fany jokes! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · fany jokes! 1. who?...

8
መበል 23 ዓመት ቁ. 148 26 ጥሪ ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 2 ባይናሪን ደሲማልን ቍጽሪታት? ገጽ 4 በዓል ወጻኢ ገጽ 6 “ሓያል ውሽጣዊ ውድድር ሊግ፡ ሓያል ሃገራዊት ጋንታ ይምስርት” ገጽ 5 ጥዕናዊ ረብሓ ዘይቱን 2014 ሰንበት ገጽ 7 መም. ደምሳስ - ፈላሚ ተሸላሚ “ብሉጽ ዳኛ ሃገራዊ ሊግ” ዜና ሰንበት - የማነ ሃይለ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣይተወድአን ብምባል ንኣስታት 30 ዓመታት ዕጥቁ ከየውረደ ኣብ ጫካታት ዝሰፈረ ጃፓናዊ ወተሃደር፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ከተማ ቶክዮ ከምዝዓረፈ ስካይ ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ። ከም ናይ ሓበሬታ መኮንን ዝተዓለመን ናይ ደባይ ስልቲ ሓለቓ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ተሌንተ ሂሮ ኦኖዳ፡ ኣብ 1944 ብወተሃደራዊ ተልእኾ ናብ ደሴት ሉባንግ ምስ ከደ፡ ሓለቓኡ “ተደራቢ ሓይሊ ክሳብ ዝመጸካ ፍጹም ከይትንብርከኽ፡ ኣብ መትከልካ ጽናዕ” ዝብል መምርሒ ሂብዎ። ጃፓን ኣብ 1945 ኣብቲ ኲናት ተሳዒራ ድሕሪ ምውጽኣ ከኣ፡ ንሱን ሰለስተ ካልኦት ብጾቱን ንነዊሕ ግዜ ንትእዛዝ ሓለቓኦም ነበር ኣኽቢሮም ብጽንዓት ቀጺሎም። ኣብ 1972 ንሱን ካልኣይ ብጻዩን ምስ ወተሃደራት ፊሊፒንስ ውግእ ገጢሞም። ኦኖዳ ብህይወት ክወጽእ እንከሎ፡ እቲ ብጻዩ ግን ኣብቲ ውግእ ሞይቱ። እቲ ፍጻመ ንጃፓን ኣሰንቢዱዋ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ን30 ዓመታት ዕጥቁ ዘየውረደ ወተሃደር ሞይቱ ብነፋሪት ዝብተን ወረቓቕቲ ናብቲ ዘለዎ ጫካ ከምዝበጽሕ ብምግባር ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ፈተነታት ምስ ፈሸለ ከኣ፡ ውግእን ቅርሕንትን ከምእተወድአ ገለ እንተእመንዎ ብዝብል ተስፋ መንግስቲ ንስድራ ቤቱ ናብ ደሴት ሉባንግ ለኣኾም። በዚ እውን ክኣምን ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ሓለቕኡ ነበር ናብቲ ጫካ ተላኢኹ፡ ኩሉ ነገር ቀደም ከምዘብቅዐ ከእምኖ ተላኢኹ። በዚ ከኣ ናይ በረኻ ህይወቱ ኣብቂዑ ኣብ 1974 ሒዝዎ ናብ ከተማ ቶክዮ ኣተወ። ሽዑ፡ “እተን ዝሓለፋ 30 ዓመታት ኣብ ምንታይ ኣሕሊፈየን ትብል?” ተባሂሉ ብጋዜጠኛታት ምስተሓተተ፡ “ትእዛዛተይ ክፍጽም ኣሕሊፈየን” ክብል መሊሱ። እታ ቀደም ዝፈልጣ ጃፓንን ሽዑ ዝጸንሓቶን በበይነን እየን ነይረን። ነቲ ሓድሽ ክውንነት ክርዕሞ ኣይከኣለን። ከም ውጽኢቱ፡ ዝተረፈ ህይወቱ ከብቲ እናርብሐ ኣብ ብራዚል ከሕልፎ ናብታ ሃገር ተሰዲዱ። ጸጸኒሑ ግን ናብ ሃገሩ ይመላለስ ነይሩ። “እቲ 30 ዓመታት ከም ክሳራ ኣይቆጽሮን እየ። ብዘይ’ቲ ተመኩሮ’ቲ ህይወተይ ክሳብ ሕጂ ክትቅጽል ኣይምኸኣለትን” ዝብል እምነት ድማ’ዩ ቀጻሊ ዝደጋግም ነይሩ። ንየ ዮንግቢንግ ዝተባህለ ወዲ 61 ዓመት ቻይናዊ ብኣ ፍንጫኡ ካላማደርያ ናይ መካይን ምሉእ ብምሉእ ብምንፋሕ ሰባት ከምዘገረመ ሜትሮ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እንግሊዝ ሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሚስተር ዮንግቢንግ፡ ነቲ ካላማደርያ ክልተ ሰባት ረጊጾምዎ እንከለዉ እዩ ብኣፍንጫኡ ጥራይ ከምዝንፋሕ ዝገብሮ። እቲ ካላማደርያ ብድሕሪኡ ኣብ መንኮርኮሩ ኣትዩ ብዘይ ገለ ጸገም መካይን ከምዝኸዳሉ ከኣ እቲ ምንጪ የነጽር። ዮንግቢንግ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ቆርበቱ ቀይሕ ዕንፍሩር ብብዝሒ ስለዝወጾ፡ ናብ ሓኪም ከይዱ። እቲ ሓኪም ጠንቂ ናይቲ ሕማም ድሕሪ ምግላጽ፡ ብኣፍንጫኡ ካላማደርያ ዝነፍሕ ቻይናዊ ጎማታት ብቐጻሊ ክነፍሕ ምዒድዎ። ንዝተወሰነ ኣዋርሕ መዓልታዊ ከምኡ ምስገበረ ከኣ እቲ ሕማም ገዲፍዎ። እቲ ንጥፈት ግን ኣመል ስለዝኾነ ኣየቋረጾን፡ ቀጺልዎ። ንሱ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓንቲ ካላማደርያ ክነፍሕ 20 ደቓይቕ እያ ትወስደሉ። ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎ ንሰባት ንምእማን ግን ክሳብ ትትኮስ እዩ ዝነፍሓ። “ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ ኣዝዩ ጥዑይ ሳናቡእ ከምዘለኒ ሓካይም ነጊሮምኒ እዮም” ከኣ’ዩ ዝብል። እቲ ቻይናዊ ኣቦ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነዚ ፍሉይ ክእለቱ ተጠቒሙ ነታ ኣብ ዞባ ሲሹዋን እትርከብ ቤት ሕብስቱ ንዓማዊል ኣብ ምልላይ ይርከብ። ዝተመረዘ ደብዳበታት ናብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ዝለኣኸ ኣመሪካዊ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ 25 ዓመታት ከምእተፈርደ፡ ሮይተርስ ንሚኒስትሪ ፍትሒ ብምጥቃስ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓቢሩ። ኣብ ሚሲሲፒ ዝምቕማጡ ወዲ 41 ዓመት ጄምስ ኤቨረት ዳሽክ ናብ ፕረዚደንት ዝተሰመመ ደብዳበ ናብ ኦባማ ዝለኣኸ ኣመሪካዊ 25 ዓመታት ተፈሪዱ ኦባማ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ባይቶን ሓደ ዳኛን፡ ሪሲን ዝተባህለ ስሚ ለኽዩ ድሕሪ ምልኣኹ፡ ኣብ ሚያዝያ 2013 ብፖሊስ ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ። ንሱ፡ ፈለማ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ክሒዱ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ነዊሕ ሕጋዊ ምርብራብ ግን ነቲ ገበን ከምዝወዓሎድሕሪምርግጋጹ እዩ ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንሉ። እቲ ስሙም ደብዳበታት፡ ብዘይካ’ቲ ዳኛ፡ እቲ ፕረዚደንትን እቲ ኣባል ባይቶንኣብኢዶምከይበጽሐ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ቡስጣ ኣመሪካ ስለዘትረፎ፡ እቲ ሓደጋ ከሎ ገና እዩ ተኾሊፉ። እቲ ፍሩድ፡ ናይ ይግባይ መሰል ይሃልዎ ኣይሃልዎ እቲ ምንጪ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን። ኣብ ብራዚል ሓደ ምስ ዓባዩ ብእግሪ ዝጓዓዝ ነበረ ቈልዓ፡ ሃንደበት ካብ ብራዚል፡ መኪና ብልዕሊኡ ሓሊፋ ብተኣምር ዝደሓነ ህጻን ምቁጽጻር ወጻኢ ዝኾነት መኪና ትኽ ኢላ ኣትያቶም። እቲ ቈልዓ ወዲቑ። እታ ናህሪ ዝነበራ መኪና ከኣ ረጊጻቶ (ብልዕሊኡ) ሓሊፋ፡ ደው በለት። ቈልዓ ሃንደበት ካብ ውሽጢ ወጺኡ ወዲቓ ንዝነበረት ዓባዩ ንምርዳእ ክጎዪ ተራእዩ። ነቲ ፍጻመ ስንባደ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንገዲ፡ ኣይ ሕልሚ ኣይ ጋህዲ ኮይንዎ፡ ቀዚዞም ተረፉ። እቲ ፍጻመ ኣብ በሪኽ ብዝተሰቕለት ናይ ጎደና ካሜራ ተቐዲሑ ኣብ ኢንተርነት ስለዝተዘርግሐ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ሚልዮናት ህዝቢ ክዕዘቦ ዕድል ረኺቡ ኣሎ። እቲ ህጻንን ዓባዩን፡ ፈኲስ ምትሕንጣጣት ገዲፍካ ዝወረዶም ጉድኣት ኣይነበረን። በዚ ከኣ፡ ሆስፒታል ምስ በጽሑ፡ ሕክምና ተገይሩሎም ብኡ ንብኡ ተፋንዮም።

Upload: others

Post on 16-Aug-2020

13 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

መበል 23 ዓመት ቁ. 148 26 ጥሪ ገጻት 8 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 2

ባይናሪን ደሲማልን ቍጽሪታት?

²Ãö 3

ገጽ 4

በዓል ወጻኢ

ገጽ 6“ሓያል ውሽጣዊ ውድድር

ሊግ፡ ሓያልሃገራዊት ጋንታ ይምስርት”

ገጽ 5ጥዕናዊ ረብሓ ዘይቱን

2014

ሰንበት

ገጽ 7 መም. ደምሳስ - ፈላሚ ተሸላሚ “ብሉጽ

ዳኛ ሃገራዊ ሊግ”

ዜና ሰንበት - የማነ ሃይለ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣይተወድአን ብምባል ንኣስታት 30 ዓመታት ዕጥቁ ከየውረደ ኣብ ጫካታት ዝሰፈረ ጃፓናዊ ወተሃደር፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ከተማ ቶክዮ ከምዝዓረፈ ስካይ ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ።ከም ናይ ሓበሬታ መኮንን ዝተዓለመን

ናይ ደባይ ስልቲ ሓለቓ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን ተሌንተ ሂሮ ኦኖዳ፡ ኣብ 1944 ብወተሃደራዊ ተልእኾ ናብ ደሴት ሉባንግ ምስ ከደ፡ ሓለቓኡ “ተደራቢ ሓይሊ ክሳብ ዝመጸካ ፍጹም ከይትንብርከኽ፡ ኣብ መትከልካ ጽናዕ” ዝብል መምርሒ ሂብዎ። ጃፓን ኣብ 1945 ኣብቲ ኲናት ተሳዒራ

ድሕሪ ምውጽኣ ከኣ፡ ንሱን ሰለስተ ካልኦት ብጾቱን ንነዊሕ ግዜ ንትእዛዝ ሓለቓኦም ነበር ኣኽቢሮም ብጽንዓት ቀጺሎም።ኣብ 1972 ንሱን ካልኣይ ብጻዩን ምስ

ወተሃደራት ፊሊፒንስ ውግእ ገጢሞም። ኦኖዳ ብህይወት ክወጽእ እንከሎ፡ እቲ ብጻዩ ግን ኣብቲ ውግእ ሞይቱ። እቲ ፍጻመ ንጃፓን ኣሰንቢዱዋ።

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ን30 ዓመታት ዕጥቁ ዘየውረደ ወተሃደር ሞይቱ

ብነፋሪት ዝብተን ወረቓቕቲ ናብቲ ዘለዎ ጫካ ከምዝበጽሕ ብምግባር ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ፈተነታት ምስ ፈሸለ ከኣ፡ ውግእን ቅርሕንትን ከምእተወድአ ገለ

እንተእመንዎ ብዝብል ተስፋ መንግስቲ ንስድራ ቤቱ ናብ ደሴት ሉባንግ ለኣኾም። በዚ እውን ክኣምን ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ሓለቕኡ ነበር ናብቲ ጫካ ተላኢኹ፡ ኩሉ ነገር ቀደም ከምዘብቅዐ ከእምኖ ተላኢኹ። በዚ ከኣ ናይ በረኻ ህይወቱ ኣብቂዑ ኣብ 1974

ሒዝዎ ናብ ከተማ ቶክዮ ኣተወ። ሽዑ፡ “እተን ዝሓለፋ 30 ዓመታት ኣብ

ምንታይ ኣሕሊፈየን ትብል?” ተባሂሉ ብጋዜጠኛታት ምስተሓተተ፡ “ትእዛዛተይ

ክፍጽም ኣሕሊፈየን” ክብል መሊሱ።እታ ቀደም ዝፈልጣ ጃፓንን ሽዑ

ዝጸንሓቶን በበይነን እየን ነይረን። ነቲ ሓድሽ ክውንነት ክርዕሞ ኣይከኣለን። ከም ውጽኢቱ፡ ዝተረፈ ህይወቱ ከብቲ እናርብሐ ኣብ ብራዚል ከሕልፎ ናብታ ሃገር ተሰዲዱ። ጸጸኒሑ ግን ናብ ሃገሩ ይመላለስ ነይሩ። “እቲ 30 ዓመታት ከም ክሳራ

ኣይቆጽሮን እየ። ብዘይ’ቲ ተመኩሮ’ቲ ህይወተይ ክሳብ ሕጂ ክትቅጽል ኣይምኸኣለትን” ዝብል እምነት ድማ’ዩ ቀጻሊ ዝደጋግም ነይሩ።

ንየ ዮንግቢንግ ዝተባህለ ወዲ 61 ዓመት ቻይናዊ ብኣ ፍንጫኡ ካላማደርያ ናይ መካይን ምሉእ ብምሉእ ብምንፋሕ ሰባት ከምዘገረመ ሜትሮ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እንግሊዝ ሓቢሩ።ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ሚስተር

ዮንግቢንግ፡ ነቲ ካላማደርያ ክልተ ሰባት ረጊጾምዎ እንከለዉ እዩ ብኣፍንጫኡ ጥራይ ከምዝንፋሕ ዝገብሮ። እቲ ካላማደርያ ብድሕሪኡ ኣብ መንኮርኮሩ ኣትዩ ብዘይ ገለ ጸገም መካይን ከምዝኸዳሉ ከኣ እቲ ምንጪ የነጽር።ዮንግቢንግ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት

ኣብ ቆርበቱ ቀይሕ ዕንፍሩር ብብዝሒ ስለዝወጾ፡ ናብ ሓኪም ከይዱ። እቲ ሓኪም ጠንቂ ናይቲ ሕማም ድሕሪ ምግላጽ፡

ብኣፍንጫኡ ካላማደርያ ዝነፍሕ ቻይናዊ

ጎማታት ብቐጻሊ ክነፍሕ ምዒድዎ። ንዝተወሰነ ኣዋርሕ መዓልታዊ ከምኡ ምስገበረ ከኣ እቲ ሕማም ገዲፍዎ። እቲ ንጥፈት ግን ኣመል ስለዝኾነ ኣየቋረጾን፡ ቀጺልዎ።ንሱ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓንቲ ካላማደርያ

ክነፍሕ 20 ደቓይቕ እያ ትወስደሉ። ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎ ንሰባት ንምእማን ግን ክሳብ ትትኮስ እዩ ዝነፍሓ።“ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ ኣዝዩ ጥዑይ

ሳናቡእ ከምዘለኒ ሓካይም ነጊሮምኒ እዮም” ከኣ’ዩ ዝብል።እቲ ቻይናዊ ኣቦ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነዚ

ፍሉይ ክእለቱ ተጠቒሙ ነታ ኣብ ዞባ ሲሹዋን እትርከብ ቤት ሕብስቱ ንዓማዊል ኣብ ምልላይ ይርከብ።

ዝተመረዘ ደብዳበታት ናብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ዝለኣኸ ኣመሪካዊ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ 25 ዓመታት ከምእተፈርደ፡

ሮይተርስ ንሚኒስትሪ ፍትሒ ብምጥቃስ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓቢሩ።ኣብ ሚሲሲፒ ዝምቕማጡ ወዲ 41

ዓመት ጄምስ ኤቨረት ዳሽክ ናብ ፕረዚደንት

ዝተሰመመ ደብዳበ ናብ ኦባማ ዝለኣኸ ኣመሪካዊ 25 ዓመታት

ተፈሪዱኦባማ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ባይቶን ሓደ ዳኛን፡ ሪሲን ዝተባህለ ስሚ ለኽዩ ድሕሪ ምልኣኹ፡ ኣብ ሚያዝያ 2013 ብፖሊስ ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ።

ንሱ፡ ፈለማ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ክሒዱ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ነዊሕ ሕጋዊ ምርብራብ ግን ነቲ ገበን ከምዝወዓሎ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንሉ።እቲ ስሙም ደብዳበታት፡

ብዘይካ’ቲ ዳኛ፡ እቲ ፕረዚደንትን እቲ ኣባል ባይቶን ኣብ ኢዶም ከይበጽሐ እንከሎ፡ ኣገልግሎት ቡስጣ

ኣመሪካ ስለዘትረፎ፡ እቲ ሓደጋ ከሎ ገና እዩ ተኾሊፉ።እቲ ፍሩድ፡ ናይ ይግባይ መሰል ይሃልዎ

ኣይሃልዎ እቲ ምንጪ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ብራዚል ሓደ ምስ ዓባዩ ብእግሪ ዝጓዓዝ ነበረ ቈልዓ፡ ሃንደበት ካብ

ብራዚል፡ መኪና ብልዕሊኡ ሓሊፋ ብተኣምር ዝደሓነ ህጻን

ምቁጽጻር ወጻኢ ዝኾነት መኪና ትኽ ኢላ ኣትያቶም። እቲ ቈልዓ ወዲቑ።

እታ ናህሪ ዝነበራ መኪና ከኣ ረጊጻቶ (ብልዕሊኡ) ሓሊፋ፡ ደው በለት። ቈልዓ ሃንደበት ካብ ውሽጢ ወጺኡ ወዲቓ ንዝነበረት ዓባዩ ንምርዳእ ክጎዪ ተራእዩ። ነቲ ፍጻመ ስንባደ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንገዲ፡ ኣይ ሕልሚ ኣይ ጋህዲ ኮይንዎ፡ ቀዚዞም ተረፉ። እቲ ፍጻመ ኣብ በሪኽ ብዝተሰቕለት ናይ ጎደና ካሜራ ተቐዲሑ ኣብ ኢንተርነት ስለዝተዘርግሐ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ሚልዮናት ህዝቢ ክዕዘቦ ዕድል ረኺቡ ኣሎ።እቲ ህጻንን ዓባዩን፡ ፈኲስ ምትሕንጣጣት

ገዲፍካ ዝወረዶም ጉድኣት ኣይነበረን። በዚ ከኣ፡ ሆስፒታል ምስ በጽሑ፡ ሕክምና ተገይሩሎም ብኡ ንብኡ ተፋንዮም።

Page 2: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

ሓዳስ ኤርትራ 26 ጥሪ 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስኤደን ሃብተኣብ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

History Teacher: “Why was George Washington standing in the bow of the boat as the army crossed the Delaware?”Student: “Because he knew if he sat

down, he would have to row.”

Aryam and BietyWarsay Yikallo Sec. School - Sawa

source: jokes of schoolFANY JOKES!

1. Who? And whom?

(a) Who?

Don’t say: Whom do you think will be chosen?

Say: Who do you think will be chosen?

(b) Whom?

Don’t say: Who do you think I saw yesterday?

Say: Whom do you think I saw yesterday?

In sentence (a) “who” is the subject of “will be chosen”; “do you think” is a mere parenthesis. In sentence (b) “whom” is the subject of “I saw”; “do you think” is a mere parenthesis.

Exercise 1

Put interrogative pronouns in each of the following:

1. _____ do you find to learn, English or French?

2. About _____ were you talking? (The cinema)

3. _______ do you think I wanted?

4. _______ of the three boys spoke?

5. _______ do you think I wanted? (your brother)

Exercise 2

Rewrite the following sentences, crossing out every unnecessary pronoun:

1. The prizes they were given to the boys.

2. The girl she said nothing.

3. He went home and he brought his book.

4. The head master I have seen him just now.

5. The book which is on the table is mine.

common mistakesin Englishብተደጋጋሚ ዝርኣዩ ጌጋታት

ኣብ እንግሊዝኛ

MISUSED FORMS

MISCELLANEOUS EXAMPLES

Source: COMMON MISTAKES IN ENGLISH

“ንሓደ ወሓለ ሞያተኛ። ኣንጻሩን ማዕረኡን ወሓለ ሞያተኛ ኣለዎ፣”- ኣኖን

ባይናሪ ቍጽሪታት ስሙ ከም ዝመርሖ ክልተ ዲጂት ቍጽሪታት ማለት’ዩ፣ እቲ ወትሩ እንጥቀመሉ ዝውቱር ቍጽሪታት (ደሲማል ቍጽሪታት 0, 1, 2, 3,…) ኣብ ባይናሪ ብክልተ ቍጽሪታት ይውከል፤ “0”ን “1”ን፣ ኵሉ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ከኣ በዞም ክልተ ቍጽሪታት’ዩ ዝካየድ፣ ባይናሪ ቍጽሪታት ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ መባእታዊ ትምህርቲ እዩ፣ ናይ ኮምፕዩተር መሞሪ ሓበሬታ ዝቕመጠሉ ወይ ዝኽዘነሉ ቦታ ምዃኑ ይፍልጥ፣ ልክዕ ከምዚ ኣብዚ ጋዜጣ ተቐሚጡ ዝርከብ ሓበሬታ፤ ዝተሰርዑ ፊደላት ንዝተወሰነ ሓበሬታ ወኪሎም ኣለው፣ ኣብ መሞሪ ዝቕመጥ ሓበሬታ ከኣ ብዝተሰርዑ ባይት ይቕመጥ፣ እቶም ካብ መባእታ ትምህርቲና ኣትሒዝና እንፈልጦምን ክንቈጽሮም ዝጀመርናን ቍጽሪታት ዓሰርተ ዲጂት ዘለዎም

እዮም፤ 0, 1, 2, 3, 4, 5, 6, 7, 8, 9፣ ካብ ባዶ ክሳብ ትሽዓተ ዝርከብ ቍጽሪታት ዓሰርተ’ዩ፣ እቶም ዝተረፉ ዝስዕቡ ቍጽሪታት በዚኦም ይስርሑ፤ ንኣብነት 12 ብ1ን 2ን ዝቘውም ቍጽሪ’ዩ፣ እዚ ዓይነት ኣቋጻጽራ ከኣ ኣብ ዓሰርተ ዝተሞርኰሰ ስለ ዝዀነ ሰረት ዓሰርተ (base ten) ንብሎ፣ ኮምፕዩተር ግን ሰረት ክልተ (base two) እያ እትጥቀም፣ እቶም እትጥቀመሎም ቍጽሪታት ብ0ን 1ን ጥራይ ይወክሉ፣

ክልተ ዋጋ ዘለዎም ቍጽሪታት ይወስድ ብምህላው ከኣ ባይናሪ ዲጂት ኣለዎ፣ ሸሞንተ ካብዞም ዲጂታት ሓደ ባይት የቝሙ፣ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ባይት ከኣ ንፊደላት ወይ ካልእ ዓይነት ሓበሬታ ክውክል ይኽእል፣በዚ ባይናሪ ቍጽሪታት ንገለ ተግባራት ቍጽሪ ክዕየ ይከኣል’ዩ፣ ባይናሪ ቍጽሪታት ንኢንቲጀር። ቅኑዓት ቍጽሪታትን

ዕሽርን ክውክል’ውን ይኽእል፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ግን ባይናሪን ደሲማልን ዝመዓረርይሉ ኣገባብ ክንርኢ ኢና፣

ሓደ መምህር ኣርባዕተ ኣብ ቍጽሪ ንፉዓት ዝዀኑ ተማሃሮኡ ጸውዖም፣ ሓደ ድሕሪ ሓደ ከም ዝስርዑ ድሕሪ ምግባር። ንቅድሚኦም ዘሎ’ምበር ድሕሪኦም ዘሎ ክርእዩ ከም ዘይክእሉ ኰኑ፣ ንኵሎም ከኣ ኣብ ርእሶም ቆቢዕ ገበረሎም፣ ስለዚ እቲ ድሕሪት ዘሎ ተማሃራይ ንሰለቲአን ቆቢዕ መማህርቱ ክርእየን ይኽእል’ዩ።

እቲ ቅድሚት ዘሎ ግን ሓንቲ’ኳ ክርእይ ኣይክእልን ነበረ፣ ሽዑ እቲ መምህር ሓደ ሕቶ ሓተቶም፣“ኣብ ርእሲኹም ቀያሕ። ጻዕዳን ሰማያዊን ዝሕብረን ቆቢዕ ኣለዋ፣ እታ ሓንቲ ከኣ

ድጋም ናይ ሓደአን እያ።” በሎም፣ እዞም ተማሃሮ ከኣ ሕብሪ ኣብ ርእሲኦም ዘሎ ቆቢዕ ዘርዘሩ፣ እቲ ብድሕሪት ዘሎ ቀዲሙ ምስ ገለጸ ድሕሪኡ ኵሎም ሓሲቦም መለሱ፣ ቅኑዕ መልሲ ድማ ረኸቡ፣ ቅኑዕ መልሲ ክረኽቡ ዘኽኣሎም መስርዕ ናይዘን ቆቢዕን ኣርባዕተ ተማሃሮን ከመይ እዩ? (ቅድሚ መልሲ መርኣይኩም ከይተሃከኹም ፈትኑ)

መልሲእቶም ክልተ ቅድሚት ዝነበሩ ተማሃሮ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ዘለወን ቆቢዕ ነይሩዎም፣

እቲ ድሕሪ ኵሎም ዝነበረ ኣብ ቅድሚት ዘለው ክልተ ሓደ ዓይነት ሕብሪ (ንኣብነት ጻዕዳ) ቆቢዕ ገይሮም ከም ዘለው ርእዩ ኣሎ፤ እቲ ዝስዕቦም’ውን ሰማያዊ ወዲዩ ምህላው ይርእዮ ኣሎ፣ ስለዚ ናቱ ቀያሕ ቆቢዕ ምዃና ክርዳእ ከኣለ፣እቲ ቅድሚኡ ዘሎ ነተን ኣብ ቅድሚኡ ዘለዋ ክልተ ጻዕዳ ቆቢዕ ይርእየን ኣሎ፤

እቲ ድሕሪኡ ዘሎ’ውን ነታ ናቱ ርእዩ ከም ዝምልስ ፈለጠ፣ ስለዚ ናቱ ሰማያዊት ቆቢዕ ምዃና ኣስተውዓለ፣ እቶም ዝተረፉ ክልተ ከኣ ክልተኦም ሰብ ክልተ ጻዕዳ ቆቢዕ ምዃኖም ምፍላጥ ኣይከበዶምን፣

ሕቶ

itክኖሎጂ ሓበሬታ ባይናሪን ደሲማልን ቍጽሪታት?

ባይናሪ ቍጽሪ ሰረት 10 ደሲማል ቍጽሪታት

0 0

1 1

102

11 3

ባይናሪ ቍጽሪታት “2” ዝበሃል ምልክት የብሉን፣ ብ10 ድማ ይውከል፣ እታ ”1” ናብ ጸጋም ዘሊላ ምህላዋ ኣስተውዕሉ፣ ናብ ጸጋም ምዝላል ማለት ከኣ ብ2 ምርባሕ ማለት እዩ፣ 1*2= 2

100 4

ካልእ “1” ወሲኽና ኣለና፤

እታ “1” ክልተ ዲጂት ዘሊላ ኣላ፤ እዚ ማለት ክልተ ግዜ ብ2 ነርብሓ ማለት’ዩ፣ 1*2*2= 4

1000 8 ኣብዚ ከኣ መሊስና ብ2 ከነራብሖ ኢና፤ 1*2*2*2= 8

ኵሉ ግዜ ኣብ ባይናሪ “1” ዘለዎ ዲጂት። ሓይሊ ክልተ ናይቲ ዘለዎ ደረጃ ማለት’ዩ፣ 20= 1, 21= 2, 22= 4, 23= 8, 24=16… 27=128 ወዘተ. ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፣ ንዝዀነ ባይናሪ ቍጽሪ ናቱ ደሲማል ቍጽሪ ኣለዎ፣ ነዚ ክንፈልጥ ካብቲ ብየማን ዘሎ ጀሚርና ነዞም ኣቒድምና ዝረኣናዮም ሰረት ክልተ ሓይሊታት ኣርቢሕና ክንረኽቦ ንኽእል፣ ንኣብነት። “1010” ባይናሪ ቍጽሪ እዩ፣ ናብ ደሲማል ክንልውጦ እንተ ደሊና ነቶም ኣቐዲማና ዝረኣናዮም ሰረት ክልተ ዘለዎም ሓይሊታት። ካብቲ ብየማን ዘሎ “0” ጀሚርና ብቐደም ተኸትል ነርብሖ፣ ድምሮም ከኣ እንደልዮ ደሲማል ቍጽሪ ክህበና እዩ፣

(1*23)+(0*22)+(1*21)+(0*20) .... 8+0+2+0= 10ስለዚ ኣብ ደሲማል ቍጽሪ ዓሰርተ “10” ክንጽሕፎ እንከለና ኣብ ዲጂታል ወይ

ከኣ ባይናሪ ግን “1010” ይኸውን፣ ካብዚ ከነስትውዕሎ እንኽእል ንናይ ምቕያርና ዕዮ ዘቃልል ኣሎ፣ ኵሎም እቶም ናይ ባይናሪ ባዶ ቍጽሪታት ነቲ ምስኦም ዝረብሕ ሰረት 2 ሓይሊታት ኣራቢሖም ባዶ ስለ ዝገብሩዎ ኣብቶም “1” ዝሓዙ ዲጂት ምትኳር የድሊ፣00110000 ማለት (1*25)+(1*24)= 32+14= 4800000011 …… (1*21)+(1*20)= 2+1= 3 10101010 …… (1*27)+(1*25)+(1*23)+(1*21)= 128+32+8+2= 17010000011 …… (1*27)+(1*21)+(1*20)= 128+2+1= 131እቶም ኣብ ባይናሪ ብየማን ጫፍ ዝርከቡ “1” ዘለዎም ጐዶሎ ቍጽሪታት

ክዀኑ እንከለው። እቶም “0” ዘለዎም ግን ምሉኣት ቍጽሪታት እዮም፣ ሓደ

ደሲማል ቍጽሪ ንክልተ ክምቀል እንከሎ ብቐሊሉ ክንርእዮ ንኽእል ኢና፣ እቶም ንክልተ ብዘይተረፍ ዝመቕሉዎ “0” ክወሃቡ እንከለው። እቶም ተረፍ ዘለዎም ከኣ “1” ይወስዱ፣ እዚ ካብ ደሲማል (ሰረት ዓሰርተ ቍጽሪታት) ናብ ባይናሪ ክንቅይር ንጥቀመሉ ኣገባብ እዩ፣ ነዘን ዝስዕባ ክልተ ኣብነታት ንርአ፥ (1) 310 ን2 ንምቀሎ

2 12

0011

X

222

6310

(1100)2= 1210

2 3

1

1

X

2 10

(11)2= 310

እዞም ብ “x” ተሰሪዖም ዘለው እቶም ነቲ ደሲማል ዝማጣጠኑዎ ባይናሪ ቍጽሪታት እዮም፣ ክንጽሕፎም እንከላን ከኣ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ንጽሕፎም፣ ስለዚ 310 ምስ (11)2 ሓደ እዩ፣(2) 1210

ባይናሪ ቍጽሪታት ብሸሞንተ ዲጂት ክውከል ወይ ክጸሓፍ ምስ ዝድለ። ብቕድሚት ሸሞንተ ዲጂት ክሳብ ዝመልእ ባዶ ክንውስኸሉ ይከኣል፣ ናይዚ ዝቐደመ ኣብነት 00001100 ተባሂሉ ክጸሓፍ ይከኣል፣

መም. ስተላ መሓረና

Page 3: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

ሓዳስ ኤርትራ 26 ጥሪ 2014 - ገጽ 3

Page 4: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

ሓዳስ ኤርትራ 26 ጥሪ 2014 - ገጽ 4

ብንያም ፍስሃጽዮን [email protected]

121 ክፋል

በዓል ወጻኢፖሊስ ብዝገበርሎም ምትሕብባር’ዮም

እቶም ክልተ ኣዕሩኽ ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ተቐሚጦም ዘዕልሉ ዝነበሩ። ሳዶር በቲ ዘጋጦሞ ጸገም ናይ መወዳእታ ተስፋ ቆሪጹ ነበረ። ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጡ ዝነበረ ዓርኩ፡ ኣዒንቱ መሊኡ ክርእዮ’ውን ኣይከኣለን። ኣብ ቀይዲ ብምእታው፡ እታ ናይ በይኑ ዓለም ዘብቅዐት’ዩ ዝመስሎ ነይሩ። ካብ ኢድ ፖሊስ ብኸመይ መገዲ ከም ዝመጽእ’ውን ኣይፈለጠን። “እንታይ ጸገም ደኣልካ ረኺብካ ወደይ?’’ ሚልክያስ፡ ነቲ ኣብ ሓዘን ተሸሚሙ ዝደንዘዘ ዝመስል ዝነበረ ዓርኩ ካብ ኣትይዎ ዝነበረ ናይ ጭንቀት ስምዒት ኣናገፎ።“እንታይ እሞ ክንብል ኢና? ኣነ ድማ

ባዕለይ’የ ኣብ መጻወድያ ኣትየሎም። ስድራ’ታ ከልቢ ኣፍቃሪተይ፡ ናይ ፖሊስ ኢሎም ዝሰንዕዎ ወረቐት ምስ ሃቡኒ ሓቂ’ዩ መሲሉኒ ነይሩ። ግና ኣብዚ ሓቲተ ከም ዘረጋገጽክዎ መጸዋዕታ ዝሃበኒ ፖሊስ ኣይነበረን። ብዛዕባ መጸዋዕታ ምስ ገለ ናይ ፖሊስ ኣባላት ምስ ተዘራረብኩ እታ ምሳይ ዝነበረት ወረቐት ናይ መጸዋዕታ ማሕተም ከም ዘይነበራ’ዮም ኣረጋጊጾሙለይ።“እዋእ!’’ በለ ሚልክያስ ከም ዝገረሞ

ኣዒንቱ ኣብ ልዕሊ ዓርኩ ጸሚዱ። “እንታይ ስለ ዝበደልካ ደኣ ተኸታቲሎም ሒዞሙኻ? እቲ ዝለኣኽካዮ መንክር ዝብልዎ ወዲ ነጊሩልካ ደኣ ከይከውን?’’ ጥርጣሪኡ ገለጸ።“ኣውሪዱሉ! ንሱስ ዝፈልጦ ኣይነበሮን።

ሰራቒ ሞባእ ባዕሉ ይለፋለፍ ዝኾንኩ ባዕለይ’የ። ፖሊስ ምስ ሓዙኒ ብዘይካ ንሱ ካልእ ዝነገረለይ ሰብ ኣይተጸበኹን። ከምኡ መሲሉኒ ድማ ቀልቲፈ ከጥቅዖ’የ ተበጊሰ - ኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ ዝብል ስምዒት ሓዲሩኒ።’’ ድሕሪ ምባል ኣዕሚቑ ኣስተንፈሰ። “ግና ንሱስ ዝፈልቶ ኣይነበሮን። ኣብ መወዳእታ’ውን ብመንገደይ’ዮም ኣብ ቁጽጽር ኣእትዮምዎ። ንዓይ ብኸመይ መገዲ ኣብ ዓይኒ ጥርጠራ ከም ዘእተውኒ ምስጢር’ያ ኮይናትኒ ዘላ። ብዝኾነ እቲ ሓቂ ቀስ ኢሉ ክፍለጥ’ዩ። ሕጂ ብኸመይ መገዲ ብዋሕስ ከም ዝለቁኒ ጥራይ ሓታትተለይ።’’“ብወገንካ ሓቲትካዮም ዲኻ?’’“ኣነ ክሳብ ሕጂ ዝሓተትክዎ የብለይን።

ቅድሚ 48 ሰዓት ብዋሕስ ከውጽኡኒ ተስፋ ገይረ’የ ዝጽበ ዘለኹ። ቀሪቡለይ ዘሎ ክሲ ‘ሰብ ኣህሪምካ ዝብል’ዩ።’’“ደሓን ቁርብ እሞ ተጸበዮም

እንተደንጉዮም እቲ ዝሕሰብ ክንሓስብ። ቅድሚኡ ግና ዕድል ምሃቦም ኣገዳሲ’ዩ። ስድራ ፈሊጦም ድዮም?’’“ክፈልጡ እዮም’ምበር”“እንቋዕ ፈለጡ። ንሶልያና’ውን ነጊረያ

ኣለኹ። ጽባሕ ክትመጽኣካ ምዃና’ያ ሓቢራትኒ።’’“ኣይደልያን’የ!’’ በለ ብቁጥዐ። “ብሰንካ’የ

ኣብዚ ጸገም’ዚ ወዲቐ ዘለኹ። እንታይ ሓላይት ኮይና ደኣላ ክትበጽሓኒ ትምጽእ? ሓርገጽ! ንብዓት ሓርገጽ ክተፍስሰለይ።’’“ከምኡ ኣይትበል!’’ ዓርኩ ገንሖ። “እቲ

ጥንሲ ናትካ ምዃኑ’ውን ትዛረብ ኣላ። ብስምዒት ተደፋፊኣ’ያ ‘ኣይናትካን’ዩ’ ኢላትካ።”“ወይ ጉድ!’’ በለ ርእሱ እናነዛነዘ።

“ብህይወት ሰብ ትጻወት ኣላ! ብዝኾነ ኣነ’ውን ፍረ ዘርአይ ክኽሕድ ኣይደለኹን። ክኣምነላ’የ ሕጊ ዝበለኒ ድማ ከማልእ’የ።” ቃል ኣተወ።“ጽቡቕ!’’

***እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዝነበሩ

ክልተ መርመርቲ ጉዳይ ሳዶር ኣልዒሎም ክዘራረቡ ተሰምዑ። “ኣነ ግና መሓሪ ሓወይ፡

እዚ ጉዳይ ከምቲ ዝጠርጠርካዮ ምዃኑ’ዩ ኣገሪሙኒ ዘሎ። ከመይ ገይሩ ኣተኣሳሲርዎም ኢለ ድማ ድንጽው ኢሉኒ። ‘ኣማን ብኣማን ፖሊስ!’ ኢለ’ውን ኣድናቖተይ ገጸልካ።። ፖሊስ ንጉዳያት ብኹሉ ኩርናዕ ክጥምት ከም ዘለዎ ድማ ኣረጋጊጸ።’’“ብዙሕ ተሓቢኡ ዝነበረ ገበን ብምስጢራዊ

ኣገባብ ክረክብ ኣይፈተንኩን። ቅድሚ ገለ ሰሙናት እዚ ትማሊ ጸዊዕናዮ ዝነበርና ሲናይ ዘይፈልጦ ሰብ ከም ዝሃረሞ ዝጠቅስ ሓበሬታ ሒዙ መጺኡና ከም ዝነበረ ትዝክር ኢኻ።’’ ብጻዩ ብእወታ ርእሱ ነቕነቐ። “ዝጥርጥሮ ሰብ ከም ዝነበሮ’ውን ኣብ እዋኑ ሓቢሩና’ዩ። እቲ ዝጠርጠሮ ሰብ ብሰንኪ ሓንቲ ጓል ሓደን ክልተን ተባሃሂሎም ከም ዝነበሩ ድማ ባዕሉ ዝገለጾ’ዩ። እዚ ሰብ ሳዶር ኢሉ ከም ዝተላለዮ’ዩ ሲናይ ዝገልጽ። ንሕና ድማ ክንምርምሮ መጸዋዕታ ክህቦ ሓቢርናዮ። ኣብ መንጎ ግና ኣፍቃሪቱ እምነቱ ክትፍትን ኢላ ሳዶር ብዝብል ናይ ሓሶት ስም ዝጽዋዕ መንእሰይ ከም ዝለኣኸትሉ ትሕብሮ። እቲ ስሙ ናብ ሳዶር ቀይሩ ንሲናይ ዝረኸቦ መንእሰይ ድማ ንጹህ ስለ ዝነበረ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ክሲ ከም ዝለዓል ይግበር።

ሲናይ ባዕሉ’ዩ እቲ ጉዳይ ብ ዝ ር ዝ ር ሓቢሩ ክሰይ ይተዓጸወለይ ዝብል።እዚ ጉዳይ ምስ ተዓጽወ

ድማ ሓደ ኣቦ ኣብ ልዕሊ ንጓሉ ዘጥነሰ መንእሰይ ክሲ ክምስርት ናብ ቤት ጽሕፈተይ ይመጽኣኒ። ስም ናይቲ ኣጥኒሱ ዝኸሓደ መንእሰይ ድማ ሳዶር ምዃኑ እፈልጥ። እዚ ጉዳይ ግና ምስ ገበን ምትሕሓዝ ስለ ዘይብሉ ንዓና ዝምልከት ኣይነበረን። ብቐጥታ ድማ ነቲ ኣቦ ንፖሊስ ከም ዘይምልከትን ጉዳዩ ንሲቪላዊ ሕጊ ከም ዝምልከት ሓቢረ የፋንዎ። እታ ሳዶር ትብል ስም ግና ኣብ ኣእምሮይ ትተርፍ። ምኽንያቱ፡ እታ ትከሓድ ዘላ መንእሰይ፡ ኣቐዲማ ብስም ሳዶር ንእምነት ኣፍቃሪኣ ክትፍትን ተንቀሳቒሳ ነይራ’ያ። እቲ ሓደ ናይ ሓሶት ስም’ዩ ካብ ተባህለ እቲ ሓቀኛ ሳዶር ተባሂሉ ዘሎኸ መን’ዩ? እዚ ሕቶ ግድን ክምለስ ከም ዘለዎ ኣሚነ። ኣይደንጎኹን ድማ ብዛዕባ እዚ ሰብ’ዚ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ እኣቱ። ካብቶም ጓለይ ኣጥኒሱ ክሒድዋ ዝብሉ ኣቦ ንእግረ መንገደይ ዝኣከብክዎ ሓበሬታ ድማ ተመሊሰ እፍትሾ። እዚ ምርኩስ ብምግባር ሳዶር ካብ ጀርመን ዝኣተወሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ክምልስ እፍትን። ክፍሊ ኢምግሬሽን ሓቲተ ድማ ዝኣተወሉ ዕለት የረጋግጹለይ። ብድሕሪ’ዚ መዓስ ክምለስ’ዩ ዝብል ሕቶ’ዩ ኣገዲሱኒ። እዚ ንምግባር ድማ ናብተን ኣብዚ ሃገር ዘለዋ ወኪላት መንገዲ ኣየር ክድውል ነይሩኒ። ኣብ መወዳታ ሳዶር፡ ብመንገዲ

ኣየር ሉፍታንዛ ንጀርመን ክምለስ ምዃኑ ኣረጋጊጸ። ስለምንታይ ኣብ ሰሙኑ ይምለስ ኣሎ ዝብል ሕቶ ድማ ክምለስ ዝግበኦ’ዩ ነይሩ። ኣቐዲመ ምስ ዝሓበርኩኻ ጉዳይ እንተነጻጸርክዎ ድማ እዚ መንእሰይ ኣብ ጥርጣረ ስለ ዝሸመመኒ እታ ዝብገሰላ ምሸት ተረኛታት ፖሊስ ልኢኸ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትየዮ። እቶም ፖሊስ ሽዑ ሓቲቶም ጉዳዩ ኣጻርዮም ክሰድዎ’የ ሓቢረዮም። ንሱ ግና ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ምልፍላፍ ኣትዩ። ገበን ከም ዝፈጸመ ካብ ኣመነ ድማ ብዘካ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምጽናሕ ካልእ ኣማራጺ የለን።’’ “ዝገርም’ዩ።’’ በለ ብጻዩ ተኲሩ

እናጠመተ።

***ኣብቲ ዝተቛጸሩሉ ቦታ ምስ ተራኸቡ

ኣብ ገጽ ቢንያም ድሙቕ ክምስታ’ዩ ተንጸባሪቑ። እቲ ድብንብን ዝበለ መ ዓ ል ቲ ’ ው ን ንኽምስታ ቢንያም ተ ኸ ቲ ሉ ሰ ግ ለ ለ ቱ ዝ ኣ ሊ ክመስል

ተቓረበ። “መርሃዊት!’’

ናብታ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ መንደቕ ተጸጊዓ ትጽበዮ ዝነበረት ኣፍቃሪቱ ተወርወረ። ንመዓልታት ገጻ ስለ ዘይረኣየ ክቱር ናፍቖት ነይርዎ። ቀስ ብቐስ ብፍቕሪ መርሃዊት ልቡ ናብ ስዕረት ዝሽመም ዝነበረ’ዩ ዝመስል። ፍቕሪ ምልምማድ ምዃኑ ዝምስክር ኣጋጣሚ መረጋገጺ ዝረኸበ ድማ ይመስል። ቢንያም ክቱር ናፍቖቱ ከውጽእ ንኣፍቃሪቱ ኣብ ሕቑፉ ሸጉጡ ብክልተ ኣእዳው ጠመራ። “እንቋዕ ደሓን መጻእኪ!’’ ቀው ኢሉ ብህርፍርፎት ጠመታ። “በሊ ኣብ ገለ ኮፍ ንበል’’ ድሕሪ ሰላምንታ ኢዱ ኣብ መንኲባ ሰቒሉ ሻሂ ናብ ዝሰትይሉ ቦታ ኣሳለያ።

***“ኣንታ እንታይ ኢኻ ትብል?’’ እታ ወትሩ

ኣብ ቀረባ ሮማ፡ ዘይስማዕ ከም ዝሰምዐት ኢዳ ኣብ መንገሳ ደጊፋ ወጨጨት። “እዚ ደኣ ኣነ እንታይ ፈሊጠዮ! ንሳኸ ትፈልጥ ነይራ ድያ ኣይትፈልጥን?’’ ኣዒንታ ኣፍጠጠቶ። መልሲ ናይ ዘቕረበቶ ሕቶ ክትሰምዕ

ህንጡይነት ከም ዝነበራ ገጻ ኣረጋገጸ።“ኣጸቢቓ ትፈልጥ’ያ። ግና ጉዳያ ስለ

ዘገድሳ ክትሰምዓኒ ኣየደለየትን። እምበር ‘ንስኺ ንቢንያም እንተተምርዒኺ ኣነ ንኣዛሄር ክምርዖ ኣይክእልን’የ፡ ምኽንያቱ ንሱ ንኽልቴኽን ዓርክኽን ስለ ዝነበረ ኣብ መንጎና እምነት ክፍጠር ኣይክእልን’ዩ’ ኢለ’ውን ኣረዲአያ’የ።’’ በለ ሚልክያስ ኣቐዲሙ ጉዳዩ ብዝርዝር ብዘይምሕባሩ እናጠዓሶ።“ኣንታይ ኮይነ ኢለኸ ንሱ ከምኡ

ይገብር?’’ ሓተተት ሮማ ብተግባር ቢንያም እናንጸርጸረት።“ደቀስመራ ዘይ ከምኡ’ዮም። ኣብ ኩሉ

ፍቕሪ ይተኽሉ’ሞ ኣብ ዝማእምኦም’ዮም ዘጽልሉ። ኣብ ክልተ ገረብ ክንጥልጠሉ’ዮም ዝደልዩ። ክልተ ልቢ ግና የብሎምን። ኣብ መወዳእታ ካብ ኩሉ ይተርፉ። ኣዛሄር ደኣ እንታይዶ ገይራትኒ’ያ? ብሰንኪ መርሃዊት ግና ክምርዓዋ ዝኽእል ኣይኮንኩን።”“ ኣ ዋ ልድዶ

ስኢንካ. . . . በለት ደራፊት! እ ን ታ ይ ኮይነ ኢልካ ኢ ኻ

ደ ኣ

መጻወቲት ዝነበረት ጓል

ዝተመርዓኻ። ወዲ ዝሓለፋ ጓል ኣብቲ ዝኣተወቶ

ሓዳር፡ ልባ ዝዓርፈላ ከይመስለካ። እሞ እንታይ ደኣሉ ዝግበሮ? እዛ ጓል ሓብተይ ድማ ኣበላሽዩዋ’ዩ ዝኸውን’ምበር። ዘይ ንስኻ መን በዲሉኒ ሚልክያስ።” ወዳ ናብ ምንቃፍ ኣተወት። “ንስኻ ምስ መጻእካ’ያ እዛ ቈልዓ ደገ ደገ ለሚዳ። ትናፈስዶ ትውጻእ እናበልካ. . . .” ገጻ ጸወገት። “ጓል ደገ እንተለሚዳ ድማ ህማቕ’ምበር ጽቡቕ ኣይተምጽእን’ያ። ዕመታት ዝሓለኽዋ ጎርዞ’ባ ዝሮ ምሮ ገበርካለይ። ጓል ዝሰትራ ገዛኣ’ዩ።” ኣዕረፈት።. . . .ስድርኣ ንኣዛሄር ጸገም ጓሎም ተነጊርዎም ድዩ?’’“ኣደ እዛ ዘረባ ኣብ መንጎ ክልቴና

ትትረፍ። ከምኡ ክንገብር ጽቡቕ ኣይኮነን።’’ ተቋወመ። “እቲ ንክልቲአን ዘዞረን ወዲ ንመርሃዊት ክወስድ ስለ ዝደለየ’ዩ እምበር ካልእ ጸገም ኣይኮነን።’’ እቲ ዝኣምነሉ ሓበራ። ስለዚ ሞራላ ዝሰብር ዘረባ ከይንዛረብ ሓደራ።’’ ተማሕጸነ።“እንታይ ኮይነ ኢልኩም ገዲፍኩማ

ዝብል ሕቶ እንተመጺኡናኸ እንታይ ክንብል? ምስቶም ገዛ ዝነበረኒ ምሕዝነት ከመይ ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ መስለኒ። ናይ መርዓኻ ጉዳይ ምስ መጸ’የ ምስ ርግበ ዓይንን ሓመድን ኮይና ዘለና። ስለዚ ፍቕሪና ናብ ነበሮ ክምለስ እንተኾይኑ እዚ ጉዳይ

ክንገሮም ኣለዎ።’’ ደረቐት።“ኣደ ዘይትሰምዕኒ!’’ ጨደረ ሚልክያስ።

“ኣዛሄር ብዙሕ ጽቡቕ ዘለዋ ጎርዞ’ያ። ንዓይ ዝበደለትኒ ስለ ዘይብላ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ሕማቕ ክገብር ኣይደሊን’የ። ተሓጽየ ይገድፋ ምህላወይ ከቢድ ምዃኑ ከመይ ገይርኪ ትዝንግዒ። ንሱ ከይኣኽላ ድማ ተወሳኺ ሽግር ክንፈጥረላ! ሞራላ ዓነው ክነብሎ! ፈጺምካ ክግበር ዘይብሉ’ዩ። እዋእ!’’ በለ ነድሩ ስለ ዘይዘሓለ ደጋጊሙ እናስተንፈሰ።“እሞ ኣነኸ እንታይ ይኹን። ንስኻ ጽባሕ

ገዲፍካኒ ክትከይድ ኢኻ። መታርፍቲ ድማ ንሕና ኢና። እዚኸ ኣየሕስበካን ድዩ?’’“ኣደ፡ ስለ ዝነገርኩኺ ድዩ እዚ ኹሉ።

ከም ኣደይ ወላዲተይ ስለ ዝኣመንኩኽን መማኽርቲ ስለ ዝኾናን ጥራይ’የ ሓቢረኪ ኣደ። እምበር ኣብ ልዕሊ ኣዛሄር ሕማቕ ክትፍጽሚ ኢለ ኣይኮንኩን። ስለዚ በጃኺ እብለኪ ኣለኹ። ብዛዕባ ነብስኺ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ኣዛሄር’ውን ሕሰቢ።’’ ኣዕሚቑ እናስተንፈሰ ኣዕረፈ። “መርሃዊት ንቢንያም ከም ዘይትምርዓዎ ምግላጻ ሓቂ ድዩ?’’ ናብ ካልእ ሰገረት።“ሓሳዊት ኮይና!’’ መርሃዊት ሓድሽ

ሕርቃን ከም ዝቐስቀሰትላ ብስምዒት መለሰት። “ንሱስ ናባይ ግደፎ ደሓን። እንታይ ከም ዝገብር ፈሊጠ ኣለኹ።’’

***“ናትካ ጉዳይ ጥራይ’ዩ ተሪፉ ዘሎ።

ወላ ማማ’ውን ሕጅስ በደላ ተረዲእዋ ናብ ኣምላኻ ዝተመልሰት’ያ ትመስል ዘላ። መርዓይ ኣብዚ ገዛ ክትገብሮ ምዃና’ያ ሓቢራትኒ።’’ በለት መርሃዊት ናይ ውሽጣ ሓጎስ ኣብ ገጻ እናተነበበ።“እንታይ ኢኺ ትብሊ?’’ ቢንያም

በቲ ዘይተጸበዮ ለውጢ ተገረመ። “እሞ እዛ ሰበይቲ ብኻልእ’ያ ትዝወር ነይራ። ሚልክያስከ እንታይ ይብል?’’“ንሱ ፈጺምካ ልቡ ክትፈልጦ ኣሸጋሪ’ዩ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝነገርኩኻ ኣነን ማማን ተመኻኺርና ንቢንያም ኣይምርዓዎን’የ ምስ በልክዎ፡ ‘ንዓይ ሓዲገ መዲግ ምስ ኣትረፍኪ ኣይምርዓውን’የ ትብሊ’ ብምባል ክምርዓወካ ከም ዘለኒ’ዩ ነጊሩኒ። ኣነ ግና ስምዒተይ ክፈልጥ ዝበሎ ከይከውን ስለ ዝተጠራጠርኩ ዝኾነ ኣይበልክዎን።’’“ሓዲገ መዲግ ኣትሪፍክኒ ምባሉ እንታይ

ማለቱ’ዩ?’’“ንኣዛሄር ገዲፍዋ እንድዩ! ኣይነገርኩኻን

እባ! እዋእ ገዲፍዋ እንድዩ።’’ ዓወት ከም ዝፈጸመት ህውኽ ህውኽ እናበለት ሓበረቶ። ኣዝዩ ዘገድሶ ዜና ምዃኑ ኣሚናትሉ ነበረት።“ሓቅኺ ዲኺ!’’ ክኣምን ኣይከኣለን።

ምኽንያቱ ቀንዲ ዝተበገሰሉ ዕላማ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ሸቶ ክበጽሕ ዝብል እምነት ኣይነበሮን። ኣብ ህልኽ ስለ ዝኣተወ’ዩ ንመርሃዊት ተመንይዋ’ምበር ካብ ፈለማ ኣፍቂርዋ ኣይነበረን። ንሳ ግና፡ ንፍቕሮም ዘጽንዕ ጉዳይ ዝሓበረቶ’ዩ ዝመስላ ነይሩ። “ሓቀይ’የ፣ ኩሉ ነገር ኣቋሪጹ ንዓዱ

ክምለስ’ኳ ይሓስብ ኣሎ።’’ በለቶ ስምዒቱ ምቕያሩ ኣሰኪፍዋ ቀው ኢላ እናጠመተቶ።

ይቕጽል

Page 5: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

ሓዳስ ኤርትራ 26 ጥሪ 2014 - ገጽ 5

ምሕረትኣብ ፍስሃየ

ኣረኣእያና ብምስፍሕ ሽግራትና ነፋዂስ

ሓደ እዋን ኣብ ዕድሚኡ ምሉእ ተሓጒሱ ዘይፈልጥ መንእሰይ፡ ናብ ሓደ ብልሂ ሽማግለ ብምኻድ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ሂወት ስለዝመርሕ መፍትሒ እንተለዎ ተወከሶ። እቲ

ብልሂ ሽማግለ፡ ሓደ ዕማኾ ዝኸውን ጨው ኣብ ሓደ ቢኬሪ ማይ ከእትወሉ ኣዘዞ። ኣቲ ቅዙን መንእሰይ ድማ ከምተኣዘዞ ገበረ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ሽማግለ ነቲ ዕማኾ ጨው ዝኣትዎ ቢኬሪ ማይ ክሰትዮ ነቲ መንእሰይ ሓበሮ። ድሕሪ ምስታዩ’ውን፡ “ጣዕሙ ከመይ ረኺብካዮ?” ክብል ሓተቶ። እቲ መንእሰይ ገጹ ጸዊጉ ጡፍ እናበለ “ሕማቕ!”

ብምባል መለሰ።እቲ ሽማግለ ቁሩብ ሕስብ ኣቢሉ፡

እንደገና ሓደ ዕማኾ ጨው ኣልዒሉ ብምኻድ ናብ’ቲ ኣብ ቀረባኦም

ዝነበረ ቀላይ ከእትዎ ነገሮ። ክልቲኦም ብሓባር ናብ’ቲ ቀላይ ምስ በጽሑ ድማ እቲ መንእሰይ ነቲ ሒዝዎ ዝመጽአ ጨው ናብ’ቲ ቀላይ ኣእተዎ።ሕጂ’ውን እቲ ሽማግለ፡ “በል

ሕጂ ከኣ ካብ’ዚ ቀላይ ቅዲሕካ ስተ” ክብል ነቲ መንእሰይ ኣዘዞ። ክምዝተባህሎ ቅዲሑ ምስ ሰተየ ከኣ፡ “ሕጂኸ ከመይ ረኺብካዮ?” ብምባል ሓተቶ። ወዮ መንእሰይ ትቕብል ኣቢሉ “ጥዑም!” ክብል ብርውየት መለሰ። “እቲ ጨው ኣይተሰምዓካን?”

ሓተተ እቲ ሽማግለ።“ፈጺሙ ኣይተሰማዓንን!” ጣዕሚ

ናይ’ቲ ጨው ክምዘይተሰምዖ ኣረጋገጸሉ።እቲ ብልሂ ሽማግለ ኣብ

ጎድኒ’ቲ ጭኑቕ መንእሰይ ኮፍ ኢሉ፡ “ስቅያት ሂወት ልክዕ ከም ናይ ጨው መቐረት’ዩ፡ ካብኡ ኣይሓልፍ ካብኡ ኣይተርፍ። መጠን ናይ ሂወት ስቅያት ከኣ ኣይልወጥን እዩ። ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት’ዩ። እንተኾነ ግን መጠን ናይ’ቲ እንቐምሶ ስቓይ፡ ኣብ’ቲ እንሰትየሉ መትሓዚ’ዩ ዝምርኮስ። ስለ’ዚ ኣብ እትሳቐየሉ ግዜ እቲ ክትወስዶ ዘሎካ እንኮ ስጉምቲ፡ ንነገራት ዘሎካ ኣረኣእያ ወይስ ስምዒት ምስፋሕ ጥራይ’ዩ እሞ ቢኬሪ ምዃን ገዲፍካ ቀላይ ኩን!” ብምባል ምኽሩ ለገሰሉ።

ጥዕናዊ ረብሓ ዘይቱን1. ብትሕዝቶ ካልሽዩም፡ ፖታሽየም፡

ብረት፡ ቪታሚን ‘ኤ’ ‘ቢ’ ን ‘ሲ’ን ሃብታም’ዩ።2. ካብ

ሕማማት ካ ን ሰ ር ስርዓተ-

መፍረ ወ ዲ ተ ባ ዕ ታ ይ (Prostate cancer) ን ልዑል ጸቕጢ ደምን ይከላኸለልና።3. ንዝተናውሐ ጽግያት፡ ኣዝማ፡

ነድሪ መዓናጡን ስቶማኮን ይፍውስ።4. ኣንጻር ጉንፋዕን ሰዓልን ይከላኸል፡

ኣብ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ቱቦ ከምጸረ ረኽሲ ኮይኑ የገልግል።5. ድርቀት የፋዂስ፡ ስርዓተ

ምሕቃቕ መግቢ የደንፍዕ፡ ከምኡ’ውን ክብደት ኣብ ምንካይ ይሕግዝ።6. ዓቐን ሽኮር ኣብ ደም ብምጉዳል፡

ኣንጻር ሕማም ሽኮር ይከላኸል።

ብተወሳኺ ሕማም ምቅርራፍ ቆርበት (Scurvy)

የወግድ።

ኩሊት ከዕንዉ ዝኽእሉ ሕማቕ ልማዳት1. ዓቐኑ ዝሓለፎ ኣልኮልን ልስሉስ

መስተን ምዝውታር2. ሽንቲ ማይካ ምዕቋር (ክትሸይን

እናደለኻ ዘይምሻን)3. እኹል ማይ ዘይምስታይ4. ልዑል ትሕዝቶ ፕሮቲን ዘለዎ

መግቢ ምምጋብ5. ብዙሕ መስርሕ ዝሓለፎ መግቢ

ምምጋብ6. ንነዊሕ እዋን መድሃኒት

ምውሳድ7. ብቑዕ ዕረፍቲ ዘይምርካብ

ዝነኣሰት ሃገርሲላንድ ኣብ ዓለም ዝነኣሰት ሃገር

ምዃና’ዩ ዝንገረላ። ከም’ቲ ስማ ከኣ ምድሪ ባሕሪ’ያ። ብሓጺሩ ኣብ ባሕሪ ዝተደኮነት

ቪላ’ምበር ርእሳ ዝኸኣለት መሬት ኣይኮነትን። ስፍሓታ 550 ትርብዒት ሜትሮ ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝባ 27 ጥራይ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ካብኡ ክበዝሕ

ኣይክእልን’ዩ። ኣብ 2011 4 ተቐማጦ ጥራይ ከም ዝነበሩዋ ይፍለጥ። ግን ከኣ

ናይ ገዝእ ርእሳ ባጤራን ባንዴራን ኣለዋ። ኣብ ከም ንኡስ ጎልፍ፡ ኩዕሶ እግርን መኸተ ሴፍን (Fencing) ዝኣመሰሉ ዓይነታት ስፖርት ዝነጥፉ ኣትለታት’ውን ኣለዉዋ።

ናይ ኣጋጣሚዶ ኾን ይኸውን

ማንታ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም ብ11 መስከረም

ቅድሚ ኮምፕዩተር ዝነበረ ሂወት

“ኣፕሊከሽን”- ደብዳቤ ደላይ ስራሕ እዩ ነይሩ።“ፕሮግራም”- ምርኢት ቴሌቪዥን’ ዩ ነይሩ።“ሜሞሪ” -እናኣረግካ ክትከይድ እንከሎኻ እናጎደለ ዝመጽእ ነገር’ዩ ነይሩ።“ከርሰር” - ጽያፍ’ዩ ነይሩ።“ኪ ቦርድ” - ፒያኖ (መሳርሒ ሙዚቃ) እዩ ነይሩ።“ዌብ”- ዓለባ ሳሬት እዩ ነይሩ።“ቫይረስ” - ጉንፋዕ ወይስ እንፍሉዌንዛ’ዩ ነይሩ።“ማውዝ ፓድ” - ሰፈር ኣንጭዋ’ዩ ነይሩ። 2001 ብኣልቃዒዳ ቅድሚ

ምዕናወን ኣዋርሕ ኣቐዲሙ

ናብ ብሕቲ ተሰጋጊረን ምንባረን ይፍለጥ። ላሪ ስልቨርስተይን ዝተባህለ ሰብ’ዩ ገዚኡወን።ሲልቨርስተይን ብኡ ንብኡ

ናይ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘጠቓለለ ውዕል መድሕን ኣተወለን። ድሕሪ ምዕናወን ድማ ሲልቨርስተይን ነቲ ውዕል ዝኣተወሉ ትካል መድሕን ኣብ ቤት ፍርዲ ክግትሮ’ዩ ተራእዩ። ክልተ መጥቃዕቲ ስለዝነበረ ዕጽፊ ክኸፍሎ’ውን ጥርዓኑ ኣቕረበ። ጥርዓኑ ተቐባልነት ረኺቡ ከኣ ናይ 4,550,000,000 ዶላር ካሕሳ ወሰደ። ሲልቨርስተይን ተቐላጢፉ ውዕል መድሕን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ምእታውስ ናይ ኣጋጣሚዶ ኾን ይኸውን?

ብዛዕባ ብሩስ ሊብሩስ ሊ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ሓደ

ግዜ ጥራይ’ዩ ኣብ ግጥም ካራተ ተሳዒሩ። ወዲ 13 ዓመት እንከሎ። እዚ ስዕረቱ’ዚ እዩ ድማ ‘ማርሻል ኣርት’ ንኽመሃር ደፋፊኡዎ። ሓደ

ዪፕ ማን ዝተባህለ ናይ ዊንግ ቹን መምህር እዩ ምሂርዎ።

ካልኦት መማህርቱ ዝነበሩ ተማሃሮ፡ ብሩስ ሊ ውጹእ ቻይናዊ ከምዘይኮነ ምስ ፈለጡ ምስኣቶም ክ መ ሃ ር ኣይፈቐድሉን። ስለ’ዚ ከኣ ዩፕ ማን ብውልቁ

ክምህሮ ተገደደ።

ጠቓሚ ምኽሪ

ነቲ ናይ ሓቂ ክትሰርሖ እትደሊ ነገር ፈጺምካ ኣይተቋርጾ። እቲ ዓበይቲ ሕልምታት ዘለዎ ሰብ፡ ካብ’ቲ ኩሉ ዓይነት ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ዝያዳ ስልዝብርትዕ። -ኣልበር ኣንስታይን

Page 6: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

ሓዳስ ኤርትራ 26 ጥሪ 2014 - ገጽ 6

Page 7: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

ሓዳስ ኤርትራ 26 ጥሪ 2014 - ገጽ 7

ስፖርትኤርምያስ ኣስፍሃ

ከነላልየኩም መም. ደምሳስ - ፈላሚ ተሸላሚ “ብሉጽ ዳኛ ሃገራዊ ሊግ”

ኩዕሶ ካብ ዘላቶ ቦታ ከይተፈንተተ ቅኑዓት ውሳኔታት ይህብ። ስለዝኾነ ከኣ ጸወታ ክመርሕ ናብ ሜዳ ክኣቱ ከሎ ተዓዘብቲ ጣቕዒት ኣሰንዮም ብጽቡቕ ይቕበልዎ። ኣብ 2006/2007 “ብሉጽ ዳኛ ናይ ዞባ ማእከል” ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2012/2013 ናይ ፈለማ “ብሉጽ ዳኛ ሃገራዊ ሊግ” ብምዃን ተሸሊሙ፡- መምህር ደምሳስ ተኸስተ።ብ1975 ኣብ ኣስመራ ዝተወለደ መምህር

ደምሳስ፡ ኣብ 1989 ምስ ጋንታ ችፖሊኒ፡ ብድሕሪኡ ምስ ፋብሪካ ክሻ፡ ቀጺሉ ከኣ ናይቲ ዝሰርሓሉ ሞያ ምምህርና ወኪል ዝነበረት ‘ክለብ ብርሃን’ ከም ኣከፋፋሊ ተሰሊፉ ብምጽዋት፡ ጽቡቕ ቴክኒካዊ ክእለት ዝነበሮ ወሓለ ኣከፋፋሊ ምንባሩ ናይ ትማል ተዘክሮ’ዩ። ኣብ ኣብ 1989 ብደረጃ ምምሕዳራት ናይ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቀበሌ ጸወታታት “ኮኾብ ተጻዋታይ ኣስመራ” ተባሂሉ’ውን ተሸሊሙ’ዩ።እቲ ኣውራ ደምሴ ብዝብል ኣሕጽሮተ

ስም ዝፍለጥ መም. ደምሳስ ኣብ 1997 ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ምስ ኣቋረጸ፡ ከም ኣሰልጣኒ ኮይኑ’ዩ ስፖርታዊ ንጥፈታቱ ቀጺሉ። ንኣብነት፡ ኣብ 1997 ኣብ ቤ/ት 2ይ ደረጃ ደንደን ናይ ስፖርት መምህር ኣብ ዝነበረሉ፡ ንደቂ 14- 15 ዓመት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ህጻናት ሒዙ ናብ ኖርወይ ብምጓዓዝ ዘኹርዕ ዓወት ሒዙ ተመሊሱ። ብዘይካ’ዚ ናይ ዞባ ማእከል ናይ ተማሃሮ ኣሰልጣኒ ኮይኑ፡ ብደረጃ ዞባታት ኣብ

ዝካየድ ዝነበረ ውድድራት ን5 ግዜያት ዝኸውን ንዞባ ማእከል ዋንጫ ከም እትዓትር ገይሩ’ዩ።ኣብ 2000 መም ደምሳስ፡ ካብቶም

ንሞያ ዳንነት ዝምልከት ኮርስ ክወስዱ ዝተፈለዩ 14 መምሃራን ተመሪጹ ናይ 2ይ ደረጃ ኮርስ ዳንነት ቀሲሙ። ናይ ዳንነት ኮርስ ምስ ወሰደ። ሽሕ’ኳ ናይ 2ይ ደረጃ ዳንነት እንተነበሮ፡ በቲ ዘንጸባርቖ ዝነበረ ብሉጽ ብቕዓት ዳንነት ከኣ ግዜ ከይወሰደ’ዩ ንውድድራት 1ይ ዲቪዥን ክዳኒ ተመሪጹ።ካብ 2002 ኣትሒዙ ቀዋሚ ዳኛ 1ይ

ዲቪዥን ኮይኑ ጸወታታት ብብቕዓትን ብጽፈትን ዝመርሕ ዘሎ መም ደምሳስ፡ ኣብ 2003 ናይ 1ይ ደረጃ ኮርስ ብምውሳድ ን3 ዓመታት ዝኸውን ጸወታታት ምስ መርሐ፡ ኣብ 2006 ናይ ፈደራል ማዕረግ ወሲዱ። ካብ’ቲ ዓመት ኣትሒዙ ከኣ ከም ፈደራል ዳኛ ኮይኑ ጸወታታት ኣብ ምምራሕ ይርከብ።መም ደምሳስ፡ ከም ግቡእ ኣብ 9 ዓመት

ናይ ዳንነቱ፡ ኢንተርናሽናል ዳኛ ክኸውን ዝግቦኦ’ኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈላለዩ ቴክኒካት ምስ ብቕዓቱ ከሎ ኢንተርናሽናል ዳኛ ከም ዘይኣተወ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።ብግብጻዊ ኢንስትራክተር፡ ናይ

ሰለስተ ዓመት ስልጠናታት ብምውሳድ ሰርቲፊኬት ዝተቐበለ መም. ደምሳስ፡ በቲ ዝህቦም ውሳነታት፡ ዘርእዮም ምንቅስቓሳት ብዓቢኡ’ውን ቆማት ምስ ምዃኑ ገለ

ኣፍቀርቲ ስፖርት፡ “እቲ ንእሽቶ የውሃንስ” ክብሉ ምስ’ቲ ኣብ 80’ታትን ፈለማ 90’ታትን ብሉጽ ኢንተርናሽናል ዳኛ ዝነበረ፡ የውሃንስ ኣርኣያ የመሳስሉዎ። ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ምንባሩ

ስለዝሓገዞ’ዩ ዝኸውን ንዝኾነ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ ብተጻወትቲ ዝግበር ምትንዃላትን ሽጣራታትን ብደቂቕ ይፈልጥን ይከታተልን። ስለዝኾነ ድማ ተባዓት ውሳኔታት ዝህብን ኣብ ተጻወትቲ ናይ ምርግጋእ መንፈስ ክፈጥር ዝጽዕርን ዳኛ ክኸውን በቒዑ። መብዛሕትኦም ተጻወትቲን ኣሰልጠንትን’ውን ንውሳነኡ ስለ ዝኣምንሉ ብዘይ ተቓውሞ ይቕበልዎ። ንውሳኔታት ሸለል ስለዘይብል ከኣ ተጻወትቲ ንሜዳ ኩዕሶ ቅድሚ ምእታዎም “ናይ ሎሚ ዳኛ መም. ደምሳስ ስለዝኾነ ዘየድሊ ጌጋታት ኣይትፈጽሙ” ኢሎም ንተጻወትቶም ዝመኽሩ ኣለይቲ ከም ዘለዉ’ውን ይዝረብ’ዩ።ንኢንተርናሽናል ዝበሃሉ ደያኑ በሊጹ፡

ናይ ሃገራዊ ሊግ ብሉጽ ዳኛ ተባሂሉ ምሽላሙ ኣመና ከም ዘሐጎሶ ዝዛረብ መም. ደምሳስ፡ ተጻወትቲ ኣብ ሜዳ ዝጻረፍዎን ዝዛረብዎን ዘየድሊ ዘረባታትን፡ ተዓዘብቲ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይርእይዎን ሸልል ኢሉ ከም ዝሓልፎ፡ ተዓዘብቲ ዝርእዩዎ ዘየድሊ ናይ ኢድ ምልክታት ክገብሩ ከለዉ ግና ዘድሊ መቕጻዕቲ ከም ዝህቦም ይጠቅስ።ካብ 1993 ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ

ትምህርቲ ዞባ ማእክል ከም ናይ ስፖርት መምህር ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ መም. ደምሳስ፡ ኣብ ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ስፖርታውያን፡ ኣብ ዓበይቲ ክለባት ተጸንቢሮም ክጻወቱ ክርኢ ከሎ ዕግበት ይስምዖ።

ነይማር ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚልን ባርሰሎናን ኮይኑ ማልያ ቍጽሪ 11 ወድዩ ኣብ ምጽዋት ዝርከብ ሓደ ካብ ብሉጻት ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ዓለምና’ዩ። ካብ 2011 ኣትሒዙ’ዩ ክእለቱ ብፍሉይ ከንጸባረቕ ተራእዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ብተኸታታሊ ማለት ኣብ

ነይማር፡ ወናኒ ብሉጽ ጥበብ ጸወታ2011 ከምኡ’ውን ኣብ 2012 ናይ ላቲን ኣመሪካ ዝበለጸ ተጻዋታይ ተባሂሉ’ዩ። ምሉእ ስሙ፡ ነይማር ዳ ሲልቫ ሳንቶስ

ይበሃል። ብ5 ለካቲት 1992 ኣብ ሞጊ ዳስ ክሩዝ - ብራዚል ዝተወለደ ነይማር፡ ፍጥር ክብል’ዩ ኣብ ቅርዓት ገዛውቱ ምስ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፍቕሪ ክሕዞ ዝጀመረ። ወላዲኡ ንርእሱ ኣብ ዘመኑ ንፉዕ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ስለ ዝነበረ፡ ብምኽሪን ካልእን ማእዝን ኣብ ምትሓዙ ልዑል ተራ ምጽዋቱ ነይማር ይዝክር።ክለብ ሳንቶስ ንነይማር ፈለማ ዓይና

ዘውደቐትሉ ኣብ 2003 ነበረ። ኣብ ክለብ ሳንቶስ ናይ ስፖርት ኣካዳሚ ድሕሪ ምስልጣኑ ምዃኑ’ዩ። ኣብቲ እዋን፡ ክለብ ሳንቶስ ንኦስተ 2 ብ 1 ኣብ ዘሰነፈትሉ ጸወታ ከም ሞያዊ ተጻዋታይ ክሳተፍ ክኢሉ። ኣብ ዝስዓበ ሰሙን ኣንጻር ሞጊ ሚሪም ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ከኣ ናይ መጀመርታ ሸቶ ብምምዝጋብ ንሳንቶስ ሞሳ ክመልስ ጀሚሩ። ኣብ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ብራዚል ሳንቶስ ንጉዋራኒ ኣብ ሚያዝያ 2010 ብገፊሕ፡ ማለት 8 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ድማ ነተን 5 ሸቶታት ኣብ ውሽጢ ሰኪዐት ዘዕረፈ ነይማር ነበረ። ኣብ ዝቐጸለ 19 ግጥማት ካምፕዮናቶ

ፖሊስታ 14 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይ ብሉጻት ብሉጽ ሽልማት ምስ ዓተረ ኸኣ ኣፍቀርቲ ስፖርት ምስ ከም በዓል ሮቢኖን ንጉስ ኵዕሶ እግሪ ፔለን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ከዋኽብቲን ሰብ ዝናን ደቂ ዓዱ ብራዚላውያን ተጻወትቲ ከወዳድርዎ ተሰሚዖም።ኣብ 2009 ምስ ክለብ ሳንቶስ ከሎ

እቲ ዝንኣሰ ኮኾብ ተጻዋታይ ዝነበረ ነይማር፡ ብውሕሉል ኣጸዋውትኡ ተሸላሚ ‘ ብሮንዝ ኵዕሶ ’ ኮይኑ ተሸሊሙ’ዩ። ኣብ ለካቲት 2012 ከኣ ኣብ ውድድር ካምፕዮናቶ ፖሊስታ ኣንጻር ፓልመይራስ ኣብ ዝተገብረ ግጥም ከም ሞያዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ መበል 100 ሸቶኡ ብምምዝጋብ ስሙ ኣብ ጐኒ ጎባልል ተጻወትቲ ብኽብሪ ከወርቕ በቕዐ፡፡ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን 2012 ውድድር ኮፓ ሊበርታዶር ድማ ክልተ ሳዕ ሃትሪክ ሰሪሑ ናይ’ቲ ዙር ኮኾብ ተጻዋታይ ተባሂሉ’ዩ።ነይማር፡ ኣብ ሰነ 2013 ብ 57 ሚልዮን

ዩሮ ክሳብ 2018 ዘጽንሖ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዕል ምስ ክለብ ባርሰሎና

ብምኽታም ክለብ ሳንቶስ ተፋነዋ። ምስ ክለብ ባርሰሎና ኮይኑ’ውን ጽቡቕ ምንቅስቓስ ኣብ ምርኣይ ይርከብ። ነይማር ንሃገራዊት ጋንትኡ

ብራዚል’ውን ዘይንዓቕ ኣበርክቶ’ዩ ነይርዎ። ኣብ 2013 ውድድር ዋንጫ ኮንፈደሬሽናት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግጥም ሸቶ ብምምዝጋብ ንሃገሩ ብራዚል ዋንጫ ብምውናን ኣኽሊል ዓወት ክትደፍእ ዘብቅዕዋ’ዩ። በቲ ንልቢን ዓይንን ዝምስጥ ግሩም ኣጻውታኡን ልዑል ኣበርክቶኡን ናይ’ቲ ውድድራት ዝበለጸ ተጻዋታይ ብምዃን ወርቃዊት ኵዕሶ ተሸሊሙ።ብዝውንኖ ናይ ኣጻውታ ጥበባት

ከምኡ’ውን “ኤለትሪካዊ” ወይ’ውን “በርቃዊ” ተባሂሉ ብዝግለጽ ፍሉይ ስልቲ ኣሸኻኽዓኡ፡ መሃዝነቱ፡ ቴክኒካዊ ብስለቱን ብሉጽ ቅዲ ኣጻውታኡን፡ ሰብ ሞያ ስፖርት፡ ምስ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለምናን ወዲ ዓዱን ዝኾነ ሮናልዲኖ፡ ገለ- ገለ ምስ ብራዚላዊ ፔለ፡ ገለ ከኣ ምስ ኣርጀንቲናዊ ልዮነል መሲ ዘነጻጽሩዎ ኣይተሳእኑን። እንተኾነ ነይማር፡ “መሲ’ኮ ልዕሊ

ኩሉ’ዩ፡ ኣነ ምስኡ ክወዳደር ኣይክእልን’የ” ክብል ብምቕሉልነት ይዛረብ። ብራዚላዊ ሮናልዲኖ ግን “ነይማር እቲ ዝበለጸ ናይ ዓለምና ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ክኸውን’ዩ” ብምባል ይንበ።

Page 8: FANY JOKES! - 50.7.16.23450.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_26012014.pdf · FANY JOKES! 1. Who? And whom? (a) Who? Don’t say: Whom do you think will be chosen? Say: Who do you

ሓዳስ ኤርትራ 26 ጥሪ 2014 - ገጽ 8

8 8

M] ALKo„í mkMqImklX ›ªD÷ IpM