ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ...

8
መበል 28 ዓመት ቁ.170 ሰንበት 17 መጋቢት 2019 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 2 “ጽቡቓት ይፍቀራ ለባማት ይምርዓዋ” ገጽ 3 ደም ብምልጋስ ሂወት 2.4 ሚልዮን ህጻናት ዘድሓነ ኣውስትራሊያዊ ገጽ 6 ገንዘበይ ኣበይ እዩ ዝኣቱ ዘሎ? ገጽ 7 ገጽ 4 ዳግማይ ህይወት ንጻዕዳ ሓርሽ ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ፡ ብኩባያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጻት ሓድሽ ጽርግያ ይስራሕ ኣሎ። ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ዘሎ ኣቶ ዑቕባይ ገብረሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓድሽ ጽርግያ፡ ካብ ዓዲ-ዃላ ተበጊሱ፡ ብማይ- መጨቓትን እንዳ’ባሕሽን ኣቢሉ ናብ መወዳእታ ጥውይዋይ ጽርግያ ዓዲ- ኾተዮ ዝሕወስ ምዃኑን፡ መተካእታ ናይ’ቲ ንዓበይቲ መካይን ከጸግም ዝጸንሐ - ተሪር ዓቐብን ጥውይዋይን ዘለዎ መስመር ዓዲ-ኾተዮ ብምዃኑ ድማ፡ ዝሓጸረን ዝገፍሐን ኮይኑ ይህነጽ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ስራሕ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኽዛዘም ብርክት ዝበለ ዓቕሚ-ሰብን ማሽነሪታትን ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ዑቕባይ፡ ንዝያዳ ምቹእነትን ዝሓሸ ኣገልግሎትን፡ ካብ መሬት በሪኹ ብምሩጽ ሓመድ ይድግደግ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ኣብቲ ስራሕ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሞያውያን - መሃንድስ ናጽነት ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ይስራሕ ኣሎ ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ ተስፉ (ሚምጣዕ)፡ ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ብርሃነ፡ ፈለማ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ክፍሊ መጓዓዝያ ተመዲቡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸመ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ኩባንያ ትራንስሆርን ተመዲቡ፡ ብልዑል ተወፋይነት ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ። ስዉእ ብርሃነ ኪዳነ፡ ኣቦ ሓደ ውላድ እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ፡ ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ። ኩባንያ ትራንስሆርን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ። ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ (ሚምጣዕ) ተሰዊኡ ገዲም ተጋዳላይ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም ግደ (ራሻይዳ)፡ ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ 1975 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም፡ ኣብ ሜካናይዝድ 74 ክሳብ ብደረጃ ኣዛዚ ብርጌድ ዝበጽሐን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ-ውግኣት ብጅግነንት ዝተዋግአን ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ ነይሩ። ስዉእ ኮሎኔል ብርሃነ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኮሎኔል ብርሃነ፡ ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል - ሜካናይዝድ 74፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ። ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም (ራሻይዳ) ተሰዊኡ ተወልደመድህን፡ እዚ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይሩ ዘሎ ሓድሽ ጽርግያ፡ 8.8 ኪሎ-ሜተር ንውሓትን 20 ሜተር ስፍሓትን ዘለዎን፡ ካብን ናብን ንዝግበር ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብሓፈሻ፡ ንዓበይቲ መካይን ድማ ብፍላይ ምቹእነት ዝፈጥርን ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ማይላፎ፡ ዓዲ ዓኼሎን ማይ-መጨቓትን ንተሳተፍቲ ስራሕ እንግዶት ከምዝገበሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ። ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ንዘሎ ዋሕዲ ኣብያተ-ትምህርቲ ንምቅላል ዝህነጻ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ - 80 ሚእታዊት ስራሓተን ከም እተዛዘመ፡ ሓላፊ ምክትታል ፕሮጀክትታት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ጣህር መሓመድ-ኢብራሂም ሓቢሩ። ኣብ ከተማ ናቕፋ ሓንቲ ናይ መባእታን ሓንቲ መዋእለ-ህጻናትን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሞዖ-ለዓልን ኣብ ኣግራዕ-ለዓልን ድማ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ይስራሓ ከምዘለዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተዛዘማ ድማ ንዝነበረ ሕጽረት ኣብያተ- ትምህርትን መምሃሪ ክፍልታትን ኣብ ምቅላል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብራ ኣቶ ጣህር ብተወሳኺ ገሊጹ። ነበርቲ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዘይተመልአ ህንጻታትን ጽበት ክፍልታትን፡ ተመሃሮን መማህራንን ንጥፈታቶም ብግቡእ ኣብ ምስልሳል ክጽገሙ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ካብ መዋእለ- ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 35 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ። ናቕፋ - ተወሰኽቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ይህነጻ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደሚቓ! ስ/

Upload: others

Post on 18-Nov-2020

17 views

Category:

Documents


0 download

TRANSCRIPT

Page 1: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

መበል 28 ዓመት ቁ.170 ሰንበት 17 መጋቢት 2019 ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 2“ጽቡቓት ይፍቀራ

ለባማት ይምርዓዋ” ገጽ 3ደም ብምልጋስ ሂወት 2.4 ሚልዮን ህጻናት

ዘድሓነ ኣውስትራሊያዊ

ገጽ 6ገንዘበይ ኣበይ እዩ

ዝኣቱ ዘሎ?

ገጽ 7ገጽ 4ዳግማይ ህይወት

ንጻዕዳ ሓርሽ

ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ፡ ብኩባያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጻት ሓድሽ ጽርግያ ይስራሕ ኣሎ።ነቲ ፕሮጀክት ዝከታተል ዘሎ ኣቶ

ዑቕባይ ገብረሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓድሽ ጽርግያ፡ ካብ ዓዲ-ዃላ ተበጊሱ፡ ብማይ-መጨቓትን እንዳ’ባሕሽን ኣቢሉ ናብ መወዳእታ ጥውይዋይ ጽርግያ ዓዲ-ኾተዮ ዝሕወስ ምዃኑን፡ መተካእታ ናይ’ቲ ንዓበይቲ መካይን ከጸግም ዝጸንሐ - ተሪር ዓቐብን ጥውይዋይን ዘለዎ መስመር ዓዲ-ኾተዮ ብምዃኑ ድማ፡ ዝሓጸረን ዝገፍሐን ኮይኑ ይህነጽ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ስራሕ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ

ንኽዛዘም ብርክት ዝበለ ዓቕሚ-ሰብን ማሽነሪታትን ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ዑቕባይ፡ ንዝያዳ ምቹእነትን ዝሓሸ ኣገልግሎትን፡ ካብ መሬት በሪኹ ብምሩጽ ሓመድ ይድግደግ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ኣብቲ ስራሕ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ

ሞያውያን - መሃንድስ ናጽነት

ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ይስራሕ ኣሎ

ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ ተስፉ (ሚምጣዕ)፡ ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት

ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ብርሃነ፡ ፈለማ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረት፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ክፍሊ መጓዓዝያ ተመዲቡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸመ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ኩባንያ ትራንስሆርን ተመዲቡ፡ ብልዑል ተወፋይነት ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።ስዉእ ብርሃነ ኪዳነ፡ ኣቦ ሓደ ውላድ እዩ።ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ፡ ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት ፍርቂ

መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።ኩባንያ ትራንስሆርን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ ዝተሰመዖ

መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

ተጋዳላይ ብርሃነ ኪዳነ (ሚምጣዕ) ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም ግደ (ራሻይዳ)፡ ብ15 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዕድሚኡ ብሕማም ተሰዊኡ።ኣብ 1975 ኣብ መሳርዕ

ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም፡ ኣብ ሜካናይዝድ 74 ክሳብ ብደረጃ ኣዛዚ ብርጌድ ዝበጽሐን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ-ውግኣት ብጅግነንት ዝተዋግአን ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ ነይሩ።ስዉእ ኮሎኔል ብርሃነ፡ በዓል

ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ደቂን እዩ።ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኮሎኔል ብርሃነ፡ ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት ሰዓት 4፡00

ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።ሚኒስትሪ ምክልኻል - ሜካናይዝድ 74፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ

ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

ኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም (ራሻይዳ) ተሰዊኡ

ተወልደመድህን፡ እዚ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይሩ ዘሎ ሓድሽ ጽርግያ፡ 8.8 ኪሎ-ሜተር ንውሓትን

20 ሜተር ስፍሓትን ዘለዎን፡ ካብን ናብን ንዝግበር ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ብሓፈሻ፡ ንዓበይቲ መካይን ድማ

ብፍላይ ምቹእነት ዝፈጥርን ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ተቐማጦ

ምምሕዳራት ከባቢ ማይላፎ፡ ዓዲ ዓኼሎን ማይ-መጨቓትን ንተሳተፍቲ ስራሕ እንግዶት ከምዝገበሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ንዘሎ ዋሕዲ ኣብያተ-ትምህርቲ ንምቅላል ዝህነጻ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ - 80 ሚእታዊት ስራሓተን ከም እተዛዘመ፡ ሓላፊ ምክትታል ፕሮጀክትታት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ጣህር መሓመድ-ኢብራሂም ሓቢሩ። ኣብ ከተማ ናቕፋ ሓንቲ ናይ መባእታን

ሓንቲ መዋእለ-ህጻናትን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሞዖ-ለዓልን ኣብ ኣግራዕ-ለዓልን ድማ ናይ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ይስራሓ ከምዘለዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተዛዘማ ድማ ንዝነበረ ሕጽረት ኣብያተ-ትምህርትን መምሃሪ ክፍልታትን ኣብ ምቅላል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብራ ኣቶ ጣህር ብተወሳኺ ገሊጹ።ነበርቲ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዘይተመልአ

ህንጻታትን ጽበት ክፍልታትን፡ ተመሃሮን መማህራንን ንጥፈታቶም ብግቡእ ኣብ ምስልሳል ክጽገሙ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ካብ መዋእለ-

ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 35 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

ናቕፋ - ተወሰኽቲ ኣብያተ-ትምህርቲ

ይህነጻ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደሚቓ!

ስ/

ኣማረ

ወልድኣብ

Page 2: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 2019 - ገጽ 2መበል 28 ዓመት ቁ.170 17 መጋቢት

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስሊድያ ስልጣን

ለይ-ኣውት

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266 / 201820(2220)

ቦርድ ምስንዳእ ብርሃነ ምሕረትኣብዮሴፍ ሃይለማርያም

ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤልኤርምያስ ገብረልዑል

ሺሃብ ኣርኣያቍ.ስ 201820 (2214)

ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ሰማያዊት ሓይለኣብቤተልሄም ታደሰ

ሳራ ኣለም

ሱራፌል ተስፋብሩኽ

ዳየሪዳየሪ 17

መጋቢት

ቀዳም ብምዃኑ ብዙሕ መርዓታት እዩ ዘሎ። ኣነ’ውን ናይ መሳርሕተይ ናይ ስእሊ መደብ ስለ ዝነበረኒ ኣራፊደ ናብ ሃዋኪል ገስጊሰ። ምስ መሳርሕተይ ኣብ ደገ ስለ ዝተቛጸርና ኵላትና ተኣኻኺብና ኣተና። ሃዋኪል ከም ጽሕዲ ልደት ብእተፈላለየ ክዳወንቲ ማዕሪጎም ዘጌጹ ወቂባ ጸኒሓትና። ብዝሒ መርዓውቲ ምስ ረኣና ድማ ኵሉ ሰብ ዝምርዖ ዘሎ ኰይኑ ተሰምዓና።

ጐራዙ ኣስመራ ኣብ ርእሲ’ቲ ጽቡቓት ምዃነን፡ ንጽባቐአን ውቁብ ክዳወንትን መመላኽዕን ወሲኸናሉ ከም ኮኾብ ወጋሕታ ደሚቐን ተውዛሕዛሕ ይብላ ኣለዋ። ንሃዋኪል’ውን ንሳተን’የን ዝያዳ ግርማ ሂበንኦ። ጽብቕ ዝበለ ቦታታት እናመረጻ ምስኣል ተተሓሒዝንኦ ኣለዋ። ሓንሳብ ናይ ፈይስቡክ ሓንሳብ ንወልፔፐር እናበላ ሞባይለን ክሳብ ቦታ መሊአ እትብለን፡ ማዕረ እቶም ሰብ ሞያ ካሜራ ብዝሒ ዝስእሉዎ ይሰኣላ። ከምዚ ሓደ ዓርከይ ኣብ ቤት መግቢ ብርክት ዝበላ ኣዋልድ ክልተ ፒሳ ኣዚዘን ዓሰርተ ሻዕ ክሰኣላ ምስ ረኣየን፡ “ሞባይል ክገዝኣ እንከለዋ መታን ክሰኣላላ ቀንዲ ዘገድሰን ዕብየት ሜሞሪ እዩ፡” ዝበሎ ዘኪረ።

ዳየሪ

ንሕና’ውን ከም ሰብና ሪጋና ሓሊና ብኽልተ ሸነኽ መርዓውቲ ብምዃን ናይ ደቂ ስራሕ ብሓባር ተሳኢልና፡ ንመርዓውቲ ርሑስ ጋማ ብምባል ንኻልኦት ቦታ ሓዲግናሎም ኣብ ጽላል ደው በልና። ካብ ምሒር ጠጠው ምባል ዕላልና ናብቲ ኣብ ሃዋኪል ዝነበረ ተውዛሕዛሕ ተቐዪሩ። ገለ መርዓውቲ እቶም ኣወዳት ዓበይቲ ወዮ መርዓት ክንዲ ቦዅሪ ጓሎም ትኸውን፡ ገለ ድማ ክልተኦም ኣመና ንኣሽቱ ገና ንዕስራ ኣሃዱ ዝብሉዋ ዘለዉ። ኮታስ ከምቲ መልክዕና ድሌታትና እውን ስለ ዝፈላለ፡ በበይኖም ዓይነት መጻምድቲ ኢና እንርኢ። ብዘይ ጸቕጢ ብናይ ክልተኦም ድልየት እንተ ዀይኑ’ኳ ሰናይ ነገር እዩ። ብጸቕጢ ስድራ ኰነ፡ ንገንዘብ ኢልካ እትኣትዎ መርዓ እንተ ዀይኑ ግን እቲ ዝኸፍአ እዩ። ምስ ግዜ ድማ ውጽኢት ጌጋ ውሳነ እትዕዘበሉ ይኸውን።

ኣብ መንጎ ዕላልና ሓደ ካብ መሳርሕትና “ርኣዩወን እሞ ካብተን መርዑት ንላዕሊ እተን መሓዙት ዘለዋ ወይ ድማ እተን ከሰንያ ዝመጽኣ ይጽብቓ፡” በለና። ኵላትና ድማ ኣድህቦና ናብኣተን ብምዝምባል ከነስተብህለለን ጀሚርና። ዳርጋ ዝበዝሕ

ሚእታዊት ድማ ከምቲ ዝበሎ ዝያዳተን መርዑት ዝጽብቓ ሄዋናት በዝሓ።

ዝበዝሓ ብመልክዐን ዝንየታ ደቂኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂተባዕትዮ ልዕልና ከርእያ ይፍትና እየን። ነብሰን ኣብ ላዕሊ ስለ ዝሰቕልኣ ‘ምሳይ ዝመጣጠን ወዲ የለን’ ወይ ድማ ‘ኣይረከብኩን’ እናበላ ንዘዝሓተቱወን ደቂተባዕትዮ ናይ ፍቕሪ ሕቶኦም ኣሉታ መልሲ ይህባ። ወይ ድማ ንግዝያዊ እናበላ ኣብ ልበን ቅንጣብ ፍቕሪ ዘይብለን ክነሰን ንስለ ግዜ ምሕላፍ ምስኦም ይቕጽላ። ግዜኦም ግን ክሳብ ካብኦም ዝበልጽ ዝመጽእ እዩ። ነቲ ብዓል መዓልቲ ዝበልጽ እንተ ተረኺቡ’ውን ከምኡ። ምኽንያቱ ምሳይ ዝመጣጠን የለን ስለ ዝብላ። ከምኡ እናበላ ድማ ክምርዓዋሉ ዝግብአን ግዜ ከምዛ ዋዛ ዋዛ ይብቈጽ። ደለይቲ’ውን ብእኡ መጠን እናወሓዱ ይመጽኡ።

እተን ንነብሰን ከየተዓባበያ ከም ሰበን ቈጺረን ፍቕሪ ሂበን ፍቕሪ ዝቕበላ፡ ግዳማዊ ጽባቐ ዘይኰነስ ውሽጢኣዊ ጽባቐ ዘቐድማ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣሚነን ንፍቕሪ ዝነብራ ዝያዳአን ንቑምነገር ይምረጻ። እቲ ምንታይ ኣብ ጕዕዞ ህይወት ብዙሕ መሰናኽላት ከም ዘሎ መጠን፡ እታ ንዘልኣለም መጻምድቲኻ፡ ክትከውን እትመርጻ ካልኣይቲኻ ብልቦናኣን ኣተሓሳስባኣን፡ ነቲ መሰናኽል ህይወት ተደጋጊፋ ተሳግረካ ክትከውን ኢኻ እትመርጽ። ኣብ ሳዋ እንከለና ደስ እትብለኒ ዝነበረት ሓንቲ ጥቕሲ ነይራ፣ “ንቕኑዓት እምበር ንምልኩዓት ኢላ እተፈጥረት ገነት የላን፡” ትበል። ስለዚስ ዓለም ብጽባቐ ጥራይ ኣይትስገርን እያ።

ዝኾነ ወዲ ጽብቕቲ ጓል ኣብ ጐድኑ ገይሩ ንጐደናታት ኣስመራ ክዘሮ ደስ ይብሎ ይኸውን። ኣብ ጕዳይ መርዓ ክለዓል እንከሎ ግን ነታ ጽባቐ ጥራይ ዘሎዋ ዘይኰነስ ነታ ለባም’ዩ ዝመርጽ። ስለዚ ድማ እየን ጽቡቓት ዝፍቀራ፡ ለባማት ድማ ዝምርዓዋ።

NA2 ወዲ ትኩእ ሳን 78

“ጽቡቓት ይፍቀራ ለባማት ይምርዓዋ”//12፡30 ድ.ቐ./ ሰታንታኦቶ//16 የካቲት 2019

ኣብቲ ኣሻዅ ምድሪ ቤት ተዀርምየ ንብዓት ክሕለብ፡ ባዕለይ’የ ንነብሰይ ፈሪደያ። ኣብቲ ምቹእ ኮፍ መበሊ ኰነ መደቀሲ ዘይብሉ ስፍራ ከይደ ነብሰይ ክቐጽዕ ሓድሽ ውጥን ውሽጠይ’ዩ ነይሩ። ሓቂ ይሓይሽ ብምቾት ዝዓበየ ሰብነተይ ነቲ ሕሰም ክጸሮ ኣይከኣለን። እቲ ዝገርም ናይቲ ኵነታት ኣየር እዩ። ርፍድ ምስ በለ ከም መጋርያ ተንድድ ጸሓይ ትልብልበካ። ኣጋ ምሸት ዘሎ ህቦብላ ንፋስ ነዛ ምፍጣርካ ዘጽልእ እዩ። እቲ ዝብኣሰ ምሸት ዝውርድ ዛሕሊ እዩ፣ በቃ ዝደረብካ ደሪብካ ዝተከደንካ ተኸዲንካ ዘይስንብድ ቍሪ። እቲ ተፈጥሮ’ውን

ንባዕሉ ዝጨከነለይ ክመስል ከም ሕሱም’ዩ ተሳሂሉኒ። ብጥፍኣት ነብሰይ ዝኸሶ ሰብ ክህሉ ባህገይ ኣይኰነን። ብነብሰይ’ውን ንሰብ ብዝበደለኒ ምውንጃል ኣይፈቱን እየ። ምኽንያቱ እቲ በደል ዝብሃል ኣብ ዕምረይ ገለ ትርጉም ክህሉዎ ስለ ዝኽእል። ስለዝዀነ ድማ’የ ንነብሰይ’ምበር ንማንም ዘይውንጅል። ንነብሰይ ግን ዳራ የርእያ።

ናብቲ ምድሪ ቤት ክምለስ፣ ዋኒን ናይቲ ዓዲ ብኽቦ እናተሓገዝካ ዝእጐዱ እሳት የዒንቲ ፍጡር ክጻባእ እተፈጥረ’ዩ ዝመስል። ደሮን ኢሉ ወጅሂኻ ዘጥፍእ ርስሓቱ ኣይከምቲ ዝዓበኹሉን። ክፉእ ኣብ ርእሲ ክፉእ ተደራሪቡ ጽባቐ ናይቲ ዑና ገዛ የህሲሱዎ እዩ። ድኻምካ ዝዝርዝር ሻሂ ወይ ቡን ፍጹም ኣየብህገካን። ዋላ እቲ ብጥምየት ፋጻ ዘምስል ኣጸዋውዓ ዝጥቀም ከርሲ’ውን በቲ ዝርእዮን ዝዕዘቦን ሸውሃት ርግጥ ኢሉዎ። ዝብህጎ ድርዒ ከብዲ ኣይነበሮን። ነብሰይ ክቐጽዕ

ሞራለይ ቀጺዐ። በቃ ውሽጠይ ጥርሑ ኰይኑ፡ ብቕድመይ ዝርኣየኒ ብርሃን ፍጹም ዘየለ። ሓደ ነገር ሓሲበ፡ ብሕሰም ዝመጽእ ፍታሕ ስለ ዘየለ ነብሰይ ከውጽእ፡ ንውሽጠይ ከጸብቕ ብጽቡቕ እምበር ብህልኽ ዝመጽእ ከም ዘየለ በሪሁለይ። በቃ ካብቲ ዘለኹዎ ዘሰክሕ ክርሕቕ ሓንጐለይ ናብ ካልእ ክብሕቶ ሓሲበ። እዚ ግን እቲ ክፉእ ንኽሓስቦ ጥዑም ስለ ዝጥዓመኒ።

ክሳብ ሳሮን! ሳሮን! ኣቲ ሳሮን! ዝብል እተደጋገመ ጻውዒት ወላዲተይ ዝሰምዕ ገና ካብ ባሕሪ ሓሳባት ኣይወጻእኩን ነይረ። ንነብሰይ ብሓሳበይ ክቐጽዓ ሃቂነ። ፋይዳኡ ግን ዝነበረካ ጽቡቕ ምጥፋእ እዩ። ኣብ ዝመጽእ፡ ንነብሰይ ክላዘባ ክብል ከለኹ፡ ሓሳበይ ኣብ ልሙዕ ሸኻ ኣብ ምቹእ ቦታ ክመርሓ ወሲነ።

ሳሮን ነማርያም

ነብሰይ ክቐጽዕ

27/2/2019

ተመሃራይ ምዃን29 ሰነ 2014

ብዝከኣለኒ፡ ብምሉእ ዓቕመይን ውነይን ሰሪሐ ካብ ዘይምስገነይ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ኣስራሒትና ኣባይ ዝነበራ እምነት ሎሚ ምስኣ ዘሎ ኣይመስለኒን። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ጠባያ እናተቐየረኒ እመጽእ ኣሎ። ኣነ ከኣ መዛረቢ ከይትረክብ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ስርሐይ ብጥንቃቐን ቅልጣፈን ክሰርሖ እፍትን። እቲ ትህበኒ ስራሕ ኣብ ደደቂቕ እናመጽአት ክትከታተሎ ጀሚራ ኣላ። ከምኡ ኣይነበረትን። ግዜ ትፈልየለይ ነይራ እያ። ክሳዕ ወዲአ “እንሀ” ዝብላ ብዛዕባኡ ኣይትዛረበኒን። ድሕሪ ስራሕ “ከምዚ ኣሎ ዝጐደለ፡” ትብለኒ ነይራ። ሎሚ ግን “ንምታይ ተጕድሊ፡” ኢላ ክትቋዮቝ ጀሚራ። እንታይ ከም ዝገብራ እጨንቀኒ ኣሎ ዳየረይ ወለላ።

እዚ ንእሽተይ ምዃን፡ እዚ ተማሃራይ ምዃን ክንደይ ክጥዕም’ዩ ጓለይ። ብልበይ’ኳ’የ!! እዞም ገሊኦም ናይ ዶክትረይት ማዕርግ ረኺቦም ክነሶም ገና ክምሃሩ ዝጽዕሩ ሰብ፡ በቲ ሓደ ወገን ሓቆም እዮም። ትምህርቲ ካብ ከምዚ ናተይ ጭንቂ እንተ ወሓደ ዑቕባ ይዀነካ እዩ። ሓቀየ በሊ! እንታይ ደኣ’ሞ ክብል እየ። ካብኡን ናብኡን ተማሃሪት እንከለኹ እሓይሽ ነይረ። እምበር ሽዑ’ውን ወርጸጽ ክብል ዘይሓላፍነተይ እስከም ነይረ’የ። ኣብ ግዜ ንእስነትካ ናይ ንእስነትካ ሓላፍነት ጥራይ ክትዓምም’ዩ ጽቡቕ። ዘይዕድመኻ ሓላፍነት ክትስከም እንከለኻ፡ ነቲ ካልእ ጸጋ ንእስነት ትስውኦ ምህላውካ ኣይትፈልጥን ኢኻ።

ስራሕ ዓለም ካብታ ጽፍፍቲ፡ ገርሂን ምቅርቲን፡ ናብታ ገስረጥ ዓለም ዘሰጋግረካ እዩ። ሓቆም’ዮም ዕድመ ንእስነቶም ክናፍቑ!! ኣቲ ነዛ ንእስነት ስግር ባሕሪ ኰይነ ዘማዕደኹዋ’ዶ መሲለ? ካብ እዝጊስ ካብቲ ዕድመ መንእሰይ ቍሩብ’የ በሊዐ ዘለኹ። ሕማቕ ከኣ ለሚደ’የ። ካብታ ቀዳማይ ክፍሊ ዝጀመርኩላ ኣትሒዘ ሓንቲ ጐዶሎ ከይትርከበኒ እናጸዓርኩ’የ ዓብየ። ማማ ኵሉ ትገብሮ ዘበለ ስሩዕ እዩ። ዳርጋ ወተሃደር እያ። ምዃሲ ዘይወትሃደር እያ ነይራ። ጫማይ፡ ክዳነይ፡ ጸጕረይ፡ ኣመጋግባይ፡ ግዜይ፡ ድቃሰይ፡ ዕረፍተይ… ኵሉ ስርዓቱ ዝሓለወ እዩ። ኣብ ገዛና እናዳ መርፍእን ሞልጎም ከይተረፈ ፍሉጥ መቐመጢ ኣለዎ። እዚ ስሩዕ ኣካይዳ ማማ’ዩ ኣዕቢዩኒ። ኣብ ትምህርተይ ምስ ንፉዓት’የ ነይረ። ብመምህራነይ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ሕማቕ ገምጋም መጺኡኒ ኣይፈልጥን’ዩ።

ኣብዚ ስራሕ ምስ ኣተኹ ንኣስራሒትና

ቀልጢፈ’የ መሲጠያ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሰዓተይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካብ ሰዓተይ 10 ደቒቕ ዶንጕየ ኣይፈልጥን’የ። ስርሐይ’ውን ቀልጢፈ ተላሚደዮ፡ በዚ’ውን ተመሲጣ። ሓንቲ እምንቲ፡ ጻዕራም፡ “ኣምቢሽዮስ”፡ ሰራሕተኛኣ ምዃነይ ክትነገረኒ ክኢላ’ያ። ሕጂ ግን ዘይፈልጦ ገጽ ህይወት ከተርእየኒ ጀሚራ። እንታይ ኰይና’ያ ከምኡ ትኸውን ኢለ ክሓስብ ድቃስ ስኢነ። ብገለ በዲለያ ከይከውን ኢለ’ውን ሓሲበ። ግን ሓንቲ’ኳ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝራኽብ ጕዳይ የብልናን። ከምዚ ዝብለኪ መሓዙተይ’ውን ኣብቲ ስሩዕ ህይወተይ ዝኣተዋ እየን። ዓምና ክንዲዚ ገንጨርጨር ምባላ ካልእ ጽቡቕ ገጽ ይህሉዎ’ዶ ይኸውን ዳየረይ ወለላ!?

ምናልባት እዚ ሰጥ ዝበል ጕዕዞ ህይወተይ ክንዲ ምንታይ ኣሰልካዪ ምዃኑ ክግንዘበሉ ዘለኒ ግዜ’ዶ ይኸውን’ሞ? ከመይ ሰልኪዪኒ ኣሎ ማለት’ዩ። ንመጀመርታ ግዜ ዝፍትነኒ ዓቐብ ረኺበ ኣለኹ ማለት’ዩ። ዳንጋይ ኣትሪረ ከመይ ኢለ ክወጽኦ’የ ክሓስብ እምበኣር ኣለኒ። መንእሰይ ምዃን የገድሰኒ ኣሎ ብሓቂ። መንእሰይ ደርዒማ እንዲዩ። ልክዕ ከም ሓይሊ ማይ። “ሓደ ነገር ብዙይ ትርጕም ኣይመጽእን እዩ፡” ክብሉ ሓቆም ክዀኑ ኣለዎም። Oh…! ዳየረይ ወለላ ምስጋና ንዓኺ! ሓደ ዝጽልመተ ክፋለይ ሎሚ ኣብሪህክለይ ኣለኺ። ጽባሕ ኣብ ስራሕ ተሓጒሰ’የ ክኸይድ። እትው ክብልን ኦፊሰይ ብፍሽኽታይ ክትበርህን ሓደ ክገብሮ እየ። ኣስራሒተይ’ውን ብሓጐሰይ ከም ትቐንእን ከም ትርዕድን ክገብራ እየ። መን ይፈልጥ! ቅሉውላው ናብራኣ ኣባና ተራግፎ ትህሉ!? ንሳ ዝገበረት ትግበር፡ ዝሓሰበት ትሕሰብ፡ ጽቡቕ መንፈሰይ ኣይክጽይቖን እየ። ልዋም ለይቲ ወለላይ!!

ፍሽኽታ ድራራ

8፡30 ድ.ቐ.

Page 3: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 2019 - ገጽ 3መበል 28 ዓመት ቁ.170 17 መጋቢት

ብዝን ብትንካ

ዝበዝሑ ለገስቲ ደም ኣብ መንጎ ንገለ እዋን እናዕረፉ’ዮም ነቲ ግብረ ሰናይ ዝፍጽሙዎ። ጀምስ ሃሪሰን ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ግን ን60 ዓመት ብዘይምቁራጽ ደም ብምልጋስ ሂወት 2.4 ሚልዮን ህጻናት ከምዘድሓነ ሲ.ኤን.ኤን ሓቢሩ። ወዲ 81 ዓመት ጀምስ ሄሪሰን ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰሙን ደም ስለዝልግስ ድማ’ዩ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ።ጀምስ ሃሪሰን ኣብዚ እዋን’ዚ ብምኽንያት ዕብየት ወይ ሽምግልና፡ ደም

ምሃብ ኣቋሪጹ’ዩ ዘሎ። ኮሚሽን ቀይሕ መስቀል ኣውስትራሊያ ድማ፡ ንዝሃቦ ኣገልግሎት ምስጋናኡ ብኽብሪ ኣቕሪቡሉ ኣሎ። ጀምስ፡ ኣብ ደሙ ጸረ ዲ (Anti-D) ዝተባህለ ክታበት ንምምዕባል ዝሕግዝ ባእታ ከምዘለዎ ሰብ ሞያ ጥዕና’ታ ሃገር ይሕብሩ። እቲ ካብኡ ዝምዕብል ክታበት ድማ ንህጻናት ካብ ዝቐትል ካልእ ሕማም ይከላኸል። ከምዝፍለጥ ነፍሰ ጾር ኣደ ኣር.ኤች.ዲ ኣሉታ (RhD -ve) ዝዓይነቱ ደም

እንተደኣ ሃሊዩዋ፡ ኣብ ማህጸና ዘሎ ዕሸል ድማ ዓይነት ደሙ ኣር.ኤች.ዲ እወታ (RhD +ve) ምስ ዝኸዉን፡ እቲ ህጻን ንሓደጋ’ዩ ዝቃላዕ። ዓይነት ደም ጀምስ እምበኣር ነዚ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዘገልግል ክታበት ንምምዕባል’ዩ ዝሕግዝ። ኣብ መላእ ሃገረ ኣውስትራሊያ ከም ናይ ጀምስ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት 50 ምዃኖም ጸብጻብ’ታ ሃገር ይሕብሩ።

ደም ብምልጋስ ሂወት 2.4 ሚልዮን ህጻናት ዘድሓነ

ኣውስትራሊያዊ

ስራጅ መሓመድ

ኣብ ፈረንሳ ብርክት ዝበሉ ደራሁ ኣብ ሰፈሮም ብምእታው ከጥቅዖም ንዝፈተነ ወኻርያ ብሓባር ብምግጣም ከምዝቐተሉዎ ዘ-ጋርዲያን ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢሩ። እቲ ወኻርያ መሬት ምስ መሰየ’ዩ ናብቲ እንዳ ደራሁ ኣትዩ። ንገለ ካብቶም ደራሁ ከጥቅዕ ምስ ፈተነ ድማ ወዮም ደራሁ ኣብ ክንዲ ምህዳም ኣይሓመቑን ብሓባር’ዮም ገጢሞሞ።እቲ ሰፈር ደራሁ መሬት ምስ መሰየ ብኣውቶማቲክ መሳርሒ ባዕሉ ስለዝዕጾ፡ ወዮ

ወኻርያ ክሃድም ኣይከኣለን። መሬት ምስ ወግሐ ድማ በተን ደራሁ ተተዂቡ ኣብኡ ሞይቱ ጸኒሑ። ከም ደርሁ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘቤት ንኸም ወኻርያ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘገዳም ክቐትሉ ልሙድ ብዘይምዃኑ፡ እቲ ፍጻመ ንብዙሓት ኣገሪሙ’ሎ።

ኣንጻር ወኻርያ ዝገጠሙ ደራሁ!

ኣብ ስሎቬንያ ሓንቲ መንእሰይ 400 ሽሕ ዩሮ ናይ መድሕን ገንዘብ (ኢንሹራንስ) ንምርካብ ንኢዳ ብመጋዝ ባዕላ ቆሪጻቶ። እታ ጓል 21 ዓመት መንእሰይ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ነብሳ ዝፈጸመቶ ንሸሞንተ ዓመት ክትእሰር ተኽእሎ’ኳ እንተሃለወ፡ ንሳ ግን ገረብ ክትቆርጽ ከላ ሓደጋ ከምዘጋጠማ’ያ ትገልጽ።እንተኾነ ንሳ፡ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ

ስድራኣ ነታ ዝተቖርጸት ኢዳ ናብ ሆስፒታል ምስኣ ሒዞማ ዘይምኻዶም

ናይ መድሕን ገንዘብ ንምርካብ ኢዳ ዝቖረጸት ስሎቬንያዊት

ንብዙሓት’ዩ ኣገሪሙ። እቲ ሓደጋ፡ ስድራ ቤት እታ መንእሰይ ምስ ኩባንያታት መድሕን ድሕሪ ዝገበሩዎ ስምምዕ ብምግጣሙ ድማ፡ እቲ ፍጻመ ደይ መደይ ኢልካ ዝተገብረ ክኸውን ከምዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት ኣሎ።እዚ ንብዙሓት ሰባት ኣስደሚሙ

ዘሎ ፍጻመ፡ ምስቲ፡ ‘ስስዐ ነቲ ዘለካን ነቲ ብድሕሪ ሕጂ ዝህልወካን’ዩ ዘጥፍኣልካ፡ ዕጋበት ግና፡ ዘይውዳእ ሃብቲ ወዲ-ሰብ’ዩ” ዝብል ምስላታት ዓረብ ዝውክል’ዩ።

ኣብ ኣመሪካ “ቦይድ” ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንበይና ጥራይ እትነብረላ ዓዲ ከምዘላ ተፈሊጡ። እታ ካብ 1902 ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ኣመሪካ ትመሓደር ዘላ ዓዲ፡ መስመር መንገዲ ባቡር ናብቲ ከባቢ ክዝርጋሕ ምስ ጀመረ እያ ተመስሪታ። እታ ፈለማ ኣገልግሎት ፖስታ ዝረኸበት ዓዲ ብዝሒ ተቐማጦኣ ክሳብ 150 በጺሑ

ምንባሩ ይንገር። እንተኾነ ዝበዝሑ ገዲፎማ ብምኻዶም ኣብ 2000 ብዝሒ ተቐማጦኣ ናብ ክልተ ሰብ ወሪዱ። እቶም ሮዲን ኤልሲ ኢለርን ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓንሳብ ክነብሩ ድሕሪ

ምጽናሕ ሮዲ ኣብ 2004 ዓሪፉ። ብድሕሪኡ ድማ ሰበይቱ ንበይና ኣብታ ዓዲ ክትነብር ጀሚራ። እቲ ዘገርም ከኣ ኤልሲ ናይታ በይና እትነብረላ ዓዲ ከንቲባ ብምዃን ንነብሳ ፍቓድ ንግዲ ምዕዳላ እዩ። ንሳ ብተወሳኺ፡ ግብሪ ንነብሳ ትኸፍል። ኣብታ ዓዲ ኣርባዕተ ጎደናታት መብራህቲ ንምእታው ውጥን ኣውጺኣ ኣላ። ብቤት ንባብ ሮዲ ዝጽዋዕ ሓሙሽተ ሽሕ መጻሕፍቲ ኣብታ ዓዲ ከምዘሎ ሲ.ኤን.ኤን ይጠቅስ።

ናይ ገዛእ ርእሳ ከንቲባ ብምዃን በይና እትነብር ሰበይቲ

ትፈልጡዶ?

•ገመል ንዝበደሎ ፈጺሙ ከምዘይርስዕ•ንዝበደሎ ወይ ብሕማቝ

ንዝሕዞ ብዝኸፍአ ከምዝቐትል•ዘራፍ ኣብ መዓልቲ ኣብ ሰለስተ

እብረ ንትሽዓተ ደቓይቕ ጥራይ ከምእትድቅስ

•ሓርማዝ ክሓዝን ከሎ ከምዝነብዕ•ፈረስ ጭራኡ እንድሕር

ተቖሪጹ ከምዝመውት•ሓርገጽ ክሕጐስ ከሎ

ከምዝነብዕ •ኣንበሳ ካብ ድምጺ

ተባዕታይ ደርሆ ከምዝፈርሕ

. ምንጪ ናይቲ ዝርብሸካ ድምጺ ካብ ውሽጥኻ እንተደኣ ኮይኑ፡ ፈጺምካ ህድኣት ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ።. ትብዓት ዘይምፍራህ ዘይኮነ፡ ንፍርሂ

ገጢምካ ክትቆጻጸሮ ምኽኣል’ዩ።. ሎሚ ዘሐጕሰካ እንድሕር ረኺብካ፡

ትማሊ ንዝተገደሰልካ ኣይትረስዕ።. ፍቕሪ ከም ቡን’ዩ፡ እንተደኣ

ኣብዚሕካዮ ድቃስ’ዩ ዝኸልእ።. ብሓደ ነገር ካባኻ ዝበልጽ ሰብ

እንተደኣ ርኢኻ፡ ንስኻ ዘይትገብሮ ነገር ከም ዝገብር ፍለጥ።. ንልብኻ ሰዓቦ፡ ኣእምሮኻ ግን

ምሳኻ ውሰዶ።. ዝኸፍአ ዓይነት ተነጽሎ፡ ብጻይ

ነብስኻ ክትከዉን ዘይምኽኣል’ዩ

ካብ ኣበሃህላታት ማርክ ትወይን

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ “ካብዝን ካብትን” ሰዓታት ስራሕ ንዘይምኽባር ዝምልከት ጽሑፍ ወጺኡ ነይሩ። ኣብቲ ጽሑፍ ከም እተገልጸ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ግዜ ዘሎ ኣረዳድኣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር’ዩ ዝፈላለ። ኣብ ገለ ሃገራት ሓንቲ ካልኢት’ውን እንተኾነት ብዘይ ቁም ነገር ዘይትሓልፍ ክትከውን ከላ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ መዓልታት’ውን እንተኾነ ምንም ትርጕም የብሉን።ንምዃኑ ዕዉት ኣጠቓቕማ ግዜ እንብሎ ከመይ’ዩ? ብምንታይከ

ይልካዕ? ምሕደራ ግዜ ዝበሃል ሓደ ስራሕ ንምስራሕ ክንደይ ግዜ ከምዘድሊ ንምፍላጥ ዝግበር መስርሕ ምውጣንን ምቍጽጻርን እዩ። ጽቡቕ ምሕድራ ግዜ ሰባት ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ነገር ንኽዓሙ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ጸቕጢ ብምውሓድ ናይ ስራሕ ዓወት የምጽእ።ብቑዕ ኣጠቓቕማ ግዜ ንኽህሉ ካብ ዝሕግዙ ሜላታት ንምጥቃስ፡-•ምምቕራሕ ወይ ምክፍፋል ስራሕ (Delegation)•ቀዳምነታት ምስራዕ (Prioritization)•ናይ ስራሕ ናጽነት ምሃብ•ምትብባዕን ካልእን የጠቓልልገለ ካብ ምልክታት ድኹም ምሕድራ ግዜ ድማ፡-•ዝተዋህበካ ስራሕ ኣብ እዋኑ ዘይምዝዛም•መረረ ዓማዊል•ምህዋኽ ወይ ተብተብ ምባል•ተጻዋርነት ምጕዳል ወይ ምንጽርጻር•ዕላማኻ ወይ እንታይ ክትገብር ከንዘለካ ብንጹር ዘይምፍላጥን•ድኹም ውጽኢት ስራሕ ምብርካትን’ዮም።ስለዚ ከም ኣስራሕቲ ንኹን ከም ሰራሕተኛታት ነዞም ምልክታት

እንድሕር ተዓዚብና ተቐላጢፍና ነብስና ክንፍትሽ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ከምቲ ኣብ ዓረብ “ግዜ ሴፍ’ዩ፡ እንተዘይቆሪጽካዮ ይቖርጸካ” ዝበሃል እዋኑ ምስሓለፈ ምጥዓስ ትርጕም የብሉን።

ምሕደራ ግዜ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጽአ ዓለማዊ መልክዒ፡ ኣብ ዓለም ብሉጽ ጥዕና ናይ ዘለዎም ኣህዛብ ዝርዝር ኣቕሪቡ። ብመሰረት’ቲ ብመንገዲ ትካል “ብሉምበርግ” ተዳልዩ “ላንሰት” ኣብ ዝተባህለ መጽሄት ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ስጳኛውያን ኣብ ዓለም እቶም ዝበለጸ ጥዕና ዘለዎም ህዝቢ ተባሂሎም ብቐዳምነት ተሰሪዖም ኣለዉ።ብድሕሪኦም ኢጣልያውያን ኣብ ካልኣይ

ደረጃ ክስርዑ ከለዉ፡ ህንዳውያን ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም ይርከቡ። እቲ መጽናዕቲ ከም ዕድመ፡ ምኽሳዕ፡ ምትካኽ ሽጋራ፡ ኩነታት ኣከባብን ጽሩይ ኣገልግሎት ማይን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ብምጥቃም ኣብ መንጎ 169 ሃገራት ብምውድዳር’ዩ ነቲ ዝርዝር ኣውጺኡዎ። እታ ብምዕባለኣ እትልለ ኣመሪካ ድማ ኣብ መበል 35 ተርታ ብምስራዓ ንብዙሓት ኣገሪሙ’ሎ።ብዘይካ’ዚ ባሕሬን ኣብ መበል 36 ተርታ

ብምስራዕ ንሃገራት ዓረብ ክትመርሕ ከላ፡ እታ ዜጋታታ ንነዊሕ ዓመት ወይ ዕምሪ ብምጽናሕ ዝልለዩላ ጃፓን ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት፡

ማእከላይ ስርዓተ ኣመጋግባ ሓደ ካብ ቀንዲ ረቛሒታት ጥዕና ወዲ ሰብ ምዃኑ ይሕብሩ። ማእከላይ ስርዓተ ኣመጋግባ ዝበሃል ድማ ፍሩታታት፡ ኣሕምልትን ዘይቲ ዘይቱንን ዝኣመሰሉ ዓይነት መግቢ ኣዘውቲርካ ምብላዕ’ዩ። ይኹን እምበር ኣብ ስጵኛ ብናጻ ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ነታ ሃገር ብ1ይ ደረጃ ክትስራዕ ካብ ዝገበሩዋ ተወሳኺ ረቛሒታት ሓደ እዩ።

ብሉጽ ጥዕና ዘለዎም

ህዝብታት ዓለም

ኣብ ጽቡቕ ጽርግያ መኪና ክትመርሕ ከለኻ ኩሉ ከማኻ ይመስለካ ይኸውን። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ግን ሂወት ብዙሓት መራሕቲ መኪና ተጐዓዝትን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ጽርግያታት ኣለዉ። ገለ ካብዞም ጽርግያታት ኣብ ኣጻድፍ ዝተሰርሑ ክኾኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ልዕሊ ወይ ገማምግም ባሕሪ ዝተሰርሑ እዮም።ብመሰረት ሓበሬታ “ቢዝነስ ኢንሳይደርስ”

እቲ ንፓኪስታንን ቻይናን ዘራኽብ 1200 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ፡ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ሓደገኛ ተባሂሉ ብቐዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ነቲ ጽርግያ ሓደገኛ ካብ ዝገብሩዎ ምኽንያታት ድማ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዝረአ ምህማም መሬት፡ ውሕጅን ምሽፋን በረድን እዩ። ብሰንኩ ዛጊት ልዕሊ ሽሕ ዝኸውን ሂወት ሰባት ጠፊኡ’ሎ። ነዚ ብደረጃ ዓለም ከም 8ይ ኣገረምቲ ነገራት ዓለም ዝጥቀስ ጽርግያ ንምዕዛብ ከኣ ብዙሓት በጻሕቲ (ቱሪስት) ናብቲ ከባቢ ክውሕዙ ይረኣዩ።ብዘይካ’ዚ ኣብ ኖርወይ፡ ኣላስካ፡ ቻይናን

ኣፍጋኒስታንን ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ጽርግያታት ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ከም ጽርግያ ዓርበ-ረቡዕን ሸግርንን፡ ጽርግያ መንጕዳን ካልኦትንከ ኣበየናይ ደረጃ ኮን ይስርዑ ይኾኑ?

ብደረጃ ዓለም ካብ ዝፍለጡ ሓደገኛ

ጽርግያታት

ባህልን ልምድን ኣመጋግባ ኣህዛብ ካብ ሃገር ናብ ሃገር’ዩ ዝፈላለ። ብኡ ምኽንያት ነፍስ ወከፍ ሃገር ብእተፍሪዮ ፍሉይ ዓይነት መግቢ ትልለ። እዚ ቅቡል ኮይኑ፡ እቲ ዘገርም ግን ኣብዘን ሃገራት ዝተወሰኑ ዓይነት መግቢ ምብላዕ ከም ገበን ዝቑጸር ምዃኑ እዩ። ነዞም ዝተኸልከሉ ዓይነት መግቢ ዝበልዕ ሰብ ድማ ብማእሰርቲ ይቕጻዕ። ንኣብነት ኮንግረስ ኣመሪካ ሻርክ ዝዓይነቱ ዓሳ ምብላዕ ዝኽልክል ሕጊ

ኣለዎ። እቲ ምኽንያት ድማ እዞም ዓይነት ዓሳ ንኸይጸንቱ ንምክልኻል ምዃኑ ይንገር። ብተመሳሳሊ ኣብ ኣመሪካ ፉጆ ዝተባህለ ሓደገኛ ዓይነት ዓሳ ምምጋብ ፍቑድ ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ኣከባቢ ካብ ብከላ ንምክልኻል ብዝብል ምኽንያት ሳልሙን ዝተባህለ ዓይነት ዓሳ ምምጋብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ክልኩል እዩ። ኣብ ፈረንሳ ድማ ካች ኣፕ ብዘይካ ምስ ዝተቐልወ ድንሽ (ቺፕስ) ንበይኑ ምብላዕ ፈጺሙ ዝተኸልከለ እዩ።

ዝተወሰኑ ዓይነት መግቢ ምብላዕ ገበን ዝኾነለን

ሃገራት!

Page 4: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 2019 - ገጽ 4መበል 28 ዓመት ቁ.170 17 መጋቢት

መብዛሕቲኦም እዞም ዓለምና ዝፈለጠቶም መራሕቲ ሃገራት ቅድሚ ናብ ጥርዚ ስልጣን ምሕኳሮም፡ ንድሕረ ባይታኦም ክትዕዘብ እንከለኻ ብልዑል ማዕረግ ትምህርቶም ዝዛዘሙ፡ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ሓካይም፡ መማህራን ዩኒቨርስቲ፡ ናይ ቁጠባ ክኢላታት፡ ወተሃደራውያንን ካልእ ልዑል ግምት ዝወሃቦ ዓይነት ሞያ ከም ዝነበሮም ኢኻ እትርዳእ። ብኣንጻር’ዚ ከኣ ካብ ትሑት መነባብሮን ተራ ስራሕን ተበጊሶም፡ ኣብነታውያን መራሕቲ ሃገራት ዝዀኑ’ውን ኣለዉ።ኣብ 2004ዓ.ም ዝዓረፈ ህቡብ ኣመሪካዊ

ፕረሲደንት ሮናልድ ሬጋን፡ ኣብ 60ታት ናብ ዓለም ፖለቲካ ቅድሚ ምእታዉ፡ ተዋሳኣይ ናይ ምዃን ባህጊ ስለ ዝነበሮ ኣብ ሞያ ምውሳእ’ዩ ዝነጥፍ ነይሩ። ድሒሩ’ውን ከም ተንታኒ ስፖርት ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ።መበል 13 መራሒ ፍሊፒንስ ኰይኑ ኣብ 1998ዓ.ም

ተመሪጹ ክሳብ 2001ዓ.ም ኣብ ስልጣን ዝነበረ ጆዜፍ ኣስትራዳ፡ ሓደ ካብ ህቡባት ስነ-ጥበበኛታት እታ ሃገር’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝቐጸለ ሞያ ምውሳእ ፊልም ኣብ 100 ስራሓት ተሳቲፉ’ዩ። ነቲ ዘለዎ ህቡብነትን ተፈታውነትን ብምምዝማዝ ድማ ከንቲባ ከተማ ሳንዀዋን ኰይኑ 16 ዓመት ድሕሪ ምግልጋሉ ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር ተዓዊቱ።ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ዝነበረ ሲልቭዮ

በርለስኮኒ፡ ከም ድምጻዊ፡ ተዋሳኣይን ደላላይን ኰይኑ ንዓመታት ሰሪሑ’ዩ።መራሒ ቦሊቭያ ኢቮ ሞራለስ፡ ቅድሚ ኣብ

ካብ ተራ ሞያ ናብ ፕረሲደንትነት

2005ዓ.ም በትሪ ስልጣን ምጭባጡ፡ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ’ዩ ንሓረስታይ ኣቦኡ ዝሕግዝ ነይሩ። ኣብ ዕድመ ንእስነቱ፡ ከም ደራፋይ፡ ሙዚቀኛን ተጻወታይ ኩዕሶ እግርን ኰይኑ’ውን ሰሪሑ’ዩ።ሰራሕተኛ ጽሬት፡ ወልዋሊ ሳእኒ፡ ዋርድያ፡ ሓጻቢ

ብያቲን ሰራሕተኛ ጀርዲንን ኰኑ ዝሰርሐ ኣመሪካዊ ፕረሲደንት ሊንዶን ጆንሶን፡ በዚ ከርተት ዝመልኦ ድሕረ ባይታኡ ከይተዳህለ፡ ሓደ ካብ ጸለወቲ መራሕቲ ኣመሪካ ክኸውን ክኢሉ’ዩ። ፕረሲደንት ብራዚል ነበር ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ካብ ድኻ

ስድራ-ቤት ዝተወልደ ብምንባሩ፡ ገና ኣብ ህጻንነቱ ትምህርቱ ብምቁራጽ፡ ኣብ ትካል ምድላው መቀያየሪ ንብረት መካይን ክሰርሕ ጀሚሩ። ብዘይካ’ዚ መካኒክን ሸቃጢ ኣሕምልትን ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ።መራሒ ጀርመን ዝነበረ ገርሃርድ ሺሮደር፡

ወላዲኡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ሞተ፡ ንወላዲቱ ንምሕጋዝ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ትካል ጽርበት ዕንጸይቲ’ዩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ንኣሽቱ ሞያታት እናሰርሐ ዳግም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ብምምላስ፡ ብዓውዲ ሕጊ ክምረቕ ክኢሉ።መበል 31 ፕረሲደንት ኣመሪካ ሃርበርት ሆቨር

ካብ’ቲ ዝነበሮ ሕሱም ድኽነት ንምግልጋል፡ ከም ሰራሕተኛ ቤት-ሕጽቦ፡ ሸያጢ ጋዜጣን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ከም ኣመላላሳይ ደብዳበታትን ኰይኑ ዝሰርሐ’ዩ።

ሽሃብ ኣርኣያ

ካብ’ቶም ዓርሞሽሽ ምዃኖም ዝጽወየሎም ጥንታውያን “ዳይናሶር” ጀሚርካ፡ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብ’ዛ ዓለም ‘ብዝተፈላለየ ምኽንያት’ ዝጸነቱ ፍጡራት ኣለዉ። ምስ ምትእትታው “ዘመናዊ” ክንክን እንስሳታትን፡ ቴክኖሎጂ “ቤተ-ፈተናኣዊ ምድቓልን” ግን፡ ስግኣት ናይ ‘ጽንተት’ ናይ ካልኦት እንስሳታት እናጎደለ እዩ ዝርከብ። ወረ ገለ እንስሳታትሲ፡ ልዕሊ ዓቐን ብምፍራዮም፡ ሰፊሕ ናይ “ስነ-ማሕድሮ” ምምዝባል የስዕቡ።ዘይስሩዕ “ሃድን” ደቂ-ሰባት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ

እንስሳ ዘገዳም ንቡር እኳ እንተ-ኾነ፥ ኣብ ልዕሊ “ሓርሽ” ዝካየድ ሃድን ግን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኮይኑ ንረኽቦ። እዞም ኣብ ክንደይ ምውሓዶም፡ እቲ “ክቡር ዋጋ እዩ ዘውጽእ” ተባሂሉ ዝእመነሉ ቀርኖም፡ ብሃዳኖ ተቖሪጹ፡ ብምሒር ስቅያት “ዓዕ!” እናበሉ ዝሞቱ እንስሳታት፡ ሒደት ካብ’ቶም ናይ “ምጽናት” ሓደጋ ኣብ ልዕሊኦም ዘንጠጥይ ዘሎ ፍጡራት እዮም። ብፍላይ ከኣ “ጻዕዳ ሓርሽ” ዝዓይነቶም፡ ብኣጻብዕ እዮም ዝቑጸሩ። እቶም “ደቡባውያን ጻዕዳ

ሓርሽ” ዝበሃሉ ዓሌት፡ ብተዛማዲ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ እኳ እንተሃለዎም፡ ኩነታት ናይ’ቶም “ሰሜናውያን” ዝበሃሉ ዓሌት “ጻዕዳ ሓርሽ” ግን ኣይግድን!።ሓደ “ሱዳን” ዝስሙ እንኮ ኣብ ዓለም ተሪፉ ዝነበረ

“ሰሜናዊ ጻዕዳ ሓርሽ” ካብ ዝመውት ድሮ ዓመቱ እዩ መሊኡ ዘሎ። ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ “ኬንያ” ተዓቚቡ ዝነበረ ሓርሽ፡ ወላ’ኳ ክልተ ውላድ ገዲፉ እንተሞተ፡ እቲ ዘሕዝን ነገር ግን፡ ክልቲአን ውሉዱ “ኣንስታይ” ጾታ ስለዝውንና፡ ዝኾነ ናይ “ምርባሕ” ዕድል ክህልወን ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ።ቅድሚ ሞት ናይ’ቲ እንኮ ተባዕታይ ካብ ዓሌት

“ሰሜናዊ ጻዕዳ ሓርሽ”፡ ገለ-ገለ ተመራመርቲ፡ ንቐጻልነት ናይ ሓርሽ “ሱዳን” ንምውሓስ ብምባል፡ ካብ ዘርኢ ናይ’ቲ ሓርሽ ስለ ዘትረፉ፡ እታ እንኮ

ዳግማይ ህይወት ንጻዕዳ ሓርሽሕጂ ዘላ ኣማራጺ፡ ብመስርሕ “ሰብ-ሰርሖ ብልቃጣዊ ምጽጋይ”፡ ካብ’ተን ተሪፈን ዘለዋ ክልተ ውሉዱ ዝኾና “ሰሜናውያን ጻዕዳ ሓርሽ”፡ ቀጻልነት ናይ ዓሌቶም ዘውሕሱ ውሉዳት ምትራፍ እዩ።ቀንዲ “ሓናቒ” ረቛሒ ኮይኑ ዝጸንሐ፡ ቅድሚ

ሕጂ “ሰብ-ሰርሖ ምጽጋይ” ኣብ ሓርሽ ተፈቲኑ ስለ-ዘይፈልጥ እዩ። ብተወሳኺ’ውን፡ ማህጸን ናይ’ተን ኣንስትዮ ሓርሽ፡ ‘ዕሙቕ’ ኣብ ዝበለ ክፋል ኣካላተን’ዩ ተደቢቑ ዘሎ። ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ፡ ብመስርሕ “ሰብ-ሰርሖ” ምጽጋይ፡ ሸውዓተ ድቂ ኣብ ምምዕባል ይርከቡ።ሕጂ’ውን፡ ወላ እቶም ተመስሪሖም ዘለዉ

ሸውዓተ ድቂ፡ እቲ ፈተነ ዕዉት ኮይኑ እንተ ዓዀኹ፡ ዓብዪ ጸገም ከጋጥም ይኽእል። እቶም ብሰብ-ሰርሖ መስርሕ “ምጽጋይ” ክዓኩ ቀሪቦም ዘለዉ ሓርሽ፡ ዕድል ገይሮም ብህይወት ክሰሩ እንተ ኽኢሎም፡ ካብ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ናይ “ሰሜናዊ ጻዕዳ ሓርሽ” ቁሩብ ፍልይ ክብሉ ምዃኖም ርዱእ እዩ፥ ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ብሰብ-ሰርሖ መስርሕ “ምጽጋይ” ዝውለዱ ፍጡራት። ስለ’ዚ፡ እዞም ተጸግዮም ዘለዉ

ሓርሽ፡ ሸውዓቲኦም ሓደ ዓይነት ጾታ ሒዞም እንተ-ተፈጢሮም፡ ካልኣይ ግዜ ሰብ-ሰርሖ መስርሕ “ምጽጋይ” ክግበረሎም እዩ። እዚ ማለት ግን፡ ካልኣይ ግዜ ኣብ መስርሕ እንተ ኣትዮም፡ ካብ “ባህርያዊ ቅሻረቶም” ወይ “ጅን” ክሃጹ ስለ ዝኽእሉ፡ ብዙሕ ተመራጺ ኣይኮነን!። ብህይወት ንኽሰሩ ዘላቶም “እንኮ” ኣማራጺት ካብ ኮነት ግን…።

ዳኒኤል ጊላይ

ታሪኻውያን ሓቅታት* ህዝቢ “ኣዝተክ”፡ ጸሓይ መዓልታዊ ኣብ

እትዓርበሉ እዋን፡ ብሰሪ ዙረት ምድሪ ዘጋጥም ክስተት ዘይኮነሲ፡ ብሰሪ ባህርያዊ ‘ሞት’ ጸሓይ ዝስዕብ ተርእዮ እዩ ዝመስሎም ነይሩ። በዚ መሰረት ከኣ፡ “ደም ሰብ እዩ ካብ ሞታ ዘተንስኣ” ካብ ዝብል ብሂል ተበጊሶም፡ ካብ ካልኦት ሕብረተ-ሰብ፡ ዓመታዊ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ኣጓብዝ ጨውዮም፡ ንመተንስኢ ጸሓይ ኢሎም፡ ከም “መንቅዒ ደም” ይጥቀሙሎም ነይሮም።* ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ኣብ ዓመት

“365” መዓልቲ ከም ዘለዋ፡ ካብ ቅድሚ 4800 ዓመት ኣትሒዞም እዮም ፈሊጦም።* እቲ ዝነቐጸ ክፋል ናይ ምድሪ፡ ኣብ

ቺለ ዝርከብ ምደረ-በዳ “ኣታካማ” እዩ። ካብ ድሕሪ 18 ክፍለ-ዘመን ኣትሒዙ፡ ንፈውሲ ማሕላ’ውን ትኹን፡ ማይ ካብ ሰማይ፡ ከቶ ነጢቡ ኣይፈልጥን።* ቅድሚ ኣማኢት ዓመት፡ ቻይናውያን

ሓካይም፡ እቲ ዝሕክሙዎ ሕሙም ኩነታት ጥዕናኡ ክመሓየሽ እንተ-ዘይክኢሉ፡ ናይ’ቲ ዝሃቡዎ ኣገልግሎት ክፍሊት ኣይረኽቡን እዮም። ክኽፈሉ እንተ ኾይኖም፡ እቲ ሕሙም ክሓዊ ኣለዎ።* ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘመን፡ ግሪኻውያን፡ ነዚ

ክሳብ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ትኽክላዊ ዓቐን ናይ ፕላኔት “ምድሪ” ቀሚሮሞ።

ኣብ ክሊፍላንድ ብዘይሕጋዊ ፍቃድ ኣናጹ ምህዳን ክልኩል’ዩ።ኣብ ጎደናታት ጡፍ ምባል ዝኽልክላ ሃገራትን

ከተማታትን እናበዝሓ ይኸዳ ኣለዋ። ከተማ ባርሸሎና ድማ ኣብ ጎደና ጡፍ ንዝበለ 70 ዩሮ ዘቕጽዕ ሕጊ ኣሎ።ኣብ ኣውስትራልያ፡ ቐትሪ ዝደለኻዮ ዓይነት

ክዳን ተኸዲንካ ክትዛወር መሰልካ’ዩ። ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይ ግና ናይ ላዕልን ታሕትን ምሉእ ጸሊም ዝሕብሩን፡ ጸሊም ጫማን ተኸዲንካ ምስ እትርከብ ናብ ቤት ማሕቡስካ ኢኻ።ኣብ ጆርጅያ ደርሆ ንበይና ጽርግያ ክትሳገር

ኣይፍቀደላን’ዩ።ኣብ ካናዳ ኣብ ጎደናታት “ፊጽ” ምባል 100

ዶላር የቕጽዕ።ኣብ ጥንታዊ ቦታታት ግሪኽ ክዛወራ

ዝደልያ ደቀንስትዮ፡ ነዊሕ ስፒል ጫማ ምኽዳን ክልኩል’ዩ።

ኣገረምቲ ሕግታትተመራማሪት ስነ-መጥበውቲ ዝዀነት ሆላንዳዊት ጃነ ጉዳል፡ ንመጽናዕቲ ኣብ ታንዛንያ እንከላ’ያ ምስ’ዚ

ፊል ዝስሙ ንእሽቶ ቺምፓንዚ ተራኺባ።ፊል ኣዲኡ ስኢኑ ስለ ዝነበረ፡ ጃነ ብኸመይ ከም እትቐርቦ ኣብ ሓሳብ እንከላ’ዩ እምበኣር ብዘደንቕ መልክዕ፡

ባዕሉ ሰላም ክትብሎ ኢዱ ናብኣ ዘርጊሑ። “ልክዕ ከም ለባም ሰብ” ትብል ጃነ ነቲ ህሞት ብምዝካር።

ዛንታ ስእሊ

Page 5: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 2019 - ገጽ 5መበል 28 ዓመት ቁ.170 17 መጋቢት

=

***

=

***

Page 6: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 2019 - ገጽ 6መበል 28 ዓመት ቁ.170 17 መጋቢት

124256

***

MARTES

Page 7: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 2019 - ገጽ 7መበል 28 ዓመት ቁ.170 17 መጋቢት

ተስፋልደት መብራህቱ

ካልኣይ መዓልቲ ውድድር

ካልኣይ መዓልቲ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2019፡ ትማሊ ቀዳም 16 መጋቢት 2019 ብናይ ጋንታ ናይ ምቅብባል ናይ ግዜ ውድድር ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ተሸላሚት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና።እዚ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ማለት

ዩ.ሲ.ኣይ ሎሚ ዓመት ንፈለማ ግዚኡ ተኣታትዩ ዝሰርሓሉ ዘሎን mixed relay ዝተሰምየን ውድድር፡ ሓንቲ ሃገር ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከተሳትፍ’ዩ ዝፍቀደላ።ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንዳንኤል

ተኽለሃይማኖት፡ ያቆብ ደበሳይን ሜሮን ተሾመን፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንሞሳና ደበሳይ፡ ደሴት ኪዳነን ዝናብ ፍጹምን ኢያ ኣሰሊፋ። ደቂ ተባዕትዮ ኣቀዲሞም ኣብ ልዕሊ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዙ ኢትዮጵያውያን ንዝመስረትዎ ናይ 30 ካልኢት ፍልልይ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ’ውን ኣብ ልዕሊ መወዳድርተን ጸብለል ብዝበለ ግዜ ን24 ኪ.ሜ ብድምር ግዜ 28 ደቒቅን 46 ካልኢትን ብምዝዛም ተዓዊቶምሉ።ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ

ልዕሊ ዕድመ ሳምሶም ሰለሙን ድሕሪ’ዚ ዓወት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ደቀንስትዮ ንዘርኣይኦ ፍሉይ ብቅዓት ሞጊሱ። ሳምሶም ሰለሙን ብምቅጻል “ደቂ ተባዕትዮ ንዝመስረትዎ ፍልልይ ደቀንስትዮ ዓቒበንኦ ምውጽአን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክውስኻሉ ምኽኣለን፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዝነበረ ዘይተቐበልኦ ብቅዓተን ዝኽሕስ ኢዩ።” ኢሉ። ምኩርን ፕሮፌሽናልን ተቐዳዳማይ ዳንኤል

ተኽለሃይማኖት ብወገኑ፡ “ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ምሓዝ ከም ዓወት’ኳ ዝቁጸር’ኳ እንተኾነ፡ ደገፍትና ዝለመድዎ ግን ወርቂ ሜዳልያ ኢዩ። እዚ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ፋልማይ ተመክሮ ውድድር ብዓወት ምውጻእና፡ ነቲ ጽባሕ (ሎሚ ሙዃኑ’ዩ) ዝካየድ ናይ ግዜ ውድድር ሞራል ጋንታና ሓፍ ዘብል ውጽኢት ኢዩ።” ኢሉ።ተቐዳዳሚት ሞሳና ደበሳይ፡ እዚ ዓወት ናይ ምግባር

ዓቕሚ ደቀንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘርኣየ ምንባሩ፡ ነቲ ሎሚ ዝካየድ ናይ ግዜ ውድድር ሞራል ሰኒቐን ክኣትውኦ ዝሕግዝ ዓወት ምንባሩ ገሊጻ።ተኻይዱ ብዘሎ 5 ውድድራት፡ ሃገራዊት ጋንታ

ኢትዮጵያ 3 ወርቂ፡ ኤርትራ ድማ ብ2 ወርቂ ሜዳልያ ካብ 13 ተሳተፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።

3ይ መዓልቲ ውድድር

ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት፡ እዚ ውድድር ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር’ዩ ቀጺሉ ክውዕል። ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ደረጃ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ ሓያል ዓቕሚ ኣብ ቅልስ ምስ ግዜ ንዘለዎም ሲራክ ተስፎምን መኽሰብ ደበሳይን ከተሰለፍ ኢያ።ኤርትራ ኣብ ውድድር ግዜ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ

ዓመታት ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ተቐዳደምቲ ተሸላሚት ወርቂ ሜዳልያ ክትከውን ብቒዓ’ያ። ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካብ 2010 ክሳብ 2013 ኣከታቲሉ ኣርባዕተ ግዜ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ከሎ፡ ሜሮን ተሾመ ኣብ 2017፡ መኽሰብ ደበሳይ ድማ ዓሚ ኣብ ርዋንዳ ተዓዋቲ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኮይኑ ኔሩ። በዚ መሰረት ኣብዚ 46 ኪ.ሜ ዝሽፍን ናይ ግዜ ውድድር፡ መኽሰብ ደበሳይ ናይ ዓሚ ክብሩ ንምዕቓብ’ዩ ኣንጻር ንፋስ ክገጥም። እቲ ኣብ ዘተኣማምን ብቅዓት ናይ ግዜ ውድድር ዘሎን፡ ኤርትራ ኣብ ዘአንገደቶ ዋንጫ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2018 ብዝሃረሞ ግዜ መዛረቢ ኣርእስቲ ሰሪሑ ዝነበረ ሲራክ ተስፎም ድማ ካብቶም ልዑል ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዘለዎም ተቐዳደምቲ ኢዩ። ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተሰልፎም ትጽቢት ዝግበረሎም ተቐዳደምቲ ራያን ጊብሰንን ስቲፋን ዲቦድን ድማ መተሃላልኽቲ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ከም ዝኾኑ በኣጉኡ ተገሚቱ’ሎ።

ኣብ ውድድር ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኤሊት ተቐዳደምቲ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ርዋንዳ ኣብ ከምዚ ውድድር ቀዳመይቲ ወርቂ ሜዳልያ ዘምጽአት ሞሳና ደበሳይን እታ ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ ስዊዘርላንድ ብምሕቛፍ ዓቕማ ኣብ ምዕባይ እትርከብ ደሴት ኪዳነን ክስለፋ እየን። ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ነዚ ተረርቲ ዓቐበታት ዘጠቓለለ መወዳደሪ ቦታ ንክልተ ሰሙን ክለማመድኦ ብምጽንሐን ድማ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ወሲኽካ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ወርቂ ንምዕታር ሓያል ምትህልላኽ ክርአ ብኣግኡ ትጽቢት ሰፊኑ ኣሎ።ኣብ ውድድር ግዜ ጁንየር ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ

ኤርትራ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብደሴት ኪዳነ ድርብ ወርቂ መዳልያ ከም ዝዓተረት ዝፍለጥ’ዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እዞም ክልተ ተቐዳደምቲ ሎሚ ዓመት ካብ ክሊ ዕድመ ጁንየር ብምውጽኦም ሓደስቲ መንእሰያት ተቀዳደምቲ’ያ ከተሰልፍ። ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 30 ኪ.ሜ ንምሽፋን ሻምፕዮን ዞባ ማእከል ካልኣይ ዲቪዝዮን ዝኾነ ተቐዳዳማይ ክለብ ሰምበል ገብረሂወት ዮውሃንስን ተቐዳዳማይ መትከል ክፍላይን ኢዮም ንኤርትራ ክውክሉ። ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተቐዳዳሚት ክለብ ጋላ ነፍሒ ዳናይት ጸጋይን ተቐዳዳሚት ክለብ ዓራግ ብርኽቲ ፍስሃየን ኣብ ቃልሲ ምስ ግዜ ማልያ ኤርትራ ዝለብሳ ኢየን።

ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2019 መንጠሪ ባይታ ናብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020

ፍሉይነት’ዚ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኢትዮጵያ ዝእንገድ ዘሎ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2019 ነዚ ዓመት ኣብ መሳልል ደረጃ ዩሲኣይ ሒዝካዮ ብእትውድእ ነጥብን እትሕዞ ደረጃን፡ ነቲ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 እተሳትፎ ብዝሒ ቁጽሪ ተቐዳደምቲ ዝጸሉ ምዃኑ ኢዩ።ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ብዘሎ ነጥቢ መሰረት፡ ደቡብ

ኣፍሪቃ ብ2084.85 ነጥቢ ብምእካብ ነታ ብ1418 ነጥቢ ትስዕባ ዘላ ኤርትራ ናይ 666.85 ነጥቢ ፍልልይ ኣንጺፋትላ ኣላ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ነታ ብ866.99 ነጥቢ ሳልሰይቲ ኮይና ትስዕባ ዘላ ኣልጀርያ ብ551.99 ነጥቢ ቀዲማታ ኣላ። ራብዐይቲ ርዋንዳ 669፡ ሓሙሸይቲ ሞሮኮ ብ567 ነጥቢ ላዕለዎት ሓሙሽተ ሃገራት ኮይነን ዘለዋ እየን።ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዩሲኣይ ካብ ዝሓለፈ

ዓመት ብዝገበሮ ለውጢ ኣመዘጋግባ ነጥቢ፡ ኣብ ዓለማዊ ደረጃ ዝርከብ ነጥቢ ወላ’ውን ካብ ኣፍሪቃዊ ዙራት ዝወጸ እንተኾነ፡ ኣብ መሳልል ደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ግን ይምዝገብ ኢዩ። በዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ብሉጽ ኣቃውማ ዝርከብን ኣብ 2014 ንኣርባዕተ መድረኻት ብጫ ማልያ ዙር ፈረንሳ ለቢሱ ክጎዓዝ ዝኸኣለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣውስትራልያዊት ክለብ ሚቸልስተን ስኮት፡ ዳረል ኢምፐይ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውስትራልያ ንዝተሰርዐ ውድድር ቱር ዳውን-ኣንደር ክዕወተሉ ብምኽኣሉ ብውልቁ ዝኣከቦ 1239.18 ነጥቢ ንሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ድርዒ ኮይንዋ ኢዩ።ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነዛ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ

ኣልዒልናላ ዘለና ዓመተ 2019፡ ዓበይቲ ዓወታት ሓፊሳትላ ኢያ። ኣብ ዙር ጋቦን ብመንገዲ ቢንያም ግርማይ ናይ መድረኽ ዓወት ከም ዘመዝገበት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሎሊ’ቲ ሲራክ ተስፎም ኣንበሳ ዓቀብ ሙዃኑ ብጋንታ’ውን ዕዉትቲ ናይቲ ውድድር ክትከውን ክኢላ’ያ። ኣብ ዙር ርዋንዳ’ውን እንተኾነ ብመራዊ ቅዱስ ብጫ ማልያ ብያቆብ ደበሳይ ከኣ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ ተቀዳዳማይን ኣንበሳ ዓቀብን ክትወስድ ከላ ብጋንታ ድማ ዕዉትቲ ኮይና ኔራ።እዚ ክልተ ዙራት ብ2.1 ደረጃ ዝዕቐን ብምዃኑ ድማ

ትረኽቦ ነጥቢ ካብቲ ኣብ ደረጃ 2.2 ትረኽቦ ዝዓቢ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ካሜሩን ንዝተኣንገደ ደረጃ 2.Ncup ውድድር ውን ተዓዊታትሉ ኢያ። ናይ ጋንታ ዓወት ኣብ ርእሲ ምውሓሱ፡ ያቆብ ደበሳይ ብጫ ማልያ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ድማ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ኮይኖም ኔሮም። እዚ ኩሉ ዓወታት ተሓፊሱ ክንሱ ብኸመይ ብደቡብ

ኣፍሪቃ ብክንድዚ ዝኣክል ናይ ነጥቢ ፍልልይ ንኤርትራ ተንጽፈላ ዝብል ሕቶ ክቐርብ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ኣብ

ደረጃ ፕሮፌሽናል ዝዋስኡ ዘለው ደቡብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብቁጽሪ ናብ ዓሰርተ ዝገማገሙ ኮይኖም፡ ኤርትራ ግን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ነዚ ዓመተ ውድድር ተእትዎም ቁጽሪ ተቐዳደምታ ሰለስተ ጥራይ ኢዩ። መርሃዊ ቅዱስ ምስ ኣስታና፡ ኣማኑኤል ገብረዝጋቢሄር ምስ ዳይመንሺን ዳታ፡ ናትናኤል ብርሃነ ከኣ ምስ ኮፊዲስ። ብመሰረት ደረጃ ውድድራት ድማ፡ ዓለማዊ ውድድር ዝወሃቦ ነጥቢ ገዚፍ ግንዖ ትረኽበሉ ኢዩ። ኣብ መጻኢ ቁጽሪ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምትና ከነዕቢ ዝተወሃሃደ ስራሕ ክጽበየና ኢዩ።

ተወሳኺተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2019 ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ

ካዛኪስታናዊት ኣስታና መርሃዊ ቅዱስ ነቲ ድሕሪ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝጽበዮ ዘሎ ከቢድ ውድድር ቮልታ ካታሎንያ ዝኸውን ምድላዋት ኣብ ሃገሩ ከካይድ ስለ ዝነበሮ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብ13 መጋቢት ናብ ባህርዳር ኣይተጓዕዘን። ኣብ ባህርዳር ንልምምድ ዝኸውን ዓቐበታት ክረክብ ስለ ዘይክእል ድማ ልምምዳቱ ኣብ ሃገሩ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ሰሉስ 19 መጋቢት ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር እጃሙ ንምብርካት፡ ሎሚ ሰንበት 17 መጋቢት ከተማ ባህርዳር በጺሑ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣልኣዛርን ሰኣላይ ሳልሕ ብደልቃድርን

ባህርዳር

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደሚቓ!

መደብ ጸወታሎሚ

ውድድር ሻምፕዮን ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል

ገዛባንዳ - ፓራዲዞኣዱሊስ - ኣኽርያ

ኣልታሓሪር - ኣስመራ ቢራካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሜዳ ካምፖ

ቺቸሮ ኣስመራ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝፉልሃም - ሊቨርፑል 5፡15ኤቨርተን - ቸልሲ 7፡30

ላ’ሊጋኤባር - ሪያል ቫላዶሊድ 2፡00

ኤስጳኞል - ሰቪያ 6፡15ቫለንስያ - ገታፈ 8፡30

ቪያሪያል - ራዮ ቫለካኖ 20፡30ሪያል ቤትስ - ባርሴሎና 10፡45

ሰረ’ኣጀኖኣ - ጁቬንቱስ 2፡30ላዝዮ - -ፓርማ 5፡00ናፖሊ - ኡዲነዝ 8፡00ሚላን - ኢንተር 10፡30

Page 8: ኣብ መስመር ዓዲ-ዃላ - እንዳገርግስ ሓድሽ ጽርግያ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_17032019.pdfኰሎኔል ብርሃነ ዘርእማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 2019 - ገጽ 8መበል 28 ዓመት ቁ.170 17 መጋቢት

ቃለ-መሕተት

ኣማረሽ ጸጋይ

‘ክላእ ሃማደኤ ከኣ’. . . ዝብል ናይ ምቁንጻብ ዝመስል በጨቕታ ይስማዕ እዩ - ኣብ ኣኼባ ድዩ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት። እቲ ማሕበር ኣበርክቶኡ ከም’ቲ ዝጽዕሮ ዘየንጸባረቐሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ትብሊ?

እቶም ክላእ ሃማደኤ ከኣ ዝብሉ እቶም ድኹም ኣጠማምታ ዘለዎም እዮም። ሕቶ ጓል ኣንስተይትን ተራ ጓል ኣንስተይትን ኣብ’ዚ ሃገር እዚ - ዘይፈልጦ ዋላ ሓደ የለን። ኩሉ ይፈልጦ እዩ። እዚ ተራ እዚ ክጐልሕ ናይ ምድላይ ሕቶ ግን፡ ምልክት ሕቶ ዝኾኖም ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኣጠማምታን ኣረኣእያን ኣተሓሳስብኦም ዘይቀየሩ ሰባት እዮም። ምኽንያቱ ጓል-ኣንስተይቲ ግዳም ወጺኣ ርእሳ ክኢላ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ብምብጻሕ፡ ከም’ዚ ናይ ተባዕታይ ተቓራኒት ወይ ተጻባኢት ጌሮም ዝወስዱ ኣብ መንእሰያትና ከይተረፈ ዝርአ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ዘምጽኡዎ ስነ-መጐት እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፣ ንተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዘነኣእስ ድኹም ዝኾነ መንፈስ ኣሎ። ዝኾነ ድኹም ኣጠማምታ ዘለዎ ሰብ እታ ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ገዛ ኮይና ከተሳሲ፡ ክትወልድ፡ ኣገልጋሊት ክትከውን ዘሎ ባህጊ ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ብደቂ-ተባዕትዮ ጥራይ ዘይኮነ፡

ብደቂ-ኣንስትዮ እውን ኣብ ገሊኡ ዋላ እተን ተማሂርና ዓቕሚ ኣለና ዝብላ - ዘሎ ኣጠማምታ ይገርመካ እዩ። ኣብ ክንዲ ተረዲእካ ፈሊጥካ ትውስን ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ይኸውን። ሓንሳብ ሓንሳብ ዋላ እዘን ተጋዲለን ዝመጻ እውን ነቲ ማሕበር ከነኣእሳኦ ትሰምዕ ኢኻ። ተመሊስካ ንነብስኻ ኢኻ ተነኣእስ ዘለኻ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገራት እትሰምዕ መንእሰይ ድማ፡ ሞራላ ክስበር ግድነት እዩ። ኣርኣያ ክትከውን ከኣ ኣይትኽእልን እያ። ስለ’ዚ ቀሊል ዝመስል እንዛረቦ ጸገም ይፈጥር እዩ። ብፍላይ እተን ተጋዲለን ዝኣተዋ ነዚ ብርሃን እዚ ክርእያን ከርእያን ዝበቕዓ ሓላፍነት ክስምዐን ይግባእ። ኩልና ሓላፍነት ክስምዓና ይግባእ። እንታይ ኮይንካ ወይ ኮይንኪ

ተነኣእስዮ ኣለኺ? ኢልካያ እውን እትህቦ መልሲ ወይ ጭብጢ’ኮ የለን። ብስምዒት ዝብሃል እዩ። እተን ሓቀኛታት ግን ይሰርሓን ይጽዕራን

ኣለዋ። መሓልፎ እተን ከነኣእሳን ከቆናጽባን ዝውዕላ ተመሊሰን መሰል ክሓታ ይመጻ እየን። መን ዝተቓለሰለን እየን እሞ መሰለን ክረኽባ. . .። ነዚ 40 ዓመታት ዝተቓለሰ ማሕበር - “ኣበይ ዘሎ እዩ፡ እንታይ ዝገብር እዩ?” ክብሃል እንከሎ ኣብ’ዘን ዓመታት እዚኣተን ተወሊዱ ዝጐበዘ ሰብሲ እናሰምዐ ምቕባሩ ምዃኑ ሰብ ክርዳእ ኣለዎ።

እዚ ሰላም እዚ፡ እንታይ ሓላፍነት ከሰክመና እዩ - ብሕልፊ ንደቂ-ኣንስትዮ?ሃገር ኣብ ምዕቃብን

ልኡላውነት ኣብ ምኽባርን እዩ። ንነኣሽቱ መንእሰያት፡ ሃገር በየን መጺኣ፣ ናበይ ትኸይድ ኣላ፣ እንታይ ሓሊፋ. . . ክፈልጡ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ። መንእሰይ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ባህርያቱ ህንጡይ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዘይተደልየ ነገራት እውን ክወድቕ ስለዝኽእል፡ ተራ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፣

ተራ ወላዲት፡ ክዓቢ ሓያል ጐስጓስ የድልየና - ንሰርሓሉ ድማ ኣሎና። ኣብ ላዕለዎት ትካላትን ኮለጃትን እውን ነዚ ሓያል ጐስጓስ ንገብረሉ ኢና። ብፍላይ ታሪኽና ኣብ ምዕቃብ፣

ታሪኽና ኣብ ምስናድ ምስ ዝምልከቶም ማሕበራትን ግንባርን ብምሽራኽ ዓቢ ስራሕ ይስራሕ እዩ። ታሪኽና ናብ ውሉድ ወለዶ ኣብ ምትሕልላፉ ጻዕሪ የድልየና እዩ። ምኽንያቱ ታሪኽና ኢና ንሕና! ውጽኢት ናይ ታሪኽ ድማ እዩ ህዝቢ ኤርትራ። ስለዚ እዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ብእዋናዊ ዝርአ ሓድሽ ነገራት ከይሃስስ ምእንቲ፡ ግምት ሂብካ ክስርሓሉ ዝግባእ ብምዃኑ ተራ ኣደ ኣብ ስድራ ቤት ክዓዝዝ ዝዓበየ ዕማምና እዩ። መንእሰያት ፍቕሪ ሃገር ክፈልጡ

ኣለዎም። ሃገር መንእሰይ ኣምጺኡዋ መንእሰይ ዓቂቡዋ፣ ሕጂ እውን ክትህነጽ እንተኾይና መንእሰይ እዩ ክሃንጻ ዘለዎ። ሰላም ኮይኑ ኢልካ ዝርአ ሓደ-ሓደ ነገራት፣ ስድራቤታት እውን ከስተብህላሉ ዘለወን ስለዝኾነ፡ ኣብ’ዚ እዩ ጐስጓስና። ረብሓ ህዝብን ረብሓ ሃገርን ርኢኻ እዩ ክኽየድ ዘለዎ።ሃማደኤ መሻርኽቲ እንተደኣ ኣለውዎ

- በዓል መን. . .?

እወ፡ ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ። ተመላሊእና ኢና እንኸይድ። ሓያል ድዩ ድልዱል ድዩ እንተደኣ ኢልና መመደባትና ይዓዘና ይኸውን። ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ ራእይን ትሕዝቶን ናይቲ ኣካይዳ ግን፡ ሓደ ኢና። እቲ ኩልና እንሰርሖ መደባት ናብ ሓደ ዝቐንዐ እዩ። ብፍላይ ምስ ሃማመተኤ ኣበርቲዕና ንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ዝፈላሊ የብልናን፣ ተመላሊእና ኢና እንኸይድ። ምስ ሃኮሰኤ እውን ሽርክነት ኣለና - ዋላ’ኳ ከም’ቲ ናይ ማሕበር መንእሰያት ኣይኹን እምበር፡ ንረብሓ ደቂ-ኣንስትዮ ዝሕሉ ብምዃኑ ንሰርሓሉ ኢና። ብዓቢኡ ድማ ግንባር ኣሎ። ካልኦት መሻርኽቲ ከም ምምሕዳር ዞባታት፡ ሚኒስትሪታትን ካልኦት ኣዕሩኽ ሃማደኤ ዝብሃሉን ኣለዉና።ሃማደኤ 40 ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

ካብ’ቲ ስራሓቱ ፈፍሩዩን ዝጽበዮ ብድሆታትን. . .ኣብ ትምህርቲ፡ ጽቡቕ ሰጒምና

ኢና። ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዋላ ኣብቲ መራኸቢ ብዙሓን ተገሊጹ ከምዘሎ፣ ሰነዳት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዘረጋግጾ፣ ጭቡጥ ምዕባለታት ኣሎ። ኣብተን ምሕድግ ዝበላ ቦታታትን ብሄራትናን ግን ስራሕ የድሊ። ኣብ ኩለን ዞባታት ማዕረ ቁጽሪ ኣሎ ክብሃል ኣይክኣልን። ፈላሊኻ ክትርእዮ እንከለኻ ካብ ዞባ ናብ ዞባ፡ ካብ ትምህርቲ ናብ ትምህርቲ፡ ፍልልያት ኣሎ። ንምትዕርራዩ ስራሕ ከድሊ እዩ።ኣብ ጥዕና፡ ዝሓሸ ደረጃ ከምዘለና

ርዱእ እንድዩ - ተራ ኣደ ኣብ ጥዕና እውን ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና መደባት ክወጽእ ይኽእል እዩ፣ ፕላን ክወጽእ ይኽእል እዩ፣ ግን ዜሩ ዜሩ ዝትግበር በታ ኣደ እዩ። ታሕቲ ምስ መጻእካ ኣብ ክንዲ ተገድድ ብንቕሓት ከምዝመጽእ ምግባር ስለዘለዎ፡ እቲ ውዳበታትና ሒዙዎ ዘሎ መስመር ነዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ነገር ቀሊል ስለዘይኮነ፡ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘሎ መደብ ቀሊል ኣይኮነን። ማሕበር ነዚ ተረዲኡ ብፍላይ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታት፣ መጽንሒ ነብሰ-ጾራት ምስ ዲያስፖራ እናተረዳድአ እጃሙ የበርክት ኣሎ።ኣብ ሕርሻ፡ ጸጋ መሬትን ባሕርን

ክቋደሳ ከምዘለወን ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ወጺኡ ዘሎ መምርሒታት ‘ቀቃጽዖኻ’ እውን መሰል ደቂ-ኣንስትዮ

ዝሕሉ ብምዃኑ ብጽቡቕ ይካየድ ኣሎ።ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ደቂ-ኣንስትዮ

መሰል ክህልወን ግድን እዩ። ንሱ ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ፡ 30% ሕዙእ ሂቡና ኣሎ። ኮታና ተጠቒምና ኣብቲ 70% እውን ተወዳደርቲ ኴንና ኢና ክንከይድ ጸኒሕና። እቲ ጐስጓስ ክሕይል ኣለዎ። እቶም ኣረኣእያታት ናይ ባህሪ ለውጢ ግን፡ ኣብ’ቲ ገሊኡ ከይደግሱና ዘሰክፈካ ስለዝኾነ፡ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ማለት፡ ነቲ ጸገም ምቅላል ማለት ምዃኑ ሰብ ክርድኦ ኣለዎ። በይና ትሓዞ ማለት ዘይኮነስ፡ ገለ ቦታ ይሃልዋ እዩ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ኤርትራ ንደቂ-ኣንስትዮ ክሃሲ ኢሉ ዝብገስ የለን። ሰሪ ንቕሓቱ፣ ፍልጠቱን ኣጠማምታኡን ዝፍጠሩ ዓበይቲ ጸገማት ግን ኣለዉ። እዚ ክጐድል እንተኾይኑ ምምልላእ ስለዘድሊ፡ ‘ቦታ ሃቡና፣ ንሃሉ ምሳኹም፣ ክትዝትዩ እንከለኹም ንሃሉ፣ ንሕና ንርእዮን ንስኹም ትርእዩዎን በበይኑ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ምሳኹም ንሃሉ’ ንብል ኣለና። ንኣብነት ኣብ ናይ ፕሮጀክትታት

ክንላዘብ እንከለና፣ ‘ማይዶ ኤለክትሪክ’ ከነቐድም እንተደኣ ተባሂሉ፡ እቲ ቀዳምነት ክርአ ዘለዎ ማይ እዩ። ካብ ርሑቕ ቦታ ኣደ እያ ተምጽኦ። ምናልባት እቲ ወዲ ተባዕታይ ኤለክትሪክ ይብል ይኸውን ከይጽልምቶ። ስለ’ዚ ኣብ ፕሮጀክትታት ምስራዕ ይሕግዘካ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መደባት ክህልዋ ኣለወን። ምህላወን ጥራይ ዘይኮነ ክድነቓ እውን ኣለወን። ‘ህዝቢ ተሳቲፉዎ’ ይብሃል እዩ ግን መን’ዩ ዝያዳ ሰሪሑን ለፊዑን ክርአ ይግባእ። ስለ’ዚ ዋላ ኣብቲ እትህቡዎ ሜድያዊ ስራሕ እውን ኣቓልቦ ክትገብሩሉ ጽቡቕ እዩ። ማዕረ ዕድላት ንደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-

ተባዕትዮን ምሃብ ብኸመይ እዩ ዝግለጽ? 30% ኮታኸ ተወዳዳሪት ኣይኮነትን

ምስ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል

ካልኣይን መወዳእታን ክፋልኣየስምዕንዶ?ምህላው ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ

ሃገራዊ ዕማም መሰል እዩ። መሰል ክረጋገጽ ምእንቲ፣ እቲ ግንባር ዝፈጠረላ ባይታ ኣለኹ ኢላ ተሳቲፋ፣ ኣበርኪታ፣ ተሰዊኣን ከፊላን ዝመጸት እያ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ። ዝነሓፋ የለን። ኣብ ኩሉ ተዋሲኣ እያ። እዚ ናይ ሕጂ ዋጋን ጻማን ናይ ኩሉ እዩ። እዚ ከፊለ ከለኹስ መን’ዩ ሕጂ “እዚ

ይግብኣኪ እዚ ኣይግብኣክን” ዝብለኒ? ካብቲ ዝግብኣኒ ከግልለኒ ዝፍትን፣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን።ምህላውና ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን

ኣዝዩ ኣገዳስን ወሳንን እዩ። ዝጸንሐ ድሑር ኣጠማምታታትን ኣረኣእያታትን ገና ሰረት ስለዘለዎ ግን፡ ዕንቅፋት ይፈጥር እዩ። ምኽንያቱ ረቂቕ ሓይሊ እዩ። ክትልውጦ የሸግረካ እዩ። እዚ ረቂቕ ነገር እዚ ናብ ደምና ሰሪቱ ስለዘሎ፡ ብኣኡ እውን ስለዝዓበና፡ መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ 30% ሕዙእ ኢሉ ግዴታ ዝገበሮ። ሕጂ ኣብዚ ሰዓት እዚኸ ኩሉ ተሓጺቡ ድዩ? ዋላ ዝተማህረ ዘበለ ኣብ ጓል-ኣንስተይቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ምዕሩይዶ መጺኡ ኣሎ’ዩ? ዋላ ንባዕላ እታ ዝተማህረት ጓል-ኣንስተይቲኸ? እታ ትማሊ ዝተጋደለት እዩ ዝያዳ ዘሕምማ እምበር፡ እዛ ሕጂ ኣብ ሰላም ዘላ ክሳብ ክንድቲ ኣይኮነትን። ምናልባት ገለ ረብሓኣ ክትንከፍ

እንከሎ እንተዘይኮይኑ - ‘እንታይ እሞ’ ኢላ እያ ትሓልፎ። ከምዚ ኩሉ ግዜ ባዕሉ ዝኸይድ ቃልሲ ዘየድልዮ ጌራ እያ እትርድኦ። ሕቶ ጓል-ኣንስተይቲ እንተዘይሰሪሕካሉ ንድሕሪት ክምለስ ተኽእሎታት ስለዘሎ፡ ኣዝየን እየን ክሕይላ ዘለወን። ስለዝስ ኣብዚ ደረጃዚ በጺሕና ኣለና እንተኢልና፣ ኣሎ ብዙሕ ነገር ዝተርፈና። ዋላ’ኳ ብብቕዓት ንገጥሞ እንተለና እቲ 30% ክልዓል ኣለዎ ክንብል ኣይግባእን እዩ። ገለ መስፍናዊ ኣረኣእያታት ከይግንፍል ክንቃለሰሉ ዘለና እዩ። ነቲ ዝሓለፍናዮ ብግቡእ ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ እንተዘይ ኣመሓላሊፍናዮ ዝንቡዕ ኣረኣእያ ክመጽእ ይኽእል እዩ።

“ሰላም ውጽኢት ጽንዓትና፡ ልምዓት ፍረ ዕዮና”