ናይ ነገር ጥዕና ድዩ? -...

12
መበል 24 ዓመት ቁ. 208 27 መጋቢት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ዓርቢ ገጽ 3 ናይ ነገር ጥዕና ድዩ? ገጽ 4 ዝተዋሓስኩዎ ጥርጡር ቤት ፍርዲ እንተዘይ ኣቕሪበዮ ሕጊ እንታይ ይብለኒ? ገጽ 5 ኣሽዋራ ራይ ገጽ 9 ጠንቂ ሕማም ሪሕን መከላኸሊኡን ገጽ 11 ግጥም ኣስመራ ደርቢ ብ20 መጋቢት ኣብ ኣስመራ - ቀጽሪ ኤክስፖ ናብ ዝተኸፍተ መበል 14 ምርኢት መጽሓፍቲ ዝውሕዝ ዘሎ ቊጽሪ በጻሕቲ፡ ማዕቢሉን ሰሪጹን ንዘሎ ፍቕሪን ባህሊን ንባብ ዘጒልሕ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ዓመታዊ ምርኢት ፍርያቶም ኣቕሪቦም ዘለዉ ጸሓፍቲ ገሊጾም። ካብ ጸሓፍቲ ኣቶ ጎይትኦም ሳህለን ወ/ሮ ገነት ስዩምን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ምርኢት ፍርያት ሕትመት ንህዝቢ ብምልላይ ባህሊ ንባብ ንምዂስኳስን ንምዕንባብን ከምዝኾነ ጠቒሶም፡ በብዓመቱ ክብ ዝብል ዘሎ ቊጽሪ በጻሕትን ጠለብ ዓደግትን ዘተባብዕ ምዃኑ ብምምልካት፡ ንዝያዳ ጻዕርን ስራሕን ዝድርኽ ስለዝኾነ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም። “ምንባብ መፍትሕ ምዕባለ’ዩ” ዝበሉ ካብ ወለዲ ኣቶ ተኸስተ ኣስገዶምን ወይዘሮ መኣዛ ጸሃየን ብግደኦም፡ ብምትሕብባር መንግስትን ደረስትን ብርትዓዊ ዋጋ ተረኺቡ ንዘሎ ዕድል ምግዛእ መጽሓፍቲ ስድራ-ቤታት ክጥቀማሉ ብምዝኽኻር፡ ወለዲ ንደቆም ናይ ምንባብ ኣርኣያ ክኾኑ ተላብዮም። ተመሃሮ ብወገኖም፡ ዓመታዊ ዝውደብ ምርኢት መጽሓፍቲ፡ መኣዲ ዝተፈላለየ ዓይነትን ትሕዝቶን ዘለዎም መጽሓፍቲ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ተጌሩ ብዘሎ ርትዓዊ ዋጋ ተተባቢዖም፡ ኣብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ይኹን ሓፈሻዊ ፍልጠት ሓገዝቲ ዝኾኑ መጽሓቲ ክዕድጉ ክኢሎም ምህላዎም ጠቒሶም፡ ቀጻልነቱ ብዝሰፍሐ ክረጋገጽ ተማሕጺኖም። ኣብ ውሽጢ’ተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልታት ኣስታት 5 ሽሕ ህዝቢ ከምዝበጽሖ ዝገለጸ ኣወሃሃዲ ኮሚተ ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ ኣቶ ኢሳቕ ዮሴፍ፡ ብመንግስቲ፡ ኣቕረብቲ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ተጌሩ ዘሎ ናይ 30 ሚእታዊት ምጉዳል ዋጋ፡ ኣብ ምስማር ዕላማታት ናይቲ ምርኢት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣብሪሁ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት ኣብ ምርኢት መጽሓፍቲ ዝውሕዝ ዘሎ ቊጽሪ በጻሕቲ፡ ማዕቢሉ ንዘሎ ባህሊ ንባብ ዘነጽር ምዃኑ ተገሊጹ መጽሓፍቲ፡ ልዕሊ 140 ውልቀ- ሰባትን ትካላትን ፍርያቶም ኣቕሪቦም ምህላዎም፡ ብዝተፈላለዩ ደረስቲ ዝቐርብ ዘሎ መደብ ምውርራስ ተመኲሮ ድማ ነቲ መደብ ዝያዳ ሓይሊ ኮይኑዎ ምህላዉ’ዩ ዝፍለጥ። መበል 14 ምርኢት መጽሓፍቲ ኣብ ኣስመራ ክሳብ 29 መጋቢት ዝቕጽል ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 3 ክሳብ 5 ሚያዝያ ድማ ኣብ ከተማታት መንደፈራ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ባጽዕን ዓሰብን ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ነበርቲ ህርጉድ - ንኡስ ዞባ ድባሩዋ፡ ብማእከል ዓዶምን ናይ ሕርሻ መሬቶምን ዝሓልፍ ልዕሊ 30 ሜትሮ ግፍሒ ዘለዎ ሩባ ንምግዳብ ሓያል ማእቶታዊ ስርሓት የካይዱ ኣለዉ። እቶም ነበርቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ነበርቲ ህርጉድ ብማእከል ዓዶም ዝሓልፍ ሩባ ንምግዳብ ወፈራዊ ማእቶት የካይዱ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ዓበይቲ ጎቦታት ተበጊሱ ንኣባይቶምን ናይ ሕርሻ መሬቶምን ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝጸንሐ ሩባ ንምግዳብ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውህሃድ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት 2015 ጀሚሮም ይነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጾም። ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ወፈራ ኣካል ናይ’ቲ በብከባቢኡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጀሚሮሞ ዘለዉ ዕማም ንምዕዋት ደገፍ መንግስቲ ከይፍለዮም ኣዘኻኺሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ተወላዲ ህርጉድ ኣበርክቶኡ ከሐይል ብምልባው፡ ነቲ ዕማም ቅድሚ ክራማት ንምዝዛሙ ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊጾም። ተመሃሮ ጎኒ-ጎኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶምዝንባለኦምንተውህቦኦምን ንኽፍትሹን ንኸማዕብሉን ዝካየድ ቅነ ተመሃሮ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተ- ሰብ ኣብ ምውርራስን ፍልጠቶም ቅነ ተመሃሮ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምውርራስ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ ኣብ ምስፋሕን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ ኣሕመድ ቡካልያ ገሊጹ። ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ካብ 20 ክሳብ 22 መጋቢት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኢንገል ዝተኻየደ ቅነ ተመሃሮ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣቶ ኣሕመድ፡ ተመሃሮን ወለድን ንኣገዳስነት ናይዚ ዓመታዊ ዝካየድ ቅነ ተመሃሮ ተገንዚቦም፡ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ክሕይሉን ብክብርታት ሕብረተሰቦም ክመላለሱን ተላብዩ። ቅነ ተመሃሮ ብወለድን ዓበይቲ ዓዲን ልዑል ተቐባልነት እናረኸበ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሓበረ ርእሰ- መምህር መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኢንገል መምህር ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

Upload: others

Post on 05-Feb-2021

13 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

  • መበል 24 ዓመት ቁ. 208 27 መጋቢት 2015 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

    ዓርቢ

    ²Ãö 3

    ²Ãö 3

    ገጽ 3

    ናይ ነገር ጥዕና ድዩ?ገጽ 4

    ዝተዋሓስኩዎ ጥርጡር ቤት ፍርዲ እንተዘይ ኣቕሪበዮ ሕጊ እንታይ

    ይብለኒ?

    ገጽ 5

    ኣሽዋራ ራይ

    ገጽ 9

    ጠንቂ ሕማም ሪሕን መከላኸሊኡን

    ገጽ 11

    ግጥም ኣስመራ ደርቢ

    ብ20 መጋቢት ኣብ ኣስመራ - ቀጽሪ ኤክስፖ ናብ ዝተኸፍተ መበል 14 ምርኢት መጽሓፍቲ ዝውሕዝ ዘሎ ቊጽሪ በጻሕቲ፡ ማዕቢሉን ሰሪጹን ንዘሎ ፍቕሪን ባህሊን ንባብ ዘጒልሕ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ዓመታዊ ምርኢት ፍርያቶም ኣቕሪቦም ዘለዉ ጸሓፍቲ ገሊጾም።ካብ ጸሓፍቲ ኣቶ ጎይትኦም ሳህለን

    ወ/ሮ ገነት ስዩምን ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ዕላማ’ቲ ምርኢት ፍርያት ሕትመት ንህዝቢ ብምልላይ ባህሊ ንባብ ንምዂስኳስን ንምዕንባብን ከምዝኾነ ጠቒሶም፡ በብዓመቱ ክብ ዝብል ዘሎ ቊጽሪ በጻሕትን ጠለብ ዓደግትን ዘተባብዕ ምዃኑ ብምምልካት፡ ንዝያዳ ጻዕርን ስራሕን ዝድርኽ ስለዝኾነ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።“ምንባብ መፍትሕ ምዕባለ’ዩ” ዝበሉ

    ካብ ወለዲ ኣቶ ተኸስተ ኣስገዶምን ወይዘሮ መኣዛ ጸሃየን ብግደኦም፡ ብምትሕብባር መንግስትን ደረስትን ብርትዓዊ ዋጋ ተረኺቡ ንዘሎ ዕድል ምግዛእ መጽሓፍቲ ስድራ-ቤታት ክጥቀማሉ ብምዝኽኻር፡ ወለዲ ንደቆም ናይ ምንባብ ኣርኣያ ክኾኑ ተላብዮም።ተመሃሮ ብወገኖም፡ ዓመታዊ

    ዝውደብ ምርኢት መጽሓፍቲ፡ መኣዲ ዝተፈላለየ ዓይነትን ትሕዝቶን ዘለዎም መጽሓፍቲ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ተጌሩ ብዘሎ ርትዓዊ ዋጋ ተተባቢዖም፡ኣብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ይኹን ሓፈሻዊ ፍልጠት ሓገዝቲ ዝኾኑ መጽሓቲ ክዕድጉ ክኢሎም ምህላዎም ጠቒሶም፡ ቀጻልነቱ ብዝሰፍሐ ክረጋገጽ ተማሕጺኖም።ኣብ ውሽጢ’ተን ቀዳሞት ሰለስተ

    መዓልታት ኣስታት 5 ሽሕ ህዝቢ ከምዝበጽሖ ዝገለጸ ኣወሃሃዲ ኮሚተ ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ ኣቶ ኢሳቕ ዮሴፍ፡ ብመንግስቲ፡ ኣቕረብቲ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ተጌሩ ዘሎ ናይ 30 ሚእታዊት ምጉዳል ዋጋ፡ ኣብ ምስማር ዕላማታት ናይቲ ምርኢት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት

    ኣብ ምርኢት መጽሓፍቲ ዝውሕዝ ዘሎ ቊጽሪ በጻሕቲ፡ ማዕቢሉ ንዘሎ ባህሊ ንባብ ዘነጽር ምዃኑ ተገሊጹ

    መጽሓፍቲ፡ ልዕሊ 140 ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ፍርያቶም ኣቕሪቦም ምህላዎም፡ ብዝተፈላለዩ ደረስቲ

    ዝቐርብ ዘሎ መደብ ምውርራስ ተመኲሮ ድማ ነቲ መደብ ዝያዳ ሓይሊ ኮይኑዎ ምህላዉ’ዩ ዝፍለጥ።

    መበል 14 ምርኢት መጽሓፍቲ ኣብ ኣስመራ ክሳብ 29 መጋቢት ዝቕጽል ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 3

    ክሳብ 5 ሚያዝያ ድማ ኣብ ከተማታት መንደፈራ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ባጽዕን ዓሰብን ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

    ነበርቲ ህርጉድ - ንኡስ ዞባ ድባሩዋ፡ ብማእከል ዓዶምን ናይ ሕርሻ መሬቶምን ዝሓልፍ ልዕሊ 30 ሜትሮ ግፍሒ ዘለዎ ሩባ ንምግዳብ ሓያል ማእቶታዊ ስርሓት የካይዱ ኣለዉ።እቶም ነበርቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ

    ነበርቲ ህርጉድ ብማእከል ዓዶም ዝሓልፍ ሩባ ንምግዳብ ወፈራዊ ማእቶት የካይዱሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ዓበይቲ ጎቦታት ተበጊሱ ንኣባይቶምን ናይ ሕርሻ መሬቶምን ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝጸንሐ ሩባ ንምግዳብ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውህሃድ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት 2015

    ጀሚሮም ይነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጾም።ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ዘሰላስልዎ ዘለዉ

    ወፈራ ኣካል ናይ’ቲ በብከባቢኡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጀሚሮሞ ዘለዉ ዕማም ንምዕዋት ደገፍ መንግስቲ

    ከይፍለዮም ኣዘኻኺሮም።ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነፍሲ-ወከፍ

    ተወላዲ ህርጉድ ኣበርክቶኡ ከሐይል ብምልባው፡ ነቲ ዕማም ቅድሚ ክራማት ንምዝዛሙ ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊጾም።

    ተመሃሮ ጎኒ-ጎኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም ዝንባለኦምን ተውህቦኦምን ንኽፍትሹን ንኸማዕብሉን ዝካየድ ቅነ ተመሃሮ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምውርራስን ፍልጠቶም

    ቅነ ተመሃሮ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምውርራስ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ

    ኣብ ምስፋሕን ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ ኣሕመድ ቡካልያ ገሊጹ።ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ካብ 20 ክሳብ

    22 መጋቢት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኢንገል ዝተኻየደ ቅነ ተመሃሮ ኣብ

    ዘስመዖ ቃል፡ ኣቶ ኣሕመድ፡ ተመሃሮን ወለድን ንኣገዳስነት ናይዚ ዓመታዊ ዝካየድ ቅነ ተመሃሮ ተገንዚቦም፡ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ክሕይሉን ብክብርታት ሕብረተሰቦም ክመላለሱን ተላብዩ።

    ቅነ ተመሃሮ ብወለድን ዓበይቲ ዓዲን ልዑል ተቐባልነት እናረኸበ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሓበረ ርእሰ-መምህር መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኢንገል መምህር

    ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 2

    \\\\\\\\\\\\\

    ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

    ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ኣሰናዳኢ

    ብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

    ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

    ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

    ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

    መዓልታዊት ጋዜጣ

    ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

    ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

    ለይ-ኣውት

    ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን - ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ውዳቤታቶምን ሓድነቶምን ብምትራር፡ ንሃገሮም ንምድዋን ንምንጻልን ንዘንቀደ ኩሉ ዓይነታት ተጻብኦን ሽርሕታትን ብንቕሓት ንምምካትን ንምፍሻልን ድልውነቶም ደጊሞም ኣረጋጊጾም።ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ “እምቢ

    ንዘይፍትሓዊ እገዳ” ብዝብል ቴማ ብ20 መጋቢት ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ’ዩ።ኣቦ መንበር ሽማግለ መኸተን

    ልምዓትን ሪያድን ከባቢኣን ኣቶ ግርማይ የማነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ዝተሰላሰለ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራብ፡ ሳላ’ቲ ዝተኻየደ ውሁድን ሓያልን ናይ መኸተ ንጥፈታት፡ ኣንጻር

    ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝተኣልመ መጋረጃ ውዲት ከም እተተርብዐ ጠቒሱ፡ “ሕጂ’ውን ንቕሓትናን ትኲርነትናን ብምሕያልን መሳርዕና ብምትራርን፡ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ንምቅላስ ጻዕርና ቀጻሊ’ዩ” ክብል ኣስሚሩሉ። ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ መድረኻዊ

    ዕማማትን መደባት መኸተን፡ ምዂስኳስ መንእሰያት ብሃገራዊ ክብርታትን ምዕዛዝ ተራኦምን ኣበርክቶን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ልምዓታዊ መደባት እጃሞም ንምብርካት ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

    ኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን፡ ንሸርሕታትን ተጻብኦታትን ብንቕሓት ክምክቱ ድልውነቶም ደጊሞም ኣረጋጊጾም

    ኣብ ዞባ ዓንሰባ - ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሂወት ደቂ-ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪታት ብዝለዓለ ክቕጽል ምዃኑ፡ ንተራን ተሳትፎን ደቂ-

    ሓጋዝ፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ሂወት ደቂ-ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ዝካየድ ጻዕርታት ብዝለዓለ ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ

    ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተሓቢሩ።ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ጨናፍር

    ሚኒስትሪታት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ-ዓዲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ባይቶን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተረኽቡሉ ሰሚናር፡ ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጅ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ኣበርክቶ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓት ሃገር ይኹን ቊጠባዊ ህይወት ስድራ-ቤታት ቀሊል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ንዝሓሸ ውጽኢትን ኣድማዕነትን ኣበርቲዐን ክነጥፋን

    ምትሕብባር ኩለን ኣካላት መንግስቲ ክዓዝዝን ኣዘኻኺራ።ወይዘሮ ኣምና ኣስዒባ፡

    ድሕነት ኣደን ህጻንን ምሕላው፡ ነብሰ-ጾራት ኣብ ትካላት ጥዕና ከምዝሓርሳ ምግባር፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ምግታእ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ሓያልን ውሁድን ማእቶታዊ ንጥፈታት ምስልሳል፡ ከምኡ’ውን ያታዊ ትኪ-ኣልቦ ሞጎጎ ብዝሰፍሐ ምትእትታው፡ ካብቶም ተራን ተሳትፎን ደቂኣንስትዮ ንምድንፋዕ ኣብ 2015 ክስራሓሉ ተወጢኖም ዘለዉ መደባት ምዃኖም ኣነጺራ።

    ጸሓፊት ሃማደኤ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ጅምዓ ሑሴን ብወገና፡ ንቕሓትን ሓያል ውዳበን እቲ መሰረታዊ ረቛሒ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሃገረን ዝሃነጽኦ መሰልጠኒ ማእከላት፡ ኣብ ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምፍጣር ዕድላት ስራሕን ምምሕያሽ መነባብሮን ዓቢ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ኣብሪሃ።ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ 9ይ

    ክሳብ 11 ክፍሊ ንዝመሃራ 29 ብሉጻት ደቂ-ኣንስትዮ ተመሃሮ መተባብዒ ሽልማት ተዋሂቡ።

    ***

    ኣኸደር ሓሞዳ ብወገኑ፡ ብዓይነትን ትሕዝቶን እናዓበየን እናማዕበለን ይመጽእ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ንዝተሓባበሩ ኩሎም ኣካላት ኣመስጊኑ።ወለዲ ብወገኖም፡ ኣብ ከባቢኦም

    ዝርእይዎ ዘለዉ ምውዳድ

    ማሕበራዊ ኣገልግሎት ውጽኢት ናይቲ ምዕሩይ ዕድላት ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዓመት መጸ ዝካየድ ቅነ ተመሃሮ ነጸብራቕ ናይቲ ዝምዝገብ ዘሎ ምዕባለ ስለዝኾነ፡ ብዝሓየለ ውዳቤ ክቕጽል ተላብዮም።እቲ ቅነ ተመሃሮ፡ ስፖርታዊ

    ውድድራት፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ክትዕን ካልእን ዘጠቓለለ ምንባሩ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተኻየደ

    ውድድራት ንዝተዓወቱ ሽልማት ተዓዲሉ።

    ካብ 1ይ ገጽ ዝቀጸለ

    ቅነ ተመሃሮ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምውርራስ ...

    ኣገደስቲ ተሌፎናትፖሊስ

    127799

    ኮርፖሬሽን ኤለክትሪሲቲ

    122222/122226

    ሚኒስትሪ ዜና

    201820

    ሆስፒታል ኦሮታ

    201917

    ሆስፒታል ሓሊበት

    185400

    ፋርማሲ ቁ.1

    127565

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 3

    “ኩሉ ሰሪሐ ዝወዳእኩዎን ናብ ዝምልከቶ ዘረክብኩዎን ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ኣየዕግበንን እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝዛዘምኩዎ ዕዮ ክመሓየሽ ዘለዎ ነገራት ይረኣየኒ። በዚ ምኽንያት ቅድሚ ‘ናይ መጨረሻ መልክዑ ሒዙ ኣሎ’ ዝብሎ ነገራት፡ ‘ዳግማይ ክርአ ኣለዎ’ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምኡ ድማ እየ ዝገብር” ዝብል ዓርኪ ኣለኒ። እዚ ግን ናይ ጥዕና ድዩ? ሰብከ መዓስ እዩ

    ውዱእ ስራሕ ኣረኪበ ኢሉ ክዓርፍ ዝኽእል? ክሳብ ክንደይ ግዜኸ ከጻፍፎ ኢሉ ምስኡ ክሕዞ ይኽእል? ሓንሳብ ምስ ዓየዮ ንስራሑ ቁሊሕ ኢሉ

    ዘይርእዮ ሰብ ኣሎ። ኣብ ዕዮኡ ብዙሕ ጉድለት ኣመልኪትካሉ እውን ዋላ ሓደ ጉድለት ከም ዘይገበረ፥ “እዚ ደኣ እሞ ኣየናይ ዓብዪ ጉድለት

    ኮይኑ እዩ ትዛረበኒ ዘለኻ?” ኢሉ ተገምጢሉ ድማ

    ይሓተካ። “ሓንቲ ኣብዚኣ ሓንቲ ድማ ኣብዚኣ ጉድለት ጥራይ እየ ገይረ። ዓብዪ ጉድለት እውን ኣይኮነን” ኢሉ ድማ ይከራኸረካ። “ከመይ ኢልካ ንእሽቶ ዓብዪ ጉድለት

    እናበልካ ትዛረብ?” ተመሊስካ ትሓቶ። “ንእሽቶ ቀዳድ ንዓባይ መርከብ ከም እተጥሕላ ኣይትፈልጥን ዲኻ?”“እንታይ ኢኻ ክንድዚ ተተዓባብዮ?” ኢሉ

    ይምልሰልካ። “ዳሕራይ ከኣ ኣነ መራሒ መርከብ ኣይኮንኩን። ናተይ ጌጋ ከኣ መርከብ ዘጥሕል ኣይኮነን።”ትርጉም የብሉን ምቕጻል። ኣብኡ ድማ

    ደው ትብል። ገሊኡ ሰብ ኣሎ ብናይ ስራሕ ምልክታኡ ንገዛእ ርእሱ ዝኽሽሓ ሰብ። ኣብ ‘ኢንተርቪው’ ድማ ክበጽሕ ኣይኽእልን እዩ። “ናይዚ ሰብኣይ

    ‘ ኣ ፕ ሊ ከ ሽ ን ’ ርኢኻዮዶ?” ይብል ሓደ ካብቶም ‘ኢንተርቪው’ ዝገብሩ

    ሰባት። “እወ ርእየዮ። ርኢኻዮዶ እቲ

    ተሞክሮኡ?”“ርእየዮ። ንዓና ግን ዝኸውን ሰብ

    ኣይኮነን”

    “ንምንታይ ደኣ ከምኡ ኢልካ?” “እዚ ሰብ እንደልየሉ ዘለና ስራሕ ጥንቃቐ

    ዝሓትት ስራሕ እዩ።”“ሓቅኻ። ኢሂ’ሞ? እዚ ሰብኣይ ጥንቁቕ

    ኣይኮነን ዝብል ዘረባ ሰሚዕካ ዲኻ?” ይሓትት እቲ ቀዳማይ። “እንታይ ናይ ካልእ ሰብ ምስክርነት

    የድልየኒ? ጥንቁቕ ከም ዘይኮነ ባዕሉዶ ይነግረኒ የለን?” እቲ ካልኣይ ይምልስ። “ርኢኻዮዶ? ንስሙ ብኽልተ ዝተፈላለየ መንገዲ ጽሒፉዋ ኣሎ። ሓደ በለለይ። ስም ትካልና ከመይ ገይሩ ጽሒፍዎ ኣሎ ርኢኻዮዶ? ከምቲ ኣብቲ ታቤላ ትካልና ተጻሒፉ ዘሎ ኣይኮነን። ክልተ በለለይ። ቁጽሪ ተለፎን ትካልና ድማ ነተን ክልተ ቁጽርታት ገላቢጥወን ኣሎ። ኣብዚ 57 ክብል ድማ 75 ጽሒፍዎ ኣሎ። ሰለስተ በለለይ። ራብዓይ ክውስኸልካ እየ። ርኢኻዮዶ? ኣብዚ ክልተ ቃላት ተጋግዩስ ኣብ ክንዲ ነዛ ወረቐት ካልኣይ ‘ፕሪንት’ ዝገብራ ኣብ ርእሲ እተን ቃላት ጽሒፉለን ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እተን ጌጋ ቃላት ድማ ብብርዒ ሕንጻጽ ገይሩለን ኣሎ። ብናቱ ኣጠማምታ ጌጋ ከም ዝኾነ እዩ ዘርእየና ዘሎ። እቲ ብብርዒ ጌርካ ሕንጻጽ ምግባር ግን ብናቱ ኣጠማምታ ቅኑዕ ተግባር እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ቃላት ዝገበሮ ሕንጻጽ ናይ ምጥንቃቕ ምልክት ኣይኮነን። ምናልባት ካልእ ሰብ እዩ ጌጋ ከም ዝኾና ነጊርዎ ዘሎ እምበር ባዕሉ ዝገበሮ እውን ኣይመስለንን። ኣብ ሓንቲ ገጽ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ቀሊል ጉድለት ዝፍጽም እንተ ኾይኑ ኣየናይ ጽፉፍ ዕዮ እዩ ከበርክተልካ? በጃኻ ኢለካ ናብቲ ዝቕጽል ንሕለፍ።”ሕጂ ስሙ ዘይዝክሮ ኣመሪካዊ ደራሲ

    ንጽሑፋቱ ልዕሊ ሓምሳ ግዜ ዝኸውን ከም ዝእርሞ ኣንቢበ ኣለኹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእራም ድማ ገለ ካብቲ ጉድለት የጉድለሉ። እቲ ጽሑፉ ድማ ዝያዳ ማራኺ፡ ዝያዳ መሳጢ ይኸውን። ብኡኡ መጠን ድማ ኣብ ኣንባቢ ዘለዎ ተቐባልነት እናበረኸ ይመጽእ። ንኣንባቢ ናይ ምጽላው ሓይሉ ድማ በብዝተኣረሞ መጠን እናወሰኸ ይመጽእ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ጽሑፍ ተነቢቡ ዘይጽገብ ምቁር

    ናይ ነገር ጥዕና ድዩ?

    ከም መዓር ይኸውን። ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ ዘንበብኩዎ

    ጽሑፋት ኣሎ። እቲ ጽሑፍ፡ “ኣንብበኒ፡ ኣንብበኒ” እዩ ዝብለካ። ንሱ እንተ ዘይበለካ ድማ፡ ንስኻ፡ “እስከ ነዛ መጽሓፍ ደጊመ ከንብባ” ትብል እሞ ከይተረድኣካ ካልኣይ ግዜ ኣንቢብካ ትውድኣ። ንገሊኡ ክፋል እቲ ጽሑፍ ድማ ኣብ ውሽጢ እናኣተኻ ዲኻ ወይስ ብድሕሪት ጀሚርካ ወይስ ብቕድሚት ራብዓይ ወይስ ሓሙሻይ ግዜ ትበጽሖ። እቲ ደራሲኡ ኣዝዩ ሃሊኹሉ እዩ እሞ ኣንባቢ ደጋጊሙ ከንብቦ ኣይስልክዎን እዩ። ኣብኡ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ነገር ነቲ ጽሑፍ ንኸይተንብቦ ዕንቅፋት ዝኸውን ኣይትረኽበሉን ኢኻ።እዚ ብስራሕካ ዘይምዕጋብ ኣብ ኩሉ

    ዓውደ ሞያ ደኾን ይኸውን ኢለ እሓስብ እየ። ኣብዚ ዘለኹዎ ሞያ ልክዕ ከም ናይ

    ዓርከይ ወዲአ ኣጽፊፈዮ እየ ኢልካ ክትዓግበሉ ዘይትኽእል ሞያ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ መማህራን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዝመሃርዋ ኣርእስቲ ኣብታ እትቕጽል ኣርእስቲ ከም ዘላታ ገይሮም ኣይምህርዋን እዮም። ካብታ ቅድሚኣ ዘላ ተማሓይሹ፡ ገለ ካብ ጉድለታ ድማ ተጸንጺሉ ትቐርብ። እቲ መምህር ግዜ እንተ ረኺቡ ድማ ወቂባን ተዃሓሒላን ክትቀርብ ትኽእል። ኣብ ሞያ ምህድስና፡ ጥብቅና፡ ወይስ

    ኣብ ዕዮ ፍርዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዘሎ መሲሉ ይስምዓኒ። በዚ ምኽንያት ድማ ሓካይም፡ መሃንድሳት፡ ጠበቓታት፡ ደያኑ ወይስ ካልኦት ዓይነት ሞያተኛታት ብስራሖም እንተ ዘይዓገቡን፡ ንዕዮም ድማ ኩሉ ግዜ ከመሓዩሽዎ እንተ ደለዩ ናይ ነገር ጥዕና እዩ።

    ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ክኸውንከም መምህር፡ ብገለ ሸነኸይ ኣነ ሰዓቢ

    ‘ኢፒኩርየስ’ እየ። መማህራን ኩሎም ድማ በዚ ናተይ ወገን ሰዓብቲ ‘ኢፒኩርየስ’ ክኾኑ ኣለዎም ኢለ እየ ዝኣምን። መንዩኸ ኢፒኩርየስ? ኢፒኩርየስ ቅድሚ

    ነዊሕ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ግሪኽ ዝነብር ዝነበረ ፈላስፋ እዩ። ኢንሳይክሎፐድያ ኢንካርታ ብዛዕባ ኢፒኩያኒዝም - እቲ ኢፒኩርየስ ዘቖሞ ፍልስፍና - ከምዚ ይብል፡ “ኢፒኩርያኒዝም ሓጎስ እቲ ዝለዓለ ሰናይ ነገርን ዕላማ ህይወትን እዩ ኢሉ ዝቕበል ትምህርቲ እዩ።” እዚ ትምህርቲ እዚ ኣእምሮኣዊ ሓጎስ - ብትምህርትን ፍልስፍናን ዝርከብ ሓጎስ ማለት እዩ - ካብቲ ኣካላዊ ፍስሃ - ብብልዕን መስተን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ዝርከብ ፍስሃ (እዚ ዓይነት ፍስሃ እዚ ሰላም ኣእምሮ ዝሰርቕ እዩ) - ተመራጺ እዩ ዝብል ትምህርቲ ድማ ይምህር። ሓቀኛ ሓጎስ ካብቲ ናይ ግሪኽ ኣማልኽቲ፡ ፍርሒ ሞትን ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ዝፈጥረልካ ፍርሒ ክትስዕር እንከለኻ ብእትረኽቦ ህድኣት ዝርከብ እዩ ኢሉ ይምህር። ኩሉ ኢፒኩርያኒዝም ኣብ ልዕሊ ባህሪ ዝገብሮ ምርምርን ሓሳባትን ንሰባት ካብዚ ዓይነት ፍርሒ እዚ ንምንጋፍ እዩ። እቲ ኢፒኩርያኒዝም ብዛዕባ ድሕሪ ሞት

    ዘሎ ህይወት፡ ግሪኻውያን ኣማልኽቲ፡ ሞትን ዝብሎ ንጎኒ ገዲፍና፡ ብገለ ወገን ምስ ትምህርቲ ኢፒኩርየስ እሰማማዕ እየ። ንኣብነት ብዙሕ እንገብሮ ንጥፈታት ንፋስ ሓጎስ ወይስ ፍስሓ ክለኽዮ ጥራይ ዘይኮነስ ክጸልዎ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ። አረ እንተ ተኻኢሉስ ኩሉ እንገብሮ ነገራት ባህ ኢሉና ክስራሕ ኣለዎ

    እየ ዝብል። ባህ ኢሉና ዘይንሰርሖ ነገራት ድማ ካባና ይርሓቕ። ኩሉ ሰብ’ውን ምሳይ ዝሰማማዕ መሲሉ ይስምዓኒ። እሰማምዓሉ ኣይሰማምዓሉ ግን ሰብ ንሓጎስ

    እዩ ዝነብር። ሓጎስ ኣብ እንዳ ሰይጣን እውን ከይዱ ከምጽኣ ዝደሊ ሰብ ኣደኡ ትቑጸሮ። አረ “ኣብኡ ሞት ኣሎ” እናተባህለ ዝቐትሎ ነገራት ዝገብር ማእለያ የብሉን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝተማህረ ይኹን ዘይተማህረ፡ ዲግሪ ዝሰቐለ ይኹን ዘይሰቐለ ኩሉ ሓደ እዩ። ዝተማህረ ሓጎስ ይደሊ፡ ዘይተማህረ’ውን ከምኡ። ናብ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። ክዛረበሉ ደልየ

    ዘለኹ ጉዳይ - ትምህርቲ እዩ። ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ከለኹ ሓንቲ ዘይፈትዋ ዓይነት ትምህርቲ ነይራትኒ። ኣነ ጥራይ ኣይኮንኩን ኩሉ ተማሃራይ እዩ። ጸሎትና እቲ መምህር ከይመጽእ እዩ፡ ወይ ድማ ክበኲር። ሓደ መዓልቲ ቁሩብ ደንጒዩ። ከየርከበና እንከሎ ካብቲ ከባቢ ተኣሊና።

    ንጽባሒቱ ንምንታይ ኣብቲ ክፍሊ ከም ዘይጸናሕናዮ ሓቲቱና። “ትምህርትኻ ሰልክዩና” ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። “ተጸቢናካ ምስ ደንጎኻና ኬድና” ኢልናዮ። እዚ ተማሃራይ ራብዓይ ዓመት ከለኹ ዝገብርኩዎ እዩ። እቲ መምህር ትምህርቱ ይስልክየና ከም

    ዝነበረ ኣየስተውዓለን ክብሎ ኣይኽእልን

    እየ። ንምንታይ ከም እንፈትዎ ገይሩ ከቕርቦ ኣይፈተነን ክሳብ ሕጂ ዘይተመለሰለይ ሕቶ እዩ። ወይስ እናሰልከየና ክንምሃር ደስ ይብሎ ነይሩ? ምናልባት’ውን ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ክኸውን እንተ ኾይኑ ክስልክየካ ኣለዎ ድዩ? ወይስ ከም ትምህርቲ ክርድኣካ ግድን ክትጸልኦ ስለ ዘለካ እዩ? ክሳብ ሕጂ ዘይርስዖ ሓደ መምህር ኣሎ።

    ቅድሚ 30 ዓመት ኣቢሉ ዝማሃረኒ እዩ። ቋንቋ ይምህር ስለ ዝነበረ ሓንቲ ካብተን ዝምህረለን ዝነበራ መዓልታት ንምንባብ ልብወለድ ዝሓዝኣ ነበረት። እቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝማሃረኒ ነገራት ክሳብ ሕጂ ኣይረሳዕኩዎን ዘለኹ። እታ ሽዑኡ ዘንብበልና ዝነበረት

    መጽሓፍ’ውን ብድሕሪኡ ደጊመ ኣንቢበያስ ኣብ ከብሐይ’ውን ኣላ። እዚ ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ዝኾነ እዩ። እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝተማሃርኩዎ

    ዘይዘከርኩስ ከመይ ኣቢለ ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ከለኹ ዝተማሃርክዎ ክርስዖ ኣይከኣልኩን? ኣብቲ ኣገባብ እዩ ዝምርኮስ። እቲ ናይ ዓስራይ መምህረይ ነቲ ትምህርቲ ባህ ብዘብል ኣገባብ ኣዳለዎ። ዕላማኡ ትምህርቲ ይንበር እምበር ትምህርቲ ባህ ኢሉካ ክትማሃሮ ኣሎካ ዝብል እምነት ዝነበሮ መሲሉ ይስምዓኒ። ባህ ኢሉና፡ እቲ ትምህርቲ እውን ተረዲኡና። ክልተ ዑፍ ብሓንቲ ወንጭፍ ቀቲሉ። ኣዛንዩና፡ ብኡኡ ከኣ ምሂሩና። እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህረይ

    ግን ክልተ ዑፍ ብሓንቲ ወንጭፍ ክቐትል ሓሲቡ ነይሩ ይኸውን እዩ። ክልቲአን ግን ነፊረንኦ። ሓንቲ’ውን ክቐትል ኣይከኣለን። በቲ ትምህርቲ ኣይተዛነናን። አረ’ውን ነቲ ትምህርትን ንዕኡ ደኣ ጸሊእናዮም። እቲ ትምህርቲውን ኣይተረድኣናን። ኣይዘከርናዮን እውን። እቲ ናይ ዓስራይ ክፍሊ መምህረይ እኽሊ ቀሪቡ ብሸረኽ ከም ዝሓዘና ሃዳናይ እዩ። እቲ እንደልዮ ኣዳልዩልናሲ ኣብታ መጻወድያኡ ድማ ኣእትዩና። አረ ባህ ኢሉና ተታሒዝናሉ ክንብል ንኽእል ኢና። ኣብቲ ሓደ ግን ሸረኽ ጥራይ እምበር እኽሊ ዝብሃል ኣይነበሮን። ስለዚ እኽሊ ከም ዘየለ፡ ሸረኽ ጥራይ ከም ዝኾነ ምስ ረኣና ኣመሳሚስና ሃዲምና። ትምህርቲ ትምህርቲ ክኸውን ግዲ ድዩ

    መሰልከይ ክኸውን ዘለዎ? ኣይፋሉን። ኣዝዩ ኣዛናዪን ኣዘናጋዕን፡ ኣሳታፍን መቀራረብን እንተኾነ’ውን ትምህርቲ እዩ። መምህር ንፉዕ መምህር ክብሃልከ ምሉእ መዓልቲ መሰልቾ ለክቸር ድዩ ክገብር ዘለዎ? ኣይፋሉን። እቲ መምህር ኣፉ ከይከፈተ፡ እቶም ተማሃሮ ዝሳተፍዎ ኣዝዩ መሳጢ ክፍሊ ዕዮ ኣዳልዩ እውን ትምህርቲ እዩ። ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ክኸውን ግድን ድዩ ተማሃራይ እናኣምባሃቐ ክማሃሮ ዘለዎ? ኣፉ ከፊቱ ዝከታተሎ ወይ ድማ እጅገኡ ሰብሲቡ ዝሳተፎ ክፍለ ጊዜውን ትምህርቲ እዩ። በዚ ዘልዓልናዮ ጉዳይ መማህራን ሰዓብቲ

    ኢፒኩርየስ ክንከውን ኣድላዪ መሲሉ ይስምዓኒ። ኩሉ እንገብሮ ነገራት ኣዛናዪ ክንገብሮ ኣብ እንፍትነሉ ዘሎና ጊዜ፡ ትምህርቲ ተማሃሮ ዘይፈትዉዎን መለሳ ዘይብሉን ክኸውን ርትዓዊ ኣይኮነን።

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 4

    ኣልዒልክዮ ዘለኺ ነጥቢ፡ ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳያት ንኽጓተቱን ክውንዘፉን ምኽንያታት ዝዀኑ ሓደ እዩ። ብመሰረቱ፡ ብገበን ዝተኸሰሰ ሰብ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምእንቲ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዝጸንሕ ወይ ድማ ዋሕስ ጌሩ ከም ዝወጽእ’ዩ ዝግበር። ንኣብነት፡ ተኸሳሲ ነቲ ገበን ስለ ዘይኣመነሉ ናይ ኣኽባር-ሕጊ መሰኻክር ንኽቐርቡ ቈጸራ ዝዋሃብ እንተደኣ ዄይኑ፡ ጉዳይ ውሕስነት ክልዓል ግድነት ይኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ቤት ፍርዲ ናይ ክልቲኦም ወገናት (ተኸሳስን ኣኽባር-ሕጊን) ሓሳብን ምኽንያትን ሰሚዑ፡ ንተኸሳሲ ብዋሕስ ከፋንዎ ወይ ኣብ ቀይዲ ከጽንሖ ይውስን። ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ኸኣ፡ ብመሰረት እዚ መምርሒ’ዚ ቤት ፍርዲ ንተኸሳሲ ዋሕስ ብምትካል ካብ ቀይዲ ክፋኖ ኣፍቂዱሉ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ተኸሳሲ ኣብ ዕለተ ቈጸራኡ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተደኣ ዘይቀረበ፡ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣለዎ? እዩ ሕመረት ናይቲ ሕቶ።ብዋሕስ ዝተፋነወ ተኸሳሲ ኣብ

    ዕለተ ቈጸራኡ እንተደኣ ዘይቀሪቡ፡ ቤት ፍርዲ፡ ካብቲ ምኽንያት ዘይመቕረቢኡ ተበጊሱ’ዩ

    ኣቶ ኣፈወርቂ፡ እዚ ሕቶ ምስ ጉዳይ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ምትእስሳር ዘለዎን ኣብ እዋን ስራሕ ንዝወረደ ጉድኣት ምኽሓስን ማእከል ዝገበረ እዩ። ዝጠቐስካዮ ኣብቲ ጉድኣት ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሰራሕተኛኻ ብኣልኮል ተሰኒፉ ሰንከልከል ይብል ነይሩ። ካብዚ ተበጊስካ ድማ ‘ከይትሰርሕ’ ብምባል ኣጠንቂቕካዮ ከምዝነበርካ ኢኻ ጠቒስካልና። ድሕሪ ዝወረዶ መጉዳእቲ’ውን ዘድሊ ሕክምናዊ ረድኤት ክረክብ ምእንቲ ፈቲንካ ኢኻ።

    ዝተጠቕሱ ሓቅታት ከም ውሁብ ወሲድና፡ ተፈጻምነት ዘለዎም ድንጋጌታት ንመልከት። ብኣዋጅ ቁጽሪ 118/2001 ሕጊ ዕዮ ኤርትራ መሰረት፡ ሓደ ኣስራሒ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛኡ ንዝወርድ ጉድኣት ክኽሕስ ሓላፍነት ኣለዎ። ሰራሕተኛ ኰነ ኢሉ ኣብ ገዛእ-ርእሱ ናይ ዘውረዶ ጉድኣት ግን ኣስራሒ ሓላፍነት ኣይስከምን እዩ። ብፍላይ፡ መምርሒታት

    ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ዝወስድ። ዘይቀረበሉ ምኽንያት ቅቡል እንተደኣ ዄይኑ፡ ዕለተ ቈጸራ ናብ ካልእ መዓልቲ ከም ዝሰጋገር’ዩ ዝግበር። እቲ ዝቐረበ ምኽንያት ዘይብቑዕ ኰይኑ እንተደኣ ተረኺቡ ድማ፡ ተወሳኺ ቈጸራ ከም ዘይወሃብ’ዩ መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ዓንቀጽ 94/2-ሀ ዘስምዕ። ኣብዚ ክንግዘቦ ዝግብኣና ግን፡ ተወሳኺ ቈጸራ ዘይዋሃብ እንተኣ ኰይኑ ኸኣ፡ ተኸሳሲ ኣብ ዘይብሉ መጋባእያ ጉዳይ ምስማዕ ይቕጽል ማለት ኣይኰነን፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ተኸሳሲ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣቱ’ዩ ዝግበር። ብተወሳኺ፡ ዋሕሱ ተጸዊዑ ጸገሙ ተሰሚዑ ከከም ኩነታቱ ብውሕስነት ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ከም ዝገብር’ዩ ዝግበር። ምናልባት ኣብዚ ክዝረበሉ ዘለዎ፡ ዋሕስ ልዕሊ ዓቕሙ ብዝዀነ ምኽንያት እንተደኣ ዄይኑ ንተኸሳሲ ከቕርቦ ዘይከኣለ፡ እቲ ብውሕስነት ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ክግበር ፍትሓዊ ኣይመስል። ስለዚ፡ ብዝተኻእሎ መጠን ከቕርቦ ከም ዝፈተነ ቤት ፍርዲ እንተደኣ ኣሚኑ፡ ተወሳኺ ዕድላት እናሃበ ነቲ ገንዘብ ኣታዊ ከይገበረ ክጸንሕ’ዩ እቲ ፍትሓዊ

    ዝተዋሓስኩዎ ጥርጡር ቤት ፍርዲ እንተዘይ ኣቕሪበዮ ሕጊ እንታይ ይብለኒ?

    ኣማራጺ። ተኸሳሲ ንኽቕየድ ዝተዋህበ ትእዛዝ ድማ ጸኒዑ ይቕጽል ማለት እዩ።ብጀካ እዚ ክብ ኢልና

    ዝረአናዮም ስጉምቲታት፡ ተኸሳሲ ኣብ መዓልቲ ቈጸራ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን፡ ንሱ ኣብ ዘይብሉ እዋን መጋባእያ ዝስማዕ ገዳያት’ውን ኣሎ። እዚ ማለት፡ ቤት ፍርዲ፡ ተኸሳሲ ኣብ ዘይብሉ መጋባእያ፡ ኣኽባር-ሕጊ ዘቕርቦ ክሲን መርትዖታትን ሰሚዑ፡ ኣብ ናይ ኣኽባር-ሕጊ መርትዖታት ጥራይ ተመርኲሱ ውሳኔ ይህብ ማለት እዩ። ከምዚ ክግበር እንተደኣ ዄይኑ ግን፡ ንተኸሳሲ ወኪሉ ምኽንያት ዘይመቕረቢኡ ዘረድእ ሰብ ምስ ዘይቀርብ፡ ቤት ፍርዲ ንተኸሳሲ ብቐይዲ ከቕርቦ ፈቲኑ ምስ ዘሰልጦ ከምኡ’ውን እቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ካብ 12 ዓመታት ብዘይውሕድ ጽኑዕ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ዝኸበርካ ሓታቲት፡ እቲ ንስኺ

    ዝተዋሓስክዮ ተኸሳሲ እንታይ ገበን’ዩ ፈጺሙ ብልክዕ ስለ ዘይገለጽክልና፡ ዝተዋሓስክዮ ተኸሳሲ ኣብ ዘይብሉ መጋባእያ ክቕጽል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንጹር ሓሳብ ክንህበኪ ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ መምዘኒ ግን እዚ ዝጠቐስናዮ እዩ።

    ዘመደይ፡ “ብገበን ተጠርጢርካ” ተባሂሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። ብዘቕረቦ ሕቶ ድማ፡ ዋሕስ ተኺሉ ጉዳዩ ካብ ቀይዲ ወጺኡ ክከታተል ቤት ፍርዲ ፈቒድሉ። “ኣብ ዝተደለየሉ ዕለትን ሰዓትን ኣብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ’የ” ኢለ ኸኣ ኣነ’የ ገንዘብ ኣትሒዘ ዝተዋሓስኩዎ። ወዮ… ዝተወሓስኩዎ ዘመደይ ግን ድሃዩ ጠፊኡኒ ኣሎ። ዝክኣለኒ ፈቲነ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ከይረኸብክዎ “ኣቕርቦ” ተባሂለ እንተደኣ ዘይሰሊጡንስ፡ እንታይ ሳዕቤናት ክመጸኒ ይኽእል?

    ሰናይት - ሓጋዝ

    ብኣልኮላዊ መስተ ተሰኒፉ እንከሎ ጉድኣት ንዝወረዶ ሰራሕተኛ ክኽሕስ እግደድ ድየ?

    ኣብ ትካለይ ንዘይተውሰነ ግዜ ከም ክኢላ ‘ካርፐንተር’ ኽሰርሕ ሓደ ሰብ ቈጺረ፡ ሓደ መዓልቲ፡ እዚ ሰራሕተኛ’ዚ ኣልኮላዊ መስተ ሰትዩ ብሰንከልከል ናብ ስራሕ ይኣቱ። ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘየለ ድሕሪ ምሕባር ካብ ምስራሕ ክቑጠብ ኣዚዘዮ። ትእዛዘይ ሸለል ብምባል ስራሕ ጀሚሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ብመጋዝ ማሽን ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ብዝወረዶ ናይ መቑረጽቲ ሓደጋ ሰለስተ ኣጻብዑ ተቘሪጹ። ሕክምናዊ ረድኤት ንኽረክብ ኩሉ ዝከኣለኒ ነይረ፡ ሕቶይ። ብኸምዚ ኣገባብ ጉድኣት ንዝወረዶ ሰራሕተኛይ ክሳብ ክንደይ እየ ተሓታትነት ዝስከም? ሕጊ ክኽሕሶ የገድደኒ ድዩ? ኣቶ ኣፈወርቂ ዳኒኤል - ኣስመራ

    ድሕነትን ጥዕናን ወይ ሓደጋ ንምክልኻል ብኣስራሒ ንዝወጹ ሕጋጋት ምስዝጥሕስ ወይ ሓኪም ዘይኣዘዘሉ መድሃኒት ብምውሳድ ወይ ብኣልኮላዊ መስተ ወይ ዕጸታት ፋርስ ኣእምሮኡ ክቈጻጸር ኣብ ዘይክኣለሉ ኩነታት ከሎ ኣብ ቦታ ስራሕ ብምርካቡ ዝወረደ ጉድኣት ብሰራሕተኛ ኰነ ኢልካ ዝወረደ ተቘጺሩ’ዩ ዝውሰድ። ኣስራሒ ነዚ ጉድኣት ክኽሕስ ሓላፍነት የብሉን። (ዓንቀጽ 73(1)(2) ኣዋጅ ሕጊ ዕዮ ኤርትራ) በዚ መሰረት፡ ሰራሕተኛኻ

    ጉድኣት ኣብ ዝወረደሉ መዓልቲ ሰኺሩ ኣብ ስራሕ ዝኣተወ ስለዝኾነ፡ ‘ከይትሰርሕ’ ተባሂሉ ንዝተዋህቦ መምርሒ ብምጥሓስ ስራሕ ከም ዝጀመረን ኣብቲ ግዜ’ቲ ሰንከልከል ይብል ከምዝነበረን ክሳብ ዝተረጋገጸ፡ ንሰራሕተኛኻ ክትክሕሶ ሓላፍነት የብልካን። ብዓንቀጽ 75 መሰረት፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ወጻኢታት ክትሽፍን ግን ግዴታ ኣለካ።

    ***

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 5

    ? ገብሩ ክብረኣብ

    ኣብ ዓመተ 2004 ኣብ ውድድር ቁንጅና ዓለም (ሚስ ዎርልድ) ተዓዋቲት ኰይና ታሪኽ ሰሪሓ። ኣብ’ቲ ዓርሞሸሽ ትካል መፍረ-ፊልም ህንዲ ዝዀነ ቦሊዉድ ብዝተጻወተቶ ተራ፡ ብሉጽን ውጽኢታውን ዓመታት ተዋስኦ ኣሕሊፋ። ዓባይን ድምቕትን ኮኾብ ብምዃን ሒደት ከዋኽብቲ ጥራይ ዝዳረግዋ ዀይና ክትቅጽል ዘኽኣላ እውን እቲ ተባሃጊ ናይ ተዋስኦ ውህበታን መሃነን ቁንጅናኣን’ዩ። ንብዙሕ ሽልማት ተዓዊታትሉ’ያ። ኣብ ሽልማት ‘ፊልም ፈየር’ ዓሰርተ ግዜ ተሓጽያስ፡ ክልተ ካብኡ ተሸሊማ። ኣብ 2009 ካብ መንግስቲ ህንዲ ዝተቐበለቶ ናይ ክብሪ ሽልማት ነይሩ። መንግስቲ ፈረንሳይ እውን ኣብ 2012፡ ብስነ-ጥበባዊ ኣበርክቶኣ ሸሊምዋ ነበረ። ማስ ሚድያታት ዓለም እንክገልጸኣ፡ ‘ዝመልከዐት ጐርዞ ዓለምና’ ቢለን የዳምጸኣ - ን ኣሽዋራ ራይ።

    እቲ ክሪሽናራጅ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወላዲኣ፡ ተመራማራይ ባሕሪ’ዩ። ኣዲያ ዝተባህለ ምዕባያ ሓው ኣለዋ። ንሱ፡ መሃንድስ’ዩ። ኣብ ስነጥበባዊ ተሳትፎ ራይ ብርቱዕ ግዳሴ ዘለዎ ስለዝዀነ ኸኣ ነታ ኣሽዋራ ዝተዋስኣትላ፡ ኣብ 2003 ዝተዓየት ፊልም ‘ዲል ካ ሪሽታ’ ዘፍረየ ኰይኑ። መብዝሑ ባህልን ልምዲን ኣሽዋራ ብጽልዋ ስድራቤታ ዝጠበቓ’ዩ። ዋላ እውን ዝናኣ እናዓረገ ምስ መጸ፡ ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ነጥቢታት ዝተሰረተ ክብሪ-ሰብ ዘዐቢ ባህርያት ኣጉሊሓ ሒዛቶ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ፡

    ማንዲር ኣብ ዝበሃል፡ ኣብ ከተማ ሙምቦይ ኣብ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ምስተኸታተለት

    ንናይ ኰለጅ ትምህርታ ኣብ ሂንድ ኰለጅ ኣትያ። ኣብ ንኡስ ዕድመኣ፡ ክሳብ ትኣክል ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት ክላሲካዊ ትልሂትን ሙዚቃን ተማሂራን ተለማሚዳን። ናብ ኰለጅ ክትኣቱ ኸላ እምበኣር ጽቡቕ ኣፍልጦ ሙዚቃን ትልሂትን ነበራ። ድሕሪ ዓመታት ልዑል ነጥቢ ረኺባ ጀይ ናብ ዝበሃል ኰለጅ ምስ ተሰጋገረት፡ ድማ ብዛዕባ እንስሳታት ካብ ዝነበራ ፍቕሪ ነቒላ ‘ዚኦሎጂ’ ወይ ድማ ሕክምና ክተጽንዕ ወሲና። ናይ ዚኦሎጂ ትምህርታ ብዙሕ ስለ ዘይተቓደዋ ግን ንዕኡ ገዲፋ ኣርኪተክት (ስኣሊት ህንጻ) ንምዃን ኣብ ናይ ስእሊ ቤተ-ትምህርቲ ኣትያ። ብዙሕ ዓይነት ዓውደ ትምህርታት ፈቲና ኣብ ኩሉ ዕግበት ምስ ሰኣነት’ያ እምበኣር ናብ ቅዲ ኽዳን ዘንቢላ። ቁንጅና ዝተዓደለት ብምዃና እውን ኣብቲ ብትካል ፎርድ ዝተመወለ ፋልማይ ውድድራ፡ ዘውዲ ደፊኣስ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኣመሪካ ኣብ መጽሔት ‘ቮጊዩ’ ጽሑፍን ስእሊን ተሓቲሙ። እዚ ንዓኣ ዓቢ ዝላ ነበረ።ኣብ 1993፡ ምስቲ ፍሉጥ

    ህንዳዊ ተዋሳኢ፡ ኣሚር ክሃን፡ ኣብ ምውዕዋዕ ፍርያት ፔፕሲ-ኮላ ምስተራእየት ድማ ብዙሕ ሰብ ፈለጣ። ጐኒ ጐኒ ሃገራዊ ካርኒቫል ህንዲ ኣብ ዝተኣንገደ ውድድር “መን ጸበቐ?” – 1994 ድማ ንሱሽሚታ ሰን ስዒባ ካልኣይቲ ኰይና ተዓዊታ። ኣብቲ ውድድር’ቲ ዋላ’ኳ ካልኣይቲ እንተወጸት፡ ቀዳመይቲ ዝተሸለመት ሰንን ኣሽዋራን ንህንዲ ወኪለን ዕዮ ተዋህበን። ብመሰረት ሃገራዊ ተልእኾኣ እምበኣር ኣሽዋራ

    ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኻድ፡ ኣብ ውድድር ወይዘሪት ዓለም ተሳቲፋ። ‘ሚስ ፎቶጀኒክ’ ‘ስእሊ ዝዀነላ ወይዘሪት’ ተባሂላ እውን ዓለማዊ ሽልማት ዓቲራ። ካልእ ብዙሕ ውድድራትን ሽልማታትን ዝርኣየት ኣሽዋራ እምበኣር ናብ ተዋስኦ ቅድሚ ምስጋራ ዘንጸባርቕ ህይወት ሞዴል ነይርዋ።ፈላሚ ናይ ተዋስኦ ዕዮኣ ኣብ

    1997 ነበረ። በቲ ግዜ’ቲ ኣሽዋራ ዝተዋስአታ ፊልም ኣሩቫር፡ ታሪኽ ህይወት ፖለቲከኛታት ዝሓዘለት ነይራ። ኣብ በልግረይድ ኣህጉራዊ ፈስቲቫል ፊልም ድማ ዝበለጸት ፊልም ተባሂላ ተሸሊማ። ኣብ ሓደ ፊልም ንኽልተ ገጸባህርያት ለቢሳ ዝተዋስአት ኣሽዋራ ንገጸባህሪ ነባር ተዋሳኢት ጃያላሊታ ተላቢሳቶ። ላህጃ ናይቶም ታሚል ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ ብሄር ግርም ስለዘየዳመጸቶ ግን ቃላታ ከምእንደገና ኣብ ስቱድዮ ብኻልእ ጐርዞ ተደጊሙ። ታሚል፡ ኣብ ደቡብ-ህንዲን እንደኖዥያን ዝርከቡ ብሄር እዮም። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ኣሽዋራ፡ ምስ ዓቢ ትካል ፊልም ቦሊዉድ ክትሰርሕ ዕድል ረኺባ። ‘ኣር ፕያር ሆ ጋያ’ ኣብ

    ኣሽዋራ ራይ

    ምሉእ ስም፡ ኣሽዋራ ራይ ባቻንዝተወልደትሉ ዓመት፡ 1973 ዓዲ፡ ህንዲ ሞያ፡ ተዋስኦ

    ዘርእስታ ፊልም፡ ኣሺ ንዝተባህለት ገጸ-ባህሪ ወኪላ ቀሪባ። እታ ፊልም ብሓፈሻ ተዋሳኢት ኣሽዋራ ድማ ብፍላይ፡ ካብ ነቐፍቲ ብርቱዕ ዘለፋ ተቐቢለን። ዕዉት መሸጣ እውን ኣይረኸበትን። ኣብ 1998 ኣብ ፊልም-ጂንስ

    ምስቀረበት ግን ብዙሕ ሕቡእ ውህበታ ኣውጺኣ። እታ ፊልም ንሰራሕታ ተኣምራታዊ መኽሰብ ኣኪባትሎም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ሜሎድራማዊ ኣብ ዝዀነ ፊልም ‘ኣ ኣብ ላት ቻለን’ ምስተዋስአት፡ ዝረኸበቶ ውጽኢት ኸኣ ጐደለ። ገምገምቲ እውን ኸምዚ ኽብሉ ጽሓፉላ። “ኣሽዋራ ንሓንቲ ኣብ ኣመሪካ እትቕመጥ ባህላዊት ህንዳዊት ሰበይቲ ክትመስል’ዩ ተሓቢርዋ። ናይ ባምቡላ ዝመስል ፍሽኽታን ሒደት ብኽያትን እንተዘይኰይኑ ግን፡ እቲ ትሕበነሉ መልክዓ ምእንቲ ከይሃስስሲ ዝዓሞቘ ስምዒት ኣየርኣየትን”ንኣሽዋራ ከም ቀንዲ ነጥበ-

    መቐይሮ ዝዀነታ፡ ፊልም ግን “ሁም ዲል ደ ቻይክ ሰናም” እያ። ጽሑፍ ዛንታ ናይታ ፊልም ቀዲማ ካብ ዝተጻሕፈት ኖቨል ‘ና ሃንያተ’ ኰይኑ ናንዲኒ ንዝተባህለት ጠባይ ክትላበስ’ያ ትርአ። እታ ፊልም ከም መርኣያ ብሉጽ ውጽኢታ ቀንዲ ተዋሳኢታ ዝነበረት ኣሽዋራ ንብልጽቲ ተዋሳኢት ንዝወሃብ ሽልማት ፊልም-ፈየር ተዓዊታትሉ። ድሕሪ ሓደ ዓመት እውን፡ ጀይን ኦስቲይን ካብ ዝጸሓፈታ ክላሲክ መጽሓፍ ‘ሰንስ ኤንድ ሰንሲቢሊቲ’ ዝተራዕመት ፊልም ክትዕየ ምስ ጀመረት እውን ኣሽዋራ ተሓወሰታ። ምስታ ዝተዋህበታ ገጸባህሪ ናይ ምልባስ ብልጫ ከምዘርኣየት ስለዝተገምገመት ኸኣ፡ ንብሉጽነታ ኣዕሪግዎ።

    ኣሽዋራ ንኮሜድያዊት ፊልም ‘ሃም ኪስስ ካም ናሂን’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐት ፊልም ምስተዋስአት ካልእ ገጽ ህይወታን ክእለታን ኣርእያ። እታ ፊልም ዓለማዊ ተቐባልነት ዝረኸበትላ ምዃና እውን’ዩ ዝነገር። ኣብ ሽልማታት “BAFTA” ን፡ ኣመሪካዊ ሽልማት ‘ዝበለጸት ፊልም ወጻኢ’ ኸኣ ተሓጽያ። እታ ፊልም ኣብ ህንዲ ድማ ዓሰርተ ሽልማት ፊልም-ፈየር ተዓዊታ። ኣሽዋራ እውን፡ ካልኣይቲ ዝበለጸት ተዋሳኢት ኰይና። ኣብ ዝቐጸላ ዓመታት እውን ብተመሳሳሊ ዕዉታት ፊልምታት እናተዋስአት ዝተጓዕዘት ኣሽዋራ፡ ካብታ ፕራይድ ‘ኤንድ ፕረጁድዩዝ’ ዘርእስታ ካልእ ዓባይ መጽሓፍ ጀይን ኦስትይን ዝተራዕመት ፊልም፡ ምስተዓየት እንተላይ፡ ኣባላ ዀይና’ያ። ኣብታ ፊልም ብዝቐረበቶ ድማ እወታውን ኣሉታውን ገምጋም ረኺባ። ብዛዕባ ትርኢት ናይታ ቈንጆ እንክዝረብ፡ እውን ርዕምቲ ፊልም ‘ፕራይድ ኤንድ ፕረጁድዩዝ’ ሳላ ጽባቐ ኣሽዋራ ክትርአ ከምዝኽኣለት ዝሕብሩ ኣለዉ። በቲ ግዜ’ቲ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ነታ ስራሕ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም ድማ፡ “ኣሽዋራ ተኣምር መልክዕ ስልኩይ ተዋስኦ” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊሩ ነይሩ።ኣብ ተዋስኦ ቁንጅናኣ ብዙሕ

    ከምዝሕግዛ ዝዝረበላ ኣሽዋራ፡ ክሳብ ዕለተ-ሎሚ ብዓሰርተታት ኣብ ዝቑጸራ ዕዉታት ፊልምታት ብምዕያይ ኣመስኪራ’ያ። ንሳ፡ በዓልቲ ቤት ኣቢሼኽ ባቻን ኰይና፡ ካብ ሓዳራ ሓደ ውሉድ ኣለዋ። ኣቢሼኽ ባቻን ወዱ ነቲ ዓቢ ኮኾብ ኣሚታባቻን’ዩ።

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 6

    ዳሃብ ዳዊ

    ት - ቤተ

    ልሄም ታደ

    ምልክታታትኣነ ኣልማዝ ስዩም ወላዲተይ ኣብርሄት ገዛኢ ሰለባ ኣብ ናቕፋ ኮርፖረሽን ኣባል ዝኾነት ቁ.0011 ሰርቲፊኬት ስለዝጠፍኣኒ፡ ብዕዳ ሒዘዮ ወይ ረኺበዮ ዝብል እንተደኣ ኣሎ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ብቁ.07239168 ክሕበረኒ። ተዘይኮነ መተካእታ ክወሃበኒ ንዝምልከቶ ናቕፋ ኮርፖረሽን ክሓትት ምዃነይ የፍልጥ።

    ኣልማዝ ስዩም

    ኣቶ መሓሪ ሃይለ ኢማም ዝተፈቕደሎም ናይ ስኩል ባስ ንግዳዊ ትካሎም “ፋድል ስኩል ባስ” (FADL SCHOOL BUS) ተባሂሉ ክስየመሎም ስለዝሓተቱ፡ እዚ ናይ ንግዲ ስም ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤ/ፍ መኣገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

    ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

    ኣነ ዓንደማሪያም ተስፋጺዮምን ገብረመድህን ዝተባሃልኩ ብስመይ ዝተመዝገበ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 2 ን/ዞባ 20 ዞን ኣዲስ ኣለም ዝርከብ ኮይኑ ስፍሓቱ 111.88 ት/ሜት ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ቤት ጽሕፈት ፓፕሊክ ኖታሪ ብቁ.ውዕል 0273/98 ብንብረት ቁጽሪ መዝገብ 51527 ጠቕላላ ቁጽሪ መዝገብ 85556 ብዕለት 01/12/98 ዝተመዝገበ ገዛ ስለ ዝሸጥኩዎ ስም ክውምውሓላልፍ ስለዝደለኹ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤ/ጽሕፈት ፓፕሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

    ዓንደማሪያም ተስፋጺዮን ገብረመድህን

    ወ/ሮ ኤልሳ መኮነን ባህታ ብወኪለን ኣቶ እዮብ ገብረመድህን እመሃየ ኣቢለን፡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዕዳጋ ብዕራይ ፕሎት 109 ዞባ 12 ምም/06 ንብረተይ ዝኽዕነ ገዛይ ክሸጦ ስለዝደለኹ፣ ይግብኣኒ እዩ ዝብል እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ኖታዮ ተቓውምኡ ክገልጽ ይሓትት።

    ኣነ ኣቶ ኣብርሃም ተወልደመድህን ገ/ማርያም ዝተባሃልኩ ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዞባ 3 ምም/11 ቁ/ገዛ 21 ቁጽሪ ሎታ 55 ቁጽሪ ፓርሳል ዲ ስፍሓት መሬት 500 ት/ሜ ተደኲኑ ዝርከብ ብኮምሽን ኣባይቲ ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 10136 መወከሲ ቁጽሪ 121206 ብስም ኣቶ መሓሪ መንክር ቃሉን ወረ/ነፍ ሮማ ተድላ ዘወልዲ ዝተመዝገበ ገዛ ስለ ዝዓደክዎ፡ ካብ ስሞም ናብ ስመይ ክመሓላለፈለይ ስለዝደለኹ፣ ዝቓወም ኣንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ተቓውሞ የቕርብ።

    ኣቶ ኣብርሃም ተወልደመድህንወኪል ኣቶ ገብረትንሳኤ ክፍሉ ጋብር

    ኣነ ፍስሃየ ተስፋዝጊ ተስፋማርያም ኣብ ጻዕዳ ክርስትያን ብዚፕ-1984 ብሎት 198 ፓርሳል -ፐ ብመለለይ ቁ.ንብረት - 1፡007584 ንዝተመዝገበ ገዛይ ንወ/ሮ ደሃብ ክፍለ ሃብተሚካኤል ስለዝሸጥኩላ፡ ናብ ስም ዓዳጊት ዋንነት ከመሓላልፍ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልታት ናብ ቤ/ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ተቃዉምኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ናብ ስም ዓዳጊት ከመሓላልፎ ምዃነይ ይሕብር።

    ኣቶ ፍስሃየ ተስፋዝጊ ተስፋማርያም

    ኣነ ጽገረዳ ሃይለ በርሀ ዝተባሃልኩ፡ ኣደይ ወ/ሮ ለምለም ተስፋ ንጉሰ ኣብ ኣስመራ ዞባ 8 ምም/05 ጎደና 676 ቁጽሪ ገዛ 6/9 ስፍሓት 300 ት.ሜ ሎታ ቁጽሪ 29 ዝርከብ ብኮምሽን ኣባይቲ ቁጽሪ ምስክር ወረቐት 101495 መወከሲ ቁጽሪ 108035/108036 ዝተመዝገበ ፡ ብጽሒታ ብዉህብቶ ዝሃበት፡ ሽም ምትሕልላፍ ክፍጽም ስለዝደለኹ፣ ዝቓወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

    ጽገረዳ ሃይለ በርህ

    ኣነ ወ/ሮ ኣብርሀት ሃብተ ተወልደ ኣብ ኣስመራ ዞባ 3 ምም/04 ናይ ቀደም ጎደና ሽመልስ ሃብተ ናይ ሕጂ ጎደና ኣትላንታ ዝርከብ ገዛ ብቁጽሪ ምስክር ወረቐት 100941 መወከሲ ቁጽሪ 120973፡120972 ብስመይ ዝተመዝገበ ብዕለት 19/08/2011 ንማሕበር ደናግል ካፑችኖ ስለዝሸጥኩዎ፡ ናብ ስመን ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ቤ/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ይቕረብ።

    ኣብርሀት ሃብተ ተወልደ

    መም/እሃዝ ተስፋይ ድማስ ዝተባሃልኩ ኣብ ዞባ ማእከል ን/ዞባ ኣባሻዉል ቁ/ገዛ 70 ብንብረት ቁ/መዝገብ 2881/2012 ብስም ወረ/ነፍ ኣሻይ ተስፋይ ደማስ እዛዝ ዝተመዝገበ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ካብ ወረ/ነፍ ባሻይ ተስፋይ ደማስ እዛዝ ስለ ዝዓደግክዎ፡ ናብ ስመይ ዝመሓላልፎ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ቤት/ጽ ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ይቕረብ።

    መም/እሃዝ ተስፋይ ድማስወኪል ወ/ሮ ፍረወይኒ ስእለ ኪዳን

    ኣነ ወ/ሮ ኣለም መብራህቱ ኪዳነ ዝተባሃልኩ ብስመይ ዝተመዝገበ ቀዋሚ ንብረት ገዛ ኣብ ምም/ን/ዞ/ማ/ከተማ ጉደና ደንከል ቁ.1A173 ቁ፡ገዛ 28 ስፍሓቱ 438.75 ት.ሜ ዝኾነ ብኮምሽን ኣባይቲ ምስክር ወረቀት 112672 መወከሲ ቁጽሪ 116561 ዋንነት ዝተዋህቦ ቁ.ምዝገባ ንብረት 48611-32698 ዋንነቱ ዝተረጋገጸ ንወደይ ኣሮን ሳሙኤል ገብሪሂወት ዉህብቶ ተቐባሊ ስለ ዝገበርኩዎ ዋንነቱ ከማሓላልፍ ስለዝደለኹ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ናይ ፓብሊክ ኖታሪ ዞባ ማእከል ተቓዉሞ ይቕረብ። እንተ ዘይኮይኑ ናብ ተቐባሊ ህያብ ከመሓላልፍ ምዃነይ የረጋግጽ።

    ኣለምመብርሃቱ ኪዳነ

    ኣብ ምምሕዳር ንዞባ ኣኽሪያ፡ ዚፕ 1A168 ጎደና 168-4 ቁጽሪ ገዛ 121 ፕሎት 21T ፓርሰል W ቁጽሪ ፓርሰል /ዞን ASP0004286 ዝፍለጥ፡ ተራ ገዛ በዓል ሰለስተ ቀንዲ ክፍልታት ምስ ክልተ ሓገዝቲ ክፍልታት ኣብ ስፍሓት 94.9 ት/ሜተር ዝተደኮነ ገዛይ፡ ንወ/ሮ ደሃብ ሃብተኣብ ስባህቱ ስለዝሸጥኩላ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ኣብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ተቓውሞ ኣለኒ ዝብል እንተሎ፡ ክቐርብ ከምዘለዎ ኣፍልጥ።

    ተስፋማርያም ሃይለ ተስፋይ ቁ.መንነት ኢኣር 1053853/2259974

    ብወኪል ወ/ሮ ጽገ ንርአቁ.መንነት ኢኣር 1853462

    ሓራጅ ኣብ መንጎ ናይ ፍርዲ በዓል መሰል ወ/ሮ ስምረት ተወልደመድህን ናይ ፍርዲ በዓል ዕዳ ኣቶ ኣስፈሃ ኤፍሬም ዝነበረ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ክርኤ ብካልኣይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ጊንዳዕ ነዚ ናይ ሓራጅ ንብረት ዝኽዕነ 87 ቪያጆ እምኒ ብኪኢላ 130.500 ናቕፋን 50 ቪያጆ ሓመድ ብኪኢላ ዋና 25.000 ናቕፋ ብጠቕላላ ድምር 155.500 ናቕፋ ብሓራጅ ክሽየጥ ቤት ፍርዲ ሰለ ዝኣዘዘ ኣብቲ ዝግበር ጨረታ ክሳተፍ ዝደሊ ቅድሚ ዕለታ ሓራጅ ዘሎ ሓሙሽተ መዓልታት ጀሚርኩም ናይቲ ዝረቕሕኩም መጠን ገንዘብ ብዝተዓሸገ ስታሪት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ፍርዲ ቁጽሪ 62 ዝተዳለወ ዕጹው ሳንዱቕ ኣታዊ ይግበር ፡ብተወሳኺ ኣብ ዕለት ሓራጅ ናይቲ ዝተዋህበ ግምት ¼ ብስም ፈጻሚ ፍርዲ ሲ፡ፒ፡ኦ ኣስሪሑ ወይ ናይ ባንክ ተጠራቓሚ ሕሳብ ደብተር ሒዙ ብምቕራብ ክወዳደር ይኽእል ።

    ዝቃወም እንተሎ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መእገዲ እንተዘይኣቕሪቡ ሓራጅ ኣኣየቃርጽን ።= ብዕለት ሓራጅ 14/04/15= ሰዓት ሓራጅ 3፡00-4፡00 ድሕሪ ቀትሪ = ቦታ ሓራጅ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣስመራ ቁጽሪ 27

    ቤ/ጽ/ዋ/ፈ/ፍርዲ

    ዞባ ማእከል ኣስመራኣብ መንጎ ከሳሲ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ተኸሳሲ ኣቶ ሰመረ ኣብርሃም ብርሃነ ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሳሲ ኣቶ ሰመረ ኣብርሃም ብርሃነ ብኣድራሽኦም ስለዘይተረኽቡ ተጸዊዖም ን8/4/15 ኣብ ላ/ቤ/ፍ ንግዲ መጋባኣያ ቁ.40 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ቤ/ፍ ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

    ሰምሃር ገብረልኡል ሃይለ ምባል ተሪፉ፡ ሰምሃር ገብረልኡል ሃይለመለኮት ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ሳምራዊት ዘካርያስ ርስቱ፡ በዓል ቤተይ ቴድሮስ ዮሃንስ ገብረማርያም ካብ ወርሒ 1/2011 ናብ ቦታይ ኢሉ ምስከደ ደሃይ ስለዘይብለይ ናይ ጥፉእ ውሳነ ይወሃበኒ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣቶ ኣንሃር ጀማል ኢብራሂም፡ ስም ኣደይ ምሕረት ነጋሲ ምባል ተሪፉ፡ ምሕረት ንጉሰ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።ሱዛና ዑቕባሚካኤል ክፍለ ምባል ተሪፉ፡ ሱዛና ኣወልኬር ስራጅ ኢብራሂም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ከሳሲ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ 1.ወ/ሮ ልዑላ ኪዳነ 2.ኣቶ ዮናታን ሃብተ 3.ወ/ሮ ሰላም ሃብተ 4.ወ/ሮ ሊድያ ሃብተ 5.ወ/ሮ ሜሪ ሃብተ 6.ኣቶ ክብሮም ሃብተ 7.ኣቶ ኤርምያስ ሃብተ 8.ኣቶ ኢሰያስ ሃብተ 9.ኣቶ ሙሴ ሃብተ 10.ኣቶ ሓጎስ ሃብተ ናይ ምቅሊት ውርሲ ክሲ ስለዝመስረተ ተኸሰስቲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል መልሲ ሒዝኩም ን14/4/45 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቅረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ንስኹም ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

    ወ/ሮ ሩታ ዓይቡ ቀለታ፡ ሓወይ ኣልኣዛር ዓይቡ ቀለታ ካብ ወርሒ 6/2001 ካብ ኣሃዱኡ ምስ ጠፍአ ደሃይ ስለዘይብሉ ጥፉእ ተባሂሉ ክውሰነለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ይቕረብ።

    ኣቶ ኣማኒኤል ገብረሃንስ +1፡ ደቂ ሓፍተይ 1.ሄለን በርሀ 2.ሙሴ በርሀ 3.ሰላማዊት በርሀ 4.ዳኒኤል በርሀ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዶም ኣደኦም ምስ ሞተት ደሃዮም ስለዝጠፍኣና፡ ናይ ምጥፋእ ውሳነ ይወሃበና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 9ይ መጋባኣያ ቁ.49 ይቕረብ።

    ኣዜብ ኣረፋይነ ኣስረስ፡ ሓፍተይ ኣስቴር ኣረፋይነ ኣስረስ ኣብ 1993 ንጀርመን ኢላ ስም ከደት ደሃይ ስለዘይብላ ጥፍእቲ ተባሂላ ክውሰነለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን14/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ይቕረብ።ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ምሕረትኣብ ተኽለ ተኸሰስቲ 1.ወ/ሮ ኣብርሀት ተኽለ ወኪል ኤፍሬም ኣማረ ዘሎ ናይ ሲቪል

    ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሰስቲ 1.ኣብርሃም ሓጎስ ገብሪሂወት 2.ኣበባ ሓጎስ ገብሪሂወት 3.ኤደን ሓጎስ ገብሪሂወት 4.ኣድሓነት ሓጎስ ገብሪሂወት 5.መሰረት ሓጎስ ገብሪሂወት 6.ልኡል ሓጎስ ገብሪሂወት 7.ምሕረት ኪዳነ ብመጸዋዕታ ክቐርቡ ስለዘይከኣሉ ተጸዊዖም ን30/3/15 ኣብ ላ/ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.29 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ድማ ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

    ሶፍያ መሓመድዑመር ዓሊኑር፡ ስም ኣደይ ጥልት ዓሊ መይበቶት ምባል ተሪፉ፡ መድህን ገብረዝጊሄር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን9/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ዓንዶም ኢሳይያስ መንኣመኖ ምባል ተሪፉ፡ ዓንዶም ኢያሱ መንኣመኖ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/4/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.39 ይቕረብ።

    ከሳሲት ወ/ሮ ድሃብ ገብረመስቀል ገብረስላሴ፡ ተኸሰስቲ 1.ኣሮን ገብረመስቀል 2.መለይ ገብረመስቀል 3.ናሆም ገብረመስቀል 4.ዳዊት ገብረመስቀል 5.ሰናይት ገብረመስቀል፡ ካብ ወረስቲ ነፍ/ተኪኤ ገብረመስቀል ድማ ሰሚር ተኪኤ፡ ኣልማዝ ተኪኤ፡ ትዕበ ተኪኤ፡ ሳሚኤል ተኪኤ ዝተባህሉ ኣድራሽኦም ወጻኢ ሃገር ስለዝኾነ ስለዘይፍለጥ ተጸዊዖም ን30/3/15 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 9ይ መጋባኣያ ቁ.49 ይቕረቡ። እንተዘይቀሪቦም ብኣካል ወይ ብወከልቶም ቤ/ፍ ዝመስሎ ውሳነ ክህብ ከምዝኽእል የፍልጥ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎን

    ወ/ሮ ፍረወይኒ ኣብርሃ ተስፋዮናስ በዓል ቤተይ ሓድጉ ወልደሃይማኖት ዓንደሚካኤል ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ትርሓስ ሚኪኤል ተስፋይ ተኪኤ፡ ወላዲና ሚኪኤል ተስፋይ ተኪኤን ወላዲትና ታደለሽ ኣበራ ገብረወልድን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 8 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን6/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ከሳሲ ብርሃነ ግብጻዊ ኪዳነ ተኸሳሲ ቀሺ ኣማኒኤል ኢማም ዘሎ ናይ መኪና ሽም ከየመሓላለፈለይ ስለዝሰኣንክዎ ብኣድራሻኡ’ውን ክረኽቦ ስለዘይከኣልኩ ን15/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳይ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

    ከሳሲ ኪዳነ ስብሃቱ በይን፡ ተኸሳሲ መንግስቱ ስብሃቱ በይን ኣብ ጀርመን ዝርከብ ኮይኑ ብጽሒተይ ዝኾነ ገንዘብ 73,949.50 ይኽፈለኒ ዝብል ናይ ጽሑፍ ክሲ ስለዘቕረበ፡ ተኸሳሲ መንግስቱ ስብሃቱ በይን ን10/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪብካ ኣብ ዘየለኻሉ ውሳነ ክዋሃብ ምዃኑ ነፍልጥ።

    ኣቶ ገብረኣምላኽ ዓንዱ ደበሳይ በዓልቲ ቤተይ ኣልጋነሽ ወልደገብርኤል ዓንደብርሃን ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኣብ መንጎ ከሳሲ ኣቶ ፊሊሞን ተኸስተ ኣብርሃ ተኸሳሲ ኣቶ ዘካርያስ ገብረዮውሃንስ ሃብተስላሴ ዘሎ ናይ መኪና ER-1-27455 ቁ.ቻሲ NDB12412510710038 ዝኾነት፡ ናይ ገዛ መኪና ተኸሳሲ ስለዝሸጠለይ ብኣድራሽኡ ክረኽቦ ስለዘይከኣልኩ ን14/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ጉዳዩ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 7

    ብሞት ዘፍቅሮ ክቡር በዓል ቤተይ ኣቶ ሓጎስ ተድላ ኣብ መበል 88 ዕድሚኦም ብሕማም ምኽንያት ስለዝዓረፉ፡ ዝተሰምዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ካብ ግዜ ሕማሙ ኣትሒዝኩም ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዝበጻሕኩምናን ኣብ እንዳማርያም ኣስመራ ብምምጻእ ዘቃበርኩምናን ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ሃገር ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ኣሕዋትን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኣኽበረት ጋይምምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብመስዋእቲ ፍቱው ወድና ኣባል 28 ዙርያ ሻም ኣብረሃ ኪዳነ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ብኣካል

    ኣብ ገዛና ብምምልላስ ኮነ ተሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ወለዱ ኣቶ ኣብርሃ ኪዳነ ወ/ሮ ፍረወይኒ ሃይለ

    ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት እንፈትዋን እነፍቅራን ኣደና ወ/ሮ ኣበባ ተ/ማርያም ሰለሙን ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብረን ክሳብ መካነ መቓብር ጸጸራት ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ዕንባባ ዘንበርኩምልናን ኣብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ደቃ ምስ ምሉኣት ስድራቤት

    ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እንፈትዎም ክቡር ኣቦና ኣቶ ነጋሽ ተስፋጋብርህን ኣደና ለተሱስ ኣባይን ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ተኻፈልቲ ሓዘንና ብምዃን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ከምኡ’ውን ብኣካል ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናዕኩምና ክሳብ ተውሮ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ኩሉኹም ፈተውቲ ኣሕዋትን ኣሓትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና

    ምስጋናና እናቕረብና ሓዘንና ንዓጹ።

    ምሉኣት ደቆም

    ብሞት ብልቢ እነፍቅራ ኣደና ወ/ሮ ገርጊስ ክፍለ ወልደሚካኤል በዓልቲ ቤቶም ንነፍስሄር ንኣቶ ገብሩ ካሕሳይ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኩሉኹም ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልዑል ምስጋናና ነቕርብ።

    ደቃን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሞት ክቡር በዓል ቤተይ ሰለሙን እምባየ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝተመላለስኩም፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝተሳተፍኩም፡ ኣብ ገዛ ብምምልላስን ተሌፎን ብምድዋልን ዘጸናናዕኩምና የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ከምዝዓጸና ንገልጽ።

    በዓልቲ ቤቱ ማና ረዳእዝጊምስ ደቀይን ምስ ምሉእ ስድራቤትን

    ብሞት ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ኣበባ ገብረማርያም በርሀ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ዓዲ ባሪ ብምኻድ ዘቃበርኩምናን ኣብ ገዛና ብምምልላስ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    በዓል ቤታ ፖሊስ ሰመረኣብ በየነምስ ደቃን ምሉኣት ስድራቤትን

    ብሞት ኣዚና እነፍቅሮ በዓል ቤተይ ኣቶ መርሃጼን ተወልደብርሃን ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ገዛና ዝበጻሕኩምናን ዝተመላለስኩምናን ኣብ ግዜ ዕረፍቱ ክሳብ ሽከቲ ዘቃበርኩምናን ካብ ውሽጥን ወጻእን ሃገርን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    በዓልቲ ቤቱ ኣብርሀት ኣርኣያምስ ደቁን ምሉእ ስድራቤት

    ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እንፈትዋን እነፍቅራን ክብርቲ ኣደና ወ/ሮ ዊንኡ ተወልዳይ ዓንሲል በዓልቲ ቤቶም ንነፍስሄር ኣቶ መስፍን ተስፋሚካኤል (ሽከቲ) ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ካብ ርሑቅን ቀረባን መጺእኩም ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ኣብ ሽከቲ ዝተሳተፍኩም ከምኡ’ውን ኣብ ገዛና ብምምልላስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተሰብን ፈተውትን የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ንዓጹ።

    ምሉኣት ደቃን ስድራቤትን

    ብሞት ኣደና ልኡል ተዓገስ ገብረመድህን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ክሳብ ዓዲ ሃብተስሉስ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናዕኩምና ምስጋናና ብምግላጽ ሓዘንና ንዓጹ።

    ደቀን ይሳቅ ጸጋይ (ገዛኢ)ምልእተ ጸጋይግርማይ ጸጋይ

    ብሞት ኣዚና እነፍቅራ ክብርቲ ኣደና ወ/ሮ ሂወት ዮውሃንስ ከንቲባ ገብረመድህን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ግዜ ሕማማ ዝበጻሕኩምን ዝተመላለስኩምን ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ ቢደል ዘቃበርኩምና፡ ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናዕኩምና፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ተኻፈልቲ ሓዘንና ዝኾንኩም ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ።

    ምሉኣት ስድራቤት

    ብሃንደበታዊ ሞት ኣዚና እነፍቅሮ ወድናን ሓውናን መንእሰይ ፍቕረ ሰጊድ ዑቕባስላሴ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ካብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቭ ሬሳ ኣብ ምፍናው ብገንዘብን ሞራልን ዝተሓጋገዝኩምና ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ስዊዘርላንድ ነበርቲ ከተማ ቢል፡ ኣብያተ ክርስትያን ስዊዘርላንድ፡ ብፍላይ ተወለድቲ ደቂ እድርባ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትቕመጡ፡ ማሕበር ደናግል ሕያዋይ ጓሳ፡ ክሳብ ኣስመራ ሬሳ ኣብ ምቕባልን እድርባ ብምኻድ ዘቃበርኩምና፡ ገዛና ብምምልላስ ቴሌፎን ብምድዋል ዘጸናናዕኩምና፡ ኩሉኹም የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ዓጺና።

    ምሉኣት ስድራቤት

    ብሞት ኣዚና እነፍቅሮ ሓዉና ኣቶ ተኽሉ ባሻይ ሃይለ ኢሳቅ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ሬሳ ብምልኣኽ ዝተሓባበርኩምና ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ኣብኡ ትነብሩ ፈተዉትን ከምኡ’ዉን ክሳብ ወኪ ዱባ ብምኻድ ዘቃበርኩምና ፡ ገዛና ብምምላስን ካብ ዉሽጥን ወጻእን ብቴለፎን ዘጸናናዕኩምና ቤተሰብን ፈተዉትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘናን ንዓጹ።

    ምሉኣት ቤተሰብ

    ብምኽንያት ዕረፍቲ ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኣብርሀ ወልደጽዮን ክሳብ ገዳም ኣቡነ ብጹእ ኣምላክ እምኒ ጸሊም ኬድኩም ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብራ ዝተሳተፍኩም፡ ብጹኣን ጳጳሳት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ቤ/ጽ መንበረ ፓትርያርክ ናይ ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤል ቤት መኻእ ካህናት፡ መዘምራንን መራሕትን ከምኡ’ውን ካብ ርሑቕን ቀረባን መጺእኩም ኣብ ሓመድ ድበ ዝተሳተፍኩም ሰበ-ስልጣንን ቤተሰብን ፈተውትን ብቴሌፎንን ብኣካልን ኣብ ገዛና መጺእኩም ዘጸናናዕኹምናን ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ዝኾንኩምን ኩሉኹም የቐንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ።

    መምህር ጉርጃ ተስፋስላሴን ደቁን

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 8

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጸዓዘጋ

    ወ/ሮ ጸጋ ኤፍሬም ተኽለኣብ፡ ወላዲና ኤፍሬም ተኽለኣብ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዞባ ዓንሰባ ዓዲ ተከሌዛን

    ሕርይቲ ጋርዛ ሰጊድ ምባል ተሪፉ፡ ሕርይቲ ጋይም ሰጊድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/4/15 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ኣኽበረት ኣብርሃ ገብረማርያም ግደ ምባል ተሪፉ፡ ኣኽበረት ይፍጠር ገብረማርያም ሃይሉ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/4/15 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

    ግደይ መሓመድ ኣድም ምባል ተሪፉ፡ ግደይ ዓንዶም መንግስቱ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ዓብደልቃድር ዓብደልርሕማን ዑመር ምባል ተሪፉ፡ ዓብደልቃድር ዓብዱ ዓብደርሕማን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ዒሻ መሓመድ ዓፋ፡ ወደይ ጅምዕ ሕመድ ኢብራሂም ካብ ከረን ካብ ገዛ ካብ ዝወጽእ ንልዕሊ 7 ዓመታት ደሃይ ስለዘጥፍአ ናይ ምጥፍኡ መረጋገጺ ውሳነ ክወሃበኒ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ጀማል መሓመድ ኢብራሂም ምባል ተሪፉ፡ ጀማል ሑመድ ኢብራሂም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/3/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ገርጊስ ብርሃነ ተክለሃይማኖት ምባል ተሪፉ፡ ሬገን ብርሃነ ተክለሃይማኖት

    ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ከረን 01, 02, 03

    ወ/ሮ ምልእተ ዘርኣይ ገብረ በዓል ቤተይ ቀሺ ሰለሙን ሃብተጼን ጊልማርያም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ጸጋ ሓድሽ ገብረ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ጀሴፍ ተንቦ ሃደልቨሊ ካብ እዚ ሃገር ንሱዳን ምስ ከደ ክምለስ ስለዘይከኣለ እንተሎ ብኣካል ተጸዊዑ ክቀርብ። ምስ ዘይቀርብ ድማ ሕጋውነት ይተግበረለይ ስለዝበላ፣ ኣቶ ጀሴፍ ተንቦ ሃደልቨሊ ን20/4/15 ብኣካል ወይ ብወኪሉ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ዛይድ ኣስፍሃ ዘርኣይ፡ ኣደና ትካቦ ኣረጋይ ዘገየ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ኣብ ቀዋሚ ኮነ ተንቀሳቓሲ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን16/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ወ/ሮ ሳራ ራካ ኣወሸክ በዓል ቤተይ በርህ ፍስሃ ፈደጋ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ገርጊሽ ኣስፈሃ ግሊኡ ካብ ኣቶ ዮሴፍ ወልዳይ በኺት መኪና ገዚኡ ስለዝነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ስም ከመሓላልፈለይ ስለዘይከኣለ እንተሎ ብኣካል ቀሪቡ ናብ ስመይ ክመሓላልፈለይ እንተዘይኣሎ ድማ ይጸውዓለይ ስለዝበለት፡ ን17/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ።

    ለተብርሃን መርሃጸን በዓል ቤተይ ኣቶ መብራህቱ ተኽለገርግሽ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/4/15 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

    ምልክታታት

    ኣነ ቴድሮስ ኣስፍሃ ገብረሚካኤል ብመንገዲ ሕጋዊ ወኪለይ ወ/ሮ ደሃብ ሃይለ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጎደና ምትዋል ኣዳል ነበር ናይ ሕጂ ጎደና 171/3/5/ ዝርከብ ብሽም ወላዲተይ ነፍሲሄር ወ/ሮ ኣረጋሽ ገብረሂወት ዓንደማሪያም ዝተመዝገበ ናይ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ኣባይቲ ወረቐት ዋንነት ቁ.108636 መወከሲ ቁ.124141 ናይ ዘለዎ መንበሪ ቤት ሰነድ ስለዝጠፍኣኒ፡ ብዕዳ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ሒዘዮ ኣለኹ ዝብል ወገን ናብ ቤ/ጽ/ኮሚሽን ኣባይቲ ተቓውምኡ እንተዘይኣቕሪቡ ቅዳሕ ወይ መተካእታ ናይ ዝጠፍአ ምስክር ወረቐት ክወሃበኒ ክሓትት ምኻነይ የፍልጥ።

    ቴድሮስ ኣስፍሃ ገብረሚካኤል

    ኣነ ተስፋይ ኣርኣያን ወ/ሮ ለተኺዳን ገብረመስቀልን ዝተብሃልና ኣብ ምም/ን/ዞባ ዕዳጋ ሓሙስ (ዓዲ ስሄል) ስፍሓት መሬት 180 ት/ሜ ፕሎት 101 ፓርሰል ጂ ዝርከብ ብስምና ዝተመዝገበ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ክንሸይጥ ስለዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኣብ ፓፕሊክ ኖታሪ ክቐርቡ ይሕብር።

  • ሓዳስ ኤርትራ 27 መጋቢት 2015 - ገጽ 9

    ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሰባት ብብዝሒ ከዕዘምዝምሉ ዝስማዕ ጉዳይ እንተሃልዩ እዚ ካብ ደገ ዝመጽእ መግብታት ብሕልፊ ከኣ ዘይቲ ኣእጋርና ሓሊኹ ሒዙና፡ ምንቅስቓስ ስኢንና፡ ወዘተ ዝብሉ እዮም። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን ጠንቅታት ናይ’ቲ ጸገም ካብ ዘይምርዳእ ዝዝረብ ዘረባ ምዃኑ ከነስተውዕለሉ ይግባኣና። ብዙሕ ሰብ ብሕማም መላግቦ ሰብነት (Joints) ከምዝሳቐ ዝፍለጥ’ኳ እንተዀነ ጠንቁ ግን ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ነዚ ጸገም’ዚ መበገሲ ክዀኑ ዝኽእሉ ብመጽናዕቲ ዝተደገፉ ሓበሬታታት ግን ኣሎዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ከኣ እዚ ስዒቡ ዝጥቀስ ጸገም’ዩ።

    ብልምዲ “ኣቺዶ ኡሪቺ” (Uric Acid) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕማም ሪሕ ንብዙሕ ሰብ ዘሳቒ ዘሎ ሕማም መላግቦታት እግሪ እዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ግን እንታይ ኢዩ? ሕማም ሪሕ ጠንቁ ካብ’ቲ እንምገቦ መግቢ ምዃኑ ብሕልፊ ከኣ ስጋ፡ ዓሳ፡ ከምኡ’ውን ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ምዝውታር እቲ ቀንዲ መበገሲ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ምዃኑ ኪኢላታት ስነጥዕና ይሰማምዕሉ። መዓልታዊ እንምገቦ መግቢ ትሕዝቶኡን ዓይነቱን ዝፈላለ እኳ እንተዀነ ዝተፈላለየ መጠን ‘ካርቦሃይድረይት’፡ ‘ፕሮቲን’፡ በብዓይነቶም ቪታሚናትን፡ ሚነራላትን ዝሓዘ እዩ። መዓልታዊ ካብ እንምገቦ መግቢ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ‘ካርቦሃይድረይት’ ስለዝዀነ ሰውነትና እቲ ዘድልዮ መጠን ምስተጠቕመ እቲ ዝተረፈ ክፋሉ ናብ ‘ግላይኮጅን’ (Glycogen) ዝብሃል ዓይነት መኣዛ ተለዊጡ ኣብ ጸላም ከብዲ (Liver) ከምዝኽዘን ይግበር። ኣብ ዝተደለየሉ ግዜ ከኣ ተመስሪሑ ኣብ ሰብነትና ኣብ ጠቕሚ ይውዕል።

    ካብቲ እንምገቦ መግቢ ዝተወሰነ ክፋሉ ‘ፕሮቲን’ ዝተባህለ ንምዕባለ ሰብነትናን ምህናጽ ኣካላትናን ዘገልግል መኣዛ መግቢ ይርከቦ። ብብዝሒ ‘ዩሪክ ኣሲድ’ ዘመንጩ ዓይነት ፕሮቲን ከኣ ፑራይን (Purine) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሰብነትና ዘድልዮ ዓቐን ፕሮቲን ምስ ተጠቕመ እቲ ዝተርፍ/ዝያዳ ፕሮቲን ኣብ ሰብነትና ክኽዘን ስለዘይክእል ጸላም ከብድና ከም እንደገና መስሪሓ ናብ ካርቦሃይድረይትን ዩሪክ ኣሲድን ትቕይሮ። እቲ ካርቦሃይድረይት ክፋሉ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናብ ‘ግላይኮጅን’ ተቐይሩ ኣብ ጸላም ከብዲ ክኽዘን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ዩሪክ ኣሲድ ግን ካብ ሰብነትና ክእለ ዝግብኦ ርስሓት ስለዝዀነ፡ ብዑድት ደም ገይሩ ናብ ኩላሊትና ይበጽሕ’ሞ ብመልክዕ ሽንቲ ካብ ሰብነትና ይእለ።

    ኣብ’ዚ መስርሕ’ዚ ግን እቲ እንወስዶ ዓይነትን ዓቐንን ፕሮቲን ምስዝበዝሕ ወይ ከኣ ኩላሊትና ነቲ ዩሪክ ኣሲድ ብግቡእ ክኣልይኦ ምስዘይክእላ ዓቐን ናይ’ዚ ኣሲድ’ዚ ኣብ ደምና ይበዝሕሞ ኣብ መላግቦታት ሰብነትና ብምእካብ ሕበጥን ቃንዛን ዘቃጽል ስምዒታትን (inflammatory sensation) ይፈጥረልና። እዚ ጸገም’ዚ ብልምዲ ‘ኣቺዶ ኡሪቺ’ (Uric Acid) ወይ ከኣ ሕማም ሪሕ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ብሕክምናዊ ኣጸዋውዓ ከኣ ‘ጋውት’ (Gout) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስለዚ ‘ጋውት’

    ሓደ ዓይነት ‘ኣርትራይትስ’ (Arthritis) ወይ ከኣ ምቅጻል መላግቦታት ስውነት ኰይኑ መበገሲኡ ካብ ፕሮቲን (ብሕልፊ ከኣ ፑራይን ካብ ዝበሃል ዓይነት ፕሮቲን) ዝመንጨወ ልዑል መጠን ዩሪክ ኣሲድ ኣብ ደምና ምስዝህሉ ዝኽሰት ጸገም’ዩ። ልዑል መጠን ዩሪክ ኣሲድ ኣብ ደምና ንነዊሕ ግዜ ምስዝጸንሕ ከኣ ኣብ መላግቦታት ሰውነትና መራፍእ መሰል ሓቒቕ (needle-like crystals) ይፍጠሩ’ሞ ሕበጥን ቃንዛን መላግቦታት ሰብነትና ኣኸቲሉ ምንቅስቓስ ይኸልኣና።

    ክንደይ ዝኸውን ፕሮቲን’ዩ ኣብ ሰብነትና ዘድልየና?

    ፕሮቲን ዝርከብ ካብቲ እንምገቦ መግቢ ጥራይ ዘይኰነ ዋህዮታት ሰብነትና’ውን ብመጠኑ ፕሮቲን የፍርዩ እዮም። ፕሮቲን ሓደ ካብቲ መዓልታዊ እንምገቦ ጠቓሚ መኣዛ ዘለዎ መግቢ ኮይኑ ንምዕባለ ኣካላትና ንምትካእ ወይ ንምትዕርራይ ዋህዮታት ሰብነትና ከምኡውን ንመመንጨዊ ኣካላዊ ጸዓት ይጠቕመና። ብተወሳኺ ከኣ መጠን ሽኮር ኣብ ደምና ንምቁጽጻር ይሕግዘና።

    ብሓፈሻኡ ንሓደ ኪሎ ግራም ክብደት ሰብነትና መዓልታዊ ኣስታት ሓደ ግራም ፕሮቲን የድልየና። ንኣብነት 70 ኪሎግራም ዝምዘን ሰብ ኣብ መዓልቲ 70 ግራም ፕሮቲን የድልዮ። ኣብ ዝተፈላለየ መግብታት ዝርከብ ትሕዝቶ ፕሮቲን ከም ኣብነት እንተሪኢና፡-

    - 100 ግራም ስጋ ደርሆ 22 ግራም ፕሮቲን ኣሎዎ- 100 ግራም ፍሌቶ ዓሳ

    21 ግራም ፕሮቲን ኣሎዎ- ሓንቲ መጠነኛ እንቋቑሖ

    6 ግራም ፕሮቲን ኣሎዋ - 30 ግራም ጅብና (ፎርማጆ)

    8 ግራም ፕሮቲን ኣሎዎ

    ሕማም ሪሕ ብኸመይ ክንከላኸሎ ንኽእል?

    እንምገቦ ዓይነት መግቢ ጠንቂ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ከምዝዀነ ኣቐድም ኣቢልና ርኢናዮ ኣሎና። መፍትሒ ናይ’ዚ ጸገም’ዚ ከኣ እንምገቦ ዓይነት መግቢ ከምዝዀነ ክንርድኦ ይግባኣና። እዚ ማለት ከኣ ነዚ ሕማም እዚ ጠንቂ ዝዀኑ ወይ ዘጋድዱ ዓይነት መግብታት ወይ ኩነታት ምውጋድ ኣገዳሲ ይኸውን ማለት’ዩ። ጠንቂ ሕማም ሪሕ እንምገቦ መግቢ

    ካብ ኮነ እምበኣር በዚ ሕማም’ዚ ዝሳቐዩ ሰባት እንታይ ዓይነት መግቢ ክወስዱ ይግብኦም? ኣየናይ ዓይነት መግቢኸ ከወግዱ ኣለዎም? ምዝርዛር ኣገዳሲ ይኸዉን።

    ሀ/ ከነወግዶም ዝግብኣና ብብዝሒ ፑራይን ዘሎዎም መግብታት

    => ዛንጡይ መዓንጡይ (ዱለት)፡ ጸላም ከብዲ፡ ኩሊት፡ ልቢ (ቅንጥብጣብ) ከምኡውን ምቁር ሕብስቲ=> ስጋ ኣዕዋፍ፡ ማንቲለ፡ ዓጋዜን=> ዘይቲ ዝበዝሖም ዓሳታት ከምእኒ

    ሳርዲን፡ ማካረል፡ ሄሪንግ፡ ኣንቾቪስ ወዘተ...=> መግቢታት ባሕሪ ከምእኒ ዕንቅርቢት

    ባሕሪ (Crab)፡ ጋምበሪ (Shrimps)፡ ካቭያር (Caviar) ወዘተ…=> ቢራ - ቢራ ኣብ ግዜ ምጥጃእ/

    ምብኳዕ (fermentation) ልዑል ዓቐን ፑራይን ስለዘመንጩ ቢራ ምስታይ መጠን ዩሪክ ኣሲድ ኣብ ደምና የልዕሎ።

    ለ/ ብመጠኑ ክብልዑ ዝኽእሉ ማእከላይ ትሕዝቶ ፑራይን ዘለዎም መግብታት

    => ስጋ - ከብቲ፡ ጤለ በጊዕ፡ ደርሆ ክምኡ’ውን ስጋ ሓሰማ=> ጥረምረ - ባልደንጓ፡ ፋጆሊ፡

    ዓይኒዓተር፡ ወዘተ…=> ቃንጥሻ=> ዓይነት ኣሕምልቲ - ካውሎፍዮሪ�