e-elim 79ሕ ቶ ን መ ል ስ ን | ካ ብ መ ደ ብ መ ን እ ሰ ያ ት ገጽ 01...

8
ሕቶን መልስን | ካብ መደብ መንእሰያት ገጽ 01 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ : ንፍታሌም እምነት ዓለም-ለኻዊት ቤተ-ክርስትያን : ቁ.ሳ.ፖ. 11897 ኢ-መይል፦ [email protected] ብሎግ፦ www.gazetaelim.wordpress.com ፈይስቡክ፦ Gazeta Elim ትሕዝቶ=> 79 02) ኣብ ቤት ማርታ ዝኾነ ነገር 03) ኣወገድቲ ሽግር ንኹን 04) ዕላማ መስቀል ኣብ መልእኽቲ ጵእውሎስ 05) እምነት 07) ካብ ኩሉ ሸነኽ ሕቶ፣- ቅድሚ ጎይታ ምቕባለይ ዘፍቅራ ሰብ ነይራትኒ ሕጂ ድማ ፍቕርና ንቐጽሎ እንዳ በለት ተሸግረኒ ኣላ እሞ እንታይ እንተገበርኩ ይሕሸኒ፧ መልሲ፣- ካብ ሕቶኻ ከም ዝተረዳእክዎ እታ ሰብ ኣማኒት ኣይኮነትን። ስለዚ እቲ ዝምድናኹም ፍቕራዊ ጥራይ እምበር ቃል ኪዳን ዘይኣተኹም እንተ ኾንኩም ክትቅጽሎ ኣየተባብዓካን እየ። ብተወሳኺ ግን ኣብ ከባቢኻ ካብ ዘለዉ ኣገልገልቲ ዝያዳ ምኽሪ ሕተት። ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ሕቶ፣- ክልተ ዓይነት ፍቕሪ ኣሎ ክበሃል ሰሚዔ ኣለኹ እቲ ሓደ ኣምላኻዊ ኮይኑ ጽድቅን ቅድስናን ዝሓለወ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ከምዚ ናይ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ዓይነት። ብዛዕባ እዚ እንታይ ምበልካና። መልሲ፦ ንፍቕሪ ከም ሓደ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ነገራት ዘለዎ ዓቢ ዓንኬል ጌርና ንርኣዮ። ኣብ ፍቕሪ ምኩርራይ ኣሎ ምትሕጉጋስውን ኣሎ ምድልላይ ኣሎ ምስልቻውውን ኣሎ ምብኣስ ኣሎ ምትዕራቕ ድማ ኣሎ። ፍቕሪ ግን ከምቲ ዝበዝሔ ናይ ሂሊዉድ ፊልምታት ዝገልጾ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብቲ ፊልምታት ዝረኣ ክልተ ተጻይ ጾታ ንኹሉ ነገር ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እዮም ዝገብርዎ። ሸዓ መዓልቲ ተፋሊጦም ሸዓ መዓልቲ ተቛጺሮም መግቢ ይበልዑ ሽዓ መዓልቲ ድማ ብሕንሳብ ይድቅሱየፍቅረኪ እየ የፍቅረካ እየ ድማ ይበሃሃሉ። እዚ ፈጺምካ ፍቕሪ ኣይኮነን። ነዚ ፍትወት ኢና እንብሎ። ኣብ ኣካላት ንሓድሕዶም ኣትኩሮ ስለ ዝገበሩ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍትወት ንኸዕግቡ ጥራይ እዮም ብፍትወት ዝቀራረቡ ዘለዉ እምበር ናይ ሓቂ ተፋቒሮምሲ ኣይኮኑን። ፍቕሪ ፍትወት ኣይኮነን። ፍቕሪ ዘይተቋርጽ ክትከውን ከላ ፍትወት ግን ልክዕ ከምቲ ኣምኖን ዝገበሮ ንግዚኡ እዩ። እምኖን እቲ ዝደለዮ ምስ ረኸበ ንሓፍቱ ከም ጉሓፍ እዩ ጉሒፍዋ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ነታ ተፍቅራ ወይ እተፍቅርዮ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ኾነ ባህርያቱ ገለ ደስ ዝብለካ ነገር ኣይትረክብን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣካይደኣ ወይ ፍሽኽተኣ ደስ ክብለካ ይኽእል እዩ። ኣብ ፍቕሪ ፍትወት ዓብላሊ ኣይኮነን። ሕቶ፣- ሓደ ዝፈትዎ ንሱውን ዝፈትወኒ ወዲ ኣሎ ግን ኣማኒ ኣይኮነን። ኣነ ድማ ምሳይ ክትቅጽል እንተኾንካ ኣማኒ ክትከውን ኣለካ እየ ዝብሎ ንሱ ግን ኣፉ ኣውጺኡ ኖእ ኣይበለንን ግዜ ሃብኒ ተጸበይኒ እዩ ዝብለኒ ካብዚ ዓዲ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ገይሹ ኣሎ። እሞ እንታይ እንተገበርኩዎ ይሓይሽ፧ መልሲ፣- እንቋዕ እግዚኣብሄር ወሰደልኪ ወላሓንቲ ኣይምልሰልክን እየ። እንቋዕ እግዚኣብሄር ወሰደልኪ ደብዳቤ ከይትጽሕፍሉ ኢመይል ከይትገብርሉ ኣብ facebook ከማን ኣይትርከብዮ። ሕቶ፣- ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ ደገኛ ሰበይቲ ግና ካብ ኣምላኽ እያ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ መብርሂዶ ምሃብካና፧ መልሲ፣- እወ ርግጽ እግዚኣብሄር ይህብ እዩ እዚ ማለት ግና እታ ሓብቲ ልክዕ ከምታ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 31 ዘላ ደገኛ ሰበይቲ ኮይና ትመጸካ ማለት ኣይኮነን። ተፍቅረካ ንስኻውን ተፍቅራ እንተኾይንካ እሞ ድማ መንፈሳዊት እንተ ኾይና እቲ ኣብታ ደገኛ ሰበይቲ ዘሎ ብቕዓት ምስ ግዜ ከተምጽኦ ትኽእል እያ። እምበር ነንስትና ከምታ ደገኛ ሰበይቲ ንግሆ ንግሆ ኣይትትስእን ኢኺ ከምኣ ድማ መፍተል ኣይትፈትልን ወዘተ ኢልና ንኸነሸግረን ኣይኮነን እቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ። እዛ ደገኛ ሰበይቲ እዚኣ ሞዴል እያ ንዓኣ ከም ኣብነት ወሲድና ነንስትና ነቲ ናታ ባህርያት ክላበሰኦ ደኣ ንሓግዘን። በቲ ሓደ ወገን ድማ ዘይተመርዓኻ ሰብ እንተ ሃሊኻ ከምዛ ደገኛ ሰበይቲ እዚኣ ዝበለት ሓብቲ ገና ኣይረኸብኩን ኢልካ ካብ ምምርዓው ከይትተርፍ ይላበወካ። ሕቶ፣- ሓዳር ይደሊ እየ መጻምዲውን ረኺበ ኣለኹ ግን ከኣ ልበይ ኣይረግኤን ፈሪሔ እሞ እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧ መልሲ፣- ጅግና! ተመርዖ! ኣጆኻ እግዚኣብሄር ክድግፈካ እዩ። ክትምርዖ ክትሓስብ ከሎኻ ተፈርህ ኢኻ። ሓደ ነግር ክነግረኩም ዓሻ ሰብ ጥራይ እዩ ደፊኡ ዝአቱ ክትምርዖ ከሎኻ ትፈርሕ ኢኻ። እንታይ እዩ እቲ ክትፈርሖ ዘሎካ ነገር እንተበልና ድማ ክርስትያን ስለ ዝዀንኻ ነታ ጓልሲ ክጾራ ይኽእል ድየ፧ እዛ ጓል እዚኣስ ዘልአለም ክሳዕ 40/50 ዓመት ምሳይ ዝኣርግ ክትጸንሕ ትኽእልዶ፧ ዘኣመሰሉ ሕቶታት ከፍርሓካ ይኽእል እዩ። እቲ ምፍራሕካ ከም ጌጋ ኣይትርኣዮ ናይ ልቦና ምልክት እዩ። ሕቶ፣- ኣነ ወዲ 27 ዓመት እየ ጓል 29 ዓመት ኣፍቂረ። ርግጸኛ እየ ብልቢ የፍቕራ እየ ግን ናይ ዕድመ ነገር ምዕባየይ ብምዃና ሕቶ ኾይኒኑ። መልሲ፣- ወልሓንቲ ጸገም የለን። ማለት ናይ ሰብ ዕድመ ብዓመታት ጥራይ ኣይኮነን ዝቑጸር ንሱ ወዲ 19 ዓመት ከሎ ኣተሓሳስባኡ ግን ወዲ 30 ዓመት ክኸውን ይኽእል። ንሕና ዓመታትኢና ንቆጽር። ረአዮ ዮሴፍ ወዲ 30 ዓመት ከሎ እዩ ኣማሓዳሪ ሓንቲ ሃገር ኮይኑ። ሕቶ፣- ብመጀመርታ ኣምላኽ ይመስገን ኣነ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዝተጸበኽዎ ብጣዕሚ ዝፈትዎ ሕጹይ አለኒ ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተወ ካብ ክርስትና ዝጐደለ ዀይኑ ተሰሚዑኒ እሞ ከመይ እንተገበርኩ ይሓይሽ፧ መልሲ፣- ቤተክርስትያን ዝኸይድ እንተኾይኑ ነቶም ሽማግለታት ተሌፎን ደዊልኪ የዕልልዮም የዕሩኽቲ እንተለዉዎውን ካብቶም ዓዕሩኽቱ ሓበሬታ ውሰዲ ቀልጢፍኪ ብተሃዋኽ ናብ መርዓ እንተዘይጐየኺ ዝሓሸ እዩ። ሕቶ፣- ምስ ሓንቲ ሓፍቲ ቅድሚ 3 ዓመት ኣብዚ ኣብ ሱዳን ኢና ንፋለጥ። ካብዚ ካብ ሱዳን ቅድሚ 2 ዓመት ናብ ካልእ ሃገር ከይዳ ክንምርዖ ምስ ተሰማማዕና ግን ቅድሚ ምምርዓውና ዘጥረኻዮ ወይ ዘጥረኽዎ ንብረት ናይ ናብ ገጽ 8 ይቕጽል ...

Upload: others

Post on 20-Oct-2020

16 views

Category:

Documents


1 download

TRANSCRIPT

  • ሕ ቶ ን መ ል ስ ን | ካ ብ መ ደ ብ መ ን እ ሰ ያ ት ገጽ 01 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ : ንፍታሌም እምነት ዓለም-ለኻዊት ቤተ-ክርስትያን : ቁ.ሳ.ፖ. 11897 ኢ-መይል፦ [email protected] ብሎግ፦ www.gazetaelim.wordpress.com ፈይስቡክ፦ Gazeta Elim

    ትሕዝቶ=>

    79 02) ኣብ ቤት ማርታ ዝኾነ ነገር 03) ኣወገድቲ ሽግር ንኹን 04) ዕላማ መስቀል ኣብ መልእኽቲ ጵእውሎስ

    05) እምነት 07) ካብ ኩሉ ሸነኽ

    ሕቶ፣- ቅድሚ ጎይታ ምቕባለይ ዘፍቅራ ሰብ ነይራትኒ ፡ ሕጂ ድማ ፍቕርና ንቐጽሎ እንዳ በለት ተሸግረኒ ኣላ እሞ እንታይ እንተገበርኩ ይሕሸኒ፧ መልሲ፣- ካብ ሕቶኻ ከም ዝተረዳእክዎ ፡ እታ ሰብ ኣማኒት ኣይኮነትን። ስለዚ እቲ ዝምድናኹም ፍቕራዊ ጥራይ እምበር ቃል ኪዳን ዘይኣተኹም እንተ ኾንኩም ክትቅጽሎ ኣየተባብዓካን እየ። ብተወሳኺ ግን ኣብ ከባቢኻ ካብ ዘለዉ ኣገልገልቲ ዝያዳ ምኽሪ ሕተት። ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ሕቶ፣- ክልተ ዓይነት ፍቕሪ ኣሎ ክበሃል ሰሚዔ ኣለኹ ፡ እቲ ሓደ ኣምላኻዊ ኮይኑ ጽድቅን ቅድስናን ዝሓለወ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ከምዚ ናይ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ዓይነት። ብዛዕባ እዚ እንታይ ምበልካና። መልሲ፦ ንፍቕሪ ከም ሓደ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ነገራት ዘለዎ ዓቢ ዓንኬል ጌርና ንርኣዮ። ኣብ ፍቕሪ ምኩርራይ ኣሎ ምትሕጉጋስውን ኣሎ ፡ ምድልላይ ኣሎ ምስልቻውውን ኣሎ ፡ ምብኣስ ኣሎ ምትዕራቕ ድማ ኣሎ። ፍቕሪ ግን ከምቲ ዝበዝሔ ናይ ሂሊዉድ ፊልምታት ዝገልጾ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብቲ ፊልምታት ዝረኣ ፡ ክልተ ተጻይ ጾታ ንኹሉ ነገር ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እዮም ዝገብርዎ። ሸዓ መዓልቲ ተፋሊጦም ሸዓ መዓልቲ ተቛጺሮም መግቢ ይበልዑ ሽዓ መዓልቲ ድማ ብሕንሳብ ይድቅሱ፡ የፍቅረኪ እየ የፍቅረካ እየ ድማ ይበሃሃሉ። እዚ ፈጺምካ ፍቕሪ ኣይኮነን። ነዚ ፍትወት ኢና እንብሎ። ኣብ ኣካላት ንሓድሕዶም ኣትኩሮ ስለ ዝገበሩ ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍትወት ንኸዕግቡ ጥራይ እዮም ብፍትወት ዝቀራረቡ ዘለዉ እምበር ናይ ሓቂ ተፋቒሮምሲ ኣይኮኑን። ፍቕሪ ፍትወት ኣይኮነን። ፍቕሪ ዘይተቋርጽ ክትከውን ከላ ፍትወት ግን ልክዕ ከምቲ ኣምኖን ዝገበሮ ንግዚኡ እዩ። እምኖን እቲ ዝደለዮ ምስ ረኸበ ንሓፍቱ ከም ጉሓፍ እዩ ጉሒፍዋ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ነታ ተፍቅራ ወይ እተፍቅርዮ ሰብ ኣብ ኣካላቱ ኾነ ባህርያቱ ገለ ደስ ዝብለካ

    ነገር ኣይትረክብን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣካይደኣ ወይ ፍሽኽተኣ ደስ ክብለካ ይኽእል እዩ። ኣብ ፍቕሪ ፍትወት ዓብላሊ ኣይኮነን። ሕቶ፣- ሓደ ዝፈትዎ ንሱውን ዝፈትወኒ ወዲ ኣሎ ፡ ግን ኣማኒ ኣይኮነን። ኣነ ድማ ምሳይ ክትቅጽል እንተኾንካ ኣማኒ ክትከውን ኣለካ እየ ዝብሎ ፡ ንሱ ግን ኣፉ ኣውጺኡ ኖእ ኣይበለንን ፡ ግዜ ሃብኒ ተጸበይኒ እዩ ዝብለኒ ፡ ካብዚ ዓዲ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ገይሹ ኣሎ። እሞ እንታይ እንተገበርኩዎ ይሓይሽ፧ መልሲ፣- እንቋዕ እግዚኣብሄር ወሰደልኪ ወላሓንቲ ኣይምልሰልክን እየ። እንቋዕ እግዚኣብሄር ወሰደልኪ ደብዳቤ ከይትጽሕፍሉ ኢመይል ከይትገብርሉ ኣብ facebook ከማን ኣይትርከብዮ። ሕቶ፣- ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ ደገኛ ሰበይቲ ግና ካብ ኣምላኽ እያ ፡ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ መብርሂዶ ምሃብካና፧ መልሲ፣- እወ ርግጽ እግዚኣብሄር ይህብ እዩ ፡ እዚ ማለት ግና እታ ሓብቲ ልክዕ ከምታ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 31 ዘላ ደገኛ ሰበይቲ ኮይና ትመጸካ ማለት ኣይኮነን። ተፍቅረካ ንስኻውን ተፍቅራ እንተኾይንካ ፡ እሞ ድማ መንፈሳዊት እንተ ኾይና እቲ ኣብታ ደገኛ ሰበይቲ ዘሎ ብቕዓት ምስ ግዜ ከተምጽኦ ትኽእል እያ። እምበር ነንስትና ከምታ ደገኛ ሰበይቲ ንግሆ ንግሆ ኣይትትስእን ኢኺ ፡ ከምኣ ድማ መፍተል ኣይትፈትልን ወዘተ ኢልና ንኸነሸግረን ኣይኮነን እቲ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ። እዛ ደገኛ ሰበይቲ እዚኣ ሞዴል እያ ፡ ንዓኣ ከም ኣብነት ወሲድና ነንስትና ነቲ ናታ ባህርያት ክላበሰኦ ደኣ ንሓግዘን። በቲ ሓደ ወገን ድማ ዘይተመርዓኻ ሰብ እንተ ሃሊኻ ፡ ከምዛ ደገኛ ሰበይቲ እዚኣ ዝበለት ሓብቲ ገና ኣይረኸብኩን ኢልካ ካብ ምምርዓው ከይትተርፍ ይላበወካ። ሕቶ፣- ሓዳር ይደሊ እየ ፡ መጻምዲውን ረኺበ ኣለኹ ፡ ግን ከኣ ልበይ ኣይረግኤን ፈሪሔ እሞ ፡ እንታይ ተገበርኩ ይሓይሽ፧

    መልሲ፣- ጅግና! ተመርዖ! ኣጆኻ እግዚኣብሄር ክድግፈካ እዩ። ክትምርዖ ክትሓስብ ከሎኻ ተፈርህ ኢኻ። ሓደ ነግር ክነግረኩም ዓሻ ሰብ ጥራይ እዩ ደፊኡ ዝአቱ ፡ ክትምርዖ ከሎኻ ትፈርሕ ኢኻ። እንታይ እዩ እቲ ክትፈርሖ ዘሎካ ነገር እንተበልና ድማ ፡ ክርስትያን ስለ ዝዀንኻ ነታ ጓልሲ ክጾራ ይኽእል ድየ፧ እዛ ጓል እዚኣስ ዘልአለም ክሳዕ 40/50 ዓመት ምሳይ ዝኣርግ ክትጸንሕ ትኽእልዶ፧ ዘኣመሰሉ ሕቶታት ከፍርሓካ ይኽእል እዩ። እቲ ምፍራሕካ ከም ጌጋ ኣይትርኣዮ ናይ ልቦና ምልክት እዩ። ሕቶ፣- ኣነ ወዲ 27 ዓመት እየ ፡ ጓል 29 ዓመት ኣፍቂረ። ርግጸኛ እየ ብልቢ የፍቕራ እየ ፡ ግን ናይ ዕድመ ነገር ምዕባየይ ብምዃና ሕቶ ኾይኒኑ። መልሲ፣- ወልሓንቲ ጸገም የለን። ማለት ናይ ሰብ ዕድመ ብዓመታት ጥራይ ኣይኮነን ዝቑጸር ፡ ንሱ ወዲ 19 ዓመት ከሎ ኣተሓሳስባኡ ግን ወዲ 30 ዓመት ክኸውን ይኽእል። ንሕና ዓመታትኢና ንቆጽር። ረአዮ ዮሴፍ ወዲ 30 ዓመት ከሎ እዩ ኣማሓዳሪ ሓንቲ ሃገር ኮይኑ። ሕቶ፣- ብመጀመርታ ኣምላኽ ይመስገን ፡ ኣነ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዝተጸበኽዎ ብጣዕሚ ዝፈትዎ ሕጹይ አለኒ ፡ ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተወ ካብ ክርስትና ዝጐደለ ዀይኑ ተሰሚዑኒ እሞ ከመይ እንተገበርኩ ይሓይሽ፧ መልሲ፣- ቤተክርስትያን ዝኸይድ እንተኾይኑ ነቶም ሽማግለታት ተሌፎን ደዊልኪ የዕልልዮም ፡ የዕሩኽቲ እንተለዉዎውን ካብቶም ዓዕሩኽቱ ሓበሬታ ውሰዲ ፡ ቀልጢፍኪ ብተሃዋኽ ናብ መርዓ እንተዘይጐየኺ ዝሓሸ እዩ። ሕቶ፣- ምስ ሓንቲ ሓፍቲ ቅድሚ 3 ዓመት ኣብዚ ኣብ ሱዳን ኢና ንፋለጥ። ካብዚ ካብ ሱዳን ቅድሚ 2 ዓመት ናብ ካልእ ሃገር ከይዳ ፡ ክንምርዖ ምስ ተሰማማዕና ግን ቅድሚ ምምርዓውና ዘጥረኻዮ ወይ ዘጥረኽዎ ንብረት ናይ

    ናብ ገጽ 8 ይቕጽል ...

  • ገጽ 02 ታሕሳስ 2012 ኤሊም 7ይ ዓመት ቁ.55 ገጽ 02 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    38 ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39 ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። 40 ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። 41 የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። 42 እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ።

    ሉቃስ 10፡38-42 ኣብዛ ልዕል ኢልና ዝረኣናያ ክፉል ቅዱስ ጹሑፍ፡ ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ቤት ማርታ ዝኾነ ነገር ኢና ተመዝጊቡ እንረኽቦ። እዛ ስድራ እዚኣ (ማርታ፡ ማርያም፡ ኣልኣዛር ) ቀረባ ዝምድና ምስ ጐይታና ስለ ዚነበራ ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራታት ቅዱስ ጹሕፍ ሓሓሊፉ ትጥቀስ እያ። ካብቲ ጐይታና ኣብዛ ስድራ ዝገበሮ ነገራት ድማ ብዙሕ ንህይወትና ዝጠቅም ነገር ክንመሃር ንኽእል። እምብኣር ንሎሚ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቤት ማርታ ካብ ዝኾነ ነገር ሓደ ኣዚዩ ዝሰሓበኒ ቁም ነገር ረኺበ ኣለኹ እሞ፡ ብሓባር ኮይንና ክካፈሎ ንቐደም ይብለኩም።

    ሓፈሻዊ ኩነታት ቤት ማርታ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይዚ ኣብ ቤት ማርታ ዝተፈጸመ ዛንታ፡ ማርታ ባዕላ ጐይታናን ማርያምን እኳ እንተ ኾኑ፡ ካልኦት ሰባት ከም ዚነበሩዉን ካብቲ ዛንታ ክንርደኦ ዚከኣል እዩ። ቀዳማይ ነጥቢ፡ እታ “ ኪኸዱ ከለዉ “ እትብል ፍላሚት ሓረግ ፡ ምስ ጐይታና ገለ ሰባት ( ተወሓዱ ደቀ መዛምርቱ ) ከም ዝነበሩ ትሕብር እያ። “ ኣብ ቤታ “ ዚብላ ቃላትዉን እቲ ቤት፡ ቤት ማርታ ከም ዚነበረ፡ ስለዚ ድማ ሓዳር ማርታ ኣብቲ ቤት እቲ እዩ ነይሩ ዝብል ግምት ክውሰድ ዚከኣል እዩ። ምስዚ ተታሓሒዙ ድማ በዓል ቤታ ከምኡዉን ደቃ ኣብቲ ሰዓት እቲ ኣብቲ ቤት ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ። ስለዚ እምብኣር ማርታ ከም በዓልቲ ቤት መጠን፡ ንኹሉ ከተሑጉስ እትገብሮ

    ዝነበርት ሸበድበድ ክንግምቶ ዚከኣል እዩ። ማርታ በዚ ነቶም ኣጋይሽ ዝብላዕ ዝስተ ክትቅርብ ፡ በቲ ድማ ዝበኸየ ቆልዓ ክትእብድ ፡ ብዙሕ ትሃልኽ ነበረት። ብኣንጻሩ ግን ማርያም ሓብታ ተቐሚጣ ነበረት። ስለዚ ቤት ማርታ በዛ ሰዓት እዚኣ ከመይ ከም ዚነበረ ብዓይኒ ሕልናኹም ክትቐርጽዎ እኹል ሓበሬታ ዚሃብኩኹም ኮይኑ ይስምዓኒ።

    ጽቡቕ ግደ ምሕራይ እምብኣር ቀጺለ ናብቲ ቁም ነገር ክወስደኩም። ካብ እዛ ዛንታ ከም እንርደኦ፡ የሱስዉን ግልጺ ገይርዎ ከም ዘሎ፡ ማርታ ዝጐደላ ነገር ከም ዚነበረ ብሩህ እዩ። እዚ ኣብ ማርታ ጐዲሉ ዘሎ ነገር ኣብ ሓብታ ማርያም ከም ዝነበረ ድማ ስዉር ኣይኮነን። እዚ ነገር እዚስ እንታይ ኮን ይኸውን፧ ጐይታና ነዚ ነገር እዚ (እቲ ዚድለ ግና ሓደ ጥራይ እዩ) ብምባል ኣስሚርሉ ኣሎ፡ ቀጽሉውን እቲ ነገር እንታይ ምኻኑ ነጊሩና ኣሎ። እቲ ነገር “ ጹብቕ ግደ ምሕራይ “ እዩ ፡ (choosing the best one)። እቲ ረኺበዮ ዝበልኹም ቑም ነገር ድማ ንሱ እዩ። ነዚ ጎይታና “ጽቡቕ ግደ ምሕራይ “ ኢሉ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓሳብ ፡ ምስ ኣብ ዘመንና ኣዝዮም ህቡባት ዝኾኑ ክልተ ናይ ምሕደራ ቃላት ማለት ፡ ኣትኩሮን(focus) ቀዳምነትን(priority) ፡ ኣዛሚድና ምስ እንርእዮ እቲ ቁምነገር ኣብኡ እዩ ዘሎ። ጎይታና ብዛዕባ ማርያም “ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ “ ክብላ ኣንከሎ ፡ በዚ ናይ ሎሚ ናይ ምሕደራ ቋንቋ “ ማርያም ቀዳምነታታ ሰሪዓ ፡ ነቲ ቀዳምነት ዝሃበቶ ነገር ድማ ኣትኩሮ ገይራትሉ ኣላ “ ብዝብል ቃላት ክንገልጾ ንኽእል። ብሕጽር ዝበለ ፡ ቀዳምነት ንሓደ ጉዳይ ኣቐዲሙ ክትግበር ኣለዎ ኢልካ ካብ ካልኦት ጉዳያት ፈሊኻ ምምራጽ እዩ። ኣትኩሮ ክንብል ከሎና ድማ ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብዘሎ ተገዳስነትካ(ንጥፈታትካ) ኣብ ሓደ ጉዳይ (ኣብቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ) ጥራይ ምግባር እዩ። ንሎሚ ኣምበኣር ኣብዚ “ ኣትኩሮ “ ተሰምዩ ዘሎ ባእታ ናይ ምሕደራ ኣተኲረ ጽሑፈይ ክቕጽል እየ።

    ኣትኩሮ (FOCUS)

    ነዚ (focus) ዚብል ቃል ካብ ሓደ ኣብ ዓዉደ ጥበብ ደረቕ ስእሊ ዝነጥፍ ሰብ ንላዕሊ ክርድኦ ወይ ክገልጾ ዝኽእል ሰብ ኣሎ ኢለኣይ ኣምንን። ከመይሲ እቲ ሰኣላይ ስእሊ ኣብ ዘልዕለሉ ህሞት፡ ኣቐዲሙ ነቲ ቀንዲ ክስኣል ዘለዋ ነገር (ሰብ ወይ ኣቕሓ) ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ካልእ ነገር ኣዚዩ ጐሊሑ ከም ዚርኣ ምእንቲ ክገብር ነቲ ሌንስ ናይ ካሜርኡ ምቕናይ የድልዮ። ነዚ ነገር እዚ ምስ ኣረጋገጸ ድማ እዩ መልጐም ናይ ካሜራኡ ጸቒጡ ስእሊ ዘልዕል። እዚ ነገር እዚ እንተ ዘይተጌሩ ግን፡ እቲ ዋና ነገር ካብቲ እብ ከባቢኡ ዘሎ ካልእ ነገራት ጐሊሑ ስለ ዘይወጽእ፡ ዝተረበሸ ስእሊ እዩ ዝልዓል። ስለዚ እምብኣር ኣትኩሮ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ነገር ጥራይ ተገዳስነትካ ምዉፋይ ኢልና ክንገልጾ ንኽእል። ኣብ ሓደ እዋን ዘሎ ጊዜኻ፡ ሓሳብካ፡ ሓይልኻ፡ ኮታ ኩለንትናኻ ናብ ሓደ ነገር ምስ ዚቐንዕ ኣብቲ ነገር እቲ ኣትኩሮ ጌርካ ኣሎኻ ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሓደ ንላዕሊ ነገራት ክትግደስ ምስእትፍትን ካብ ኣትኩሮ ወጻኢ ትኸዉን። ንማርታ ዘጋጠማ ነገር እምብኣር እዚ እዩ ነይሩ። በዚ መግቢ ከተዳሉ፡ በዚ ቖልዓ ከተደቕስ፡ በቲ ድማ ዘረባ የሱስ ክትሰምዕ ትደሊ፡ ኮታ ንኹሉ ኣብ ሓደ ጊዜ ክትገብሮ ደለየት። እቲ ዚበለጸ ሓደ ነገር ስለ ዘይሓረይት ድማ ኣብ ነቐፋ ወደቐት። ከምዚ ናይ ማርታ ኣብ ሓደ እዋን ቡዙሕ ነገራት ክንገብሩ ብምፍታናም ኣብ ዘይተድለየ ክሳራን፡ ተስፋ ምቑራጽን ምስልቻዉን ዝወደቑ ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ድማ መንእሰያት በዚ ነገር እዚ ተወቒዖም ነቲ ናይ ንእስነት ዕድሚኦም ኣብ ሓደ ነገር ከየድምዑ ኣርብዓታት ዚበጺሑ ቡዙሓት እዮም። ኣብ ሓደ ሞያ ጸኒሖም ንዕኡ ከየብሰሉ ናብ ካልእ ዝቕይሩ፡ ሓንቲ መጽሓፍ ከንብቡ ጀሚሮም ንዓኣ ከይወድኡ (ብግቡእ እቲ ካብኣ ክረኺብዎ ረብሓ ከይረኸቡ) ካልኣይ ሳልሳይ መጽሓፍ ዝዉስኹ ፡ ብስክፍታ ተቐሲቦም ንኹሉ ሰብ ምእንቲ ከሐጉሱ ዝቐደመ ጉዳያት ከየጽፈፉ ነንዝመጾም ጉዳይ ዝቕበሉ ፡

    ኣብ ቤት ማርታ ዝኾነ ነገር

    ናብ ገጽ 6 ይቕጽል ...

  • ገጽ 03 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    ሰላም ንዓኹም ክቡራት ነበብቲ ጋዜጣ ኤሊም ፡ ቀጺሉ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ “ መን እዩ ጅግና፧ “ ካብ እትብል ብደረክ ፕሪንስ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዝተወስደ ትሕዝቶ እዩ። ሰናይ ናይ ናብ ግዜ! ኣብቲ እግዚኣብሄር ዘቐመጠና ስፍራ ነቲ ትኽክለኛ ካባና ዝድለ ተራ ኣማሊእና ክንርከብ እንተ ደኣ ኾይንና ፡ ካባና ዝጥለብ ካልእ ነገር ድማ ኣሎ ፡ ንሱ ድማ ኣወገድቲ ሽግር ደኣ እምበር ፈጠርቲ ሽግር ኮይንና ከይንርከብ እዩ። ፍታሕቲ ሽግር ካብ ምዃን ተሪፍና ፈጠርቲ ሽግር ምስ ንኸውን ፡ ክርስትያናዊ ህይወትና ንባዕሉ ሽግር ከም ዘለዎ እዩ ዘርኢ። ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ “ ብስለት ወይ ብጽሕና “ ንዝብል ቃል “ ካብቲ እንፈጥሮ ሽግራት እቶም ንፈትሖም ሽግራት ክበዝሑ እንከለዉ “ ኢሉ ክትርጉሞ ከሎ ይዝክር። ናይ ብሓቂ ግሩም ብሂል እዩ። እምበኣር ናብራ ህይወትና ብመንጽር እዚ ብሂል እዚ ከመይ ኣሎ፧ ካብቶም ንፈትሖም ሽግራት እቶም ንፈጥሮምዶ ይበዝሑ ወይስ ካብቶም ንፈጥሮም ሽግራት እቶም ንፈትሖም ይበዝሑ፧ ኣብቲ ቀዳማይ መደብ እንተደኣ ሃሊና ብርግጽ ብጹሓት ክርስትያናት ኣይኮንናን። እዚ ማለት ክርስትያናዊ ህይወትና ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ ኣይኮነን ዘሎ ማለት እዩ። ከም ክርስትያናት መፍትሒ ሽግር እነናዲ ደኣ እምበር ሽግር እንፈጥር ሰባት ክንከውን ኣይግባእን። ኣብ መጽሓፍ እዮብ 22፡26-30 ዘሎ ጽሑፍ ብምንባብ እስኪ ሓደ ሓደ ተወሳኺ ነጥብታት ክንርኢ ንፈትን። “ ሽዑ ንስኻ በቲ ዂሉ ዚኽእል ባህ ኪብለካ፡ ገጽካውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ። ክትልምኖ፡ ንሱውን ኪሰምዓካ እዩ፡ ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ። ዝሓሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካ፡ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ። እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊ፡ ክትብል ኢኻ። ነቲ ትሑት ሰብ ኬናግፎ እዩ። ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ኬናግፎ እዩ፡ ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዚናገፍ። “ ኣብዚ ክፍሊ እዚ እንርእዮ ሓሳብ ፡ ሰናይ ነገር ዘበለ ኩሉ ውጽኢት እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዘለና ዝተስተኻኸለ ዝምድና ምዃኑ ንምስትውዓል ክጠቕመና እዩ። በቲ “ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ “ ደስ እንተ ደኣ ኢሉና ፍረ ክንፈሪ ኢና። ናብኡ ንጽሊ ንሱ ድማ ይምልሰልና። ክርስትያን ናይ ጸሎቱ መልሲ ምቕባል ዝተለማመደ ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ጸሎትና መልሲ ከም እንቕበል ክርስትያናት ጥራይ ዘይኮኑ ክርስትያናት ዘይኮኑ ሰባትውን

    ክፈልጡ ኣለዎም። ብዙሕ ግዜ ሰባት ናባይ መጺኦም “ በጃኻ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ጸልየልና ፡ እግዚኣብሄር ጸሎትካ ከም ዝሰምዖ ተረዲእና ኣሎና “ ክብሉኒ ከለዉ ብጣዕሚ እየ ዝግረም። እወ ፈጣሪ ሽግር ዘይኮነስ ፈታሕ ሽግር ኮንካ ክትርከብ ከምዚ ይመስል። ቀጺላ ዘላ ጠቕሲ ፡ “ ዝሐሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካ፡ ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ። “ ትብል። ኣብ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኣብ ዘዳግም ምዕራፍ 28 ድማ “

    እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። “ ዝብል ቃል ኣሎ። ኩላትና ከም እንፈልጦ ርእሲ እዩ ውሳኔ ዝውስን። ጭራ ግን ርእሲ ናብ ዝኸዶ ዘበለ ስፍራ ኩሉ ደድሕሪኡ ትጉተት እምበር ብገዛእ ርእሳ ክትውስን ኣይትኽእልን እያ። ንሕናኸ ናይ ርእሲዶ ወይስ ናይ ጭራ ቦታ ኢና ሒዝና ዘሎና፧ ከም ርእሲ ዲና ንመላለስ ዘለና ወይስ ከም ጭራ፧ እቲ እንሓስቦን እንገብሮን ይሰልጠናዶ ኣሎ ወይስ ኩነታት እዩ ዘሽከርክረና ዘሎ፧ ቀጺላ ኣብ ዘላ ጥቕሲ ድማ ኣዝዩ ዘደንቕ ነገር ኢና እነንብብ። “ እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊ፡ ክትብል ኢኻ። “ ኣዝዩ ዘገርም ነገር እዩ። ኣይኮነን ድዩ፧ ኣብ ማእከል ተስፋ ዝቖረጹ ፡ ንትህኪት ድማ ከም ዕለታዊ ዕድሎም ዝወሰድዎ ሰባት ምስ እትርከብ ፡ “ እግዚኣብሄር ከድሕነኩም እዩ እሞ ተንስኡ “ ክትብል ትጅምር። ከምዚ እዛ ጥቕሲ እትብሎ ዘላ ምዃን ፈጣሪ ሽግር ዘይኮነስ ፈታሕ ሽግር ምዃንካ እዩ ዘርኢ። ንተስፋ ምቑራጽን ትህኪትን ከም ተላባዒ ሕማም ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ኣብ ማእከል በዚ ሕማም እዚ ዝተለኽፉ ሰባት ምስ እትህሉ ፡ እቲ ሕማሞም ብቐሊሉ ክሓልፈካ ዝከኣል እዩ። እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ግን ዕጫዑ ከምዚ ኣይከውንን ፡ ንሱ ግን ንናይ ሰባት ህይወት ይልውጥ። “ ነቲ ትሑት ሰብ ኬናግፎ እዩ። ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ኬናግፎ እዩ፡ ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዚናገፍ። “ ንርእስኻ ዝኣክል ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ዝኸውንውን ይተርፈካ። ኣብ

    ሓደ ከባቢ ምህላውካ ጥራይ ኣብቲ ኸባቢ ኣወንታዊ ለውጢ ይኸውን። እዚ ነገር እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣብ ህይወተይ ኣረጋጊጸዮ ኣለኹ። ሓድሽ ክርስትያን ከለኹ ምስ ሰራዊት ብሪጣንያ ኮይነ ብሕክምና የገልግል ነበርኩ። ሓደ ግዜ እታ ዝነበርኩዋ ናይ ሕክምና ጉጅለ ክትሓልፎ ዘይነበራ መስመር ስለ ዝሓለፈት ፡ ኣብ ሓደ ጸላኢ ዝቆጻጸሮ በረኻ ኣተወት። ንሒደት ሰዓታት እንታይ ከም እንገብር ኣይፈለጥናን ፡ ናይ ጸላኢ ሰራዊት ብቕድሜና ድዩ ዘሎ ብድሕሬና ክርደኣና ኣይከኣለን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘደናግር ኩነታት ከለና እዩ እምበኣር ሓደ ወተሃደር ናባይ ገጹ ብምምጻእ ኣተኲሩ የዒንተይ እንዳ ረኣየ “ ኣቶ ፕሪንስ ኣብዛ ፈታኒት ሰዓት ምሳና ምህላውካ ሩፍታ ሂቡኒ ኣሎ “ ዝበለኒ። ኣነ ክሳዕ ዝፈልጦ ግዜ እዚ ሰብ እዚ ክርስትያን ኣይነበረን። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ወተሃደር እዚ “ ኣቶ ፕሪንስ ናይ እግዚኣብሄር የዒንቲ ከም ዝከታተላኻ ፈሊጠ ኣለኹ ፡ ስለዚ ድማ ምሳና ብምህላውካ ጥራይ እንረኽቦ ጥቕሚ ብዙሕ እዩ “ ማለቱ እዩ። እዛ ልዕል ኢልና ዝረኣናያ ጥቕሲ ቅዱስ ጽሑፍ እምበኣር ምስዚ ዘዘንተኹልኩም ኣጋጣሚ እትሰማማዕ እያ። ካብ ንጽህና ኣእዳውካ ዝተላዕለ እቲ ንጹህ ዘይኮነ እኳ ክድሕን እዩ። ከምዚ ዝበለ ዋጋ ክህልወካ ኣዝዩ ጠቓሚ ነገር እዩ። ምናልባት ኣብ ማእከል ጸልማት ዘጥቅዖም ሰባት ንህሉ ንኸውን ፡ ንሕና ግን ብርሃን ንኹነሎም። ሓደ ሓደ ተስፋ ዝቖረጹ ሰባት ከጓንፉና ዘጋጥም ነገር እዩ ፡ ንሕና ግን ንተስፋኦም እነለምልም ኮይንና ንረኸብ። ተስፋ እንህብ ደኣ እምበር ተስፋ እነቑርጽ ሰባት ኣይንኹን። ዓለም ተስፋ ብዝቖረጹ ሰባት እያ መሊኣ ዘላ ፡ ተወሳኺ ተስፋ ዘቑርጽ ሰብ ምዃን ድማ ትርጉም የብሉን። ሓደ ካብቶም መንፈስ ቅዱስ ዝልለየሎም ባህርያት ወይ ስማት “ መጸናንዒ “ ዝብል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምስ ክርስትያናት ጥቡቕ ሕብረት ኣለዎ። ካብ ቃል እግዚኣብሄርን ካብ ተመኩሮይን ከም ዝተማሃርኩዎ ፡ መንፈስ ቅዱስ ተስፋ ናይ ምቑራጽ ባህርይ ፈጺሙ የብሉን። እኳ ደኣ የተባብዕ “ ኣጆኻ/ኺ “ ድማ ይብልን የጸናንዕን። ተስፋ ዘቑርጽ ነገር ምስ ዘጋጥመና ካብ መንፈስ ቅዱስ ዘይምዃኑ ኢና እነለልዮ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥኹም እንድሕር ኣሎ ፡ ኣብ ውሽጥኹምውን ይሰርሕ እንተ ሃልዩ ፡ ናቱ ባህርያት ምንጽብራቕኩም ዘይተርፍ ነገር እዩ። ስለዚ ድማ መጸናናዕቲ ደኣ እምበር ተስፋ

    ናብ ገጽ 8 ይቕጽል ...

    ኣወገድቲ ሽግር ንኹን ካብ መጻሕፍቲ

    ደረጃ ብስለት ወይ ብጽሕና ፡ ካብቲ እንፈጥሮ ሽግራት እቶም ንፈትሖም ሽግራት ክበዝሑ ዝበዝሑሉ ደረጃ

    እዩ!

  • ገጽ 04 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    ( 1 ) “ እቶም ብህይወት ዘለና ነቲ ምእንታና ዝሞተን ዚተንሰእን እምበር ንገዛእ ርእስና ምእንቲ ከይንነብር . . . “ ፡ 2ይ ቆሮ. 5፡15። ዕላማ መስቀል ንገዛእ ርእስና ምንባር እነቋርጸሉ መስርሕ እዩ። ካባና ንርእሱ ኢሉ ዝነብር ወይ ንርእሱ ኢሉ ዝመዉት ሓደ እኳ የልቦን ከም ዚበለ ጳወሎስ ፡ ክጸንሕዶ ወይስ ክፋኖ ኣብ ዚብል ድሌታት እቲ ምርጫ ናይ ምጽናሕ ንኻልኦት ደኣ እምበር ንገዛእ ርእሱ ኣይነበረን። ( 2 ) “ ንሕና ብክርስቶስ ጽድቂ

    ኣምላኽ ምእንቲ ክንከዉን . . . “ 2ይ ቆሮ. 5፡21። እግዚኣብሄር ኣቦ ነቲ ሓጥያት ዘይፈለጠ ወዱ ኣብ ክንዳና ሕጥያት ምስ ገበሮ ዘደንቕ መስርሕ ምቅይያር እዩ ተፈጺሙ፡ ክርስቶስ ነቲ ናይ ሓጥያት ልብስና ብምዉሳድ ነቲ ናይ ጽድቂ ልብሲ ድማ ኣልቢሱና። ስለዚ ምሉእ ጽድቂ ኢና ተቐቢልና፡ ነዚ ድማ እዩ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቕን ምቕዳስን ምድሓንን ዝኾነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም ዚብለና። ( 3 ) “ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም

    ምእንቲ ከድሕነና . . . “ ገላ. 1፡4። ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ጸጽባሕ ሕጂ ክብለና ከሎ ሕጂዉን ነዞም ሕጂ ዘለና እዪ። እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ብዚመልኽ ርኹስ መንፈስ ተታሒዛ ኣላ። እዚ ሰይጣን እዚ ድማ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ከይርእዩ፡ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ደፊንዎ ይርከብ። ብኹሉ ናይ ዉድቀት ሓደጋ ፍርሂ ከይኣትወናን እግዚኣብሄር ኣባና ጻድቅ ተባሂሉ ንኽስመ ድማ ኣግማድ ናይዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም በቲኹ ኣድሒኑናን የድሕነናን ድማ ኣሎ። (4) ካብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ወጺእና፡

    ንኣምላኽ ህያዉ ኮይና ክንነብርን ብክርስቶስ የሱስ ጥራይ ምእንቲ ክንምካሕን ፡ ገላ. 2፡19 6፡14-15። ጳዉሎስ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ክንፈሪ፡ ንኻልእ ነቲ ካብ ምዉታት ንዚተንሰኣ ክንከዉን ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትና ፡ ከም ዚበለ እንምክሓሉ ነገር እንተልዩ ብክርስቶስ የሱስ ሓደሽ ፍጥረት ምዃና ደኣ እምበር ምግዛር ይኹን ዘይምግዛር ማለት ዝኾነ ይኹን ካልእ ዝጠቅም የብሉን እሞ ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንኣና ተሰቒላ ፡ ንሕናዉን ንዓለም ተሰቒልና ኢና። ጳዉሎስ ዚምክሓሉ ክርስቶስ የሱስ ጥራይ ከምዚነበረ ንምርኣይ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምካሓሉ ኣሎኒ ብምባል ከምዚ ካብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚሩ ክሳዕ ያሪኮን ማለት ናይቲ ሽዑ ግዜ ወሰን ምድሪ ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምልኡ ሰበኽክዎ ፡ ብምባል ረዚን መልእኽቲ የመሓላልፍ። ( 5 ) ርስሓት ወይ ዕጣር ወይ ድማ

    ንእኡ ዚመስል ካልእ ክፍኣት ዘይኮነ፡ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላን ክብርቲ ቤተክርስትያን ጌይሩ ናብኡ ምእንቲ ከቕርባ ኤፌ. 5፡27። እግዚኣብሄር ንቤተክርስትያን ከምዚ ጌይሩ ስለዘቕረባ እቲ ኣካል ድማ በታ መዓልቲ ጐይታ ዕዉት ኮይኑ ክርከብ እንተ ኾይኑ ብዘይ ኣበርን እንታን ወይዉን ነቐፋን ጽሩይ ኮይኑ ክጸንሕ ከሎ ጥራይ እዩ፡ እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዚጸወዓና እሙን ኣምላኽ በቲ ሓንሳእ ዚፈሰሰ ግናኸ ህያዉ ኮይኑ ዚነብር ዘሎ ደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ቤተክርስቲያን ክሳዕ ክንድዚ ህያዉ ኮይና ፡ ነቲ ህያዉ ኣምላኽ ብምግልጋል ኣብ ቅድሚኡ ክትቀርብን ክትረኣን ሕጂዉን እዚ ልዑል ደገፍ በዚ ናይ ደሙ ናይ ምንጻህን ምቕዳስን ሕይሉ ይዓዪ ኣሎ። ( 6 ) ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን

    ጌይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ከቑመና ቆሎሴ 1፡23። ሎሚ እዛ ሕጂ ዘላ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ብዘይ ኣበርን ነቐፋን ኣብ ቅድሚኡ ብምቕራብ ኪምስከረላ እንተ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍና ቅዱሳን ብዘይ ኣበርን ነቐፋን ክንከዉን ከለና ጥራይ እዩ። ብኣንጻሩ ናትና ዘይምቕዳስ ካባና ሓሊፉ ንማሕበሩ ጐደሎ ዘስሚ ስለ ዚኸዉን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንዮ እቲ ንሕና ዚረኣየናን ዚርድኣናን ገዚፍን ከቢድን ዉድቀት እዩ ዚኸዉን። ጳዉሎስ ንማሕበር ቆረንቶስ ብክርስቶስ የሱስ እተቕደሱን ቅዱሳን ንምኳን ዚተጸዉዑን ብምባል ኪጺሕፈሎም ከሎ፡ ክሳዕ ክንድኡ እቲ ብክርስቶስ የሱስ ዚኾነሎም ምቕዳስ ክግንዘቡ ክኢሎም እንተዚኾኑ ነይሮም ነቲ ቕዱሳን ናይ ምዃን ጻዊዒት ድማ በቲ ናይ ቀጻሊ ናብራኦም ብምርኣይ ዋጋ ምኸፈሉ ነይሮም። ሕጂዉን ብክርስቶስ የሱስ ከም ዝተቐደስናን ቅዱሳን ናይ ምዃን ጻዊዒት ከም ዘለናን ነስተዉዕል። (7) ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ

    ሓራኺወጽኣና ንርእሱዉን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚኮነኖን ህዝቢ ምእንቲ ኬንጽህ ፡ ቲቶስ 2፡14። ጳዉሎስ ንቲቶስ ኪምዕዶ ከሎ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዚኣምኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም ይደሊ ኣሎኹ ፡ ኪብሎ ኸሎ ከምቲ ኣምላኽ ባህሪኡ ሰናይ ስለ ዚኾነ ሰናይ ብምግባር ዚዓዪ ዘሎ ንሕናዉን ክሳዕ ክንድዚ ናይ ምንዳድ ቕንኢ ሃልዩና ኣብ ካልኦት ብሰናይ ክንገልጽ ገንዘብ ኣምላኽ ዚኾንና ህዝቢ ኢና።

    “ Salvation involves the double work of redeeming us from guilt and judg-ment and of producing moral purity and helpful service to others. “

    ኣገ. ዮናስ ተስፋሚካኤል

    ዕላማ መስቀል ካብ መልእኽቲ ጳዉሎስ

    ሌላ ምስ መንፈሳውያን መራኸቢ ዙሃን ቋንቋ ትግርኛ!

    www.betezion.com ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ስነ-ጽሑፋዊ ትሕዝቶ ፡ ግዝያዊ መወዓውዒ ኮንፈረንሳት ፡ ሓደስቲ መዛሙራት ፡ . . . ወዘተ ፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መድለዪ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስን ፡ ብዙሓት ኣሕዋት ካብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ዓለም ዝሳተፍዎ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዝሓዘት መንፈሳዊት ዌብሳይት ቤተዛዮን ምስ እትበጽሕዋ ንመንፈሳዊ ህይወትኩም ዘባርኽ ብዙሕ ብሉጽ ትሕዝቶ ኣለዋ።

    ስለዚ ስለምንታይ እትንድንጉዩ ሃየ እምበር ብጽሕዋ!

  • ገጽ 05 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    ሮሜ10፣17 “እምነት ካብ ምስማዕ እያ፣ ምስማዕ ድማ ካብ ቃል ክርስቶስ” ብዛዕባ እምነት እንክዝረብ፣ እዚ ጥቅሲ ከይተጠቅሰ ዝሓልፈሉ ሒደት እዩ። ናይዚ ሓሳብ ዕምቆት ምርዳእ ዘለና ግና ብዙሕ ከይከውን ይኽእል እዩ። እምነት ማለት ርግጽነት፣ ምርዳእ፣ እምንቶ (confidence) (እብ11፣1) ካልእን ተባሂሉ ክስመ ይኽእል እዩ። ብዘይ እምነት ድማ ንኣምላኽ ከስምሮ ዝኽእል የለን። “እምነት” ኩሉ እዩ እንተበልና ኣይተጋገናን። ብምሰረት ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ጥቅሲ ድማ ናይ እምነት ምንጪ “ምስማዕ” ምዃኑ፣ ምስማዕ ድማ ካብ “ቃል ክርስቶስ” ምኻኑ ይነግረና። ስለዚ እምነት ካብ ስምዒት፣ ወይስ ምህንጣይ፣ ወይ’ውን ብተኣምራት ዝኸውን ኣይኰነን። ካብ ምስማዕ ድኣ። ምስማዕ ድማ ካብ ዝዀነ ዘይኰነ፣ ካብ “ቃል ክርስቶስ” ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ኣብዚ ሓሳብ፣ ብተወሳኺ ምስቲ እምነት” ዝብል፣ “ምስማዕን” “ቃል ክርስቶስ” እንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ቀጺለ ድማ ካብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ገናጺለ ዝረኸብኽዎ፣ ንዓይ ድማ ዘዕገበኒ ምርዳእ ክትንትን እየ። እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ “ምስማዕ” ኢልዎ ዘሎ፣ ካብ ናይ እብራይስጢ “ሸማ shema” ዝብል ቃል ዝመጸ እዩ። ክልተ ትርጉም ድማ ዝሓዘ እዩ = “ምስማዕ” ን “ምእዛዝን” ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ኣብ ሓሳብ ጳውሎስ እምነት ዝመጽእ ካብ “ምስማዕ ምስ ምእዛዝ” ተጣሚሩ እዩ። ካብ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነ፣ ምእዛዝ ዝተሓወሶ እዩ። ኣብዚ ሓሳብ ምስማዕ ኩሉ ግዜ ምስ ግብሪ፣ ምእዛዝ ዝገጠመ እዩ። ሓደ ሰብ እምነት ኣለዎ ክበሃል ምስማዑ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን።

    ምእዛዝ ምስ ዝሕወሶ እዩ ናይ እምነት ምሉእ ትርጉም ክዉን ዝኸውን። “ምእዛዝን፣ ምስማዕን” ኣብ እብራይስጥ ኣይፈላለዩን እዮም። እቲ ካልእ “ምስማዕ” “ኣክዮ akoe” ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ኰይኑ፣ “ምእዛዝ” ዝብል የብሉን። እቲ ብእዝንና ኣቢሉ ዝኣቱ ድምጺ ጥራይ ድማ የመልክት። ሃዋርያ ምስማዕ ዝበሎ ነዚ ካልኣይ ኣይኰነን። እቲ ናይ እብራይስጢ “ሻማ” ዝብል ብምስማዕ ጥራይ ኣይዓግብን እዩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ክሳብ ዘይገበርክዎ፣ ከም ዝሰማዕክዎ ኣይቁጸርን እዩ። ስለዚ “እምነት” ውጽኢት ናይ ማስማዕን ምእዛዝን እዩ። ማለት ሓደ ሰብ “ኣሚኑ” ክብሃል እንተዀይኑ፣ ሰሚዑ ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። ብመጀርመያ ንዝሰምዖ ክገብሮ ዝተበገሰ ልቢ ምስ ዝህልዎ፣ ስራሕን ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ይምኰር። ብኻልእ ኣበሃህላ፣ ሰሚዑ እምነት ኣለኒ ዝበለ፣ ነቲ ዝሰምዖ ክእዘዞ ከሎ እዩ። እምነት ማለት ምስማዕን / ምእዛዝን ማለት እዩ። ምስማዕን / ምእዛዝን ድማ ናብ እምነት የብጽሕ።. እዚ ምስማዕን ምእዛዝን ድማ ን”ቃል ክርስቶስ” ክዀን ኣለዎ። ስለዚ እዚ “ቃል ክርስቶስ” ኢልዎ ዘሎ እንታይ እዩ ክንብል ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። “ቃል ክርስቶስ “ ዝብል ኣብዚ ሓሳብ ኣገዳሲ እዩ። ምስቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ምዕራፋት፣ ብፍላይ ካብ ሮሜ 9፣ ዘሎ እንተነቢብና፣ ናይዚ ሓሳብ መቀረት ክርድኣና ይኽእል እዩ። ኣብዚ ምዕራፋት መደብ ኣምልኽ ኣብ ደቂ እስራኤል ተዛሪቡ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣቀዲሞም ቃል ኣምላኽ ተቀቢሎም እዩም። ስለዚ “ቃል ኣምላኽ” ዝብል እንተተጠቂሙ፣ ምስቲ ኣቀዲሞም ዝተቀበልዎን ዝፈልጥዎን ቃል ክተሓዋወሶም ስለ

    ዝኽእል፣ ብንጹር “ቃል ክርስቶስ” ኢሉ ተዛሪቡ። ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስትያናን ኣይሁድን ምፍልላይ መታን ክገብር “ቃል ክርስቶስ” ክብል ጽሒፉ። ሰብ፣ ኣይሁዳዊ ኰነ ጽርኣዊ፣ ናብ እምነት ክበጽሕ እንተኰይኑ ዝዀነ ቃል ዘይኰነ፣ ብንጹር “ቃል ክ ር ስ ቶ ስ ” ክ ሰ ም ዕ ኣ ለ ዎ። ናይዚ ሓሳብ ዕምቖት ክስወጠና እንተኰይኑ፣ ኣብ መንጎ “ዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽን written word” “ዝተዘርበ ቃል ኣምላኽን” spoken word” ዘሎ ፍልልይ ክርድኣና ኣለዎ። “ዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ” ማለት ሓፈሻዊ ሓሳብ ኣምላኽ ወይ’ውን ጥቅሉል፣ ኩሉ ዘጠቃለለ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። እዚ ድማ ሎጎስ (logos) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ የውሃንስ ድማ የጠቃልል። “ዝተዘርበ ቃል ኣምላኽ” ከኣ ካብቲ ዝተጻሕፈ ሓፈሻዊ ቃል ኣምላኽ “ንግዚኡ” ዝኸውን፣ ንዘለኻዮ ኩነታት ዝዛረብ ፍልይ ዝበለ “ቃል” ማለት እዩ። እዚ ድማ እቲ “ሬማ” ኢልና ንጽውዖ እዩ። ስለ ኣብዚ ሓሳብ “ቃል ክርስቶስ” ክብል ከሎ፣ ካብቲ ሓፈሻዊ ቃል (ሎጎስ) ዝወጸ ዝዀነ ቃል ዘይኰነ፣ ብንጹር ብዛዕባ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ዝተዘርበ ንምድሓን ዝኸውን ቃል ማለት እዩ። ኣብ ናይ እብራይጢ ትርጉም ድማ ሬማቶስ ክርስቶስ (Rhematos christouስ) ዝብል ኰይኑ፣ ኣብ ትግርኛ “ቃል ክርስቶስ”ተባሂሉ ተተርጊሙ ኣሎ። ብዛዕባ “ሬሄማ” ዝብል ሓሳብ ክትርድኡ ንእትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ጥቅሲ ክትነብዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምልኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል (ሬሄማ) እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣ ይ ነ ብ ር ን እ ዩ ። ማ ቴ 4 ማቴ 26;75; ማቴ 27;14; ሉቃ 1;38; ሉቃ 3;2; ዮሃ 3;34; ዮሃ 8:20; 15:7; ግብ 2:14, 11:16; 10:37; 11:14; 13:42; 26:25; ሮሜ 10:8; ኤፌ 6:5; እብ 6:5; 11:3; 12:19; 1 ጴጥ 1:25; 2ጴጥ 3:2

    ብሳምሶን ምሕረተኣብ

    ካብ መርበብ ሓበሬታ www.betezion.com ዝተወስደ

    እም ነ ት ! እም ነ ት ! እም ነ ት !

  • ገጽ 06 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣገልግሎት ጸኒሖም ናብቲ ካልእ ዝናጠሩ ሰባት ብዝሖም “ ኣዲኦም ትቑጸሮም “ ኢልና እንተ ሓለፍናዮ ይሓይሽ። ሓደ ናይ ዓወት ኣማኻሪ ከምዚ ክብል ሰሚዔዮ ኣለኹ፡ ኣብ ሓደ ወቕቲ ኣትኩሮኻ ናብ ሓደ ነገር ጥራይ ምስ ዝኸውን ናይ ምዕዋት ተኽእሎኻ ብ 70% ይዉስኽ። እምብኣር መታን ክንጽረልና እቲ ኣትኩሮ ዝህቦ ጥቕምታትን ኣትኩሮ ዘይምህላዉ ዘስዕቦ ጉድኣት ምስቲ ኣብ ቤት ማርታ ዘጋጠመ ዛንታ ብምዝማድ በብሓደ ከምዚ ዝስዕብ ተዘርዚሮም ኣለዉ።

    ርብሓታትት ኣትኩሮ

    1) ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠት ንምኽዕባት ይሕግዝ፡ ኣትኩሮኻ ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ምስ ዚኾዉን፡ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠት ከተማዕብል ትጂምር። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 11 ሰፊሩ ዘሎ ዛንታ ምስ እንምልከት፡ ማርያም ዚያዳ ማርታ ብዛዕባ የሱስ ዝሓሸ ኣፍልጦ ከም ዚነበራ ዘብራህርህ ጽሑፍ ንረክብ። 2) ጸብለልታ(specialization) ክህልወካ ይሕግዝ ዕምቆት ዘለዎ ፍልጠት ድሕሪ ምኽዕባት፡ ግብራዊ ዝኾነ ጸብለልታ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ሓለፋ ስለ እትፈልጥ ሓለፋ ድማ ድማ ትገብር። ስለዚ ድማ ማርያም ንጐይታ ብቕዱስ ቅብኢ ለኸየት፡ ኣእጋሩዉን ብጸጉራ ደረዘት። ከም ማርያም ገይሩ ንየሱስ ሓለፋ ዝገበረሉስ ነይሩዶ፧

    3) ካባኻ ዘይወሰድ ነገር ተጥሪ ኣትኩሮኻ ኣብ ሓደ ነገር ምስ ዚኸዉን፡ እቲ ነገር ካባኻ ማንም ክሳዕ ክወስዶ ዘይክእል ክትዉንኖ ትበቅዕ። ማርያም እቲ ዝሓረየቶ ነገር ካብኣ ከም ዘይዉሰድ ጐይታና ባዕሉ መስኪሩላ ኣሎ። ኣብ ምስላ ናይቲ ዘራኢ ከም እንምልከት(ማቴ. ምዕራፍ 13) እቶም ሰለስተ ጉጅለ ሰባት ኣብቲ ቓል ኣትኩሮ ስለ ዘይገበሩ፡ ልባቶም ናብ ካልእ ነገራት ስለ ዜግፈሐ፡ እቲ ቃል ካባታቶም ተወሰደ። እቶም ጽቡቕ ልቢ ዚነበሮም ሰባት ግን ናብ ፍሬ (ምዉናን) በጽሑ።

    4) ዓወት የጎናጽፍ ኣትኩሮ ኣብ ዚገበርካሉ ዓዉዲ ክትዕወት ምዃንካ ዘየጠራጥር እዩ።

    ማርያም ኣትኩሮኣ ኩሉ ናብ ጐይታና ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ዝዋጉኡ ቅብኢ ከም መስዋእቲ ንኽትከፍል ሓይሊ ረኸበት። በቲ ዚገበረቶ ድማ፡ ጐይታና ወንጌሉ ኣብ ዝተሰብከሉ ዘበለ ኹሉ ከም እትዝከር ቃል ኣተወላ። እንሆ እኳ ንሕና ክንዚክራ በቒዕና ኣሎና።

    ክሳራታት ብኩራት ኣትኩሮ

    1) ብዙሕ ጻዕሪ ኣትኩሮ ኣብ ዘይብሉ ጉዳይ ምስላጥ የልቦን፡ ኣማስያኡ ናብ ገለ ዘይብጻሕ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚኸዉን ፡ ማርያም ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር ነበረት። 2) ንኻልኦት ምጥቃንን ወጸዓ ፡ ክሲ ኣመሰሉ ዘየድልዩ ስሚዒታትን ኣትኩሮ ዘይምህላዉ ዘስዕቦ ብዙሕ ጻዕሪ ኣደዳ ዘይተደለየ ስሚዒታት እዩ ዝገብረካ። ምስ ጻዕርኻ ዝመጣጠን ዓወት ስለ ዘይትረኽበሉ ድማ ናብ ጸቕጢ (depression) የምርሓካ። ማርታ በቲ ኣብ ቤታ ዚተፈጥረ ኩነታት ብዙሕ ዘይተደለየ ስሚዒታት ክወራ ከም ዝጀመረ ካብቲ ናታ ቃላት ክንርደኦ ንኽእል ኢና። “ ደዉ ኢላ ኸኣ “ ፡ ቀዳማይ ነገር በቲ ዝኾነ ነገር ስለ ዝኸሰረት (frustration) ደዉ ክትብል ተገደደት። “ ሓብተይ ሓዲጋትኒ ” ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኣ፡ ጽግዕተኝነት ድማ ኣጥቀዓ። “ በይነይ ከገልግል “ እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ኣብ ዉሽጣ ዝስምዓ ዝነበረ ወጽዓ ዘተንብሃ እየን። “ ግዲ የብልካን “ በዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ንማርያምን ንጐይታናን ከም ዝነዕቕዋ ዘስምዕ ናይ ክሲ ቃላት ኣዝነበትሎም። ሰባት (ወለድና፣ መሳርሕትና፡ ኣገልገልትና፡ የዕሩኹትና፡ . . . ወዘተ) ዘይተገደሱልና ዝመስለና እዋናት ሒደት ኣይኮነን። በዚ ተደሪኽና ድማ ናብ ዘይተደለየ ስነኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ ንቃላዕ። እዚ ግን ኩሉ ግዜ ሓቂ ኣይኮነን፡ ሰባት ዘይተገደሱልና ኮይኑ ኣብ ዝስምዓና ግዜ ንሕናዉን ሓቢርና ኣብቲ ንሳቶም ተገዲሶምሉ ዘለዉ ነገር ክንሓስብ ከም እንኽእል ነስተዉዕል። ከምዚ ምግባርና ድማ ካብ ዘይተድለየ ስነኣእምሮኣዊን ስሚዒታዉን ጸገማት ክንገላገል ዝክኣል እዩ። 3) እዚ ክልተ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ሳዕቤናት ተደማሚሩ፡ ጠንቂ ጭንቀትን ጓህን እዩ ዝኸዉን። ጐይታና ንማርታ ስማ ክልተ ግዜ ክሳዕ ዝጽዉዕ እቲ ዘምጸኣቶ ሰበብ ክንደይ ቀሊል

    ከምዘይነበረ ምግማት ዝክኣል እዩ። ጐይታና ንማርታ በቲ ዝኾነቶ ነገር ክነቕፋ እንከሎ ፡ ንማርያም ግን ሰለቲ ዘርኣየቶ ኣትኩሮ ነኣዳ። ብድሕርዚ ነቐፋ እዚ ማርታ እንታይ ገይራ ትኸዉን ኢልኩም ትሓስቡ። ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ እኳ እንተ ዘይበለና፡ ንዓይ ኮይኑ ከም ዝስማዓኒ፡ ማርታ ነቲ ኣብ ኢዳ ዝነበረ ማይ ዝመልኤ ሓርቢ ናብ ባይታ ኣቐሚጣ ኣብ ጸጋመይቲ እግሪ ጐይታና (ማርያም ኣብ የማነይቲ እግሩ ተቐሚጣ ከም ዝነበረት ጌርና ንዉሰዶ) ተቐሚጣ ዘረብኡ ክትሰምዕ ጀመረት። እዚ ማለት ኣትኩሮኣ ናብ ሓደ ነገር ናብቲ ዘይዉሰድ ጽቡቕ ግደ ገበረት። “ መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ “ ድዮም ዝብሉ ዓበይቲ ፡ መሲለ መሲለ ማዕልቦይ ናባይን ናባኹምን ምዃኑ ካብ መጀመርታ ዝዘንጋዕኩሞ ኣይመስለንን። እምበኣር ኣብ ኩሉ ሸነኽ ናይ ህይወትን ኣትኩሮ የድልየና ኣሎ። “ ስለምንታይ እየ ኣብዚ ነገር እዚ ዘይተዓወትኩ፧ “ ኢልኩም ንገዛእ ርእስኹም ሓቲትኩማ ትፈልጡ እንተደኣ ኮይንኩም ፡ “ ብርግጽ ካልኦት ናብ ውድቀት ዘብጽሑ ረቛሒታት እኳ እንተሃለዉ 70% ግና ኣትኩሮ ዘይምህላው እዩ “ ዝብል መልሲ ኣሎኒ። ስለዚ ኣብ ህይወትና ኣትኩሮ የድልየና ኣሎ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተንብቡሉ ግዜ ፡ ካብ ሓንቲ መጽሓፍ ናብ ካልእ መጽሓፍ ኣይንናጠር ፡ ኣቐዲምና ሓንቲ መጽሓፍ እሞ ንምረጽ ንዓኣ ድማ ጽቡእ ጌርና ንደጋግማን ነጽንዓያን ፡ እቲ ካብኣ ክንረኽቦ ዝግበኣና ብዙሕ ቁምነገር ንርከቦ። ከምኡውን ሓደ ሞያ ምስ እንጅምር እሞ ገለ ዕንቅፋት ምስ ዘጋጥመና ተቐዳዲምና ናብ ካልእ ኣይንቐይር ፡ ብድሆ ዘይብሉ ሸነኽ ናይ ህይወት ስለ ዘየለ ፡ ተጋዲልና ነታ ሞያ ነብስላ ፡ ምስ ግዜ ድማ ክንዕወተላ ኢና። ከምኡውን ኣብ ካልእ ሸነኻት ህይወትና ኣትኩሮ ይሃልወና። መደምደምታ ፡ ኣትኩሮ ናይ ዉሳኔ ጉዳይ እዩ። ማርያም ግና ካብኣ ዘይዉሰድ ግደ ሓረየት፡ ማርያም ባዕላ እያ ዝሓረየት፡ ዝደፋኣ ሰብ ኣይነበረን ፡ ስለዚ ኣብቲ ዝድልየካ ነገር ኣትኩሮ ክትገብርን ዘይክትገብርን ናትካ ዉሳኔ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

    ጃይራ ካብ ከባቢ ቢታንያ ቤት ማርታ

    ኣብ ቤት ማርታ ... ... ካብ ገጽ 2 ዝቐጸለ

  • ገጽ 07 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    ዓምዲ ካብ ኩሉ ሸነኽ ኣገልጋሊ

    ኩሉ ዝመልኣሉ ብኹሉ ዝኸበረ

    ኣብ ዝኸዶ ዝስማዕ ኣብ ኩሉ ማዕረ ንኹሉ ዝፈልጥ ገለ እኳ ዘይጠፍኦ

    ፍጹም ዘይጋገ ኩሉ ዝርድኦ

    ሕቶታቱ ምሉስ ቆፎታቱ ቅጹጽ ኣብ ቤቱ ምርኡይ ኣብ ደገውን ውርጹጽ

    ሽግር ዘይገጥሞ ብድሆ ዘይብሉ ኩሉ ዝቐንዖ ኩሉ ዝሰልጠሉ

    ድላዩ ዝገብር ከምቲ ዝመስሎ ሓሳቡ ዘስልጥ ብተሎ ብተሎ ንኹሉ ዝእዝዝ ኣዛዚ ዘይብሉ

    ኩሉ እሺ ዝብሎ ክፍጽም ንቓሉ

    ኣገልጋሊ ደኣ መዓስ ከምዚ ኾይኑ ትሕት ዝብል እምበር ክስከም ንኹሉ መንኩቡ ዘስፍሕ ብዙሕ ንኽጸውር ንምስጢር ኣሕዋቱ ኣ ልቡ ዝዓቁር’

    ከም ስሙ እምበር ባርያ ኣሕዋቱ

    ጾሩ ደርብዩ ዝስከም ብጾቱ ንኽእዘዝ እምበር ንኽእዝዝ ዘይህንደድ መንኩቡ ዘትሕት ክስከም ዘፍቅድ

    እወ ትርጉም ኣገልጋሊ!

    ፍቓድ ጎይታኡ እምበር ፍቓድ ዝደርበየ ሓጎስ ዝኸውን ክብረት ኣሕዋቱ እንተረኣየ

    ዘይጸባጸብ ንዓስቡ በቲ ዝገበሮ ብፍታው ዘገልግል ነቲ ዝመሓሮ

    ካብ ሰባት ዘይጽበ ዓስቢ ይኹን ሞሳ ዕጅብውን ዘይብሎ ናይ ሰባት ወደሳ ኣርጊጹ ዝፈልጥ ንመን ከም ዝዓዪ ብነቐፋ ዘይስነፍ ንቕድሚት ዝጎዪ

    እዚ እዩ ኣገልጋሊ

    ትሕት ዝብል ጸጋ ንኽቕበል ባዕሉ ንኸስልጥ ዘይብል ሸንኮለል ልቡ ብኣምላኹ ፍጹም ዝተወከለ

    እቲ ሓቂ ዝበርሃሉ ብስጋ ከምዘይዕየ

    ኣብ ውሑድ ዝእመን ኣብታ ዝተዋህበቶ እግዚኣብሄርውን ዝብሎ

    “ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ “

    ንሕናውን ሎሚ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ክንቀርብ ብጽድቂ ኣሕዋተይ ትሕት ንበል ከም ኣገልገልቲ ክንቀውም ኢና ኣብ መንበር ፍርዲ ጸብጻብ ክንህብ ብሓንቲ ብሓንቲ

    ክመጸና እዩ እቲ ዘፍቀረና

    ርስቱ ክንኮኖ ብደሙ ዝዓደገና ከእትወና ንዮሩሳሌም ናይ ዘልኣለም ሃገርና!

    ኣሜን!

    ትርሓስ ገባር

    ድሕን ድዩ ደኣ እዚ ሰብኣይ ክንድዚ ዝጭነቕ፧

    እግዚኣብሄር ካባና ንላዕሊኣብሊጹ ከም

    ዘፍቅሮ ስለ ዘይተረደአ እዩ!

    ጭንቀት

    ወጻኢታት

    ዕዳ

    ወርሓዊ

    ክፍሊት

    $

    $

    $

    ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ

    ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ማቴ. 6፡26-27

    †oÊED¢ …ÃHIÍ KÃöHÏ eªê] KÃöHÏ eªê] mk…ÄHIÍ„ê mksêI ‹ÏFpq ኣለዎ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

    ‹ÏDï ዛ}p (NARRATIVE)

    †rM cªNq 17 |§ mkDê§ ‰ïª}} †rM cªNq 5 |§ H©öa ‰ïª}} KÄIÏoñ …mksï ‹ÏDï †sï §¹eDሉ። ዝተፈጸመ ታሪኽ ድማ የዘንትዉ። ‹ÏDï sSl ፡ KF†‹ oñ ‘§ ]mk‰q" (DISCOURSE)

    ²D KጻHÏoñ mkDê§ ‰ïª}" ]mk‰q ¢[é]} AgX¥q} ‰M„ê ኸኣ |§ H©öa ‰ïª} KF†‹ qpq። እoñ ÃHÌ: {rM sïÃHÊD÷M [lq Mኽ}¥q} KS©ö†} †|Ak {oñ sï²¹NM òM KÏqGï ¢KHEFÏ"KÃöHÏ eªê\gñ [So-†M{q (BIBLICAL DOCTRINE) …mksï ‹ÏDï †sï §¹eDF;

    e{ó (´¹Lð) /POETRY/

    ‘éa¸gñ FMM©ö sï²FÃö ‹ÏDï †£; †oñ ÃHÌ }†´sï…mkAôX} {rM M]„ê sD’ …K}q} Fké §²FÃD÷M; …mksï ‹ÏDï †sï sï¹ቕDDê KÄIÏቲ KÃöHÏ †¨mk " K›KéS ªgñq "KAF¢ KAF§"©²é– „íXLð¥]"‰M„ê‘é} …mk V†§ ¨A}] sïX‰ké KዛKéX"

    KÃöHÏoñ q}kïq (PROPHETIC)

    †sï ‹ÏDï †sï c¹p ´© †´sï…mkAôX …mk F—Dï A²Vq ¢KF‹q"KF†‹ oë ‰ … mkV†§ "mkK·}cep "mkዛ—l H·ï…q mkÏE§ ድማ A²Vgñ H·ï…q "]Doñ sïKÃö† ÏXªï" ‰M„ê‘é} {rM †M{rM …Ãö{ðዖM sïÃök£"sïÃök¨M kSኸ q} –]kï –‘q} †|²Dà †oñ ÃHÌ ‰M …Ï …ME‹ ኮይኑ sKHEFÐ †£; …mksï ‹ÏDï †sï sSl …D÷" e{ó …D÷"‰M„ê‘é} ዛ}p …D÷; }…mk{q" {mk¥q ›ÃHÏÈ KÄIÏoñ q}kïpq; ÏF]Ï| (PHILOSOOHY)

    †sï ‹ÏDï †sï# [mk mkXªï„ïoë ›Sኸ n |§ [mk ·l§ sï²FÃö ‹ÏDï †£; †oñ [lኺ: }|mkV –DM mkmksêI K†ogñ„ê" ‰êDê [mk mksïX©ö‡ K²ªï §²FÃö"…mkoñ KF†ኽoñ ከ… K}Ê\gñ qI›r qSኽ kDê; …mksï ‹ÏDï sï¹eDDê"KÃöHÏ M\Dí"KÃöHÏ K‹mkmk እየን።

  • ገጽ 08 ግንቦት 2015 ኤሊም 10ይ ዓመት ቁ.79

    ሓባር ኣይኮነን ኢላትኒ ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ኣነ ኣይፈተኽዎን ኣብ ሓዳር እንታይ ጽልዋ የምጽእ፧ መልሲ፣- ብርግጽ ከም ሕጊ ሕጊ ዘስፈሮ መምርሒታት ኣሎ ፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ገሊኤን ሃገራት ሕጊ ከምዚ ይብል ፡ ሰብ ሓዳር ብዝኾነ ምኽንያት ናብ ፍትሕ ምስ ዝበጽሑ ቅድሚ ምምርዓዎም ዘጥረይዎ ንብረት ናይ ሓባር ኣይከውንን። እዚ ሕጊ መንግስቲ ዝእዝዞ ትእዛዝ እዩ። ናብቲ ክርስትያናዊ ሓዳር ድማ ንምጻእ። ገና ቅድሚ ናብ መርዓ ምብጻሕካ ብዛዕባ ዘጥረኻዮ ንብረት ትጸባጸብ እንተ ኾንካ ነዚ ዝምድና እዚ ንሓዳር ብቑዕ እዩ ክንብሎ ኣዝዩ ዘጸግም እዩ። ናብ ሓዳር ክንኣቱ ከሎና ፡ ክሳዕ ህይወት ሓድሕድና በጃ ከም እንወሃሃብ ክርደኣና ይግበኦ ፡ ኣቐዲምና ብኸምዚ ነገራት እንዋጠር እንተኾይንና ግን ናብ ናይ መርዓ ውሳኔ ኣይንተሃወኽ። ሕቶ፣- እታ ዘፍቀርኩዋ ሓብቲ ምስቲ ዘሎኒ መንፈሳዊ ራእይ ዘይትኸይድ ዓይነት ምስ እትኸውን ነየናይ ከቐድም ኣሎኒ፧ ብካልእ ኣዘራርባ ንመንፈሳዊ ጻዊዒተይ ንፍቕርን ኣብ መውስቦ ብኸመይ ከሰማምዖም ይኽእል፧ መልሲ፣- ኣጸጋሚ ሕቶ እዩ፣ ጽውዓ ዘለካ ሰብ ኢኻ መስለኒ ። ብኹሉ ሸነኽ

    ንጽውዓኻ ተረዲኣ እትድግፈካ ሓብቲ ክትረክብ ኣዝዩ ጽቡቕ ነይሩ። ከምዚ ዝበላ ኣሕዋት ዋጋ እንዳ ኸፈላ እየን ንሰብኡተን ዝድግፋ። ሓደ ሓደውን ናይ ጽውዓ ነገር ክይተረደኣን ናብ ሓዳር ይኣትዋ እሞ መነባብሮ ይኸብደን ድሒረን ግን ኣብ መንፈሳዊ ብጽሕና ምስ ወሰኻ ንፉዓት ደገፍቲ ይኾና እየን። በዚ ኾነ በቲ ግን ኣብ ሓዳር ናይ ሰበይቲ ረቋሕነት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ሓደ ነገር ክትርድኦ ዝደልየካ ግን ምናልባት ነታ ሓብቲ በየናይ ሸነኽ ትግምግማ ኣሎኻ ከተስተውዕል ይግበኣካ። ናይ ግድን ብዙሕ ሰዓታት ስለ እትጽሊ ወይ ቃል ኣምላኽ ስለ እተንብብ ጥራይ ኣይኮነትን ንራእይኻ እትድግፍ። ብኻልእ ሸነዅን ንስኻ ነቲ መንፈሳዊ ነገር እንዳ ዓመምካ ከሎኻ ንሳ እቲ ንገዛ ዘድሊ ፋይናንሳዊ ሸነኽ እትዓመልካ ክትከውን ዝከኣል እዩ። ንኣብነት ብዓልቲ ቤተይ ኣድያም እንተ ወሲድና ፡ ኣነ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልሎት ክነጥፍ ከለኹ ንሳ ድማ ፋይናንስ ናይ ገዛ ትዓምም ስለዚ ንዓይ ብቕዕቲ ደጋፊት ኮይናትኒ ኣላ ማለት እዩ። ከምዚውን ኣሎ። ሕቶ፣- ፍትሕ ኣይፍቀድን እዩ ኢልካ እሞ ፡ መጽሃፍ ቅዱስ ግን ብምኽንያት ዝሙት ፍትሕ የፍቅድ እዩ። እቲ መጻምድትኻ ናብ ዓለም ተመሊሱ ኣብ ሰይጣናዊ ስራሕ እንተ ተዋፊሩኸ እንትይ ትገብር፧ መልሲ፣- ፍትሕ ብምኽንያት ዝሙት ብሙሴ ተፈቂዱ እዩ ፡ ግን ከኣ ብትሪ ልብና እዩ እምበር ካብ መጀመርታስ ኣይተፈቕደን። ሕራይ እቲ ሕግሲ

    የፍቅደልና ይኸውን ፡ እቲ ፍቕርናኸ ክሳዕ ክንድዚ ክብጆ ዘይክእል ድዩ ነይሩ። ፍትሕ ድማ ብዓቢኡ ክሳራ እምበር መፍትሒ ኣይኮነን። ብዓቢኡ ድማ ካብ ነብዪ ሆሴእ ብዛዕባ እዚ ክንመሃር ንኽእል ኢና (ንዝያዳ ሓበሬታ ትንቢት ሆሴእ ኣንብብ)። ስለዚ እቲ ክንሓስቦ ዘሎና ነገር ፍትሕ ዘይኮነ ከመይ ጌርና ነቲ ዝነበረና ህይወት ናብ ናይ ቀደም ንመልሶ እዩ ክኸውን ዘለዎ ፡ እቲ መጻምድና ክብድል ይኽእል እዩ ግናኸ ከመይ ጌርና ንመልሶ ንሕሰብ። ድሓር ድማ ገና ቅድሚ መርዓ ብዛዕባ ፍትሕ ከምዚ ዓይነት መረዳእታታት ክህልወካ ጽቡቕ ኣይኮነን። ሕቶ፣- ምስ ሓንቲ ሓብቲ ናብ ሓዳር ዘቕንዐ ዝምድና ጀሚርና ፡ ኣብ መንጎ ግን እዛ ሓብቲ ምስ መሓዝኣ ኣላልያትኒ። ኣነ ድማ ዝያዳ ነታ መሓዝኣ ፈትየያ እሞ ፡ ምስዛ ሓብቲ ዝምድናይ ኣቋሪጸ ናብ መሓዘኣ እንተአበልኩስ ጌጋዶ፧ መልሲ፣- ጌጋ እዩ ፡ ኣታውን ወጻእን ዝኾነ ልቢ ከይህልወካ ይፈርሃልካ። ዋላ እኳ ቀለቤት እንተዘይገበርክላ ናይ ፍቕሪ ጦብላሕታ ክሳዕ ዝነበረኩም ካብዚኣ ናብቲኣ ክትሰግር ከሎኻ ነታ ቀዳመይቲ ሓብቲ ትብድላ ኣሎኻ። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎም ሰባት ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕማቕ ኵአድቁ ርእየ ኣለኹ ፡ ስለዚ ቃልካ እተጽንዕ ሰብ ኩን ፡ እግዚኣብሄር ይሓግዝካ።

    ተፈጸመ

    ሕቶን መልስን ... ካብ ገጽ 1 ዝቐጸለ

    መቑረጽቲ ኣይትኾኑን። ኣብ ኢሳ. 50፡4 ብዛዕባ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዛረብ ዘደንቕ ትንቢት ኣሎ። “ ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናእ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምእስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምእስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን “ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦዑ ኣዝዩ ጥቡቕ ሕብረት ነበሮ። ኣንጊሁ ዝሰምዖ ቀዳማይ ድምጺ ናይ ኣቦዑ ድምጺ ነበረ። “ ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ። “ ፡ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ጎይታ ጥራይ ዘይኮነስ ንፉዕ ወደ መዝሙርውን እዩ ነይሩ ፡ ነቲ ድኹም ከመይ ገይሩ ከም ዝድግፎ ካብ እግዚኣብሄር ይመሃር ነበረ። ምስትውዓሉ እንተ ተኻኢሉና እዚ ሓሳብ እዚ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። ንሕናውን እንተኾንና ካብ እግዚኣብሄር ምርሒት

    ክንቅበልን ድምጹ ክንሰምዕን ንኽእል ኢና። ኣብ ናይ ስራሕ ቦታና ፡ ኣብ ቤት ትምህርትና ወይውን ምስ ጎረባብትና ፡ ዝሓዝኑን ተስፋ ዝቖርጹን ሰባት ምስ ዘጋጥሙና ፡ ምስኣቶም ሓቢርና ተስፋ እንቖርጽን እንደናገርን ሰባት ክንከውን ኣይግባእን። ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንተኾይንና ፡ ኣብ ውሽጢ ምልኣት እግዚኣብሄር ኢና ዘለና እሞ ኩሉ ግዜ እንህቦ ነገር ኣሎና። ተስፋ ዘቑርጹ ሰባት ፈጺምና ክንኮኖ ዘይብልና ነገር እዩ። ፈታሕቲ ሽግር ደኣ እምበር ተስፋ ዘቑርጹ ሰባት ብምዃንና ፈጠርቲ ሽግር ኣይንኹን። እዚ ዘካፍለኩም ዘለኹ ሓሳብ ኣብ ህይወተይ ኣዝዩ ጠቓሚ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ንዓኻትኩምውን እንተኾነ ከም ዝጠቕመኩም እምንቶይ እዩ። መን እዩ ጅግና ፡ ንዝብል ሕቶይ ዝሃብክዎ መልሲ ደጊምኩም ክትዝክርዎ ይደሊ። ጅግና እቲ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዘቐመጦ ስፍራ ተረኺቡ ነቲ ካብኡ ዝጥለብ ብጽሒት ዕዮ ኣማሊኡ ዝርከብ ሰብ እዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ዝመደበልና ናይ ዕዮ ብጽሒት ብዝግባእ ንምፍጻም ፡ ኣርባዕተ መሰረታውያን ባህርያት ክንውንን ከም ዘለና ኣቐዲመ ገሊጸዮ ኣለኹ። ንምድጋም ዝኣክል እተን ኣርባዕተ ባህርያት እዚኣተን እየን።

    1. ንገዛእ ርእስና ናይ ሓደ ምሉእ ዝኾነ ነገር ኣካላት ደኣ እምበር ፡ ንገዛእ ርእስና ካብ ካልኦት ነጺልና ከም ውልቀ ሰብ ጥራይ ክንፈልጣ የብልናን። ብዛዕባ ካልኦት ብዝምልከት ድማ ግዴታታት ከም ዘሎና ንፍለጥ። 2. ዝምድና ምምስራት ወይ ምስ ካልኦት ሰባት ተቐራሪብና ክንነብር እንኽእል ሰባት ንኹን። ብቓል ኪዳናዊ ምትእስሳር ዝተተሓሓዝና ስለ ዝኾንና ምስ ሕብረተሰብና ይኹን ምስ ቤተሰብና ወይ ምስ ስድራቤትና ዘለና ዝምድና ዝተስተኻኸለ ይኹን። 3. ወሃብቲ ድማ እምበር ተቐበልቲ ጥራይ ኣይንኹን። በተሓሳስባና “ ካብዚ እንታይ ክረብሕ እየ ፧ እንታይ ክጥቀም እየ ፧ “ በሃልቲ ዘይኮንናስ “ እንታይ ከበርክት ፡ እንታይ ክህብ ይኽእል “ በሃልቲ ንኹን። ኣብ ዝኾነ ይኹን ዝሓዝናዮ ስራሕ ድማ ብሉጻት ኮይንና ክንርከብ የድሊ። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ንኽርስትናና መሸፈኒ ስንፍናና ክንገብሮ ኣይግባእን። 4. ፈታሕቲ ሽግር ደኣ እምበር ፈጠርቲ ሽግር ኣይንኹን። እነበራትዕን እነጸናንዕን ደኣ እምበር ተስፋ እነቑርጽ ሰባት ኣይንኹን።

    ኣወገድቲ ... ... ካብ ገጽ 3 ዝቐጸለ