ ከምዝኸኣላ ጸብጻባት የረድኡ።

ከም ዘይድግፎ ኣፍሊጡ።ኣቐዲማ እስራኤል ኣብቲ ዋዕላ

ክትሳተፍ ንዝቐረበላ ዕድመ ከም ዝነጸገቶ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።እቲ ብተበግሶ ፈረንሳ ኣብ ፓሪስ

ዝተኣንገደ ዋዕላ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምንጋስ ብቐንዱ ድማ ነቲ ኣብ 2014 ብዘይፍረ ዝተበተነ መስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን ንምብርባር ዝዓለመ ምዃኑ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንሷ ኦላን ገሊጹ።ኣብቲ ወከልቲ ሓሙሽቲአን ቀወምቲ

ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽብሉ ዋዕላ፡ ተሳተፍቲ ነቲ ብ ‘ፍታሕ ክልተ ሃገር’ ዝፍለጥ ስምምዕ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ ፍታሕ ገይሮም ከም ዝወስድዎ ብኽታሞም ኣረጋጊጾም።‘ፍታሕ ክልተ-ሃገር’ ኣቐዲሙ ሰበ-

ስልጣን እስራኤልን ፍልስጤምን ዝኸተምሉ ስምምዕ ሰላም ብምዃኑ፡ ኣብ ተግባር ክውዕል ድፍኢት ማሕብረ-ሰብ ዓለም ከም ዘድሊ ፈረንሳ ትሕብር።

ብኻልእ ወገን፡ ተዓዋቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ እየሩሳሌም ከም እተግዕዞ ምግላጹ፡ ንፍልስጤማውያን ኣቖጢዑ ምህላዉ ተፈሊጡ። ፕረዚደንት ፍልስጤማውያን ማሕሙድ

ዓባስ፡ እቲ ብሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝቀላቐል ዘሎ መግለጺታት፡ ንትግባረ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ዝዕንቅፍ ከምዝኾነ ገሊጹ።እስራኤል ኣብቲ ብጐበጣ ዝሓዘቶ

ክፋል ምዕራባዊ ገማግም፡ ልዕሊ 600 ኣባይቲ ሃኒጻን ገና’ውን ትሃንጽ ብምህላዋን፡ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ክዕወት ከምዘይክእል ሰብ-መዚ ፍልስጤማውያን የረድኡ።እስራኤል ብወገና፡ መስርሕ ሰላም ናይ’ቲ

ዞባ ክዕወት እንተኾይኑ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝፍጽምዎ ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ፤ ከምኡ ድማ ንእስራኤል ከም ሃገር ኣፍልጦ ክህቡ ከምዝግባእ ተስምር።