ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ...

12
መበል 23 ዓመት ቁ. 230 18 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ 2014 ዓርቢ ገጽ 11 ኤል ክላሲኮ ማድሪድ ዋንጫ ዓቲራ ገጽ 3 “ዝዓበየ ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ፡ ካብ መዓልታዊ ህይወትናን ኣኼባታትን ከምኡ’ውን መራሕትና ካብ ዘውርሱና ብኣርኣያነት ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ” ሜ/ጀነራል ተኽላይ ገጽ 4 ውዕል መርዓ ብምምሕያሽ ውልቃዊ ንብረት ናብ ናይ ሓባር ክቕየር ይኽእል ድዩ? ገጽ 9 ናብ ወዲ ተባዕታይ ንምቕራብ ዝሕግዙኺ ገጽ 5 ዉኖን ትሕተ-ዉኖን ናይ ምንባብ ባህሊ ንምዂስኳስን ንምምዕባልን ዝዓለመ ምርኢት መጽሓፍቲ፡ “ህያብ ንኹሉ ምርኢት መጽሓፍቲ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ሃገርና ተኻዪዱ ኣጋጣሚታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ኣብ ከተማታት መንደፈራ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ባጽዕን ዓሰብን ተኻዪዱ። ኣብቲ ብደረጃ ዞባታት ንሓሙሻይ ግዜኡ ዝተኻየደን ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለን ምርኢት መጽሓፍቲ፡ ብርክት ዝበለ መጽሓፍቲ ንምርኢትን ንመሸጣን ከምዝቐረበን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ፡ ወለድን ካልኦትን ከምእተዓዘብዎን፡ ወኪላት ኤሪና ከካብ ቦታኡ ሓቢሮም። ንባብ ሓይሊ ፍልጠት ስለዝፈጥር፡ ምርኢት መጽሓፍቲ ነዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ምድራዕ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ዝጠቐሱ ተዓዘብቲ፡ ምርኢት መጽሓፍቲ ከም ዓቢ ሃገራዊ መደብ ብዝበለጸ ኣወዳድባን ትሕዝቶን ክቕጽል ተላብዮም። ንሳቶም ኣስዒቦም፡ እናዓንበበ ዝመጽእ ዘሎ ፍቕሪ ንባብ፡ ውጽኢት ናይቲ ወለዲ ባህሊ ንባብ ንምስራጽ ዘካይድዎ ጻዕሪ ከምዝኾነ፡ በብዓመቱ ድማ ቊጽሪ በጻሕቲ እናወሰኸ ምምጽኡ መርኣያ ንቕሓት ሕብረተ- ሰብ ከምዝኾነን ንዝያዳ ፍርያት ድርኺት ከምዝፈጥርን ሓቢሮም። ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ 28 መጋቢት ክሳብ 6 ሚያዝያ ንመበል 13 ግዜኡ ከምእተኻየደ ይፍለጥ። መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ውዳቤኦም ብምውርጻጽ ኩለንትናዊ ሃገራዊ ዕማማት ንምድንፋዕ ከም ወትሩ ድልዋት ምህላዎም፡ ብ11 ሚያዝያ ኣብ ዘቃንዕዎ ገምጋም ኣረጋጊጾም። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ’ቲ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንህልው ኩነታት ሃገርና ብዝምልከት ድሕሪ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንተራ መንእሰያት፡ መንእሰያት ህግደፍ ጨ/ዓባይ ብሪጣንያ መኸተኦም ከምዘሐይሉ ኣረጋጊጾም ከምኡ’ውን ዕላማን ኣገዳስነትን ውርጹጽ ውዳበ ኣብ ህልው ሃገራዊ ዕማም ብዝምልከት ዝርዝርራዊ ሓበሬታ ከምዝሃበ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንጥፈታትን ኣሉታውን እወታውን ጎድንታቱን ዝምልከት ገምጋም ክካየድ እንከሎ፡ ናይ መጻኢ መደባት’ቲ ጨንፈር ብዝምልከት ተዘትዩ። ጸገም ዝስተ ማይ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ - ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ንምፍታሕ፡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ዘመናዊ መስመር ኣብ ሻፍታኽ የዋድድ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ኣቶ ገርጊስ ኣብርሃ ንኤሪና ሓቢሩ። ኣቶ ገርጊስ ኣብ ሓበሬታኡ፡ ነበርቲ ንብዙሕ ዓመታት ብጉልበቶምን መጽዓኛን ንልዕሊ 2 ሰዓታት ተጓዒዞም ክሰትዩ ምጽንሖም፡ እዚ ድማ ከቢድ ሃልኪ ብምፍጣር ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ብሓፈሻ ኣብ ተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ምስ ምዝዛም ናይዚ ዝህነጽ ዘሎ ዘመናዊ ፕሮጀክት ግን ጸገሞም ምሉእ ብምሉእ ከምዘብቅዕ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ። ነቲ ዝዋደድ ዘሎ ፕሮጀክት ካብ ማይ-ሽተል ሻምብቆታት ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ጸገም ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣሸራ ንምፍታሕ ዘመናዊ መስመር ይዋደድ ኣሎ ገርጊስ፡ ኣብ ውሽጢ ሻፍታኽ ድማ 3 መዐደሊ ነቑጣታት፡ ልዕሊ 4 ኪሎ-ሜተር ዝተዘርግሐ ሻምብቆታት ማይን ልዕሊ 300 ፊስቶ ዝሕዝ ባስካን ከምእተሃንጸ ብምምልካት፡ ክሳብ’ቲ ፕሮጀክት ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ዝጅምር፡ ህዝቢ ካብ’ታ ግዱሳት ዜጋታት ተበግሶ ወሲዶም ዝዃዓትዋ ዒላ ከምዝሰቲ ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሁ። ነበርቲ ኣሸራ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ነቲ ዝጸንሐ ሽግር ማይ ንምፍታሕ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ እቲ ፕሮጀክት ብዓወት ንኽዛዘም ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ፡ ሓንቲ ካብ 16 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኮይና፡ 8 ዓድታትን ልዕሊ 4,300 ነበርትን ኣለውዋ። ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንጥፈታቶም እትመርሕን እተወሃህድን ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ከምዝመረጸ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር ኣብ’ቲ ናይ ምርጫ ኣጋጣሚ፡ ንኣገዳስነት ጥርናፈን ውዳበን፡ ተራን ዕማማትን ኣካያዲት ኣካል ማሕበረ-ኮም ኣብ ሓፈሻዊ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ መደባት ህንጸት ሃገርን መኸተ ብዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ብምቕራብ፡ ኤምባሲ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ናይቲ ማሕበረ-ኮም ካብኡ ዝሕተት ከምዘማልእ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ ኣምባሳደር ሳልሕ፡ እታ ተመሪጻ ዘላ ኣካያዲት ኣካል፡ ነተን ኣብ ጽላል ማሕበረ-ኮም ዝነጥፋ ሃገራውያን ማሕበራት - መንእሰያት፡ ሃማደኤ፡ ሽማግለ መኸተን ካልኦትን ብምጥርናፍን ብምውህሃድን፡ ኣድማዒ ስራሕ ክትዓምም ትጽቢት ከምዝግበረላ ኣዘኻኺሩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣብ ህልው ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፡ ተሳተፍቲ - ርክባቶም ምስ ኤምባሲ ብምሕያል ኣብ መደባት ሃገራዊ ልምዓትን መኸተ ተጻብኦታትን ካብኦም ዝሕተት ከምዘማልኡ ኣረጋጊጾም።

Upload: others

Post on 15-Jul-2020

16 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

መበል 23 ዓመት ቁ. 230 18 ሚያዝያ ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

2014

ዓርቢ

²Ãö 3

ገጽ 11

ኤል ክላሲኮማድሪድ ዋንጫ ዓቲራ

ገጽ 3

“ዝዓበየ ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ፡ ካብ መዓልታዊ ህይወትናን ኣኼባታትን

ከምኡ’ውን መራሕትና ካብ ዘውርሱና ብኣርኣያነት ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”

ሜ/ጀነራል ተኽላይ

²Ãö 3

ገጽ 4

ውዕል መርዓ ብምምሕያሽ ውልቃዊ ንብረት ናብ ናይ ሓባር ክቕየር ይኽእል ድዩ?

ገጽ 9

ናብ ወዲ ተባዕታይ ንምቕራብ ዝሕግዙኺ

²Ãö 3

ገጽ 5

ዉኖን ትሕተ-ዉኖን

ናይ ምንባብ ባህሊ ንምዂስኳስን ንምምዕባልን ዝዓለመ ምርኢት መጽሓፍቲ፡ “ህያብ ንኹሉ

ምርኢት መጽሓፍቲ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ሃገርና ተኻዪዱ

ኣጋጣሚታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ኣብ ከተማታት መንደፈራ፡ ከረን፡

ባረንቱ፡ ባጽዕን ዓሰብን ተኻዪዱ።ኣብቲ ብደረጃ ዞባታት

ንሓሙሻይ ግዜኡ ዝተኻየደን ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለን ምርኢት መጽሓፍቲ፡ ብርክት ዝበለ መጽሓፍቲ ንምርኢትን ንመሸጣን ከምዝቐረበን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመሃሮ፡ ወለድን ካልኦትን ከምእተዓዘብዎን፡ ወኪላት ኤሪና ከካብ ቦታኡ ሓቢሮም።ንባብ ሓይሊ ፍልጠት

ስለዝፈጥር፡ ምርኢት መጽሓፍቲ ነዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ምድራዕ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ዝጠቐሱ ተዓዘብቲ፡ ምርኢት መጽሓፍቲ ከም ዓቢ ሃገራዊ መደብ ብዝበለጸ ኣወዳድባን ትሕዝቶን ክቕጽል ተላብዮም።ንሳቶም ኣስዒቦም፡ እናዓንበበ

ዝመጽእ ዘሎ ፍቕሪ ንባብ፡ ውጽኢት ናይቲ ወለዲ ባህሊ ንባብ ንምስራጽ ዘካይድዎ ጻዕሪ ከምዝኾነ፡ በብዓመቱ ድማ ቊጽሪ በጻሕቲ እናወሰኸ ምምጽኡ መርኣያ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ከምዝኾነን ንዝያዳ ፍርያት ድርኺት ከምዝፈጥርን ሓቢሮም።ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ፡

ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ 28 መጋቢት ክሳብ 6 ሚያዝያ ንመበል 13 ግዜኡ ከምእተኻየደ ይፍለጥ።

መንእሰያት ህግደፍ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ውዳቤኦም ብምውርጻጽ ኩለንትናዊ ሃገራዊ ዕማማት ንምድንፋዕ ከም ወትሩ ድልዋት ምህላዎም፡ ብ11 ሚያዝያ ኣብ ዘቃንዕዎ ገምጋም ኣረጋጊጾም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ’ቲ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንህልው ኩነታት ሃገርና ብዝምልከት ድሕሪ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንተራ መንእሰያት፡

መንእሰያት ህግደፍ ጨ/ዓባይ ብሪጣንያ መኸተኦም ከምዘሐይሉ

ኣረጋጊጾምከምኡ’ውን ዕላማን ኣገዳስነትን ውርጹጽ ውዳበ ኣብ ህልው ሃገራዊ ዕማም ብዝምልከት ዝርዝርራዊ ሓበሬታ ከምዝሃበ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንጥፈታትን ኣሉታውን እወታውን ጎድንታቱን ዝምልከት ገምጋም ክካየድ እንከሎ፡ ናይ መጻኢ መደባት’ቲ ጨንፈር ብዝምልከት ተዘትዩ።

ጸገም ዝስተ ማይ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ - ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ንምፍታሕ፡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ዘመናዊ መስመር ኣብ ሻፍታኽ የዋድድ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ኣቶ ገርጊስ ኣብርሃ ንኤሪና ሓቢሩ።

ኣቶ ገርጊስ ኣብ ሓበሬታኡ፡ ነበርቲ ንብዙሕ ዓመታት ብጉልበቶምን መጽዓኛን ንልዕሊ 2 ሰዓታት ተጓዒዞም ክሰትዩ ምጽንሖም፡ እዚ ድማ ከቢድ ሃልኪ ብምፍጣር ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ብሓፈሻ ኣብ ተመሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ምስ ምዝዛም ናይዚ ዝህነጽ ዘሎ ዘመናዊ ፕሮጀክት ግን ጸገሞም ምሉእ ብምሉእ ከምዘብቅዕ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ነቲ ዝዋደድ ዘሎ ፕሮጀክት ካብ ማይ-ሽተል ሻምብቆታት ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ

ጸገም ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣሸራ ንምፍታሕ ዘመናዊ መስመር ይዋደድ ኣሎ

ገርጊስ፡ ኣብ ውሽጢ ሻፍታኽ ድማ 3 መዐደሊ ነቑጣታት፡ ልዕሊ 4 ኪሎ-ሜተር ዝተዘርግሐ ሻምብቆታት ማይን ልዕሊ 300 ፊስቶ ዝሕዝ ባስካን ከምእተሃንጸ ብምምልካት፡ ክሳብ’ቲ ፕሮጀክት ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ዝጅምር፡ ህዝቢ ካብ’ታ ግዱሳት ዜጋታት ተበግሶ ወሲዶም ዝዃዓትዋ ዒላ ከምዝሰቲ ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ነበርቲ ኣሸራ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ነቲ ዝጸንሐ ሽግር ማይ ንምፍታሕ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ እቲ ፕሮጀክት ብዓወት ንኽዛዘም ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ፡ ሓንቲ ካብ 16 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኮይና፡ 8 ዓድታትን ልዕሊ 4,300 ነበርትን ኣለውዋ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንጥፈታቶም እትመርሕን እተወሃህድን ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ከምዝመረጸ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ

ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር ኣብ’ቲ ናይ ምርጫ ኣጋጣሚ፡ ንኣገዳስነት ጥርናፈን ውዳበን፡ ተራን ዕማማትን ኣካያዲት ኣካል ማሕበረ-ኮም ኣብ ሓፈሻዊ

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ

መደባት ህንጸት ሃገርን መኸተ ብዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ብምቕራብ፡ ኤምባሲ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ናይቲ ማሕበረ-ኮም ካብኡ ዝሕተት ከምዘማልእ ኣረጋጊጹ።ኣስዒቡ ኣምባሳደር ሳልሕ፡ እታ

ተመሪጻ ዘላ ኣካያዲት ኣካል፡ ነተን ኣብ ጽላል ማሕበረ-ኮም ዝነጥፋ ሃገራውያን ማሕበራት - መንእሰያት፡ ሃማደኤ፡ ሽማግለ መኸተን ካልኦትን ብምጥርናፍን

ብምውህሃድን፡ ኣድማዒ ስራሕ ክትዓምም ትጽቢት ከምዝግበረላ ኣዘኻኺሩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣብ ህልው

ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፡ ተሳተፍቲ - ርክባቶም ምስ ኤምባሲ ብምሕያል ኣብ መደባት ሃገራዊ ልምዓትን መኸተ ተጻብኦታትን ካብኦም ዝሕተት ከምዘማልኡ ኣረጋጊጾም።

Page 2: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮን[email protected]ቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394-08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ሳምራዊት መለስምስጋና ተዓገስ

ኤደን ሃብተኣብነብያት ጸጋይ

ለይ-ኣውት

ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆ፡ ብጉጅለታትን ጋንታታትን ተወዲቦም ማይን ሓመድን ንምዕቃብን ፍግረ-መሬት ንምክልኻልን ዝጀመርዎ ማእቶታዊ ንጥፈታት፡ ብዝሓየለ ውዳበ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ።

ዕላማ ናይ’ቲ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ዝሰላሰል ዘሎ ማእቶት፡ ብቐንዱ ኣብ ምድልዳል ግራውትን ምፍዋስ ማይ ክዖታትን ዘተኰረ ምዃኑ ዝሓበረ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ሻንብቆ ኣቶ በረኸት መሓሪ፡ ዛጊት 1800 ሄክታር ከምእተዓመ ኣብሪሁ።

ጽንብል ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ካብ 4 ክሳብ 6 ሓምለ 2014 ኣብ ከተማ ቦሎኛ - ኢጣልያ ብምዕሩግ ኣገባብ ንምጽንባል ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ፡ ኣካያዲት ኣካል ንኤሪና ሓቢራ።ኣብዚ ንሰለስተ መዓልታት

ዝኽሪ ፈስቲቫል ቦሎኛ ንምጽንባል ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ

ዝቕጽል ጽንብል ዝኽሪ፡ ዝተፈላለዩ መሰናድኦታት ከም ባህላዊ መደባት፡ ሰሚናራትን ሞያዊ ኣስተምህሮታትን ክቐርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።ፈስቲቫል ቦሎኛ፡ ብደገፍ

ምምሕዳር’ታ ከተማን ዞባን ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሓርነት

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት ዝቕመጡ ዜጋታት ዓመታዊ እናተኣኻኸቡ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ዝመያየጡሉ፡ ሓድነቶምን ምስ ሰውራኦም ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድና ዘጒልሑሉን ዘደልድሉሉን፡ ብኹሉ መልክዓት ድማ ኣበርክቶኦምን ባህጊ ህዝቦምን ዘግህዱሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ።ፈስቲቫል ቦሎኛ ብዘይካ’ዚ፡

ንኹሎም ስነ-ጥበበኛታት ባህላዊ መድረኽ ብምፍጣር፡ ባህላዊ ውርሻና መሊሱ ክስስንን ክዕንብብን ዝተጻወቶ ዓቢ ተራ፡ ንሓይልን ዘይተሰዓርነትን ህዝቢ ኤርትራን ፍትሓዊ ቃልሱን ዘመልክት ትእምርቲ ምንባሩ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።ካብ 1974 ክሳብ 1991 ኣብ

ከተማ ቦሎኛ - ኢጣልያ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ቦሎኛ፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ክቕጽል ተወሲኑ፡ ዓመት ዓመት ይኽበር ኣሎ።

ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ስራሕ ኣብ መላእ’ቲ ንኡስ ዞባ ብኣድማዕነት ይካየድ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ በረኸት፡ ነበርቲ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ጋንታታት ማእቶት ብምቛም ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ እናወፈሩ ኣስታት 3 ሽሕ ሄክታር ዛላታት ብእምንን ሓመድን ከምዝሰርሑ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ ማእቶት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣገዳስነት ናይቲ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ማእቶት ብምግንዛብ ንምዕዋቱ ብተወፋይነት ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ክሳብ ምጅማር ክራማት ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

ነበርቲ ሻምብቆ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ ዝጀመርዎ ማእቶታዊ ንጥፈታት ብዝሓየለ ውዳበ ይቕጽልዎ ኣለዉ

Page 3: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 3

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ብኣጋጣሚ ምድምሳስ ናይቲ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ዝነበረ ውቃው እዝ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ በዚ ሕታም’ዚ ይዛዘም። ነቲ ምስ ኣገልግሎት ተለቪዥን ኤርትራ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ስነ ጽሑፋዊ መልክዕ ኣልቢሱ በብኽፋሉ ኣብ ጋዜጣ ንሕትመት ከብቅዖ ዝቐነየ ኸኣ የማነ ሃይለ’ዩ።

***እተን ናብ ግንባር ናቕፋ ዘምርሓ

ኣሃዱታት ምስከዳ፡ እተን ኣብኡ ዝተረፋ እንዳ 4፡ እንዳ 23ን እንዳ 31 እየን። እዚኣተን ተኣሳሲረን እታ ወራር ክሳብ ትፈሽል ኣብኣ መኪተን ማለት’ዩ። ጸላኢ ብዙሕ ንጸጋምን የማንን ከየግፈሐ፡ ካብ በዓል ጉሬቶ ክሳብ እዚ ከባቢ ማይ ብካላሽን ንብሎ ዘሎ ቦታታት፡ ክሳብ በዓል መፈየጽ ዘሎ ከባቢታት እዩ መጥቃዕቲ ዝገብር ነይሩ። ንሱ’ውን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኩነታት እዩ። ብኸምዚ ጸላኢ ክሓልፍ፡ ክሰግር ፈቲኑ ኣይተዓወተን። ትውዳእ እታ ወራር ማለት’ዩ። ድሕሪኡ በብግዜኡ እቲ ለውጥታት ኣብ ቦታ ይኹን ኣብ ኣሃዱታት እናተራእየ ክመጽእ ጀሚሩ። ክሳብ ግዜ 4ይ ወራር ብዙሕ ዘጸግም ኩነታት ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ጸላኢ ንጸጋም ገጹ ከግፈሓሉ ዝፈተነ ኩነታት ስለ ዝነበረ፡ እንዳ 4 ጠቕሊሎም ብጸጋም ከም ዝሰግሩ ተገይሩ። ካብቲ እንዳ 31 ሒዛቶ ዝነበረት ሸግለት፡ ቀጠር ክሳብ ከባቢ ደብረ እመን ማለት’ዩ። ካብ ደብረ እመን ንኔው ከም ዝሕዙ ኮይኑ። ደብረ እመን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ድፋዕ ናይ 31 እዩ ዝወድቕ ነይሩ። ነቲ ቦታ’ውን ደሓር ንሳቶም ተረኪቦሞ። ካብ ከባቢ ሸግለት ጀሚርካ ክሳብ እዚ ከባቢ መፈየጽ ንብሎ ምስ ብርጌድ 23 ዘዳውብ ቦታ ከኣ ናይ 31 ኮይኑ። ኣብዚ ቦጦሎኒ 27 ንብላ ነይራ ኣብ ከባቢ ማርሳ ተኽላይ ዓሪዳ ዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል ተራ ዝተጻወተት ኣሃዱ። እዛ ቦጦሎኒ እዚኣ ራብዓይቲ ቦጦሎኒ ናይ 31 ኮይና እያ ሒዛ ነይራ። ቦታኣ ከኣ ከባቢ ቀጠር። ዋላ እዚ ማሕበርነት ንብሎ ምስ ቀጠር ተኣሳሲሩ ዘሎ ቦታታት’ውን ትሕዞ ነይራ። ካብኡ ንየማን ከኣ እንዳ 23 ነይሮም። ካብ 23 ንየማን ግን፡ ጸላኢ ንጸጋም ስለ ዝዘበለ፡ ብዙሕ ዘሰክፍ ኩነታት ኣይነበረን። ዋላ ከምኡ እናኾነ ግን፡ ብርጌድ 44 ስለዘርከበት፡ ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድ ካብ እንዳ 23 ንየማን ከም ዝሕዛ ተገይረን ማለት’ዩ። ሽዑ ዘዋጽኣካ ቦታ ኣየናይ ምዃኑ

“ዝዓበየ ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ፡ ካብ መዓልታዊ ህይወትናን ኣኼባታትን ከምኡ’ውን መራሕትና ካብ ዘውርሱና ብኣርኣያነት

ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ” ሜ/ጀነራል ተኽላይ

መበል 13 ናይ መወዳእታን ክፋል ምስቲ ኲናት እናረኣኻ፡ ምስቲ ጸላኢ ዝገብሮ መጥቃዕትን ንስኽኻ ትገብሮ ምክልኻልን - ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ጸረ መጥቃዕቲ - እናገናዘብካ ኢኻ ትቐያይር። ጸላኢ ኣገዳሲ መሬት እንተደኣ ወሲድልካ ኮይኑ፡ ናይ ግድን ኬድካ ክትሕዞ ኣለካ። ብኸምኡ ዓይነት መገዲ እየን እዘን ኣሃዱታት እዚኣተን ኣብዚ ዕርድታት’ዚ ሰፊረን።

እምበር ኣቐዲሙ ካብዚ ክሳብ እዚ ክተሓዝ ኣለዎ ኢሉ ዝሓንጸጾ ሰብ ኣይነበረን። ከም ሓፈሻዊ ስትራተጂ እዚ

ቦታ እዚ ከም መከላኸሊ ተባሂሉ ብመሪሕነት ምስ ተወሰነ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናቐደምካ እናደሓርካ ዘዋጽኣካ ቦታ እናተመርጸ፡ ብዓቕሚ ናይዘን ዝጠቐስናየን ኣሃዱታት ማለት’ዩ፡ እቲ ቦታ ከም ዝተሓዝ ተገይሩ። በብግዜኡ ጸላኢ ከጥቅዕ ከሎ ተለልዮ መሬት ኣሎ። ንስኻ ጸረ መጥቃዕቲ ምስ ገበርካ ትረኽቦ ‘ኣድቫንተጅ’ (ረብሓ)’ውን ኣሎ። ስለዚ፡ እናመዓራረኻ ኢኻ ትኸይድ። ብሓፈሻኡ’ምበኣር ኣመሳራርታ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ከምዚ ይመስል። ነዚ ግንባር እዚ ብናይ ጸላኢ ወገን ክትርእዮ ከለኻ፡ ዝተፈላለያ ብርጌዳትን ዝተፈላለያ መካናይዝ ኣሃዱታትን እየን ነይረንኦ። ኩሉኹለን ደማሚርካ ክትዛረበለን እንተኾይኑ፡ ከም ዓቕሚ ካብ 12 ሽሕ ንላዕሊ ናይ ሰብ ሓይሊ ነይሩ። ካብ 60 ዘይውሕድ መዳፍዕን ከባቢ 100 ዝኾና ታንክታትን ነይሩዎ። ረሻሽ ኣደኡ ትቑጸሮ እዩ። ሞርታራት’ውን ከምኡ። ዳርጋ እቲ ናይ ሶቬት ኣጽዋር ብምሉኡሲ ኣብዚ ናይ ምዝላቕ ግዜ እዩ ተፈቲኑ። ሞርታር ከም ከላሽን፡

ረሻሽ ከኣ ከም ብሬን እዩ ተዓጢቑ ነይሩ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋን ማለተይ እየ። ስለዚ፡ ብኣጠቓላሊ እቲ ሓይሊ ሚዛን ክትርእዮ ከለኻ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምምስራት ናይቲ ግንባር፡ ፍጹም ተመጣጣንነት ኣይነበሮን። ደሓር’ውን ኩሉ’ቲ መስርሕ ናይ ምዝላቕ ተወዲኡ ስለዝነበረ፡ ሓይልና እናደረብናን እናተጠናኸርናን፡ ዝተወግአ ኩሉ ስለዝተመልሰን በትን በትን ሓደስቲ ስለዝመጹናን፡ ነቲ ኣጠቓቕማ ናይ ኣጽዋርናን ናይ ሰብናን ብግቡእ ክንውድብ ዕድል

ስለዝረኸብና እምበር፡ ዝተወሰኸ ሓይሊ ነይሩና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ዝጠቐመና እንተሎ፡ እቲ በብግዜኡ ዝተዋህለለ ተመኩሮ እዩ። መምስ ኩነታቱ ንተመኩሮኻ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኣጠቓቕማ ሰብካን ኣጽዋርካን ትውድነሉ ዕድል ስለ ዝተረኽበ፡ ነቲ ናይ ውግእ ጉልበት ሓጋዚ ኮይኑ ይረአ ነይሩ ከኣ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ብሰብን ኣጽዋርን፡ ሓይልናን ሓይሊ ጸላእን ፍጹም ዝመጣጠን ኣይነበረን። ዝያዳ ግን እቲ ናይ ኣጽዋር ኢኻ ትዛረበሉ እምበር ሰብ እኳ ልሙድ እዩ። ሓሙሽተ ንሓደ እንተኾነ ብዙሕ ኣይትስከፈሉን ኢኻ። ምስ ኩሉ’ዚ ብልጫታቱ ግን፡ ዝገበረ እንተገበረ፡ ጸላኢ ንዓና ክንቕንቐና ዘይኮነስ፡ ሓንቲ መዓልቲ ጠርኒፍና ኣብታ ባሕሪ ከነእትዎ ምዃንና ጥራይ ኢና ንኣምን ኔርና።

• ክሳብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንዝነበረ ሓፈሻዊ ምንቅስቓሳት ተናኺፍናዮ ኣለና። እቲ ሰለስተ ወራራት ጠቒስናዮ። ራብዓይ ወራር እውን ማዕረ ማዕሪኡ። ኣብኡ ዝርአ ግን ካብ ለካቲት 1979 ኣትሒዙ ክሳብ ድሮ ሻድሻይ ወራር ዝነበረ ሓፈሻዊ ህይወት ናይቲ ግንባር

- ባህላዊ ምንቕቓሕ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ብዓቢኡ ከኣ ፖለቲካውን ትምህርታውን ጎስጓሳት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጸ በበይኑ ቀጸላታትን ደረጃታትን ዝነበሮ ሰብ ኣብ ሓደ ክሰርዓሉ ዘኽኣሎ ረቛሒ እንታይ እዩ ነይሩ?

እዚ ግንባር’ዚ ድሕሪ ሰላሕታ ወራር በዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ኣሃዱታት ምስ ቆመ፡ ንነዊሕ ግዜ ብኡኡ እዩ ቀጺሉ። ብውሑዱ ክሳብ መወዳእታ ሻድሻይ ወራር። ድሕሪ

ሻድሻይ ወራር እንተኾነ’ውን እተን ኣብኡ ዝተረፋ ኣሃዱታት፡ ይውሓዳ ይብዛሓ እተን ቀደም ኣብኡ ዝነበራ እየን። ብዙሕ ምቅይያራት እንድዩ ስዒቡ ድሕሪኡ፡ ብርጌድ 31 እውን ዋላ ንግንባር ሓልሓል ትምጻእ፣ ካብ ግንባር ሓልሓል ንባርካ፡ ካብ ባርካ’ውን ክሳብ ድሕሪ መስመር በጺሓ ትመለስ፡ ኣብ መጥቃዕቲ ናይ ናደው ተሳታፍነት ነይርዋ’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ካብ ወርሒ ክልተ ናይ 1979 ክሳብ ወርሒ ሽዱሽተ ናይ ’82 ዝነበረ ኣሃዱታት፡ እቲ ቅድም ነቲ ግንባር ዝመስረተን ብተኸታታሊ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ወራራት ኣብ ምምካን ዝዋሳእ ዝነበረን’ዩ። ዋላ እቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ግንባር ብኣና ዝካየድ ዝነበረ ተበግሶታት’ውን በዚ ኣሃዱታት’ዚ እዩ ዝፍጸም ነይሩ እምበር ካልእ ተወሳኺ ሓይሊ ዘሳተፍናሉ ኩነታት ኣይዝከረንን እዩ። እቲ ኣርባዕተ ብርጌዳት ሓሙሻዮም ሜካናይዝድ 74 (ብርጌድ 76 ኢና ንብሎ ኔርና ሽዑ)፡ ከም ሓንቲ ክፍለ-ሰራዊት እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኩሉ ናይ ሰላምን ኲናትን መደባቱ ኣዝዩ ዝተወሃሃደ’ዩ ነይሩ። ከም ሓደ ኣሃዱ ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ክሳብ መወዳእታ ማለት’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ

ከኣ፡ ኣብ ኩሉ’ቲ ዝመጽእ ዝነበረ መጥቃዕቲ ተወሃሂድካ ምፍላጥ፡ ብሓደ ኴንካ ምስራሕ ነይሩ። ሓንቲ ኣሃዱ ዝኾነ ጸገም እንተጋጢምዋ፡ ካብ ላዕሊ ትእዛዝ ኣይትጽበን እያ። እቲ ብየማና ወይ ብጸጋማ ዘሎ ኣሃዱ እዩ ዝፈትሖ። እናተማጠጥካ፡ ቀልጢፍካ ነቲ ዝቕየር ዘሎ ኩነታት ምልዋጥ፡ ምትሕግጋዝ፡ ምውህሃድ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተራእየሉ ግንባር’የ ዝብሎ ኣነ። ካብቲ መሪሕነት ግንባር ወይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዝገብሮ ምውህሃድ፡ እቲ ኣብ ታሕቲ ዝነበረ ጽፍሕታት ጋንታ ምስ ጋንታ፡ ሓይሊ ምስ ሓይሊ፡ ቦጦሎኒ ምስ ቦጦሎኒ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ምትሕብባራትን ምውህሃድን ይዓቢ ኢለ እየ ዝግምግም። ትምህርቲ ኣካዳሚ ንበሎ፡ ወይ’ውን ካልእ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ምንባብ፡ ወይ’ውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰል ነገራት፡ ኣብታ ጸባብ ኣሃዱኻ ብጋንታ ወይ ብሓይሊ ደረጃ እንተዘይኮይኑ፡ ብቦጦሎኒ ብብርጌድ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ሳሕቲ ዝግበር ኣኼባታት፡ ገምጋማት ክህሉ ይኽእል። እቲ ምውህሃድ ግን ኩሉ ግዜ ኣይተርፍን’ዩ ብላዕሊ። ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ኣብ ሓንቲ ብርጌድ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ማዕረ ማዕሪኣ ኣብታ ካልእ ብርጌድ እውን ይወሃብ። ኣብ ሓንቲ ብርጌድ ዘላ ንጥፈት፡ ኣብታ ካልእ ብርጌድ እውን ኣላ። ኣብ ግዜ ሰላም እነካይዶ ንጥፈታት ንኣብነት፡ ድሕሪ ውግእ ብቐጥታ ድፋዓት ምስራሕን ምትዕርራይን እዩ። ነቲ ኲናት ዝፈጠሮ ሽግር ክትፈትሕ ምእንቲ፡ ንዕኡ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ትጅምር። ኣብቲ ስራሕ፡ መስርዕ ባዕላ ትሰርሕ፣ ጋንታ ባዕላ ትሰርሕ፣ ቦጦሎኒ ባዕላ ትሰርሕ። ናይ ሓንቲ ጋንታ ቦታ ነቲ ግንባር ዝጸሉ ኩነታት ስለዝኸውን ግን፡ ኩሉ ግዜ እቲ ግንባር ዘይፈልጦ ስራሕ ኣይህሉን ማለት እዩ። ብኸመይ ትፈልጦ? ናይ ድፋዕ መጽናዕቲ ኮሚተ ኣለዉ። ኲናት ውድእ ምስ በለ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ኮለላ ይጅምሩ። ምትዕርራይ ዘድልዮ ድፋዕ እንተልዩ ገምጊሞም ከምዝተዓራረ ይገብሩ። ዝፈረሰ፡ ዝዓነወ፡ ዝደኸመ፡ ዘይተሰርሐ ድፋዕ፡ ቅድሚት ዝኸደ፡ ድሕሪት ዝኸደ ድፋዕ እንተልዩ ብግቡእ ይግምገም። የዋጽኣና ድዩ ኣየዋጽኣናን ተገምጊሙ ከኣ፡ ንቕድሚት ዝድፋእ ይድፋእ፡ ንድሕሪት ዝሰሓብ ድማ ይሰሓብ። እቲ ናይ ድፋዕ መጽናዕቲ ሽማግለ ብሓሙሽቲአን ብርጌዳት ዝቖመ እዩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ድሕሪ ኲናት ብቐጥታ እዩ ዝዕመም ማለት’ዩ። ማዕሪኡ ዝስራዕ ትምህርታዊ ሰሚናራትን ከምኡ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ንጥፈታትን፡ ዋላ እቲ ኣካዳምያዊ ንጥፈታት ይግበር። ኣጸቢቑ ሰላም ክነግስ ከሎ ከኣ ስፖርታዊ ንጥፈታት ከይተረፈ ብዝተወደበ መልክዕ እዩ ዝኸይድ።

የቐንየልና ሜ/ጀነራል ተኽላይ

Page 4: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 4

ሳሙኤል ገብረብርሃን

ካብ ዕለት 5-11-1990 ብስመይ ዝተመዝገበን ዋንነተይ ምዃኑ መረጋገጺ ወረቐት ምስክር ዘለዎን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኣሎኒ። ካብ 1993 ዓ/ም ክነብሮ ዝጸናሕኩ እዩ። ምስ ‘ብዓልቲ ቤተይ’ ድማ ብ2003 ዓ/ም ብባህላዊ መርዓ ቃልኪዳን ድሕሪ ምፍጻምና ከም ሰብ ሓዳር ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቤት ኢና ክንነብር ጸኒሕና። ጉዳይ ፍትሕ ተላዒሉ ኣብ ምቕሊት ንብረት ምስ በጻሕና፡ ኣነ፡ ‘እዚ ቤት እዚ ናይ ውልቂ ንብረተይ እዩ’ ክብል እንከለኹ፡ ንሳ ድማ፡ ‘ኣብ 2009 ዓ/ም ውዕል መርዓና ኣመሓዪሽና እዚ ቤት እዚ ናይ ሓባርና ክኸውን ተሰማሚዕና ኢና’ ብምባል ብማዕረ ዝብጽሓ ምዃኑ ትምጉት ኣላ’ሞ ብሕጊ ውዕል መርዓ ብምምሕያሽ ውልቃዊ ንብረት ናብ ናይ ሓባር ክቕየር ይኽእል ድዩ?

ወልደስላሴ ታደሰ - ኣስመራ

ዝኸበርካ ኣቶ ወልደስላሴ፡ ዝቐረበ ሕቶ ንጉዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ዝምልከት ኮይኑ ሕቶ ምክፍፋል ንብረት ማእከል ገይሩ ዝቐረበ ነጥቢ እዩ። ኣብ ሕቶኻ፡ ‘ድሒሩ ኣብ 1999 ዓ/ም ብዝተማሓየሸ ውዕል መርዓ ዝተጠቕሰ መንበሪ ቤት ናይ ሓባርኩም ድዩ ኣይኮነን? ዝብል ጭብጢ’ዩ መልሲ ክወሃቦ ዝግባእ። ስለዚ

ኣብ ቤት ፍርዲ ስቪላዊ ጉዳይ ኣሎኒ። ንጉዳየይ ሒዙ ዘሎ ቤት ፍርዲ ግን ካብቲ ዝሰርሓሉን ዝነብረሉን ቦታ ዝረሓቐ እዩ። ብኸምዝን ካልእ ምኽንያታትን ድማ ጉዳየይ ኣብዚ ቤት ፍርዲ ክረአ ፍጹም ምቹእነት የብሉን። ሕቶይ፡ ጉዳየይ ካብዚ ቤት ፍርዲ’ዚ ወጻኢ ኣብ ክሊ ስልጣን ካልእ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክረአየለይ ዝኽእለሉ ሕጋዊ ባይታ ኣሎ ዶ? ኣብርሃም በረኸትኣብ - ደቂሽሓይ

ዝኸበርካ ኣብርሃም፡ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ሕቶ ብቐጥታ ምስ ክሊ ስልጣን ናይ ቤት ፍርዲ ዝተኣሳሰር እዩ። ብመሰረቱ፡ ዝዀነ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ጉዳይ፡ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ስልጣን ብዘለዎ ቤት ፍርዲ ጥራይ እዩ ክረአ ዝግባእ። ኣብ ፍሉይ ኩነታት ግን ጉዳይ ካብ ሓደ ቤት ፍርዲ ናብ ካልእ ዝሰጋገረሉ ኣጋጣሚታት ኣለዉ። ዓንቀጽ 31 ናይ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሓደ ቤት ፍርዲ ዝተኸፍተ መዝገብ፡ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ዝሰጋገረሉ መገዲ ደንጊጉ ይርከብ። ዝኸበርካ ሓታቲ፡ ብመሰረት እዚ፡ እቲ

ናይ ምስግጋር መስርሕ ዝካየድ ንስኻ ንሓደ ካብቶም ኣብዚ ዓንቀጽ ተዘርዚሮም ዝርከቡ ምኽንያታት ብምጥቃስ፡ ናይ

ውዕል መርዓ ብምምሕያሽ ውልቃዊ ንብረት ናብ ናይ ሓባር ክቕየር ይኽእል ድዩ?

ብወገንኩም ዝተላዕሉ ነጥብታት ምስ ጭብጥን ኣብ ጉዳይኩም ተፈጻምነት ምስ ዘለዎምን ናይ ሕጊ ድንጋገታትን ብምግንዛብ ምምርማር ኣገዳሲ ይኸውን።

በዚ መሰረት፡ ዝኸበርካ ኣቶ ወልደስላሴ፡ ንኽርክርኩም መበገሲ ኮይኑ ዘሎ መንበሪ ቤት ሰብ ሓዳር ቅድሚ ምዃንኩም ብስምካ ተመዝጊቡ ዝርከብ

ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጎኹም ቀዲሙ ዝተገብረ ውዕል መርዓ ማለት ኣብ 2003 ዓ/ም ዝተገብረ ምሕላዉን በዚ ውዕል መሰረት ድማ ዝተጠቕሰ መንበሪ ቤት ከም ናይ ሓባር ንብረት ከምዘይተገልጸ’ውን ኣይከራኽርን እዩ። ኣብ መንጎኹም ኣከራኻሪ ዝኾነ ጉዳይ ኣብ 2009 ዓ/ም ተፈጺሙ ዝተባህለ ውዕል መርዓ ኮይኑ፡ መከራኽርትኻ፡ ‘ብመሰረት እዚ ድሒሩ ዝተፈጸመ ውዕል ዝተጠቕሰ መንበሪ ቤት ናይ ሓባር ንብረትና ክኸውን ተሰማሚዕና ኢና’ ዝብል ምጉት እዩ ዘለዋ። ብወገንካ ዝቐርብ ዘሎ ክርክር ድማ፡ ዳግማይ ተገይሩ ዝተባህለ ውዕል መርዓ ዘይትፈልጦ ምዃንካ፡ ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን’ውን ሕሙም ናይ ኣእምሮ ኮይንካ ኣብ ሆስፒታል ትሕከም ከምዝነበርካን እዚ ሰነድ’ዚ ኸኣ ባዕላ መከራኽርትካ ዘዳልወቶ ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን በሃላይ ኢኻ። ኣብዚ ነጥቢ እዚ ኣብ መንጎኹም

ዝተላዕለ ክርክር ብመንጽር ኣብዚ ጉዳይ ተፈጻምነት ዘለዎም

ድንጋጌታት ሕጊ ስድራቤት እንተደኣ መርሚርናዮ፡ ብርግጽ መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 632 እንተደኣ ተመልኪትና፡ ብጠለብ ተጻመድቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ውዕል መርዓ ብዘመድ ሽማግለታት ምምሕያሽ ከምዝክኣል እዩ ዝድንገግ። ንረብሓ ስድራቤት ኣብ ዝኾነሉ እዋን’ውን ብጠለብ ሓደ ካብ ተጻመድቲ ጥራይ ውዕል መርዓ ብዘመድ ሽማግለታት ክመሓየሽ ይኽእል እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ዝተመሓየሸ ወይ ዝተቐየረ ውዕል መርዓ ቅዳሕ ድማ ግድነት ናይ ምዝገባ መዝነት ንዝተዋህቦ ሰብ ክስትለም ኣለዎ። በዚ መንጽር፡ ድሒሩ ዝተገብረ ውዕል መርዓ ብጠለብ ክልቲኹም ተጻመድቲ ወይ ንረብሓ ስድራቤት ኣብ ዝኾነሉ እዋን’ውን ብጠለብ ሓደኹም ብዘመድ ሽማግለታት ዝተገብረን ናይ ምዝገባ መዝነት ንዝተዋህቦ በዓል መዚ ዘይተስተለመን እንተደኣኮይኑ፡ ብመከራኽርትኻ ዝቐርብ ዘሎ ምጉት ሕጋዊ ባይታ ኣይክህልዎን እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ዘማልእ እንተደኣኮይኑ ድማ ሕቶኣ ሕጋዊ ተቐባልነት ክህልዎ እዩ።

ስቪላዊ ጉዳየይ ኣብ ክሊ ስልጣን ካልእ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ክዳነየለይ ክሓትት እኽእል ዶ?ምስግጋር ትእዛዝ ክወሃበልኩም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ እተመልክቱ እዩ። እቲ ምልክታኻ ዝቐረበሉ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓን መርሚሩ እቲ እተቕርቦ ምኽንያት ቅቡል ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ፡ ጉዳይካ ናብ ሓደ ነቲ ጉዳይ ንምድናይን ምርኣይን ዞባዊ ክሊ ስልጣን ዘይብሉ፡ እንተኾነ ግን ንዋታዊ ክሊ ስልጣን ዘለዎ ቤት ፍርዲ የሰጋግሮ ወይ’ውን ነቲ ጉዳይ ባዕሉ ክርእዮ ይኽእል። ንኣብነት ጉዳይካ ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ተከፊቱ እንተ ነይሩ እሞ፡ ንስኻ ሓታቲ ብመሰረት እዚ ዓንቀጽ ኣመልኪትካ እተቕርቦ ሕቶ ተቀባልነት ምስ ዝረክብ ጉዳይካ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ዞባ ይሰጋገር ወይ’ውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባዕሉ ክርእዮ ይኽእል። እቶም ኣብ ዓንቀጽ 31 ናይ መሰጋገሪ

ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ኤርትራ ተዘርዚሮም ንረኽቦም ንምስግጋር መዝገብ ምኽንያት ዝኾኑ ነጥብታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ 1. ኣብቲ ክሲ ቀሪብሉ ዝርከብ ቤት

ፍርዲ ርትዓዊ/ዘይሻራዊ/ ዉሳኔ ንምሃብ ዘይከኣል ምስ ዝኸዉን፡ ንኣብነት ሓታቲ፡ መከራኽርትኻ ኣብ ከባቢ ጉዳይኩም ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ህቡብ ብምዃኑ ድዩ ወይስ ብካልእ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ፍርዲ ጽላዋ ብምሕዳር እቲ ቤት ፍርዲ ጸግዒ /ወገን/ ከም ዝሕዝ ከይገብር

ስክፍታ እንተደኣሃልዩካ፡ ጉዳይካ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ክሰጋገረልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።2. ኣብቲ ጉዳይ ቅድሚ ሕጂ ተላዒሉ

ዘይፈልጥ ከቢድ ናይ ሕጊ ሕቶ ክልዓል

እዩ ዝብል እምነት ምስ ዝህሉ። እዚ ነጥቢ ንብቅዓትን ተሞክሮን ናይቶም ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ ደያኑ ዝትንክፍ እዩ። ስለዚ፡ ጉዳይካ ቅድሚ ሕጂ ክርእይዎ ዕድል ዘይረኸቡ ከቢድ ናይ ሕጊ ሕቶ ከም ዘልዕል ምስ እትርዳእ፡ እሞ እቶም ደያኑ ነቲ ጉዳይ ብዝግባእ ክዳንይዎ ብቅዓት የብሎምን ኢልካ ምስ እትኣምን ጉዳይካ ናብ ካልእ ክሰጋገረልካ

ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። 3. ንምቹኡነት ተኸራኸርቲ ወገናት

ወይውን መሰኻኽሮም ወይውን ፍትሒ ብግቡእ ንምንጋስ ተባሂሉ ዝግበር ምስግጋር። እዚ ማለት፡ ዋላ እኳ እቲ

ጉዳይኩም ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ነቲ መዝገብ ንምድናይ ክሊ ስልጣን እንተሃለዎ፡ ሰብ ጉዳይ ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ንከይትከላኸሉ ብምሕላን፡ ኣብ ዘይጥዕመኩም ወይ’ዉን ብዙሕ ወጻኢታት ኣብ ዘስዕበልኩም ከባቢ ከም ዝተመረጸ ምስ ዝረጋገጽ’ውን ናይ ምስግጋር ትእዛዝ ክወሃብ ክትሓትት ሕጋዊ ባይታ ኣሎካ።

***

Page 5: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 5

ልቦናን ፍልስፍናንብምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል

ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ኣብ ውሽጥኻ ኣሎ። ዓይኒ ሓንጎልካ እንተ ኣንቊሕካዮ፡ ብቐረባ ክረአየካ ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጥኻ ንዘሎ ዕደና ወርቂ፡ ብዝደለኻዮ ዓቐን ክትብርብሮ ትኽእል ኢኻ። ከም ውጽኢቱ፡ ብኽብረት፡ ብሓጎስን ብምልኣትን ነዛ ዓለም ትፍስሃላ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጦም ዘሎ

ዑቑር ወርቂ ክርእዩ ስለ ዘይከኣሉ፡ ብቐትሩ ባዕጊጎም ይርኣዩ። ኣብ ውሽጥና እኹል ሃብትን ፍቕርን ኣሎ። ብዝደለናዮ መጠን ዝበሃግናዮ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ማግነት ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ

ዕጽፊ ክብደታ ክትስከም ትኽእል። እቲ ናይ ማግነት ባህሪኣ እንተደምሲስካዮ (demagnetize) ግን፡ ንሓንቲ ጭራም ሓጺን እውን ክትስከም እይትኽእልን እያ። ብተመሳሳሊ ክልተ ዓይነት ሰባት እዮም ዘለዉ። እቶም ማግነታዊ ባህርይ ዘለዎም ሰባት ምሉእ ርእሰ- ተኣማንንነትን እምንቶን ኣለዎም። ንኽምዕብሉን ንኽዕወቱን ከም እተፈጥሩ ድማ ይፈልጡ። ገለ ሰባት ግና፡ ንማግነታዊ ባህሪኦም

ዘጥፍኡ ኣለዉ። ንሳቶም ብፍርሕን ብምጥርጣርን እተገብኡ እዮም። ዋላ ዕድል ኣብ ማዕጾኦም እናዃሕኳሓቶም እንከላ፡ “ምናልባት ክተርፍ እኽእል እየ፥ ምናልባት ገንዘበይ እኸስር እኸውን፥ ሰባት ከባጭውለይ እዮም፥…” እናበሉ ይማትኡ። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኣብ ናብራ ኣይምርሹን እዮም። እቲ ምንታይሲ፡ ንቕድሚት ምምራሕ ምሒር እዩ ዘሸቑርሮም። ኣብታ ዘለውዋ ተዓኒዶም ደው ምባል ውሕስነት ዝህቦም ይመስሎም። ምእንቲ’ዚ፡ ማግነታውያን ሰባት ክንከውን ይግባእ። ነቲ ንዘመናት ዓቢ ምስጢር ኮይኑ ዝጸንሐ ክንድህስሶ ኣሎና። እቲ ንዘመናት ዓቢ ምስጢር

ኮይኑ ዝጸንሐ እንታይ እዩ? ምስጢር ኣቶሚካዊ ጸዓት ድዩ? ቴርሞኑክሌር ጸዓት ድዩ? ኒዩትሮን ቦንብ ድዩ? ጉዕዞ ናብ ካልኦት ፕላኔታት ድዩ? ብርግጽ፡ እዞም ዝተዘርዘሩ ኣይኮኑን። እሞ ደኣ እቲ ዓቢ ምስጢር ዝበሃል ዘሎ

እንታይ እዩ? ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል? ብኸመይ ናብ ተገባር ክንልውጦ ንኽእል? እቲ መልሲ እምብዛ ቐሊል እዩ። እቲ ዓቢ ምስጢር፡ እቲ ተኣምር ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ፡ ኣብ ውሽጢ ትሕተ-ዉኖና እዩ ዝርከብ። ኣብ ሕይወትና ዝያዳ ሓይሊ ዝያዳ

ጥዕና፡ ዝያዳ ሃብቲ፡ ዝያዳ ሓጎስ… ክንፈጥር ንኽእል ኢና። እቲ ምስጢር ነቲ ኣብ ትሕተ-ዉኖና ዘሎ ሓይሊ ምውጻእ ጥራይ እዩ ዝሓተና። ነቲ ሓይሊ ንምጥራይ ሃላኽለኽ ኣየድልየናን እዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ድሮ ወኒንናዮ ኣለና። የግዳስ፡ ብኸመይ ክንጥቀመሉ

ከም ዝግበኣና ክንፈልጦ ይሓትተና። ኣብ ኩሉ ክፍሊታት (departments) ህይወትና መታን ከነተግብሮ፡ ብግቡእ ክንርድኦ ይግባእ። ኣብዚ ጽሑፍ ንዝወሃበና ቀሊል ሜላን

መስርሕን እንተ ሲዒብናዮ ነቲ ኣድላዪ ፍልጠትን ርድኢትን ከነጥርዮ ንኽእል ኢና። ሓድሽ ብርሃን ከነቃቕሓና እዩ። ሓድሽ ሓይሊ ኣመንጪና፡ ንተስፋና ብግቡእ ከነለልዮ ኣየጸግመናን። ኩሎም ሕልምታትና ክገሃዱ እዮም። ህይወትና ከጉላዕልዕ፡ ክዓቢ፡ ክህብትምን፡ ክኸብርን ከም እንደሊ ሕጂ ንወስን።

ኣብ ውሽጢ ዕምቆት ትሕተ-ውኖ ማእለያ ዘይብሉ ጥበብ፡ ደረት-ኣልቦ ሓይሊ፡ እልቢ ዘይብሉ ቀረብ ንምዕባለን መግለጺታቱን ተኾሚሮም ኣለዉ። ነዞም ኣብ ዓሚቝ ሓንጎልና ዝርከቡ ተኽእሎታት ብግቡእ ከነለልዮም ሕጂ ንጀምር። ኣብ ግዳማዊ ዓለም ቅርጺ ክሕዙ እንከለዉ ክርኣዩና እዮም። ኣብ ትሕተ-ዉኖና ዝርከብ ደረት

ኣልቦ ብልሒ፡ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ክንፈልጦ ንእንደሊ ከግህደልና እዩ። ሻቡ ክፉት ሓንጎል ከም ዘለና ይስቆረና። ሓደስቲ ሓሳባት ክንቅበል ኣይእግመናን። ሓደስቲ ምህዞታታን ርኽበታትን ከነበርክት ንበቅዕ። መጽሓፍትን ድራማታትን ክንደርስ ብቕዓት ነጥሪ። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ትሕተ-ዉኖና ዝርከብ ደረት ኣልቦ ብልሒ መበቆላዊ ፍልጠት ኣብ ሓጺር ግዜ ከነጥሪ ይሕግዘና። ንፍልጠትና ብዝግባእ ኣብ ሓቀኛ ቦታኡ ከነንጸባርቖ ዕድል የርሕወልና። ብመንገዲ ጥበብ ትሕተ-ዉኖና

ነቶም ናይ ብሓቂ ብጾትና ወይ ኣብ ዋኒን ቅኑዓት መሻርኽትና ክንስሕቦም ንኽእል። ንፍርያትና ዝገዝኡ ዓማዊል ኣብ ምስሓብ ይሕግዘና። ዝደለናዮ ገንዘብ የምጽኣልና። ፊናንሳዊ ናጽነት ምስ ረኸብና፡ ሓሳብ ልብና ከነተግብር ሰፋሕቲ ዕድላት ይረሓዉልና። ነዚ ውሽጣዊ ዓለም ሓሳባት፡ ስምዒትን

ሓይልን ናይ ብርሃን፡ ፍቕርን ጽባቐን ከንድህስስ መሰልና እዩ። ሽሕ እኳ ዘይረኣዩ እንተኾኑ፡ ሓይልታት ትሕተ-ዉኖ ዓርሞሽሽ እዮም። ኣብ ውሽጢ ትሕተ-ዉኖ ፍታሕ ናይ ዝኾነ ግድል ክንረክብ ንኽእል። ጠንቂ ናይ ዝኾነ ሳዕቤን ንፈልጥ። ምኽንያቱ፡ ነቶም ሕቡኣት ሓይሊ ከነበራብሮም ዓቕሚ ኣለና። ነቲ ሓቀኛ ሓይልን ጥበብን እንተ ወኒንናዮ፡ ንቕድሚት ብምልኣት፡ ብውሕስነት፡ ብባህታን ሓላፍነትን ክንምርሽ ንኽእል። ሓያሎ መጽናዕትታት ከም

ዝመስከርዎ፡ ሓይሊ ትሕተ-ዉኖ ንብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ ዓዘቕቲ ናብራ ኣውጺኡ፥ ምሉኣት፡ ኣገደስትን ሓያላትን ብምግባር ናብ ሕጉሳት፡ ጥዑያት(ብጥዕና)ን ክቡራትን ከም ዝኾኑ ገይርዎም እዩ። ኣብ ትሕተ-ዉኖና ተኣምራታዊ ዝኾነ ፈውሲ

ኣሎ። ንማዕጾ ማሕዩር ሓንጎልና ኣርሕዩ ናጻ ክገብረና ይኽእል። ካብ ኩሎም ነገራውያንን ኣካላውያንን ምትእስሳር ሓራ ይገብረና። ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ስራሕ፡

ብዘይጻዕሪ ዝሕፈስ ዓወት የልቦን። ኣብ ምብርባር ትሕተ-ዉኖ ክኢላ ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሓይልታቱ ብዝደለናዮ ምጣነ፡ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ኣይንጽገምን። ንዓና ዘድልዩና ንጹራት መትከላትን ሸቶታትን እዮም። ክልተ ኣተም ሃይድሮጅን ምስ ሓደ

ኣተም ኦክስጅን እንተ ኣወሃሂድናዮም፡ እቲ ውጽኢት ማይ እዩ። ሓደ ኣተም ኦክስጅን ምስ ሓደ ኣተም ካርቦን እንተ ኣወሃሂድናዮም፡ ካርቦን መኖኦክሳይድ ይህበና። መርዛም ጋዝ ምዃኑ እዩ። የግዳስ፡ ካልእ ኣተም ኦክስጅን እንተ ሓዊስናሉ፡ ካርቦን ዳዮክሳይድ ይኸውን። ዘይጓዳእ ጋዝ ኮይኑ ማለት’ዩ። መትከላት ስነ-ቐመም፡ ፊዚክስን ስነ-

ቑጽርን ካብ መተከላት ትሕተ-ዉኖና ኣይፍለዩን እዮም። “ነገር እንተውዕዩ ይዝርጋሕ።” ዝብል መትከል ኣድማሳዊ’ዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ቦታ፡ ግዜን ኩነታትን ሓቂ እዩ። ዝኾነ ሓጺን ኣብ ቻይና፡ ብርጣንያ ወይ ህንዲ ይረኸብ ብዘየገድስ፡ እንተ መኺኹ ክዝርጋሕ ግድን ይኸውን። ነቲ ኣብ ውሽጢ ትሕተ-ዉኖና ዝቐረጽናዮ ኣብ ዓለባ ጠፈር ክንጸባረቕ ድማ ኣድማሳዊ ሓቂ

እዩ። ትሕተ-ዉኖና ከም መትከል እንተ

ተወሲዱ፡ ባህግና ሰሚሩ ማለት’ዩ። መትከላት ክንብል እንከለና፡ ነገራት ዝሰርሕሉ ኣገበባብ እዩ። ንኣብነት፡ መትከል ኤለክትሪሲቲ፡ ካብ ዝለዓለ ናብ ዝተሓተ እዩ ዝዓዪ። ንመትከል ኤለክትሪሲቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እናዓየናሉ እንከለና ኣይንፈልጦን ኢና። የግዳስ፡ ምስ ተፈጥሮ እናተሓባበርና ተኣምር ዝኾኑ ምህዞታትን ርኽበታትን ከነበርክት ንኽእል። እዚ ድማ፡ ኣብ ናብራ ደቂ ሰብ ተኣምር ዝኾነ ብልጽግና የምጽእ። ትሕተ-ዉኖና መትከል እዩ።

ብመሰረት ሕጊ እምንቶ ድማ ይዓዪ። እንታይ ዓይነት እምንቶ ከም ዘለና ከነለልዮ ኣለና። ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዝሰርሕ እውን ክንፈልጦ ይግባእ። ሓያል እምንቶ እንተ ኣጥሪና፡ እንባ ናይ

ምድፋእ ዓቕሚ ክህልወና እዩ። ሕጊ ሓንጎል ሕጊ እምንቶ

እዩ። እዚ ማለት ኣብ ዕዮ ሓንጎልና ምእማን እዩ። ኣብ እምንቶ ምእማን እውን እዩ። እምንቶ ሓንጎል፡ ሓሳባት ሓንጎልና እንዳኣሉ። በቃ ንሱ እምበር ካልእ እይኮነን። ኩሎም ተመኩሮታትና፡ ፍጻመታትና፡

ኩነታትናን ተግባራትናን ግብረ መልሲ ትሕተ-ውኖና ኣብ ኣተሓሳስባና እዮም። ካብቲ ዝእመን ዘሎ ነገር ንላዕሊ፡ እቲ ኣብ ሓንጎልና ዘሎ እምንቶ ዝያዳ ከም ዘገድስ ነስተውዕል። ኣብ ዘልኣለማዊ ክውንነት(eternal verities)ን ሓቀኛ ህይወትን ምእማን ንጀምር። ብድሕሪኡ ንቕድሚትን ንላዕልን ከም ልብና ክንወናጨፍ ኢና። ባህግና ብመሰረት ኣድማሳዊ ሕጊ ተግባርን መልሰ ተግባርን መልሲ ክረክብ እዩ። ሓሳባት ውልዶ ተግባር እዩ። እቲ ግብረ መልሲ ድማ፡ ነጸብራቕ ትሕተ-ዉኖና ኮይኑ፡ ምስ ባህርያዊ ኣተሓሳስባና ይመዓራረ። ንሓንጎልና ብኣምራት ውህደትን፡ ጥዕና፡ ሰላምን ሰናይ ድሌትን ስራሕ እንተ ኣጽዒቕናሉ፡ ኣብ ህይወትና ልዕሊ ትጽቢትና ተኣምር ክንርኢ ኢና። ንነፍሲ ወከፍና ሓደ ሓንጎል እዩ

ዘሎና። የግዳስ፡ ሓንጎልና ክልተ እተፈላለዩ ባህርያት ኣለውዎ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዘሎ መፈላለዪ መስመር፡ ብቡዙሓት ሰባት እናተፈልጠ ይመጽእ

ኣሎ። ክልቲኦም ተግባራት ናይ ሓንጎልና እምብዛ እተፈላለዩ እዮም። ነፍሲ ወከፎም እተፈላለዩ ኣገልግሎትን ሓይልን ኣለዎም። እቲ ውድዓውን ባዕላውን ሓንጎል፡

ዉኖኣውን ትሕተ-ዉኖኣውን ሓንጎል፡ እቲ ንቑሕን ድቁስን ሓንጎል፡ እቲ ግዳማውን ውሽጣውን ገዛእ-ርእስና፡ እቲ ወለንታውን ዘይወለንታውን ሓንጎል፡ እቲ ተባዕታይን ኣንስታይን,,, ወዘተ ብዝብል መጸውዒ ይፈላለዩ። ኣብዚ ጽሑፍ፡ “ዉኖኣዊ” (conscious) ከምኡ’ውን፡ ”ትሕተ-ዉኖኣዊ” (subconscious) እናበልና ንድርብ ባህርያት ሓንጎል ክንጠቕሶም ኢና። ንኽልቲኡ ተግባራት ሓንጎልና

ብዝበለጸ ክንርድኦ እንተደሊና፡ ንሓንጎልና ከም ልሙዕ ጀርዲን ክንጥምቶ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ ጀርዲናረ ኢኻ። ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕተ-ዉኖኻ ዘርኢ (ሓሳባት) ትዘርእ ኢኻ። ነዚ ብመሰረት ልምዳዊ ኣተሓሳስባ ኢኻ ተካውኖ። ኣብ ትሕተ-ዉኖኻ ክትዘርእ እንከለኻ፡ ፍሬኡ ኣብ ኣካልካን ከባቢኻን ጎሊሑ ይርኣየካ። ሓሳባት ሰላም፡ ሓጎስ ቅኑዕ ተግባር፡

ሰናይ ድሌትን ብልጽግናን ሕጂ ክትዘርእ ጀምር። ብህድኣትን ተገዳስነትን ብዛዕባ እዞም ባህርያት (qualities) ሕሰብ። ኣብ ርትዓዊ ዉኖኣዊ ሓንጎልካ ብምልኣት ተቐበሎም። ነዞም ተኣምራታውያን ዘርኢ (ሓሳባት) ኣብ ጀርዲን ሓንጎልካ ምዝራእ ቀጽሎ። ኣብ መጠረሽታ ኣዕጋቢ ምህርቲ ከም እትሓፍስ ዘጠራጥር የብልካን። ንትሕተ-ውኖኻ ከም ሓመድ

እንተወሲድካዮ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ዘርኢ ከብቁል ከም ዝኽእል ክስቆረካ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሓሳባትካ ጠንቂ ከምኡ’ውን፡ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት (condition) ሳዕቤን እዮም። ምእንቲ’ዚ፡ ሓላፍነት ሓሳባትካ ክትስከም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ከምኡ እንተገይርካ፡ ንዓኻ ዝምችኣካ ኩነታት ክትፈጥር ኣይክትጽገምን ኢኻ። ሓንጎልካ ቅኑዕ ክሓስብ እንከሎ፡

ንሓቂ ክትርድኦ እንከለኻ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ትሕተ-ዉኖኻ እተዋህለሉ ሓሳባት ሃነጽቲ፡ ቅድዋትን ሰለማውያንን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ተኣምራታዊ ሓይሊ ትሕተ-ዉኖኻ መልሲ ይህብ። ቅድው ኩነታት፡ ምቹእ ከባቢን ዝበለጸ ኣብ ኩሉ ነገራትን ድማ የምጽእ። ንመስርሕ ሓሳባትካ ክትቆጻጸሮ ምስ ጀመርካ፡ ንሓይሊ ትሕተ-ዉኖኻ ኣብ ዝኾነ ግድል ወይ ጸገም ከተተግብሮ ትኽእል ኢኻ። ደይመደይ ኢልካ ንከባቢኻ ተዓዘብ።

መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ግዳማዊ ዓለሞም ከም ዝነብሩ ክትግንዘብ ኢኻ። እቶም ኣዝዮም በላሕቲ ዝበሃሉ ሰባት፡ ዝያዳ ኣብ ውሽጣዊ ዓለሞም እዮም ዝግደሱ። ውሽጣዊ ዓለምካ ማለት ሓሳባትካ፡ ስሚዒታትካን ስእለ-ኣእምሮኻን እዮም ንግዳማዊ ዓለምካ ዝሃንጽዎ። እቲ እንኮ ፈጠራዊ ሓይሊ ብዉኖኻ ይኹን ትሕተ-ዉኖኻ ኣብ ዉሽጣዊ ዓለም ናይ ሓንጎልካ’ዩ ዝርከብ።

ይቕጽል

ዉኖን ትሕተ-ዉኖን

Page 6: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

ብስራት ንኩልኹም ዓማዊል ዶልቸ ቪታ፡ ዛኤር ሓ.ዝ.ብ.ማ. ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ፍልይ

ዝበለ ህያብ ቀሪብልኩም ኣሎ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ 50% ዝበጽሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ከምኡ’ውን ኣብ

ናይ 500 ናቕፋ ዝዋግኡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ካሚቻ 2 ሓባ ምስ ዝገዝኡ 1 ተወሳኺ ብናጻ ከምዝወሃቦም ከነበስር ንፈቱ።

ኣድራሻና ኣስመራ መንደፈራ Ø ጎደና ሓርነት ቁ. 32 Ø ከባቢ ሞቢል 09 ነበር ፊት ካተድራል ቤ/ክ ቁ.ስ. 610017 ቁ.ስ. 110074

ከረን Ø ጎደና ተጋደልቲ(ባራቶሎ ነበር) Ø ፓላሶ ሪቫ ጎዳይፍ ቁ.ስ. 400301 ቁ.ስ. 182383 ደቀምሓረ Ø ኣስማራ ፓላስ Ø ጥቓ መድሃኔዓለም ኢንተርኮንቲነንታል ነበር ቤተክርስትያን ቁ.ስ. 153700 ext.2280 ቁ.ስ. 640549

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ኣብ መንጎ ከሳሲ ወረ/ነፍ ወልደትንሳኤ ሃይሉ ኣቶ ሚኪኤል ወልደትንሳኤ ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ወልደትንሳኤ ሃይሉ 1.ወ/ሮ ኣስማይት ወልደትንሳኤ +8 ዘሎ ናይ ምቅሊት ውርሻ ጉዳይ ተኸሰስቲ 1.ወ/ሮ ኣስማይት ወልደትንሳኤ 2.ወ/ሮ ምልእተ ወልደትንሳኤ 3.ኣቶ እስቲፋኖስ ወልደትንሳኤ 4.ኣቶ ገዛኢ እዮብ ተጸዊዖም ን6/5/14 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቦም ኣብ ዘየለውሉ እቲ ጉዳይ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከባቢ ኣሸራ

ወ/ሮ ወይኒ እስቲፋኖስ ኤማን በዓል ቤተይ ገብረስላሴ ትንሳኤው ህያብ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ልገስ

ወ/ሮ ዮርዳኖስ ብርሃነ ነጋሽ ምስ በዓል ቤተይ ኣቶ ኣብርሃለ ክፍለ ገብረኣምላኽ ብሃገር ባህልን ልምድን ተመርዒና። ቆልዓ ኣይወለድና። ኣብ ሕጹነተይ ገዲፉኒ ናብ ስግረ ዶብ ከይዱ ኣብ ሃገረ እስራኤል ይርከብ። ደሃይ ዝበሃ፡ ኣይገበረለይን ተኸሳሲ ብመጸዋዕታ ስለዘይቀረበ፡ ተጸዊዑ ናይ ፍትሕ ውሳነ ይወሃበኒ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን4/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ድባርዋ

ኤርምያስ ሙሉጌታ ብርሃነ ምባል ተሪፉ፡ ኤርምያስ ሙሉጌታ ተስፋገርግሽ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።ሄለን ገዛኢ ገብረመድህን ምባል ተሪፉ፡ ሄለን

መሓሪ ጋርዛ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

መንደፈራ

ኣምባሳጀር ሰረቐ ገብረንጉስ ምባል ተሪፉ፡ ኣንገሶም ሰረቐ ገብረንጉስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ 4ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ሸሪዓ

ወረ/ዓብደል ወሃብ መሓመድ ሓጎስ፡ ንብረት መዋቲ ዓብደልዋሃብ መሓመድ ሓጎስ ተኣኪቡ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ንሕጋውያን ወረስቲ ብሸሪዓዊ ኣገባብ ክምቀል እዩ። ስልዚ ኣብዚ ናይ መዋቲ ንብረት ዝኾነ ውልቀ ሰብ ይኹን መንግስታውያን ዘይመንግስታውያን ትካል ዝሓቶ ውህብቶ ለበዋ ወይ ከኣ ዕዳ እንተሃልዩ ን14/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ሸሪዓ ዞ/ደ/መንደፈራ ዝውንኖ ሕጋዊ መረጋገጺ ሒዙ ይቕረብ።

ዓዲ ዃላ

ኣቶ ሃብቶም ዑቕበ ጋዳይ ብሞግዚቱ ኣቶ ዑቕበ ጋዳይ ኣቢሉ፡ ሃብቶም ዑቕበ ጋዳይ ምባል ተሪፉ፡ ሃብቶም ዑቕበ ጓዕዳድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሓድሽ ገብረሚካኤል መንግስቱ ምባል ተሪፉ፡ ሓድሽ ኣዳም ኣስጎዶም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን13/5/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሰንዓፈ

ቅዱሳን ሰለሙን ግደይ ምባል ተሪፉ፡ ቅሳነት ሰለሙን ግደይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ከሳሲ ት/ዕድመ ቃልኣብ ትኩእ ብሞግዚቱ ሃለቃ ሃይለማርያም ቀሺ ዮውሃንስ ተኸሳሲ ኣቶ ኤፍሬም ኣብርሃም፡ ኣብ ቤ/ፍ ሰንዓፈ ብዛዕባ ውዕል ምፍራስ ፋይል ስለዝኸፈተ ተኸሳሲ ኣቶ ኤፍሬም ኣብርሃም ብኣካል ወይ ብመንገዲ ወኪልካ ን21/4/14 ኣብ

ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ ግን ኣብ ዘየለኻሉ ውሳነ ክንህብ ምዃንና ንሕብር።

ገብረሂወት ገብረማርያም ተኽለማርያም፡ ስም ኣደይ ኣረጋሽ ተፈሪ ካንትያደሎ ምባል ተሪፉ፡ ኣረጋሽ ተፈሪ ወልዱ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን12/5/14 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ፈትሕያ ዑስማን ኣሕመድ ምባል ተሪፉ፡ ፈትሕያ ጃምዕ መሓመድ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዓዲ ቐይሕ

መሓመድ ያሲን ኢብራሂም ምባል ተሪፉ፡ ያሲን ሳሊሕ ኣብራሂም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ መንደፈራ

ወ/ሮ ትዕግስቲ ገብሩ ሃብታይ ምስ ኣቶ ተስፋኣለን ልጅ ኣለም ብናይ ሃገር ልምዲ ተመራዒና ካብ ክልቴና ዝውለዱ 3 ቆልዑ ወሊድና። ተኸሳሲ በዓል ቤተይ ግን ብምርድዳእን ስኒትና ሓዳርና ክንገብር ዝግብኣና እኳ እንተኾነ፡ ንሱ ግን ካብ ጥቅምቲ 2012 ጀሚሩ ሓዳሩ ረሲዑ ኣበይ ከም ዘሎ ስለዘይፈልጥ፡ ደሃዩ ስለዝጠፍኣኒ፡ ልዕሊ 2 ዓመት ኣበይ ከምዘሎ ስለዘይፈልጥ ተጸዊዑ ቃልኪዳን ከውርደለይ ድልየቱ እንተኾይኑ ከኣ ብእሂን ምሂን ሓዳርና ክንመርሕ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ ን26/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ፍዮሪ ገብረጻድቕ ግርማጼን በዓል ቤተይ ተስፋኣለም መብራህቱ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 3 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣፈወርቂ ፍቓዱ ሙሉጌታ፡ ኣደይ ወላዲተይ ሽዋይነሽ ስሲኖስ ባህታ ስለዝሞተት፡ ኣነ በይነይ ወራሲ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ ን26/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ደቀምሓረ

ወ/ሮ ሓረጉ ተኸስተ ብረ በዓል ቤተይ ሰርጌንቲ ክፍለማሪያም ትኩእ ደስታ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን24/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ባሕሮ

ወ/ሮ ጸሃይቱ ኣብርሃ ተስፉ በዓል ቤተይ ኣረፋይነ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኣቶ የማን መኮነን ገዝሀይን ወ/ሮ ለተመድህን ግደይ ብጉሳን ወድና ገብረእግዚኣብሄር የማን መኮነን ስለዝሞተ፡ ኣይተመርዓወን ኣይወለደን ንሕና ወለዱ ወረስቱ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 7: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 7

BID FOR VEHICLES SELLING

The Libyan Embassy in Eritrea is planning to sell some of its vehicles through a competitive bid; therefore, it invites those interested to conduct on site assessment of the vehicles found at the premise of the Embassy during working hours 9:00 am – 2:30 pm.

The table below shows the vehicles to be sold:-

S.NO Vehicles Type Plate No MFG DATE

1 ER-CD-16-002 MERCEDUES 1998

2 ER-CD-16-008 TOYOTA COREELA 2001

3 ER-CD-16-012 KIA 2003

4 ER-CD-16-013 KIA 2003

5 ER-CD-16-014 MAXIMA 2005

6 ER-CD-16-016 Chevrolet 2006

7 ER-CD-16-017 Chevrolet 2006

8 ER-CD-16-018 Chevrolet 2006

9 ER-CD-16-019 Chevrolet 2006

10 ER-CD-16-01 MOTOCYCLE (SUZUKI) 2007

11 02 ER-CD-16- MOTOCYCLE (SUZUKI) 2007

The bid will remain open for seven consecutive days from the day it appearthe newspaper and must be delivered to the address below at or before 14 hours of the seventh day.

The bid envelope must be securely closed and addressed to the address below. Only bid winners will be informed about the results.

The Embassy will not be obliged by the bid if it finds a better offer.

Address: Gejeret – Alfarmaio St. 171-1 Hse No. 5 (around Sheddah square)

Tel. 127514.

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተል

ሄም ታደሰ

BID FOR VEHICLES SELLING

The Libyan Embassy in Eritrea is planning to sell some of its vehicles through a competitive bid; therefore, it invites those interested to conduct on site assessment of the vehicles found at the premise of the embassy during working hours 9:00 am – 2:30 pm.

The table below shows the vehicles to be sold:

The bid will remain open for seven consecutive days from the day it appears in the newspaper and must be delivered to the address below at or before 14hours of the seventh day.

The bid envelope must be securely closed and addressed to the address below. Only bid winners will be informed about the results.

The Embassy will not be obliged by the bid if it finds a better offer.

Address: Gejeret – Alfarmaio St. 171-1 Hse No. 5 (around Sheddah square)

Tel. 127514.

ብርሃና ገብረእግዚኣብሄር መሓሪ ዝተባሃልኩ ኣብ ናቕፋ ኮርፐሬሽን ቁ.1265 ሰርቲፌኬት ስለዝጠፍኣኒ፡ ብዕዳ ሒዘዮ ወይ ረኺበዮ ዝብል እንተሎ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ብቁ.ቴሌፎን 07125267 ክሕብረኒ። እንተዘይኮይኑ መተካእታ ክወሃበኒ ንዝምልከቶ ናቕፋ ኮርፖሬሽን ክሓትት ምዃነይ የፍልጥ።

ብርሃና ገብረእግዚኣብሄር መሓሪ

ብስም ሃብታይ ንኣምን ፍስሃየ ኣብ ቪላጆ ዚፕ 185 ፕሎት 005 ፓርሰል K ናይ ዝተዋህበኒ ኦርጂናል ምርሒት መሬት ስለዝጠፍኣኒ፡ ብዕዳ ሒዘዮ ኣለኹ ወይ ረኺበ ዝብል እንተሎ ብቴሌፎን 07151455 ክሕብረኒ እንተዘየለ ካብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ መተካእታኡ ክሓትት ምዃነይ የፍልጥ።

ሃብታይ ንኣምንወኪል ሓድሽ ኣብርሃም

ወ/ሮ ዝማም ኣስፍሃ ዝተፈቕደለን ናይ ፒሳን ፋስት ፉድን ትካለን “ራካ ፒሳን ፋስት ፉድን” ተባሂሉ ክስየመለን ስለዝሓተታ፡ እዚ ናይ ንግዲ ስም ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም ኣካል እንተሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤ/ፍ መኣገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቆጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

ወ/ሮ ምሕረት ሃይሉ ዝተፈቕደለን ናይ ኤለክትሪክ ኣቑሑት መሸጢ ንግዳዊ ትካለን “ሻም ናይ ኤለክትሪክ ኣቑሑት መሸጢ” (SHAM ELECTRONICS) ተባሂሉ ክስየመለን ስለዝሓተታ፡ እቲ ናይ ንግዲ ስም ቅድሚ ምምዝጋብና ዝቃወም ኣካል እንተሎ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ መኣገዲ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቆጺሩ እቲ ናይ ንግዲ ስም ከምንምዝግቦ ነፍልጥ።

ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ

ምልክታታትማሕበር ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ብምኽንያት 4ይ ጉባኤ፡

ብዛዕባ ምምሕያሽ ቅዋምን ሓፈሻዊ ኩነታት ማሕበርን ንምምይያጥ ንሮቡዕ ዕለት 23/04/2014 ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ ኣብ ኣዳራሽ ኩዋ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ ኩሉኹም ኣባላት ክትርከቡልና ነተሓሳስብ።

ብደሓን ምጹ።

ቤ/ጽ ማ.ኤ.ሙ

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ክሳድ እንባ

ሮዚና በርሀ ድራር በዓል ቤተይ ገብረሂወት ገብረየሱስ ገብረጻድቕ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ

ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን28/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲ ቐይሕ

1.ሳምራዊት ተኽለሃይማኖት ስብሃቱ 2.ፍርቱና ተኽለሃይማኖት ስብሃቱ 3.ተኪኤ በላይ ኣሰፋው፡ ኣደና ወ/ሮ ብሪ ቀሺ ተኽለሃይማኖት ተስፋይ

ስለዝሞተት፡ ንሕና ደቃ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይ ዕዳጋ

ወ/ሮ ገርግስ ብርሃነ በዓል ቤተይ ነጋሽ ሃይለ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 6 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም

ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን19/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ነፋሲት

ወ/ሮ ብርኽቲ ሓድጉ ገብረመድህን በዓል ቤተይ ኣቶ ረዘነ ተስፋይ ኣስጎዶም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 10 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስ ይኹን ዘይንቀሳቐስ ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/4/14 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ ERITREA TEXTILES INDUSTRIES P.L.C

ዓቢ ምጉዳል ዋጋ

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ እንቌዕ ናብ በዓል ትንሳኤ ኣብጸሓኩም እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ብምቕዳም ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፡ ንዓበይትን ንናእሽቱን ዘገልግሉ ፍርያት ምህርቱ ንዝኾኑ፦

ማልያታት ፡ ብራቴሊ ፡ ፒጃማ ፡ ስረ ፡ ካምቻ ፡ ጃኬት ፡ ከምኡ’ውን ኣንሶላ፡ ኮፐሬሌቶ

ክሳብ ዕለት 30/04/2014 ዝጸንሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ከም ዝገበረ ንዓማዊሉ የበስር ።

ዓማዊልና ናይ’ዚ ንዝተወሰነ ጊዜ ዝጸንሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ተጠቀምቲ ክትኮኑ ንዕድመኩም ።

ኣድራሻና፦ ጎደና ተጋደልቲ ፊት እንዳ ኖራ

ተሌፎን 182967

Page 8: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 8ሓዳስ ኤርትራ 28 ጥሪ 2012 - ገጽ 1

1

Page 9: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 9

ምጽላል ፍስሃየ

ኣብ መጻኢ ህይወትኪ መጓዕዝቲን ሓጋዝን መጻምዲ ከም ዘድልየኪ ፍሉጥ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ነዚ መጻምድ’ዚ ከመይ ገይርኪ ከም እትመርጽዮ ምፍላጥ ኣድላይ’ዩ። ብመልክዑ፡ ፍልጠቱ፡ ሃብቱ ወይ ብግዳማዊ ኣካላቱ ጥራይ ተማሪኽኪ ኣብ መደምደምታ ኣይትብጽሒ። ምኽንያቱ፡ ሰብ ብዘይካ ዘለዎ ናይ ተፈጥሮ ኣእምሮ። መልክዑን ሃብቱን ምስ ግዜን ቦታን ክልወጥን ክበንን ስለዝኽእል። ሓፋር እንተድኣዄንኪ ብዙሕ

ኣይትሕሰቢን ኣይትሰከፍን። ኣብ ገለ እዋን ንመጀመርታ ዝርኣኽዮ ወዲ ተባዕታይ እንተኣሰንበደኪን ክትርእዮ ባህ እንተዘይበለኪን ብኣኽብሮትን ብፍሕሽው ገጽን ደኣ ቅረብዮ’ምበር ብፍሕሽው ገጽን

ናብ ወዲ ተባዕታይ ንምቕራብ ዝሕግዙኺ

ሙተመ

ይዛ

ኤርሚያስ

ኣስፍ

ካብተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ

ኮይነን ምስጢር ዉድበን ሰቲረን ኣብ

ቃልሲ ንናጽነት እጃመን ዘበርከታ ኣደታት ሓንቲ’የን። ወ/ሮ ጥምቀቱ ዘርኣጋብር ይበሃላ። ኣብ 1937 ኣብ ደቂ ዘርኡ ዝተወልዳ ወ/ሮ ጥምቀቱ ሓዳረን ኣብ ኣስመራ ኮይነን የካይዳ’ኳ እንተነበራ እቲፋኖስ ዝስሙ ቦኽሪ ወደን ምስ ወለዳ ግና ምስ በዓል ቤተን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተሰደዳ። ምኽንያት መሰደዲአን በዓል ቤተን ብስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ስለዝተቐየሩ ነበረ። ወ/ሮ ጥምቀቱ ከም ኩሉ

ኤርትራዊ፡ ኤርትራዊት ስለ ዝኾና ጥራይ ኣብ ልዕሊአን ብዙሕ ግፍዒ ተፈጺሙ’ዩ። ከምአን ኣብ ካልኦት ኤርትራውያን’ውን ማእለያ ዘይብሉ

ግፍዒ ክወርድ ብዓይነን ተዓዚበን’የን። ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ዩኒቨሪስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝመሃሩ ቤተሰበንን ደቂ ሃገረንን ዝተፈላለየ ውድባዊ ምንቅስቓስ ከካይዱ ይዕዘባ ነበራ። ምዕዛብ ጥራይ ዘይኮነ ንሳቶም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መጽሓፍቲን ካልእ ንስርሖም ዝሕግዝ ንብረትን ኣብ ቤተን ብስቱር የቐምጣን ከም ዘዕርፉን

ዝዕቆቡን’ውን ይገብራ ነበራ። እዚ ምስጢር’ዚ ካልእ ይትረፍ በዓል ቤተን ንኸይፈልጡ’ውን ዝከኣለን ጥንቃቐ ይገብራ ከምዝነበራ ይጠቕሳ።ብሰንኪ’ቲ ምስ

ዉዱበን ዝነበረን ጥቡቕ ዝምድና ብዙሕ ጥርጣረ ወሪድወን’ዩ። ቦኽሪ ወደን’ውን ናይ ኣደኡ ኣሰር ሒዙ ምስ ሓፋሽ ውድባት ክነጥፍ ብምጅማሩ

ኣብ ልዕሊ ወ/ሮ ጥምቀቱን ወደንን ሓደጋ ከንጸላሉ ግዜ ኣይወሰደን። ኣብ ጥርጠራ ዝኣተው ወተሃደራት ኣብ ቤተን ዘየቋርጽ ተፍትሽ ኣካየዱ። እንተኾነ ጽንዕቲን ሰታሪት ምስጢርን ብምንባረን ናይ ወደን ይኹን ናይ ስራሐን ምስጢር ኣይተኸሽሐን። ወተደራት ደርጊ ኣብ ቤት ወ/ሮ

ጥምቀቱ ቀጻሊ ተፍትሽን ምክትታልን ኣየቋረጹን። በዚ ምኽንያት እቶም ንቤት ወ/ሮ ጥምቀቱ ከም መዕቆቢ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንብረቶም ጠርኒፎም ናብ ኤርትራ ከዱ። ወ/ሮ ጥምቀቱ ክኸይድ ዘይተኻእለ ንብረትን መጽሓፍትን ብልዑል ጥንቃቐ ከም

ዝቃጸል ገበራ።ወደን እሲፋኖስ “ካብቶም ንኽርሸኑ

ዝደለዩ ሰባት” ተባሂሉ ስእሉ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ይልጠፍ ብምንባሩ ኣብ 1976 ብምስጢር ካብ ኣዲስ- ኣበባ ናብ ኣስመራ ከም ዝኣቱ ገበራ። ወተደራት ደርጊ ንእስቲፋኖስ

ክረኽቡ ብቐጻሊ ናብ ቤተን ካብ ምምልላስ ዓዲ ኣይወዓሉን። ንሰን ግን ብጥበብ እናማኻነያ ንዝገጠመን ምጉብዕባዕ ይሰግርኦ ነበራ። ሓደ ነገር ግን ስክፍታ ይገብረለን ነበረ። ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ብዙሓት ኤርትራውያን ይርሽን ነይሩ’ዩ። ወ/ሮ ጥምቀቱ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ወደን ከይበጽሕ ኣዝዩ ኣስግአን። ስለዚ ሓደ ሜላ ክምህዛ ነበረን። “ወደይ ጠፊኡኒ ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ” ብምባል ድማ እናነብዓ ንዝረኸብኦ ሰብ ብዛዕባ ወደን ምጥያቕ ኣተዋ። ኣብ መወዳእታ “ወደይ ሞይቱ’ዩ” ብምባል ንኽልተ ቕነ ሓዘን ገበራ። ጎረባብተን እናበጽሑ ከጸናንዕወን እንከለው እቶም ኣብ ጥርጣረ ዝነበሩ ወተሃደራት ስርዓት ደርግ ግን፡ “ወድኺ ክጋደል’ዩ ናብ ወንበዴታት ከይዱ” እናበሉ የጉባዕቡዕለን ነበሩ። ንሰን ግን ብጥበብ ወደን ኣድሒነን ኣብ መወዳእታ’ውን ንእስቲፋኖስ ናብ መሳርዕ ገድሊ ከም ዝጽንበር ገበራኦ። ወተሃደራት ደርግ “እዚ ቤት እንዳ

ወንበዴታት’ዩ” እናበሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅሳነት ምስ ከልእወን ድማ ደቀንን በዓል ቤተንን ኣሰንየን ኣብ 1977 ብምስጢር ኣስመራ መጽኣ። ካብ ኣስመራ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብምጉዓዝ ከም ሓፋሽ ውዱባት ኮይነን ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ህዝባዊ ግንባር ተሳቲፈንን ሓያለ ዕማም

ኣደይ ጥምቀቱ - እተን በዓልቲ ድርብ ዕማምኣሰላሲለንን። መራሒት ዋህዮ ኣብ ፍሸይ ምራራ፡ ኣባል ህዝባዊ ባይቶ፡ ሓላፊት ሕርሻዊ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ወዘተ ብምዃን ኣገልጊለን። ምስ ጸላኢ ንዝሰርሑን ንዝተሓባበሩን ከድዓት ንዝምልከቶ ይሕብራ ካብ ህዝባዊ ግንባር ንዝመጽኦም ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ’ውን የበጻጽሓ ነበራ። ብዘይካ’ዚ ካብ ሳሕል ብስራሕ ንዝመጽኡ ተጋደልቲ ምስ ህዝቢ ሰሜናዊ ባሕሪ ብምትሕብባር ስንቂ ኣብ ምድላው፡ ቦታ ኣብ ምምራሕ፡ ስውኣት ኣብ ምቕባር፡ ስርሖም ክሳብ ዝፍጽሙ ኣብ ገዛአን ከም ዘዕርፉን ዝቕመጡን ይገብራን ይቕልባን ነበራ።

ኣብ 1987 ድማ ካብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣብ ጉባኤ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ንምስታፍ ናብ ሳሕል ወሪደን። ነቲ ዝቐሰምኦ ትምህርቲ’ውን ንህዝቢ የስተምህራ ነይረን። ኣብ 1988 ከኣ ነቶም ምስአን ዝተረፉ ደቀን ሒዘን ናብ መደበር ስደተኛታት ናቕፋ ተጸንበራ።ወ/ሮ ጥምቀቱ ምስ ትሽዓተ ርእሰን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈንን እጃመን ኣበርኪተንን’የን። እቲ ተበላሒተንን ተጣቢበንን ናብ ገድሊ ዘውጽእኦ እስቲፋኖስ ወደን ድማ ኣብ 1978 ኣብ ዶጎሊ ምሕራር ከተማ ባጽዕ ብጅግንነት ተሰዊኡ።

ፈገግታን ተዓዘብዮ። ቀልጢፍኪ ኣይትርሓቕዮ። ነቲ ይኾነኒ’ዩ እትብልዮ ወዲ ተባዕታይ ብዙሕ ናይ ምዕላልን ናይ ምርካብን ባብ ክፈትሉ። እንትርፎ ንስጋዊ ርክብ ንኻልእ ድሌታቱ ካብ ምቕባልን ምምላእን’ውን ድሕር ኣይትበሊ። ዕርክነቱኩም ሱር ምስ ሰደደ

ድማ ከም እተፍቅርዮ ብግብሪ ኣእምንዮ። ኣብ’ዚ እዋን ስምዒት ናይ’ቲ ዘፍቀርክዮ ወዲ ተባዕታይ ብምርዳእን ብምስትብሃልን ከተብስልዮ ፈትኒ። ንድኽመቱን ጽቡቕ ነገራቱን በብሓደ እናፈለኺ ክትርድእዮ ጸዓሪ። ምስ ዘለኪ ጓልነት ተፈጥሮ፡ እምነት፡ ሓቅን ትዕግስትን ምስ እተዘውትሪ ተባሃጊት ክትኮኒ ኢኺ። ንወዲ- ተባዕታይ ካብ ግዳማዊ ምስሉ ንላዕሊ ውሽጣዊ

ባህርያቱ ኣለሊኽን ኣጽኒዕክን ምስ እትኣትውዮ ጽኑዕ ፍቕሪ ክትምስርቲ ዋሕስ ይኾነኪ።ዕርክነት ምስ ጀመርኪ ኣብ

ናይ ፍቕሪ ጉዕዞኹም ዘይኮንክዮ ንኽትመስሊ ዘይጠባይኪ ለቢስኪ ምቕራብ ኣየድልየክን’ዩ። ምኽንያቱ ምስ ግዜ ሕቡእ ጠባይኪ እናተገልጸ ስለዝኸይድ። ክትፋለጢ ከለኺ ግሉጽነት፡ ልስሉስ ቃላትን ሓሳባትን ዘይምሕፋር ፍቕሪ ምስ መስረትኪ ንሓድነትኪ መደልደሊ ከም ዝኾኑ ተረድኢ። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ’ቲ ንሓደ ወዲ ተባዕታይ ንኸፍቅረኪ ኢልኪ እትገብርዮ ጻዕሪ። ከም እተፍቅርዮ ንምግላጽ እትገብርዮ ተግባራት ኣብ ምምስራት ፍቕሪ ዝያዳ ሓጋዚ’ዩ።

ምንጪ፡ ሳይኮሎጂ ክልቲኡ ጾታ

ወ/ሮ ጥምቀቱ ኣብ ንኡስ ዕድመአን

2010

Page 10: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 10

Teklehaimanot Yemane

Renaissance of Consciousness

re- ‘back, again’ naissance ‘birth’

nasci

Mr. Gulam, a colleague of mine has brie�y gone through the previous part of the story ‘An Expedition to BaHru’ and then triggered me with a question: “Why do you think kids insist their parents to buy them certain things to the extent energetically crying if they are not replied appropriately?” Although I could guess well about this, I requested him to answer it by himself. He said that, “the answer is simple – it is because ‘Kids live for now’ and we parents live for tomorrow. �is creates a big di�erence of understanding between parents and their children.” I believe he is right and we parents and teachers need to clearly understand this deeply.

Hot pizzaHot pizza is my favorite food

Yummy it is goodHot pizza hot pizza

It is so yummyIt always �lls my tummy

It is so sweetJust like meat

When I see it, is like bloodBut my mummy told me its

foodI cut it with a knife

One two three four �veHot pizza I like you.

_By: Salem YosiephRainbow International School

My school rules Here are some rules

For you and meSee how important

�ey can beAlways be honestBe kind and fairAlways be good

And willing to share�ese are rules

We all should knowWe follow these rules

Where ever we Go

_By: Hiyabiel Yonatan (Abiti)

Rainbow International School

PART VII – LoyaltyAn Expedition to BaHru (

Page 11: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 11

ስፖርትዮናታን ገብረሂወት

[email protected]

ብቕድሚ ትማሊ፡ ምዱብ ግዜ ግጥም ፍጻመ ኮፓ ደል ረይ ሓሙሽተ ደቒቕ ክተርፎ እንከሎ ዝተመዝገበት ድንቂ ውልቃዊት ሸቶ ጋረዝ በይል፡ ንሪያል ማድሪድ ኣብ ልዕሊ ቀንዲ መወዳድርታ ባርሴሎና ዓቢ ዓወት ክትጎናጸፍ ሓጊዛ። እቲ ተወላዲ ዌልስ ዝኾነ ናይ ቅድሚት ተጻዋታይ፡ ካብ ሕንጻጽ ፍርቂ ሜዳ ብልዑል መጠነ ቕልጣፈኡ ንተኸላኻላይ ባርሳ ማርክ ባርትራ ሓሊፉ’ዩ ምስ ሓላው ልዳት ጆሰ ማኑኤል ፒንቶ ብምርኻብ ነታ ኩዕሶ ኣብ ሰኪዔት ዝጸንበረ።ከተማ ቫለንስያ ኣብ ዘአንገደቶ ግጥም 2ብ1

ዝተዓወተት ማድሪድ፡ ኣቐዲማ መሪሕነት ንዘትሓዘታ ሸቶ ካብ ኣንጀል ዲ ማርያ እያ ረኺባታ። ባርሴሎና ብወገና ድሕሪ ዕረፍቲ ባርትራ ብርእሱ ብዘመዝገባ ሽቶ ክትመዓራረዮ ክኢላ ነይራ። ናይ ቅድም ኮኾብ ቶተንሃም - በይል፡ ዝሓለፈ ክረምቲ ክብረ ወሰን ዓለም ብዝሓዘ መጠነ ገንዘብ 85 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ስታድዩም በርናቡ ካብ ዝሰጋገር ንደሓር ኣብ ዓበይቲ ግጥማት ማድሪድ ዝድለ ኣበርክቶ ብዘይምግባሩ ክውቀስ እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ ኣብ ጐድኑ ዝስለፍን ብሰንኪ መጉዳእቲ ክጻወት ዘይከኣለን ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ኣብ ዘይነበረሉ ግጥም ፍጻመ፡ ወዲ 24 ዓመት በይል ማእከላይ ኣጥቃዓይ ብምዃን ብሉጽ ምንቅስቓስ ከንጸባርቕን ብዝተመጣጠነ ፍኹሰት ኣብ

ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ክካየድ ዝወርሐ ስፖርታዊ ውድድራት እዚ ምብራቕ፡ ጽባሕ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መንጎ ጋንታታት ሚራስን ራስ ዳርማን ብዝካየድ ግጥም ፍጻመ ኩዕሶ እግሪ ክዛዘም እዩ። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ኩዕሶ መርበብ፡ ራስ ዳርማ ንፍልፍል 3ብ1 ብምስዓር

ሻምፕዮን ኩዕሶ መርበብ ናይቲ እዚ ኮይና። ጋንታታት ፍልፍልን ቢሻን ድማ ንዓኣ ስዒበን ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ሒዘን። ብዘይካ’ዚ፡ ብረቡዕ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ሰላሞን ቢሻን ንደረጃ ገጢመን ነይረን። ሰላሞ 1ብ0 ብምዕዋታ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ።ብኹሉ ዓይነት ስፖርት ጎብለል ኮይና ንዝወጽአት ጋንታ፡ ንዝኽሪ ስዉእ ሜጀር ጀነራል

ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ዝተዳለወት ፍልይቲ ዋንጫ ክትዋሃብ ምዃና ተፈሊጡ።

ምርጫ ፈደረሽናት ስፖርት ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ተኻይዱ

ዝሓለፈ ዓመት ዝተቓንዐ’ሞ ግን ከኣ ዝፈሸለ ምርጫ ፈደረሽናት ስፖርት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣማሓዳሪት’ቲ ዞባ ው/ሮ ጽገሬዳ ወልደጊዮርጊስ፡ ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ወኪል ኮሚሽን ስፖርት፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ቤተ-ሰብ ስፖርትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብረቡዕ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተኻይዱ።ኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ

ወ/ሮ ጽገሬዳ ወልደገርጊስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዓቶ ቓል፡ እቲ ምርጫ ድኹም ጎድንታቱ ተገምጊሙ ብሓያል ውዳቤ ስለዝተኻየደ ዕዉት ምዃኑ ጠቒሳ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ኮም ዝሰረቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ከም ዝመጸአ ብምግላጽ፡ ምዕባለ ስፖርት ንምሕያል ድልዱል ሰረትን ምዕሩይ ዝርገሐን ከምዘድሊ ብምግንዛብ ኩሉ ዜጋ ኣብ ምብርባር ትንሳኤ ስፖርት ዞብኦም ሱታፌኦም ከዕዝዙ ብምልባው ድማ ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ጎድኖም ከምዘሎ ኣረጋጊጻ።ሓላፊ ጨንፈር ኮሚሽን ስፖርት’ቲ ዞባ

ኣቶ ሕሳቡ ገብረስላሰ ብወገኑ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት’ቲ ዞባ ንምብርባርን ህዝባዊ ሰረት ንምትሓዝን ብደረጃ ዞባ ቦርድ ባህሊ፡ ስፖርትን ቅርስን ከምዝቖመ ገሊጹ።ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንጥፈታት ዝተፈላለያ

ፈደረሽናት ስፖርት ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፡ ኩሉ መዳያዊ ስፖርት ንምክያድ ትሕተ-ቕርጺ ክመሓየሽ፡ ብደረጃ ዞባ ናይ ዝቖመ ቦርድ ናብ ህዝቢ ዝቐንዐ ጎስጓስ ከምዘይተኻየደ፡ ዝወጽእ ባጀት ምስቲ ዝሰላሰል ንጥፈታት ከምዘይሳነ፡ ውድድራት ኣብ ዝስረዓሉ ድማ ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ዘይምህላዉን ካልእን ዝብሉ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።ወኪል ኮሚሽን ስፖርት ሌ/ኮለኔል

ሳሙኤል ጸጋይ ኣብ መወዳእታ፡ ተዳኺሙ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ’ቲ ዞባ ምብርባር ከምዘድልዮ ጠቒሱ፡ ኣብ ህጻናት ዘተኮረ ግራስሩት ንምሕያል ምስ ፊፋ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉን ስታድዩም ባጽዕ ብኣርቲፊሻል ሳዕሪ ንምሽፋን ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ። ተሳታፍነት ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስፖርት ንምውሳእ በቲ ዞባ ክድፈኣሉ ከምዝግባእ ድማ ኣዘኻኺሩ።ምርጫ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ፡ ንኣካየድቲ

ሽዱሽተ ፈደረሽናት ስፖርት ማለት ቅድድም ብሽክለታ፡ ኩዕሶ እግሪ፡ መርበብ፡ ሰኪዔት፡ ኣትለቲክስን ኣግማልን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።

ኤል ክላሲኮማድሪድ ዋንጫ ዓቲራ

ከባቢ ልዳት ባርሴሎና ኮደድ ክብልን ተራእዩ። ከም መርኣያኡ ድማ ነታ ብኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ እትእለ ጋንታ፡ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ብዝተጻወቶ ተራ ዋንጫ ክትስፍስፍ ኣኽኢሉዋ። ኣብ ውድድር ላ’ሊጋ 14 ከምኡ’ውን ኣብ ግጥማት ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ 5 ሸቶታት ዘመዝገበ በይል፡ ትማሊ መበል 20 ሸቶኡ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ኣቑጺሩ። እታ ሽቶ ንዕኡ ፍሉይ ክብሪ እያ ሂባቶ - ኣብ ግጥም ኤል ክላሲኮ ጎል ዘመዝገበ ናይ መጀመርታ ዌልሳዊ ተጻዋታይ ክኸውን ብምብቅዑ። ማይክል ኦውን ብ10 ሚያዝያ 2005 ካብ ዘመዝግብ ንደሓር’ውን፡ በይል እቲ ቀዳማይ ብሪጣንያዊ ተጻዋታይ ኣብ ኤል ክላሲኮ ሸቶ ዝሰርሐ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ደል ረይ ድሕሪ

ምዝዛሙ፡ ኣሰልጣኒ ባርሴሎናን ኣባላት ማድሪድን፡ መዐወትቲ ሸቶ ዘመዝገበ በይል ከምዘደንጸዎም ክዛረቡ’ዮም ተሰሚዖም። ኣሰልጣኒ ባርሳ ጀራርዶ ማርቲኖ፡ “ኣብ ከምዚ መድረኽ ጸወታ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ሸዃኺ ተጻዋታይ ንኽትርኢ ሸጋሪ’ዩ” ኢሉ። ኣሰልጣኒኡ ኢጣልያዊ ካርሎ ኣንቸሎቲ ብወገኑ፡ “በይል ኣብ ኣስጋእን ዘየላቡን እዋን’ዩ ነታ ጎል ኣመዝጊቡዋ፣ ብርግጽ ድማ ንሳ ዝያዳ ኣገዳሲት ሸቶኡ እያ” ክብል ገሊጹ። ኣብ መዳይ ስልታዊ ኣጸዋውታ፡ ባርሴሎና

ንዕውትቲ ክለብ ክትጸቅጥ ኣብ ዝተራእየትሉ፡ ሪያል ማድሪድ ቕልጣፈ ተጠቒማ ብመልሰ

መጥቃዕቲ እያ ትምክቶ ነይራ። ባርሳ ዋላ እኳ ብጸወታ ትዕብልል እንተነበረት፡ ነቲ ኣብ ግጥማት ላ’ሊጋ ዘይቀነየ’ሞ ሽዑ ኣብ ሜዳ ዝወረደ ስጳኛዊ ሓላው ልዳት ኢከር ካሲያስ ኣብ ምፍታን ግና ደኺማ። ኣብቲ ምሸት፡ ኣጥቃዓይ ባርሳ ሊዮነል መሲ ከም ስሙ ጎሊሑ ኣይተራእየን። ኮታ ፋቢዮ ኮንትራኦ ንመጥቃዕቲ ብምንቃል ንሸነኽ ጸጋማይ መስመር’ቲ ሜዳ ናብ በይል ኩዕሶ ኣብ ዝለኣኸሉ ህሞት፡ መሲ ኣብ ከባቢ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ማድሪድ ኣቃውማኡ ኣጥፊኡ እዩ ነይሩ። ከም ቀደሙ ላዕልን ታሕትን ብምባል ንተኸላኸልቲ ኣንጻር ጋንታኡ ከሸግር ኣይተራእየን።እቲ ስዕረት ንባርሳ መሪር’ዩ፡ ስዕረት

ብስዕረቱ ብቐንዲ መቐናቕንታ ሪያል ማድሪድ ብምዃኑ። ብዙሓት ጋዜጣታት ስጳኛ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲናዊ ኣሰልጣኒ ጀራርዶ ማርቲኖ (ታታ) ከቢድ ነቐፌታ ዘኸትል ከምዝኾነ ጠቒሰን፡ ንናይ ነዊሕ መጻኢኡ ኣብታ ጋንታ ኣጠራጣሪ ገይሩዎ ምህላዉ ይገልጻ። ሻምፕዮን ስጳኛ ዝኾነት ባርሴሎና፡ ኣብ

ውድድር ላ’ሊጋ ካብ መራሒት ዘላ ኣትለቲኮ ብኣርባዕተ ነጥቢ፡ ካብ ሪያል ማድሪድ ድማ ብሓደ ነጥቢ ድሒራ ትርከብ። እዛ ብቕድሚ ትማሊ ንዋንጫ ኮፓ ደል ረይ ከተማዕድዋ ዝተገደደት ጋንታ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣትለቲኮ ካብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ምግላፋ’ውን ዝፍለጥ’ዩ። “ዓሚቚ ቃንዛ እዩ ተሰሚዑኒ፡ ዝኾነ ኾይኑ

ሞራል ክህቡና ንዝመጽኡ ብምሉኦም ደገፍቲና የቐንየልና ክብል እደሊ፡ ነዚ ግጥም ክንዕወተሉ

ስፖርታዊ ውድድራት መንእሰያት መምህራንብምኽንያት ቅነ መንእሰያት መምህራን

ዞባ ማእከል፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ኣብ ሜዳ 2ይ ደረጃ ቤ/ት ቀይሕ ባሕሪ ይሰላሰል ኣሎ። እቲ ንሸውዓተ ጋንታታት ንኡሳን ዞባታት ዞባ ማእከል ጠርኒፉ፡ ብኩዕሶ እግርን መርበብን ወትሩ ሰንበት ዝካየድ ዘሎ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ብሃማመተኤ’ቲ ዞባ ዝተወደበ እዩ።

ዕላማኡ ኣብ መንጎ’ቶም መምህራን ሌላ ንምንፍጣርን ተመክሮ ንምልውዋጥን ምዃኑ ድማ ኣቦ መንበር ጨንፈር መንእሰያት መምህራን ዞባ ማእከል መ.ም ተኽለ ኣስመሮም ይሕብር።ዝሓለፈ ሰንበት ናይ ዝተኻየደ

ጸወታታት ዝተረኽበ ውጽኢት ምስ እንምልከት፣ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ፡

ጋንታ ደ/ምዕራብ ንሰ/ምዕራብ ብገፊሕ 10ብ0 ከተሰንፋ እንከላ፡ ደ/ምብራቕ ንሰ/ምብራቕ 1ብ0 ስዒራታ። ጋላነፍሒ ምስ ሰረጀቓ ድማ ብዘይሸቶ ተፈላልያ። ብኩዕሶ መርበብ፣ ደ/ምዕራብ ንሰ/ምዕራብ፡ ሰረጀቓ ንጋላነፍሒ ከም’ውን ደ/ምብራቕ ንሰ/ምብራቕ ብተመሳሳሊ 2ብ0 ረቲዐንአን።

ብዘይምኽኣልና ኸኣ ይቕሬታ እሓትቶም።” ዝበለ ኣሰልጣኒ ባርሴሎና ጀራርዶ ማርቲኖ ቐጺሉ፡ “እዚ ትርኢት ናትና ምቹእ ኣይኮነን፡ ይኹን እምበር ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመተ ስፖርት ዝከኣለና ኽንገብር ኣለና። እዛ ጋንታ ብዙሕ ሸቶታት ብምምዝጋብ እያ ትፍለጥ፡ እንተኾነ ብሃንደበት ሸቶታት ዛሕቲሉ’ሎ። ብዝኾነ፡ ኣብ ዳሕረዎት 25 ሜትሮ ጸገም ኣለና፣ እዚ ኸኣ ነዛ ክለብ ንቡር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብልሙድ ሓደ ካብቶም ተጻወትቲ ገለ ብልሒ ክፈጥርን ሸቶ ከመዝግብን ይርአ ብምንባሩ’ዩ። ኮይኑ ግን ነዚ ኣብዚ ሰሙን ከነተግብሮ ኣይከኣልናን” ክብል ሓቢሩ። ማርቲኖ ብተወሳኺ፡ ኣብታ ካታላንያዊት ክለብ ዝህልዎ መጻኢ፡ ኣብ’ዚ ናይ ረቡዕ ጸወታ ወይ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ግጥም ይምርኮስ ኢሉ ከምዘይሓስብ’ዩ ኣፍሊጡ።ሪያል ማድሪድ፡ ሎሚ ንመበል 19 ግዜ’ያ

ንዋንጫ ውሽጣዊ ውድድር ስጳኛ ትስፍስፍ ዘላ። እዚኣ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ዝጨበጠታ ካልኣይቲ ዋንጫ ኮፓ ደል ረይ እያ። “ነዛ ዋንጫ’ዚኣ ክንዕወተላ ብምኽኣልና ኣመና ሕጉስ’የ። ክንዕወት ከኣ ይግብኣና’ዩ፣ እምበር ባርሴሎና ጽቡቕ ከምዝተጻወተት’የ ዝግምግም። ምናልባት ነገራት ኣብዚ ዓመት’ዚ ንዓኣቶም ከምዝደልዩዎ ኣይሰርሓሎምን’ዩ ዘሎ፣ እንተኾነ ንሳቶም ገና ንዋንጫ ላ’ሊጋ ንምዕታር ክቃለሱ’ዮም።” ድሕሪ ምባሉ፡ “ሎሚ ኩሉ ሰብ ዝብሎ እንተሎ፡ ጋንታ ባርሴሎና ናይ ዓብላልነት ዑደታ ወዲኣ ዝብል’ዩ። ርእይቶይ ግና፡ ባርሳ ኣዝያ ሓደገኛ ጋንታ ምዃና ክንርዳእ ከመዘለና ጥራይ እዩ።” ክብል ተዛሪቡ።

ውድድራት እዚ ምብራቕ ጽባሕ ክዛዘም’ዩ

Page 12: ናይ ምስራሕ ተበግሶ’ዩ ዝምንጩ”50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_18042014.pdfዝነበረት’ሞ ደሓር ኣብቲ ናይ ጀብሃ ምስጓግ ልዑል

ሓዳስ ኤርትራ 18 ሚያዝያ 2014 - ገጽ 12

Sabur Printing Services

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት፣- ዕለት ኣድራሻ ቍ.ስልኪ ፋርማሲ ኪዳነ ምሕረት 18/04/2014 ጐደና ሰሓርቲ -835 ቁ.115፡ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ሰምበል 07113046 ፋርማሲ ፍረ ኣውሊዕ 18/04/2014 ጐደና ዓዲ ኣበይቶ-114፡ቁ.ገዛ 43 ልዕሊ ብርሃን ዓይኒ ሆስፒታል 163485 ቤት መሸጣ መድሃኒት ማይ ጃሕጃሕ 18/04/2014 ጐደና 173-18 ቁ.21 ፡ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ጥቓ ህዝባዊ ቤት ንባብ 122035

ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1፣ 127582

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ምስ ሩስያ ንምጽንባር ዝጠልቡ ዘለዉ ኣባላት ሚሊሻ፡ ካብ ሰራዊት ዩክሬን 6 ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ከምዝመንዝዑ ሓቢሮም።ብድሩዓት መካይን ዝተሰነየ ሰራዊት

ዩክሬን ነቶም ሓያሎ ህንጻታት መንግስቲ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ኣባላት ሚሊሻ ንምስጓግ ናብ ዶንባስ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ብነበርቲ’ቲ ከባቢ ተሪር ተቓውሞ ክገጥሞ እንከሎ፡ እተን ወተሃደራውያን መካይን ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምዝተታሕዛ ተፈሊጡ።ብዘይካ’ዚ ትማሊ ኣብ ማሪዮፖል

ዝተባህለ ቦታ ብዘጋጠመ ግጭት፡ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብቲ ቦታ ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። ብምዕራባውያን ዝድገፍ ሓድሽ

መንግስቲ ዩክሬን እቶም “ግብረ-ሽበራውያን” ኢሉ ዝጽውዖም ኣባላት ሚሊሻ ኢዶም ክህቡ ናይ ግዜ ገደብ ሂብዎም ምጽንሑ ይጥቀስ። እንተኾነ ንሳቶም ነቲ ጻውዒት ብምንጻግ ካብቲ ዝሓዝዎ ቦታታት ከምዘይግዕዙ’ዮም

ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ቦሮኖ ካብ ዝተባህለት ዞባ ብዕጡቓት ቦኮ ሓራም ተጨውየን ዝተወስዳ 129 ተመሃሮ ናጻ ከምዝወጻ ሰራዊት’ታ ሃገር ሓቢሩ።እተን ብኣኽራሪ እስላማዊ ጉጅለ ቦኮ

ሓራም ዝተጨውያ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ሒደት እንተዘይኮይነን ብምሉአን

ክሃድማ ከምዝኸኣላ ሰራዊት ናይጀርያ ገሊጹ።ንሳተን በቶም ዕጡቓት ብዝተጨውያ

ናብ ዶባት ካሜሩን ገጸን ከምዝተወስዳን እንተኾነ ኣብ ጥቓ ጫካ ምስበጽሓ ካብ ኢድ’ቶም ዕጡቓት ሃዲመን ናብቲ ሰራዊት ናይጀርያ ዘለዎ ከባቢታት ከምዝመጻን ተገሊጹ። ይኹን’ምበር ነዚ ብሰራዊት ናይጀርያ

ዝተዋህበ መግለጺ ዘረጋግጽ ናጻ ሓበሬታ የለን። እቲ ብሰራዊት ናይጀርያ ዝተዋህበ ሓበሬታ ጭቡጥ ከምዘይኮነ ዝገልጹ ገለ ምንጭታት’ታ ሃገር’ውን ኣለዉ። ምንጭታት ናይጀርያ፡ ዕጡቓት ቦኮ

ሓራም ነተን ደቀንስትዮ ካብ ሓንቲ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ኣውጺኦም ክወስዱወን እንከለዉ፡ ኣብቲ ከባቢ

ፖሊስ ኣርጀንቲና ኣብ ጋራጅ ናይ ሓደ መንበሪ ገዛ 9 ዓመት ተዳጒና ንዝጸንሐት ጓል 15 ዓመት ናጻ ከምዘውጸአ ገሊጹ።እታ ግዳይ፡ ኣብቲ ጋራጅ ነዊሕ

ዓመታት ተዓጽያ ክተሕልፎ እንከላ፡ ኣብ ጥቓኣ ብዘይካ ሓደ ከልብን ሓንቲ ህበይን ካልእ ፍጡር ዝበሃል ከምዘይነበራ’ያ ትገልጽ። ናብ ትምህርቲ ክትከይድን ምስ ሰብ ክትራከብን ድማ ዘይሕሰብ ምንባሩ ንፖሊስ ቃላ ሂባ።

ኣብ ደቡባዊ ቻይና በዓል ሸሞንተ መሓውር ህጻን ተወሊዱ። እቲ ቅድሚ ክልተ ቕነ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ሁይዞ ዝተወልደ ህጻን ምስ ኣርባዕተ ኣእዳዉን ኣርባዕተ ኣእጋሩን’ዩ ተወሊዱ። እቲ ህጻን ክውለድ እንከሎ ከም ንቡር 3 ኪሎ ግራም ከምዝተወልደ’ዩ ተሓቢሩ። ኣደ’ቲ ህጻን’ውን ኣብ ሕርሲ ዝተጋነነ ጸገማት ከምዘየጋጠማ ሓካይም መወለዳን ሆስፒታል ገሊጾም። ንሳ ዛጊት ዝሃበቶ ቃል’ኳ እንተዘየለን፡ ቸን ዝስሙ ኣቦ’ቲ ቈልዓ ግን ንሓያሎ ሰባት ዘገረመ ዘረባ’ዩ ኣስሚዑ፡ “ጠንቂ ናይዚ ባዕለይ’የ፤ ምኽንያቱ ኣነ ንበዓልቲ-ቤተይ ኣይተኸናኸንኩዋን፤ ኣብ ምእካብ ገንዘብ ጥራይ’የ ኣተኲረ፡ በዚ ኸኣ እነሆ ጉድ ርኢና” ኢሉ። ሓደ ቻይናዊ ክኢላ መጥባሕቲ፡ እቲ በዓል-ሸሞንተ መሓውር ህጻን ንማንታ

ዝተሓስበ ኔሩ ክኸውን ከምዝኽእል ኣረዲኡ። ቻይናውያን ሓካይም ድሮ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ህጻን ንዝጠበቓ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ መሓውር ብመጥባሕቲ ኣልየምሉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ገማግም ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ካብ ዝነበሩ 470 ተሳፈርቲ፡ ደሃይ ናይቶም ኣስታት 280 ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ብሰንኪ ሕማቕ ክሊማ ተዓናቒፉ ከምዘሎ ተገሊጹ። ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ብዝተኻየደ ህጹጽ መስርሕ ህይወት ኣድሕን 179 ክድሕኑ እንከለዉ፡ 9 ድማ ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ። እታ መርከብ ተመሃሮ ሓደ ቤት

ትምህርቲ ኣሳፊራ ካብ ወደብ ኢንቺዮን ናብ ማእከል መዘናግዒ ደሴት ጀጁ እናምረሐት’ያ ዛጊት ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ጥሒላ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ፓርክ ግዩን ሂ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ በቲ ፍጻመ ከምዝሓዘነት ብምግላጽ፡ ንግዳያት ናይ ምድላይ መስርሕ ከምዝቕጽል ገሊጻ። *** ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ወዲ 77 ዓመት ዓብደልዓዚዝ ቡተፈሊቓ ክዕወት ልዑል ትጽቢት ይግበር። እቲ ንራብዓይ እብረ ዝወዳደር ዘሎ ፕረዚደንት’ታ ሃገር፡ ብጥዕናዊ ጸገማት ይሳቐ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ዩክሬን፡ ኣባላት ሚሊሻ ታንክታት ይማርኹ

ዘነጽሩ ዘለዉ።እቶም ደገፍቲ ሩስያ ዝኾኑ ኣባላት

ሚሊሻ፡ ምብራቓዊ ዞባታት ዩክሬን ልክዕ ከም ናይ ዞባ ክረምያ ካብ ዩክሬን ተፈልዩ ምስ ሩስያ ክጽንበር’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ። ኣቐዲማ ዞባ ክረምያ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስ ሩስያ ከምዝተጸንበረት ኣይርሳዕን።ኣብ ዩክሬን ብህዝቢ ዝተመርጸ

መንግስቲ ቪክቶር ያኑኮቪች ብምዕራባውያን ብዝድገፉ ሓይልታት

ድሕሪ ምዕላዉ፡ ኣብታ ሃገር ዓቢ ቅልውላው ተፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ዩክሬን ኣብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ከምዝወደቐት ድማ ተንተንቲ የረድኡ።ጉዳይ ዩክሬን ንሩስያን ኣመሪካን ናብ

ወጥሪ ኣእትዩወን ምህላዉ ይፍለጥ። እዚ ኮይኑ፡ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ

ሰበ ስልጣን ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዩክሬንን ኣብ ጀኔቫ -ስዊዘርላንድ ዝርርብ የካይዱ ምህላዎም ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

“ዝተጨውያ ደቀንስትዮ ናጻ ወጺአን” ሰራዊት ናይጀርያ

ዝዓስከሩ ኣስታት 50 ወተሃደራት ናይጀርያ ዝጥቀስ ተቓውሞ ከምዘየርኣዩ’ዮም ዝገልጹ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንደቀንስትዮ ጾታዊ ገላዩ ጌሩ ከምዝጥቀመለን’ዩ ብመንግስቲ ዝኽሰስ። ቦኮ ሓራም ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ

ሃይማኖታዊ መንግስቲ ንምትካል

ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ኮይኑ ኣብ 2002 እዩ ተመስሪቱ። ዛጊት ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ድማ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት’ታ ሃገር ከምዝጠፍአ ይፍለጥ።ኣብ ኣቡጃ ዝሓለፈ ሰኑይ በቲ

ጉጅለ ብዝተኻየደ ክልተ ተኸታተልቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 70 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት የመልክቱ። ብተወሳኺ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ “ጉዋዛ” ዝተባህለት ዞባ ብዕጡቓት’ቲ ጉጅለ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣንጻር’ቲ

ጉጅለ ዝቐንዐ መጥቃዕቲ ዘካይድ ዘሎ ሰራዊት ናይጀርያ ይዕወት ከምዘሎን ዕጡቓት’ቲ ጉጅለ ኣብ ጸቢብ ቦታ ተኸርዲኖም ከምዘለዉን’ዮ ዝገልጽ።

እታ ግዳይ፡ ኣብቲ ገዛ ንበይና ክትእሰር እንከላ፡ መዓልታዊ ቁራስ ቅጫን ማይን ጥራይ ይወሃባ ምንባሩ ትሕብር። ናይቶም እንስሳታት መግቢ ሰሪቓ ክትበልዕ ኣብ እትፍትነሉ እዋን ድማ ሕሱም መግረፍቲ ይወርዳ ምንባሩ ኣረዲኣ። እታ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚባ ዘላ ቈልዓ ካብቲ ቦታ ክትወጽእ እንከላ፡ ብጥምየት ማሲናን ሚዛና 20 ኪሎ ጥራይ ምንባሩን ፖሊስ ኣርጀንቲና ገሊጹ።

ነዚ ኩሉ መከራ ዘውረዱላ እቶም ከም ኣቦን ኣደን ኮይኖም ከዕብዩዋ ብህጻና እንከላ ካብ ገዛእ ወለዳ ዝወሰዱዋ ኣርጀንቲናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ካብ ቦነስ ኣይረስ ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። ፖሊስ ኣርጀንቲና ነታ ግዳይ ከድሕና

ዝኸኣለ፡ ቀደም ዝተፈልየታ ሓብታ ደልያ ምስረኸበታ፡ ብመሰረት ዝሃበቶ ሓበሬታ’ዩ።

ዜና ብሓጺሩ ኣልጀርያውያን ተቓወምቲ፡ ቡተፈሊቓ

ብዘለዎ ጸገማት ጥዕና ናብቲ ውድድር ክቐርብ ከምዘይነበሮ’ዮም ዝገልጹ። እቲ ምርጫ ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን ልዕሊ 260 ሽሕ ሓይልታት ጸጥታ ጽኑዕ ሓለዋ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ኣብታ ሃገር 23 ሚልዮን ሕጋውያን ኣድመጽቲ ኣለዉ።

*** ብ8 መጋቢት ንዝጠፍአት ነፋሪት

ማሊዥያ ንምርካብ ኣብ መዓሙቕ ማያት ህንዳዊ ውቅያኖስ መስርሕ ምድላይ ይቕጽል ኣሎ። ኣብቲ ስርሒት ዝተዋፈረት ፍልይቲ መርከብ ትሕተ-

ባሕሪ (ሳብ-ማሪን)፡ ተልእኾኣ ዛዚማ ከምዘላ ተሓቢሩ። እታ ሰብ ኣልቦ ሳብ-ማሪን ኣብ 90

ትርብዒት ኪሎሜተር ዳህሳስ ብምክያድ ናይ ስእልን ድምጽን ሓበሬታ ኣኪባ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ። እቲ ሓበሬታ ብክኢላታት ድሕሪ ምትንታን ዳግማይ ናብ ተልእኾ ከምእትብገስ ድማ ኣውስትራልያ ገሊጻ። ኣብ ደቡባዊ ወገን ናይ ህንዳዊ

ውቅያኖስ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምድላይ ነፋሪት ማሊዥያ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት። እታ ብቑጽሪ በረራ ኤም.ኤች.370 እትልለ ነፋሪት ማሊዥያ 239 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ኩላ-ሉምፑር ናብ በይጂን እናምረሐት’ያ ጠፊኣ። ዛጊት ድማ ኣሰራ ጠፊኡ’ሎ። ***

ኣርጀንቲና፡ ንጓሎም ዓመታት ዝኣሰሩ ወለዲ ይእሰሩ