ቱርካዊት ጉጅለ ሙዚቃ ምርኢት...

12
መበል 25 ዓመት ቁ.212 ረቡዕ 4 ግንቦት 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ሌስተር ሲቲ ዘውዲ ሻምፕዮን ፕሪመር ሊግ ደፊኣ ገጽ 3 ኣበርክቶ ስንኩላን ዝሞገሰ ተበግሶ! ገጽ 4 ጀጋኑ ኣብ ሰፈር ጀጋኑ ገጽ 7 መጽለሊ ገጽ 6 ስእላዊ መግለጺ መንግስታት ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ንዘሎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ውዕል፡ ብ3 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ከቲሞም። ነቲ ሰነድ፡ ብወገን ኤርትራ - ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ብወገን ቻይና ድማ ኣምባሳደር ናይ’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኲዩ ሹጁን’ዮም ክታሞም ኣንቢሮምሉ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ውዕል፡ ኣብ ቀረብ መድሃኒትን መሳርሒታትን፡ ቻይናውያን ሞያውያን ሕክምና ናብ ኤርትራ መጺኦም ከበርክቱን ተመኲሮ ናይ ምልውዋጥ ንጥፈታት ከካይዱን፡ ከምኡ’ውን ካልእ ናይ ምትሕግጋዝ ባይታ ምጥጣሕ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ንምትሕግጋዝ ውዕል ከቲመን ዘጠቓለለ’ዩ። ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምእተኻየዱ፡ ቻይናውያን ሞያውያን ሕክምና ናብ ኤርትራ እናመጹ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከ ቡ፡ ንኣስታት 300 ዜጋታት ዘካየድዎ ናይ ዓጽረ-ሽንቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ድማ ካብ’ቲ ብፍሉይ ዝጥቀስ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ብዘሎ ጽቡቕ ዝምድና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዘተኰረ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምዝሰላሰል ይፍለጥ። ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነትና ንምድማቕ ዝመጸት ቱርካዊት ጉጅለ ሙዚቃ፡ ብ1ን 2ን ግንቦት ኣብ ኣዳራሽ ሲነማ ኣስመራ ፈላሚ ምርኢት ኣቕሪባ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣምባሳደራትን ካልኦት ዲፕሎማትን፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽን ህዝብን ዝተረኽቡሉ መደብ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ተሳታፍነት ናይ’ዛ ጉጅለ ኣብ ጽምብል ናጽነትና፡ መርኣያ ናይ’ቲ እናማዕበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝምድናታት ክልቲኤን ሃገራትን ህዝብታተንን ምዃኑ ገሊጹ። ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ፊራት ሱነል ብወገኑ፡ ንታሪኻዊ ዝምድናታት ህዝብታት ኤርትራን ቱርኪን ብምጥቃስ፡ ከም ዲፕሎማት ናብ ኤርትራ ምምዳቡ ሓበን ከምዝስመዖን፡ ነቲ ዝምድና ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምድያቡ ከምዝሰርሕን ሓቢሩ። እታ ብምትሕባብር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላትን ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ኤርትራን ብዝተገብረላ ዕድመ ዝመጸት ጉጅለ ሙዚቃ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን፡ ዝተፈላለየ ምርኢታት ንህዝቢ ከም እተቕርብ፡ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብኣጋጣሚ ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት፡ ብምትሕብባር ባህላዊ ጉዳያት ኤርትራን ቱርኪን፡ “ህጻናትን ተፈጥሮን’’ ብዝብል ቴማ ስእላዊ ውድድር ተኻዪዱ። ኣብቲ ካብ 32 ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተዋጽኡ 558 ቈልዑ ዝተሳተፍዎ ውድድር ንዝተዓወቱ 25 ብሉጻት ቀባእቲ ድማ፡ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዋሂቡ። ቱርካዊት ጉጅለ ሙዚቃ ምርኢት ኣቕሪባ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን፡ ሕማም ዓሶ ንምቊጽጻር ዝተኻየደ ጻዕሪ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ብምኽንያት 25 ሚያዝያ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምምካት ዓሶ፡ ኣብ ኣቑርደትን ጊንዳዕን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ብሰልፊን መግለጺ ክኢላታትን ዝተሰነየ መደብ፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ሓደገኛነቱ ንምቊጽጻር ዝተሰላሰለ ዝተወሃሃደ ስራሕ፡ ገስጋሱ ዘተባብዕ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ዝያዳ ስራሕን ውህደትን የድሊ ከምዘሎ ተገሊጹ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሕማም ዓሶ ናብ ደረጃ ምቊጽጻር ወሪዱ ዶ/ር ልኡል ባንተይርጋ፡ ናብ 2 ገጽ ይቕጽል ናብ 2 ገጽ ይቕጽል ንጽምብል መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ብደረጃ ሃገር - ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ሓቢሩ። ምስ ኤሪና ኣብ ዝገብሮ ቃለ- መሕትት፡ ኣምባሳደር ዘመደ፡ መደባት ጽምብል ናጽነት ሽሕ’ኳ ካብ 2 ግንቦት ኣትሒዙ ብዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ይካየድ እንተሎ፡ ብወግዒ 16 ግንቦት ኣብ ቀንዲ ጎደናታትን ሲነማታትን ብዝቐርቡ መደባት ከምዝጅምር ኣብሪሁ። “ርብዒ ዘበን ኣብ መኸተን ልምዓትን” ዝብል ቴማ ናይ’ዚ ጽምብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታትን ኲናትን እናመከተ ንዘሰላሰሎ ልምዓታዊ መደባትን ገስጋሱን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ምድላዋት ንጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት ተጻፊፉ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ናይ ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ጋሽ- ባርካን ደቡብን ዑደታ ዛዚማ ዞባ ዓንሰባ ስ/ ሳልሕ ዓብደልቃድር ስ/ የውሃንስ መብራህቱ ርብዒ ዘበን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!

Upload: others

Post on 25-Mar-2020

68 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

መበል 25 ዓመት ቁ.212 ረቡዕ 4 ግንቦት 2016 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ሌስተር ሲቲ ዘውዲ

ሻምፕዮን ፕሪመር ሊግ ደፊኣ

ገጽ 3ኣበርክቶ ስንኩላን ዝሞገሰ

ተበግሶ!

ገጽ 4ጀጋኑ ኣብ ሰፈር ጀጋኑ

ገጽ 7መጽለሊ

ገጽ 6ስእላዊ መግለጺ

መንግስታት ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ንዘሎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ውዕል፡ ብ3 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ከቲሞም።ነቲ ሰነድ፡ ብወገን ኤርትራ - ሚኒስተር

ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ብወገን ቻይና ድማ ኣምባሳደር ናይ’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኲዩ ሹጁን’ዮም ክታሞም ኣንቢሮምሉ። ትሕዝቶ ናይ’ቲ ውዕል፡ ኣብ ቀረብ

መድሃኒትን መሳርሒታትን፡ ቻይናውያን ሞያውያን ሕክምና ናብ ኤርትራ መጺኦም ከበርክቱን ተመኲሮ ናይ ምልውዋጥ ንጥፈታት ከካይዱን፡ ከምኡ’ውን ካልእ ናይ ምትሕግጋዝ ባይታ ምጥጣሕ

ኤርትራን ቻይናን ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ንምትሕግጋዝ ውዕል ከቲመን

ዘጠቓለለ’ዩ።ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምእተኻየዱ፡ ቻይናውያን ሞያውያን ሕክምና ናብ ኤርትራ እናመጹ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከቡ፡ ንኣስታት 300 ዜጋታት ዘካየድዎ ናይ ዓጽረ-ሽንቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ድማ ካብ’ቲ ብፍሉይ ዝጥቀስ ምዃኑ ተፈሊጡ።ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን

ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ብዘሎ ጽቡቕ ዝምድና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት

ዘተኰረ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምዝሰላሰል ይፍለጥ።

ጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነትና ንምድማቕ ዝመጸት ቱርካዊት ጉጅለ ሙዚቃ፡ ብ1ን 2ን ግንቦት ኣብ ኣዳራሽ ሲነማ ኣስመራ ፈላሚ ምርኢት ኣቕሪባ።ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን

ግንባርን፡ ኣምባሳደራትን ካልኦት ዲፕሎማትን፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽን ህዝብን ዝተረኽቡሉ መደብ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ተሳታፍነት ናይ’ዛ ጉጅለ ኣብ ጽምብል ናጽነትና፡ መርኣያ ናይ’ቲ እናማዕበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝምድናታት

ክልቲኤን ሃገራትን ህዝብታተንን ምዃኑ ገሊጹ።ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኤርትራ፡

ሚስተር ፊራት ሱነል ብወገኑ፡ ንታሪኻዊ ዝምድናታት ህዝብታት ኤርትራን ቱርኪን ብምጥቃስ፡ ከም ዲፕሎማት ናብ ኤርትራ ምምዳቡ ሓበን ከምዝስመዖን፡ ነቲ ዝምድና ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምድያቡ ከምዝሰርሕን ሓቢሩ።እታ ብምትሕባብር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ

ሽማግለ በዓላትን ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ኤርትራን ብዝተገብረላ ዕድመ ዝመጸት ጉጅለ ሙዚቃ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ

እትጸንሓሉ እዋን፡ ዝተፈላለየ ምርኢታት ንህዝቢ ከም እተቕርብ፡ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብኣጋጣሚ

ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት፡ ብምትሕብባር ባህላዊ ጉዳያት ኤርትራን ቱርኪን፡ “ህጻናትን ተፈጥሮን’’ ብዝብል ቴማ ስእላዊ ውድድር ተኻዪዱ።ኣብቲ ካብ 32 ኣብያተ-ትምህርቲ

ዝተዋጽኡ 558 ቈልዑ ዝተሳተፍዎ ውድድር ንዝተዓወቱ 25 ብሉጻት ቀባእቲ ድማ፡ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዋሂቡ።

ቱርካዊት ጉጅለ ሙዚቃ ምርኢት ኣቕሪባ

ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን፡ ሕማም ዓሶ ንምቊጽጻር ዝተኻየደ ጻዕሪ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ብምኽንያት 25 ሚያዝያ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምምካት ዓሶ፡ ኣብ ኣቑርደትን ጊንዳዕን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተገሊጹ።ኣብ’ቲ ብሰልፊን መግለጺ

ክኢላታትን ዝተሰነየ መደብ፡ ተርእዮ ሕማም ዓሶ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ሓደገኛነቱ ንምቊጽጻር ዝተሰላሰለ ዝተወሃሃደ ስራሕ፡ ገስጋሱ ዘተባብዕ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ዝያዳ ስራሕን ውህደትን

የድሊ ከምዘሎ ተገሊጹ።ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ

ሕማም ዓሶ ናብ ደረጃ ምቊጽጻር ወሪዱ

ዶ/ር ልኡል ባንተይርጋ፡

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ንጽምብል መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ብደረጃ ሃገር - ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ሓቢሩ።ምስ ኤሪና ኣብ ዝገብሮ ቃለ-

መሕትት፡ ኣምባሳደር ዘመደ፡ መደባት ጽምብል ናጽነት ሽሕ’ኳ ካብ 2 ግንቦት ኣትሒዙ ብዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ይካየድ እንተሎ፡ ብወግዒ 16 ግንቦት ኣብ ቀንዲ ጎደናታትን ሲነማታትን ብዝቐርቡ መደባት ከምዝጅምር ኣብሪሁ።“ርብዒ ዘበን ኣብ መኸተን

ልምዓትን” ዝብል ቴማ ናይ’ዚ ጽምብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታትን ኲናትን እናመከተ ንዘሰላሰሎ ልምዓታዊ መደባትን ገስጋሱን ዘንጸባርቕ ምዃኑ

ምድላዋት ንጽምብል ብሩራዊ እዮቤልዩ ናጽነት ተጻፊፉ

ዝገለጸ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ናይ ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ጋሽ-ባርካን ደቡብን ዑደታ ዛዚማ ዞባ ዓንሰባ

ስ/ ሳልሕ ዓብደልቃድር

ስ/ የውሃንስ መብራህቱ

ርብዒ ዘበን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 2መበል 25 ዓመት ቁ.212

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ ዋና ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ

12፡00 ካርቱን 12፡30 ዜና ትግርኛ12፡50 ማህደር - ገድሊ ትውፊት ክብርታት 13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ካብ ሰዓት 13፡40 ጀሚርና ብምኽንያት

ቅንያት ናጽነት ነዚ ዕለት’ዚ ዝገልጽ ዝተፈላለየ መደባት ከነቕርብ ኢና 20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ሸካት - ውርሻ ባህልና 21፡00 ዜና ትግርኛ 21፡25 ኖሪት - ምስ ተጋዳሊት ዘቢብ ሃ/ማርያም

ሓላፊት ክራይ ኣባይቲ ከረን ብቐጥታ22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 ኢድኣት22፡30 ዜና እንግሊዝ22፡40 In Focus23፡00 ዶክሜንታሪ ፊልም - ክንፊ መጻወድያ

ጋሽ-ባርካ፡ ዶ/ር ልኡል ባንተይርጋ፡ ዓሶ ብፍላይ ኣብ’ተን ትሕተ-ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሓደገኛ ሕማም ኮይኑ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ ሃገርና ሳላ ዝተኻየደ ኣብ ምክልኻልን ፍወሳን ዘተኰረ ንጥፈታት፡ እቲ ሕማም ናብ ደረጃ ምቊጽጻር ወሪዱ ምህላዉ ኣብሪሁ።ኣብ ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ፡

መዲካል ዶክተር ዳዊት እስቲፋኖስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ተርእዮ ሕማም

ሕማም ዓሶ . . .ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

በጺሓ ዘላ ሽግ ናጽነትን ዝግበረላ ዘሎ ኣቀባብላን፡ ነቲ ጽምብል ተወሳኺ ማዕርግ ከምዝሃበቶ ኣረዲኡ።መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት፡

ሽግ ናጽነት፡ ባህላዊ ምርኢት፡ ካርኒቫል፡ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ መደባት ቈልዑ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ኮማዊ ዳሳትን ቅነ-ናጽነት ኣብያተ-ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብራ ማሕበረኮማት ንጥፈታተን ዘላልያሉ መደባት ሓቚፉ ከምዝብዓል፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጻ ጉጅለታት ባህሊ ዘቕርባኦ ምርኢታት’ውን ኣካል ናቱ ምዃኑ ተፈሊጡ።እቲ ጽምብል ብቐንዱ ናይ ህዝቢ

ስለዝኾነ፡ ንድምቀቱ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ዘጠራጥር ከምዘየለ ድማ ኣስሚሩሉ።ኣብ’ዚ ጽምብል ንምስታፍ ብኣሽሓት

ዝቚጸሩ ዜጋታት ድሮ ካብ ወጻኢ ክመጹ ጀሚሮም ምህላዎም ዝሓበረ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲን ኣብ ዳግመ-ህንጸትን መኸትን ኣብ ጐድኒ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ደው ንዝበሉ ወጻእተኛታት ኣዕሩኽ ኤርትራ’ውን ዕድመ ተገይሩሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ምድላዋት ንጽምብል . . .

ዓሶ ምስ ክራማትን ወቕቲ ኤልኒኖን ክልዕል ስለዝኽእል፡ ዕቋር ማያት ክድፈኑ፡ መኽደን ኣልቦ ባስካታት ክዕጸዉ፡ ምልክታት ዓሶ ኣብ ዝረኣየሉ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ምኻድ፡ ከምኡ’ውን ግቡእ ኣጠቓቕማ ላሙስያ ክዝውተር ኣዘኻኺሩ።ኤርትራ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ

ምቊጽጻር ሕማም ዓሶ ርኡይ ገስጋስ ካብ ዘመዝገባ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ይፍለጥ።

ፋርማሲቲካዊ ማሕበር ኤርትራ፡ “እኹል ፍልጠት ንውሑስ ሂወት” ብዝብል ቴማ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ውሕሉል ኣጠቓቕማ መድሃኒት ክብ ንኽብል ዝወደቦ ቅነ መድሃኒት፡ ካብ 2 ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል ይካየድ ኣሎ።ኣብ ምጅማር ናይ’ዚ ቅነ፡ ንተመሃሮ

ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ደምበ-ሰምበል ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ፕረዚደንት ፋርማሲቲካዊ ማሕበር ኤርትራ፡ ኣቶ ዳዊት ተስፋይ፡ ህዝቢ ንዝእዘዘሉ መድሃኒት ብጥንቃቐ ክሕዝን ብኣገባብ ክጥቀመሉን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተዋህቦ መድሃኒት - ስሙ፣ ጥቕሙን ጎድነኣዊ ሳዕቤኑን ምሉእ ሓበሬታ ካብ በዓል ሞያ ክወስድን ብግቡእ ክርድኦን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።ኣብ’ቲ ቅነ ኣብ ምጒስጓስ ዝሳተፉ

ዘለዉ ተመሃሮ ኮሌጅ ጥዕና ኣስመራ፡

“እኹል ፍልጠት ንውሑስ ሂወት” ቅነ መድሃኒት

ዮሃና ተኽለን መርሃዊ ስዩምን፡ በዓል ሞያ መድሃኒት ክእዝዝ እንከሎ፡ ነቲ ሕማምን ዕድመ ሕሙምን ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ፡ ንኻልእ ሰብ ስለዘሕወዮ ወይ ካብ ወጻኢ ተሰዲዱልና እናበልካ ብዘይግቡእ መርመራ ዝውሰድ መድሃኒታት ሳዕቤናቱ ከምዝገድድ፡ ብስእሊ ዝተሰነየ መብርሂታት ሂቦም።

ቅነ መድሃኒት ኣብ ዞባ ማእከል ክሳብ 6 ግንቦት ክቕጽል ምዃኑ፡ ኣብ ከተማታት መንደፈራ፡ ከረንን ጊንዳዕን ድማ ክካየድ መደብ ከምዘሎ፡ ካብቲ ማሕበር ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።ብ1992 ዝተመስረተ ፋርማሲቲካዊ

ማሕበር ኤርትራ፡ ንሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣጠቓቕማ መድሃኒት ግቡእ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ይነጥፍ።

ተራ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ መኸተን ልምዓትን፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ከምዝሕዝ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ገሊጻ።ኣብ ኣሃዱታት እዚ ምብራቕ ምስ

ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ፡ ወይዘሮ ተኽኣ፡ ናጽነት ንምምጻእን ልኡላውነት ንምውሓስን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ዕዙዝ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ታሪኽ ዝምስክሮ ምዃኑ፡ ሓደስቲ ወለዶታት ድማ ነዚ ረዚን ታሪኽ’ዚ ብልምዓት ንምዂላዑ፡

ናይ ትምህርትን ሞያን ዕድላት ብግቡእ ክጥቀማሉ ኣተሓሳሲባ።ወይዘሮ ተኽኣ፡ ሃማደኤ ኣብ 7ይ

ጉባኤኡ፡ ብቐንዱ ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ ሰፋሕቲ መደባት ሓንጺጹ ምህላዉ ብምሕባር፡ ብዕቱብ ክሳተፋኦ ኣዘኻኺራ።ተሳተፍቲ ብወገነን፡ ከምዚ ዓይነት

ሰሚናራት ኣፍልጦአን ክብ ኣብ ምባል ዝሕግዝ ስለዝኾነ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብየን። ንምሕያለን ዝግበር ጻዕሪ ንምዕዋት ብዝለዓለ ክነጥፋ ምዃነን ድማ ኣረጋጊጸን።

“ተራ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ፍሉይ እዩ”

ፕረዚደንት ሃማደኤ

ነበርቲ 9 ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ዳዕሮ-ኲንዓት - ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብን ከባቢኦም ንምርጋእን፡ ኣብ ሕርሻዊ መሬቶም ወፈራታት የካይዱ’ለዉ።ነበርቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡

እቲ ዕላማ ሕርሻዊ እቶት ንምኽዕባትን መሬት ብፍግረ-መሬት ተባሕጒጉ ንኸይከይድን ኮይኑ፡ ምስራሕ

ወፈራዊ ማእቶት ኣብ ዳዕሮ-ኲንዓት!

ከትርታትን ዛላታትን ከምዘጠቓልል ገሊጾም።ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዳዕሮ-

ኲንዓት ኣቶ ተስፋማርያም ገብራይ፡ ነቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመርዎ ወፈራዊ ማእቶት፡ ኣብ ሰሙን 4 መዓልቲ እናወፈሩ የሰላስልዎ ምህላዎም ብምሕባር፡ ንተሳትፎ ደቂኣንስትዮ መጒሱ።

ስ/ ሄኖክ መኮነን

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 3መበል 25 ዓመት ቁ.212

ናጽነት ንምምጻእን ልኡላውነት ንምውሓስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ስንክልናን፣ ኤርትራውያን ንዘልኣለም እንሕበነሉ መለለይና እዩ። ንስለ ሃገርን ክብረትን - ኣብ ንጹር ዕላማ ስለዝተኸፍለ። ስንክልና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከጋጥም ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ምእንቲ ህዝብኻ ግን ሓላል‘ዩ። ንረብሓ ሓፋሽ እናኣገልገልካ ኣብ ዕላማኻ

ጸኒዕካ እናሰራሕካ ዘጋጥሙ ስንክልናታት፡ ኣብ ኤርትራ ከም ስልማት ዝቑጸሩሉ ባህሊ እዩ። ነዚ ክትዕዘብ ከለኻ እምበኣር፡ ዘሐብንን ተመሊሱ ንውሽጢ ሕልናኻ ዝኹሕኩሕን‘ዩ። ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ዘጋጠመ

ዝተናወሐን ተደጋጋምን ኲናት፣ ብሓገዝ መንግስትን ህዝቢን ዝናበሩ ስንኩላን፡ ብዓይነትን ደረጃታትን ስንክልና’ኳ ዝፈላለዩ እንተኾኑ - ኣለዉና። መንግስቲ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣበርክቶ

ሕብረተሰብ ዝለዓለ ግምት ብምሃብ፣ ስንኩላን ማሕበር ብምቛም ብመንገዱ ዝተፈላለየ ሓገዛት ከምዝረኽቡን ምትብባዕ ከምዝሰንቁን ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ብኣውራኡ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ስንኩላን ባዕላቶም ካብ ካልእ ከይተጸበዩ ሕጽረታቶም ኣብ ምምላእ ዝሰርሕ ማሕበር ከቑሙ ኩሉ-መዳያዊ ሓገዝ ገይሩ። ሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ ኤርትራ (ሃ ማ ስ ኲ ተ ኤ) ብሓገዝ መንግስቲ ዝቘመ ኮይኑ፣ ዕማማቱ ንምስላጥ፡ መንግስቲ፡ ህዝቢን ካልኦት ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን ሓገዛቶም ከበርክቱ ብምውዳብ፡ ሽግር ስንኩላን ንምቅላል ዝጽዕር ማሕበር’ዩ። ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ምሕበር ስንኩላን

ኲናት ተጋደልቲ ኤርትራ፡ መምህር

ገብረብርሃን ኢያሱ፡ ንምቛም እዚ ማሕበርን ዕማማቱን ክገልጽ ከሎ -“ስንክልና መናብርቲ ወዲ ሰብ እዩ ። ስንክልና ካብ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድለት ዝስዕብ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ጥዕናን ማሕበራዊ ጸገማትን ዝተዋሃሃደ ስለዝኾነ ኣዝዩ ኣካታዕን ዝተሓላለኸን‘ዩ። ይኹን እምበር፡ ብዝተፈላለዩ ስርዓታት

ወይ መንግስታት ከም ማሕበራዊ ጸገም ተቘጺሩ ዝተፈልየ ቆላሕታ ይዋሃቦ ስለዘይነበረ፣ ስንኩላን ብዙሕ ግፍዕታት፡ ጭቆናን ምዝመዛን እዩ ዘጋጥሞም ዝነበረ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ግን ጉዳይ ስንኩላን ፍልይ ብዝበለ ኣታሓሕዛ እዩ ዝተሓዝ ነይሩ። ዋላ ኣብቲ መሪር ኲናት ዝነበረሉ እዋናት እውን ከይተረፈ፡ ንጉዳይ ስንኩላን ጎስይዎ ኣይፈልጥን ህዝባዊ ግንባር። ጉዳይ ስንኩላን ኣብቲ ንሓርነታዊ ቃልሲ መወከሲ ዝኸውን ሰነዳት ብንጹር ሰፊሩ፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ

ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ትኻቲዕሉን፡ ንዝያዳ ኣበርክቶ፡ መደባት ብምሕንጻጽ ተግቢሩዎን‘ዩ። ካብ ቀንዲ ዕላማታቱ፡ ንስንኩላን ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ካልኦት ስንኩላን ዜጋታት፣ ሰብኣዊ መሰላቶም ብምሕላው፣ ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝረኽቡሉ ባይታ ምጥጣሕ’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ህዝባዊ ግንባር ንስንኩላን ዝተፈላለየ ሓገዛት ዘበርክታ ማሕበራት ኣብ ውሽጢ ሜዳን ወጻእን ብምምስራት ንማሕለኻታት ስንክልና ዜጋታቱ ንምፍታሕ ይጽዕር ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት እውን እንተኾነ፡ ማሕበር ከቑሙ ብምሕጋዝ፡ ጉዳያት ስንክልና ብዕቱብ ክስርሓሎም ጸኒሑን ኣሎን።”‘ማሕበር ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ

ኤርትራ’ ናጻን ዘይመንግስታውን ማሕበር’ዩ። መደባቱ ንምትግባር ብዘይካ’ቲ ካብ መንግስቲ ዝዋሃቦ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዛት፣ ብናቶም ተበግሶ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ምፍታሕ ሽግር ናይ’ዞም ስንኩላን እጃሞም ከበርክቱ ጸኒሖምን ኣለዉን። ጸብጻባት ናይ’ዚ ማሕበር ከም ዘመልክትዎ፡ ክሳብ ሕጂ ብንዋት፣ ንመዓልታዊ ንጥፈታት ስንኩላን ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒታትን ሕክምናዊ ሓገዛትን ኣብ

ኣበርክቶ ስንኩላን ዝሞገሰ ተበግሶ!ነስረዲን ኣደምኑር

ምሃብ ይነጥፉ ኣለዉ። ንኣበርክቶ ናይ ወጻኢ ማሕበራት ብዝምልከት መምህር ገብረብርሃን ከብርህ ከሎ፣ “ እዚ ማሕበር፡ ኣብ 1994 ስርሑ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1994 ገለ ውሱናት ውልቀ-ሰባት ኣብ ሽወደን ጨንፈር ከቑሙ ፍቓድ ክዋሃቦም ሓቲቶም። ምኽንያቱ፡ ‘መነባብሮና ካብ መነባብሮ ናይዞም ስንኩላን ስለዝሓይሽ፡ ንሕና ድማ ብዓቕምና ጸገማቶም ንምፍታሕ ክንጽዕር ኢና’ ኢሎም ተብግሶ ብምውሳድ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ክሳብ ለይተ-ሎሚ መናባብሮኦም ንምምሕያሽን ጸገማቶም ንምክፋልን ይጽዕሩ ኣለዉ። ንምቛም ጨንፈራት ኣብ ወጻኢ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ‘ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንዓይ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ምውሳድኩም ሸውሃት ተቓለስቲ ዘበራብር፡ ንኣበርክቶ ስንኩላን ድማ ዝሙግስ እዩ’ ኢሉ ነይሩ። ብድሕሪ እዚ፡ ምሳና ርክብ ቀጺሎም። ኣብ ዝሰዓቡ ዓመታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ናይዚ ኣብነት ብምኽታል፡ ኣብ ሆላንድ፡ ነርወይ፡ ጀርመን፡ ደንማርክን ኣሜሪካን ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምን ቈይመን ዝተፋላለየ ሓገዛት የበርክታ ኣለዋ።”ካብ ቀንዲ መደባት ናይ’ዘን ጨንፈራት

ኣብ ወጻኢ፣ ዕላማታት ማሕበር ምትግባር ኮይኑ፣ ብኣኡ ኣቢሎም፡ ኩነታት ስንኩላን ኣብ ሃገርና ንወጻእተኛታት መብርሂታትን ጎስጓሳትን ብምግባር፡ ኣብ ዝውደቡን ባዕላቶም ዝወደቡዎምን ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ኤርትራ ንዝነብሩ ስንኩላን ጸገማቶም ንምቅላል ምስራሕ እዩ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣስታት 30 ሚልዮን ዝግምገም ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩ ከለዉ፣ ብንዋት ድማ ከም ዓረብያ ስንኩላን፡ ብሽክለታታት፡ ፍርናሻት፡ መደቀሲ ዓራውቲ፡ ዊልቸራትን ዝተፈላለዩ ናይ ሕክምና ናውትን ኣፋውስን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ዘይተዘርዘሩ ንስንኩላን ኣገደስቲ ዝኾኑ ጥረ-ነገራት ኣበርኪቶምን ኣብ ምብርካት ይርከቡን። መምህር ገብረብርሃን ብዛዕባ’ዚ - “እዘን ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ጨናፍርና፡ ብናቶም ሰናይ ተበግሶ ብዝነጥፉ ዜጋታት ዝቘማ ስለ ዝኾና፡ ካባና ዝሓትዎ ዝኾነ ጠለባት የለን። በቲ ሓደ ወገን ግን ንሕና ኣብኦም ንምርኰስ፣ ንሶም ዝዓምዎም መደባት ብምስራዕ

ኣብ ምትግባሮም ብሓባር ንሰርሕ። ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ገንዘብ ይልእኩ፣ ብዓይነት ዘይተኣደነ ንብረት’ዮም ዝሰዱ። ፓራሜዲካል መሳሪሒታት፡ መራኹስ፡ ዓረብያታት ናይ ስንኩላን፡ ዊልቸራት፡ ኮምፒዩተራት፡ ፍርናሻት፡ ዓራውቲ ስንኩላን፡ ናውቲ ጽሕፈት፡ ሰፈይቲ መኻይን፡ ቲቪ፡ መድሃኒት፡ ናውቲ ሕክምና፡ ዋላ እዛ ንጥቀመላ ሚኒባስ ካብኣቶም ዝረኸብናያ እያ። እዚ እንተዘይንረክብ ነይርና ንሕና’ውን ንገዛእ ርእስና ምስዞም ስንኩላንና ካብን ናብን ክንንቀሳቐስ ኣይምኸኣልናን። ብዘይካ’ዚ ክልተ ኣብያተ ስልጠና ኮምፒተር ኣብ መንደፈራን ባረንቱን ሃኒጾም። ኣብ መንሱራ ፕሮጀክት ናይ 14 ተሰሓቢ ዓረብያታት ዝጀመርናያ ነይራ ኣብ ዴንማርክ ዝቕመጡ ኣብ መፈጸምታ ኣብጺሖምዋ። ተመሳሳሊ ፕሮጅክት ናይ 17 ዓረብያታት ኣብ ድቀምሓረ ኣብ ኦምዩ-ሽወደን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ምስ ኣባላት ሃማደኤ ናይቲ ዓዲ ብምትሕብባር ኣሰላሲሎምዋ። ናብራ ሰደት ተጻዊሮም፣ ውራይ ስድራቤቶም ኣማሊኦም፣ ጉዳይ ሃገር ዓሚሞም፣ ንሕና ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ንሓይሽ ብምባል እዮም ዝሰዱልና።”ሕብረተሰብ እናተተኻኽአ እዩ

ዝሓልፍ። ኣብቲ መስርሕ ግን መን እንታይ ገዲፉ? ዝብል ሕቶ፡ ታሪኽ ዝምልሶ ዓቢ ግድል ናይ ሂወት ክኽውን የብሉን። ገለን ኢደ እግሩን ጠቕላላ ኩለንትናኡን ንሓፋሽ ብምውፋይ ዓቢ ሓድጊ ይገድፍ፡ ገለን ከኣ ንሰራሕቲ ታሪኽ ኣለኹ ኣብ ጎድንኹም ብምባል ሞሳኦም ይኸፍል። ናብራ ስደት ተጻዊሮም ደሃይ ንዘይህቡ ስንኩላን ኣሕዋቶም ደሃይ ዝልግሱ ግን ሕልናዊ ዕረፍቲ‘ዩ ድራሮም። መደባት መጻኢ ናይ’ዞም ኣብ

ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታትን ተሰሪዑ ብዛዕባ ዘሎ መደባትን መምህር ገብረብርሃን ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ - “ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝትግበሩ መደባት፣ ካብ ኦክላንድ (ኣሜሪካ) ኣብ መንደፈራ ዝትግበር ናይ ሰረገላ መደባት ክነጥፉ እዮም። ኣብ ማይምነ ካልእ መጥሓን እኽሊ ንምቛም ንቀራረብ ኣለና። ነዚኣ ኸኣ ኣብ ሽወድን ዝቕመጡ ክዓሙዋ እዮም። ናይ ነርወይ ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ቀጽሪ ንእትርከብ ትካል መነጸር ዓይኒ ዝኸውን ፍሬማትን ኣገደስቲ ማሽነሪታትን ቅድሚ ሕጂ ሰዲዶም እዮም፣ ንብሕጂ እውን ኣብ ምህብታማ

ዘድልዩ ጥረ ነገራት ኣብ ምትሕግጋዝ ክነጥፉ እዮም። ኣብ ሽቱትጋርት ዝቕመጡ፣ ዝተፈላለያ ብሽክለታታት ክሰዱልና ጸኒሖም ኣለዉ - ነዚ ክቕጽልዎ እዮም። ሽያጥ ናይ’ዘን ብሽክለታታት መተግበሪ ዝተፈላለዩ መደባት ማሕበር ዝውዕል’ዩ። እዝን ካልእን ዘይተጠቕሱ ፕሮጀክትታት ኣብ ምትግባር ክነጥፉ መደባት ተታሒዙሎም ኣሎ። በዚ ምኽንያት እምበኣር ደገፍ ናይዞም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋት ዕማማት ናይ’ዚ ማሕበር ልዑል ኣስተዋጽኦ እዩ ዘለዎ።”ስንኩላን ኲናት በዚ ዘለዎም

ዝተደራረበን ብዓይነቱ ፍሉይን ስንክልናታት፣ ደረጃ ዝጠልቦ ዓቕሚ ሕክምና ዝለዓለ ስለዝኾነ፣ ናይ ክኢላታት ሓገዝ ከድልዮም ናይ ግድን’ዩ። መምህር ገብረብርሃን፣ “ስንኩላን ንዘለዎም ናይ ቃንዛን ካልእን ጸገማት ንምፍታሕ፡ ካብ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራትን ብወለንታኦም ነምጽኦም ናይ ወጻኢ ዜጋታት ሓካይም ኣለዉ። ናይ ጸዖት ወይ ቁስሊ ዘማዕብሉ ኣስታት 157 ስንኩላን ኣለዉና። ልዑል ክንክን ስለዝጠልቡ እዞም ወለንታውያን ሓካይም ይታሓጋገዙና፣ መጥባሕትታት እውን የካይዱሎም’ዮም። መርመራታት ጥራይ ዘይኮነ ዘድልዮም፡ መድሃኒታት ብምዕዳል ኩነታቶም ይከታተሉ። ኣብ 2015 መጺኦም ነይሮም። ሕጂ

እውን ክመጹና ንጽዕር ኣለና። ፈውሲ ረኽስታትን ቃንዛን እውን ኣሎ ኣብዚ ሃገር ዘይርክብ። 24 ካብ ስንኩላን ኣባላት መዓስከር ደንደን ብቐጻሊ ቃንዛ ስለዝሳቐዩ፣ ነብሶም ነዚ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ መድሃኒት ስለ ዝለመዶ ተጸበይቲ ካብ ወጻኢ ሃገር ናይ እነምጽኦ ናይ ቃንዛ መድሃኒታት እዮም። ኣብ ሽቱትጋርት ዘላ ጨንፈር፣ ምስ’ተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ናይ ሃማደኤ ጨንፈራት ብምትሕብባር ዝኣከበቶ ገንዘብ፣ ነቲ መድሃኒት ገዚኣ ትሰድድ። ኣብ መዓስከር ደንደን እትርከብ ክሊኒክ ዘድልዩ መሳለጥያታት ከም ኮቦርታን ኣንሶላን’ውን ተማልኣልና እያ።”ክግለጽ ከምዝጸንሐ፡ ሕቶ ስንኩላን

ዜጋታት፡ ንሓደን ክልተን ዝግደፍ ዕማም ኣይኮነን። ሱታፈ መላእ ሕብረተሰብ ስለዝጠልብ፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ናይ’ዛ ሃገር ኣብ ምምጻእን ምውሓስን ዝሰንከሉ ዜጋታቱ ንምሕጋዝ፡ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዘለዎ ዓቕሚ ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ክገብር ለበዋ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

ይቕጽል

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 4መበል 25 ዓመት ቁ.212

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ዑደት ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ክፍላተ-ሰራዊት 70ን 16ን ነበር ናብ ድፋዓት ግንባር ደቀምሓረ፡ ብኣጋጣሚ ጽምብል ኢዮቤልዩ ናጽነት፡ ስዉኣት ንምዝካር እዩ ዕላማኡ። ኣብ’ዞም ታሪኻውያን ዕርድታት፡ ነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይ፡ ንገዛእ-ነብሱ ኣብ ጎድኒ እቶም ስዉኣት ኣንቢሩ እዩ ዛንታ ገድሊ ዝድህስስ። ህያው ምስሊ ብጾቱ፡ ካብ ኣእምሮኡ ከይተኣልየ ንዓመታት ጸኒሑ ኣሎ። ንሳቶም ዘይብሉ ዝኽሪ የብሉን። ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ፡ ምስ ስዉኣት መጋድልቱ፡ ብደም ዝተቐለመ፡ ብመትከል ዝተጠምረ ርክብ ኣለዎ። ሂወቱ፡ ምስ ስዉኣትን ምስኡን ተኸፋፊላ እያ እትቕጽል። እቲ ናይ ጀጋኑ ሰፈር፡ ንገለ ካብ’ቶም

ኣናብስ ሕማቕ እዋን፡ ንዕርድታት ግንባር ደቀምሓረን ኣብ ጥምጥም ዛዛሚ ኲናት ዝተረፉ ብጾቶምን ከዘክሮም ከሎ፡ ንገሊኣቶም ድማ፡ ድርብ ዝኽሪ ዓቚሩ፡ ናብ ክልተ እዋናት የመላልሶም። ብዙሓት ካብ በጻሕቲ፡ ነቲ መሪርን ናይ ተስፋ እዋንን ዝነበረ ክልተ ውግኣት ዘርከቡሉ እዮም። ኣብ 1977፡ ምስ ውዕዉዕ ናይ ናጽነት ተስፋ ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ዝተገብረ ብርቱዕ ኲናትን በይዛ ዝዀኑ ብጾቶምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዛዛሚ ኲናት ዝሰገሩዎ መሪር ናይ ምርብራብን ዛዛሚ መጥቃዕቲን ዝተፈልዩዎም ከዋኽብቲን ኣብ ሓደ ኣድማስ ይቕጅለሎም። ቅድሚ ምዝላቕን ኣብ እዋን ምዝላቕን፡ ነቲ ገዚፍ ሓይሊ ጸላኢ ዝመከቱሉ ግንባር ሰሓርቲ፡ ማለት ዓዲ ሓውሻ፡ ሰላዕዳዕሮ፡ ዓደምዘማት. . . ከም ዓባይ መናሃርያ ገድሊ ዝዓንደሩላ ከተማ ደቀምሓረን ከባቢኣን፡ ትዝታታቶም ቀስቂሱ ክንዮ 25 ዓመት ኣዕዚሩዎም። ኣብ ዛዛሚ ውግእ ዝተሰውኡ ብጾቶም፡ ታሪኻዊ መቓብራት ናይ 1977-1978 ከም ዝተቐበሎም እንክዝክሩ፡ ናይ ክልተ እዋን ትዝታታት ይደራረቦም። ርሕቐት ናይ’ቲ ኣብ ሳሕል ዘፍ ዝበለ ነዊሕን መሪርን ምርብራብ ዝነግር፡ ኣብ ክልተ ዝተረሓሓቐ እዋን፡ ጀጋኑ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ዝተደረቡሉ መቓብራት ንዝኽሪ ሓያሎ ተጋደልቲ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ክነዋንው ተራእዩ። ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ንዝኽሮም

ኣየህሰሶን። እቲ 39 ዓመታት ዘቑጸረ ፍጻመ እውን፡ ብሰንኪ ርሕቐት ግዜ ኣይተበለለን። ኩሉ’ቲ ዝኽርታት፡ ክሳብ እዋን ናጽነት፡ ኣብ’ቲ ጽንዓት ኣደልዲሉ መሓውርን ኣእዳውን መግዛእታዊ ሰራዊት ኣላሽ ዘበለ ዕርድታት ሳሕል ብህያዉ ነቢሩ። ነፍሲ-ወከፍ ምድሪ፡ ነፍሲ-ወከፍ ስድሪ፡ መስገደልን መስዋእቲን

እናተነብሮ፡ ቅያታት እናትረፈ፡ ኣብ ኣእምሮ ጀጋኑ ክስነድ ጸኒሑ። ሽዑ ዘይዝረብ ቅያ፡ ሽዑ ዘይወጽእ ንብዓት፡ ሽዑ ዘይቅልቀል ናፍቖት ጀጋኑ ሎሚ ተደርጒሑ። ወዲ ሰብ፡ ንሞት ዘርእዮ ግብረ-መልሲ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ። ብኸመይ እዮም ኰይኖሞ? እቲ

ሓይሊ ካበይ ኣምጺኦሞ? እናኽትደግሞ መመሊሱ ዘርምም ቅያ፡ ወዲ-ሰብ - ናብ ዘይበጽሖ ፍጥረት ምልዋጥ፡ ሰባዊ ስነ-ፍልጠታት ክትንትንዎ ዘይከኣሉ ምስጢር፡ ወተሃደራዊ ታሪኽ ዘይመዝገቦ ቅያ፡ ባዕሎም’ቶም ሰራሕቱ ክብልዎ ዘይከኣሉ ዛንታ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋዳላይ ተዓብዒቡ ኣሎ።ተጋደልቲ ክፍላተ ሰራዊት 70ን 16ን

ነበር፡ ኣብ ግንባራት ደቀምሓረ፡ ብኣማኢት ንዝቑጸሩ ተማሃሮን ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢን፡ ዘካፈሉዎም ዛንታ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩርናዕ ዓለም ዘይተሰርሐ

ናይ ገዝእ ርእስና ተኣምራታዊ ገድላዊ ዛንታ እዩ። መንእሰያት ወለዶ፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ሰብ ቅያ ኰይኖም፡ ነቲ ትንግርቲ ዝተፈጸመሉ እምባታት፡ ጎላጉል፡ ሩባታትን ሰናጭሮን እናማዕደዉ፡ ምስ ዛንታ ሰብ ውዕሎ ከዛምድዎ ዕድል ረኺቦም። ብፍላይ እቶም ንኣሽቱ ተማሃሮ፡ እቲ ዝረግጽዎ መሬት፡ ዝሓርስዎ ቃጽዖ፡ ኣባይቶም ዝተሰረተሉን ዝተሃንጸሉን ምድሪ፡ ጀጋኑ ኣቦታቶምን ምስ ሓጻውን ዝተራጸሙሉን ብሓዊ

ዝተሸናጐጉሉን፡ ኣስከሬናት ደቂ ሃገሮም ሓቚፉ ዝኸበረ ምዃኑ ምፍላጦም፡ ኣብ ገዛእ-ነብሶምን ሃገሮምን ዝስመዖም ሓበን ወሰን የብሉን። ምእማኑ ዘጸገሞም ኣይሰኣኑን ይዀኑ፣ ነቲ ዛንታ ኣብ ዓይኒ ሕልናኦም ስኢሎም ዘንበቡዎ እውን ከምኡ፣ ምስ ጽውጽዋይ ዘመሳሰሉዎ እውን ኣበይ ከይሰኣኑ፣ ግና እቲ ዛንታ ከምኡ እዩ ነይሩ። ሞት ንሰብ ዘይኰነስ፡ ሰብ ንሞት ዘጓይየሉ ግርምቢጥ! ሰብ ንረብሓኡ ዘይኰነስ፡ ንረብሓ ካልኦት ክብል ሞት ዝመርጸሉ ተበጃውነት፡ መትከላዊ ፍቕሪን ሓድነትን ልዕሊ ናይ ዓለምና ሓጻውን ተሪሩ ዝተረኽበሉ ኩነት፡ ወዲ ኣዳም፡ ኣብ ጥራይ ከብዱን ንቑጽ ጎሮሮኡን ጽንፊ ፍጥነት ዝጐየሉ ሓቦ፡ ንሱ እዩ ዛንታ ገድሊ። ዛንታ እቶም ኣናብስ ሳሕል ከም ናይ ሰብ ኣይኰነን። ዛንታኦም፡ እቲ ዘይወዓለ ክኣምኖ ዝእግሞ እዩ። ታሪኾም፡ መለኮታዊ ሓይሊ ዝተዓደለ ፍጡር ጥራይ ክፍጽሞ ዝኽእል ተኣምራት’ዩ።እዞም መለኽቲ ሕማቕ እዋን፡ ከም’ቲ

ኣብ ገድላዊ ቃልሲ ብዕልልታ ህዝቢ ተሰንዮም ክሳብ ናጽነት ዝበጽሑ፡ ኣብ’ቲ ዘርምም ታሪኽ ዝፈጸሙሉ ግንባር ደቀምሓረ እውን፡ ብዕልልታን ሰላምታን ህዝቢ ተዓጂቦም ንኽብሪ በቒዖም። ህዝቢ እቲ ከባቢ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ’ቲ ናይ ልዕሊ ዓመት ምርብራብን

ጉዕዞ ናብ ናጽነትን፡ ምቃል ጎድኑ ካብ ዝዀኑ ምዑታት ከይተፈልየ ዘሰላሰሎ ዕማም፡ ንብረቱን ጥሪቱን ኣሰሊፉ ኣሰር ተጋደልቲ እናሰዓበ ዝኸፈሎ ናይ ሂወት መስዋእቲ፡ ኣካል ናይ’ቲ ምውቕ ዝኽሪ እዩ ዝነበረ። ዓድታት፡ ብደብዳብ ነፈርቲን ከቢድ ኣጽዋርን እንክዓንዋ፡ መዓጹ ህዝቢ ንመስርሒ ድፋዕ እንክውፈ፡ ኣዕጻው ተጓሪቶም - ደምበታት ጥራዮም ክተርፉ፡ ተጋዳላይን ህዝቢን ንስለ ናጽነት ኩሉ ይከፈል

ዝብል መዝሙር ከቃልሑ. . . ግንባር ደቀምሓረ፡ ኣብ ሰነዱ ኣትሪፉ ንዛንታ ኣብቅዒዎ። ዛዛሚ ኲናት፡ ንተጋዳላይን ህዝቢን ብዝጠመረ ዛንታ እዩ ተመሊኡ። ‘ክሳብ መወዳእታ ምሳኹም’ እናበሉ፡ ኣሰር ተጋዳላይ ሒዞም ክሳብ ኣስመራን ደድሕሪ ጸላኢን ዝሰዓቡ መንእሰያት፡ ዝተሰውኡ ገባሮ፡ ውልቃዊ ናብራኦም ረሲዖም ምስ ተጋዳላይ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ደቂ ዓዲ፡ ኣባይቶም ምስ

ተጋደልቲ ተጻቢቦም ዝሰፍርዎ ሰብ ገዛ. . . ኣብ ዝኽሪ ዛዛሚ ኲናት “ተጋዳላይናን ገባርናን ሓደ ኢና ነይርና!” ዘብል ዛንታ ክጸውዩ ኣብቂዑዎም። ነቶም ውጉኣት ናብ ሕክምናታት ዘብጽሑ፡ ስንቂን ዕጥቂን ዘቐብሉ፡ እናተወናጨፉ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዝለኣኹ ገባሮ፡

ኩሉ ተጋዳላይ “ንድሕሪት ገጽና ቁሊሕ ከም ዘይንብልን፡ ብህዝብና ከም እንኾርዕን ገይርኩምና” ክብል ዛንታኦም ደጊሙሎም። ተጋደልቲ ክፍላተ-ሰራዊት 70ን 16ን፡ ኣብ ዛዛሚ ኲናት ደቀምሓረ ዝተፈጸመ ቅያታት፡ ኣብ ውሻጠ ነፍሲ-ወከፍ ህዝቢ ደቡብ ከም ዘሎ እዮም ዝገልጹ። እቲ ህዝቢ፡ ናብ ተጋዳላይ ተቐይሩ ከም ዝነበረ እዮም ዘዘንትዉ። ሓድነት ተጋዳላይ፡ ሓድነት ህዝቢን

ተጋዳላይን ሓድነት ህዝቢን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ደማሚሮም እዮም ድማ “ኣብ ማሕላ ሰማእታትና ጸኒዕና፡ ሓደ ምዃን እዩ ዕላማና” ዘብል ረዚን ቴማ ሒዞም ዳግማይ ክምሕሉ ናብ ሰፈር ሰማእታት ዘምርሑ። “ሓድነት” እወ ሓድነት። ኣብ ኩሉ

ሓድነት! ኣብ ግብሪ እንክውዕል፡ ልዕሊ ኩሉ ቁም ነገር ጸብለል ዝብል ሰናይ ነገር። ሓድነት ኣብ ቃልሲ፡ ሓድነት

ኣብ ስራሕ፡ ሓድነት ኣብ መኣዲ፡ ሓድነት ኣብ ሃገራዊነት፡ ሓድነት ኣብ መስዋእቲ. . . ሓድነት ኣብ ኩሉ። ራእይ ሰማእታትና ሓቀኛ ሓድነት እዩ ነይሩ። ክሳብ መቓብሮም “ሓድነት” እናበሉ ጨሪሖም። ክሳብ መወዳእታ ትንፋሶም “ዓወት ንዓይ” ዘይኰነ፡ “ዓወት ንሓፋሽ!” ኢሎም። ንረብሓ ገዛእ-ርእሶም ወንዚፎም፡ ንረብሓ ናይ’ቲ ብሓድነት ዝተጠምረ ኣካሎም ሂወቶም መኒኖም። ነቲ ዘለዉዎ ባይታ፡ ብደመ-ስጋኦም ዝሰወደ ምድሪ፡ ‘ሓቢርኩም ኣልሚዕኩም፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ከቢብኩም ተመገቡሉ፡ ንኹላትኩም ዘጽልል ቤት ህነጹሉ፡ ኩላትኩም ብዘይስኽፍታን ብሓበንን ርገጽዎ’ ይብሉ ኣለዉ። ኣብ’ቲ ሂወት ዝኸፈሉሉ ቅርዓት፡ ዘይግበኦ ዝራሲ በለጸኛ፡ ብዋጋ ሰባት ክዓቢ ሃርገፍገፍ ዝብል ስሱዕ፡ ካብ ዓይኒ ሰማእታት ክኽወል ዝፍትን ሽፍታ፡ ንጽንኩር እዋን ‘የለኹን’ ዝብላ ተንበርካኺ. . . ብሓድነትኩም ቅጽዕዎ ይብሉ ኣለዉ። ታሪኾም ክንደግምን ክንዝምረሉን

ሃረርታ ኣለዎም። ዛንታኦም ኣብ ኣእምሮ ወለዶታት ተወቒሩ፡ መሐበኒ ክኸውን እዩ ትምኒቶም። በቲ ዓለም ዘይወነኖ ክብሪታቶም ክንምራሕ እዩ ሕልሞም። ኪኖ ክብሮም ዝመርሕ ጧፍ የለን። ኪኖ ግብራዊ ተወፋይነቶም ዝኸይድ ውርጻጸ የለን። “ሓደ ኹኑ” ንኽብሉ፡ ቃላት ኣይተጠቕሙን። ምእንቲ ወገንኩም ዝብል ዲስኩር ኣይሰማዕናሎምን። ትምህርቶም ኣብ ግብሪ እዩ። ውፉያት ንኽንከውን ሂወት ሂቦም፣ ሓደ ንኽንከውን ሓደ ኰይኖም፣ ንዓይ ንኸይንብል ነብሶም ረሲዖም፣ ደኺመ ንኸይንብል፡ ትልኽ እናበሉ እውን ተቓሊሶም፣ ንኸይንስስዕ ጥጥቖ ብፍቕዲ ተማቒሎም፣ ወለቕ ዘለቕ ንኸይንብል ኣብ ሓንቲ ዕላማ ጸኒዖም፣ ጽንኩር እዋን ንኸየሕምቐና፡ ኣብ እሳት ተለልዮም. . . እዮም። “ኣብ ሓንቲ ማሕላ ሰማእታት ጸኒዕና፡ ሓደ ምዃን እዩ ዕላማና። ረዚን ጭርሖ!!!

ጀጋኑ ኣብ ሰፈር ጀጋኑ

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 5መበል 25 ዓመት ቁ.212

ስእሊ - ኣርካይቭዲዛይን - ታእዛዝ ኣብራሃ

ርብዒ ዘበን - ኣብ መኸተን ልምዓትን!

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 6መበል 25 ዓመት ቁ.212

ሰዋስው እንታይ እዩ፧

ካልኣይ ክፋል

መምህር ተስፋይ ባርያጋብር

3 ሰዋስው ትግርኛ ኣዲ ገብረ

ኣዲ ገብረ ኣብ ቀዳማይ ክፋል መጽሓፉ “ሰዋስው፡ ሓሳባትና፡ ብጽሑፍ ይዅን ብቓል፡

ብእሩም (ብዝቐለለን ዝተሰርዐን ንምግላጽ ዚጠቕመና ትምህርቲ ኢዩ።” ብምባል ይገልጾ። ቀጺሉ ነቶም ሾሞንተ ክፍልታት ዘረባ ይዝርዝር። ኣብ ካልኣይ ክፋል መጽሓፉ

ኸኣ ሰዋስው ናይ ቋንቋን ናይ ቃላትን ኣገባብ፡ ስርዓት፡ ሕጊ ኢዩ። ሰዋስው ብግእዝ መሳልል፡ መደያይቦ፡ መዓርግ፡ ደረጃ፡ መደየቢ፡ መውረዲ ማለት እዩ። ድሕሪ ምባል ናይ ትርጉሙ ምስጢር ድማ ካብ ዘይምፍላጥ ናብ ምፍላጥ፡ መደየቢ ማለት ኢዩ” ይብል።

ሕቶ ኣዲ ገብረ ሰዋስው “ናይ ቋንቋን

ቃላትን ኣገባብ፡ ስርዓት፡ ሕጊ ኢዩ። ክብል ከሎ ቋንቋን ቃላትን ፍልልዮም እንታይ እዩ፧ ብሓቂኸ ይፈላለዩ ድዮም፧ ኣብ ምንታይን ብኸመይን፧ንሕናኸ እንታይ ንጥቀም ኣለና፧ ኣብ መወዳእታ ኸኣ “ትርጉም

ምስጢር ሰዋስው፡ ካብ ዘይምፍላጥ ናብ ምፍላጥ መደየቢ ማለት እዩ” ይብል። ሰዋስው ከይፈለጥካ ቋንቋኻ ኣይትፈልጥን ማለት ድዩ፧

4 መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ

ተኪአ ተስፋይ ተኪአ ተስፋይ ሰዋስው ማለት

እዚ እዩ። ወይ እቲ እዩ። ከይበለ ትኽ ኢሉ ናብቶም ሾሞንተ ክፍልታት ዘረባ ዝብሃሉ ኣትዩ። ሕቶከምዚ ካብ ኮነ፡ እቲ ሰዋስው

ዝብሃል ኣብቶም 8 ክፍልታት ዘረባ ዝተሓጸረ ድዩ፧ 5. ሓጺር ሰዋስው ብርሃን

ዘግዕዝ ወዘትግርኛመሪጌታ ተወልደ መድህን

መንግስቱመሪጌታ ንሰዋስው ክገልጹ

ኸለዉ፡- ሰዋስው ማለት መሳልል፡ ኣስካላ (መደያይቦ) ማለት እዩ። ብመሳልል ናብ ዝለዓለ ቦታ ክድየብ ከም ዝከኣል፡ ብሰዋስዋዊ ኣዘራርባ ዝዝረብ ወይ ዝግለጽ ሓሳብ ድማ እሩምን ርዱእን እዩ። ነዞም

8 ክፍልታት ዝርርብ በብመደቦም ተማሂርና እንተደኣ ፈሊጥናዮም ዘረባናን ስነ ጽሑፍናን እሩምን ጽፉፍን እዩ ዝኸውን። ብምባል፡ ነቶም ክፍልታት ዘረባ ይትንትኑ።ሕቶኣብ ቤት ትምህርቲ ኣቲና ነዞም

8 ክፍልታት ዘረባ በብመደቦም እንተዘይተማሂርና ዘረባና ኣይእርሙን እዩ ማለት ድዩ፧ብሓፈሻ ብእሩም ክትዛረብን

ሓሳብካ ክትገልጽን ናይ ግድን ኣብ ክፍሊ ኣቲኻ ነዚ ሰዋስው ዝብሃል ዘሎ ክትማሃር ኣለካ ማለት ድዩ፧ ሰዋስው ተማሂርካ ዘረባኻን ጽሑፍካን እሩምን ጽፉፍን ክኸውንከ ክሳብ ክንደይ ደረጃ

ክትምሃር ኣለካ፧7 A MODERN

GRAMMAR OF TIGRINYTesfay Tewolde Yohannesመጽሓፍ ተስፋይ ተዎልደ፡

ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወት ዘመናዊ ሰዋስው ትግርኛ እያ

ትብል። ተስፋይ ግራመር ማለት እዚ እዩ ወይ እቲ እዩ ኣይበለን። ኣብ ምዕራፍ ሓደ ክጅምር ከሎ ብድምጽታት ዘረባ ጀሚሩ። ብዛዕባ ድምጽታትን ህላዌኦምን ብኸመይ ይስርሑን ብኸመይ ይረኣዩን ገሊጹ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መቕድም ናይ ጽሑፉ፡ ብትግርኛ ወይ ብዛዕባ ትግርኛ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ግራመር ኣለዉና፡ እዞም መጻሕፍቲ እዚኣቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ምምዕባል ቋንቋ ትግርኛ ልዑል ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ይዅን’ምበር ምስዚ ዘመናዊ ዝውታረ ናይ’ቲ ቋንቋ እኹል ምጥዕዓም የብሎምን ክብል ይገልጾም።ሕቶእቲ ዘመናዊ ዝውታረ ናይቲ

ቋንቋን እቲ ዘይምጥዕዓምን እንታይን ኣበየናይ መዳይን እዩ፧ ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ። ምኽንያቱ ቋንቋ ማዕባሊ ስለ ዝዀነ ኣብቲ ያታ ተቘሪኑ ከይተርፍ ምምሕያሽን ምጥዕዓምን ኣገዳሲ እዩ። እዛ ብቋንቋ እንግሊዝ ተስፋይ ግራመር ኢልዋ ዘሎ፡ ምስታ ናትና ሰዋስው ምስቲ ተዋሂብዋ ዘሎ ግእዛዊ ማለትነት ትጠዓዓምዶ ትመስል፧ ኣብዚ ዝተዘርዘረ ናይ

ዝተፈላለዩ ጽሓፍቲ ሰዋስው ትግርኛ፡ ኣብቲ ሰዋስው ማለት ኢሎም ዝሃብዎ ማለትነት፡ ናይ ገሊኦም ዝመሳሰል ናይ ገሊኦም ከኣ ዝፈናተት ምዃኑ የርእየና።

ኣብቶም ሰዋስው ማለት እዚ እዩ ኢሎም ዝድርቱ ብእሩም ምዝራብን ምጽሓፍን ሓሳብካ ምግላጽን ዘምህር ትምህርቲ፡ ወይ ከኣ ፍልጠት እዩ። ኣብ ዝብል መግለጺ ይሰማምዑ።እቶም ውሱን ድረታ ዘይሃቡ

ኸኣ ገሊኦም፡ ሰዋስው እቶም 8 ክፍልታት ዘረባ እዮም ዘስምዕ ኣገባብ ብምኽታል ትኽ ኢሎም ናብ ምዝርዛርን ምትንታንን ካብ ስም ክሳብ ቃለ ኣጋንኖ ይኸዱ። ስለዚ እቲ ሰዋስው ዝብሃል እቶም 8 ክፍልታት ዘረባ እዮም ማለት ዘስምዕ እዩ።እቶም ኣብ ሳልሳይ ቦታ ዘለዉ

ኸኣ፡ ሰዋስው ማለት እዚ እዩ። ወይ ከምዚ እዩ። ኢሎም ከይገለጹ፡ ብዛዕባ ኣመዓባብላ’ቲ ቋንቋ ካብ ኣደማምጹኡ ጀሚሮም ብምልፋን ናብ ቃላት፡ ናብ ምሉእ ሓሳባት፡ ናብ ማለትነትን ዝውታሬኡን የምርሑ። እዚ ኸኣ ሰዋስው ኣብቶም 8 ክፍልታት ወይ መደባት ዘረባ ጥራይ ዝተሓጸረ ከምዘይኰነ ንምሉእነት ዘርኢ ኣቀራርባ እዩ።ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር እቲ

ሰዋስው እንታይ እዩ፧ ዝብል ሕቶ ክለዓል ዘለዎን ክምለስ ዘለዎን

ይመስል።ኣብ ትግርኛ ሰዋስው ክንብል

ከለና ካብቲ ካብ ግእዝ ዝተወስደ ማለትነት ኣይንወጽእን ኢና። ንሱ ኸኣ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣተና ካብ መጻሕፍቲ ብመማህራን ዝወሃበና ትምህርቲ ምዃኑ ተነጺሩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብዘይ ውልውል ሰዋስው እቲ ብጸሓፍቲ ሰዋስው ኣብ መጽሓፍ ዝሰፈረ ንዕኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣቲኻ እንተዘይፈሊጥካ ኸኣ እሩም ክትዛረብ ወይ ብእሩም ሓሳብካ ክትገልጽ ወይ ክትጽሕፍ ከምዘይትኽእል ዘስምዕ ኣቀራርባ ይመስል።

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 7መበል 25 ዓመት ቁ.212

መጽለሊ

ኵርናዕተማሃሮ

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ኣምራት ስነ-ፍልጠት

ዕንክሊል። ላማን ክዳንን ካብቶም ቀዳሞት ወዲ-ሰብ ዝረብሓሎም። ህይወቱ ብውሑስ መገዲ ክትቅጽል ካብ ዘኽኣሉዎ ነገራት እዮም፣ ሰብ ነዞም ኵሎም ነገራት ምሉእ መዓልቲ ሒዙዎም ይኸይድ ድዩ ነይሩ? ኣይኰነን፣ ሰብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንህይወት ቀላል ንምግባራ ካብ ምጽዓር ዓዲ ኣይወዓለን፣ ህይወት ከቕልሉ። ርኽበታትን ምህዞታትን ዝረኸቡ ስነ-ፍልጠተኛታት እዮም፣ ናይቲ ግዜ ሰብ ከኣ ንዅሉ ንብረቶም ሒዞም ይጐዩ ኣይነበሩን፣

ነዚ ብድሆ ንምፍታሕ ብዛዕባ መጽለሊ ምሕሳብ ግድን ኰነ፣ መጽለሊ ከምቶም ካልኦት ዓበይቲ፡ ሰብ ዝሓሰቦም ናይ በይኑ ሓሳብ ኣይኰነን፣ ኵሎም እንስሳታት’ውን መሕብኢ ዝዀኖም ዝምችኦም ቦታ ክረኽቡ ይጽዕሩ እዮም፣ ቀዳሞት ደቂ-ሰብ ከኣ ዝምችኦም መጽለሊ። መሕብኢ ደቆምን ቀለቦምን ዝዀኖም ቦታ

ስ ት ሪ ምግድል ኮኣገባብ ኣጸዋውታኡ፥ ኣብዛ ትርእዩዋ ሰደቓ። 6ተ ብ6ተ ዝተሰርዓ

ዓንኬላት ኣለዋ፣ እዘን ዓንኬላት ቍጽሪታት እየን ዝሕዛ፣ ካብ 1 ክሳብ 6 ድማ ይምልኣ፣ ካብ 1 ክሳብ 6 ዘለዉ ቍጽሪታት ንትኹልን ንጋድምን ልክዕ ከም ሰዱኮ ክድገሙ የብሎምን፣ ኣብቶም ብመስመር ተራኺቦም ዘለዉ ዓንኬላት’ውን ክድገም የብሉን፣

(መልሲ። ካብ 1 ክሳብ 6 ዘለው ቍጽሪታት ንትኹል። ንጋድምን ብሕንጻጽ ተታሒዞምን ኣብ ዝርከቡ ዓንኬላት ክድገሙ የብሎምን፣)

ማእከላይ

“ጸዓር!” እታ ልምድቲ ምኽሪ

መልእኽቲ ኣለኩም

“ያኔት መቸም ካብ ናተይ ዘይሓምቕ ትሕዝቶ ንኤልሃም ቀሪብክላ ትህሉዊ ኢኺ። ሃየ በሊ መድረኽ ንዓኺ፡” ምስ በለ መምህርና፡ ኮኾብ - ቅድመና ኮፍ ዝብል - “መምህር! መምህር! እናበለ ኢዱ ዊጥ ኣበለ። መምህርና ኸኣ ክዛረብ ፈቐደሉ።

“መምህር! ናይ ሎሚ መዓልቲ መደብ ኣነ ክኣትዋ።”

“ኢሂ ደኣ ተሃዊኽካ ዝመጽእ ሰሙን ኣሎና’ንዶ?” መለሰ መምህርና።

“መምህር፡ ኣነ ሓንቲ ነገር እንተ ሓሲበ ከይገበርኩዋ ኣይቀስንን እየ። ሓሲበያ ስለ ዝቐነኹ ሎሚ ኣነ ከቕርብ። ያኔት ኣብ ዝዀነ ግዜ ከተቕርብ ዘይትሸገር ስለ ዝዀነት ንዓይ ፍቐዱለይ፡” በለ። መምህርና ናብ ያኔት ቍሊሕ በለ። “እናተሓጐስኩ!” በለት ያኔት። ኮኾብ ናብ ቅድሚት ወጺኡ። መጀመርታ ፍሽኽታ ኣሰንዩ ዓይኒ ዓይኒና ጠመተና። ነታ ፍሽኽታ እናኣግፋሓ፡ እናኣግፋሓ፡ መላእ ኣስናኑ ክሳብ ዝረአ ተገየጸ። ክፍሊና ክትስሕቕ ጀመረት። ኮኾብ ኣየቋረጸን፡ ንሕናን መምህርናን ድማ ሰሓቕና።

“ዝሓለፈ ሰሙን ኢልሃም ናብዚ ቅድሚት ክትወጽእ እንከላ፡...” ኢሉ በብሓደ ጠመተና። ክፍሊና ጸጥ በለት። “ኢልሃም ቍሩብ ሓፊራ ስለ ዝነበረት ያኔት ሓንቲ ምኽሪ ክትመኽራ ተጸናጺነያ። ‘ኣብ ቅድሚት ምስ ወጻእኪ ተፈሺኽኪ ሓንሳእ ጠምትና። ንሕና እቶም ኩሉ ግዜ ደቂ-ክፍሊኺ ኢና። ዋላ ሓደ ሓድሽ ነገር ኣይጸንሓክን እዩ፡’ ኢላታ ነይራ’ሞ ክፍትና’የ ጸኒሐ፡ ሰሪሓ ድማ፡” ኢሉ ቀዲሙና ሰሓቐ። ኮኾብ ንገለና እናጠመተን እናተፈሸኸን ምስ ወስወስታ ኢዱ እናኣንበበ ከዕልል ጀመረ። ኣርእስቱ “ጻዕሪ” ነበረ።

***

“ጸዓር!” ካብ ብዙሕ ሰብ ቀልጢፍካ እትረኽባ ምኽሪ እያ። ከይጸዓርካ ኣይኰነን’ዶ ትደልዮ፡ መሰረታዊ ዘድሊየካ ነገራት ክትረክብ ኣይከኣልን እዩ። ኣብዛ መሬት ዝርከብ ኩሉ ፍጡር ከይጸዓረ ክነብር ዝኽእል የለን። ንኽነብር ዘድልዩዎ መሰረታዊ ጠለባት መግቢ ማይን ኣየርን ብኾፉ ዝረኽቦም የለን። ኣዕዋፍ ናብ ክልተ ጫፋት ዋልታ ይበራ፣ ሰብ ንዓለም ውሽጣን ላዕላን እናበርበረ ይዞራ፣ … ወዘተ.፡ ሰብ ካብዚ ናይ ጻዕሪ ጽሕፍቶ ዝርሕቕ ኣይኰነን። ክጽዕር እንከሎ ከኣ በብደረጃኡ ይጽዕር። ኣቦ ናይ ኣቦ፡ ኣደ ናይ ኣደ፡ ውሉድ ከኣ ናይ ውሉድ ጻዕሪ የካይድ። ህይወት ድማ ብኸምኡ ትካየድ። ንሕና ተማሃሮ ከኣ፡ ናትና ውሁብ ጻዕሪ፡ ኣብ ትምህርትና ዝዘጠጠ ይኸውን። ዝበዛሕና ምሉእ ግዜና ንትምህርቲ ንህቦ ንኸውን። ገለ’ውን ጾር ስድራና ተማቒልና ንምሃር ንህሉ። እቲ ኰይኑ እቲ ግን ንኽንዕወት ክንጽዕር ከም

ዘለና ዘየማትእ ነገር እዩ። እቲ ክነፍዕ፡ ክብርትዕን ብሉጽ ክኸውንን ዝብህግ ሰብ ንዝተፈላለዩ ሜላታት ኣጸናንዓን ምስትምሃርን ይፍትሽ ይኸውን። ሱር ኩሉ ብርትዐን መንፍዓትን “ጻዕሪ” እያ። ስለ ዝዀነ እዩ“ዝጸዓረ ይዕወት!” እንብል፡ ስለዝዀነ ሰብ እናኽምዕደና ንኹሉ ኣብኡ ጠቕሊሉ “ጸዓር!” ዝብለና።

ዝዓበየ ምኽሪ “ጸዓር! ጸዓር! ጸዓር!” እያ። ዓው ኢልካ ደጋጊምካ እናኽተድምጻ ሓይሊኻን ተስፋኻን ኣብ ውሽጥኻ እትመልእ ቃል’ያ፡ “ጸዓር!”። ኣብ ከባቢና ዝነብሩ ሰባት በብሓደ እንተ ጠሚትናዮም ርሑቕ ከይከድና ኣብ ገጾም ትርጕም ጻዕሪ ክንረኽባ ንኽእል ኢና። እንነብረሉ ከባቢ ጻዕሪ ዝበዝሖ ምዃኑ ምስትውዓል ኣይንስእንን። ኩሉ ዝጽብቕ ነገራት ጻዕሪ ከም ዝሓለፎ ኣይጠፍኣናን። ካብታ እተጽልለላ ዘለኻ ቤት ስድራኻ’ኳ ብዙሕ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። ኩሎም ኣብ ቤት ትምህርቲና “እዚ ንፉዕ እዩ፡” እንብሎም ተማሃሮ ስለምንታይ ንፉዓት ከም ዝዀኑ ክንሓቶም ንኽእል ኢና። ዝበዝሑ ከጽንዑ ዘጥፍኡዎ ግዜ ክነገሩኻ ይኽእሉ’ዮም። ኩሉ ንፉዕ ተማሃራይ ንፉዕ ኰይኑ ኣይተወልደን። ብጸሎትን ጾምን’ውን ኣየምጽኦን። መንፍዓት ናይ ሓደ ተማሃራይ ዝገልጹ ረቛሒታት’ኳ እንተ ሃለው፡ ንኹሎም ግን ጻዕሪ’ዩ ዘዛምዶም። ብባህሪ ልዕሊ መዛንኡ ሓያል ናይ ምስትውዓል ዓቕሚ ዘሎዎ ኰይኑ ዝፍጠር ኣሎ፣ ገለኡ ካብ ብንእሱ ብስድራቤቱ እናተዀስኰሰ ዝመጽእ መንፍዓት ኣሎ፣ ገለ’ውን ብቕልጽሙ ብዘይ ሓጋዚ ካብ ሰቡ ዝበለጸ ዝኸውን ኣሎ፣ ገለ ከኣ ምሉእ ግዜኡ ድራር እለቱ እናኣናደየ ቅድሚት ዝወጽእ ተማሃራይ’ውን ኣሎ። ስለዚ መንፍዓት ናትካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምርጫ እዩ።

ክትነፍዕ፡ ቅድሚ ኩሎም መማህርትኻ ክትስራዕ ትደሊ እንተዄንካ፡ መጀመርታ ነብስኻ ንጻዕሪ ኣዳሉዋ። ኣብ ኣካይዳኻ ሓድሽ ለውጢ ክትገብር እንከለኻ ዝሕዘካ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ነዚ ኣቐዲምካ ምፍላጥ የድሊየካ። ብዙሓት ናይ መንፍዓት መገዲታት፡ ኣገባባት፡ ሜላታትን ስትራቴጂን … ካብ ብዙሓት መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣ፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ኢንተርነት፡ ሰብን ካልእን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ናይ መጽናዕቲ ልምዲ ምጥራይ ቀዳማይ ክትወስዶ ዝግበኣካ ልምምድ እዩ። ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓደ ውሱንን ምቹእን ሰዓታት መጽናዕቲ ፈሊኻ ክትላመድ ጀምር። ኣቐዲሙ ዝነበረ ልምዲ ካልእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ዝጸንሓካ ልምዲ ሃንደበት ብዘይ ርድኢት ወይ ምሉእ ውሽጣዊ ድፍኢት ምእላይ ቀልጢፍካ ከም ትጸልኦን ትመንዎን ክገብረካ ይኽእል እዩ። ካብቲ ዝሓደረካ ጽቡቕ ሕልሚ

ከኣ ክትፈላለ ትኽእል። ኣብ ውሱን ሰዓት ኣብ ጸጽባሕ ከተጽንዕ ፈትን። እቲ ተጽንዖ ብዘይገድስ፡ እቲ ናይ ምጽናዕ ልምዲ ግን ከተጥሪ ኢኻ። እዚ ልምዲ እዚ ምስ ኣጥረኻ ኩሉ ክቐለልካ እዩ። ምጽናዕ ቀሊል! ጻዕሪ ቀሊል! ፈተና ቀሊል! ንፉዕ ምዃን’ውን ቀሊል ክኸውን እዩ። ግዜ መጽናዕቲኻን ትርፊ ግዜኻን ኩሉ ምቍርን ህይወት ዝህብን ከም ዝኸውን ምስክር ኣይትደልየሉን። ናብዚ ዘለኻዮ ናይ ምጽናዕ ልምዲ ክትበጽሕ ጻዕጻዕ እናበለካ ትኸይድ ነይርካ ትኸውን ኢኻ። ልክዕ ከምኡ ከኣ ካብ ምጽናዕ፡ ካብ ንፉዕ ምዃን፡ ካብ ጻዕራም ምዃን ክትእለ ፈጺሙ ጸላዕላዕ ዘብል ብምዃኑ ሓንሳእ እንተ በጺሕካዮ ኣይትወጽእን ኢኻ። ንፉዕ ምዃን ናትካ ናይ ባዕልኻ ምርጫ እዩ። ንዘይምንፋዕካ ምስ ዕድል፡ ትሕዝቶ፡ ስድራ… ኣይተተኣሳስሮ። ከም ኩሉ ሰብ ማዕረ ዝብጽሓካ ዕድል ኣለካ፣ ጻዕራም ምዃን። ጸዓር’ሞ ሽዑ ዝኸውን ክትርእዮ ኢኻ። ስለዚ ንፉዓት ንምዃን ኩሉ ሳዕ ንጽዓር! ኩሉ ግዜ ምስ ዝበለጹ ክንህሉ ንጽዓር፡ ደጋጊምና ንጽዓር።

***

ኮኾብ ምስ ወደአ ከም ልሙድ ኣጣቒዕናሉ። ክፍልና ከይተረድኣ እናዓሞቘት ትኸይድ ኣላ።

“ግዜ ከም ድላይካ ተሕልፎን ትመልሶን ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ብልቢ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ምስ እዛ ክፍሊ ከም ዝምሃሮ ምገበርኩ ነይረ፡” በለ መምህርና፣ ንሕና ኸኣ ተኸየፍና።

“መምህር ንስኹም እንተ ዘይትመጽኡኮ እዛ ክፍሊ ከምዚ ኣይምዀነትን። ከማኹምከ መን ክዀነልና ይኽእል፡” መለሰት ያኔት።

“ከምኡ ኸኣ’ባ ኣሎ፡” በለ መምህርና’ሞ ኩልና ድማ ሰሓቕና።

ኢልሃም ፈረጅ - ከረን

“ናይ ሓሶት ጭብጢታት ንምዕባለ ስነ-ፍልጠት ይጐድኦ እዩ፤ አረ ንነዊሕ ግዜ፣ ዘሰንዮ ጭብጢ ዘሎዎ ናይ ሓሶት ትዕዝብትታት ከኣ ብመጠኑ፣ ክልተኡ ሓሶት ምዃኑ ከተረጋግጽ እንከለኻ ዘሎ

ንኣእምሮ ዝጠቅም ባህታ ግን ብዙሕ’ዩ፣ - ቻርለስ ዳርዊን

ጥቕሲ እዚ ሰሙን

ስም መዐቀኒዳእላ ተማሃሮTEACHER: Tell the class what book you read.PUPIL: Black Beauty.TEACHER: And tell the class what it was about.PUPIL: It was about 120 pages.

***Teacher: I told you to stand at the end of the line?Pupil: I tried, but there was someone already there!

ሜሪ ማና

ኤርነስ ወርነር ቮን ሲመንስ (1856-1943)

ኤርነስ ወርነር ቮን ሲመንስ ጀርመናዊ ስነ-ፍልጠተኛ እዩ፣ “ሲመንስ” ዝብል ስም ኣብ ዝተፈላለየ ምስ ኤለክትሮኒክስ ወይ መራኸቢታት ንዝተሓሓዛ ትካላት ክጥቀማሉ ሰሚዕና ንኸውን፥ ናይ ሓደ ጥረ ነገር ኤለክትሪክሲቲ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ “ኮንዳክታንስ” ብሲመንስ (S) ይዕቀን፣

ንምርካብ ሃሰው ይብሉ ነይሮም፣ ከም ኣዕዋፍ ኣብ ኣግራብ ሰፈሮም ክሰርሑ ሓሲቦም ይዀኑ? ከም ኣዛብእ ጐዳጕዲ ክፍሕሩ ሓሲቦም ይዀኑ?... መወዳእታኡ ግን ዝመችአ ምርጫ በዓቲ ኰይኑ ረኺቦሞ፣

ቅድሚ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ብእኵብ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ፡ መግቦምን ኣቝሑቶምን። ኣብ ጓንጓታት ክእክቡ ከም ዝጀመሩ ዝገልጽ ኣሰር ኣሎ፣ ቅድሚ 800 ሽሕ ዓመታት ሓዊን መጋርያን ተኣታትዩ፣ ኣብ ቴራ ኣማታ - ፈረንሳ - ዝተረኽበ ስነ-ጥንታዊ ጭብጢ ከም ዘመልክቶ፡ ወዲ-ሰብ መጽለሊ ክጥቀም ካብ ዝጅምር 400,000 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ፣ ደቂ-ሰብ መጽለሊ ብምስራሕ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከቡ ሓደገኛታት እንስሳታት ክድሕኑ ከለው። ንዝኸፈአ ኩነታት ክሰግሩ’ውን ኣኽኢልዎም፣

(ምንጪ።Smithsonian.)

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 8መበል 25 ዓመት ቁ.212

ተስፋኣለም

ገብረዮሃንስ

(ኲባ)

እሙናት ደገፍቲ ሪያል ማድሪድ ‘ኪንግ’ ኢከር፡ ኢሎም’ዮም ዝጽውዕዎ፡ ገዲም ሓላው ልዳት ማድሪድ ንዝነበረ - ኢከር ካሲያስ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ፖርቱጋላዊት ክለብ ፖርቶ ኣብ ምጽዋት ዝርከብ ካስያስ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ከተማ ማድሪድ ብተደጋጋሚ ግዜ ከም ዝመላለስ ዝጠቐሰት ጋዜጣ ማርካ፡ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳትሉ ነይራ። ብዛዕባ ህልው ኩነታት ላሊ ጋ?ካስያስ፦ መሳጢ ሊግ እዩ። ብሓቂ

ኣብቲ ንብዙሓት ዘይሕሰብ ዝነበረ መድረኽ፡ ማድሪድ ንዋንጫ ናይ ምቅላስ ዕድል ብምርካባ ንኹሉ ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዓበይቲ ክለባት እየን ዘለዋ፡ ተስፋ እገብር ኣብ መወዳእታ ማድሪድ ክትዕወት። ብዛዕባ ተመሳሳልነት ማድሪድ? ካሲያስ፦ እዛ ናይ ሕጂ ማድሪድ

ምስ’ታ ናይ ካፔሎ ማድሪድ ተመሳሳልነት ኣለዋ። ተስፋ እገብር ከም ናይ ሽዑ ኣፈጻጽማ ክትውድእ። እዝከረኒ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ውድድር ንሻምፕዮን ከምዚ ብዘይካኡ ካልእ እንኸዶ ዘይብልና ዓይነት ኣተሓሕዛ ጌርና ኢና ሒዝናዮ ነይርና። ሕጂ እቲ ዝበለጸ ነገር ማድሪድ ናብ ፍጹም ተወዳዳርነት ንሻምፕዮን ምእታዋ እዩ፡ ትጽቢታት ሃኒጻ ኣላ።ዚዳንከ?ካሲያስ፦ ተስፋ

እገብር ዚዳን ክዕወት። ን ሱ ተጻዋታይ ኣብ ዝነበረሉ፡ ብዝሓፈሶ ዓወታት ኩልና ተፈሲህናሉ ኢና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከኣ፡ ከም ኣሰልጣኒ ብርክት ዝበለ ዓወታት ከምጽእ ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ። ቅልውላው ባርሰሎና? ካሲያስ፦ ኣብ ባርሳ ዘሎ ቅልውልው

ምኽንያቱ ኣይፈልጦን እየ። ኩዕሶ ኣብ ሰኪዐት ምዕላብ እንተደኣ ኣብያ፡ ምስናይ ዝምዝገብ ሕማቕ ውጽኢት፡ ኩሉ ነገር ቅልውላው እዩ። ቅድሚ ሰለስተ ቅነ፡ እዚ ነገር እዚ ክኽሰት ከም ዝኽእል እንተትነግረኒ ነይርካ ኣይምኣመንኩኻን። ሕጉስ ኣለኹ ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ሳምንታት ፈጺሙ ዘይሕሰብ ዝነበረ ሕጂ ማድሪድ ንሻምፕዮን ላሊጋ ቀረባ ስለ ዘላ።ብዛዕባ ኢደ ቤዛ (ጓንቲ) ትሰቕለሉ? ካሲያስ፦ ራፋኤል ናዳል፡ ዝሓለፈ ሰሙን

ቴንስ ክጻወት እንከሎ ተዓዚበዮ ነይረ። ሽዑ ንሱ እንታይ ኢሉኒ መስለካ፡ “እጻወት ምህላወይ ክሳብ ዘሐጎሰኒ ክቕጽል እየ፡” ኣነ ከኣ ነዛ ናቱ ኣበሃህላ ክወሓሳ፡ ኣብቲ ሜዳ ብምህላወይ ክሳብ ዝተሓጎስኩ ነቲ ጸወታ ኣይክገድፎን እየ። እዚ ወዲ 34 ዓመት ከም ዘለኹ እናዘከርኩ እዩ።ብዛዕባ ዩሮ 2016።ካሲያስ፦ ኣብኡ ምህላወይን

ኢከር ካሲያስ

ዘይምህላወይን ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ብዛዕባ ውድድራት ዋንጫ ኤውሮጳ ክዛረብ

ኣይፈቱን እየ። ኣሰልጣኒ ቪሰንተ ደል ቦስኲ፡ ንዝዝርግሖ ስም ዝርዝር ዝመርጾም ተጻወትቲ ክጽበ እየ። እንተደኣ ከይደ ከምቲ

ኩሉ ግዜ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ዝገብሮ፡ ቦታይ ንምውሓስ ብቐጻሊ

ክቃለስን ክወዳደርን እየ። ደሃያ ወይ ኣነ? ጽቡቕ’ዩ. . . ደሃያ እንተደኣ ተሰላፊ ኮይኑ ንስኻትኩም ብውሑዱ ኣርእስተ ዜና ክተረኽቡ ኢኹም (ሰሓቕ)ሻምፕዮንስ ሊግ።ካሲያስ፦ ማድሪድ ንኽትዕወት’ዩ

ቀዳምነት ዝወሃባ። ባርሳን ሙኒኽን ዝሓየላ ክለባት እየን። ግን፡ ኣትለቲኮ ክብራ ትከላኸል ንዝነበረት ንባርሳ ድሕሪ ምግላፋ፡ ክትዕወት ከም እትኽእል ትሓስባ ኢኻ። ኣርባዕቲአን ተሳተፍቲ ፍርቂ ፍጻመ ዘለዋ ክለባት ናብ ሚላን ክሓልፋ ይኽእላ እየን። (ንናይ ትማሊ ግጥም ባየር ኣንጻር ኣትለቲኮ ወሲኽካ ማለት’ዩ)ተኸላኻላይ ሪያል ማድሪድ ኣርቫሎ

ኣርቤሎኣን ናይ ባርሳ መዘናኡ ጀራርድ ፒኲን፡ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረገጻት ብዘይ ዕረፍቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ምትኹታዃትከ? ካሲያስ፦ ክልቲኣቶም ረብሓታቶም

ምክልኻሎም ጽቡቕ እዩ። ግን፡ ከም እምንቶይ ፊት ንፊት ኣብ ጣውላ ቀሪቦም እንተደአ ተዘራሪቦም ካብዚ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት እንርእዮ ዘለና ስርሓት ክወጹ ይኽእሉ እዮም። መጻኢኻ’ኸ?ካሲያስ፦ ውዕል ኣለኒ። ምስ ፖርቶ

ክሳብ 2018 ክጸንሕ እየ። ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ ስፖርት ብውሑዱ ሓንቲ ዋንጫ ከነልዕል ኢና።

ኩርናዕ ቃለ- መጠይቕ

ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ ስፖርት ሮናልዶ ዶ መሲ፡ መኖም ዝበዝሐ ሸቶ ላሊጋ ኣመዝጊቡ ይውድእ ? ዝብል ሕቶ ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ሮናልዶ 31 መሲ ድማ 25 ሸቶታት ኣለዎም። ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ግጥማት ላሊጋ

ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ሮናልዶን መሲ ኩዕሶ ምስ ሰኪዐት ከየራኸቡ እዮም ወጺኦም። ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ክልተ መደባት ጸወታ ላሊጋ በዞም ክልተ ተጻወትቲ እንታይ ክኽሰት እዩ፣ ሮናልዶ ድዩ ኣብ ልዕሊ መሲ ጸብለል ኢሉ ክውድእ ወይስ መሲ ንዝተነጽፈሉ ብዝሒ ሸቶታት ኣሕውዩ ንሮናልዶ መሪሑ ክዛዝም?

ሮናልዶን መሲን

ኣብ ኢጣልያ ዝመደበራ ናይ ስፖርት ጋዜጣ ‘ጋዜታደሎ ስፖርት’ ኣሰልጣኒ ኣትለቲኮ ማድሪድ ዲየጎ ሲሞነ፡ ንዝኽተሎ ዘሎ ዕዉት ኮይኑ ዝርከብ ሜላ ቀጥታ ጸወታ ኩዕሶ (direct style of play) ‘ሰውራ ኣንጻር ቲኪ ታካ’ ብምባል ገሊጻቶ። እታ ጋዜጣ፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ

ዓርቢ ሕታማ፡ ነቲ ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ ከም ኣርኔስቶ ቸ ጉቬራ ገይራ ብምግላጽ፡ ነቲ ብብዝሒ ኩዕሶ ኣብ ምቁጽጻር ዝተመስረተ ታክቲክ ኣጸዋውታ ከም ዘኽትም ዝገበረ ኣሰልጣኒ ብምባል ‘ኮማንደር ሲሞነ’ ኢላ ጠቒሳቶ ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡

ባርሰሎናን ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛን፡ ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ክዕብልላ ካብ ዘኽኣለን ተባሂሉ ዝግለጽ ነጥቢ፡ ምዕቃብ ኩዕሶ (ምቁጽጻር) ከም ወሳኒ ክፋል ጸወታ ብምትግባረን እዩ። ይኹን እምበር፡ እታ ኣዕሚቛ ትከላኸልን ብመልሰ መጥቃዕቲ

ኮማንደር ዲየጎ ሲሞነ

ኣብ ቀዳማይ እግሪ ናይዚ ሎሚ ዝካየድ ግጥም ካልኣይ እግሪ ሻምፕዮንስ ሊግ፡ ሪያል ማድሪድ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ’ዩ - ኣሰልጣኒ ማድሪድ ዚነዲን ዚዳን፡ ኣብ እዋን ግጥም ስረኡ ተቐዲዱዎ ዝተራእየ። ኣብቲ ብዙሕ ወጥሪ ዘይነበሮ ግጥም፡ ኣሰልጣኒ ማን.ሲቲ ማኑኤል ፕለግሪኒ ምስ ዚዳን ብምንጽጻር ህዱእ ነይሩ። ‘እሞ ዚዳን ደኣ እንታይ ኮይኑ እዩ ክሳብ ስረ ምቕዳድ ዝበጽሐ?’ ክብላ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ንምቕዳድ ስረ ዚዳን ኣብ ምግላጽ ይርከባ። ዚዳን፡ ኣቐዲሙ ኣብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ካልኣይ እግሪ ኣንጻር ጀርመናዊት ክለብ ዎልፍስበርግ፡ ካብ ምሒር ሓጎስ ዝተላዕለ ክዘልል ክብል ስረኡ ተቐዲዱ ነይሩ’ዩ። በዚ’ዶ ይኸውን እተን ማዕከናት ዜና፡ ዚዳን ሓድሽ ሰፋይ ክዳን የድልዮ ኣሎ ዝብላ ዘለዋ።

ብቐዳም 23 ሚያዝያ፡ ኣብ ስሩዕ መደብ ጸወታ ሰሪየ ኣ፡ ኢንተር ሚላን ኣብ ሜዳ ሳንሲሮ ንኡዲነዘ 3ብ1 ከም ዝሰዓረታ ይዝከር። እቲ ግጥም ኣብ ታሪኽ ሰሪየ ኣ ኢጣልያ፡ ንፈለማ ግዜ ብወገን ክልቲኤን ክለባት ዝኾነ ኢጣልያዊ ተጻዋታይ ዘይተሰለፎ ጸወታ፡ ኮይኑ ከም ዝተረኽበ ኤኤፍፒ ንጋዜጣ ደሎስፖርት ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኣብ ምጅማር ጸወታ፡ ኣስላልፋ ክልቲኤን

ክለባት፡ ዜግነት እዘን ዝስዕባ ሃገራት

ሰሪየ ኣ’ ንፋልማይ ግዜኡ ብዘይ. . . .

ኩርናዕ ስእሊሓድሽ ሰፋይ ክዳን ዘድልዮ ዘሎ ዚዳን

እተጥቅዕን ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ነቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ሜላ ኣብ ምቕያር ከም ዝርከብ’ዩ

ዝግለጽ። ኣትለቲኮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልተ ግንባራት እያ ንዋንጫ ትቃለስ ዘላ። ኣብ ላሊጋን ሻምፕዮንስ ሊግን። እዛ ክለብ ንባርሳ ካብ ኤውሮጳዊ መድረኽ ኣልያ እያ ኣብ ግጥም ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ነታ ምስ ናይ ባርሰሎና ዝመሳሰል ሜላ ኣብ ኩዕሶ ምቁጽጻር ዝተመስረተ ቅዲ እተዘውትር ባየር ሙኒኽ፡ 1ብ0 ክትዕወተላ ተራእያ።

ዘለዎም ተጻወትቲ ኣመልኪቱ። ሽዱሽተ ብራዚላውያን፡ ሰለስተ ፈረንሳውያን፡

ክልተ ኮሎምቢያውያን፡ ሓሓደ ተጻዋታይ ካብ ኣርጀንቲና፡ ክሮኤሽያ፡ ጋና፡ ጃፓን፡ ግሪኽ፡ ማሊ፡ ሞንተኔግሮ፡ ፖርቱጋል፡ ሰርቢያ፡ ስሎቨንያን ስዊዘርላንድን። ኣብታ ግጥም፡ ናብ ሜዳ ዝኣተወ ኢጣልያዊ ዜጋ እንተነይሩ ማእከላይ ዳኛ ዶመኒኮ ቸሊ ጥራይ እዩ።ብመሰረት ጋዜጣ ደሎ ስፖርት፡ እቲ

ጸወታ ንመጀመርያ ግዜ እንኮ ኢጣልያዊ ተጻዋታይ ኣብ ምጅማር ዘይተሰለፎ ግጥም ተባሂሉ፡ ኣብ ታሪኽ ሰሪየ ኣ ሰፊሩ’ሎ። ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ ፋልማይ

እንግሊዛዊ ዜጋ ዘይተሰለፎ ግጥም ዘአንገደ ሊግ ተባሂሉ ዝግለጽ፡ ኣብ 2009 ፖርትስማውዝ ኣንጻር ኣርሰናል ኣብ ዝገጠማሉ ዋላ ሓደ እንግሊዛዊ ተጻዋታይ ኣብ ሜዳ ኣይተራእየን።

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 9መበል 25 ዓመት ቁ.212

ዮናታን ገብ

ረሂወት yog

[email protected].

er

ምኵር ሆላንዳዊ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሉዊስ ቫን ሃል፡ መጻኢኡ ኣብ ስታድዩም ኦልድ ትራፎርድ ውሑስ ከምዘይኮነን ኣብ ደገፍቲ’ታ ጋንታ ተፈታውነት ከምዘይብሉን እዩ ዝግለጽ፣ ይኹን እምበር ብዛዕባኡ ንዝጋዋሕ ዘበለ መዓት ወረ እዝኒ ብዘይምሃብ ጌና ኣብ ብቕዓቱ ዓቢ ርእሰ-ተኣማንነት ከምዘለዎ ገሊጹ፣ቫን ሃል ሓደ ካብ ዝበለጹ ኣሰልጠንቲ

ዓለም ከምዝኾነ ደኣ’ምበር ከምቲ ሰብ ዝብሎ ከምዘይኮነ የረድእ፣ ድሕሪ ምዝዛም እዚ ዓመተ ስፖርት እቲ ‘ካብ ዩናይትድ ክወጽእ’ዩ’ ዝብል ዘረባታትን ርእይቶታትን ከምዘይትንክፎ ድማ ይሕብር፣ የግዳስ ፖርቱጋላዊ ጆሰ ሞሪኖ ክትክኦ ምዃኑ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ብምጽንሑን ብምህላዉን፡ ኣብታ ዓባይ እንግሊዛዊት ጋንታ ዘለዎ ቀጻልነት ኣዝዩ ኣጠራጣሪ ከምዝኾነ እምንቶ ብዙሓት ሰባት ኮይኑ ኣሎ፣እንተ ንሱ’ሞ፡ “መራኸቢ ብዙሃን ኣቐዲመ

ከምዝተሰጎግኩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ብዛዕባይ ጽሒፈን እየን፣ ግና ክጻወሮ እኽእል’የ፡ ንዓይ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን” ክብል እዩ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት ንዝበለጸ ተጻዋታይ ዩናይትድ ዘረባኡ ጀሚሩ፣ ኣስዒቡ፡ “ንተጻወትተይ ቀሊል ጉዳይ

ኣይኮነን - መዓልታዊ እዮም ዘንብቡዎ፣ እዚስ ንሓላፍነተይ ኣይጸልዎን ዶ? ዋለሓደ

ኣብ ታሪኽ ስፖርት እምብዛ ክዉን ክኸውን ዘይመስል ዝነበረ ዓወት ተጋሂዱ፣ ሌስተር ኣብ እዋን ምስግጋር ንምሉእ

ጋንታ ዘውጽኣቶ ክፍሊት 80 ሚልዮን ዶላር፡ ሲቲ ንከቪን ደ ብራይን ጥራይ $84 ሚልዮን ከፊላ፣ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶኣ ጂሚ ቫርዲ፡

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሓምሻይ ዲቪዥን ይጻወት ነይሩ፣ ቀላሲኣ ዝኾነ ኣልጀሪያዊ ሪያድ

ማሕረዝ፡ ዝበለጸ ተጻዋታይ ፕሪመር ሊግ’ዚ ዓመት ዝተሰምየ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ እዩ፣ ክላውዲዮ ራኔሪ ኣብ 28 ዓመት ናይ

ምስልጣን ስርሑ፡ እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ዓወት ተጓናጺፉ፣ ብላክበርን ሮቨርስ ኣብ 1994-95

ንፕሪመር ሊግ ካብ እትዕወተሉ ንነጆ፡ ሌስተር ኣብ ጐድኒ ኣርሰናል፡ ቸልሲ፡ ሲቲን ዩናይትድን ተዓዋቲት ዝኾነት እንኮ ጋንታ

ዘውዲ ሻምፕዮን ፕሪመር ሊግ ደፊኣሌስተር ሲቲእያ፣ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ሌስተር - ቫርዲ፡

ማሕረዝ፡ ካንተን ዌስ ሞርጋንን ምስ ሕርይቲ ጋንታ ናይዚ ዓመት ተረቚሖም ነይሮም፣ **********************************************ካብ 5000 ሰብ ሓደ ሰብ ጥራይ ጽዋእ

ፕሪመር ሊግ ክትዓትር ግምት ዝሃባ ሌስተር ሲቲ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዘውዲ ሻምፕዮን ደፊኣ - ዋንጫ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ንምዕታር ሓያል ቅልስ ከተካይድ ዝጸነሐት ለንደናዊት ክለብ ቶተንሃም፡ ትማሊ ምሸት ኣንጻር ጓል ከተማኣ ቸልሲ ኣብ ዘሰላሰለቶ ጸወታ ማዕረ ብምፍልላያ እዩ፣ ቶተንሃም ብቕድሚ ትማሊ ምሸት

ናይ 26 ዓመት ናይ ስታምፎርድ ብሪጅ ዓወት ከተርውይ ድሕሪ ምውጣና’ያ ኣብ ስታድዩም ዋይት ሃርት ሌይን ነታ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ኣቃውማ ትኸይድ ዘላ ቸልሲ የአንጊዳታ፣ ኣብቲ ብሉጽ ኣጥቃዓያ እንግሊዛዊ ሃሪ ኬይን ናይ’ዚ

ግጥም መበል 25 ሸቶኡ ዘመዝገበሉ ምሸት፡ ካብ ሳን ካልኣይቲ ሸቶ ድሕሪ ምርካባ 2ብ0 መሪሓ’ያ ንዕረፍቲ ወጺኣ፣ እዚ ናይ ቅድሚ ዕረፍቲ ጸወታ፡ ንሌስተር ገና ኣብ ዝተረፋ ክልተ ጸወታታት ዘቕስን ኮይኑ ኣይተረኽበን፣ ኣብ ዝቐጸለ 45 ደቓይቕ ግን ዋላ’ኳ ቶተንሃም ንጸወታ ምሉእ ብምሉእ ትቋጻጸሮ፡ ሰማያውያን ዕድል መጋጥምቶም ኣጸልሚቶም ነቲ ቅድም ኣሰልጣኒኦም ዝነበረ ኢጣልያዊ ክላውዲዮ ራኔሪ ውዕለቶም ክኸፍልዎ ኣይተሸገሩን፣ ጋሪ ካሂል ቀዲሙ ልዳት ቶተንሃም ክደፍር እንከሎ፡ ተቐይሩ ዝኣተወ ኤዲን ሃዛርድ ድማ ጸወታ ክዛዘም 7 ደቒቕ ምስ ተረፎ ቀታሊት ሸቶ ኣቑጺሩ፣ ጸወታ ድማ ብናይ ሓባር ውጽኢት 2ብ2 ተዛዚሙ፣ እዚ ናይ ሰኑይ ምሸት ጸወታ፡ ኣብ

ልዕሊ’ቲ ዝነበሮ ዓቢ ኣገዳስነት ካብ መፈለምታኡ’ውን ብሓርፋፍ ኣጻዋውታ እዩ ጀሚሩ፣ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ፖቸቲኖ ንሜዳ ኣትዩ ባእሲ ዳኒ ሮስን ዊልያምን ካብ ዘርግኣሉ ጀሚርካ ክሳብ መወዳእታ ጎነጽ ዝዓብለሎ ነይሩ፣ ትሽዓተ ተጻወትቲ ቶተንሃም (ናይ’ቶም ኣርባዕተ ኣብ ውሽጢ 7 ደቒቕ ምዃኑ’ዩ) ብጫ ካርድ ክወስዱ ምኽኣሎም ከኣ ናይዚ ምስክር’ዩ፣ቶተንሃም ኣብ ሜዳ ቸልሲ ስታፎርድ

ብሪጅ መጺኣ ካብ ዘይትዕወት 26 ዓመታት ኮይኑ’ሎ፣ ንመወዳእታ ግዜ ኣብዚ ሜዳ 1ብ0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ድማ ውሩይ ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ መደበር ተለቪዥን ስካይ - ጋሪ ሊንከር ነታ መዐወቲት ሽቶ ኣመዝጊቡዋ ነይሩ፣ ድሒሩ ተጻዋታይ ሌስተር ዝኾነን ኣብዚ ሰዓት’ዚ ድማ ደጋፊ ናይታ ጋንታ ዘሎን ሊንከር፡ ሌስተር ጽዋእ ፕሪመር ሊግ እንተዓቲራ መራሃጫ ወይ ኩስቱሞ ወድየ ክትንትን’የ ከምዝበለ ዝፍለጥ’ዩ፣ ዘይከኣል ነገር ከምዘየለ ዘይተረደኦ ሊንከር፡ እንሆ ሕጂ ዘይምለስ ዘረባ ኮይኑዎ፣ ንዓወት ሌስተር “ኣብ ናይ ኵዕሶ እግሪ ሂወተይ እቲ ዝዓበየ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ ዘጋጠመ ክስተት ጥራይ” ክብል፡ ኣድናቖቱ ገሊጹ’ሎ፣ ስለዚ ሊንከር ዝመጽእ ወቕቲ ኣብ ቀዳመይቲ ጸወታ ፕሪመር ሊግ ኮስቱሞ ወድዩ ክትንትን ክንዕዘቦ ኢና ማለት’ዩ፣ ሌስተር ብሰንበት ምስ ማንቸስተር

ዩናይትድ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላያ፡ ቶተንሃም

ኣብ ዝተረፈ ሰለስተ ጸወታታት ክትዕወት ጥራይ’ዩ ነይሩዋ፣ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ቀዳማይ ጸወታኣ ማዕረ ክትፈላለ ብምኽኣላ ግን ንዋንጫ ፕሪመር ሊግ ከተማዕድዋ ተገዲዳ ኣላ፣ተጻወትቲ ሌስተር ሲቲ፡ ቶተንሃምን

ቸልሲን ንዘካየደኦ ጸወታ ኣብ ገዛ ብሉጽ ኣጥቃዓዮም ጂሚ ቫርዲ ኮይኖም ድሕሪ ምዕዛቦምን ናይ መወዳእታ ፊስካ ምስ ተነፍሐትን፡ ዓቢ ድግስ ብምግባር እዮም ንዓወቶም ጸንቢሎሞ፣ሌስተር ሲቲ ጽዋእ ፕሪመር ሊግ

ክትዓትር እያ ኢልካ ካብ ምሕሳብ፡ ውሩይ ስነጥበበኛ ኤልቪስ ፕረሲሊ ብሂወት ኣሎ ኢልካ ምክታዕ ይሓይሽ እናተባህለ’ዩ ኣብ ፍርቂ ግጥም ፕሪመር ሊግ ዝግለጽ ነይሩ፣ ይኹን’ምበር ሌስተር ልሳን ብዙሓት ፈላጣት ኵዕሶ እግሪ ብምዕባስ፡ ኣብ ናይ 132 ዓመት ታሪኻ ዝበለጸ ዓወት ክትስንድ ክኢላ’ላ፣ ደገፍቲ’ታ ጋንታ እቲ ጸወታ ካብ ዝዛዘም ጀሚሮም ኣብ ስታድዩም ናይ’ታ

ፎክስስ ብዝብል ቅጽል ስም እትጽዋዕ ጋንታኦም ኮይኖም ብዓቢ ሓጎስ ንዓወቶም ጸንቢሎሞን ገና ይጽንብሉዎን ኣለዉን፣እቲ ዝዓበየ ጽንብሎም ግን ዝመጽእ

ሰሙን ኣብቲ 30,000 ተዓዘብቲ ዝሕዝ ሜዳኦም ኣንጻር ኤቨርተን ኣብ ዝገብርዎ ጸወታ’ዮም፡ ብማዕዶ ጥራይ ንዝፈልጥዋ ዋንጫ ፕሪመር ሊግ ብምሓዝ ክጽንብልዎ፣ ደገፍቲ’ታ ጋንታ ብለይቱ ናብ ሜዳኦም ብምምርሖም፡ ተጻወትቲ ናይታ ጋንታ ድማ ኣብቲ 1 ሚልዮን ፓውንድ ዝዋጋኡ ገዛ ኣጥቃዓይ’ታ ጋንታ ቫርዲ ኮይኖም’ዮም ዓቢ ድግስ ኣካይዶም፣ ስእልታት ናይቲ ድግስ ብመንገዲ ኢንተርነት ኣብ ዝተዘርገሓሉ ድማ ኣማኢት ደገፍቲ ናይታ ጋንታ ናብ ገዛ’ቲ ኣጥቃዓይ ብምኻድ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ገዛ ኮይኖም ክዘሉ ኣምስዮም፣ ቫርዲ ማሕበር ጋዜጠኛታት ብዝገበሮ ናይ ድምጺ ብልጫ ውድድር ብሉጽ ተጻዋታይ ፕሪመር ሊግ ኢንግሊዝ ኮይኑ ከምዝተዓወተ ዝፍለጥ’ዩ፣

ነገር ክገብር ኣይክእልን’የ፡ እቶም ተጻወትቲና ከምኡ እናሰምዑን ኣሰልጣኒኦም ብኸምኡ እናተገልጸንከ ከመይ ገይሮም ምኽረይ ክሰምዑ? ብዝኾነ ግን ኣነ ከምቲ ዝበሃል ኣይኮንኩን፡ ትርንዕ ከኣ ኣይብልን’የ፣ ሓደ ካብ ዝበለጹ ኣሰልጠንቲ ዓለም ምዃነይ ከኣ እፈልጥ” ኢሉ፣ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሰሌዳ ፕሪመር

ሊግ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተቐሚጣ ትርከብ - ሰለስተ ተረፍ ጸወታ ኣለዋ፣ ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ጸወታታት ሓደ ደረጃ ንላዕሊ ምስ እትሓኵር ድማ ኣብ ዝመጽእ ናይ ውድድር ወቕቲ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ናይ ምስታፍ ተኽእሎኣ ከተውሕስ እያ፣ ዋላ’ኳ ክሪስታል ፓላስ ኣብ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ኤፍ ኤ ትጽበያ እንተላ፡ ቫን ሃል ተጻወትቱ ብፍጻመታቶም ክብሪ ዝግብኦም ምዃኑ እዩ ገሊጹ፣“ትጽቢታት ዓበይቲ ክለባት ዓለም

ክንረኽቦ ኣለና እንድዩ፡ ግና እቲ ትጽቢት ምሒር ላዕሊ’ዩ፣ ንሕና ኣብ እዋን ምስግጋር (transition period) ኢና ዘለና፣ እዚ ኸኣ ቀሊል ኣይኮነን፡ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፣ ጌና ኣብ ቦታ ሃንቀውታ ንሻምፕዮንስ ሊግ ዘሕልፍ ተርታን ኣብ ፍጻመ ኤፍ ኤ ካፕን ኢና ንርከብ ዘለና፣ ብሓጺሩ ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ብዙሕ ግዜ ተቓሊስና ኢና፣ ተጻወትቲ ዕማሞም ስለዝፈጸሙ ድማ ከተጨብጭቡሎም ትኽእሉ ኢኹም” ክብል፡ ይውስኽ፣ ሉዊስ ቫን ሃል፡ ዘውዲ ሻምፕዮን ፕሪመር ሊግ ክደፍእ ናብ

እንግሊዝ ከምዝመጽአ እኳ እንተገለጸ፡ ሕጂ ብመጀመርታ ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ንምሕላፍ ቀዳማይ ስርሖም ምዃኑ ይዛረብ፣ ኣብ ጽንብል ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሽልማት

ማንቸስተር ዩናይትድ፥ ሓላው ልዳት ዴቪድ ደ ሃያ ዝበለጸ ተጻዋታይ፡ ኣንቶኒ ማርሻል ዝበለጸት ሸቶ ዩናይትድ ዘመዝገበ፡ ጃክሰን ብትሕቲ 21 ዓመት ከምኡ ድማ ማርከስ ራሽፎርድ ዝበለጸ ተጻዋታይ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኖም ሽልማት ጋንታኦም ተቐቢሎም፣ ስጳኛዊ ሓላው ልዳት ዲሃያ፡ ንሳልሳይ ግዜኡ ብሉጽ ተጻዋታይ ዩናይትድ ዘብሎ ክብሪ ብምርካቡ ኣብ ታሪኻ ማዕረ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ተሰሪዑ ኣሎ፣ ዲሃያ ብተኸታታሊ ነዚ ሽልማት ብምብቅዑ ግን ካብ ሮናልዶ ፍልይ የብሎ፣ ብተወሳኺ፡ ቀዳሞት ተሰለፍቲ ዩናይትድ ብፍሉይ ንብሉጽ ተጻዋታይ’ታ ጋንታ ድምጾም ኣብ ዝሃቡሉ፡ ክሪስ ስሞሊን ተዓዊቱ፣

ብምኽንያት መጉዳእቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ጸወታታት ጋንታኡ ቦኺሩ ዝጸንሐ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ምሉእ ብምሉእ ናብ ልምምድ ጋንታኡ ከምእተመልሰ ተሓቢሩ፣ በዚ ድማ ንናይ ሎሚ ምሸት ግጥም ካልኣይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሪያል ማድሪድን ማንቸስተር ሲቲን ድልዊ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ፣እዚ ፖርቱጋላዊ ኮኾብ ተጻዋታይ፡

ኣንጻር ቪያሪያል ይጻወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ሰለፍ መጉዳእቲ ከምዝገጠሞ ይፍለጥ፣ ብሰንኩ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ርክብ ቀዳማይ እግሪ እዘን ክለባት ከምኡ’ውን ኣብ ግጥም ላ’ሊጋ ኣንጻር ራዮ ቫልካኖን ሪያል ሶሴዳድን ኣብ ሜዳ ኣይተራእየን፣ ሎሚ ንኽስለፍ 100 ሚእታዊት ብቑዕ ከምዘሎ ግን ኣሰልጣኒኡ ዚነዲን ዚዳን የረጋግጽ፣ ናይ ሻምፕዮንስ ሊግ ጸወታ ሪያል

ማድሪድን ማንቸስተር ሲቲን ኣብ ሜዳ ሳንቲያጎ በርናቡ ዝእንገድ ኮይኑ፡ ክልቲአን ክለባት ኣብ ስታድዩም ኢትሓድ ብዘይሸቶ ተፈላልየን ብምንባረን፡ ናብ ግጥም ፍጻመ ንምሕላፍ ሎሚ ሓያል ቃልሲ ከካይዳ

ትጽቢት ይግበር፣ ምምላስ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ ዘይነበረ ሮናልዶ፡ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ብምዃኑ ድማ ንጋንታኡ ዓቢ ብስራት ከምዝኾነ ዚዳን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ፣ኣብዚ ዝለዓለ ኤውሮጳዊ ውድድር ክለባት

ኵዕሶ እግሪ፡ ሲቲ ንፋልማያ እዋን ንግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዙር 16 ብምሕላፋ ኣብዚ ዓመተ-ስፖርት ኣቐዲማ ሓድሽ ምዕራፍ ክትግንጽል እንከላ፡ ማድሪድ ንመበል 14 ግዜኣ ናብ ግጥም ፍጻመ እትበጽሓሉ መድረኽ ክትፈጥር መዲባ ኣላ፣ ኣሰልጣኒ ማን.ሲቲ ማኑዌል ፐለግሪኒ ኣብ ዘይሜዳኦም ሸቶ ብምቑጻር፡ ንማድሪድ ጉድ ክገብሩዋ ዓሊሙ ምህላዉ’የን ማዕከናት ዜና እንግሊዝ ዘጋውሓ ዘለዋ፣

ሮናልዶ ናብ ልምምድ ተመሊሱ

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 10መበል 25 ዓመት ቁ.212

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዞባ ማእከል ኣስመራሰለማዊት ኣለም ሃብተጽዮን ምባል

ተሪፉ፡ ሰላም ኣለም ሃብተጽዮን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/5/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ፍስሓ በላቸው ወንድሙ ምባል ተሪፉ፡ ፍስሃየ በላቸው ወንድሙ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/5/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ሊሊ ደስታ እያሱ ብወኪላ ለምለም ስዩም ክብርኣብ ኣቢላ፡ ሊሊ ደስታ እያሱ ምባል ተሪፉ ሊሊ እያሱ የውሃንስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/5/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባኣያ ቁ.41 ይቕረብ።

ታእዛዝ ሃብተማርያም ክፍልዝጊ ምባል ተሪፉ፡ ታእዛዝ ዮውሃንስ ኣስፍሃ ስም ኣደይ ድማ እሙና ኣስፍሃ ምባል ተሪፉ፡ ሰለማዊት ሃብተማርያም ክፍልዝጊ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/5/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ ቁ.41 ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገዛ ባንዳ

ወ/ሮ ኣስመረት እምባየ ግርማጽዮን በዓል ቤተይ ኣቶ ኣለም ተስፋገርግስ ተስፋማርያም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኢንጅነር ካሕሳይ ነጋሲ፡ ኣቦና ብላታ ነጋሲ ጊላገርግሽ ጽገ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ናይ ዝገበረልና ለበዋ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራ

ኣቶ ሃይለ ወልደሂወት ኣርኣያ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ሰማይነሽ ጋይሎም ገብረማርያም ስለዝሞተት፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን2/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረትን ቲራቮሎንኣቶ ምሕረትኣብ ክብሮም

ተስፋጋብር፡ ወለድና ክብሮም ተስፋጋብርን ጋብሩ ገብረመድህን ጎፋርን ስለዝሞቱ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ናይ ወለድና ወረስቲ ኢና፡ ኣነ ምስ

9 ኣሕዋተይ ከኣ ናይ ኣቦና ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሸሪዓከሳሲት ሳምያ ዓ/ሰላም ሂቡ፡ ተኸሳሲ

ኣቶ ፉኣድ ኣላሚን ኢብራሂም በዓልቲ ቤትካ ኣብ ቤ/ፍ ሸሪዓ ዞ/ማ ክሲ ኣቕሪባትልካ ስለዘላ፡ ባዕልኻ ወይ ንዓኻ ዝውክል ሰብ ን1/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ሸሪዓ ዞ/ማ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ቤ/ፍ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዘየለኻሉ ክርእዮን ውሳነ ክህበሉን ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሰግዶ

ወ/ሮ ዮሃና ፍስሃጼን እማሃ በዓል ቤተይ ወልደዝጊ ኣርኣያ መንግስቱ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/6/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ኣቤቶ

ወ/ሮ ኣብርሄት ኣፈወርቂ በዓል ቤተይ ኣስመላሽ ዘካርያስ ኣዲግ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 11 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ንፋስ

ለተብርሃን ተወልደብርሃን ሃብተማርያም፡ ኣቦና ኣቶ ተወልደብርሃን ሃብተማርያም ጊላንኪኤል ስለዝጠፍአ፡ ኣነ ምስ 9 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ሓወሻ

ወ/ሮ ትርሓስ ታረቀ ተወልደ፡ ኣቦሓጎይ ተወልደ ምሕረትኣብ ኣባዱ ስለዝሞተ፡ ንኣቦና ታረቀ ተወልደ ተኪእና ኣነ ምስ 5 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ወኪድባ

ኣቶ ጳውሎስ መንጉስቱ ተወልደብርሃን፡ ወላዲና መንጉስቱ ተወልደብርሃን ባራኪኤል ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 3 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳክርስትያን

ወ/ሮ ለተሚካኤል ሃይለ ሓጎስ፡ ሓወና ቀለታ ሃይለ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን27/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሕምብርቲ

ሻሹ ገረህላሴ ተላ፡ ናይ ኣቦናን ኣደናን ተተካእቲ ምስ 5 ርእሰይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ እምባደርሆ

ወ/ሮ ሰናይት ተወልደ በዓል ቤተይ ሚካኤል ዘርእጋብር ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ

ከረን 03ወ/ሮ ኣስካሉ ዑቅባጋብር፡ ጓለይ

ወ/ሮ ጅራ ተኸስተ ተክልሃይማኖት ስለዝሞተት፡ ኣነ በይነይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ናዝሬት ተኪኤ ኪዳነ ምስ በዓል ቤተይ ኣቶ ሕሩይ ተክለ ስባህቱ ብ12/2012 ግቡእ መርዓ ጌርና። እንተኾነ ክሱስ ክሳብ ሕጂ ኣድራሽኡ ስለዘይፈልጥ እንተሎ ብኣካል ክቐርብ እንተዘየሎ ድማ ተጸዊዑ ን21/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ምስ ዘይቀርብ ሕጋውነት ይተግበረለይ።

ወ/ሮ ወይኒ ፍስሃ ፍረ፡ በዓል ቤተይ

ሕልፊ ዑቅባልደት ክሳብ ሕጂ ደሃይ ስለዘይብሉ እንተሎ ብኣካል ክቐርብ እንተዘየሎ ድማ ተጸዊዑ ን21/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ምስ ዘይቀርብ ሕጋውነት ይተግበረለይ።

ዞባ ደቡብ ድባርዋከሳሲ ኣቶ ግርማይ ኢያሱ መኮነን፡

ካብ ተኸሰስቲ 1.ኣቶ ሳግም ሃብተ መብራህቱ 2.ኣቶ ስዒድ ያሲን ዓሊፍከክ ዝዓደግክዋ ናይ ገዛ መኪና ቶዮታ ካምሪ ዝዓይነታ ብቁ/ሰሌዳ ER-1-16131 ቁ/ሞቶር IY 0890072 ቁ/ቻሲ JLJEOSV 1000294706 ዝተመዝገበት፡ እዞም ተኸሰስቲ ዝሸጥዋ መኪና ግቡእ ናይ ስም ምትሕልላፍ ናብ ስም ዓዳጊ ከይፈጸሙ ካብ ሃገር ወጻኢ ስለዝተሰወሩ ተጸዊዖም ን26/5/16 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪልኩም ኣብ ቤ/ፍ ቅረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ግን ጉዳይኩም ኣብ ዘየለኹምሉ ግዜ ክረአ ምዃኑ የፍልጥ።

ሓበሬታሚ/ኒ ጥዕና ምስ ኣልባሳር እተባህለ ሱዳናዊ ጉጅለ ኪኢላታት ሕክምና ዓይኒ ብዝገበሮ ስምምዕ መጥባሕቲ

ሓበላ ዓይኒ ከካይድ እዩ።

በዚ መሰረት ካብ ዕለት 03 - 08/05/2016 ኣብ ብርሃን ዓይኒ መወከሲ ሆስፒታል ኣስመራ ካብ ዕለት 09 - 16/05/2016 ድማ ኣብ ሆስፒታል ባጽዕ ከካይድ ስለዝኾነ፡ ኣብዘን ክልቲአን ሆስፒታላት ቆጸራ ዘለኩም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ክትመጹ ንሕብር።

ሚ/ሪ ጥዕና

NOTICENotice is hereby given to the public that “MAIJAH JAH Private Limited Company” has been formed among the following members.

ShareholdersA)

S/N NAME NATIONALITY ADDRESSSHARES SUBSCRIBED

VALUE OF SHARES

1Gezabanda Administration Zone Eritrean Asmara 109 10,900,000

2 Tewolde Keleta kahsay Eritrean Asmara 1 100,000

TOTAL 110 11 ,000,000

The head office of the company will be in Asmara and branch offices may be opened B) anywhere within and outside Eritrea.

The total fully paid up capital, in cash and in kind, of the company is Nakfa eleven C) million (11,000,000.00) divided in to one hundred and ten shares (110) of par value of Nakfa one thousand (100,000.00) each.

The business purposes of the company shall be:D)

Overall Objectives1)

To engage in the provision of green area recreation services

To engage in the provision of wedding services

For and the effective realization of its business objectives, the company is 2) empowered to:-

To establish bar, fast food, breakfast, shower and toilet services; and other businesses necessary for the achievement of the company objectives

To enter into all and whatever contract with any third parties and to participate in tenders for and in relation with its business objectives.

Mr. Tewolde Keleta Kahsay is appointed as the general manager for unlimited E) period of time.

The period for which the company is established is unlimited.F)

MAIJAH JAH PRIVATE LIMITED COMPANY

ማይጃሕ ጃሕ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ብሕታዊ ማሕበር

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 11መበል 25 ዓመት ቁ.212

Invitation for BidsCountry: EritreaName of Purchaser: Project Management Unit – Ministry of Education (PMU - MoE)

Procurement of Printing of Text Books & Teacher’s Guides for Grade 3, 4, 5, 6 and 7

IFB No.: PMU-MOE/GPE/G/NCB/002/2016

The State of Eritrea has received a grant from the Global Partnership 1. for Education in the amount of USD 25.3 million towards the cost of Enhancing Equitable Access to Quality Basic Education For Social Justice, and intends to apply part of the proceeds of the grant to cover eligible payments under the contract for the supply of Printing of Textbooks and Teachers’ Guides for Grade 3, 4, 5, 6 and 7. Bidding is open to all interested bidders.

The Project Management Unit of the Ministry of Education (PMU – 2. MoE) now invites sealed bids from eligible bidders for any or all of the LOTs bellow provided they quote for all items and quantities within each LOT: Lot 1: Grade 3 Text Books & Teacher’s Guides Lot 2: Grade 4 Text Books & Teacher’s Guides Lot 3: Grade 5 Text Books & Teacher’s Guides Lot 4: Grade 6 & 7 Text Books & Teacher’s Guides

3. Bidding will be conducted through the National Competitive Bidding (NCB) procedures, and is open to all bidders.

4. Interested eligible bidders may obtain further information from Project Management Unit – Ministry of Education (PMU - MoE), Asmara, Eritrea, Tel: 291-1-151614, Fax: 291-1-152181, Email: [email protected], and/or [email protected], and inspect the Bidding documents at the address given below during working hours Monday through Friday.

5. A complete set of the Bidding documents in the English language may be collected by interested bidders upon payment of a non-refundable fee of ERN: 500.00 (Five Hundreds Nakfa only) or in other freely convertible currency, on the submission of a written application to the address below starting Monday, May 2, 2016.

6. Bids must be delivered to the address below at or before 10:00 A.M local time on May 31, 2016. Electronic bidding will not be permitted. Late bids will be rejected. Bids will be opened in the presence of the bidders’ representatives who choose to attend at the address below at 10:00 A.M local time on May 31, 2016. All bids must be accompanied by a Bid Security of ERN 90,000.00 (Ninety Thousand Eritrean Nakfa) for Lot 1, Lot 2, and Lot 3 EACH and ERN 30,000.00 (Thirty Thousand Eritrean Nakfa) for Lot 4.

The address referred to above is: Project Management Unit – Ministry of Education (PMU - MoE) Street Address: Hday Street 748-1 Floor/Room number: Dembe Sembel, Block “A”, First Floor, RH Office Phone Number: 151614 Asmara, Eritrea

7. The instructions to bidders and general conditions of contract contained in the bidding documents comply with the regulation of the Government of the State of Eritrea for Procurement of Goods.

THE STATE OF ERITREA EUROPEAN MINISTRY OF AGRICULTURE DEVELOPMENT FUND

Procurement – NoticePROJECT: Support to the Agricultural Sector/ Food Security in Eritrea

Contract Title: Supply of galvanized iron tubes for energy saving stoves’ chimney.

Publication Reference No. EuropeAid/138-021/ID/SUP/ER

The Ministry of Agriculture intends to award a supply contract for procurement of galvanized iron tubes for energy saving stoves’ chimney in Asmara/Eritrea with financial assistance from the European Development Fund (EDF). The tender dossier is available from:

Ministry of AgricultureSawa Street P.O.Box- 1048Asmara, Eritrea

Tel. 291-1-181042, Fax 291-1-181759 Email: [email protected]

And will also be published on the Europe Aid website: https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-ervices/index.cfm?do=publi.welcome]. The deadline for submission of tenders is June 13th, 2016, 17:00 P.M. local time.Possible additional information or clarifications/questions shall be published on the Europe Aid website:https://webgate.ec.europa.eu/europeaid/online-services/index.cfm?do=publi.welcome, and published in the Eritrean newspapers: Haddas Eritrea & Eritrea Profile

ዞባ ማእከል ኣስመራወ/ሮ ሄለን ግርማይ ሓጎስ፡ በዓል ቤተይ መርሃዊ

ገብረዝግሄር ሃብተሃንስ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ኣትሒዙ ደሃይ ስለዘይብሉ ጥፉእ ተባሂሉ ይወሰነለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/5/16 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ዞባ ዓንሰባ ከረንተስፋገርጊሽ ወልደጽዮን ጸጋይ ምባል ተሪፉ፡

ዮናስ ወልደጽዮን ጸጋይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ

ኣብ መንጎ ወ/ሮ ማና ዑቅባሚካኤልን ተኸሳሲ ኣቶ ሃብተማርያም ጸጋይን ዘሎ ናይ ካሕሳ ክርክር፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ኣመልኪቶም መልሲ ንክህቡ ብኣካል ወይ ብወኪል ን30/5/16 ኣብ ቤ/ፍ 2ይ ሲቪል መጋባኣያ ይቕረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይ ንስኹም ኣብ ዘየለኹምሉ ክረአን ክስማዕን ምዃኑ ንሕብር።

ዓዲ ዃላስዒድ ጀማል ሓጂ ምባል ተሪፉ፡ ስዑድ ጀማል

ኢብራሂም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ኣቶ ዮውሃንስ ኣርኣያ ኪዳነ፡ ኣቦና ኣርኣያ ኪዳነ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 11 ኣሕዋተይ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና፡ ከምኡ’ውን ናይ ሕጊ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኣስሊ ገብረስላሴ ድማ ናይ መጻምዲ መሰላ ይተሓለወላ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይ ዕዳጋ

ወ/ሮ ስዕድያ መሓመድ ስዓድ በዓል ቤተይ ዓብደልቃድር ሑመድ ሓምድ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቁ ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ እምባኳዃት

ወ/ሮ ትፍቶ ተስፋኪኤል በየነ በዓል ቤተይ ዜና ምሉእብርሃን እማን ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ክሳድ እምባ

ወ/ሮ ሓጉሽ ጋይም ደስታ በዓል ቤተይ ተወልደብርሃን ገብረ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 9 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዳላት

ኣቶ ዑስማን ኣድም መሓመድ፡ ብስም ነፍ/ወ/ሮ ጸጋ ዑቕባሚካኤል ኣብ ከተማ ሓጋዝ እትርከብ ዘላ ልቸንሳ ናይ እንዳ ጠሓኒት ኣብ ስመይ ዑስማን ኣድም መሓመድ ክመሓላለፈለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። ዝቃወም እንተዘይቀሪቡ ጉዳይ ኣብ ዘየለኹምሉ ክረአን ውሳነ ክህበሉን ምዃኑ

ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኳዓቲትሱዛና ረታ ተኽሊት፡ እሰይ ረታ ተኽሊት፡ ኣቦና

ረታ ተኽሊት ስለዝሞተ፡ ንሕና ጥራይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣዜብ ኣንገሶም እምባየ፡ በዓል ቤተይ ኣቶ ጻዕዲ ዘርኦም በየነ ናብ ስደት ካብ ዝኸይድ ደሃይ ስለዘይገበረለይ ስለዝጠለመኒ፡ ቃልኪዳነይ ይውረደለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ያቅነወ/ሮ ጸጋ ተስፋይ ቦኽረጽዮን ምስ በዓል ቤተይ

ኣቶ ኣብርሃለ መንግስትኣብ ወልደሚካኤል ኣብ 2011 ዓ.ም ተመርዒና ውላድ ኣይወለድናን። እንተኾነ በዓል ቤተይ ናብዚ ከይደ ከይበለኒ ን3 ዓመት ዝኣክለ ክድግፈኒ ስለዘይከኣለ ኣነ ውን ከምዚ ኢለ ክነብር ስለዘይክእል ሕጋዊ ፍትሕ ክካየደለይ ስለዝበላ፣ ተጸዋዒ ብኣካል ወይ ሕጋዊ ወኪሉ፡ ን13/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤ/ፍ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ደብረማርያም

ወ/ሮ ለምለም መድሃኔ ትኩእ በዓል ቤተይ ኣቶ ንጉሰ የዕብዮ ቀሺ ኪዳነ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/5/16 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ጋሽ ባርካ ባረንቱወ/ሮ ጅምዓ መሓመድ ኣልኣሚን ምባል ተሪፉ፡

ጅምዓ ሱሌማን መሓመድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን10/5/16 ኣብ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣቑርደት

ወ/ሮ ኣድሓነት ኣርኣያ ሓድጉ በዓል ቤተይ እስቲፋኖስ ተኽለ ተስፋዮሃንስ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/5/16 ኣብ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2016 - ገጽ 12መበል 25 ዓመት ቁ.212

Sabur Printing Services

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ኣብ ሊብያ ተዋፊሮም ዝርከቡ ፍሉያት ሓይልታት ብሪጣንያ፡ ኣብ ትሕቲ ድብያ ዕጡቓት ዳዕሽ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ። ኣብቲ ብርእሰ ቅትለት ዝተሰነየ መጥቃዕቲ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ’ሎ። ዕጡቓት ዳዒሽ ሞርታራትን

ኣውቶማቲክ ጠመናጁን ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ’ቲ ኤውሮጳዊ ልፍንታዊ ሓይሊ ድብያ ከካይዱ እንከለዉ፡ እቲ ኤውሮጳዊ ሓይሊ ብሓገዝ ነፈርትን ሄልኮፕተራትን ውግእ፡ ካብቲ ድብያ ከምልጥ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ።ኣገልግሎት ዜና እስራኤል ከምዝሓበሮ፡

ቃፍላይ መካይን ሓይልታት ብሪጣንያ፡ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሊብያ ትርከብ ከተማ ሚስራታ፡ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ዳዒሽ ናብ ትርከብ ከተማ ሲርት ገጹ እናተጓዕዘ እንከሎ’ዩ በቶም ኣኽረርቲ ዕጡቓት ድብያ ተገይሩሉ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ምስቲ ብዕጡቓት ዳዒሽ ኣብ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምስሪ ዝቕጽል ዘሎ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ኣብቲ ቃፍላይ፡ ሰራዊት ብሪጣንያን ኢጣልያን ከምዝነበሩ’ዩ ዝጥቀስ።ዝሓለፈ ወርሒ ብብሪጣንያ ዝምራሕ

ልፍንታዊ ሰራዊት፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሊብያ ከተማ ሲርትን ኣብ ዒራቕ ከተማ ሞሱልን ዝርከቡ ዕጡቓት ዳዒሽ፡ ሃንደበታዊ

ሊብያ - ዳዒሽ ሓይልታት ብሪጣንያ የጥቅዕ

ኣብ ከተማ ናይሮቢ-ኬንያ፡ በዓል ሽዱሽተ ደርቢ ህንጻ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሓንቲ ህጻን፡ ኣብቲ ፍርስራስ ንኣርባዕተ መዓልቲ ብዘይ ማይን መግብን ብህይወት ክትጸንሕ ምኽኣላ፡ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒባ።እቶም ነታ ጓል ሸውዓተ ወርሒ

ህጻን (ናጽላ)፡ ኣብቲ ፍርስራስ ዝረኸቡዋ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ኣዝያ ደኺማ ትልኽ ክትብል ከምዝጸንሓቶም ገሊጾም። ከምዚ ዓይነት ተኣምር ሳሕቲ ዘጋጥም ክስተት ምዃኑ ድማ ተዛሪቦም። ብዘይካ ጥሜትን ጽምእን ካልእ ዝኾነ ማህረምቲ ከምዘይጸንሓ ብተወሳኺ ገሊጾም።እቲ ህንጻ፡ ሓገዝ ተሎ ኢልካ ኣብ

ዘይርከቦ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝሃረመሉ ዕለት ብምፍራሱ፡ ብውሕዱ ህይወት 22 ሰባት ከምዝጠፍአ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ

ተኣምራታዊት ህጻን ኣብ ኬንያ!

ፍርስራስ ክህልዉ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግመት። እንተኾነ፡ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ዝማህመነ ምዃኑ፡ እቶም ኣብ ህይወት ምድሓን ዝነጥፉ ዘለዉ ስራሓተኛታት ስግኣቶም ይገልጹ።እቲ ሓያሎ ስድራቤታት ክነብሩሉ

ዝጽንሑ ህንጻ፡ ንመንበሪ ብቑዕ ብዘይምዃኑ ክፈርስ’ዩ ተወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ ዋና’ቲ ህንጻ፡ ብዘይ ፍቓድ 119 ክፍልታት ናይቲ ህንጻ ኣካርዩ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ

ዝኣተወ ዋና ህንጻ፡ ሳሙኤል ካራንጁ ካሙ፡ ብቕትለት ሰባት ተኸሲሱ ትማሊ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ። ዛጊት ግን ርእይቶኡ ካብ ምዝራብ ተቖጢቡ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር። ኣብ ገለ ዘይማዕበላ ሃገራት፡ ህንጻታት ክስርሑ እንከለዉ እኹል ምቁጽጻር ስለዘይግበረሎም፡ ትሕቲ ብቕዓት ኮይኖም ከምዝህነጹ፡ ስለዚ ድማ ጠንቂ ሞት ሰባት ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ፡ ዓቢ ትካል መድሃኒት ‘ጆንሰን-ጆንሰን’ ዘፍረዮ መድሃኒት ብምውሳዳ፡ መንሽሮ ከምዝሓዛ እትገልጽ ኣመሪካዊት፡ 55 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክትክፈል ተወሲኑላ።እታ ግሎሪያ ሪስተሱንድ ዝተባህለት ጓል

62 ዓመት ኣመሪካዊት፡ ኣብ ከባቢ ብልዕታ እትለኽዮ ዝነበረት ፍርያት ትካል ጆንሰን-ጆንሰን ዝኾነ ሓሪጭ መድሃኒት፡ ንመንሽሮ ማህጸን ከምዘቃለዓ እያ ትኸስስ።ነቲ ጉዳይ ክምርምር ዝጸንሐ ቤት

ፍርዲ፡ እታ ግዳይ መንሽሮ ኮይና ዘላ ሰበይቲ፡ ነቲ መድሃኒት ኣዘውቲራ ትወስዶ ከምዝነበረት ብምርግጋጽ፡ ጠንቂ ሕማማ እቲ መድሃኒት ክኸውን ዝለዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ውሳነ ድማ፡ እቲ ኩባንያ

ኩባንያ መድሃኒት፡ ንሓንቲ ግዳይ 55 ሚልዮን ዶላር ክኽሕስ. . ?

ኣውስትራልያ፡ ኣታዊታተን ኣብ ልዕሊ ዝሓብኣ ዓበይቲ ኩባንያታት፡ ከቢድ ፋይናንሳዊ መቕጻዕቲ ከምእትውስን ኣጠንቂቓ።ሚኒስተር ፋይናንስ ስኮት ሞሪሶን

ስርሒት ብምክያድ ክድምስሶም ከምዝወሰነ ምግላጹ ይዝከር። ብሓይልታት ኤውሮጳ ዝቖመ ልፍንቲ

ናብ ሊብያ ንምእታው ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ብሪጣንያ፡ ኢጣልያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኣመሪካን ክጽንበራኦ ምዃነን ኣፍሊጠን። እቲ ልፍንታዊ ሰራዊት፡ ኣብ ሊብያ ዓስኪሮም ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ዕጡቓት ዳዒሽ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምክያድ መደብ ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ። ሰብ-መዚ ኤውሮጳ ጉጅለ ዳዒሽ ካብ ሊብያ እናተበገሰ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኤውሮጳ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝኽእል ብምግላጽ ስግኣቶም ይገልጹ።ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ፊሊፕ

ሃሞንድ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሊብያ

ብምብጻሕ ምስ ሰበ-ስልጣን ግዝያዊ መንግስቲ ናይ’ታ ሃገር ከምዝተራኸበን፡ ነቲ ኣብ ንእሽቶ ቦታ ተሓጺሩ ዝርከብ መንግስቲ ዘለዎ ደገፍ ከምዝገለጸን ምንጭታት ዜና ይሕብሩ።ፍሉያት ሓይልታት ብሪጣንያ፡

ብምስጢር ኣብ ሊብያ ካብ ዝዋፈሩ ኣዋርሕ ገይሮም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ። እታ ሃገር ኣማስያኡ ክሳብ ሓደ ሽሕ ዝኣክል ሰራዊት ናብ ሊብያ ክትልእኽ መደብ ከምዘለዋ ምንጭታት የመልክቱ።ኣኽራሪ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሶርያን

ዒራቕን ካብ ዝሓዞ ከባቢታት ክስሕብ ክግደድ እንከሎ፡ ኣብ ሊብያ ግን ትሕዝቶታቱ እናስፈሐ ምምጽኡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መፍረ መድሃኒት ነታ ግዳይ 55 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክህባ በይኑ።ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ጆንሶን-

ጆንሶን፡ 1200 ተመሳሳሊ ክስታት ቀሪቡሉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።ይኹን’ምበር፡ እቲ ኩባንያ፡ እቲ ካብ

ታልክ ዝተባህለ ዓይነት ማዕድን ዝርከብ

ፍርያቱ ኣብ ጥዕና ዘስዕቦ ኣበር ከምዘየለ ብምምልካት፡ ይግባይ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ’ሎ።ሓያሎ ክኢላታት፡ ብዝተፈላለየ

ምኽንያት ዝውሰድ መድሃኒት ጎድነኣዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ምፍላጥ ከምዘድሊ’ዮም ዘገንዝቡ።

ኣውስትራልያ ንኩባንያታታ ተጠንቅቕንባይቶ’ታ ሃገር ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ግብሪ መንግስቲ ምኽፋል ግዴታ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብን ትካልን ምዃኑ ብምንጻር፡ ካብ ምኽፋል ግብሪ ከምልጣ ንዝፍትና ኩባንያታት ካብ ኣታዊታተን

40 ሚእታዊት መቕጻዕቲ ክብየነለን ምዃኑ ኣገንዚቡ።ቅድሚ ሕጂ እቲ መቕጻዕቲ 30

ሚእታዊት ጥራይ ከምዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፡ ነተን ከታልላ ዝፍትና ኩባንያታት ኮነ ንኻልኦት ዓቢ ትምህርቲ ክኸውን ብምባል እቲ መቕጻዕቲ ክብ ክብል ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ።ኣውስትራልያ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ

ናይ 37 ቢልዮን ዶላር ሕጸረት ባጀት ንምሽፋን፡ በተን ልዑል ኣታዊታት ዘለወን ኩባንያታታ ዝኽፈል ግብሪ ክትውስኸሉ መደብ ከምዘለዋ እያ ትሕብር።ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ዝርከባ

ገዚፍ ኣታዊ ዘለወን ኩባንያታት፡ ካብ ምኽፋል ግብሪ ንምምላጥ ርእሰ-ማለን ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዝሓብኣኦ ይንገር።

ብሪጣንያዊት ጁሊያን በይፎርድ፡ ብሎተሪ 148 ሚልዮን ፓውንድ ክትዕወት እንከላ፡ ሓጎሳ ወሰን ኣይነበሮን። እቲ ገንዘብ ንዓኣን ንስድራቤታን ኣኺሉ ዝተርፍ’ዩ ዝነበረ። ንሳ ጥራይ ዘይኮነት፡

ተወሳኺኩሎም ኣባላት ስድራቤታ ብገንዘብ ከይጭነቑ ብምባል ድማ ነቲ 20 ሚልዮን ፓውንድ ንስድራቤታ ኣከፋፊላቶ። እቲ ሓጎስ ግዳ ቀልጢፉ’ዩ ተቖጽዩ። ካብቲ ሎተሪ ዝተዓወተትሉ ግዜ ጀሚሩ ልክዕ ድሕሪ 15 ወርሒ ምስ በዓል-ቤታ ተፋቲሓ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ንኣቦኣ፡ ንኣዲኣን ኣሕዋታን ዝሃበቶ ገንዘብ’ውን መጽልኢኣ’ዩ ኮይኑ፡ ብመሰረት ንደይሊ መይል ዝሃበቶ ቃል። “ምስ ስድራይ ካብ ዘይዘራረብ እነሆ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ምኽንያት ከኣ ገና ክውስኾም ስለዝጽበዩ እዮም” ትብል ጂልያን። ገንዘብ ስለዘይወሰኸቶም ከምዝጸልኡዋን ካብኡ ሓሊፎም ምስኣ ሰላምታ’ውን ይኹን ከምዘይብሎምን ተረድእ። “ብሰንኪ ገንዘበይ ኩሉ ጸሊኡኒ፡ ተነጺለ” ትውስኽ፡ ገንዘብ ብምርካባ ኣብ ክንዲ ትሕጎስ ኣብ ክቱር ጓሂ ወዲቓ ዘላ ጁሊያን።

ዕለት ፋርማሲ ኣድራሻ ቁ. ስልኪ4-05-2016 ቤት መሸጣ መድሃኒት መረብ ጐደና- ዓይገት ቁ.17፡ ከባቢ ሲነማ ሓማሴን 123690