ቀዳም - 50.7.16.23450.7.16.234 › hadas-eritrea › shab › haddas_ertra_23052015.pdfመበል...

12
መበል 24 ዓመት ቁ. 263 23 ግንቦት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 11 ናዝሬት ወልዱ ኣብ ኣመሪካ ተዓዊታ ገጽ 3 “መላግቦ ቃልሲ ኽልተ ወለዶ” ገጽ 4 ምርሒት ቀሰተ-ደበናን ጸሓይን ገጽ 8 ተዂላ ከተማ ገጽ 5 ተመን ኣብ እግርኻ … ቀዳም ሓበሬታ ብምኽንያት’ቲ ሰንበት 24 ግንቦት ዝውዕል መበል 24 ጽንብል ናጽነትና፡ ሰኑይ 25 ግንቦት ህዝባዊ በዓል ምዃኑ ንሕብር። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ “ልምዓት ብጽንዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ መበል 24 ዓመት በ ዓል ናጽነት ብ21 ግንቦት ኣብ ከተማ ካርቱም ጸንቢሉ። ኣብቲ ሚኒስተራት መንግስቲ ሱዳን፡ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ሰበ-ስልጣን ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ጽንብል፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ጽንብል - ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበት ናጽነትና ንእተሰክመና ሓላፍነት ንምትግባር መብጽዓና እነሐድሰሉ ዕዙዝ ጽንብል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ከም’ቲ ናጽነት ንምምጻእን ንምውሓስን፡ ሃገር ንምልማዕን ንምብልጻግን’ውን ውህደት ኩሉ ኤርትራዊ ክድንፍዕ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ኣቶ ኢብራሂም ኣስዒቡ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ መደባት ልምዓትን ዳግመ- ህንጻን ዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። “ዮሃና እንቋዕ ኣብ’ዚ ኩቡር ዕለት ኣብጽሓኩም” ዝበለ ንፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ፊልድ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያትን ኣሰይድ ዓብደልሓፊዝ ኣ’ሳድቕ፡ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎን ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓን ዝተመርኰሰ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብዝበለጸ ንምድንፍዑ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም፡ መበል 24 ዓመት ናጽነት ጸንቢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ይግበር ከምዘሎ ኣነጺሩ። እቲ ጽንብል፡ ምስ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ኤርትራን ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ጽባቐን ሓድነትን እተላሊ ሰነዳዊት ፊልም፡ ባህላዊ መግብን ቡንን ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ደሚቑ ነይሩ። እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ካብ ኤርትራ ዝተጓዕዘት ጉጅለ ባህሊ ዘቕረበቶ መደብ፡ ነቲ ጽንብል ድምቀት ሂብዎ ኣምስዩ። በዓል ናጽነት ኣብ ሃገሮም ምስ ህዝቦም ምጽንባሎም፡ ደቆም ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰቦም ንኽፈልጡን ንኽወርሱን ከምዝሓገዞም፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ብልጫኡ ከምዝኾነ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዜጋታት ገሊጾም። ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ በዓል ናጽነት ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ይበዓል’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ሃገርካ ብህዝብኻ ማሚቚካ ዝግበር ኣገባብ ኣበዓዕላ ሕልፊ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ብፍላይ ቈልዑን መንእሰያትን ኣዝዮም ከምዝምሰጡን ምስ ሃገሮም ዘለዎም ዝምድና መሊሱ ከምዝተርርን ኣብሪሆም። ካብ ጀርመን ዝመጹ ኣቶ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ወይዘሮ ኢለን ተወልደን ኣቶ ወልዱ ኣርዓዶምን ኣብ ርእይቶኦም፡ ናጽነት ንምምጻእን ንምውሓስን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ፡ ልምዓትን ብልጽግናን ሃገር ንምርግጋጽ ንዝካየድ ቃልሲ ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ፡ “ኩላትና ዜጋታት’ዛ ሃገር፡ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ እናስተንተንና መድረኻዊ ሓላፍነትና ክንዋጻእ ይግባእ” ኢሎም። መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “ልምዓት ብጽንዓት” ብዝብል ቴማ ይጽንበል ከምዘሎ ይፍለጥ። በዓል ናጽነት ኣብ ሃገሮም ምጽንባሎም፡ ደቆም ክብርታት ሕብረተሰቦም ንኽፈልጡ ከምዝሓገዞም፡ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዜጋታት ገሊጾም ጽንብል መበል 24 ዓመት ናጽነት፡ ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብ20 ግንቦት ኣብ ከተማ ባረንቱ ብኽብ ዝበለ ማዕርግ ተባዒሉ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሰበስልጣን መንግስትን ብኣሽሓት ዝቑጸር ነባሪ ዞባ ጋሽ- ባርካን ዝተሳተፎ ጽንብል፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ናጽነት ብልምዓት ንምዂላዕን ንምዕቃብን፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሕርሻዊ ልምዓት ንምስሳን ካብ ወቕታውን ዘይውሑስን ክረምታዊ ማሕረስ፡ ናብ ዝማዕበለን ዘተኣማምንን ዘመናዊ መስኖኣዊ ሕርሻ ንምስግጋር ሓያል ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ዛጊት 5 ዓበይቲ ዲጋታት ተዳልዮም ዘድሊ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ተዋዲዱ ምህላዉ፡ ፍርያት ኣብ ዝጅምረሉ ኣብ ርእሲ’ቲ እቶታውነት ክብ ኣብ ምባል ዝገብሮ ኣስተዋጽኦ፡ ንቐጻሊ ልምዓታዊ መደባት ናህሪ ክውስኽ ምዃኑ ኣብሪሁ። “ከምቲ ሃገር ብዘይ መሬት ዘይህሉ፡ መሬት ከኣ ብዘይ ገረብ ትርጉም የብሉን” ዝበለ ኣቶ ፍስሃየ፣ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ንምዕቃብን ንምስሳንን ልዑል ጻዕሪ ክካየድ፣ ልምዓት ጀራዲን ድማ ጽፉፍ ምሕደራን ክትትልን ክግበረሉ ብምዝኽኻር፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚን ዝቕጽሉ ዓመታትን ብርክት ዝበሉ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ምውዳድ መደባት ከምዘለዉ፣ ንምዕዋቶም ድማ ተሳታፍነት ህዝቢ ክዓዝዝ ተላብዩ። ኣቐዲሙ ብስም ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት’ቲ ዞባ ቃል ዘስመዐ ኣቶ በረኸት ተኸስተ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ኣንጻሩ ዘንቀደ ሸርሕታትን ውዲታትን መኪቱ ልምዓታዊ መደባቱ ምቕጻሉ፡ መርኣያ ዘይጸዓድ ጽንዓቱን ሓያል ሓድነቱን ምዃኑ ብምሕባር፣ ነቲ በዓል ንምድማቕ ንዝጸዓቱ ጽንብል ናጽነት ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብኽብ ዝበለ ማዕርግ ተባዒሉ ኣመስጊኑ። እቲ ጽንብል፡ ብሰልፊ ሰራዊትን ባንድ ምረሻን፣ ብርክት ዝበላ ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ዝተሳተፍኦ ውድድር ምግላብ ኣግማል፣ ምርኢት ቀያሕቲ ዕምባባን ካልእ መሰናድኦታትን ደሚቑ ምንባሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። እዚ’ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ህዝቢ ኩለን ምምሕዳራት ንኡስ ዞባታት ጋሽ-ባርካ በብምምሕዳር ከባቢኡ ተወዲቡ፡ ካብ ዕለት 16 ጀሚሩ ጽንብል ናጽነቱ ብድምቀት የብዕል ከምዘሎ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

Upload: others

Post on 29-Jan-2021

16 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 24 ዓመት ቁ. 263 23 ግንቦት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

    ገጽ 11ናዝሬት

    ወልዱ ኣብ ኣመሪካ ተዓዊታ

    ገጽ 3“መላግቦ ቃልሲ ኽልተ

    ወለዶ”ገጽ 4

    ምርሒት ቀሰተ-ደበናን ጸሓይን

    ገጽ 8ተዂላ ከተማ

    ገጽ 5ተመን ኣብ እግርኻ …

    ቀዳም

    ሓበሬታብምኽንያት’ቲ ሰንበት 24 ግንቦት ዝውዕል መበል 24 ጽንብል ናጽነትና፡ ሰኑይ 25 ግንቦት ህዝባዊ በዓል ምዃኑ ንሕብር።

    ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ “ልምዓት ብጽንዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ብ21 ግንቦት ኣብ ከተማ ካርቱም ጸንቢሉ። ኣብቲ ሚኒስተራት መንግስቲ ሱዳን፡

    ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ሰበ-ስልጣን ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ጽንብል፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ጽንብል - ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበት ናጽነትና ንእተሰክመና ሓላፍነት ንምትግባር መብጽዓና እነሐድሰሉ ዕዙዝ ጽንብል ምዃኑ ጠቒሱ፡ ከም’ቲ ናጽነት ንምምጻእን ንምውሓስን፡ ሃገር ንምልማዕን ንምብልጻግን’ውን ውህደት ኩሉ ኤርትራዊ ክድንፍዕ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።ኣቶ ኢብራሂም ኣስዒቡ፡ ኣብ ኩሉ

    ጽላታት ብህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ መደባት ልምዓትን ዳግመ-ህንጻን ዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። “ዮሃና እንቋዕ ኣብ’ዚ ኩቡር ዕለት

    ኣብጽሓኩም” ዝበለ ንፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሱዳን ፊልድ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያትን ኣሰይድ ዓብደልሓፊዝ ኣ’ሳድቕ፡ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎን እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎን ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ ሰናይ ጉርብትናን ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓን ዝተመርኰሰ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ብዝበለጸ ንምድንፍዑ

    ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም፡ መበል 24 ዓመት ናጽነት ጸንቢሉ

    ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ይግበር ከምዘሎ ኣነጺሩ።እቲ ጽንብል፡ ምስ ቱሪዝማዊ ጸጋታት

    ኤርትራን ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ጽባቐን ሓድነትን እተላሊ ሰነዳዊት ፊልም፡

    ባህላዊ መግብን ቡንን ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ደሚቑ ነይሩ።እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ካብ ኤርትራ

    ዝተጓዕዘት ጉጅለ ባህሊ ዘቕረበቶ መደብ፡ ነቲ ጽንብል ድምቀት ሂብዎ ኣምስዩ።

    በዓል ናጽነት ኣብ ሃገሮም ምስ ህዝቦም ምጽንባሎም፡ ደቆም ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰቦም ንኽፈልጡን ንኽወርሱን ከምዝሓገዞም፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ብልጫኡ ከምዝኾነ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ዜጋታት ገሊጾም።ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡

    በዓል ናጽነት ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ይበዓል’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ሃገርካ ብህዝብኻ ማሚቚካ ዝግበር ኣገባብ ኣበዓዕላ ሕልፊ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ብፍላይ ቈልዑን መንእሰያትን ኣዝዮም ከምዝምሰጡን ምስ ሃገሮም ዘለዎም ዝምድና መሊሱ

    ከምዝተርርን ኣብሪሆም።ካብ ጀርመን ዝመጹ ኣቶ ኣብርሃም

    ኣፈወርቂ፡ ወይዘሮ ኢለን ተወልደን ኣቶ ወልዱ ኣርዓዶምን ኣብ ርእይቶኦም፡ ናጽነት ንምምጻእን ንምውሓስን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ፡ ልምዓትን ብልጽግናን ሃገር ንምርግጋጽ ንዝካየድ ቃልሲ ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ፡ “ኩላትና ዜጋታት’ዛ ሃገር፡ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ እናስተንተንና መድረኻዊ ሓላፍነትና ክንዋጻእ ይግባእ” ኢሎም።መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት

    ኤርትራ፡ “ልምዓት ብጽንዓት” ብዝብል ቴማ ይጽንበል ከምዘሎ ይፍለጥ።

    በዓል ናጽነት ኣብ ሃገሮም ምጽንባሎም፡ ደቆም ክብርታት

    ሕብረተሰቦም ንኽፈልጡ ከምዝሓገዞም፡ ካብ ወጻኢ ዝመጹ

    ዜጋታት ገሊጾም

    ጽንብል መበል 24 ዓመት ናጽነት፡ ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብ20 ግንቦት ኣብ ከተማ ባረንቱ ብኽብ ዝበለ ማዕርግ ተባዒሉ።ኣብ’ቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣

    ሰበስልጣን መንግስትን ብኣሽሓት ዝቑጸር ነባሪ ዞባ ጋሽ- ባርካን ዝተሳተፎ ጽንብል፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ናጽነት ብልምዓት ንምዂላዕን ንምዕቃብን፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሕርሻዊ ልምዓት ንምስሳን ካብ ወቕታውን ዘይውሑስን ክረምታዊ ማሕረስ፡ ናብ ዝማዕበለን ዘተኣማምንን ዘመናዊ መስኖኣዊ

    ሕርሻ ንምስግጋር ሓያል ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ዛጊት 5 ዓበይቲ ዲጋታት ተዳልዮም ዘድሊ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ተዋዲዱ ምህላዉ፡ ፍርያት ኣብ ዝጅምረሉ ኣብ ርእሲ’ቲ እቶታውነት ክብ ኣብ ምባል ዝገብሮ ኣስተዋጽኦ፡ ንቐጻሊ ልምዓታዊ መደባት ናህሪ ክውስኽ ምዃኑ ኣብሪሁ።“ከምቲ ሃገር ብዘይ መሬት ዘይህሉ፡ መሬት

    ከኣ ብዘይ ገረብ ትርጉም የብሉን” ዝበለ ኣቶ ፍስሃየ፣ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ንምዕቃብን ንምስሳንን ልዑል ጻዕሪ ክካየድ፣ ልምዓት ጀራዲን ድማ ጽፉፍ ምሕደራን

    ክትትልን ክግበረሉ ብምዝኽኻር፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚን ዝቕጽሉ ዓመታትን ብርክት ዝበሉ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ምውዳድ መደባት ከምዘለዉ፣ ንምዕዋቶም ድማ ተሳታፍነት ህዝቢ ክዓዝዝ ተላብዩ።ኣቐዲሙ ብስም ኣወሃሃዲ ሽማግለ

    በዓላት’ቲ ዞባ ቃል ዘስመዐ ኣቶ በረኸት ተኸስተ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ኣንጻሩ ዘንቀደ ሸርሕታትን ውዲታትን መኪቱ ልምዓታዊ መደባቱ ምቕጻሉ፡ መርኣያ ዘይጸዓድ ጽንዓቱን ሓያል ሓድነቱን ምዃኑ ብምሕባር፣ ነቲ በዓል ንምድማቕ ንዝጸዓቱ

    ጽንብል ናጽነት ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብኽብ ዝበለ ማዕርግ ተባዒሉኣመስጊኑ።እቲ ጽንብል፡ ብሰልፊ ሰራዊትን ባንድ

    ምረሻን፣ ብርክት ዝበላ ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ዝተሳተፍኦ ውድድር ምግላብ ኣግማል፣ ምርኢት ቀያሕቲ ዕምባባን ካልእ መሰናድኦታትን ደሚቑ ምንባሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።እዚ’ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ህዝቢ ኩለን

    ምምሕዳራት ንኡስ ዞባታት ጋሽ-ባርካ በብምምሕዳር ከባቢኡ ተወዲቡ፡ ካብ ዕለት 16 ጀሚሩ ጽንብል ናጽነቱ ብድምቀት የብዕል ከምዘሎ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

  • ሓዳስ ኤርትራ 23 ግንቦት 2015 - ገጽ 2

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

    ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2212)

    ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    ግምቢ ራህዋጻዕሪ ተገዚማ

    ረሃጽ ደም ሓቲታብዕድመ ምሩጻትኣዕሚቛ ሰረታ፡ሕንቁቕ ወዲ ገዛ

    እታ በሽቃጥ ጓል ማማንነብሶም ረሲዖምተተይ ኣቢሎማ፡ከይቀስነላ ኣባይ

    ምስ ዕርፉን ነዊቱንከይጠምይ ዓዃይንኸይግበት ርስታ

    ምስ ዓንዱን ገመሉንከይቖርር ቤታ

    ንናይ ጽባሕ ጣዕሚምቾት ወጊድ ኢሎምቦኽርን ሕሳስ-ልደንኣትኪሎም ነቒሎም፡ዓብዮም ኣይነኣሱንብዋጋ ዕድሚኦም

    ኩልንትናኦም ሰዊኦምዘይበርስ ሓወልቲ

    ግምቢ ራህዋ ተኺሎም፡ብሕድሪ ትውረስብውርሲ ትሕሎፍረ ቂሐ-ጽልሚድምቕቲ ኩሑሎዓስቢ ርብዒ-ዘመንጻማ ውህሉል ጻዕሪርስቲ መዋእልናጓል ዘደንቕ ፍቕሪ ዓባይ ግምቢ ራህዋኣደ ፍሉይ ክብሪ

    ናጽነት።

    ማቴዎስ ኣብርሃ (ባርያ)ኣስመራ 2014

    ይገሃድ’ዩ ሕልሚብልቢ ኣሚንካእንተቃሊብካሉከም ሸቶ ንዕላማ እንተጸሚድካሉ

    ትእምርቲ እኮ ኣይኮነንሓድሽ ነገር ምፍጣር

    ሓሳብ ውሽጢ’ዩ ሕልሚኣብ ኣእምሮ ዝነብር፡እቲ ስዉር ዝመስልዘይተበጽሐ ሓይሊምስጢር ዝመስለናዘይግለጽ ብምስሊኩሉ ይከኣል’ዩ

    ናብ ጋህዲ ክቕየርጻዕሪ’ዩ እቲ ብልሓትኣእምሮ እንክበራበር፡መንቀሊ ሕልሚ’ኮርእስና’ዩ ባዕሉ

    ከመይ’ሉ ይኸብደናጋህዲ ምቕያሩ

    ምሕሳብ’ዶ ይኸብድንትሉም ምትግባርይገሃድ’ዩ ሕልሚ

    ጽንዓት’ዩ እቲ ምስጢር፡ስለ’ዚ. . .

    ዝኸበደ ጌርናኣብ ቀሊል ክንስነፍ

    ንድፊ ምስ ኣቖምና’ኣብ ምርዓም ክንስከፍትግባረ ዋላ ይኽበድጽንዓት’ዩ ዝሓትትትልሚ ካብ ፈጸምናብዋጋ እዛ ህይወት ደጊም ስኒ ንንከስንልምዓት ብጽንዓትጣዕሚ በራቢርና

    ክንረክብ መቕረት።

    ማቴዎስ ኣብርሃ (ባርያ)ኣስመራ 2015

    ኣብ ዝሓለፈ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ - ብሓያል ውህደት ህዝብን መንግስትን ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ርግኣት ዝፈጥሩ ዓበይቲ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ከምእተዓሙ፡ ኣመሓዳሪት’ቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ኣምና ሓጅ ዑስማን ገሊጻ።ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡

    ወይዘሮ ኣምና፣ መደብ ምጥርናፍ - ነበርቲ ብቐረባ ስሉጥን ጽፉፍን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንክረኽቡ ዘብቅዐ ዕዉት መደብ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባብን ከተማ ሓጋዝን ብጸሓያዊ ጸዓት፡ ኤለትሪክን ሓይሊ ሰብን ዝሰርሓ ዘመናውያን ፕሮጀክትታት ማይ ከምእተዋደዳ፣ እዚ ድማ ኣብ ርግኣት መነባብሮ ልዑል እጃም ከምዝነበሮ

    ኣረዲኣ። ኣብቲ ንኡስ ዞባ ምዕሩይ ኣገልግሎት

    ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብዝተገብረ ወፍሪ፡ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 35 ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ድማ ኣብ 5 ምምሕዳራት ከባቢ መደበራት ጥዕና፣ ኣብ ከተማ ሓጋዝ ከኣ ኮማዊ ሆስፒታል ተዋዲዱ ግቡእ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ገሊጻ። እቲ ንኡስ ዞባ፡ ቱሪዝማዊ ስሕበት

    ዘለዎም ከባቢታት ከም ገዳም ጻዕዳ-እምባ፡ ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝን ካልኦትን ከምዝውንን ዝሓበረት ወይዘሮ ኣምና ሓጅ፣ እዚ ከምዝፍለጥን ከምዝብጻሕን ንምግባር፡ ገና ሓያል ስራሕ ይጽበዮም ከምዘሎ ኣስሚራትሉ።

    ሓጋዝ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ርግኣት ዝፈጥሩ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት

    ተሰላሲሎም

    ኣብ ማእከል ከተማ ተሰነይ ተደኲና እትርከብ፡ ብቐንዱ ኣብ ምክትታል ህጻናትን ነፍሰ-ጾራትን እትነጥፍ ማእከል ጥዕና፡ ብዝተገብረላ ጽገና ኣገልግሎታ ክሰፍሕ ብምኽኣሉ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተማልአ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ፡ ሓላፊ’ታ ማእከል ጥዕና ኣቶ ገብርሂወት ተኸስተ ሓቢሩ።እታ ማእከል ጥዕና ቅድሚ’ቲ ዝተገብረላ

    ጽገና ኣገልግሎታ ኣብ ክታበትን ክንክን ቅድሚ ሕርስን ተሓጺሩ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ገብርሂወት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን

    ኣገልግሎት ላቦራቶሪ፡ ፋርማሲ፡ ክንክን ዕብየት ህጻናት፡ ሕክምና ዓይኒ፡ ከምኡ’ውን ሕክምና ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት ዘጠቓለለ ኣገልግሎታት ክትህብ ከምዝጀመረት ገሊጹ።ተገልገልቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ

    ሓበሬታ፡ ኣብ’ታ ማእከል ጥዕና ብዝወሃብ ኣስተምህሮን ዝግበር ክንክንን፡ ነፍሰ-ጾራት ኣብ እዋን ሕርሲ ካብ ዘጋጥም ዘይተደለየ ጸገማት ክገላገላ በቒዐን ምህላወን ብምሕባር፡ ብሰብ ሞያ ዝግበር ሓልዮትን ምክትታልን ዝምስገን ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

    ማእከል ጥዕና ተሰነይ፡ ብዝተገብረላ ጽገና ንህዝቢ ዝተማልአ ኣገልግሎት

    ትህብ ኣላ

  • ሓዳስ ኤርትራ 23 ግንቦት 2015 - ገጽ 3

    ልምዓት ብጽንዓት3ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    “መላግቦ ቃልሲ ኽልተ ወለዶ”

    ብኸመይ ደኣ ወጺእኩም?ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ ናይ

    ኢሰፓኣኮ (ዳሕራይ ኢሰፓ ዝተባህለ) ዋና ጸሓፊ ኾይኑ ናብ ኤርትራ ምስ መጸ፡ እናዞረ በጺሑና። ኣኪቡ “እንታይ እዩ ሽግርኩም”? ኢሉ ሓቲቱ። ሓደ ምሩኽ ተጋዳላይ፡ ዝወረደ ይውረድ ኢሉ፡ “ህዝባዊ ግንባር ንምሩኻትኩም ከብዱ ገዲፉ ሻሂ፡ ጸባ የስትዮም። ኮቦርታ ይህቦም፡ ኣካዳሚ ይምህሮም፡ ግቡእ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ከካይዱ’ዩ ዝፈቕደሎም። ንስኻትኩም ግን ቁስልና ከይንሕከም ትእግዱና፡ መግቢ ከይንረክብ ትኽልኩልና፡ ኣብ ሸላ ትኣስሩና” ብምባል ነቲ ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ኲናት ዝፍጽምዎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘካይድዎ ከቢድ መርመራን ዘርዚሩ ነጊርዎ። ሻለቃ ዳዊት፡ ነቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ድማ “ንስኻትኩምከ እንታይ’ዩ ጸገምኩም?” ኢሉ ሓቲቱና። ሓደ ኣምሓርኛ ዝኽእል መንእሰይ፡ “ኣብዚ ንዓመታት ተኣሲሩ ዘሎ ሰብ፡ ገለ መእሰሪኡን ኣሳሪኡን ዘይፈልጥ ተገፊፉ ዝመጸ’ዩ። ገለ ናይ ወንበዴታት ወረቐት ከተንብብ ጸኒሕካ፡ ገንዘብ ከፊልካ፡ ንመኪና ናይ ዓፋን ቁሊሕ ኢልካ ጠሚትካያ፡ እናተባህለ ብዘይከውን ዝተኣስረ’ዩ” ኢሉ ኣረዲኡዎ። ሻለቃ ዳዊት፡ ጉዳይኩም ሰሚዐዮ ኣለኹ። እቶም ተጋደልቲ ንኣዲስ ኣበባ ክትከዱ ኢኹም፡ እቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ከኣ ጉዳይኩም ተጻርዩ ቅልጡፍ ውሳኔ፡ ክወሃበኩም’ዩ ኢሉ ኣፋንዮም። ንጽባሒቱ ሃንደበት ን20 ናይ ፖለቲካ እሱራት ንቓኘው ኣምጺኦምና። ኣቐዲሞም ብጾተይን ኣዕሩኽተይን ጉቦ እናሃቡ ክወጽእ ይጽዕሩለይ ስለ ዝነበሩ፡ ሓለፍቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ቅድሚ ምርሻኑ ሓንሳብ ንርከቦ ብምባል ካብቶም ብጾተይ ፈልዮም ንግቢ ጸዊዖምኒ። ኣብ ግቢ ላዕለዎት መኮንናትን መርመርተይን ተኣኪቦም ጸኒሖምኒ። ኮሎኔል ተኣምራት ንዓይ ጸዊዑ፡ “ካብዘን 13 ክስታት ንሓንቲ እንተ ኣሚንካን ንኢትዮጵያ ሃገርካ ይቕረ እንተ ሓቲትካን ሕጂ ናብ ደቅኻ ክትከይድ ኢኻ። እንተዘይ

    ኣቶ ዓንደብርሃን መልከ ተስፋሚካኤል ሓደ ካብቶም ሰውራ ኤርትራ ንምጉልባት ኣብ ውሽጢ ከተማ ኮይኖም ዝዓዩ ዝነበሩ ውፉያት ሃገራውያን እዮም። እቶም ናይ ግዜ ጥልያን ናይ ቁልዕነት ተዘክሮ ዘለዎምን ኣብ ንጥፈታት ስእሊ ተዋፊሮም ናብራኦም ዝመርሑ ዝነበሩን ሓርበኛ፡ ብ2009 ተሓቲማ ምስ ዝተዘርግሐት መጽሄት ሕድሪ ንውዕሎኦም ዝገልጽ ቃለ መጠይቕ ኣካይዶም ነይሮም። ንሶም እታ መጽሄት ምስ ተሓትመት ዓመት ከይጸንሑ’ዮም ንሰማእታት ኤርትራ ተጸንቢሮሞም። ታሪኾም ግና ተሰኒዱ ይርከብ ኣሎ። እቲ ብዙሕ ቁምነገር ዝሓቘፈ ታሪኽ ውፉይ ዓንደብርሃን ስለ ዝመሰጠና፡ ነታ መጽሄት ክረኽብዋ ዕድል ንዘይረኸቡ ኣንበብቲ መታን ክቋደሱዋ ብኣጋጣሚ’ዚ ክቡር ሃገራዊ በዓል ንሕትመት ነብቅዓ ኣለና - መቐጸልታኡ እንሆ - ሰናይ ንባብ

    ***

    ኣሚንካ ግን ነቶም ክርሸኑ ኣብ ቓኘው ዝጽበዩኻ ዘለዉ መማጽእትኻ ክተርክቦም ኢኻ” ኢሉኒ። “ኣነ መሃይም’የ ነዚ ኣቕሪብኩምለይ ዘለኹም ክሲ ክፍጽሞ ዓቕሚ ይኹን ክእለት የብለይን”

    ኢለዮም። ምእማን ምስ ኣበኹ እቲ ዘእሰረኒ ከዳዕ ተጸዊዑ መጺኡ። “ነዚ ትፈልጦዶ? ኢሎምኒ። “ፈጺመ

    ኣይፈልጦን’የ!” ኢለ ኣቕቢጸ። ንዕኡ’ውን “ነዚ ትፈልጦዶ?” ኢሎም ሓቲቶምዎ። “ሓደ ተጋዳላይ እዩ ዓንደብርሃን ዝብሃል ሰኣላይ ኣሎ ቀንዲ መሳርሕትና ኢሉ ነጊሩኒ’ምበር ኣነ ኣይፈልጦን እየ። ምስኡ’ውን ሰሪሐ ኣይፈልጥን’የ፡” ኢሉ መሊሱ። “ዘይትፈልጦ ደኣ ስለምንታይ ክንድ’ዚ ዝኣክል ክሲ መስሪትካሉ?” ኢሎም ተሰልቢጦሞ። ንዓይ ድማ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ማእሰርቲ ኣውጺኦምኒ።

    ንምዃኑ ምስ ብዙሕ ስራሕ ብዙሕ ጸገማት የጓንፈኩም ነይሩ ይኸውን’ምበር?

    ሓደ ግዜ ኣብ ገዛና ዘጋጠመት ሓንቲ ፍጻሜ ከዘንትወልካ። ገዛና፡ ብዙሕ ሰብ ዝኣትዎን ዝወጾን እንዳ ስእሊ’ዩ ነይሩ። ብፍላይ ሓደ ግዜ ናይ ደርግ ዕጡቓት ሓረስቶት (ገማግል) ክስእል ኮንትራት ወሲደ። ኣጋጣሚ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ

    ዝስኣሉ ወተሃደራት ሒዙ ንውሽጢ ኽኣቱ፡ ተጋደልቲ ኣብ ውሽጢ ጸኒሖም ክወጹ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም። ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ ሃንደበት ስለ ዝኾኖ ሽጉጥ መሰስ የብል። ሓለቓ ሚእቲ ብወገኑ “ኡዚ” ዝዓይነታ ኣውቶማቲክ ብረት ዓሚሩ ኣብ እግሪ ሽባኻ ተጸጊዑ ክትኩስ ተዳልዩ። ተረኣኢኻ ስቕ ስቕ ኮይኑ። “ኣቶ ዓንደብርሃን እዚኣቶም እንታዎት እዮም?” ኢሉ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ሓቲቱኒ። “ኣይትስግኡ ሓለቓ ሚእቲ እዚኣቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ወተሃደራት ጽዒኖም ዝመጹ መራሕቲ መካይን’ዮም። ክሳኣሉ እዮም ጸኒሖም፡” ኢለ ከእምኖ ፈቲነ። “እንታይ ደኣ ሽጉጥ ሒዞም ኢሉኒ። መሓለዊ ነፍሶም ይወሃቦም’ዩ፡” ኢለ ኣእሚነዮ። ከምኡ እናተበሃሃልና እቶም ተጋደልቲ ፈዳይን መሰስ ኢሎም ንደገ ወጺኦም። ሽዑ ተኹሲ ተኸፊቱ እንተ ዝነብር ኣነ ይኹን እቶም ፈዳይን ኣይምወጻእናን።

    ኣብ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊልካ ኢኻ፡ ክቡር ትረክብሞ ክቡር ከፊልና ትብልዎ ኣሎዶ?

    ኣብ መስከረም 1977 ደርግ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ “በዓል ኣብዮት” ከብዕል ይሻባሸብ ነይሩ። ብጾትና ነቲ በዓል ንምዝራግን ራዕዲ ንምፍጣርን ካባይ ተፋንዮም ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሶም። ብርሃነ ወዲ ቀሽን ዓብደልወሃብን ዝተባህሉ ተጋደልቲ ኣብ ከባቢ ስታድዮም ኣስመራ ገለ ነተጉቲ ድሕሪ ምጽዋድ፡ ተወሳኺ ነተጉቲ ንምድላው ናብ ኣብ ከባቢ ባር ትብለጽ ዝርከብ ጋራጅ ጎይትኦም ነጋሽ ተመሊሶም። ኣብቲ ጋራጅ ብግዜ ዝትኮስ ቦምብ እናጻወዱ ኸለዉ እታ ቦምባ ሃንደበት ተፈንጂራ። ብርሃነ ወዲ ቀሺ ብቕጽበት ክስዋእ ከሎ ዓብደልወሃብ፡ ጎይትኦም ነጋስን መንግስቱ ይፍጠርን ተወጊኦም ተታሒዞም፡ ኣብ 1979 ተረሺኖም። እዛ ስርሒት እዚኣ ዕላማኣ ከይወቕዐት ኣብ ልዕሊ ብጾትና ሓደጋ ምፍጻማ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዘጉሃያንን ዘሕዘናንን ፍጻሜታት እያ ነይራ።

    እዚ ኹሉ ስራሕ ክትፍጽሙ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢኹም ነይርኩም፡ ሽዑ ተራ ህዝቢ ከመይ ነይሩ?

    ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኣነ ከምዚ ሰሪሐ እናበልካ ክትዛረብ ኣሰካፊ ምዃኑ’የ ዝዛረብ ብወገነይ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኢዱ ዘይጸንበረ የለን። ንኣብነት ከባቢና ናይ ንግዲ ቦታ እዩ ነይሩ። ኣቶ ማዕሩፍ ሰፋይ ክዳን፡ ወይዘሮ ገብርኤላ ወናኒት ሆቴል ሚራሶለ፡ ገብረሂወት (ድምጺ) ዋና ክለብ ሰራየ፡ ወናኒ ባር መስኖ ዝነበሩ ኣቶ ገሬሱስ ነይሮም። ንሳቶም ኩሉ ኩነታትና ይዕዘቡ ስለ ዝነበሩ ከም ገለ ኣብ ከባቢና መኪና ናይ ዓፈንቲ ጉጅለ ደው እንተ ኢላ፡ ወይ ወተሃደራት ናብ ገዛና ክኣትዉ እንተ ርእዮም፡ ደሃይ ክፈልጡ ንገዛና ይጐዩ ነይሮም። ኣብቲ ከባቢ ዘይልሙድ ምንቅስቓስ እንተ ተራእዩ’ውን “ዓንደብርሃን ተጠንቀቕ ኣጋይሽ ከይህልውኻ” እናበሉ እዮም ዝዛረቡኒ ነይሮም። ብዘይካ’ዚ ኣብ ነጸላ መንደቕና፡ ወይዘሮ ወርቅሃ ምስጉን ዝተባህላ ሓለቓ ሚእቲ ዝበዓል እንዳአን ኤርትራዊት ነይረን። ኣብ ግዜ ተፍትሽ ገዝአን ስለ ዘይድፈር ኣገደስቲ መሳርሕታት ናይ ሰውራ ንዐአን’የ ዝህበን ነይረ። እዚ ገለ ነቲ ተራ ህዝቢ ከመይ ነይሩ? ዝብል ሕቶኻ ዝምልሽ ኮይኑ ይስምዓኒ።

    ኣቶ ዓንደብርሃን እዚ ኹሉ ዘዕለልኩምኒ ኣብ ግዜ ንእስነትኩም እዩ ነይሩ። ምስዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ከተነጻጽርዎ ከለኹም ብኸመይ ትገልጽዎ?

    ኩሉ ገግዜኡ ኣለዎ። ናይ ኣርባዓታትን ሓምሳታትን መንእሰያት ኣንጻር መግዛእትታት ጥልያንን እንግሊዝን ተቓሊሶም። ቀጺሎም ዝሰዓቡ መንእሰያት ድማ ኣንጻር ምፍራስ ፈደረሽንን ስርዓት ሃይለስላሰን ተቓሊሶም ክሳብ ብገመድ ተሓኒቖም ጠልጠል ኢሎም። ነዚ ሰውራ ዝመስረቱን ዘዐወቱን ከኣ መንእሰያት እዮም ነይሮም። ሕጂ’ውን ነቲ ልዕሊ 65 ሽሕ ህይወት ተኸፊልዎ ዝመጸ ናጽነት፡ ክከላኸሉ ኣሽሓት መንእሰያት ተሰዊኦም’ዮም። ብኣጠቓላሊ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘራእቱ፡ ኣብቈልቱን ኣፍረይቱን መንእሰያት እዮም’የ ክብል ዝኽእል። ነዚ ናይ ሕጂ መንእሰይ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ብፍልጠትን ዘመናዊ ኣጽዋርን ዝዓጠቐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንሃገር ሓራ ኣውጺኡ ኣብ ልምዓታን ህንጸታን ዝሳተፍ ምዃኑ እዩ።

    ኣቶ ዓንደብሃን ዓርቢ 24 ግንቦት 1991 እንታይ ኢልኩም?

    ‘ጦር’ (ወተሃደራት ኢትዮጵያ) ብመጥቃዕቲ ህዝባዊ ግንባር ተጸሪጎም ካብ ኣስመራ ምስ ተቐንጠጡ፡ ኩሎም ኣብ ስራሕ ከለዉ ዝተሰውኡ ብጾት

    ቅጅል ኢሎምኒ። ንኹሎም ስውኣት እቲ ስጋኹምን ኣዕጽምትኹምን ዝተበታተኸሉን እናተሸቑረርኩም ትረግጽዎ ዝነበርኩምን ጐደናታት ኣስመራ ሕጂ ሓራ ኮይኑ እዩ። ኣምሓራ የለውን! ህዝቢ ከም ድላዩ ሸናዕ ይብለሉ’ሎ! ኢሉ መን ክነግሮም’ዩ? ዋላ ንናይ ቋሕ ሰም ግዜ ትኹን ኹሎም ስውኣት ንሓራ ኤርትራ ርእዮማ እንተ ዝምለሱ፡ ክንደይ ምጸበቐ ኢለ።

    ኣብ ሎሚ ኴንኩም ንናይ ትማሊ ብኸመይ ትገልጽዎ?

    ብዙሕ ነገራት ትዝ ይብለኒ። ናይ መብዛሕትኦም ናይዞም ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ብጾት ዝርዝር ኣስማት፡ ዕለተ መስዋእቲ፡ ቦታ መስዋእትን ስእልን ምሳይ ኣሎ። ኣብ ዝኾነ እዋን ከኣ ንዝርዝር ኣስማቶም እገናጽሎ። ክድቅስ ከለኹ ምስ ጸሎተይ እጽንብሮም፡ እቘጽሮም። ኣብ ቁጽሪ ገለ ከይርስዕ እስከፍ። ወትሩ ብዛዕባኦም ነዊሕ ከይሓሰብኩ ኣይድቅስን’የ። ትብዓቶም ቆራጽነቶም ክዝክር ከለኹ ድማ ንዝኾነ ሰብ እቲ ዝሓለፈ’ኳ ተሰጊሩ ክንጸንዕ ኣሎና! እናበልኩ ክምዕድ፡ ከተባብዕ እሕልን።

    ***

    መስፍን ተስፋይ

    ኣቶ ዓንደብርሃን ኣብቲ ምስጢራዊ ዕማም መሳርሕቶም ምስ ዝነበሩ ኣቶ ሓጎስ ተስፋጽዮን

  • ሓዳስ ኤርትራ 23 ግንቦት 2015 - ገጽ 4

    ሱራፌል ተ/ብሩኽ

    ዝኽሪ ናጽነት

    ዓመት መጽአ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዝበዓል ዓቢ በዓል ልደት ኤርትራ፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ኣብ ልቢ ዅሉ ኤርትራዊ ዘሎዎ ተዘኵሮታት ዓሚቝን ዘይርሰዓን እዩ። ምኽንያቱ ምረት መግዛእቲን ብድሆታቱን ዘይለብለቦን ኣብ ቤቱ ዘየራኻኸበሉን ዜጋ የለን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን። ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን ከም ዝበሃል፡ ነዛ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኻየደ ቓልሲ ዝተኸፈሎ ዋጋን መዳርግቲ ኣይርከቦን። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ህዝቡን መሬቱን ዘካየዶ ቓልሲ ሳላ ጽንዓቱን ስምረቱን ኣብ ዓወት በጺሑ። ነዛ ሎሚ ዓመት መጽአ መዓልቲ ናጽነት ኢልና እነብዕላ ሓንቲ ካብተን ክቡራት ናይ ዝኽሪ በዓላትና ኸነስተማቕር’ኳ በቒዕና።

    ኣብ መዓልቲ ናጽነትን ቅነኡን ዘሎ ዕላላት፡ ብዙሕ ግዜ መሳጢ እዩ። ብዙሕ መስሓቕ፡ መስደመም፡ ዘደንግጽን ዘንብዕን ዛንታታት ኣሎዎ። ኵሉ ሰብ ነናቱ ዝኽሪ ክህሉዎ ግድን እዩ። ኣብ ወጻእ ሃገር፡ ዓዲን ሜዳን ዝነበረ ነናቱ ዝኽሪ ኣሎዎ።

    ኣብ ሎሚ ኴይንካ እቲ ዝነበረ ሃዋሁ ክትግምት’ኳ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ካብ መግዛእቲ ሓራ ምዃን ማለት ናጻ ምዃን ማለት ስለ ዝዀነ፡ ሓጐስካ ክትጻወሮ ዝከኣል ኣይኰነን። ሎሚ ኤርትራ ዕስራን ኣርበዕተን ዓመተ ልደታ ኣብ ምብዓል’ያ ዘላ። ዝኽሪ እዛ መዓልቲን ዝነበረ ሃዋሁን ንማማ ተወኪሰያ ነይረ።

    ማማ ንዓይ ኣብ ዝወለደትሉ ኣደ ቘልዓ ኰይና፡ ኣብ እንዳ ዓሰርተ ሸውዓተ “ኣፍጨዋይ” ዝበሃል ቦታ እንዳ ሓራሳት እያ ነይራ። ኣስመራ ክትተሓዝ መጥቃዕቲ ይካየድ ከም ዘሎ ፈሊጠን ነይረን። ንግሆ ተሲአን ዕለታዊ ንጥፈታተን እናካየዳ ኸለዋ እየን ብረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝተፈነወ ናይ ሓጐስ ብስራት ዝተበሰራ። ኣብቲ ህሞት እቲ ዅለን ሓጐሰን ሰማይ ዓሪጉ፡ ምቍጽጻር እየን ስኢነን። ብሓጐስ ይዘላ፡ ናይ ደስ ደስ ጠያይት ንላዕሊ ይትኵሳ፡ ኣብ ርሱን ስምዒት እየን ኣትየን፡ እታ ናይ ሽዑ ሓጐስ መዳርግቲ ከም ዘይርከባ ኣነ’ውን ክግምቶ ዝኽእል ነገር እዩ። እታ ዝፈትዋኣ ህይወተን፡ እቲ ኻልእ ክገብራሉ ባህ ዝብለን ዕድመአንን መጻኢአን ሂበን ዝተቓለሳላ ናጸነት፡ “እንሀለት ኰይና!” ክብሃላ እንከለዋ እንታይ ክስምዐን ከም ዝኽእል ክትግምቶ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንተን ዝተደፍኡ ብጾተን፡ ክንዲ ኣቦ፡ ኣደ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ዝነበሩ ብጾተን፡ “ንሕና’ውን ድሕሪኦም፡ ናጽነት ነቶም ዳሕረዎት’ያ፡” እናበላ ብህይወት ከርክባላ እንከለዋ ዝዀንኦ ዝጠፍአን ኰይኑ እስመዓኒ።

    “ሓንቲ ዘይትርሳዓ እተስሕቐና ዝኽሪ፡” ብምባል ማማ ሓንቲ ዝኽሪ ኣዕሊላትኒ። ኵሉ ግዜ ክዳውንቲ ኽሰጥሓ ኸለዋ ኣብ ትሕቲ ገረብ እየን ዝሰጥሕኦ ነይረን። ምኽንያቱ ነፈርቲ ኸይ ርእይኦ’ሞ በቲ ኽዳን ተመሪሐን ከይድብድባ ንምክልኻል እዩ። ናጽነት ምስ ኰነ ዝነበረት ቅነ፡ ክዳን ሓጺበን ክሰጥሓ እንከለዋ ኸም ቀደመን ኣብ ትሕቲ ኣግራብ እየን ዝሰጥሓ ነይረን። ዋላ ናጽነት መጺኣ ፈሊጠን ከለዋ ኣብ ልዕሊ ገረብ ምስጣሕ ልምደን ኣይነበረን። እቲ ምረት ማዕረ ኽንደይ ኣብ ደመን ሰሪጹ ይገርም እዩ።

    ሄለን ዘርእዝጊ

    ምርሒት ቀሰተ-ደበናን ጸሓይን

    20 ግንቦት 1991 “ቐልጢፍካ ድሃይና ኽትገብር ምጻእ፡” ዝብል መልእኽቲ ስድራይ ፍጹም ኣሻቒሉኒ። ኣቦይ ብኣካል እንተ ዘይኰይኑ፡ እታ መልኽቱ ብሰብ ፍጹም ከም ዘይልእካ እናፈለጥኩ እየ ተሻቒለ። “ክላእ ኣቦይ ዘይከምኡ እዩ፡” ዋላ እንተ በልኩ ንውሽጠይ ከርግኦ ኣይከኣልኩን። ንስራሕና ኸፍቅድ እንከለኹ እቲ ምኽንያት ሕውስውስ ኣቢለ’የ ነጊረዮ። ይስለጥካ ኢሉኒ ፍቓድ ተዋህበኒ።ቅድሚ ምብጋሰይ ግን ንሱልጣን

    ዓርከይ እኸይድ ከም ዘለኹ እነግሮ። ሱልጣን ዓርከይ፡ “እሞ... እሞ... ክትከይድ ኢልካ!?” ይብለኒ ደጋጊሙ። ኣነ ኸኣ “እወ!” ጥራይ እብሎ። ጸጸኒሑ ነዛ ሕቶ ምስ ኣብዝሓለይ ግን ኣይፈተኹዎን። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝበለ ኣጥቢቐ ሓቲተዮ። “በቃ! ዋላ ሓደ... ኣነ ግን ቍሩብ ክትጸንሕ ምመረጽኩ፡” ኢሉኒ። እታ ብልቡ ዝሓስባ ዝነበረ ኸምኣ ኸም ዘይኰነት እርደኣኒ ነይሩ።“እሞ በል ኣነስ ነቒለ’የ፡” ኢለ

    ንድሕሪት ከም ዘይብል እነገሮ። “በል ቅድም ናብ ገዛና ንብጻሕ።

    ኢማ ሒዝካዮ ምጻእ ኢላትኒ ነይራ እያ፡” ኢሉ ገዛኦም ከየላገስኩ ክኸይድ ከም ዘይክእል ነገረኒ። ተታሓሒዝና ናብ ገዛኦም ከድና።

    ሰዓታት ምሳሕ’ዩ ነይሩ። ኣደይ ሳዕድያ ንኽልተና ምስ ረኣያና ሕጕስ እየን ኢለን። ከምዛ ነዊሕ ዝተፈላለና ሓሓኒቐን ሰዓማና። ናይ ስድራይ ናፍቖት ግዲ የስቈርቍረኒ ነይሩ ኣደይ ሳዕዲያ ኽስዕማኒ እንከለዋ፡ ኵሉ ግዜ ንብዓት’የ ዝቛጽር። “ኣሰይ እዞም ደቀይ... ኣሰይ ድራረይ ... መዓር ወደይ... ቅድሜኹም ‘ይስጣሓኒ...” እናበላ እየን ዝስዕማኒ። ምስቲ ብገዛና ኽሻቐሎ ዝጸናሕኩ ተሓዋዊሱኒ ክነብዕ ዝተረፈኒ የብሉን።ኣደይ ለተብርሃን ጎሮቤት እየን። ኣብታ

    ካንሸሎ ኽልተ ግዜ ቡን እንተ ተቖልያ ብሓንሳእ እያ እትስተ። ደድሕሪ ኣደይ ሳዕዲያ ሰዓምኩወን። ድሕሪ ምሳሕ ናብ ቡን ኢና ኣቲና።“እታ ትማሊ ዘዕለልክናኒ ደኣ ንመሓሪ

    ዘይተዕልለኦ፡” በለን ሱልጣን። ኣደይ ለተብርሃን፡ ሕልሚ ምስ መጻኢ ጽቡቕ ገይረን እየን ዘተኣሳስራኦ። ብቕንያቱ ኽሓልምኦ ዝቐነያ ሕልሚ ደጊመን ኣዕለለና፤ጥዑም ድቃስ ደቂሰ እነከለኹ፡

    ብመስኰት ብርቱዕ ብርሃን ገጸይ ይሃርመኒ እሞ እበራበር። ‘እዚ መስኰት ደኣ ዓጽየዮዶ ኣይነበርኩን፡’ ኢለ ኽትስእ ምስ በልኩ፡ ጻዕዳ ርግቢት ኣብ መስኰት ኰይና ኽትንቁ ጀሚራ። ብስንባደ ‘እውይ!” ኢለ ኽሓቝፋ ኽትስእ ሓሲበ ግን ኣስይስዕማን። ንሳ ንዓይ እናረኣየት ጩቝ...ጩቝ... ትብል ኣነ ኸኣ እናረኣኹዋ እነብዕ። ቀደም ዝጠፍአትኒ

    ዝተሰወረት ርግቢተይ ኰይና ትስመዓኒ...” ኢለን ኣዕሊለን ምስ ወደኣ “ኣነ ኢለክን’የ ሓዳስ ጓልኪን’ያ፡” ኢለን ኣደይ ሳዕዲያ ደምደማኦ።“እታ ናይ ጸሓይከ?” በለን ሱሌማን።

    ብድሮኡ ወይ ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ፡ ጸሓይ ብቐስተ-ደበና ተኸቢባ ተራእያ ነይራ። እቲ ቐስተ-ደበና ኣብ ዙርያ እታ ጸሓይ ከቢቡ ኣኽሊል ከዲኑዋ ነይሩ። ነዚ ኸኣ ጽቡቕ ፋል እየን ተርጕመናኦ እዘን ክልተ ኣደታት። “ለንቅነ ሓደ ነገር ኣሎ። ፍጹም ካብዚ

    ኽትርሕቕ የብልካን፡” በለኒ ሱልጣን። ክካትዖ ፈቲነ። “ኣደይ ለተብርሃን ደጋጊመን ዝሓለምኦ፡ እሞ ኸኣ ቀቀልጢፉ ዝምለሰን ወላህ እብለካ ኣለኹ ኸይኰነ ኣይተርፍን’ዩ፡” ኢሉ ኣእመነኒ። ክስዕሮ ኣይከኣልኩን። ድሕሪ ሳልስቲ፡ ኣብ ስራሕ እንከለኹ መሬት ብቶኵሱ ዕምብረ ዀይና። እሂ እንተ በልካስ “ሻዕብያ ኣትያ!” ዝቐነየ ጠሊ ንመገዲ ዓዲና ጽቡቕ ገይሩ

    ከም ዝመድመዶ እዝከረኒ። ናይ ሽዑ ሽታ ኣዝመራ ኻብ ዝኽረይ ተኣልዩ ኣይፈልጥን። ኣነን ሱልጣን ዓርከይን ድሕሪ ሰሙን ምስ ተራኸብና ናይ ሓጐስ ንኽልቲአን ነጸላ ገዚእናለን ናብ ገዛኦም ኬድና። ከም ቀደምና ኣብ ዙርያ እታ ቡን እንከለና ኸኣ ኣደይ ለተብርሃን ደሃይ ሓዳስ ጓለን ረኸባ።

    መሓሪ ከሰተብርሃን

    ድሮ 24 ግንቦት

    “እስመዓኒ’ሎ’የ ‘ስመዓኒ’ሎ

    ሳላ’ቲ ጅግና ሓወይ ይካኣሎ

    ሓጐስ እስመዓኒሎ” (ካሕሳይ በርሀ)

    ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ዝድረፍ ደርፊታት ምስ ብዙሕ ሰብ ዝኽሪ ኣሎዎ። ምስ ደርፊትት ተሓናጊሩ ዝመጽእ እልቢ ተዘኵሮታት’ውን ኣሎ። እዛ ደርፊ ካሕሳይ በርሀ እንክሰምዓ ኸኣ ናብ ግዜ ቍልዕነተይ’የ ዝምለስ። ኣብ ግዜ ቍልዕነተይ ዝነበረ ቅንያት ናጽነት’የ ዝዝክር። ምስኡ ኸኣ እተን ናይ ሽዑ መንእሰያት ናይ ሎሚ ኣደታት ዝዀና ዓበይቲ ኣሓተይ ይመጽኣኒ።

    ክልተ ምዕባየይ ኣሓተይ ኣሰንየ’የ ንዝነበረ ምቍር ቅንያት ናጽነት ክንቋደስ ናብ ከተማ ዝወርድና። ጓል ሸሞንተ ዓመት እየ ነይረ። ኣብ ማእከል ክልተአን ኣትየ፡ እታ ሓንቲ በቲ ሓደ ኢደይ እታ ሓንቲ ኸኣ በታ ሓንቲ ሒዘናኒ ካብን ናብን ክንብል ኣምሰና። ብዙሕ ሰብ ስለ ዝነበረ ኸይጠፍአን ከረው ኣቢለን እየን ሒዘናኒ። ኣብ ከባቢ ካቴድራል ምስ በጻሕና፡ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ እዩ ነይሩ፡ ናብ ሰማይት ርሺት ክትኰስ ጀመረ። ደርፊ ካሕሳይ በርሀ’ውን ብዓውታ ኽስማዕ ጀመረ። እተን ብጸጋመይን የማነይን ከረው ኣቢለን ከዛውራኒ ዘምሰያ ኣሓተይ ገዲፈናኒ ምስቶም መሳቱአን ክዘላ ጀመራ።

    “ደስ ደስ እስመዓኒ’ሎ

    ናጽነት እስመዓኒ’ሎ

    ሓጐስ እስመዓኒ

    ራህዋ እስመዓኒ’ሎ

    ኣሰይ ተሓጐሰ

    ቀሲነ’ኳ ደቂሰ”

    ብሓንሳብን ብዓውታን ልዕሊ ገዓሪ ማይክሮፎን ብዝስማዕ ድምጾም ይደርፉን ይዘሉን። እቲ ጓይላ ልክዕ ከም ሓደ ዓቢ ቐላይ እዩ። ኵሎም ከኣ ድልዱላት መንእሰያት እዮም። ንሰማይ ከርክቡ ኸም ዝደለዩ ናብ ላዕሊ ይዘሉ። በዓል ኣሓተይ ከኣ ረሲዐናኒ ይስዕስዓን ይዘላን። እዛ ደርፊ ካሕሳይ በርሀ ኽሳዕ ትውድእ ክሕሉወን ኣምሰኹ። ግንቦት ኣብ እትመጽኣሉ ኸኣ ነዛ ደርፊን ኣሓተይን’የ ዝዝክር።

    ሳምራዊት ዮውሃንስ

    ር ል

    ጆርናል

    ጆርናል

    ሃሳስን ድሙቕን ሕብሪጆርናል

    ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንቡር ናብራና ምኽኣል ስኢናዮ። ዋላ’ቲ ኽንገብሮ እንኽእል፡ ክንዓዮ ኣጊሙና። በቃ! ኵሉ ዕላልናን መንፈስናን ኲናትን ወረ ዂናትን ኰይኑ። በብእብረ ዝሓለፉ ኽልተ ወራራት ንሳልሳይ ወራር ኣረኪቦም መዝገቦም ዓጸዉ። መዝገብ ሳልሳይ ወራር እንክግጸል ሰፈር ዝኽሪታተይ ክግላህ ጀመረ።“ኣንቲ ቘልዓ! ጥይት ዝምሕር

    ከይመስለኪ! ውጥም ውጥም ኣይትበሊ!” ስክፍተአን ክዓግታ ዘይከኣላ ኣደ ተግሳጸን ናብ ኣልማዝ ኣውሓዛ። ኣልማዝ ግን ነቲ ብኣእዛና ትሰምዖ ዝነበረት ድምጺ ጠያይት፡ ብኣዒንታ ርእያ ዕግበታ ከተበርኽ ዝደለየት ክትመስል ንተግሳጽ ኣደኣ ዕሽሽ ኢላቶ። “ጓለ’ዲኣ’ዶ! ኣንቲ ቘልዓ ግደፊ’ባ…” ዘረባአን ኣይወደኣን ጥይት ግን ንዅሉ ወደኣቶ። ብመስኰት ዝኣተወት ጥይት ኣብ ግንባር ኣልማዝ ብምዕላብ ዕምሪ ኣልማዝ ደምደመቶ። መርድእ ኣልማዝ ዝገደደ መዘዝ ከየምጽእ ንግዜኡ ተዓብጠ። ጭካነ ጸላኢ ኣሽንኳይ’ዶ ኣብ ግዳም ኣብ ቤተን እንከለዋ’ውን ኣይመሓረንን። ስንባደአን ንደገ እንተ ወጽኡ ዕጫ ኣልማዝ ዕጨአን ክኸውን’ዩ። ስለዚ ብኽያተንን ኣውያተንን ኣብ ውሽጠንን ኣብ ቤተንን ሰተራኦ። ሞት ኣልማዝ ከም ንቡር’ኳ እንተ ዘይተበኸየሉ ካባና ምፍላያ እናነባዕና ንዝምረላ ነበርና።

    “ኣልማዝ ኣልማዚተይ ኩምቡር

    ኩምቡሪተይ፡ እንታይ ኮን ይረኽቡ ካባይ

    ዝፈልዩለይ፡ ኣልማዝ ቀያሕ’ያ ኣልማዝ ጽብቕ

    ኢላጸውዑለይ’ባ ኣነስ ናፊቐያ”

    እናበልና ክንዝምር፤ ተዘኵሮኣ ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን። ገና ህይወትና ኣብ ጣልዕ እንከላ ኢና እምበኣር ቤትና ራሕሪሕና ዝወጻእና።ትሕዞና ንመዐገሲ ኸብዲ ተባሂሉ

    ብዘይካ ቝንጣሮ ሓርጭን ሞቕሎን። ስልማት ኣደይ ከይተረፈ ጠንጢና ናብቲ “ይሓይሽ’ዩ” ዝተባህለ ስፍራ ገስገስና። እቶም ንኣሽቱ በኣእዱግ፡ እቶም ካባና ዝዓብዩ ብእግሮም እናተጓዓዝና ታላታዓሸር፡ ኣርባዕታዓሸር ሰጊርና መሬት ላፋ ሱዳን ኣተና። መነባብሮ ዓማራ ይሓይሽ ስለ ዝተባሃልና ላፋ ሓዲግናዮ። ዓማራ ግን ከምቲ ዝተባህለ ስለ ዘይጸናሓትና ንላፋ ተመሊስና። ህይወት ላፋ ህይወት ተቘጺሩ ምስ ፍቕዲ ዕምረይ እንተ ተጸብጺቡ ከም ክሳራ’የ ዝወስዶ። ከም ኣብ መካነ እንስሳ ዝተዓቘብና መግብና ብስርዓት ክንረክብ ጋዶ ዀይኑ። ካብ መንኪና ዝተሰንደወ መግቢ ዝቘለበ ይቝለቦ ተባሂሉ ኽድርበ፡ ጥኑሳት ከይተረፋ መግበን ክእልሻ ህይወተንን ህይወት ዕሸለንን ስኢነን። ሞት ጥኑሳት ምስ ረኣኹ ኣደይ ተሰኣለትኒ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ብርካ ከሕለኽልኽ ናብ ዝኸደቶ ክኸይድ ዋርድያ ዀይነ ክሕሉዋ ሕጂ ዀይኑ እረኣየኒ። ነገር ተፈጥሮ ግን ሃዋህው ኸይመረጸ ስርሑ ሰረሐ። ኣደይ ብሰላም ተገለጊላ። ገዛና ኻብ ንገድፍ ዓይኑ ሰለም ዘየበለ ኣቦይ፡

    ምስዚ ዘለናዮ ኣወሃሂዱ ቅድሚ እዚ ህጻን ምውላዱ “ወዲ እንተ ዀይኑ ‘ተመኒዎ’ ጓል እንተ ዀይና ‘ተመኒዋ’ ክንብሎ ኢና፡” ኢሉ ክጫረቕ ጓል ተወልደት። እዚ ዅሉ ኸልበትበት ገና ብንእሱ ዝፈለሞ ንእሽተይ ሓወይ መኣዲ ኽንለክፍ ምስ ጀመርና “ኣደ ጨው ዘይብሉ፡” ኢሉ ኽውጭጭ፡ ነቲ ጨው ዝተሓረሞ ህይወትና ብስሓቕ ጨው ነስነሰሉ። ምንባር ሕሰምና ግዲ ፈሊጡ “ወያነ ወጺኡ’ዩ ተመለሱ፡” ተባሂሉ፤ ኸምታ ኣወጻጽኣና ንመሬትና ተመሊስና። ስፍራና ገዲፍናዮ ብምውጻና ግዲ ተቘጢዑ ንዕንወት ኢዱ ሂቡ ጸኒሑና። ከምቲ ኣሚና ዝወጻእና ኣይጸናሓናን። ኣጕዶና ልክዕ ከም ህይወትና ዘይምሱል መሲላ። ሕማቕ መሻታይ ዝተሻማወላ እትመስል ቆሚጦ ቦግ ቦግ በለት። ካብ ዝተፈላለየ ኣጓዱ ንላዕሊ ዝተክኽ ዝነበረ ትኪ እናረኣና ዓድና ኣተና። ሓድሽ ናብራ፡ ሓድሽ ህይወት ከም ሓደስቲ ውጻእ ሓዳር ድስቲ ኮስኮስቲ ክንእክብ ጀመርና። ኵሉ ዝሓለፈ ሕማቕ ህይወት ገዛና ምስ ኣተናስ ተረሲዑ። መቸም ናይ ህይወት ነገር ኵሉ

    ምስ ሓለፈ ይዝከር። ይጥዓም ይኽፋእ ብዓይኒ ዝኽሪ ሓደ ስምዒት’ዩ ዘሎዎ። ነቲ ጽቡቕ ዘኪርካ ትስሕቕ ነቲ ሕማቕ’ውን ዘኪርካ ትስሕቕ። ሕጂ ከነዋጓዓሉ ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ልዕሊ’ቶም ንጠባያት ምስሊ እናፈጠሩ ዝሰምዑዎም ጽንጽዋያት፡ ብዛንታና ሃነን እናበሉ ብሕቶታት ክዋጠሩ ድሙቕ ስሓቕ ኣብ ገጽ እታ ሕሰምን ራህዋን ዝረኣየት ገዛና ይልከ።

    ሜሮን ሃብተማርያም - (ዓሌግድር)

  • ሓዳስ ኤርትራ 23 ግንቦት 2015 - ገጽ 5

    ዝኾነ ይኹን ሃገር ወይ ከኣ ህዝቢ ታሪኹ ክርስዕ ኣየዋጽኦን እዩ። ንቕድሚት ክስጉም ብሰላም ምስ ዝዓርፍ ዝተበደሎ ይቕረ ክብል ኣድላዪ ዝኾነሉ ግዝያት እውን ኣይሰኣንን ይኸውን እዩ። ታሪኹ ዝርስዕ ህዝቢ ወይ ድማ ሃገር ግን ንጥፍኣቱ ጥራይ እዩ ክርስዕ። እዚ ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ድማ ንቅድሚት ክግስግስ ኣይኽእልን እዩ። ብኣንጻሩ ኣብቲ ቅድም ዝገበሮ ዝተበደሎ፡ ‘ብዕራይ ምስ ሓራዲኡ ይውዕል’ ከም ዝብሃል ምስ ቀታሊኡ ክርከብ እውን ይከኣል እዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ’ውን

    ዝሓለፎ ጽንኩር ኩነታት ክዝክር ኣድላዪ እዩ። ፍጹም ክርስዖ እውን ኣይግባእን እዩ። እቲ ጽንኩር ኩነታት ምስ ዝዝክሮ ድማ እዩ ትርጉም እቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ደቁ ዝተረኽበ ናጽነት ከስተማቕሮ ዝኾነሉ። እቲ ዝተሓልፈ መስገደል ዝርስዕ ዜጋ ድማ ናጽነት ክንደይ ብሉጻት ከም ዝሓተተት ከስተውዕል’ውን ኣይክእልን እዩ። ‘ኣብ ኢድካ ዘሎ ጨርቂ ዳርጋ ወርቂ’ ከም ዝብሃል ናጽነት ትርጉም ዘለዋ ነገር ከም ዝኾነት ክሓስብ እውን ክድረኽ ይኽእል እዩ።ደራሲ ‘ዘ ኮሉዥን ኦን ኤርትራ’

    (ውዲት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ) ኣቶ ቦኽረጽዬን ሃይለ፡ ሃይለስላሴን ደርግን ኤርትራ ንከይትህሉ ንህዝቢ ኤርትራ

    ልምዓት ብጽንዓትተመን ኣብ እግርኻ …

    ብኹሉ ዓይነት መንገዲ፡ ብቁጠባዊ መንገዲ፡ ብፖለቲካዊ መንገዲ፡ ብሓይሊ ብረት ከይተረፈ ከም ዝተጻብኦ ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ወሲኹ የብርህ። እዚ ተጻብኦ እዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ምድኻም ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ካብ ገጽ ምድሪ ፍጹም ምድምሳሱ ዝኸይድ ከም ዝነበረ ይትርኽ። ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ገጽ ምድሪ ናይ ምድምሳስ ወፍሪ ገሊኡ እውጅ ገሊኡ ድማ ስዉር እዩ ጸኒሑ። ‘ዘ ኮሉዥን ኦን ኤርትሪያ’ ኣብ ቤት

    ጽሕፈት ደርግ ኣብነት እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድምሳስ እኩይ ውዲት ተቕርብ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ እንከሎ ኣብ 1975 እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ደርግ፡ “እባብ በእግርህ፡ ዱላ በእጅህ እስከ መቸ ነው የምትጠብቀው? ኤርትራዊ ሁሉ ጠላትህ ነው። በያለበት ጨፍጭፈው’ ዝብል ብናይ ዜና ማዕከናቱ ዘርግሐ። ትርጉም እዚ ኣዋጅ እዚ ድማ፡ “ተመን ኣብ እግርኻ፡ በትሪ ድማ ኣብ ኢድካ ኣሎ። እሞ ክሳብ መዓስ ኢኻ ክትጽበ? ኤርትራዊ ኩሉ ጸላኢኻ እዩ” ዝብል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ብረት ዝሓዘ ኢትዮጵያዊ ኤርትራዊ ዘበለ፡ ቈልዓ፡ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ ኣረጊት መንእሰይ ከይበለ ክጭፍጭፍ ቀጠልያ መብራህቲ ምሃብ እዩ። ኣቶ ቦኽረጽዬን ካብቲ ዓርከይ ዝብሎ

    ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ናብ ሕብረት ሶቬት ዝነበረ፡ ንምምኽኻር ናብ ቤት ጽሕፈት ደርግ ዝተጸውዐ ዮሃንስ ጽጌ ዝብሃል ኢትዮጵያዊ ከም ዝረኸቦ ዝገለጾ ሓበሬታ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ ኣሎ። እቲ ናይ ደርግ ኣምባሳደር ቅድሚ ናብ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ናብ ምክትሉ ዝነበረ ኣጥናፉ ኣባተን ሲሳይ ሃብተን ከም ዝቐረበ ይትርኽ። ንሱ ነቶም ሰበስልጣን ደርግ እቲ ዝወጸ ኣዝዩ ዘሰንብድ ከም ዝነበረን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ፍጹም ክዝርጋሕ ከም ዘይነበሮን ንደራሲ ‘ዘ ኮሉዥን ኦን ኤርትራ’ ይትርኸሉ። ‘ዘ ኮሉዥን ኦን ኤርትሪያ’ ኣብ መንጎ

    እቶም ሰበስልጣን ደርግ ብዛዕባ ዝተገብረ ዝርርብ ይዝርዝር። “ንሱ [ዮሃንስ ጽጌ] ንምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ከውጽኡ ኣድለየ ሓተቶም። ብገበን ዝሕተቱ ኤርትራውያን እንተልዮም ንሳቶም ይተሓዙ። ንሳቶም ድማ ናብ ፍርዲ ይቐርቡ። ‘ኩሎም ኤርትራውያን ጸላእቲ ኢትዮጵያ እዮም ክትብልን ኣብ ዘዘለዉዎ ክቕተሉ ክትእዝዝን’ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን” ከም ዝበሎም ‘ዘ ኮሉዥን ኦን ኤርትራ’ ትትርኽ። ንሱ [ዮሃንስ ጽጌ] መንግስቲ [መንግስቲ ደርግ ማለቱ እዩ] ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዝቢ ክፍለ ሃገራት ባሌን ጎጃምን ከምዚ ዝኣመሰለ ምልዕዓል ገይሩ ክነሱ ኣብ ልዕሊኡ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ከም ዘይተገብረ ኣዘኻኸሮም። ሲሳይ [ሃብተ] ጀነራል ተፈሪ ባንተ፡ ኣብ ደርግ ካልኣይ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን እውን ቅኑዕነት ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩዎ ከም ዝነበረን ንሳቶም በቲ ዝገብርዎ ከም ዝተጣዓሱን ተዛረበ።”እዚ ናይ ሲሳይ በዚ ድማ ናይ ደርግ

    ጣዕሳ ናይ ልቢ ከም ዘይኮነ ካብቲ ዝሰዓበ ዘረባኡ ክግምገም ይከኣል። እዞም ህዝቢ [ኤርትራውያን] ፈደረሽን

    ክምለሰሎም ይደልዩ ኣለዉ። ሃይለስላሴ

    ዘፍረሶ ክንመልሰሎም ኣይኮንናን። ንሰለስተ ሚልዮን ኤርትራውያን ምጽናት ኣድላዪ እንተ ኾይኑ፡ ካብ ብዘይ ቀይሕ ባሕሪ እንተርፍ ሰለስተ ሚልዮን ኣጥፊእና ዕስራ ሚልዮን ሒዝና ክንተርፍ ድሉዋት ኣሎና። ዮሃንስ ጽጌ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ኤርትራውያን ፈደረሽን

    ይደልዩ እንተ ኣልዮም ፈደረሽን ክትመልሰሎም ናይ ብልሂ ውሳነ እዩ። ናይ ደባይ ውግእ ክትገጥሞ ግናይ እዩ። ክትስዕሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ገሊኡ ናብ ናይ ከባቢ ሃገራት ክሃድም ስለ ዝኾነ ንብምሉኡ እቲ ህዝቢ ድማ ከተጥፍኡዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ካብኡ ድማ ንሳቶም ነቲ ኲናት ክቕጽልዎ እዮም። በጃኻትኩም ሕሰብሉ!ሲሳይ መሊሱሉ፡-

    ንዓሰርተ ዓመት ክንዋጋእ ኢና። ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ እንተ ተሳዓርና ንኤርትራ ኣዕኒና ንሓድጋ። ንዓሰብ ግን ብሓይሊ ብረት ከነጽንሓ ኢና።ሕልሚ ደርግ እዚ እዩ ነይሩ። ደርግ

    ነዚ መደብ እዚ [ንብምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከጥፍእ] ከተግብር ‘ፕሮጀክት ራዛ’ ዘጠመቖ፡ ክሳብ ምእቲ ሽሕ ዝኣክል ተወሳኺ ሰራዊት ካብ ጎንደር፡ ወሎን ትግራይን ኣሰለፈ። ‘ዘ ኮሉዥን ኦን ኤርትሪያ’፡ ‘ራዛ’ ምስ ኣንበጣ እትጉዓዝን ኣንበጣ እትምገብን ዑፍ እያ። እዚ ክትርጎም እንከሎ ስርዓት መንግስቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣንበጣ እዩ። እቲ ናይ ሓረስታይ ሰራዊት ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበልዕን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዘጥፍእን ራዛ እዩ። እቲ ሰራዊት ግን ቅድሚ ዶብ ምስጋሩ’ዩ ንባዕሉ ዝጠፍአ።

    ጸላኢ ዘለዎ ሰብ፡ ቅድሚ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ነገር ንጸላኢኡ እዩ። እቲ ንጸላኢኡ ዘይፈልጥ ሰብ ቀልጢፉ ወይስ ደንጒዩ ኣብ ምሕረት ጸላኢኡ ምውዳቑ ኣይተርፎን። ጸላኢኡ ድማ ከም ድላዩ ይገብሮ። ጸላኢ ዘለዎ ህዝቢ ድማ ቅድሚ ኩሉ ጸላኢኡ ክፈልጥ ኣለዎ። ጸላኢኡ ዘይፈልጥ ሰብ ወይስ ህዝቢ ድማ ደቂሱ ክሓድር ኣይክእልን እዩ። ሰብ ካብ ንጸላኢኡ ምንዓቕ ዝዓቢ ጌጋ ክገብር ኣይኽእልን እዩ። ሃይለስላሴ ንህዝቢ ኤርትራ ይፈልጦ

    ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ መጥፍኢኡ ብዝኾነ ሓዊ ተጻዊቱ ክብሃል ይከኣል። ምናልባት ንፈደረሽን ኣፍሪሱ ንኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክገብራ እንከሎ፡ በቶም “እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው” (እምቢ ንዝበለ ጥይት ኣዀልሶ) ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ

    ክድህል ዝለኣኾ ሰራዊት ተኣማሚኑ ክኸውን ይኽእል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብኸምዚ ተሰናቢዱ ሕቶ ናጽነቱ ዘይገድፍ ምዃኑ ዘይምፍላጡ’ዩ ንስርዓት ኢትዮጵያ ናብ መወዳእታኡ ኣብጺሕዎ። ካብ ሰማይ ብዝዘንብ ቦምባ ንህዝቢ ኤርትራ ክትድህሎ ዘይከኣል ምዃኑ ጎዲእዎ። ኣብ መጨረሻ ድማ በቲ ዝወለዖ ሓዊ ተለብሊቡ፡ ናይ ኢዱ ረኺቡ። ሃይለስላሴ ንህዝቢ ኤርትራ፡ መሰሉ

    ተመንዚዑ ደቂሱ ከም ዘይሓድር ይፈልጥ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት፡ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ንፈደረሽን ኤርትራ ከፍርሶ ከም ዝኽእል ሓሳብ ምስ ኣቕረበሉ፡ ኣዝዩ ጠቓሚ መሳርሒ ከም ዝረኸበ እምበር እቲ ሓሳባት ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሓሰበሉ ኣይመስልን። ስለዚ ድማ፡

    ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ካብ መቐለ፡-ኤርትራዊ ህዝብኻ ንቅድመ-ኩነታዊ

    ሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ደኣ እምበር ንፈደረሽን ኣይተቓለሰን። ካብቲ ናይ ዓለም መድረኽ ዝሓሸ ውሳነ ኣይንርከብ እምበር ዕላማና ኣብ ግዚኡ ክንወቕዖ ምዃንና ተስፋ ጌርና ክንቅበሎ ኣሎና። ክብል ምስ ጸሓፈሉ ነቲ ዕላማ ንከተግብረሉ ምክትል እንደራሴን መራሒ መንግስቲ ኤርትራን ገይሩ ሾሞ። ደርግ እውን ካብ ናይ ሃይለስላሴ

    ዓብዪ ጌጋ ክማሃር ኣይተራእየን። ንጉዳይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ፡ ከምቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1980 ዝኣመሞ፡ ብረፈረንደም ብሰላማዊ መንገዲ ክሕዞ ዝፍትን ‘ዝዓበየን ዝበዝሐን በትሪ ኣሎኒ’ ኢሉ እምነቱ ኣብ በትሩ ስለ ዝገበረ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ክሰምዕ

    ኣይደለየን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በብእዋኑ

    ክዓርግ እምበር ክቕህም ከም ዘይኮነ ፈሊጡ ቅኑዕ መፍትሒ ዝደልየሉ ብዘረባኡ ንገዛእ ርእሱ ከዐሹ መሪጹ። ሓንሳብ “ቁንጣሮ ዘይኣኽሉ” ሓንሳብ ድማ “ኣብ ጎቦታት ናቕፋ ተንጠልጢሎም” ዘለዉ ምስ ዝብሎም ተቓለስቲ ናጽነት ክዘራረብ ኣይደለየን። ክሳብ እታ ናይ መጨረሻ ደቒቕ ድማ ኣብ ድርቅናኡ ጸኒዑ። ብጉዳይ ኤርትራ ድማ ንዝኾነ

    ወገን ክሰምዕ ድልዊ ኣይነበረን። ካብ ማእከሉ ንዝወጹ ንጉዳይ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ ሓሳባት ንዘቕረቡ ድማ ግዳይ ገይሩዎም። ሃይለማርያም ከበደ ዝብሃል ሓደ ጸሓፊ ኣብቲ ኣዲስ ዘመን ዝብሃል ጋዜጣ ከምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሙሴ ንግብጻውያን ዝገበሮም ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከጥሕሎ

    ሓሳብ ምስ ኣቕረበ፡ ኣብ ኣስመራ ንነዊሕ ዝተቐመጠን ንህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑን ዝፈልጦ ኢትዮጵያዊ ደራሲ ተርጓሚን ጋዜጠኛን ማሞ ውድነህ፡ “ኤርትራ ብማእከላይ መንግስቲ [መንግስቲ ኢትዮጵያ ማለቱ እዩ] ተማሓዲራ ኣይትፈልጥን እያ፡ [ህዝቢ ኤርትራ] ድማ ኣብ ታሪኹ በብግዚኡ ንናጽነቱ ተቓሊሱ እዩ” ክብል ጸሓፈ።ደርግ ክሰምዕ ኣይፈተወን። ዳሕራይ፡ ‘ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ’

    ዘጠመቖ ሻዱሻይ ወራር ምስ ፈሸለ እውን ደርግ ንጉዳይ ኤርትራ ብቅልጽም ክፈትሖ ከም ዘይክእል ኣብ ክንድኡ ሰላማዊ ፍታሕ ከናድየሉ ንዝሓበረበኣሉ ግርማ ዝብሃል ካልእ ኢትዮጵያዊ ደራሲ ረሺንዎ። ደርግ ንምንታይ ከምዚ ገበረ? ሰውራ

    ኤርትራ ክሳብ ዕላማኡ ዝወቅዕ ክዓርፍ ከም ዘይኮነ ብዘይምፍላጡ ንሱውን ከም ሃይለስላሴ ኣብቲ ከጥፍኦ ዘይፈተነ እኳ ደኣ ዘጓሃሃሮ ሓዊ ተለብለበ።

    ‘ዝዓበየ በትሪ ኣሎኒ’

    መ/ም ኣብርሃለይ ሃብተ

  • ሓዳስ ኤርትራ 23 ግንቦት 2015 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተል

    ሄም ታደሰ

    ስራ ል ም ማ ል ል ር ሓ. . .ማ. መ ል 24 መ ል

    ሓ ለ ሕ ል ማ ሉ ለ ምር 16 ሳ 24 ሕ –kï |§

    M²éªF g³ ‰M› ረ ስረ ም }Êoë።

    ስመራ Ø ጎደና ሓርነት ቁ. 32 Øኣስማራ ፓላስ

    ፊት ካተድራል ቤ/ክ ኢንተርኮንቲነንታል ነበር

    ቁ.ስ. 110074 ቁ.ስ. 153700 ext.2280

    Øጎደና ተጋደልቲ(ባራቶሎ ነበር) ከረን ጎዳይፍ Ø ፓላሶ ሪቫ

    ቁ.ስ. 182383 ቁ.ስ. 400301

    Country Office of Eritrea

    OFFICE OF THE WHO REPRESENTATIVE FOR ERITREA

    P.O.BOX 5561 Asmara Eritrea –Tel. 291 1 200634, FAX 291 1 125155

    Vacancy No. 2015/1The World Health Organization (WHO) in Eritrea is inviting applications from suitably qualified

    National candidate for 1 (ONE) position National Health Promotion (HPR):Title of Post: National Professional Officer/Health Promotion (HPR)Duration: Fixed Term/2 yearsSalary Grade Level: NOC (UN salary scale Eritrea)

    POST DESCRIPTION

    Purpose of the PostTo strengthen the capacity of the WHO Country Office and support the MOH technical pro-

    grams in the area of health promotion. Objectives of the Program and of the immediate unit or field activity (Overview of the pro-

    gram)Support Strengthen institutional capacity to develop health promotion policy and 1.

    implement appropriate interventionsSupport Development of required human resources to respond to country needs 2.

    and challengesStrengthen health promotion operational research, documentation, and sharing of 3.

    experiences in best practiceUndertake advocacy for implementation of health promotion interventions in 4.

    health and related sectors as well as the reinforcement of partnerships, networks and alli-ances

    Mobilize resources for development of health promotion at national and lower lev-5.els

    6. Ensure incorporation of the health promotion component into WHO programmes/activities.

    Organizational Context (Describe the work environment, the role of the individual within the

    team – team member, specialist, adviser, facilitator, coordinator/manager, representative, expert, authority in the field, etc) available guidelines and degree of independence in decision-making, and nature and purpose of contact within and outside the Organization.

    Health promotion is a cross-cutting program that supports all WHO programs. The NPO/Health promotion will use AFRO guidelines and other relevant documents to coordinate WCO support to national programs and activities pertaining to health promotion. The incumbent shall work as a team in planning executing th eir responsibilities.

    Summary of Assigned Duties (Describe what the incumbent has to do to achieve main objec-tives).

    Under the direct supervision of the WHO Representative in the Country, Programmatic and Orientation from the Director of Health Promotion in the Regional Office the incumbent will undertake the following tasks:

    Provide guidance on review/development of national policies, programs and struc-1.tures for health promotion.

    Coordinate actions aimed at addressing the broad determinants of health that influ-2.ence health and well-being.

    Support priority health programs to increase individual, community and societal 3.participation in health action especially through empowerment.

    Provide technical support on application of methods such as behaviour change 4.communication, health education, social mobilization and advocacy in health programs.

    Coordinate the public health communication component of the WCO, including 5.where necessary process documentation, media relations and materials development.

    Desired activities include: Organizing training, orientation and evaluation for national health promotion 1.

    policies, programs and activities.Participating in the design and review of actions aimed at tackling the broad 2.

    (underling) determinants of health.Coordinating interventions aimed at empowering individuals, communities 3.

    and society for health action.Advising on use of behaviour change communication, health education, so-4.

    cial mobilization and advocacy in support of specific programs.Coordinating the development and implementation of public health commu-5.

    nication interventions.Documenting best practices, facilitating inter-country exchange of informa-6.

    tion and relating with the media. Performing any other activities assigned by the WR.7.

    RECRUITMENT PROFILECompetencies: Generic (Describe the core, management or leadership com-

    petencies required - See WHO competency model – list in order of priority, commencing with the most important ones)

    Communicating in a credible and effective way1.Moving forward in a changing environment2.Building and promoting partnerships across the 3.

    organization and beyond

    Producing 4.results

    Promoting 5.WHO’s position in health leadership

    Competencies: Functional (Describe the competencies specific to the post) . Technical expertise in public health especially in health promotion interventions, . Ability to work effectively as a team with colleagues at national and international level . Skills in the design of health promotion materials, health promotion related studies, data

    analysis, and writing reports

    Education (Qualifications)Essential: Master’s degree level in Public Health OR a basic degree in a health re-

    lated field with post graduate qualifications in a health development subject area such as health education, health communication, medical sociology/anthropology, journal-ism, education, population studies with good knowledge of health promotion theory and practice.

    Desirable: Knowledge of or qualification in health or health-related discipline, abil-ity to write well, implementation of multi-sectorial interventions, policy development skills.

    Essential: At least five years’ experience working with national/international agencies that deals with health promotion, public health, or development.

    Desirable: Experience working with United Nations or International Nongovernmental Organizations.Languages Excellent knowledge of English. Knowledge of a second WHO language is an advantage (French or Portuguese).

    Other Skills (e.g. IT)

    Excellent understanding of participatory learning and development, Internet-based learning and networking as well as command of word-processing, spreadsheet, database, and designing.

    National Service: Candidate should provide evidence of discharge/release from National Service. Female candidates are encouraged to apply.All Applications should be submitted within 15 days after the date of advertisement on the newspaper and must include CV and copies of Credentials. Please mail your recent CV and photocopies of academic qualifications including telephone numbers in a sealed envelope addressed to:

    Operations OfficerWHO EritreaP.O.Box: 5561

    AsmaraPlease kindly note that WHO is a smoke-free environment.

    ምልክታ ጨረታ

    ሚኒስትሪ ቱሪዝም - ምምሕዳር ሆቴላት መንግስቲ፡ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ንዝርከባ ምንግስታውያን ሆቴላት ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ውዕል ቀረብ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስጋ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ደርሆን እንቋቁሖን ከቕርቡ ንዝኽእሉ ግዱሳት ተጫረቲ ይዕድም።- ተጫረቲ ናይ 2014 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ፎቶ ኮፒ የቕርብ።- መኽበሪ ጨረታ ናቕፋ 10,000.00 ብቸክ/C.P.O የትሕዙ።- ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ድሕሪ 10 መዓልታት ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ተወዳደርቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሚ/ሪ ቱሪዝም ይኽፈት።- ዘድሊ ሰነዳት መወዳደሪ ካብ ማ/ቤ/ጽ/ሚኒስትሪ ቱሪዝም - ምም/ሆቴላት መንግስቲ ክውሰድ ይከኣል።- ምምሕዳር ሆቴላት መንግስቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ እዚ ኣይግደድን።

    ሚኒስትሪ ቱሪዝም - ምምሕዳር ሆቴላት መንግስቲ

  • ሓዳስ ኤርትራ 23 ግንቦት 2015 - ገጽ 7

    ቶታል ኤርትራ

    ብምኽንያት መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ይብል!!

    On the Occasion of the 24th independence anniversary,Total Eritrea wishes all the bestto the people of the State of Eritrea.

    TOTAL ERITREA

  • ሓዳስ ኤርትራ 23 ግንቦት 2015 - ገጽ 8

    ም ስሃ

    ተዂላ ከተማመ ል 114 ል

    ነጥሪ ካብታ ዝተሰቕላ ታክሲ ኣብ ከባቢ ፊያት ታሌሮ ምስ ወረደ ተቐዳዲሙ ንኣዒንቱ’ዩ ናብ ኩሉ ዙርያ ልኢኽወን። ህይወቱ ካብ ትዕቢትን ተታዕኒንካ ምኻድን ናብ ሸለብ ገለብን ስግኣትን ኣትያ ነበረት። ዝወደያ ቁቡዕ ክሳብ ሸፋሽፍቲ ኣዒንቱ’ዩ ኣብጺሕዋ። ገጹ ልምጽምጽ ኢሉ ኣብ ላዕላይ ከንፈሩ ዝነበረ ጭሕሚ ከይተረፈ ላጽይዎ’ዩ። ብልክዕ ድማ ንዝፈልጦ ሰብ ዘጋግይ ገጽ ሒዙ ነበረ። ‘ነጥሪ ደጊም ካልእ ሰብ ክትመስል ኣለካ፡’ ብምባል’ዩ ሓድሽ ህይወት ጀሚሩ። ኩሎም እቶም ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ሰባት ፈጺሞም ክረኽብዎ ኣይደሊን’ዩ። መንነት ወረቐቱ ከይተረፈ ባዕሉ ናብ ዝተምየኖ ቀይርዎ ነበረ። ሓድሽ ወረቐት መንነቱ ባህልቢ ነጋሲ’ዩ ዝብል ነይሩ። ‘እታ ኩሎም ጸላእታ ምዃኖም ትፈልጥ ኣንጭዋ ከመይ ኢልካ ከም ዝንበር ትፈልጥ’ያ። ኣነ ድማ ደጊም ንኣንጭዋ’የ ክመስል ዘለኒ’ ብምባል’ዩ ንነብሱ ደጋጊሙ ዝሕብራ ነይሩ።ነጥሪ የማኑን ጸጋሙን ተመልኪቱ

    ጽርግያ ክሰግር ጀመረ። ሃንደበት ፖሊስ ስለ ዝረኣየ ግና ልቡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ክትሃርም ሰምዓ። ጨካን ሰብ ንፍርሒ ክሰዕራ ከም ዘይክእል ድማ ብነብሱ ኣረጋገጸ። ‘ኣነ ነጥሪ’የ’ እናበለ ንቡሓት መንእሰያት ራዕራዕ ዘብል ዝነበረ ምዃኑ ሽዑ ኣይተዘከሮን። ‘እዛ ፖሊስ እንተቐሪባትኒ መቸም ከም ደርሆ ካራ ክሳብ ዝሰሓለለይ ክጸንሕ ኣይኰንኩን’ ሓሰብ ምስ ነብሱ። ኣእጋሩ ከይተረፋ ከምቲ ዝድለ ክንቀሳቐሳሉ ኣይከኣላን። ንድሕሪት ይጥላዕ ከም ዘይነበረ ከም ሽማግለ ደኒኑ ክስጉም’ዩ ተቐሲቡ። ‘ወዲ ቀሺ፡ ዘዘበንካ ኣለዎ’ ዝብል መቓልሕ ካብ ዉሽጡ እናወጽአ ንሕልናኡ ይኹሕኩሖ ነበረ። ኣብ ማእከል ጽርግያ ስለ ዝነበረ ናብ ዝመጾ ክምለስ ይኽእል ኣይነበረን። ነቲ ሰሰሪቑ ዝርእዮ ዝነበረ ፖሊስ ከይሰገረ እንከሎ እንተዝርእዮ ነይሩ ፈጺሙ ጸሊም ጽርግያ ኣይምረገጸን። ‘ሕጂ ደኣ ንድሕሪት ምባል የለን፣ እታ ዘላ ኣብኣ ክትህሉስ ምቕጻል’ዩ’ በላ ንንበሱ። ካብ ማእከል ጽርግያ ንድሕሪት ምምላስ ዝያዳ ዘጠርጥሮ ምዃኑ ገሚቱ’ዩ። ‘ኡፍ!’ ኣስተንፈሰ ነጥሪ ካብቲ ዘስግኦ ፖሊስ ምስ ተፈንተተ።

    ***“ደሓን ዲኺ ደኣ?’’ ፋኑኤል፡ ነታ

    ኣብ ሞባይሉ ደዊላ፡ ‘ጸገም ኣጋጢሙኒ ኣሎ’ሞ ክረኽበካ ደልየ’ ኢላ ዝተማሕጸነቶ ብርኽቲ ምስ ተራኸበ ቀልጢፉ ኩነታታ’ዩ ሓቲቱ።“ደሓን’የ፡ ደሓን ድማ ኣይኰንኩን’’

    በለት ብርኽቲ ስክፍታ ከም ዝተሰምዓ መሬት መሬት እናጠመተት። ከብዳ ክፍለጥ ጀሚሩ’ዩ። ፋኑኤል ግና ሩግዳ ስለ ዘደናገሮ ጥንሲ ከም ዘለዋ ከስተብህል ኣይከኣለን። “ነጥሪ ደሃዩ እንተለካ’የ ክሓተካ ደልየ’’ በለቶ ብስክፍታ እናጠመተቶ። ድፍረት ስኢና እንታይ ኰን ክብለኒ’ዩ ዝብል ስምዒት ስለ ዝነበራ ከምቲ ዝድለ ክትከዉን ኣይከኣለትን። ክትርእዮን ብሕፍረት ክትቅበርን ሓደ’ዩ ኰይኑ።“ፈጺሙ የብለይን’’ መለሰ ናይ

    ነጥሪ ጉዳይ ንዕኡ’ዉን ዝያዳ ከም ዘተሓሳሰቦ ዝን ኢሉ። “ኣበይ ተሰዊሩ ንዓይ’ዉን ይገርመኒ’ዩ ዘሎ።’’ ርኡስ

    ተዅላ ከተማ፡ ኣብ 2004 ሃማመተኤ ብስም ዋሪ ፕሮዳክሽን ኣብ ዝዓደሞ ናይ ፊልም ጽሑፋት(scripts) ዉድድር፡ ኮሎኔል ብዝብል ኣርእስቲ ቀዳመይቲ ዝወጸት ስራሕ’ያ።

    እናነቕነቐ ሓበራ። “ነጥሪ ካባና ከምዚ ኢሉ ክሽረብ ንዓይ ፈጺሙ ዝእመን ኣይኰነን።’’“እንታይ ኢኻ ትብል ኣንታ

    ፋኑኤል!’’ ዝገረማ መሰለት። “ኩነታት ነጥሪ ንስኻ ዘይፈለጥካ ደኣ መን ክፈልጥ ይኽእል?’’“ነጥሪ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ

    ኣይነበረን ብርኽቲ።” ክናዘዝ ጀመረ። “ክትዛረበሉ’ዉን ዘስደምም’ዩ። ዝዀነ ኰይኑ ብዛዕባኡ ምዝራብ እንተተረፈና ይሓይሽ። እንታይ ገደሰና ባዕልና ንፈለጦ ምዃና ሓቢርና ኣብ ጸገም ንኣቱ። ም ስ ኡ

    ነይርኩም ኢ ኹ ም

    እንተተባሃልናኸ?’’ብርኽቲ ስግኣት

    ብዝመልኦ ገጽ ጠመተቶ። ፋኑኤል ዝብላ ዝነበረ ክርደኣ ኣይከኣለን። ንዓኣ እቲ ዘረባ ብዛዕባ ነጥሪ ምዝራብን ዘይምዝራብን ኣይኰነን። ነጥሪ ኣብ ማህጸና ፍረ ዘርኡ ኣንቢሩ’ዩ ጠፊእዋ ዝነበረ። ስግኣት ይኹን ኣይኹን ድማ ደጋጊማ ብዛዕብኡ ክትዛረብ ምዃና’ያ ትፈልጥ። “ኣንታ ፋኑኤል እንታይ ሕማቕ ስማዕ ደኣሉ እዚ ወደይ?’’ ዝን በለት። “ኣነ ደኣ ካልኦት ከምኡ እንተበሉ ዘይኣምን ዝነበርኩ።’’ ብኢዳ መንከሳ ደጊፋ ብሓሳብ ተዓዝረት።“ኣበይ ትሰርሒ ኣለኺ?’’ ካብቲ

    ዝተዓዝረቶ ሓሳብ ክመልሳ ዘምጽኦ ሕቶ’ዩ። ብዛዕባ ኩነታታ ዝፈልጦ የብሉን። ነጥሪ ምኩሕ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ድማ ንብርኽቲ ከጥንሳ ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። “ኣበይ ክሰርሕ ደኣ ወደይ?’’ ዕግበት

    ዘይብሉ መልሲ ሃበት። ኣእምሮኣ ምሉእ ብምሉእ ምስ ፋኑኤል ኣይነበረን። ‘እንተጠፊኡ ደኣ እንታይ’የ ዝገብሮ?’ ዝብል ሓሳብ ንዉኖኣ ተቖጻጺርዎ ስለ ዝነበረ ምስ ዉሽጣ’ያ ነይራ። “ኣብ ዝሰርሖ የብለይን!’’ ግብረ መልሳ ተስፋ ምቑራጽ ዝዓብለሎ ቃና’ዩ ሓዚሉ ነይሩ።“እንታይ ዘጋጠመኪ ጸገም ኣሎ

    ድዩ?’’ በለ ፋኑኤል ዝን ምባላን ስንባደኣን ኣጨኒቕዎ።

    “ኣንታ ፋኑኤል ኣይ ኣብ ጸገም እንድየ ዘለኹ’’ ኣፋ ንቃላት ኣዒንታ ድማ ንንብዓት ተቐሪቦም ዝጸንሑ መሰሉ። ምዕጉርታ ምንኽናኽ ዘየሰነዮ ንብዓት ክወሮ ጀመረ።ፋኑኤል ሃንደበት ኰይንዎ ተዓኒዱ

    ተረፈ። ‘እዚ ርጉም ገለ ገይርዋ’ሎ’ ካብ ምባል ወጻኢ ግና ምስ ጥንሲ

    ኣ ተ ሓ ሒ ዙ ኣ ይ ሓ ሰ በ ን ። “እንታይ ጸገም ድዩ ኣጋጢሙኪ?’’ ክ ፈ ል ጥ ሓተተ።

    “እንታይ ክትብሎ

    ፋኑኤል ሓወይ!’’ ርእሳ

    እናነቕነቐት ጣዕሳኣ ገለጸት። “ኣላጊጹለይ እባ ጠፊኡ እዚ ርጉም!’’ ንብዓታ ሓበሰት። ብድሕሪኡ ብዘይ ዘረባ ስቕ በለት። እቲ ክትዛረብ ከም ዘይደለየት ዝኣመነ ፋኑኤል’ዉን ተወሳኺ ሕቶ ከስዕብ ኣይመረጸን። “ካብኡ ጥንሲ ኣለኒ’’ ብትሑት ድምጺ’ያ ሓቢራቶ። ንስክፍታ ክትጥሕስ ዝተጸገመት ትመስል ነበረት።ፋኑኤል ብዘይ ዝዀነ ግብረ መልሲ

    ኣዒንቱ ጥራይ’ዩ ኣፍጢጡ። ነጥሪ ከምኡ ክገብር ትጽቢት ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ድላዩ ኣዋልድ ከዉጽእ ዓቕሚ ከም ዝነበሮ’ዩ ዝፈልጥ። “እንታይ ክረክብ ጓለይ?’’ ሓዘነላ።“ዉላድሲ ዝጽላእ ኣይኰነን፡ እቲ

    ተግባሩ ደኣ’ምበር. . .” ብምባል ኣጽቀጠት። “ካልእ ድማ ምሳኺ ሕዝያ ዝበለኒ ሽጉጥ ኣላ። ንመን ከም ዝህቦ ድማ ኣይፈለጥኩን።’’“ሽጉጥ!’’ ሰንበደ ፋኑኤል። “እንታይ

    ሽጉጡ ኣንቲ?’’“ሽጉጥ መቕተሊት ሰብ እምበር

    ካልእ ደኣ ኣሎ ድዩ? ኣብ ብዙሕ ጸገም’ዩ ኣእትዩኒ። ንዕኡ ኣሚነ ዝገበርክዎ ነገር ሕጂ መዉጻኢ ስኢነሉ

    ኣለኹ።”“ብርኽቲ፡ እታ ሽጉጥ ሕጂ’ዉን ኣብ

    ገዝኡ ኬድኪ ወላ ብሓጹር ደርብይያ። ንስኺኸ እንታይ ገደሰኪ ሽጉጥ ትሕዚ? እንታይከ ትፈልጥያ? ኣብ ሓደጋ እንተወደቕኪኸ?’’ ጭንቀት ዘሰነዮ ሕቶታት ሓደ ድሕሪ’ቲ ካልእ ሰዓቡ።“እንታይ’ሞ ፈሊጠ!’’

    ጣዕሳኣ ገለጸት። “እሞ ንስኻ ዘይትሕግዘኒ። ካ ል እ ዝሕብረካ

    ም ስጢ ር ’ዉ ን ኣለኒ።’’ በለቶ ጽን

    ኢሉ ክሰምዓ ተዳልዩ ክጸንሕ ብምሕጽንታ እናጠመተቶ።“ብርኽቲ፡ ኣነ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ

    ክኣቱ ኣይክእልን’የ። ከም ዝበልኩኺ ገዛኡ ሰብ ስለ ዘይብሉ ሰንዲኺ ናብ ቀጽሪ ኣእትዉያ። ምኽንያቱ ሽጉጥ ሒዝኪ ዝዀነ ሰብ እንተርእዩኪ ጸገም ክመጽኣኪ ይኽእል’ዩ። እቲ ካልእ ምስጢር ዝበልክዮ ግና መዓልቲ ፈሊና ከነዕልለሉ ደዉልለይ። ሕጂ ቆጸራ ኣለኒ።’’ በላ ሰዓቱ እናተዓዘበ።

    ***ፖሊስ ያሬድ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ

    እንከሎ መሳርሕቱ ይስሓቕ ህሩግ ኢሉ ኣተወ። ብዘይ ዝዀነ ዘረባ ድማ ሒዝዎ ዝመጸ ሰነዳት ኣብ ጣዉላ ኣንቢሩ ንያሬድ ጠመቶ። “እንታይ’ዩ እዚ?’’ በለ ፖሊስ ያሬድ ሓንሳብ ነቲ ኣብ ጣዉላ ዝነበረ ወረቓቕቲ ሓንሳብ ድማ ናብ ይስሓቕ እናጠመተ።“ነጥሪ ኣብ ዝቕመጦ ቤት

    ዝረኸብናዮ’ዩ። እዚ ሰነዳት ከም ዝምስክሮ እዚ ሰብኣይ ዝተፈላለየ ሰነዳት ይትምይን ምንባሩ’ዩ።”“እስከ!’’ ዝገረሞ ያሬድ ነቲ ኣብ

    ቅድሚኡ ዝነበረ እንተላይ ፓስፖርት ዝርከቦ ዝተፈላለየ ሰነዳት ክምርምሮ ጀመረ። “እዚ ፓስፖርት እዚ ዝተተምየነ’ዩ?’’ ኣብ ኢዱ ንዝሓዞ ፓስፖርት እናገናጸለ ክዕዘቦ ፈተነ። “ይስሓቕ፡ ዝተተምየነ እንተዀይኑ

    ቀልጢፍካ ንክፍሊ ኢምግሬሽን ሓቲትካ ኣረጋግጸለይ፡’’ ድሕሪ ምባል ናብ ዝተረፉ ሰነዳት ክዕዘብ ጀመረ።“እዞም መንነቶም ሓዲጐሙሉ

    ዘለዉ ሰባት፡ ትምዩን ሰነድ ከዳልወሎም ዝሃብዎ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ቁጽጽር ክዉዕሉ ኣድራሻኦም ኣሰንየ ፖሊስ ልኢኸሎም ኣለኹ።’’“ካብዞም ንከታተሎም ዘለና ‘ምስ

    ነጥሪ ይተሓባበሩ’ዮም’ ዝበልናዮም ሰባትከ ኣብዚ ሰነድ’ዚ ዝረኸብካዮም ኣለዉዶ?’’“እወ’’ በለ ይስሓቕ ኣብ ኢዱ ዝነበረ

    ተረፍ ሰነዳት ድሕሪ ምግንጻል። “ኣቶ ዘርእዝጊ፡ ፋኑኤል፡ መዋቲ ዳዊት፡ ንጉሰ ካልኦት’ዉን ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ ዝርዝር ኣስማቶም እነሀልካ።’’ ዝርዝር ኣስማት ዝሓዘ ወረቐት ኣቐበሎ።“ዝገርም’ዩ’’ በለ ፖሊስ ያሬድ

    ኣዒንቱ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ተኺሉ። “ህላዉነቶም ኣረጋግጸለይ።’’“እንተለዉ ኣብ ቁጽጽር

    ከነዉዕሎም?’’ ሓተተ ይስሓቕ ቅልጥፍ ኢሉ።“ኖእ! ዓቢ ዓሳ ከየጥፍኡልና

    ብስዉር ዝከታተልዎም ፖሊስ ጥራይ መድበሎም። ነጥሪ ክሳብ ዝተሓዝ ንዓታቶም ምሓዝ ትርጉም የብሉን። እታ ሰራሕተኛኡ ዝበልካኒኸ?’’“ንሳ ኣብ እንዳ ስድራኡ ንመዋቲ

    ዳዊት ተዓቑባ ከም ዘላ’የ ሰሚዐ ዘለኹ። ምናልባሽ’ዉን ምስቶም ስድራ ገለ ናይ ስጋ ዝምድና ከይህልዋ ጥርጣረ ኣለኒ። ምኽንያቱ ኣብ እዋን ሓዘን ኩነታት ናይቲ ስድራ ክከታተሉ ዝለኣኽናዮም ፖሊስ ኣብ ከቢድ ሓዘን ምንባራ’ዮም ዝሕብሩ።’’“ብልክዕ ኣብቲ ቤት እንተላ

    ምጽራይ ይገበር። ግዜ ክንወስድ የብልናን። ግዜ እንተነዊሑ ነጥሪ ጥራይ ዘይኰነ ተሓባበርቱ’ዉን ከምልጡ ይኽእሉ’ዮም።”“ስእሊ ናይ ነጥሪ ተባዚሑ ኣብ ኩለነ

    መደበራትና ክለኣኽ ምዃኑ ሓቢርካኒ ኔርካ። እዚ ጉዳይ ኣበይ በጺሑ ኣሎ?’’ ይስሓቕ ሓተተ።“ሓቢርና ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።

    ስሙን ኣድራሻኡን ግና ናይ ምትምያን ክእለት ስለ ዘለዎ ካልእ መንነት ክሕዝ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ከይደ ከም ዘረጋገጽክዎ ትኽክል ስሙ ኢያሱ’ዩ። ወላዲኡ’ዉን ቀሺ’ዮም ነይሮም። ሕጂ ግና ካልእ ስም ክቕይር ይኽእል’ዩ።”“ኣቦኡ ቐሺ’ዮም ነይሮም ኢልካ?’’

    ክምስ በለ ይስሓቕ። “እንታይ ደኣ ሰይጣን ወሊዶም ወደይ?’’“ንፉዕ ሕማቕ ይወልድ ስለ ዝዀነ።’’

    መለሰሉ። “ዝዀነ ኰይኑ ነዚ ሰብ’ዚ ኣብ ቁጽጽርና እንተዘየእቲናዮ ንሓፋሽ ዝቖምና ፖሊስ ምዃና ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ንፍለጥ።’’

    ይቕጽል

  • ሓዳስ ኤርትራ

    ሸባብ

    23 ግንቦት 2015 - ገጽ 9

    ውዕሎ ሸባብ ርሁውን ውሑስን ጽባሕ ምፍጣር

    ብሃማመተኤ ዝዳሎ ዓምዲ

    ናጽነትዮሃና ሓደ ልቢ ኪዳኑ ዘትረረ

    ሃረርታና ሰዊዱ መትከልና ዘጽንዐናቱ ኢኺ ኤርትራ ክብርኺ ዝጓሰየ2 ኣእዳው ሓደ ብረት ሓደ ነዊት

    4 ንዝሕብራ ባንዴራኺ ራኢኺ ዘቋምትግመኺ ተቐንጢጡ ተዀሊዑ ዙርያኺ

    ንቕሎ ንልምዓት ከበርኽ ዙፋንኪቦታ ጀጋኑ ለበዋ ሰማእታትኪ

    ትውፊት መኸተኺ ዝገልሀ ድነኺ

    መስዋእቲ ካብ ኮነ ዋጋ ሓርነትዓረ ጽንዓት ገዝሚ መንነት

    ልጓም ባርነት ዝበተኸ ሓድነትቲፍቲፍታ ደምና መቓልሕ ኣበደን

    ናዕታ ምኡዝ ድምጺኺጽላል ባና ግርማኺ

    ነጊሱ ደበስና ዕልልታኺትእምርቲ ጽንዓት ድፍኢት ካባኺ

    ኤርትራና ህያብ ስውኣትናርግኣትኪ ቀስቲ ገስጋስና

    ትርግታ ናጽነት መዝሙርናራኍኣኺ ደሚቑ መርዓት ልቢታትና።

    ***ሚኪኤል ሃብተ

    ተወርዋሪ እዚ - ዓዲ ጓዕዳድ

    ከምዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ምጉንጻፍ፡ ባንዴራ ምስቃል ወይ ሕጋዊ ልኡላውነት ምርግጋጽ ጥራይ ከምዘይኮነ፡ ገና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እንከሎ ኣሚኑ ዝተመርሓሉ መትከል እዩ። ሓቀኛ ናጽነት፡ ሓርነታዊ ተጋድሎ ኣብ ዝተዛዘመሉ ሰዓት ዘብቅዕ ዘይኮነ፡ ብልምዓትን ስልጣነን ተደሪዑ፡ ነቕ ኣብ ዘይብለሉ፡ ብዝኾነ ተጻብኦ ኣብ ዘይስከፈሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ጥራይ ምዃኑ ተገንዚቡ ድማ፡ ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍላ ሃገሩ ክትኮኖ ዝግባእ ራእይ፡ ኣብ ኣእምሮኡን ኣብ ሃገራዊ ሰነዳቱን ኣስፊሩ፡ ውልቃውነት ወጊድ ኢሉ፡ ናብቲ ራእይ ንምብጻሕ ዝሕተት ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት እናኸፈለ፡ ናጽነቱ ብቑጠባዊ ሓርነት ንምድልዳል ተጋድሎኡ ይቕጽሎ ኣሎ። ስለ ርሁው ጽባሕ!

    ከምዝፍለጥ፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ኣብ 1991 ናጽነታ ተጓናጺፋ፡ ብደቃ ክትመሓደር ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ንሕውየትን ዳግመ ህንጸትን ሃገርን “ሀ” ኢሎም ካብ ባዶ - አረ ካብ ትሕቲ ባዶ እዮም ነቒሎም። መበገሲ ዝኸውን ቅንጣብ ሃብቲ ኣይነበሮምን። የግዳስ ልዑል ህንጡይነትን ስምዒትን፡ ሓያል ባህጊ ለውጢን ምዕባለን ነይርዎም። ነዚ መንፈስ’ዚ ተዓጢቖም ድማ፡ ምስናይ ኩሉ ዝገጠሞም ከቢድን ኣዝዩ ፈታኒን ብድሆታት፡ ዛጊት ንህዝቢን ሃገርን ዘርብሕን ዘሐብንን ብዙሕ ዕዮታት ከሳልጡ ክኢሎም ኣለው። ብሓጺሩ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ዘለዎም ሒደት ጸጋታት ብሓያል ድሌት፡ ተወፋይነትን ተዓጻጻፍነትን ብምርባሕ፡ ንሱር በተኽ ቁጠባዊ ዕብየት መሰረት ዝኸውን ጥጡሕ ባይታ ከንጽፉ በቒዖም እዮም። ነዚ ተጋድሎ’ዚ ኣብ ምስልሳል መሪሕ ተራ ክጻወት ዝጸንሐን ዘሎን ድማ፡ ብቐንዱ መንእሰይ ወለዶ እዩ። ከመይሲ መሪሕ ጉዕዞ ሕብረተሰብ ወትሩ መንእሰይ ስለዝኾነ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ርሁው ጽባሕ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ዝስከም ወሳኒ ክፋል ሕብረተሰብ ብቐንዱ መንእሰይ እዩ። ኩለንተናዊ ህይወት ሕብረተሰብ ናይ ምምቃር ዕማም፡ ወትሩ ኣብ ዝባን መንእሰይ ተጸይሩ ዝኸይድ ረዚን ሓላፍነት እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ዝተዓመ ዕዮ ህንጸት ሃገር፡ ብኣና ብመንእሰያት እዩ ተሰላሲሉን ተማእዚኑን። ሕጂ እውን ዓንዲ ማእከል ናይቶም ምዕባለ ሕብረተሰብ ዝድርኹን ዘቀላጥፉን ዘለዉ ረቛሒታት ንሕና መንእሰያት ኢና። ሕብረተሰብና ጽባሕ ኣብ ዝመችአን ዝረሃወን መጻኢ ክነብርን ከይነብርን ዝውስን ናትና ናይዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያት ገድልን ስራሕን እዩ።

    ሃገር ብምሉእ ዓቕማ ንልምዓትን ህንጸትን ኣብ ዝወፈረትሉ ናይ ዓያይነትን ኣፍራ